ክሕበን እምበር ጀሚረ

ሰላም ኩቡራት ኣንበብቲ

24 ግንቦት መበል 21 ባዓል ነጻነት ኤርትራ ስለ ዝነበረት፡ ሙሉእ ህዝቢ ኤርትራ ብዝተፈላለየ ቴማን ዕላማን ከምዘብዓልናያ ርዱእ ኮይኑ፡ ኣብ ናይ ሎሚ ጹሑፈይ ግና ንባዓል ንሕና ንሱ ጎስየ ብምሕላፍ፡ ብዛዕባ እቶም ኣብ ሙሉእ ዓለም ዝርከቡ ሃገራውያን፡ ብኩነታት ሃገሮምን ህዝቦምን ዝግደሱን ዝሓዝኑን፡ ንድሕነቱ ዝሰርሑን፡ ኣንጻር ምልኪ ዝምክቱን ሰብ ሕልና ኢየ ትዕዝብተይን ምስክህርነተይን ከካፍል ደልየ።

ቅድሚ 2 ክልተ ወርሒ ኣቢሉ ኣብ መርበባት ሓበሬታ፡ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ዋዕላ መንእሰያት ኤርትራ ክካየድ ምስ ኣንበብኩ፡ ኣብ ኣእሙሮይ ፉሉይ ስምዒት ክስማዓኒ ጀመረ። ልክዕ ከምቲ የማነ ኣብ ኣመሪካ ብጀጋኑ መንእሰያትና ክህደን ኮሎን፡ ኣብ ሊድ ኣኼባ ወዲ ገራህቱ ክዝረግ ኮሎን፡ ኣምባሳደር ህግደፍ ኣብ እስራኤል ክንጸግ ኮሎን፡ ባህላዊ ምሸት ዘማች ብምሳይል ዝተወቕዐ ክመስል መንበራትን መጉልሒ ድምጽን ተሓዋዊሱ ተሰባቢሩ ምስተዓዘብኩ ነበረ።

ኣብዝነብረሉ ሃገር ካናዳ ውን: ምስቶም ብጋህዲ ንህግደፍ ንቃወም፡ ብዝተወደበ ኣገባብ ጹቡቕ ምቅርራብ ይምዕብል ስለ ዘሎ፡ እቶም ኣብቲ ዋዕላ መንእሰያት ክንሳተፍ ዝወሰና፡ ዕለት 24 ሓሙስ ምሸት ተበጊስና፡ ድሕሪ ናይ 10 ዓሰርተ ሳዓታት ጉዕዞ ብመካይን፡ ዕለት 25 ንግሆ ዋሽንግተን ዲሲ ኣተና። ክሳብ እቲ ኣንጻር ዓመጽ ኣብ ቅድሚ ኢምባሲ ህግደፍ ንሳዓት 12 ድሕሪ ቀትሪ ክጅመር ተመዲቡ ዝነበረ ሰላማዊ ሰልፊ ሳዓቱ ዝኣክል፡ ነቲ ካብ ካናዳ ተሰኪምናዮ ዝኸድና ዝተፈላለየ መልእኽቲ ዝሓዘለ ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ዝተጻሕፈ ታቤላታት ኣብ ምድላው ኣተና።

ካብቲ ዝተኣከብናሉ ቦታ፡ ናብ ኢምባሲ ህግደፍ ክንምርሽ ኮለና ድማ ሳዓት 1 ሓደ ሓሊፉ ነበረ። ካብ ካናዳ ክንብገስ ኮለና፡ ባዓል ንሕና ንሱ ውን ሰላማዊ ሰልፊ ከምዘካይዱ ኣብ መርበባት ወጺኡ ስለ ዝነበረ፡ ንገሌና ኣንጻር እቲ ከነካይዶ ንሸባሸበሉ ዝነበርና ሰላማዊ ሰልፊ፡ ኣብ ቅድሚ ኢምባሲ ህግደፍ ዝጸንሑና መሲሉና ስለ ዝነበረ፡ ምስ ህግደፋውያን፡ ናይ ኢድ ብኢድ ምትሕንናቕ ኣይተርፍን ኢዩ ብምባል ሙሉእ ስነ ኣእሙራዊ ምድላዋት ዓጢቕና ኢና ተበጊስና። ግና ኣብቲ ኣፍደገ ኢምባሲ ህግደፍ ምስ በጻሕና፡ ኣፍራስ ዝተወጥሑን ዘይተወጥሑን ፖሊስ ጥራይ ኣብ ሓለዋ ጸንሑና። ዘይከም ቀደም ባዓል ንሕና ንሱ ጸሊም ካናቲራ ወድዮም ካሜራታት ሒዞም ኣብ ደገ ሰባት ክህዱዱ ወደኽደኽ ክብሉ ኣይጸንሑናን። ኣብ ካልኣይ ደርቢ ናይቲ ኢምባሲ ህንጻ፡ ክልተ ሰባት ጥራይ ብመስኮት መጋረጃ ፈንቂቖም ብቪድዮ ይቐድሑና ነበሩ። ሕጊ ኣመሪካ ብዘይጥሕስ ኣገባብ፡ ንቀጽሪ ኢምባሲ ህግደፍ ክንደፍራ ኢና ምስተባህለ ግና፡ ማዕጾ ሰቢርና ንውሽጢ ንኣቱ ግዲ መሲሉዎም፡ ፈቓቕ መጋረጃ ዓጽዮም ክሃድሙ ተዓዚብና። ነዚ ራዕዲ ኣብ ኣእሙሮ ህግደፋውያን ክሰርጽ ዝገበረ ድማ፡ ናይ መናእሰያትና ቆራጽ ሱጉምቲ ምትሕንናቕን ሙግሳጥን ንህግደፋውያን ኢዩ። ሹዑ ውን ፖሊስ ተዘይነብሩ፡ በቲ ዝነበረ ናህርን ቁጥዐን ንኢምባሲ ህግደፍ ሓዊ ረኵዕና ህሙኽ መበልናዮ።

ተሳታፊ እቲ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ካብ ኩሉ ሕብረተሰብ ኤርትራን ካብ ኩሉ ጾታን ካብ ዝተፈላለየ ክፋላት ዓለምና ዝመጸ ነበረ። ዝሳዓበ፡ ውዕውዕ ስነ ስርዓትን ኣገባብን ሓድነትን ምትሕልላይን ምክብባርን ዝሰፈኖ፡ ዘሐብን ዘኹርዕ ዑውት ታሪኻዊ ሰላማዊ ሰልፊ ኣንጻር ዓመጽ ብዓወት ተዛዚሙ።

ድሕሪ ሰልፊ ነናብ መዕረፊና ተመሊስና ንውሑድ ሳዓታት ድሕሪ ምዕራፍ፡ ናብ ናይ ሓባር ድራርን ምልላይን ባህላዊ ምዝንጋዕን ኣተና። ብሕጽር ዝበለ ኣገላልጻ፡ እቲ ካብ ሂወትን መንነትን ኤርትራውያን ብሰንኪ እዚ ኣብ ኤርትራ ስልጣን ጨቢጡ ዘሎ ናይ ጸይቂ ጉጅለ ተሰዊሩ ዝጸንሐ ሓድነት፡ ምትእምማን፡ ምክብባር፡ ምትሕልላይ ነጻ ኮንካ ሓሳብካ ምግላጽ፡ ነጻ ኮንካ ብዛዕባ ሃገርካ ምዝታይ፡ ምጽውዋር ኣብ ዋዕላ ዋሽንተን ዲሲ ንመጀመርታ ግዜይ ተዓዚበ።

ኣብ ውራይ ህግደፍ ብውክልና ናይ ሓደ ሰብ፡ ኣዝዮም ውሑዳት መውደኽደኽቲ ዋናታትን ገበርትን ሓደግትን ጉዳይ ሃገር ክኾኑ ኮለው፡ ህዝቢ ኤርትራ ድማ፡ ከም ዝተዓደመ ጓና፡ ዝተባህሎ ዝገብር፡ ዝተቐረበሉ ዝበልዕ፡ ካብኡ ንላዕሊ ግና ከምዘይምልከቶ ኮይኑ ኢዩ ክዳሃኽ ጸኒሑን ዘሎን።

ኣብ ዋዕላ ዋሽንተን ዲሲ ግና፡ ኩሉ ባዓል ጉዳይ ኩሉ ወናኒ ነበረ። እቲ ኣዝዩ ዝመሰጠኒ፡ ናይቶም ናይተን ነቲ ዋዕላ ዘዳለውን ዘዳለዋን ዝመርሑን ዝመርሓን ኣሕዋትን ኣሓትን ኢዩ። ንሱ ብኹሉ መምዘኒ፡

ተወፋይነት፡

ብስለት፡

ውህደት፡

ክእለት፡

ጽፈት፡

ቅንዕና፡ ልዕሊ ኩሉ ድማ ነብሰ ተኣማንነት ኔሩ።

በዚ ዝጠቐስኩዎ መምዘኒታት ድማ ናይ 10 ናይ 20 ዓመታት መድረኽ ናይ ምምራሕ ተመኩሮ ዝነበሮም ኢዮም ዝመስሉ ኔሮም። ገለ ኣስማቶም ንምግላጽ፡

ኩቡር ሓው ዳንኤል /ሚካኤል 3 ሰለስተ ማዓልቲ ዝኣክል ዳርጋ ንሙሉእ ማዓልቲ ብዘይ ዕረፍቲ ኣላይ መድረኽ ብሙዃን ዘርኣኻዮ ተወፋይነትን ብቕዓትን ክእለትን ዝናኣድን ዝምስገንን ኢዩ እሞ ናተይ ምስጋና ድማ ይብጻሕካ።

ኩቡር ሓው ጀሚል ኣማን 3 ሰለስተ ማዓልቲ ዝኣክል ዳርጋ ንሙሉእ ማዓልቲ ብዘይ ዕረፍቲ ብፍላይ ኣብቲ ቅድሚ ኢምባሲ ህግደፍ ኣዋሃሃድን ኣላይን ብሙዃን መጉልሕ ድምጺ ሒዝካን ምስ ኩቡር ሓው ዲያቆን ኣብርሃለይ ተኽለ ኮንኩም ብጾሎትን ብዱዓን ዋዕላ ኣብ ምኽፋትን ምዝዛምን ዝተጻወትኩሞ ተራ፡ ንኹሉ ደስ ዘበለ ስለ ዝነበረ ምስጋናይ ይብጻሕኩም።

ክብርቲ ሓፍትና ዶር. ሓርነት ቦኽረጺዮን፡ 3 ሰለስተ ማዓልቲ ዝኣክል ዳርጋ ንሙሉእ ማዓልቲ ብዘይ ዕረፍቲ ነቲ፡ ዘዐውተና ሓድነት ጥራይ ዘይኮነስ ስትራተጂ ኢዩ ዝብል ኣስተምሁሮኽን ኣቀራርባኽን ኣዝዩ ህዝቢ ስለ ዝማረኸ ምስጋናይ ይብጻሕኪ።

ክብርቲ ሓፍትና . ሳባ ስእለ 3 ሰለስተ ማዓልቲ ዝኣክል ዳርጋ ንሙሉእ ማዓልቲ ብዘይ ዕረፍቲ ነቲ ራእይ ናብ ቅልጡፍ ዓወት ዝብል ኣስተምህሮ ምስ ኣሕዋት ዳንኤል /ሚካኤልን ሰሎሞን ኣሰፋውን ዝሃብኩሞ ኣስተምሁሮ ኣዝዩ ኣገዳሲ ስለ ዝነበረ ምስጋናይ ይብጻሕኩም።

ኮምኡ ውን ኩቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ሓደ ካብቶም ነዚ ተፈጢሩ ዘሎ ማዕበል ኣንጻር ምልኪ፡ ቀላሲናን ሞተረን ዝኾነ ኩቡር ሓው ኣማኑኤል ኢያሱን ካልኦትን፡ ከም ባዓል፡

ሚካኤል /ዓንደጊዮርጊስ፡

ሃይለ ክፍላይ፡

ኤልሳ ጭሩም፡

ሰላም ኪዳነ፡

ዓብዱ ሳዒድ፡

ኪሮስ ዮሃንስ፡

ኣሮን ብርሃነ፡

ስምኦን (ቀባጽ)

ኣሮን ሃይለ፡

ኢሳይያስ ስዩም፡

ጆርጅ ገብረስላሴ፡

ጌቱ ጸጋይ

ዘካርያስ ክብራኣብ፡

ዮስየፍ ገብረሂወት፡

ገዛኢ ዘርኢሰናይን፡

ንህሉው ኩነታት ሃገርናን ነቲ ዋዕላን ዘንጸባርቕ መሳጢ ኣስተምህሮ ኣቕሪቦም ዋዕላ ብዓወት ተዛዚሙ። በዚ ተላዒሉ ዘሎ ማዕበል ድማ ህግደፍ ኣብ ድበት ታሪኽ ክድበ ኢዩ።

ኩቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን ኣዳለውትን ተሳተፍትን ዋዕላ ዋሽንተን ዲሲ፡ ንነዊሕ ዓመታት ብሰንኪ እዚ ግናይ ጉጅለ ሓድነትናን ህዝብናን ዘጽንት ዘሎ ዝቓሓረት ልበይ፡ ተስፋን ሓበንን ስለ ዘስነቕኩማ፡ ዝላዓለ ምስጋናይ ይብጻሕኩም፡ ካብ ልቢ ድማ ይናፍቐኩም።

ሓውኩም ሳልሕ ዓብደላ

ካብ ለምለም ካናዳ

ስመርርርርር

ስመርርርርር

ስመርርርርር

This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...