፩ይ ክፋል

ኣብ ዓዲማትካ ንዘሎ ደሞክራሲ እናላቋመጽካ ነቲ ኣብ ዓድኻ ዘሎ ምልኪ ወላ ንኸተስተማቅሮ ድሉው እንተዘይኮንካ ፤ ንኸተለልዮ ዘይምኽኣል ናይ ጥዕና ኣይኮነን፡፡

ስለዚ ነዝን ወዲዝን ሪኢኻ ብምግራም ፤ ኣብ ሓንጎልካ ሸንኮለል ዝብሉ ሕቶታት ክለዓሉ ግድን`ዩ። ካብዚ ዘይስነ-ሞጎታውን ክወሓጠልካ ዘይክእልን ተርእዮ`ዚ ዝብገሱ ሕቶታት፡-

* ኣብ ዓዲ ደሞክራሲ እናተቀመጥካን ጸጋታቱ እናተጠቀምካን፤ እንታይነቱ ከይተረደኣካን ከየስተበሃልካሉን ክሓልፍ ይከኣል`ዶ ???

** ትምህርቲ ዘይምጽጋብ ወይ ዘይተማሃርካ ምዃን ንኸምኡ ክትከውንን ጌጋ ኣረዳድኣ ንኽህልወካን ካብ ዝገብሩ ሮቋሒታት`ዶ ይኸውን ??

*** ብዙሓት ዝተማህሩ ማዕረ`ቶም ዘይተማህሩ ወይ ትምህርቲ ዘይጸገቡ እንብሎም ዘይምርድኦም ወይ ኣብ ከምዚ ዓይነት ጌጋ ምውዳቆም እንታይ የረዳኣና ???

በብወገና ርእይቶና ሂብናሉ ክንሓልፍ ዝገትእ ነገር`ኳ እንተዘየለ ፤ ብዝበለጸ ኸኣ ናይ ስነ-ኣእምሮ ምሁራት ሰብ ሞያ ዝዓሞቀ መጽናዕቲ ገይሮም ጠንቁን ፈውሱን ሒዞሙልና ክቀርቡ ተስፋ እገብር። ስጋብ ሽዑ ግና ብወገነይ፡-

* ነቲ ኣብ ዓዲ ደሞክራሲ እናተቀመጥካን ጸጋታቱ እናተጠቀምካን፤ እንታይነቱ ከይተረደኣካን ከየስተበሃልካሉን ክሓልፍ ይከኣል`ዶ ? ንዝብል ሕቶ፡ እወ ይከኣል`ዩ ። ክሳብ ትብለጸሎም ዘለኻ ዓያሹ ጌርካ ክትወስዶም ትኽእል ኢኻ !! ድንቁርና ዘይገብሮ የብሉን።

** ትምህርቲ ዘይምጽጋብ ወይ ዘይተማሃርካ ምዃን ንኸምዚ ኣረዳድኣ ንኽህልወካ ካብ ዝገብሩ ሮቋሒታት`ዶ ይኸውን ? ንዝብል ሕቶ ብዝምልከት፡ እወ፡ ይኸውንን ፈረቃን !!!! ምኽንያቱ ወዲ- ሰብ ብተፈጥርኡ ተማሃሪ`ዩ፡ ቆብ ዘብል ፍጥረት`ዩ። ብዓይኑ ምርኣይ፡ ብእዝኑ ምስማዕ፡ በፍንጭኡ ምጭናው፡ ብመልሓሱ ምስትምቃር ፡ ብፊደላት ምንባብ ምስ ብዙሕ ነገራት ይላለ። እዚ ሕማቅ እዚ ደስ ዘብል ጨና፡ እዚ ምቁር እዚ መሪር፡ እዚ ሓርፋፍ እዚ ለማጽ፡ እዚ ጻዕዳ እዚ ጸሊም ወዘተ እናበለ ይፈልጥ ይመሃር።

እቲ ብተፈጥሮ እትማሃሮ ጉዳያት ብኸባቢኻ ዝተደረተ ፍልጠት`ዩ፡ ንኣብነት ሓደ ኣብ ሰሓራ ዝቅመጥ ሰብ ብዛዕባ ገመል ዝፈልጦ ብዙሕ`ዩ፡ ብዛዕባ`ቶም ኣብ ርጉእ ማይ ዝነብሩ እንስሳ ኣፍልጦ ክህልዎ ግና ኣይክእልን`ዩ። ስለዚ ብኸባቢኻ ከይተወሰንካ፤ ናይ ቀረባን ርሑቅን ናትካን ዘይናትካን ንኽትፈልጥ ናብ ቤት ትምህርቲ ገጽካ ከተምርሕ ኣሎካ። ምእንቲ ኣንቢብካ ናትካን እንዳማትካን ክትፈልጥ ፊደላት ከተጽንዕ ኣለካ፡ ብምርኣይን ምስማዕን ምንባብን ፍልጠትካ ክዓቢ ቋንቋታት ክትመሃር ኣለካ። ስለዚ ዘይምምሃር ጠንቂ ናይቲ ዝበልናዮ ጠባይ ክኸውን ይኽእል`ዩ።

*** ብዙሓት ዝተማህሩ ማዕረ`ቶም ዘይተማሩ ወይ ትምህርቲ ዘይጸገቡ እንብሎም ዘይምርደኦም ወይ ኣብ ከምዚ ዓይነት ጌጋ ምውዳቆም እንታይ የረዳኣና ? ንዝብል ሕቶ ብዝምልከት፡-

ብመጠን ነቲ ዝቀደመ ሕቶ ኣልዒልና ዝመዘናሉ መዐቀኒ ተበጊስና እንተሪኢናዮ ፡ ኪኖ ኸባቢኻ ንኽትፈልጥ፡ ብቀጥታ ንዘይረኤ ጉዳያት ክትፈልጦን ክትበጽሖን ክትግምቶን ፤ ንትምህርቲ ገጽካ ከተምርሕ ኣሎካ። ንቤት ትምህርቲ ብምምራሕካ ዝብጻሕ ከኣ ኣንቢብካ እትርዳእ ፡ ሓደሽቲ ቋንቋታት ዝፈልጥ ኮንካ ብምውጻእ ዝሰፈሔ ፍልጠት ናይ ምግባት ዕድል ይኽፈተልካ ኣሎ ማለት`ዩ። ድሕሪ`ዚ ዝመጽእ ጉዳያት ካብ ሰብ ናብ ሰብ ክፈላለ ይኽእል`ዩ፡፡ ንኣብነት በሊሕን ክኢላን ናይ ስኒ ሓኪም ኮንካ ፡ ብዛዕባ`ቲ ኣብ በዓል ርዋንዳ ኣብ 90ታት ዝተፈጸመ ናይ ሕድሕድ ምጥፋእ ምቅትታል ሓበሬታ ዘይብልካ ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ወይ`ውን ዝዓበየ ናይ ሕማም ልቢ ሓኪም ወይ ዝተፈልጠ መሃንድስ ኮንካ፡ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ንናይ መንግስቲ ኣብያተ- ትምህርትን ሕክምናን ናብ ናይ ግሊ ትካላት ምቅያረን ብልሃት ዘይርደካ ክትከውን ትኽእል።

ግብጻውያን፡ ነቶም ኣብ ሞያኦም / መብልዕ እንጀረኦም ጥራሕ ዘተኩሩ ብሓፈሻዊ ፍልጠት ዘይግደሱ ምሁራት " ምሁር ደንቆሮ " ኢሎም ይገልጽዎም።

ስለዚ`ዩ ኸኣ ኣብ ገለ ጉዳያት ብዘይተማሃሩ ወይ ብዘይመጣጠንዎም ሰባት ክእለዩን ክምርሑን ዝረኣዩ።ስለዚ ነዚኦም ኣብ ዘይትግምቶ ቦታን መርገጽን ምርኣይ ዘገርም ኣይኮነን።እቲ ዘተሓሳስብ ግና ብዙሓት ብሽም ምሁር ዝፈልጡዎም ነቲ`ሶም ዝረገጽዎ ምርጋጽ ኣብ ጽኑዕ ከም ምርጋጽ ገይሮም ዝወስድዎ ገርሀኛታት ምህላው`ዩ።

ካብ ውሽጢ`ዞም ክንዛረበሎም ዝጸናሕና ውሽጦምን ደገኦምን ዘይቃዶ ፍልይ ዝበሉ ሰባት ከኣ ኣለዉ፤ ኣይዛረብን`ዩ ንዝብልዎ እሙን ሰብ፡ ገሊኦም ኸኣ ከም ትሕጃ ኮይኑ ንግዜ ለውጢ ከገልግሎም ኢሎም ንገለ ተቃወምቲ ሑሹኽ ዝብልዎ " ምስጢር " እቲ ረጊጾሞ ዘለዉ መርገጽ ኣሚኖሙሉ ዘይኮነስ ኣብ ዓዲ ንብረት ስለ ዘለዎም` ምዃኑ ይገልጹ!!!

" እዚ መርገጽ`ዚ ኣሚነሉ ዘይኮንኩስ ንብረተይ ከዕቅብ ክብል ዝወሰድኩዎ መርገጽ`ዩ " ዝብል ኣበሃህላ ካብቲ ወገናዊ ጠባይ ዘለዎ ጉጉይ መርገጻት ዝኸፈኤን ዝተናዕቀን ኮይኑ፡ ዕርቃኑ ዝወጸ በለጽ`ዩ። ንንብረተይ ክብል`የ ! ዝብል ምምኽናይ ክሰምዕ እንከለኹ፡ ነቶም ዝንቀሳቀስን ዘይንቀሳቀስን ንብረቶም ራሕርሖም ዝተሰለፉ፤ ነቶም ብዶክተርነት ደረጃ ምምራቅ ሳሕቲ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ኣብ ክንዲ ንብረት ክብረት ደልዮም ዝተሰለፉ፤ ነቶም መጻኢ ዕድሎምን ንእስነተሙን ከም ዋጋ ሓርነት ዝኸፈሉ ዘርከብኩሎም ወለዶ የዘክረኒ`ሞ፡ እዚ ተጠሊዕካ ካብ ክብረተይ ንብረተይ ምባል ደኣ በየን መጸና ?! ኢለ ክሓስብ ደረኸኒ።

"ክብረት`ዶ ንብረት" እናበልኩ ነዚኦምን ነቲኦምን ከነጻጽር ኮሌኔር ነጋን ሸኽ ዓ/ ቃድር ከቢረን ትዝ በሉኒ። ኣብ ጉዳይ" ክብረት`ዶ ንብረት" ነጋ እንታይ`ሉ፡ ከቢረ`ኸ እንታይ`ሎም ? ኣብ 2ይን መፈጸምታን ክፋል የራኽበና። ደሓን ቅኔ

A.A.Hafiz 1-Jun-12 (130)

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...