ቀዳማይ ክፋል

መሓዙቻ ብድሕሪ ዋዕላ መንእሰያት ዲሲ ሕማም መርዘን ተላዕላታ ኣይ ንላዕሊ ኣይ ንታሕቲ ኮይና ተጨናኒቓ’ያ ቀንያ፡፡ ኣዕንታ ዝጠመተኦ ኣሚና ክትቕበሎ እኳ ኣዝዩ እንተኸበደ “ በቃ ተደፊርና ወይ ኣነ ግድሽ!” ትብል ሓረግ ግና ካብ መካፍቲ ኣፋ ክትፈልያ ኣይከኣለትን፡፡ ካቡኡ ሓሊፉ እውን ለይቲ ለይቲ በተግ ኢላ ባህሪራ ትትስእ እሞ “ ሓቂ ዲዩ?” እንዳበለት ከተህተፍትፍ ዝስምዓ በዓል ቤታ “ ኣቲ ሰበይቲ በስምኣብ ኢልኪ ‘ዶ ኣደቅስና” ኢሉ ስለ ዝገንሓ፡ ቃል በጨቕ ከየበለት ግምስስ ኢላ ዝደቀሰትሉ እዋን ዉሑድ ኣይነበረን፡፡

ሳልስቲ ይገብር ምስ ኮነ ይዅን ከይትዛረብ ኣፋ ሎጕማ እኳ እንተቐነየት፡ ኣብ ውሽጢ ከብዳ ዓብዒባ ዝሓዞቶ ሕማም ግና ፈዲሳ ከተስተንፍስ ርብጸት ኣሕዲራ’ያ፡፡ በዚ’ያ ድማ ናብ ብርጭቖ መሓዝኣ ስልኪ ጭር ኣቢላ ከተዕልላ ዝወሰነት፡፡

“ ብርጭቖየይ ኣለኺ ዶ? እንታይ ድኣ ደሃይ ኣጥፊእኪ? ሎሚ ዶ ጽባሕ እዛ መሓዛይ ትቕልቐለኒ ክጽበ ጨ ገይርክኒ፡፡ እዛ ግዜ ኡፍፍፍ….ተታሒዘ እንዲየ ብርጭቖይ…. ቅዱስ ሚካኤል ኣቦይ ደኣ ባዕሉ ይምሓረኒ እምበር….ሎምስ ደልዩኒ’ዩ”

“ እዋይ እዛ መሓዙቻ…..ከም ዝተጸልኣኪ ዘይፈልጥኵ፡፡ ኣነስ ኣብቲ ሰለማዊ ሰልፍና ቅልቅል ዘይምባልክሲ እዋእ…ካብ መዓስ ድኣ መሓዙቻ ትተርፍ ኢለ ሓምየኪ ነይረ፡፡”

“ ኦኦኦኦኦ ናይ ሰለማዊ ሰልፊ ገዲፍኪ ተዛረቢ፡፡እንታይ ዘረባ ኣለዎ ብርጭቖየይ…..ዘይንሱ ድኣ ኣብዘይሕማመይ ኣብጺሑኒ ዘሎ…..”

“ ነይርኪ ዲኺ?” ብሕቶ ኣዋጠረታ ብርጭቖ፡፡

“ ኣቲ ግደፍናስ ሕማምና ኣይተላዕልልና፡፡ ኣይ ብደውና እንዲዮም ደፊሮምና፡፡ ሎምስ ከኣ ሕሉፍ ሓሊፎም ኣብ ዲሲ ክመጹ፡፡ ወይለይ ኣበይ ዲና ተባጺሕና?”

“ እዋእ መን ክደፍረና ኣንቲ….. ኣብ ቤተ-መንግስቲ ኣመሪካ ሆ ክንብል ኣንቐርና ክትወጽእ እንታይ ተሪፍዋ?…..ደፊርናዮም እባኒ….እዋእ እንታይ ዘረብኡ ኢኺ ተስምዕኒ ዘሎኺ መሓዙቻ?”

“ ኣቲ ብርጭቖየይ…..ዋይት ሃውስ ምባል ክትጠፍኣኪ? ሰላሳ ይር ተቐሚጥኪ ኣብዚ ካውንትሪሲ ቤተ-መንግስቲ ኣመሪካ ክትብልዮ?”

“ ኪርኪርኪር….” ኢላ ብርጭቖ ዳእላዊ ሰሓቃ ብድሕሪ ምፍናው “ እዋእ እዛ መሓዙቻስ ኣነ ድኣ ብትግሪኛ ተርጕመ ኢለ እኮ’የ እምበር…..መዓስ ጠፊኡኒ…”

“ እስኵዛ ብርጭቖየይ ሃለፍ ከብለኪ ኢለ እኮ’የ፡፡ ብዝኾነ መዓንጣ ከብደይ እባ ኣሕርር ኣበሉኒ፡፡ መዓንጥኦም ድኣ ትሕረር እምበር፡፡”

“ ኣንቲ መሓዙቻ ናይ ብሓቂ ኢኺ ሓሚምኪ፡፡ መን ድኣ’ዮም ንሱም?”

“ መን ንሱም ድኣ ንሱም እምበሪ፡፡ እቶም ለሓስቲ ብልየት ወያነ፡፡”

“ ምስኦም ድኣ ኣበይ ተራኸቢ መሓዙቻ፡፡ ኣቲ ንስኺ እኮ ጠንቓም ኢኺ፡፡”

መሓዙቻ ዋዕላ መንእሰያት ኣብ ዲሲ ክግበር’ዩ ካብ ትሰምዕ ኣትሒዛ ዋላ ኣይቐሰነትን፡፡ ብፍላይ ድማ ዓርቢ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ፊት ኢምባሲ ህ.ግ.ደ.ፍ ክግበር መደባት ወጺኡ ኣሎ ዝብል ወረ ንኣእዛና ምስ ጸለወ ዛራ ተላዕልዋ ሓፍ ፈጠቅ ኢላ፡፡ ኢምባሲ ህ.ግ.ደ.ፍ ነዚ መደባት ንምፍሻል ላዕልን ታሕትን ክብል’ዩ ወርሑ፡፡ ኣብ ቅንያት መዓልቲ ናጽነት፡ ጓይላን ዳንኬራ ከዋድድ እምበር ሰለማዊ ሰልፊ ክጽውዕ ሓሲብዎን ሓሊንዎን ዘይፈልጥ፡ ኣብ ሽዑ በጺሑ ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ጕንበት 25 ብሃታ ሃታ ምጽውዑ ኣብ ትዕዝብታዊ ኣዕንቲ ዘእተዎ’ዩ ፍጻሜ ነይሩ፡፡ እዚ ድማ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ኣብ ዲያስፖራ ዝነበሮ ሓይሊ ሚዛኑ ለጥቕ ኢሉ ካብ መጥቓዕቲ ናብ ምክልኻል ዝኣተወሉ ህሞት ሙዃኑ ኣይጠራጥርን፡፡

ነዚ ዋዕላ መንእሰያት ንምፍሻል ኣብቲ ዝጻወድ ዝነበረ ሽርሕታት መሓዙቻ ተሳታፊት’ያ ነይራ፡፡ ነቲ ብጋንታ ንሕና ሕዝቢ ዝተወደበ ኣብ ፊት ኢምባሲ ህ.ግ.ደ.ፍ ዝተወደበ ሰለማዊ ሰልፊ ንምፍሻል ብዙሓት ውዲታት እኳ እንተፋሕሱ፡ ኣብ መወዳእታ መሓዙቻ ዘቕረበታ ሓሳብ ግና ከም ቅብልቲ ገይሮም ክርዕምዋ ግዜ ኣይወሰዶሎምን፡፡

“ ኣቱም ነዞም ቍንጣሮ ከደምቲ ወይነ….ባዕለይ ኣለዅዎም ብዙሕ ኬር ኣይትሃብዎም፡፡ ኣነ በርበረይ ሒዘ ኣብታ ኣፍደገ ክጽበዮም’የ፡፡ ቅርብ ዝበልኒ ድማ ዑሙኽ እንዳበልኵ ግስም………ዑሙኽ እንዳበልኵ ግስም…….” ምስ በለቶም ክሳብ ኮራሩምቶም ዝርኤ ሲሒቖም ንሓሳባ ሓንጎፋይ ኢሎም ተቐቢሎሞ፡፡

“ መሓዙቻ ተረኽበ ኢልኪ ኪሎታት በርበረ ኣብ ባይታ ከይትንስንስዮ ጽባሕ ንግሆ ንመንግስትና ኣብ ክሳራ ከይትእትዎ፡ ጥብ ትብል በረበረ ኣብዛ ብሌን ኣዕንቶም ጨሚትኪ ከተእትውየን ኣለኪ፡፡ እንተዘይኮይኑ ግና ቃታ ኣይጸረየትን ተባሂልኪ ንሳዋ ወርዲኪ ጕቡእ ታዕሊም ክትወስዲ ኣሎኪ፡፡” በላ በዓል መዚ ኢምባሲ ህ.ግ.ደ.ፍ ዘጋፋት ናይ መንከሱ ጭሕሙ ብኣጻብዑ እንዳፈተለ።

መሓዙቻ ከም ዕላምኣ ሰለስተ ኪሎ በርበረ ኣብ ቀረጺት ቋጺራ ኣብ ኣፋፊት ኢምባሲ ህ.ግ.ደ.ፍ ኵዱም ኢላ ጭልም ክትብል’ያ ዊዒላ፡፡ እቲ ጎደና ፍልይ ዝበለ ምንቕስቓስ ኣይነበሮን፡፡ ድሕሪ ሰዓት ክልተ ግና ብማዕዶ ጭርሖታት ዝሰምዔት ስለ ዝመሰላ፡ ኣእዛና ኵር ኣቢላ ክትጸናቶ ጀሚራ፡፡ ኣይተጋገየትን፡፡ ብርግጽ እቲ ነጎድጓድ ዝጥዕም ድምጺ….እንዳጎልሔ መጺኡ፡፡ መሓዙቻ ከረጺታ ኣብ ኢዳ ሒዛ፡ መቐነጣ ሸጥ ኣቢላ በረበረ ክትዘሩ ኣብ ተጠንቐቕ ነይራ፡፡ ፖላይስ ዝጸዓና መካይን ምልሕ ምልሕ ክብላ፡ ከክንዲ ሓርማዝ ዝኾኑ ኣፍራስ ክጋልቡ ምስ ረኣየት ነግፈርግ በለት፡፡ እቲ ኣታውን ወጻእን ከይተፈለዮ ዝወዓለ ኣፋፊት ኢምባሲ ንመሓዙቻ ንድሕሪት ገዲፉ ክግፍተን ጀመረ፡፡ መሓዙቻ ልባ እኳ ህርመታ እንተዛየድ፡ ቡኡንቡኡ ግና ንህድማ ኣይተተሓሓዘቶን፡፡ ክሳዳ ኣወጢማ ነቲ ኣብ ጽርግያ ዝነበረ ተረ ዝበለ መስርዕ ምስ ረኣየት “ ኦኦኦኦ……እዚኦም ድኣ…..” ኢላ ጭራኣ ደጕላ ናብ ኣፋፊት ማዕጾ ኢምባሲ ክትሃድም ሓደ ኮነ፡፡ ኣብ ኣፋፊት ዝጸንሓ ሓደ ወደል “ ኣቲ ናበይ ትሃድሚ ኣሎኺ? እዋእ ኣይትሕፍርና ባ? በርበረ ኣብ ኢድኪ ሒዝኪ ክትሃድሚ?” ምስ በላ

“ እዋእ ሓቍ ድኣ…..ጠላዕ ጎበዝ ብድሕሪ ማዕጾ ተሓቢእካ፡ ኣነ ክፍግኣልካ ዲኻ ደሊኻ? ዶስ ወዲ ተባዕታይ በርበር ኣይስከምን ኢዩ ኢሎሙኻ ኢዮም፡፡” ነዛ ከረጺት በርበር ኣብዛ ሑቝፉ ኣቐሚጣ፡ ናብቲ ካልኣይ ደርቢ ዝወስድ ደረጃ ሓደ ብሓደ ክትድይብ ጀመረት፡፡ እቲ ከረጺት በርበረ ዝተሰከመ ወደል በጽሒ እውን ደው ኢሉ ክምክት ሓሞት ስለ ዝሰኣነ እግሪ-እግሪ መሓዙቻ ሰዓበ፡፡

ይቅጽል….


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...