መጀመርያ ዘለዎ መወዳእታ`ውን ኣለዎ፡፡ ድምር ጻዕሪ ንናጽነት ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኣርባዓታት ተጀሚሩ ኣብ 1991 . ነቲ ካብ ኩለን ሃገራት ኣፍሪቃ ዝገዘፈ ስራዊትን ኣጽዋርን ኣጥርዩ ዝነበረ ናይ ዓሳክር ስልጣን ስዒሩ መሬታዊ ናጽነት ኤርትራ ኣረጋጊጹ፡፡ ከምቲ ኩሉ ጊዜ ንብሎ ድማ እቲ ባህጊ ናጽነት ብናይ መንነት ቅልውላው ዘለዎም ጉጅለን ስሱዓት ባእታታትን ተቖጽዩ።ነዚ ቁጽያ` ናብ ዋናታቱ ንምምላስ ዘይሕለል ቃልሲ ተኻይዱን ይካየድ ኣሎን፡፡

ታሪኽ ንነብሱ ይደግም ዝብሃል ፖለቲካዊ ምስላ ብርግጽ ኣብ ኤርትራውያን ዜጋታት ይሰርሕ ኣሎ፡፡ እቲ ብዓወት 1991 ዝተዛዘመ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብውሑዳትን ውፉያት ዜጋታት ክጅመር እንከሎ ዝሓለፎ ጥውይዋያትን ውረድ ደይብን ጸብጺብካ ዝውዳእ ኣይኮነን፡፡

ሃጸይ ሃይለስላሴ ንሰውራ ኤርትራ ንምብርዓን ኩሉ እንትናዊ ጻዕርታት ጌሩ፡፡ ውዲት ህዝቢ ነንሕድሕዱ ንምንቛት ሃይማኖታዊ ሸርሒ፡ ብወተሃደራዊ ሃድን ሰውራ ንምድምሳስ ብእስራኤል ዝሰልጠኑ መብዛሕትኦም ካብ ከበሳ ጥራይ ዝተመልመሉ ኮማንድስ ብምውዳብ ዜጋታት ነንሕድሕድና ከምንፋለስ ተፈቲኑ፡፡ ኩሉ ቶንኮላት ሓቅነት ስለ ዘይነበሮ ግን በርዒኑ፡፡

ኣብ መወዳእታ 1974 ብውሽጣዊ ህዝባዊ ምልዕዓላትን ብምሕያል ሰውራ ኤርትራን ስርዓት ሃጸይ ሃይለስላሴ ነቕ-ነቕ ክብል ጀመረ እሞ ጭፍራ ዓሳክር ነቲ ኩነታት መዝሚዙ ናብ ስልጣን ሓኾረ፡፡ እዚ ኩነታት እዚ ነቲ ክሳለ ዝጸንሐ ቃልሲ ሓደ ዓቢ ነጥበ መቐይሮ ኮይኑ ነቲ ብሓይልታትን ጋንታታትን ጥራይ ተወዲቡ ዝነበረ ውሱን ሓይሊ ሰውራ ኣብ ሓጺር እዋን ናብ ዓርሞሽሳዊ ሓይሊ ቀየሮ፡፡

እቲ ብጽሞና ነቲ ዘገምታዊ ጉዕዞ ዝከታተል ዝነበረ መንእሰይ ኣብቲ እዋንቲ ኩሉ ናብ ሳሕልን ባርካን ብምውፋር ንኽልቲኤን ውድባት ተጸንበረን፡፡ነቲ ኩነታት እቲ ምስ እዚ ሕጂ ዝኽሰት ዘሎ ተሓድሶ መንእሰያት ኤርትራ ከተዛምዶ እንክርሎኻ ተመሳሳልነት ኣለዎ፡፡ እቲ ናይ ሽዑ መንእሰይ ነቲ ብውሑዳት ኣቦታቱን ኣያታትን ሳንዳታቱን ዝሳለ ዝነበረ ቃልሲ ብምጽንባር ናብቲ ዝተደልየ ምዕባለ ኣብጺሕዎ፡፡

ልክዕዩ ህዝቢ ኤርትራ ባህጉን ሓቀይና ናጽነቱን ብተንኮለኛታት ምስ ተጨውየ ነቲ ቶንኮላት ብሓባር ኮይኑ ኣይበደሆን፡፡ ሕመቕ ዘይኮነስ እዞም ደቅና ናጽነት ዘምጽኡልና ኢዮም ጊዜን ዕድልን ንሃቦም እንዳበለ ኢዩ ብትዕግስቲ ይከታተል ኔሩ፡። እቲ ንትዕግስቲ ህዝቢ ከም ሕመቕ ዝቖጸሮ ፍጮ ጉጅለ ግን እከያቱ መመሊሱ ዳኣ ቀጸሎ፡፡

ንምንቅስቃስ ተጋደልቲ ናይ 1993 ራዕራዕ ከምዘይበለሉ ማለት ኣብ እስታድዮም ምሽክንክን ብምባልን ኣብ ``ባንኪ ዘለዋ ውሑዳት ገንዘብ ንዑናይ ንማቐለን ከምዘይበለን`` ድሕሪ ቁሩብ ሰዓታት ኣብ ቤትሮ ተለቪጅን ብምቕራብ ``ዕሸላውን ዘይበሰለን ዘሕንኽን`` ምንዕዓብ ብምባል ንሰራሕቲ ቅያ ክቕንጽልን ናብ ሸላታት ዳጉኑን ብጅምላ ፍርዲ ሂቡን፡፡

ብምቕጻል 1994 ንኩነታት መነባብሮና ቆላሕታ ይገበረሉ ኣብ እዋን ናጽነት ተረሲዕና እሞ ዘኩርና ኢሎም ጥርዓኖም ንምቕራብ ካብ ዝነብርሉ ቦታ ነስመራ ጥርዓኖም ንምብጻሕ ዝተበገሱ ጀጋኑ ስንኩላን ኩናት ነቲ ብጸላኢ ዝበጽሖም ስንክልና መንግስትና ዝብልዎ መዛዘሚ ሞት ሂብዎም፡። እዚ ነቲ ብዓል ነጎዳ ብሓዊ ደብሶ ዝብል ምስላ ዘድምቕ ኮይኑ ገበርቱ ኣብ ክንዲ ብጉድለታቶም ሓኒኾም ይቕረታ ዝሓቱ ስንኩላን `` ሓንቒቆም`` ብምባል ናይ ባጨ መልሲ ሂቦምሉ፡።

በብብጊዝየኡ ወጽዓታት ክዳራረብን ምልኪ ክተርርን ጸኒሑን ኣሎን፡። ኣደታት ደድሕሪ ተመሃሮ ደቀን ንዊዓ ወሪደን፡፡ እቲ ምንቅስቓስ ሕብረትን ስምረትን ስለ ዘይነበሮ ኣየድምዐን ንታሪክ ግን ግደ ገዲፉ ሓሊፉ ኢዩ፡፡ካብዚ ብምቕጻል ንህዝቢ ብገዛእ ሃብቱን ድኻሙን ዘፍረዮ እንዳዘረፍካ ብጥሜትን ዓጸቦን ቀጺዕካ ካብ ፍቓድካ ከምዘይ ወጽእ ንምግባር ብዙሕ ተፈቲኑ ብዘይ ሕለል ቃልሲ ህዝቢ ተመኪቱን ይምከት ኣሎን፡፡

ህዝቢ ንምርዓድን ንምጅጃውን እሞ ኣብ ክንዲ ዝፈትዉኻስ ዝፈርሕኻ ዝብል ናይ መለኽቲ ክልሰሓሳብ ምጥቃም ቃልሲ ህዝቢ ንምቑጻይ ፈተነታት ይካየድ፡፡ኣየፍረየን፡። እቲ ምርብራብ ጥራይ ኢዩ ዝበዝሕን ዝነውሕን ስልትታቱ ዝቐያይርን እምበር እቲ ቃልሲስ ቀጻሊ ኢዩ፡፡

ዝበዝሐ ሃብቲ ሃገር ኣብ ስለያን ምምዕባል ናይ ሓሶት መራኸቢ ዜናታት መዲብካ ህዝቢ ብሓሶት መኣዝኑ ከምዝስሕት ንምግባር ኣሎ ካብ ዝብሃል ባጀት እቲ ዝልዓለ ናብዚን ሓድነት ህዝቢ ኣብ ምብትታንን ከምዝውዕል ተወሲኑን ይስራሓሉ ኣሎን፡። ናብ ደንበ ተቓውሞ ሰሉክካ ብምእታው ኣብ ምድኻሙን ኣድማዕነቱ ከምዝደክምን ንምግባር ኩሉ ፈተነታት ይፍተን ኣሎ፡፡

እዚ መርዛም ጉጅለ እዚ ህዝቢ ኤርትራ ንምጽናት ዘይመሃዞ ቶንኮልን ሽርሕን የልቦን፡፡ ምስ ጎረባብትና ዘየድሊ ኩናትን ምትኹታኽን ብምግባር መንእሰይ ድራር ኩናት ንምግባር ምጽዓር፡ከም ኣብነት ኣብ ሓኒሽ ዝፈሰሰ ድም ምስ ሱዳን ጁቡቲ ምስ ኢትዮጵያ ኩሉ እዚ ኩናታት እዚ ንህዝቢ ኤርትራ ኮነ መንእሰይ ኤርትራ ብዘይካ ቅዝፈታት ዝፈደዮ ነገር የብሉን፡፡

... ዕላምኡ ምጽናት ዜጋታት ስለ ዝኾነ መንእሰያት ናብ ስደት ክርምዘምርሑ ምግባር እውን ብመደብ ኢዩ ዝሰርሓሉ ዘሎ። ነዚ ኩነታት እዚ ህዝቢ ኣኤርትራ ክሳብ ቀረባ እዋን ኣይፈለጦን ጸኒሑ፡ ብብፍላይ መደበር ታዕሊም ሳዋ እቲ ቀንዲ መንእሰይ ናብ ስደት ዘምርሓሉ መንገዲ ኢዩ። ኮነ ኢልካ ነቶም ዓለምቲ ነቲ መንእሰይ ከምዝሃድም ንኽገብሩ ውሽጣዊ ሃበረታ ይወሃብ ኢዩ።

ግዳያት ` ኩነታት` ከምዝሕብርዎ እቶም መምህራን ብሩህ መጻኢ ዕድል የብልኩምን ሱዳን እውን ካብዚ ርሑቕ ኣይኮነን ዝብል ሓበረታ ብምሃብ ንስደት መንእሰይ ከም ዘተባብዑን ብኡ ኣቢልካ ኣብ ኢድ በደዊንን ራሻይዳን ወዲቕካ ኣብ ምሻጥ ኩሊትን ውሽጣዊ ኣካላት ከምዝውደቕ ኢዩ እቲ ሓበረታ፡፡

ጉጅለ ... ዕላማኡ ኤርትራውነት ንምጽናት ኮይኑ ዕላማኡ ሜልኡ ንምትግባር ንሱ ልዕሊ ሃገራውን ሓላኡ ህዝብን ኮይኑ ብምቕራብ ኢዩ ዘተርጉሞ ዘሎ፡ ዜጋታት ብምእሳአን ኣብ ኩናት ብምትባስን ካብ ዓዶም ሃዲሞም ንስደት ከምዝቃልዑን ኮይኑ እቲ መደብ ኤርትራውያን ግን ኣይጸነትናሉን።

ስለ ዝኾነ ``በትሪ ሓቅስ ትቐጥን እምበር ኣይትስበርን ኢዩ ነገሩሞ`` እቲ መጀመርያ ምልኪ መወዳእትኡ በጺሑ ጩራ ህላወ ዜጋታት ህዝቢ ኤርትራ ይደምቕ ኣሎ፡፡እቲ ዝነበረና ኣፍልጦ ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ...ፍን መራሒኡን ሎሚ ንኹሉ እንዳበርሀ ስለ ዝመጸ እሞ እንተፈሊጥካዮ ንኽትኣልዮ ስለ ዝቐልል መዓልቲ ውድቀቱ ኣኺሉ ኣሎ፡ ምቅጻሉ ጥራይ ብናህሪ፡፡

ኣብ መዓልቲ ጽንብል መበል 21 ዓመተ ናጽነት ኤርትራ እቲ ብውሑዳት ተቓለስቲ ጥራይ ዝካየድ ዝነበረ ሰላማዊ ሰልፍታት ብዓሰርተታት ኣማኢት መንእሰያት ተሰንዩን ደሚቁን ኣብ ሓደ መዓልቲ ኣብ ምሉእ ዓለም ክካየድ ምኽኣሉ ካብ ምርኣይን ምስማዕን ዝዓቢ ብስራት ዓወት የልቦን፡፡

መላኺ ኢሳያስ ክሳብ ሕጂ ንስኻ ኢኻ ንኹልና ኣጻሪኻ ተፈልጠና ኔርካ እምበር ንሕናስ ከምቲ ንስኻ ትፈልጠና ዝነበርካ ብዓይኒ ሕያውነትን ብዓይኒ ሓልዮትን ኢና ንርእየካ ኔርና ሕጂ ግን ``ይኣክል`` ፈሊጥናካ ኢና ወረድ ርሓቅ!! ከምቲ ኣንበሳ ዋዕሮ ኤልሳ ጭሩም ዝበለትካ ውረድ ውረድ ከይትዋረድ፡፡

ከምቲ መንእሰይ ኣብ 1994-95 ንሜዳ ውሒዙ ንቃልሲ ዘንሃሮ ሎሚ 2012 መንእሰይ ኣብ ትሕቲ`` ስመር ስመር ሕቖ ... ክስበር ኢሉ ተላዒሉ ኣሎሞ ፍለጥ!!! ስመር ስመርርርርርርርርርርርርር። መንእሰይ፡። እቲ ቃልሲ ፍሉይ ዝገብሮ ጀጋኑ ደቀንስትዮ ነቲ ጅግንነትን ብዓቐንን ብዓይነትን ብናህሪ ይጽንበራኦ ስለ ዘለዋ ውሑስ ይገብሮ፡። እዚ ክብሃል እንከሎ ቅድሚ ሕጂውን ኣይነበራን ማለት ኣየስምዕን፡፡ ፍሉይ ዝገብሮ ግን ብዙሓት ኣብ ዲያስፖራ ዝነብራ እሞ ኣብ ወጻኢ ተወሊደን ኣብኡ ተማሂረን ጽቡቕ መነባብሮ ዘለወን ናትና ናይ በይንና ራህዋ ዘቕስን ኣይኮነን ንህዝብና ንኹእሎ ክንሕግዞ ኣሎና ብምባል ጀሚረን ዘለዋ ከም እኒ ዶክተር ሓርነት ቦኽረጽዮንን ሰላም ኪዳነ ሜሮን ኢስቲፋኖስን ኤልሳ ጭሩምን ዶክተር ኣልጋነሽ ፍስሓን ካልኦትን ካብተን ንኣብነት ዝጥቀሳ ኢየን ግን ንሳተን ጥራይ ኢየን`ውን ኣየስምዕን፡።

ዋዕላ መንእሰያት ዲሲ ዋዕላ መንእሰያይ ዙሪኽ ምንቅስቓስ መንእሰይ ጀርመን ዓዲ እንግሊዝ ስወደን ኖርወይ ዓዲ ጣልያን ኢስራኤል ኣውስትራልያን ኢትዮፕያን ኮታ ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ምንቅስቓስ መንእሰያት ዓጋቲ የብሉን፡፡ማዕከናት ዜና ኣሰና ድምጺ ወጋሕታ ረድዮ ኤረና ካብ ፓሪስን ካልኦት ኤርትራውያን ማዕከናት ኢንተርነታትን ዘበርክትኦ ዘለዋ ኣበርክቶ ዝናኣድ ኮይኑ ሩም ፓልቶክ ስመርር ኩሉ ተደሚሩ ዕድመ ... የሕጽር ኣሎሞ ሻማ ሻማ እዛ ጉዳይ ንቕድሚት፡፡

ቃልሲ ህዝቢ ዝዓግቶ የልቦን

ዝክሪ ንሰማእታት

.ብርሃነ፡፡

 

 

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...