ጸናሒት እዝኒ ዘይትሰምዖ የብላን ኢልኩም ብኣርእስታ ጥራሕ ፈሪድኩም ክትሓልፉ ንእትህቅኑ ኣንበብቲ ሰብሪ ክብል ይፈቱ።

እቲ ጊዜ መፋርቅ 1975 ኢዩ። ናይ በረካ ሓደር ምምሕዳር ንመጀመርያ ጊዜ ቆዋሚ መደበር ኣብ ገላዕሎ (/ደንከል) ክትህነጽ ፈቀደ። ገላዕሎ ዋላ ካብቲ ሓዲሽ መደበር ራሕቂ እንተዘይነበራ ብብዝሒቶም ኣብ ከባቢኣ ዝበቆሉ ዓበይቲ ዓላታት ክትረኤ ትክእል ኣይነበረትን። እንስሳ ዘቤታ ኣጣልን፡ ኣግማልን ብብዝሒ ነበራ። ኣእድግ ገላዕሎ ምስ ኣእዱግ በረካ ተሓዊሰን ክውዕላ ከሎዋ፡ ኣይኮነን ንጋሻ ንዋና ከይተረፈ ንምፍላየን ኣጸጋሚ ነበረ። እዚ ካብታ ነብስና ንምክኣል ኢልና ዝሰራሕናያ ሓዳስ ልዳት ጎጆ ኾይና ክንዕዘቦ ኸሎና ኢዩ። ነዊሕ ከይጸንሔት፡ ማለት ድሕሪ ገለ ኣዋርሕ ከኣ ገላዕሎ መሓዛ ረከበት። ዓሳ ዒላ (ቀይሕ ዒላ) እውን ሓድሽ እምኒ መሰረት መደበር ተቀመጣ። ስለ ከባብን ግዜን ቀንዐ ኢለ ኣሎኩ።

ቀጺሉ፡ ሓደ መዓልቲ ኣነን ሓደ ግዳም ሓደር ብጻይን ካብ ዓሳ ዒላ (ቀይሕ ዒላ) ገላዕሎ ኣብጺሑ ዝመልስ ጉዳይ ነበረና። ዋኒንና ህጹጽ ብምንባሩ ኣውዒሉ ዘሕድር ኣይነበረን። ደኪመ ዘይወጽኤን ኣእጋር ጉዳየን ወዲኤን ንዓሳ ዒላ ኣብ ዝምለሳሉ ዝነበራ ጊዜ ጸሓይ ዓረበተን። ጥሜት ከብድና ክሳብ ዓሳ ዒላ ዘብጽሕ ስለዘይነበረ ንእግረ መገድና ጎፍ ኣብ ዝበለትና ስድራ ድራር ሓተትና። ትጽቢት ዝገደፈልና ኣይነበረን። ዝኾነ ኾይኑ ድሕሪ መርገም ከብዲ ካብ መሕደሪ - ነብሲ ዘይሓልፋ ጸባ ጀባ በሉና። ንዝተወሃበና ጸባ በብእብረ ፊት እንዳበልና ኣብ ምስታይ ከሎና፡ ኣነ ብገርሂ ሓንቲ ኣቀዲመ ዝሰማዕኹዋ ቃል ኣምለቕኩ። ንሳ ከኣጸባ ደርሆወይ በታ ናይ እዋን እቲኣ ቃል ልኽዕለበን ኣልጁዳድበልኩ። ከም ኣጋጣሚ እቲ መካይደይ ግር ስለዝበሎ በዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ጌሩ ነገሩ ከጻሪ ፈተነ።

ሕቶ፡ ስማዕስ ደርሆ ትሕለብ ድያ?

መልሲ፡ እወ፡ ናይ ከበሳ ደርሁ ይሕለባ ኢየን።

ሕቶ፡ ደርሆ ብምንታይ ትሕለብ?

መልሲ፡ ብኩባያ።

ሕቶ፡ ጸባ ደርሆ እንታይ ይጥዕም?

መልሲ፡ ሓፊስዩ፡ ዳርጋ ልጌዔ።

ሕቶ፡ ሓንቲ ድካ ስድራ ክንደይ ዝሕለባ ደርሁ ኣሎዋኣ?

መልሲ፡ ክሳብ ሳላሳ፡

ሪእቶ፡ ይግረምካ ኣነ ደርሆ ክብሉ ይሰምዕምበር ደርሆ ብዓይነይ ሪኤ ኣይፈልጥን።

ሪኢቶ፡ ከበሳ እንተደይብና ጸባ ደርሆ ክጥዕሞ ኢየ፡ ኣብ ምጥዓመይ ከኣ ክትትሓባበረኒ ኢካ።

ሪእቶ፡ ኣብኡ የብጽሓና።

ንኣፍ ጦልቖም ንከብዲ ሓጥያት ዝነበረ ድራር ወዲእና ጉዕዞና ቀጸልና። ኣነ ኣብ ቀጻሊ መገድና ክግልጸሉ ዝነበረኒ ሓቂ ከይገለጽኹ ድሕሪ ፍርቂ ለይቲ ኣቢሉ ይከውን ዓሳዒላ በጻሕና። ንጽባሒቱ ብጾት ኣብ ግዜ ቁርሲ መገሻ ከመይ ከምዝነበረ ንብጻየይ ሓተትዎ። ንሱ መገሻ ጽቡቕ ኔሩ፡ ይግረምኩም ኣነ ኣብ ጉዕዞና ሓድሽ ነገር ተማሂረ በሎም። እቶም ብጾት ብሃንቀውታ እንታይ ሓዱሽ ነገር ተማሂርካ በልዎ? ይግረምኩም ኣነ ደርሆ ከም ትሕለብ ክሳብ ሎሚ ይፈልጥ ኣይነበርኹን በለ። ብጾት ዝጻወት ዘሎ መሲልዎም ካልእ ኣሎካዶ በሉ? ዋእ! ካብዚ ዝዓቢ እንታይ ኣሎ? ኢሉ እርይ ቑጽር ኣቢሉ ኩሉ እታ ኣነ ዝሓበርኩዎ መርትዖ ኣቅረበ። ነገሩ ድሕሪ ምፍላጥ ኩሎም ብሓንሳብ ትዋሕ ኢሎም ሰሓቁ። ደርሆ ዑፍ ኢያ (ዘይ ኣልጁዳድ ኣልዋዲ) እንቛቝሖምበር ጸባ የብላን ምስ በልዎ ናብ እንስሳ ተቀየረ። ሰላሕ ኢሉ ከይዱ ከኣ ነታ ካብ ኣፋ ጥዑም ዘይወጻ በትሩ ኣብ ጎሮርኣ ዓረር ኣስኒቁ ንዓይ ከም እንስሳ በረካ ንሃድን ተታሓዘኒ። ግደፍ እንታይ ትገብር ኣሎካ እንተበሉ፡- ቀቲሉኒ ኢዩ፡ ዝገደፈለይ የብሉን፡ ኣነ ሎሚ ሙዉት ኢየ፡ የሎኩን። ( ኣና ማይት ፡ሚሽ ሓይ) ኢሉ ነደረ። ከምኣጋጣሚ ገጸይ ክሕጸብ ሩባ ወሪደ ስለዝጸናሕኩ ብክንደይ መላን ብናይ በርካ ሕግን ኣዘሓሒሎም ኮፍ ከብልዎ ዕድል ረከቡ። መቸስ ብዛዕባ ዕድል እንተኮይኑዃ ዕድል ዝገበርኩስ ኣነ ኢየ። ብወዝቢ ዘውጻእኹዋ ቃል ዘይተኣደነ መዘዝ ኣምጻኣትለይ ኔራ። ነገሩ ዝተረደኤ መራሒ መደበር ብፋጻ ኣኬባ ዓደመ።

በለ ከኣ ጀምዓ ሱዳን ክምስሉ ከሎዉ፡ ኣልዓብ ብኩሉ ላኪን ማተልዓብ .......” ይብሉ። ስለዚ ሓደ ብጻይ ንሓደ ብጻዩ ከታልል ነውሪ ኢዩ ነውሪ ጥራሕውን ኣይኮነን ምትላል ገበን ኢዩ። ንሕና ንባዕልና ኣብዚ ጸምጸም በረካ ንእስነትና ንከበሊ ዝገበረ ቀንዲ ምክንያት ምትላል (deception) ኢዩ። መንግስቲ ሃይለስላሴ ንኣቦታትና እንተዘይ ኣታልሎም ኔሩ ኣብ ግዜ ዝክፈል ዕዳ ኣይምነበረናን። ብፍላይ ኾነ ኢልካ ምትላል ናይ ገበን ገበንዩ። ዝኾነ ኾይኑ ሎሚ ኩልና ክንምሃረሉ እንክእል ምዕራፍ ብሃንደበት ተከፊቱልና ኣሎ። ነዚ ከም ሓደ ኣብነት ወሲድና ንጠቀመሉ። ወዲኤ ኣሎኩ ኢሉ፡ ዕረፍቲ ፈቀደ። ቕድሚ ፋሕ ምባልና ብጻይ ንስኻ ኣብ መጨረሻ እንታይ ትብሎ ኣሎዃ? ተባሂሉ ተሓተ፡ኣነ እዚ ብጻይ ክርድኣለይ ዝደልያ ሓንቲ ነገር ኣላ፡ ንሳ ከኣ፡- ካብ ሎሚ ንደሓር ከመይ ዊዒልካ እንተ ኢሉኒውን ኣይኣምኖን በለ ኣከበኛ ትዋሕ ኢሉ ሰሓቀ። ኣነው ከምዘይናተይ ኣብ ሰሓቅ ኣይተቀደምኩን። ብናይ ሓንቲ ግዜ ዋዛ ሰብ ክንድዚ ዝንድር እንተኮይኑ? ዋጋ ኩሉ ግዜ ምትላል ደኣ ክንደይ ክከውን ኢዩ?

ጽሑፈይ ሎሚ እምብኣር ናብ ምትላልን ሳዕቤኑን ዘተኾረ ደኣ እምበር ብዛዕባ ኣብ ከባቢ ንሱ ዝዓበየሉ ዘይነበረት እንስሳ ዘቤት ዘተኮረ ኣይኮነን። ከመይሲ፡ ሓደ ሰብ ኣቀዲሙ ሪእይዎንን ሰሚዕዎን ዘይፈልጥ ነገር ንምንታይ ዘይፈለጦ ተባሂሉ ዝሕመየሉ ጉዳይ የብሉን። ንኣብነት ኣነ ብዛዕባ ጉማሬ ዝብሃል እንስሳ ንመጀመርይ ግዜ ክፈልጥ እንተድኣ ሓቲተ፡ እቲ መላሳይ ከኣ እንታይ ትብል ወደይ? እምብኣር ጉማሬ ኣይትፈልጦን? ጉማሬ ደኣ ኣብ ማይ ዝነበር ካብ ዓለም ዝዓበየ ኣባጨጎራ እንዳኣሉ ኢሉ መልሲ እንተሂቡኒ እቲ ሓጥያት ናቱ ኢዩ እምበር ናተይ ኣይኮነን። ስለዚ ነዛ ታርክ እዚኣ ክደግማ ዝደፋፋኣኒ ምክንያት፡ ሰባት ምስ ዝታለሉ ወይ ዝዕሸዉ፡ ዝሓድሮም ወይ ዝስምዕም ስሚዒታት ንምብራህ ዝኣክል ጥራሕ ደኣምበር፡ ናይ ሓቤረታ ጉድለት ዘስዕቦ ድካም ወይ ድንቁርናከብርህ ኣይኮንኩን።

ሎሚ ህዝቢ ኤረትራ በዚ ሕጂ ዘሎ ጉጉይ ምሕደራ ተታሊሉ ንዓመታት ዝኣክል እሺ ኢሉ ክነብር ምርኣየይ ስለ ዘገረመኒ ኢዩ እምብኣር ነዛ ቀደም ስፍርኣ ሒዛ ወይውን ደቂሳ ዝነበረት ሓጻር ዛንታ ከባራብር ዝመረጽኩ። ኣብ ዓድን በረካን ዘሎ ህዝቢ ዝረእዮን ዝሰምዕን ከይምስክር መን ገዘዞ? ከምዚ ኢሉ እንተቀጺሉ እቲ ከም ሓደ ኣካል ሕዝቢ ዓለም ዘፍልጦ ክብሩ ባዕሉዶ ይቅንጥጦ የሎን ? መዘና ዘይብሉ ቃልሲ ኣሕሊፍካ ንሓላፍ መገዲ እንታይ ኣምጽኦ? ኢሰያስ ዝብሎ ኩሉ ሓቂ እናበሉ ቐሽን ዓለምን ክኣምኑን፣ ክሰግዱን፣ ክሳለሙን ንርኢ ኣሎና። እሞ ኢሰያስ ዝብሎ ኩሉ ሓቂ እንትኾይኑ፡ ንዓመታ ደርሁና ክሕለባ ኢየን እንተሉከ? ዓኾዃይ ዓኾዃይ፥ ሓምሊ ቑራዕ ውጻእ፡ ጸባ ሰገነወይቲ ደርሆ እቶ ድዮም ክብሉ። ንሱ እዩ ተሪፉ። ህዝቢ ኤረትራ ካብ ዓቀን ይሓልፈካ ኣሎ። ብመተላሊ ቃላት ኢሰያስ ኣይትለሄ። ምትላል ኢሰያስ የማህልልምበር ኣየሳዕስዕን። ብሓጺሩ፡ ኣይትታለል፡ ሸንኮለል ኣይትበል። ዕሰል፡ ነቶም ይኣክል ንብል ምሰል

ሃገር ክቀንዓ

ኣይትፍራሕ እንቅዓ

ኣብ ኢድካ ከሎ

ኣይጥፋእካ ትብሎ

እምቢ ፈውሱ

ክሕመስ ከርሱ

በል እምቢ ንምትላል፡ እምቢ ንምትላል

ጸሓይ ምስጠፍኤት፡ ኣይጠቅምን ጽላል

መረጸ ኣስመላሽ

6/6/12


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...