ቀዳም  ዕለት 2 ሰነ 2012 ኣብ ከተማ ዙሪክ ብመንእሰያት ስዊዘርላንድ  ዝተዳለወ  ሰለስተ መደባት ዘጠቓለለ ሰፊሕ በዓል ተኻይዱ።እዚ በዓል’ዚ  ካብ ሰዓት 2.00 ድሕሪ ቀትሪ ዝጀመረ ኮይኑ እቲ ፈላሚ መደብ ጉባኤ መንእሰያት ነበረ።ኣብዚ ጉባኤ’ዚ “ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራውያን ንደሞክራስያዊ ለውጢ” ካብ ወርሒ መስከረም ዝተኻየደ ጉባኤ ጀሚሩ ክሳብ ሎሚ ዝተሰርሐ ስራሓት፣ ዝነበሮ ብልጫን ሕጽረትን ንምግምጋም ዘኽእል ጸብጻብ ፣ብኣቦ መንበር ማሕበርን፣በተን  ኣብ ስራሓት ተመዲበን ክሰርሓ ዝጸንሓ ዝተፈላለያ ኮሚተታትን ቀሪቡ፡፡

ኣብ ጸብጻብ  ዝተሞርኮሰ ሰፊሕ ክትዕን ዘተን ድሕሪ ምክያድ ድማ ኣገደስቲ ውሳኔታት  ብምጽዳቕ ነቲ ውሳኔታት  ኣብ ግብሪ ንምትርጓም ኣብ ሓጺር እዋን ውድባዊ ኮንፈረንስ (ኣኼባ) ከካይድ  ተሰማሚዑ ወጺኡ።ኣብዚ ጉባኤ’ዚ ዝተሳተፈ ቁጽሪ መንእሰይ ልዕሊ 400 ከምዝነበረ  ክግለጽ ከሎ፣ ዘይረኣየ ንምእማኑ ዘጸግም ምዃኑ ምኽሓድ ኣይከኣልን።ኣብ  ጸብጻቦም ምንቅስቓሶም ኣብ ሓጺር እዋን ካብ 7 ካንቶን (ጉጅለታት) ናብ 15 ደይቡ ከምዘሎን ድሕሪ ምግምጋም እዚ ብዝሒ’ዚ ንምድልዳልን ዓይነታዊ ለውጢ ንምርኣይ ዝየዳ ስራሕ ከምዘድሊ ተደጋጊሙ ተገሊጹ።እቲ ካብ ህ.ግ.ደ.ፍ ክመጽእ ዝኽእል ዝተፈላለየ ተጻብኦታታት ብንቕሓት ንምምካት ሓድነት  ከም ዓይኒ ብሌን  ምሕላውን ፍልልይ ንጎድኒ ገዲፍካ ኣብ ቀንዲ ጸላኢ ዘተኮረ ቃልሲ ምጥማት ኣገዳሲ ምዃኑ ብዙሕ ለበዋታት ተዋሂቡ።ምስ ካልኦት ኣብ ዝተፈላለየ ኵርናዓት ዓለም ዝርከቡ ምንቅስቓሳት ዝካየድ ዘሎ ዝምድና ኣገዳሲ’ኳ እንተኾነ  ኣብ ዱልዱል ሰረት ዝተሃንጸ ክኸውን ስለዘለዎ ውሻጣዊ ስጥመት ክፍጠር  ሓያል ጻዕሪ ከምዘድሊ ይተሓሳሰብ።

      ድሕሪ ኣብ ኣዋሳ ዝተኻየደ ሃገራዊ ጉባኤ ከምዚ ዝኣመሰለ ውዕውዕ ናይ መንእሰያት ኣኼባ ምርኣይ፣ ኤርትራውያን መንእሰያት  ሃገርን ህዝብን ንምድሓን ተርኦም ከበርክቱ ዘለዎም  ቅሩብነት ዘመስክርሉ ባይታ ምዃኑ ዘነጽር ህያው ሓቂ ኢዩ።ካብ ኩሉ ዘገርም ኣብ ብዙሕ ዕላሎም “ድልየት ኣለና ተሞክሮ ኣውሩሱና፣ምኽርኹም ኣይፈለየና” ዘስምዕ ቅዱስ መንፈስ ምዝውታሮም  ሓጎስን በንን ዘስንቕ ባህሪ ኮይኑ ይረአ።

         ናይ ጉባኤ መደብ ድሕሪ ምዝዛም እቲ ካልኣይ ክፋል  ንኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ይግደፍ።እዚ ክፋል’ዚ ሰዓት 7.00-7.30 ዝጀመረ ኮይኑ  ኣቶ ጸጋይ ዮውሃንስ ኣቦ መንበር ሃገራዊ ባይቶ፣ወይዘሮ ፍረወይኒ ሃብተማሪያም ምክትል ኣዶ መንበር ሃገራዊ  ባይቶን፣ ኣቶ ደስበለ መሓሪ ኣቦ መንበር ሃገራዊ ባይቶ ዞባ ኤውሮጳን ዝተኻፈልዎ ነበረ።ኣብዚ እዋን’ዚ ካብ ሃገር ጀርመን ኣብቲ ኣኼባ ክካፈሉ  ብኣውቶቡስ ዝተጓዕዙን ካብ ዝተፈላለየ ከተማታት ስዊዝ ዝመጹን ሐደስቲ ኣጋይሽ  ስለዝተደመሩ ቁጽሪ ተኻፈልቲ ናብ ልዕሊ 600 ክድይብ ተራእዩ።ኣባላት  መሪሕነት ሃገራዊ ባይቶ፣ መንፈስ ጉባኤ ኣዋሳን ውሳኔታቱን ፣ተራን ዝምድናን መንእሰያት ኣብ ህልው ቃልስና፣ኣቃውማን ኣሰራርሓን ዞባ ኤውሮጳን ዘብርህ ጽሙቕ መግለጺ ኣቕሪቦም  ናይ ሕቶን መልስን ጊዜ ቀጺሉ።ሰፊሕን ኣዕጋብን ዘተ ድሕሪ ምክያድ ድማ  ናይ ሓባር ኣዋሃሃዲት ሽማግለ ካብ ህዝቢ ንምምራጽ  ዝምልከት ናይ ዘተ መደብ ይኽፈት።ይኹን’ምበር ምስቲ ዝነበረ መደባት እዚ ዕማም’ዚ  ኣብ ዝመጽእ ጊዜ ክካየድ ዝሓሸ ምዃኑ ጽቡቕ ምርድዳእ ተኻይዱ ይድምደም።

እቲ ሳልሳይን ናይ መወዳእታን ክፋል እቲ ብዙሕ ህዝቢ ዝጽበዮ ዝነበረ ናይ ባህሊ መደብ ነበረ።እቲ ባህሊ ወኒን ቀልብን ኩሉ ደላይ ለውጢ ዘንህርን ዘበራብርን ፣ትሕዝቶ ዝመልኦ ደርፍታትን ሙዚቃን ጀሚሩ ክሳብ ሰዓት ሰለስተ ቀጸለ።ሓደ  ካብቲ  ዘገርም፣ ቅድሚ ሎሚ ብዙሕ ዘይተራእዩን ዘይተስምዑን ብዙሓት ህቡባት ደረፍቲ ኣብ መድርኽ  ወጺኦም ልቢ ሰብ ዝሰልብ ደርፍታት ከቕርቡ ምስማዕ ኢዩ።

   ብገለ ጸገማት ምኽንያት ብዘይ ናይ ሓባር ልምምድን  ምቅርራብን ዝተኻየደ  መደብ  ከምዝኾነ  ይሕበርኳ  እንተነበረ ኣብ መድርኽ ግን ዝኾነ  ምልክት ኣይትራእየን።   እቲ ጸገማት ተኣልዩ ሓቢሮም ክለማመዱን ጽፉፍ ምቅርራብ ክገብሩን እንተኽኢሎም ወኒ  ቃልሲ ህዝብና ኣብ ምብርባር ክህብዎ ዝኽእል ኣበርኵቶ ኣዝዩ ዕዙዝ ክኸውን ከምዝኽእል ኣገንዝቦ ክፍለዮ የብሉን።

ብኹሉ  መዳያት  ክርአ ከሎ ኣብ ስዊዘርላንድ  ተበጊሱ ዘሎ ሓይሊ መንእሰይ ምስቲ ኣብዝተፈላለየ ሃገራት ኤውሮጳ ብምትእስሳርን ብዞባ ደረጃ ብምውዳብን ክሰርሕ ምስ ዝጽዕር ፣ተምክሮ ደሊቡ ኣብቲ ዝካየድ  ዘሎ ቃልሲ ዕዙዝ ተራ ክጻወት ከምዝኾነ ግሁድ ኢዩ።ኣቦታትን ዓበይቲ ተቓለስትን ቅኑዕ ምኽርን ተሞክሮን ከካፍዎም ኣብ ትጽቢት ይርከብ።

                                     ልኡኽ  ዜናን ሓበሬታን ሃገራዊ ባይቶ ዞባ ኤውሮጳ

 

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...