መሰልሰላ ተዋስኦታት ኢሳይያስ! ንፍርቂ ዘመን


ንእሾኽ እሾኽ ተውጽኣ፣ ኣራግጻኻ ግን ኣይትቐይር ኤርትራዊ!’ እዚ ካብ መንፈስን ስነ-ምግባርን ህዝብና ዝኾብለለ ሓኽሊ ድሙ ስርዓት፣ ደጊም ኣብ ገምገም ጸድፊ ካብ ዝቕመጥ ኣይወሓዶን። ሰላም ብሓበራ ኣብ ሙሉእ ዓለም ዘለኽንን ዘለኹምን ኤርትራውያን! እንቋዕ ከኣ ናብ መበል 21 ዝኽሪ ዓመት፣ ናብዛ ህዝቢ ኤርትራ ማእለውያ ዘይርከቦ ክቡር ሂወት ዝኸፈለላ 24 ግንቦት 2012 መዓልቲ ናጽነት ኣብጽሓና እንተበልኩስ ማይ ዝሓለፎ ኣይመስለንን። ከምኡ’ውን ናብ ዝኽሪ ሰማእታት 20 ሰነ ገጽና ንኸይድ ብምህላውና፦ ዘለኣለማዊ ዝኽሪን ሞጎስን ንጀጋኑ ስዉኣትና!

ብምኽንያት ነዊሕ ግዜ ዝወሰደ ናይ ኤውሮጳ መገሻታተይ፦ ጽሑፋት ካብ ምዝርጋሕ ዝግ ኢለ ብድሕሪ ምቕናየይ፣ ካብ ሎሚ ንደሓር ንኣገደስቲ እዋናውያን ጽሑፋት ክዝርግሕ ጋእ እብል ኣለኹ።


እቲ ንኣስታት ፍርቂ ዘመን ንሓቂ ዝጾማ ገበነኛ ተኹላ፣ ተኸዲንዎ ዝነበረ ቆርበት ኤርትራውያን ተቐንጢጡ ኢዩ። ‘ከም ቀደም ይመስለክን ውሕጅ ይወስደክን!’ ብረብሓን ወለዶን ዝተኣኻኸቡ’ምበር ብዕላማ ዝተጎጀሉስ ቁንጣሮ ምዃኖም ህዝቢ ኤርትራ ይፈልጥ ኢዩ። ከም ሕብራውያን ፊልማት ግብጺን ቱርኪን መወዳእታ ዘይብሉ መሰልሰላ (ተኸታታሊ ተዋስኦ) ኢሳይያስ ካብ ዝተሰለፈሉ ዕለት ብሓፈሻ፣ ካብታ ናብ ዓላ ዝኣተወላ ሓደገኛ መዓልቲ ድማ ብፍላይ እነሆ 42 ዓመታት ኮይኑ ኣሎ።


‘ስዋን ጋዕሲን ብሓደ መዓልቲ ኣይደርስን’ ከም ዝበሃል፤ ኢሳይያስ ናብቲ ዝተላእኮ ጥርዚ ንምድያብ ብሃታ-ሃታ ከም ዘይብጻሕ ስለዘይሰሓቶ ኣይተሃንጠየን። ናብ ዓላ ካብ ዝኣተወላ ዕለት ኣትሒዙ ዝደረሶም ተዋስኦታት ጸብጺብካ ዝውድኡ ኣይኮኑን። ኤርትራዊ ስለ ናጽነትን ሓርነትን ሃገሩን ህዝቡን እንኮ ልቢ ሒዙ ኣብ ዝኸደሉ ዝነበረ ህሞት፣ ኢሳይያስ ብድርብ ዕያር ኢዩ ናብቲ ቃድራ ግራት ኤርትራውያን ዝተሓወሰ።


እቲ ኤርትራውያን ንምጽናት በብዓመቱ ዝደርሶ ዝነበረ ድራማታት ናይ ታሪኽ ሕንቅልሕንቅሊተይ ኮይኑ ደንጉዩ ኢዩ ተረዲኡና። ኣብ 1973 ነቶም ናብ ዕላማይ ንምብጻሕ ኣየሕልፉንን ኢዮም ኢሉ ዝገመቶም ምሁራት ተጋደልቲ ንምቕንጻል፤ ቅድም ናብ ዛሬባ ንምድጓኖም “ምፍታሕ ግርጭት ገዳይም መሪሕነት ኣስመሮም ገረዝግሄር፣ ሰለሞን ወልደማርያምን ተወልደ ኢዮብን” ዝብል ተዋስኦ ደረሰ። ጸኒሑ’ውን ንዝተረፍዎ ሊቃውንቲ ንምቕራም “የሚን ተንሲኦም ኣለዉ” ዝተባህለ መሰልሰላ ኣብ 1976 ዓ.ም. ጸሓፈ።


ንድሕሪት ተመሊስና መዛግብቲ ታሪኽ ኣብ እንግልጽለሉ ግዜ ከኣ፣ ኢሳይያስ ኣብ ውሽጢ ህዝባዊ ግንባር ንዝነበሩ ጥራይ ዘይኮነስ፦ ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ /ጀብሃ/ ንዝነበሩ ሃገራውያን እውን ብሪሞት ኮንትሮል ይቕርሞም ነበረ።


ጽባሕ ንግሆ ንሃገር መራግእቲ ኤርትራውነት ክኾኑ ዝኽእሉ ዝነበሩ ባእታታት ኣብ ግዜ ሰላምን ኲናት ዝተፈላለዩ ጥበባት ብምምሃዝ ይቕንጽሎም ከም ዝነበረ ኣቀታትላ ጅግና ኢብራሂም ዓፋ ህያው ምስክር ነበረ። ሽዑ ኣይነበርኩን ንምባል ቀተልቲ መዚዙ ናብ ካርቱም ኢዩ ዝገሸ። ኢሳይያስ በብዓመቱ ይደርሶም ዝነበረ ናብ ቅድሚ መጋረጃ ዘይተራእዩ ንኣሽቱ ትያትሮታት እውን ውሑዳት ኣይነበሩን።


እቲ ኣብ ዱሮ ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤ መጋቢት 1987 ኣብ ናይ ሓለፍቲ ሰልፊ ጉባኤ “…ኣነ ካብ ጽፍሪ እግረይ ክሳብ ጸጉሪ ርእሰይ ብከበድቲ ምስጢራት ዝተመላእኩ ሰብ እየ። እዚ ምስጢራት እዚ ክነግረኩም ድሉው እየ፤ እንተደኣ ነጊረኩም ግን ውድብ ህዝባዊ ግንባር ኣይክቕጽልን ኢዩ።…ኣይትሓፍሩን ዲኹም! ምስጢራት ክነግረኩም ዲኹም ትጽበዩ ዘለኹም?...እስከ በሉ ሰማዒት ኮሚተ ኣውጽኡ…በዚ ከኣ ሓደ ብጻይ ከይሓፈረ ብዛዕባ እተን ሰውራ ፍልስጥኤም ዝሃቡና 200 ካላሽናት ክሓትት ጸኒሑ!!” ኢሉ ዝሃቦ ተገማጣሊን ዱብ-ቦላን ዘረባታት እውን ‘በዓል ጋራኻ ምሓል ክብለካስ ንሰበይትኻ ኣበስራ’ ከም ዝተባህለ ብወዝቢ ዝተዛረቦም ቃላት ኣይነበሩን።


ናብ ዝተላእኮ ዕላማ ንምብጻሕ መሰልሰላ ፊልማት ኢሳይያስ እውን ብድሕሪ ናጽነት በቲ ዓቢ ድራማ ውግእ ባድመ ኢዩ ዝልለ። ሽዑ ክርቢት ኲናት ዝውልዕ ሓደ እሙን ጀነራል መዚዙ ናብ ጅዳ ከም ዝኸደን፤ ምስ ተመልሰ ድማ ኣብ ኤሪ-ቲቪ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ቀሪቡ “…ቀም ኣቢለ ነይረስ…ወያነ ብባድመ ኲናት ጀሚሮም ኢሎም ነጊሮሙኒ” በለ። ኣድላይነት ናይቲ ባዕሉ ዝኣጎዶ ሓዊ ባድመ ነቶም ገለ ክፋል ምስጢራቱ ዝፈልጡ ዝነበሩ፤ ናብ ዕላማ ለኣኽቱ ንምብጻሕ ድማ መንገዲ ምሕላፍ ከጸግሙኒ ኢዮም ዝበሎም፦ ምስኡ ንልዕሊ ሰላሳ ዓመታት ዝተጓዕዙ ኣባላት ፖለቲካዊ ቤ/ጽ ህ.ግ. ንምቕራምን ነቲ ተጀሚሩ ዝነበረ ጩራ ሓርነት ንምርጋጥን ኢዩ ዝነበረ።


ኮነ ድማ እቶም ከም ታቦት ኮብኪቦም ዘእተዉዎ መሪሕነትን ገዳይም ተጋደልቲን ቀፊዱ ናብ ስንጭሮ ዒራ-ዒሮ ዳጎኖም። ዕሉም ኣየዕረፈን! ህዝባዊ ማዕበል ከይትንስእ ስግኣት ስለዝነበሮ ነቲ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ዝእክቦ ዝነበረ ሚልዮናት ዶላራት ተጠቒሙ ናብ ማእከል ደምበ ተቓውሞ ብምስላኹ ብትንትን ከም ዝብል ገበሮ።


ካብ ዓመተ 2001 ክሳብ 2012 ንነዊሕ ዓመታት ሕቖኡ ከም ዝተጎዘዘ ለመምታ ትልኽ ክብል ብድሕሪ ምጽንሑ ከኣ፤ ሞይቱ ዝብል ቅድሚ ሎሚ ካብ ዝተሰርሑን ዝተራእዩን ተዋስኦታት ክብረ ወሰን ዝጨበጠ ሓድሽ ትያትሮ ደረሰ። ድርሰት “ሞይቱ” ብዙሕ ምኩሕሓልን ጥበባትን ዝተገብረላ ሕብራዊት ፊልም ኢያ። ኢሳይያስ ኣብ ንጡፍ ሃገር ናይ ምምራሕ መዓልታዊ ሂወት ኣሎ ክበሃል ዝከኣል ኣይኮነን። ኣብቲ ብድሕሪ “ሞይቱ” ዝተባህለ ድራማ ዝገበሮ ቃለ-መሕትቱ “…ድቃስ እፈቱ’የ! ኢንተርነት ኣይጥቀምን እየ…ሞባይል ተለፎን የብለይን…” ክብል ተመጻዲቑ።


‘ዓጣሪትሲ ከም ለጋስ ኣብ መንገዲ ስዋ ትጸሙቕ’ ከም ዝበሃል፤ እቲ ብሽዱሽተ ላንድ-ክሩዘራት ዝዘውር ጃጃዊ ውልቀ-መላኺ፣ ድኻ ማርያም ተሓጻቢ ማጨሎት ንምምሳል ገብኢ ዝተሓውሶ ቃለ-መሕትት ኣካየደ። ኣብ ግዜ መገሻ ብዘይካ ናቱ ክልተ ተለፎናት (ኢንተርናሽናል ሱራያን ሃገራዊ ሸበካ ኤሪ-ቴልን) ካልኦት ሓለፍቲ፣ መራሕቲ መካንይንን ዋርድያታትን ሞባይል ክሕዙ ኣፍቀደሎምን ኢዩ።


ኣብ ምዝርጋሕ “ሞይቱ” ዝተባህለ ፊልም፣ ነቲ ተዓዛቢ ንምእማን ካብ ኤርትራን ደገን ከም ንፋስ ብዝሸብብ ናይ 03 ወረታት ተናወጸ። ኣብ ከተማታት ኤርትራ ኣብ ስካፋለታት ዝነበረ መስተ ክሳብ ዝውዳእ ውስጠ-ዘ ዝዓይነቱ ቺርስ!! ተባህለ። ብሪጋደር ጀነራል ተኽለ ክፍላይን ሓጎስ ክሻን ተኣሲሮም፣ ባንክታትን ኣየር ፖርትን ብሰራዊት ይሕሎ ኣሎ፣ ኢሳይያስ ንሕክምና ብህጹጹ ናብ ቀጠር ብድሕሪ ምኻዱ ኢዩ ሞይቱ፣ ዕጹው ኣኼባታት ጀነራላት ቀጺሉ ውዒሉ…ወ.ዘ.ተ…


ኩሉ ሰብ ሓቅነት ንምርግጋጽ ዘይፈተኖ ኣገባብ ኣይነበረን። ደምበ ኣለና እውን ከም ኩላቶም ደለይቲ ሞት ክናና፦ ሓቅነቱ ንምርግጋጽ ናብ ኤርትራ ዝሰደድናዮ ሕቶ፦ “…ኣብ ከባቢ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንትን ሚኒስትሪ ዜናን እሙናት ካብ ዝበሃሉ ሰባት ብዝረኸብናዮ ሓበሬታ፤ ኢሳይያስ ሞይቱ ኢዩ። እቲ ምስጢር ካብ ዓሰርተ ብዘይበዝሑ ሰባት ተታሒዙ ኣሎ፣ ሞት ኢሳይያስ ብኣዝዩ ዓቢ ምስጢር ክተሓዝ ስለዘለዎ ስድራ ቤቱ እውን ኣይፈለጡን ዘለዉ። ዝርዝር ኣገባብ መርድእን ኣቀባብራን ብዝምልከት ዝፍለጥ ነገር የለን። ዮሃና እቲ ንህዝቢ ኤርትራ ደም ዘንብዐ ገበነኛ ሞይቱ።” ዝብል ብኢመይል ዝተሰደደ መልእኽቲ ነበረ።


በዚ ይኹን በቲ ኢሳይያስ ኣይኮነን’ዶ ኣብ ስልጣን ክኹደም፣ ብሂወት ንምጽናሕ ዘለዎ ዕድል ከም ዓይኒ መርፍእ ጸቢብ ኢዩ። እቶም ትልኽ እትብል ዘላ ሂወቱ ኣብ ቲቪ ርእዮም ኣያና ኣሎ ዝብሉ ከኣ፤ ኣቐዲሞም ንመግነዚ ዝኸውን ደበላን ከዳልዉ ነዘኻኽሮም። ነዊሕ ኣብ ዘይኮነ ግዜ እንተስ ብሕማም እንተስ ብቕንጸላ ሞት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዘይተርፍ ክኽፈል ዘለዎ ሓረጣ ኢዩ።


ብድሕሪ ድራማ “ሞይቱ” ኣብዚ ቅንያት’ዚ እውን ንሰራዊት ኤርትራ ናብ ጓህሪ ዝጠበሰ ኣብ ከባቢ ባድመ (ዴዳ፤ ዓዲ ማእለል፤ ደምበ ኣሞንጒል) ውግእ ከም ዝተገብረ ሰሚዕና። ዕላማ እዚ ሓድሽ ድርሰት ከኣ ብድሕሪ “ሞይቱ” ዝተባህለ ፊልም ‘ኣሎ ጥራይ ዘይኮነስ፣ እነሆ’ኳ ኣብ ባድመ ኣሽናይ በለ ኢሉ! ገቢሩለን ኣባ ብልሓቱ ደርሆ ነቀወ ኣብ ባድመ ኣብ ዘይሰዓቱ’ ዘስምዕ ኢዩ። ብቐንዱ ድማ እቲ ዕቡድ ተበግሶ ነቶም ኣብ ደገ ዘለዉ ደገፍቱ ኣለኹ ማለት፣ ንተቓወምቱ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ወይልኹም ንከስምዕ ምዃኑን፤ ከምኡ’ውን ሓደ ካብቲ ፕሮጀክት ህግደፍ ንሰራዊት ኤርትራ ንምልቑማጽን ምንባሩ ኣይተሳሕተን።


ኣብዚ ጠርባሽ ውግእ’ዚ ልዕሊ 200 ሂወት ኤርትራውያን ክጠፍእ እንከሎ፤ ብዙሓት ወተሃደራት ቆሲሎምን ተማሪኾምን ኣለዉ። እቶም ኣብ ቪላታት ኤውሮጳን ሰሜን ኣሜሪካን ዝነብሩ ዘለዉ መጣቓዕቲ ህግደፍ ድማ “ሰራዊትና ንባድመ ኣምሊስዋ፤ ከይዱ ቀጺሉ ናብ ገምሃሎ በጺሑ…ከይዱ ደጊም ሓኒኑ ኢዩ ዓጋቲ የብሉን” ክብሉ ቀንዮም ኢዮም። ህግደፍ ዓሌት ኤርትራውያን ንምጽናት ብኲናት፤ ስደት፤ ጥሜት፤ መሸጣ ኮላሊትን ቅንጸላን ካብ ነዊሕ ዓመታት ኣትሒዙ ክሰርሓሉ ዝጸንሐ ፕሮጀክት ስለዝኾነ፣ እዚ ናይ ትማሊ ውግእ’ውን ሓደ ካብቲ ጸወታ ቸዝ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኢዩ።


ከምቲ ‘ንፈላሲ ዳዊት ንሓረስታይ ነዊት’ ዝበሃል፤ ሰራዊት መጥቃዕቲ ንክገብር ወይ ድማ ንክከላኸል፤ ዓቕሚ ሰቡን ደጀኑን ከምኡ’ውን ሞራሉን ሎጂስቲካዊ ዕጥቁን ንምፍላጥ እኹል መጽናዕቲ የድልዮ። ካብ ወርሒ ሰነ 2000 ዓ.ም. ክሳብ ሎሚ ኣብ መንጎ ክልተ ዝተፋጠጠ ሰራዊት ኳሕ እትብል ጥይት ዘይነበረት? ስለምንታይ ደኣ ሎሚ ኣብ ዕለት 26 ግንቦት ዘውግሐ ለይቲ ህጁም ናብ ባድመ ተደልየ? ኣብ ሩባ ተከዘ ክልቲኡ ሰራዊት ኣብ ሓደ ወሓዚ እናተሓጽበ… ክልቲኡ ሰራዊት ብወገን ሰሜንን ደቡብን ኣብ ቢንቶ ኦምሓጀር-ሑመራ ብዳርባ እምኒ ኣብ ዝንውሓቱ ርሕቀት ኣብ ዝነበሩሉ ግዜ’ኸ ስለምንታይ ኳሕ ዝብል ድምጺ ዘይተሰምዐ?


‘ናይ ሞት ይጽናሕ ናይ ሕልፈት ይበኸ’ ከም ዝበሃል ብዕለት 12 ግንቦት 2000 ዓ.ም. ኣብ ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተጀመረ ከቢድ ኲናት ምስጢራት ምፍራስ ግንባር መረብ-ሰቲት ብወገን ፋውሊና ዘይተፈልጠ ድራማ ይመስል ይኸውን። ኮር ተገልበጥ! ሎሚ እውን ንሰራዊት ኤርትራ ብዘይ መጽናዕቲ ናብ ረመጽ ኣእቲኻ ንሓዋሩ ድሁልን ሃዳሚን፤ ጃጃዊን ሞራል በተኽን ከም ዝኸውን፤ ተኹሲ ከም ዝሰምዐ ከልቢ ንሓዋሩ ጭርኡ ደጒሉ ከም ዝሃድም ንምግባር ዝተኣልመ ውዲት’ምበር ባድመ ንምምላስ ወይ ስትራተጂያዊ ኣገዳስነት ዘለዎ ቦታ ንምሓዝ ዝተገብረ ድራማ ኣይኮነን።


ካብ 2005 ዓ.ም. ንደሓር “ናብ ውግእ ንኺድ” ዝብል መዝሙር ዝደጋግም ዝነበረ ገበነኛ ኢሳይያስ፣ ብተሪር ተቓውሞ ገለ ጀነራላት ደው ኢሉ ከም ዝነበረ ይፍለጥ። ኣብዚ ናይ ትማሊ ዝተወልዐ ናይ መናውራ ኲናት’ውን ብዘይካ እንኮ ጀነራል ካልኦት ኣዘዝቲ ብሱሩ ኣይተሓበሩን። እዚ ድራማ እዚን በቲ ዝሰዓበ ሞትን ምምራኽን ሰራዊት ኤርትራን ድማ ኣብ መንጎ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ሓያል ምስሕሓብን ቅርሕንቲን ፈጢሩ ከም ዘሎ ካብ ውሽጢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።


እዚ ብሓደ ሲሶ (1/3) ጸላም ከብዲ ዝነብር ዘሎ ሕሱም ሰብ፣ ከም ብዕራይ ሰነ ምስ ኣሳፍሐ ሓፍ ንምባል’ውን ይጽገም ኣሎ። ወላ’ኳ ኣብ በዓል ናጽነት ኣለኹ እንተበለ፤ ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ኣይክህሉን ኢዩ። ‘ኣረጊት ፈከረ ግንቦት ኣዝመረ ኢልካ ኣይእመንን’ ከም ዝበሃል፦ ገበነኛ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ልዕሊ ቃሬዛ ኮይኑ ኣለኹ እንተበለን፤ ከም’ቲ ዘይኩርምትኻ ሑጽ ቆርጥመሉ’ ዝበሃል ንመንእሰያት ደቂ ኤርትራ ናብ ኲናት እንተጠበሰን ኣሎ ማለት ኣይኮነን። ንሕና ጉዳይ ኣሎና! ጉዳይና ጥራይ ንግበር’ምበር ደጊም ዕምሪ ኢሳይያስ ኣኺሉ ኢዩ። ካብ ነዊሕ ዓመታት ብድኻም ደምበ ተቓውሞ ኣለኹ ክብል ዝጸንሐ ስርዓት ህግደፍ፦ ሎሚ ነዳዲ ከም ዝወድአት እትናብለ ቀይሕ ወሊዑ ኣሎ። ዕድል መጻኢ ወለዶ ኤርትራውያን ንምርግጋጽ ድማ ሕጂ ሓደ ምዃን የድልየና ከም ዘሎ ኣብ ቅድሜና ንዝተገተረ ቀስተ-ደመና ምርኣይ እኹል ኢዩ።


እዚ መድረኽ እዚ ናይ ቃልሲን ዱሮ ዓወትን ግዜ ኢዩ፣ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ደምበ ኣለና ብደገን ብውሽጢን ሓደ መዘኻኸሪ ወስ ከነብል ንደሊ። ከምቲ ሓደ ሂወቱ ዝመርሕ ሰብ ንኣከያይድኡ እናገምገመ ዘዋጽኦ ዝገብር፣ ንዘየዋጽኦ ድማ ዝገድፍ፤ ስራሓት ደምበ ተቓውሞ ኣብ ቀዳድ በርሚል ማይ ምጉራት ኮይኑ ከም ዝነበረን ክሳብ ለይቲ ሎሚ’ውን ከም ዘሎን ኩሉ ብሕልና ዝፈርዶ ሓቂ ኢዩ። እተን ስለ ፍትሒን ሓርነትን ንቃለስ ኢና ዝብላ ውድባትን ሰልፍታትን ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ ዕቑድ ዓመታት እንታይ ጌርና? ብምባል ንመንገደን ብንጹር ቢኒኮሎ ክርእያ ይሕተታ ኣለዋ።


ቃልሲ ማለት ትብዓት፣ ቃልሲ ማለት ከኣ ድኻምን መስዋእቲን ማለት ኢዩ’ሞ፣ እዋን እጅገ ዝስብሰበሉ ግዜ ኢና ዘለና። ንሕና ኢና ዘይፈለጥና’ምበር፤ ስርዓት ህግደፍ ጸሓይ ይዓርቦ ከም ዘሎ ይፈልጥ ኢዩ። ኢሳይያስ ነቲ ን42 ዓመታት ደጒሉዎ ዝነበረ ምስጢራት ንምትግባሩ ስለዝመኸኖ፣ ክሳብ መዓልቲ ሞቱ ኣኽኽኽ! ሰኣን ቁሩብ ግዜ እናበለ ይሳቐ ኣሎ። ግን ኣብ ሰዓት 11፣59 ኣብ ዘለናሉ ዘመን፣ ቂም-ቂም ግዜ ትኣክል ኣላ።


ኣብዘን ዝሓለፋ 11 ዓመታት /2001-2012/ ኣብ ትሕቲ ኮበርታ ህግደፍ ኮይኖም ጭጩፍ ኣቕራሽ ኢሳይያስ እናበልዑ ናይ ህዝቢ ሓለይቲን ተቓለስቲን ተመሲሎም ዓይኒ ማይ ክዘርጉ ዝጸንሑን ዘለዉን ዘይተለለዩ’ኳ እንተመሰሎም ይልልዩ ኣለዉ። ዓሻን ደንቆሮን ህዝቢ የለን፤ ምናልባት ንግዚኡ ተገሪሁ ዝኸይድ፣ ክሳብ ዝመሚ ዝደናገር ሰብ ክህሉ ኢዩ። ካብኡ ዝተረፈ ግን ኣብ ታሪኽ ጉዕዞ ወዲ ሰብ ህዝቢ ተሳዒሩ ኣይፈልጥን ኢዩ። ንኩሉ ግዜ ህዝቢ ከነደናግር ኢና በሃልቲ ድማ ኣብ ታሪኽ ኣይተራእዩን። ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ ለውጢ ዘምጽአ ህዝቢ’ምበር እተን ደርዘናት ዓመታት ዝተቓለሳ ሰልፍታት ኣይኮናን።


ከምቲ “ዘይውዳእ ደርፊ ኣሎና…ከመይ? ዝደረፍናዮ ንደግም ኴንና” ዝበሃል፤ ዓሚን ቅድሚ ዓሚን ዝደረፍዎ ስለዝርስዑ፤ እቶም ናይ ክፍኣት መሃንድሳት ኣብዚ ቀረባ ግዜ ናይ ጭሉቕ መርዓ ንምግባር ኣብ ኤውሮጳ ተኣንጎት ተሸባሸብ ክበሃል ቀንዩ ኣሎ’ሞ፣ እቲ ደርፊ ኣቐዲሙ ስለዝተደርፈስ ከይሰማዕናዮ ዝተፈንፈነ ድግምጋም ዜማ ብምዃኑ ኣዳለውቱን ተዓጠቕቲን ክፈልጡ ይግባእ። ነቲ ን21 ዓመታት ኣብ ትሕቲ ሕሱም ምምሕዳር ህግደፍ ዝጸንሐ ህዝቢ ኤርትራ ንምድሓን፤ ምስቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራን ሰራዊትን ዝተወሃሃደ ቃልሲ ምቕያስ የድሊ


ግሩም ዝኾነ ትያትሮ’ዩ! ደረስቲን ኣለይቲ መድረኽን፣ ተዋሳእቲን ተዓዘብቲን!! ብላዕሊ መሪሕነት ውድባትን ሰልፊታትን ንምስማር ዝመስል ኣኼባታት፣ ብታሕቲ ግን ከም ፈውሲ ኮሶ ንውሻጣዊ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ዝበታትኑን ተካል ስራሓት ዘካይዱን ተቓለስቲ መሰላት ውሑዳት ኣይኮኑን። ጉራማይለ ዝኾነ ፍልስፍናታት ኣብ እንሰምዓሉ ዘለና እዋን፤ “ህግደፍ እንተደኣ ሰልፊታት ናይ ምቛም ኣዋጅ ኣጽዲቑ፣ ኣስመራ ክንእቱ ኢና። …ምስ ህግደፍ ንምስራሕ ጸገም የብልናን…ህግደፍ ማለት’ኮ ህዝባዊ ግንባር ማለት ኢዩ ወ.ዘ.ተ…” ዝበሃል ፖሊሲ ክቃነን ክዝመርን ሰሚዕና ኢና። እቲ ከም መጸዓኛ ን21 ዓመታት ብዱላ ኢሳይያስ ዝተደሰቐ፣ ዘዝወለዶም ደቁ ከም ኣባ-ዛይዳ ካብ ሕቑፉ ዝምንጠሉን ኣብ ምድረ-በዳ ዝሕረዱን ኣብ ባሕሪታት ዝጠፍኡን ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ግን፤ ብዘይካ ንስርዓት ህግደፍ ቀቢርካ ህዝባዊ መንግስቲ ምምስራትን ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ብሰላም ምንባርን፣ ካልእ ምርጫ የብሉን። ነዚ ሎሚ እንርእዮ ዘለና ደረት-ትርኢት ጽልግልግ ዝበለ ሰግለለት ጋሪዱዎ’ኳ እንተሎ፤ እቲ ስለ ህዝቢ ኤርትራ ተባሂሉ ዚዛረየ ክቡር ደም ሰማእታት ብምንም ተኣምር ንከንቱ ኣይክኸይድን ኢዩ።


ንመሪር ነገራት ከይሰገርካን ንገያጽ ተሪር ዓቐበት ከይደየብካን መሰረታዊ ዓወት ከም ዘይሕፈስ ብረታዊ ቃልስና ዓቢ መምህር ኮይኑና ኢዩ። ሰውራ ኤርትራ ኣብ ዝጅመረሉ ዝነበረ ዓመት፣ ከም ወዝቢ ገለ ነቢይ “ናጽነትኩም ንምጉንጻፍ 65 ሽሕ መንእሰያት ክትከፍሉ ኢኹም” ኢሉ እንተዝነግረናስ እንታይ’ኮን ምበለ እዚ ህዝቢ! እምበኣርከስ ሎሚ’ውን ነዚ ኣብ ዋዜማ ዘመነ-ቅብጸት ዘሎ ኣረሜን ዲክታተር ንምውዳቕ ከቢድ ድኻም፣ መሪር ጉዕዞ፣ ውርደትን ክሕደትን፤ ከምኡ’ውን ብዝሑ ዘይፈለጥናዮ ክቡር መስዋእቲ ከድሊ ምዃኑ ኣብ ረርእስና ክስቆረና ኣለዎ።

ግዜ ይሸብብ ኢዩ ዘሎ። ናብዚ ክንዲ ከዋኽብቲ ሰማይ ዝምርዛኖም ጀጋኑ ዝኸፈልናሉ ዕለት ኣብ ዝበጻሕናሉ ዓመት፤ ነቲ ብጭፍራ ህግደፍ ዝተጨውየ ሰብኣዊ መሰልናን ክብርናን ንምምላስ ክሳብ ክንደይ ርሕቀት ተጓዒዝና? ከመይ ዝኣመሰለ ተመኩሮታት’ከ ኣጥሪና? ኣብ ልዕሊ ጸላኢና ኣብዘን ዝሓለፋ 21 ወይ 10 ዓመታት ከመይ ዝኣመሰለ ስምብራት ኣውሪድና? ጽፈት ኣወዳድባና፣ ስጥመት ሓድነትና፣ ኣቀዋውማና፣ ቅርጺናን መልክዕናን ምስ ጸላኢና ህግደፍ ብምንጽጻር ከመይ ይመስል ኣሎ? ካብቲ ንህዝቢ ኤርትራ ጸቒጡዎ ዘሎ ደናጉላ ኢሳይያስ’ከ ገለ’ዶ ኣብዘን 21 ወይ 10 ዓመታት ሓንቲ እምኒ ወይ ኮረት ፈንቂልና ንኸውን? ኢልና ንነብስና ምሕታት ግቡእ ኢዩ ምንም ዝተገብረ ጉዳይ እንተዘይሃልዩ ግን፣ ከምቲ ‘ምድሪ ክመሲ ናብ ኣበ ነፍሲ’ ዝበሃል፤ እቶም ካብ ግዜ ስሳታትን ሰብዓታትን ክሳብ ሎሚ ንሙሉእ ዕድመኦም ዝተቓለሱ ዜጋታት ክቡር ተመክሮኦምን ህዝቢ ዘሰከሞም ሓላፍነትን ናብ ሓድሽ ወለዶ ኣረኪቦም ገለ እንተዝውስኑ ምበለጸ።


ንሕና ደምበ ኣለና’ውን ንጃህራ ዘይኮነስ ስለ ሕድሪ’ቶም ብቑንጣሮ ሓመድ ዝቐበርናዮም ፋኖታት ደቂ ህዝቢን ስለ ኒሕን ስኒ ምንካስን ደቂ ምልእቲ ኤርትራ፦ ከምቲ ትማሊ ናጽነት ንምርግጋጽ ኣብ መንቀራቕሮ ሰፈር ኣትማን ዓሪድና፣ ሓምሊ ርጅላን ቃርዒዶን ተሓኒኹና ዝመከትናዮ፤ ሎሚ’ውን ክሳብ መወዳእታ ንጣብ ደምና ነዚ መንነትና ንምጽናት ዝዓጠቐ ጉጅለ ህግደፍ ንምስዓር ክንምርሽ ኢና።

ህዝቢ’ዩ ዝዕወት!

ኣለና ብደገ ኣለና ብውሽጢ!

ሞት ክናና ንኢሳይያስ!!

This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...