ላስ ቬጋስ፡ እቲ ብዕለት 06/ 06/2012 ብወይጦ ዶኽተር ተስፋይ ኣርዓዶም ንመኸተ ዝምልከት ጎስጋስ ከካይድ ዝመጸ ልኡኽ ህግደፍ ቅድሚ መደረ ምጅማሩ ኣጀንዳኻ እንታይ እዩ፡ ሕቶ ኣለና ብምባል ከምዘዋጠርዎን ብሰንኩ ድማ እቲ ኣኬባንሓደ ሰዓትን ፈረቃን ደው ከምዝበለ ተገሊጹ።

ብድሕሪኡ ናብ ባእስን ጸርፍን ክምዕብል ብምጅማሩ ፖሊስ ተጸዊዕም ነቲ ምጉርፍጥ ከህድእዎ ከምዝከኣሉ ኻብቲ ቦታ ዝመጻኣና ዜና ይሕብር፡

ካልእ ቀንዲ ኣዋሃሃድቲ እቲ መደብ ብሃብቶምን፡ ኢሳቅን ዝተብህሉ ኣብ ታሪክ ህዝቢ ኤርትራ ሓንቲ ኣበርክቶ ዘይነበሮም መበጻጻሕቲ ውልቀ መለኽቲ ኢሰያስ፡ እቲ ጉዳይ ከምዝተዳለወ እቶም ጸብጻባት ይሕብሩ።

እቶም ጀጋኑ መንእሰያት ዘልዓልዎም ሕቶታት ንስኻ መን ኢካ ሕቶ ህዝቢ ኽትምልስ ኣይትኽእልን ኢካ ኢሎም ከምዘርዓድዎን ከምዘዋጠርዎን ሓቢሮም፡ ብተወሳኺ ሓደ፡

ዘርኣይ ዝተብህለ ኣሳይለም ሓቲቱ ኣብ ኣመሪካ ዝቅመጥ ወይጦ ህግደፍንስኻ 400 መንእሰያት ኣብ ባሕሪ ጢሒሎም እንኻዕ ኮኑ ዝበልኻና ልኡኽ ህግደፍ ኢካ ብምባል ከምዘካሽሕዎ ተፈሊጡ፡ ኻልእ እቲ መንእሰይ ገንዘብ ኣኪቡ ናብቲ ስርዓት ኸምዘመሓላልፍ እውን ተገሊጹ።

ኣብ ላስቬጋስ ዝርከቡ መንእሰያት ድሕር ሕጂ የሕዋትና ንዝቀዝፍ ስርዓት ዝሕግዙ ወይጦታት ከምዘይንሕፍዎምን ብዝኾነ ዓይነት ቃልሲ ክገጥምዎም ምኻኖም ሕቢሮም ኣለዉ።

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...