ካብ፡- /// ምክልኻል ባለነኪ

ናብ፡- ራዲዮ ወጋሕታ

ሰላም ወጋሕታ!

4 ክፋል፡

ሎሚ ትም ክንብል ስለዝደለና ይኸውን?

ን3ተ ግዜ ተኸታተልቲ ሓበሬታታት ከምዝሰደድኩልኩም ይዝከር፡፡ ኣስዒበ እዚ 4ይ ክፋልን እዋናዊን ሓበሬታ እሰደልኩም ኣለኹ፡፡ ምናልባት ኣብ ትሕዝቶ እዚ ጸብጻበይ ዘሎ ሓበሬታ ብኣንጻር ግዜ ምድንጓየይ ይቕሬታ ይሓትት፡

ኣብ ዝሓለፈ 3ይ ክፋል ጽሑፈይ ኢሳያስ ብኣካል ዘይተሓወሶ፡ ናይ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ፍልይ ዝበለ ኣኼባታት ከምዘካየዱ፡ ትሕዝቶ ኣኼባታቶም እዋናውያን ብድሆታት ኣብ ዝብልዎም ዛዕባታት ምንባሮም፡ ኣብ መዛዘሚ ኣኼባታቶም ነቶም በዳህቲ ኩነታት ሰለስተ መፍትሒ ዝበልዎም ስትራጅታት ምሕንጻጾም ገሊጸ ምንባረይ ዝዝከር’ዩ፡፡

ብድሕሪኡ፡ እቲ ሰብኣይ ምስ ራዲዮ ድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ናይ ስትራተጂ’ዶ ወይስ ፖሊሲ ለውጢ እኳ እንተዘይገለጸ፡ ናብ ሰላምን ዘተን ገጹ ከምዘእንፈተ ዘንጸባርቕ ሓሳባት ኣልዒሉ ከምዝነበረ ኩሉ ዝዝክሮ ኢዩ፡፡ ምናልባት’ውን፡ ንራዲዮ ድምጺ ኣመሪካ ከምዚ ካብ በለ፡ ኣብ መበል 21 ዓመት ጽንብል በዓል ናጽነት ብዛዕባ እዚ ናይ ሰላም ሓሳብ ንህዝቢ ክገልጽ ኢዩ ዝብል ኣብ ህዝብን ሰራዊት ልዑል ትጽቢት ኣሕዲሩ ነይሩ’ዩ። እንተኾነ ከምቲ ኩላትና ዝሰማዕናዮ ብዛዕባ ልዑል ትጽቢት ዝተገብረሉ ጉዳይ ኣመልኪቱ ዝመደሮ መደረ ብዘይምንባሩ ኣብ ህዝብን ሰራዊትን “ቀደሙ’ውን ካብ ተመን እንቋቁሖ ምጽባይ ኢዩ” ዝብል ሰፊሕ ምዕዝምዛማት ተሰሚዑ ዝሓለፈሉ እዋን ኢዩ ኔሩ፡፡

ኣብ’ዚ እዋን ኣብ ባይታ ዝረአ ዘሎ ምንቅስቓስ’ውን እንተኾነ ናብ ሰላም ገጹ ዘቋምት ዘይኮነ፡ ብኣንጻሩ ንምክልኻል ድዩ ንናይ መጥቃዕቲ ተበግሶ ዕላምኡ ርዱእ ዘይኮነ፡ ኣብ ኣዝዩ ሰፊሕ ወተሃደራዊ ምድላዋት ተሸሚሙ ይርከብ፡፡ ኣካል’ዞም ናይ ምድላዋት ምንቅስቓስ ከኣ “ወያነ ኩናት ክኸፍተልና ኢዩ ኩሉ፡ ይዳሎ፡ ይተዓጠቕ” ብዝብሉ ልሙዳት ጎስጓሳት መሰረት፡ ኣብ መላእ ሃገር፡ ኣብ ክሊ 40 – 60 ዕድመ ዝርከቡ ዓበይቲ ኣሕዋትናን ኣቦታትናን፡ ይተዓጠቑ ዝብል መምርሒ ወሪዱ፡፡ በዚ መሰረት ብጀካ ክልተ ዓይኖም ዝዓወሩ፡ ክልቲኡ ኣእዛኖም ናይ ምስማዕ ጸገም ዘለዎም፡ ምናልባት ክልቲኡ ኣእዳዎምን ኣእጋሮምን ተቆሪጾም ዝሰንከሉ፡ ኩሎም ናይ ተ.ሓ.ኤ ነበር፡ ሚሊሻ ስርናይ ደርግ ነበር፡ ኣንፊት፡ ጥዩሳት፡ ጻንታ፡ ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብ መዓስከር ደንደን ተጠርኒፎም ዝነብሩ ስንኩላትና ከይተረፉ ብኣልማማ ተገዲዶም ይዓጥቑ ኣለው፡፡

እቲ ምግዳድ ዝበሃል ቃል፡ ብጽሑፍ ክትገልጾ ቀሊል ስለዝኾነ ንኣንበባይ ዘይክርደኦ ይኽእል ይኸውን፡፡ ኣነ ብቐረባ ኣብ ኣስመራ ብዓይነይ ዝሪኦን፡ ካብ ሓውሲ ከተማታትን ገጠራትን ዝረኽቦም ቤተሰበይ ዝሰምዖ ዘለኹን፡ ህያው ምስክርነተይ ንምሃብ ግን ነዚ ጻውዒት ተቐቢልካ ሓንቲ ዝኣረገት ከላሽን ምስ 3 ካዝናታታን ክልተ ቦምባ ኢድን እንተዘይወሲድካ፡ ኣብ ከተማ ኣስመራ ወርሓዊ መቑነን ትወስደሉ ኩፐን ትሕደግ፡ ካብ ኣስመራ ወጻእ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ይዳጎን፡ ወይ እቲ ዝዓጥቕ ሰብኣይ እንተዘይተረኺቡ፡ ሰበይቱ ትእሰር፡ ወይ ጥሪቱ ብምምሕዳር ከባቢ ይተሓዛ፡ ኣብ ገለገለ ከባቢታት ክሳብ ገዝኡ ብናይ ምምሕዳር ቁልፊ ይቁለፍ፡ ሓረስቶት ኣይትሓርሱን ተባሂሎም ክሳብ ዝጸመዶዎም ኣብዑሩ ፈቲሖም ካብ ስራሕ የቧኹርዎም፡፡ እዚኦም ኩሎም ኣስገደድቲ ተግባራት ኢዮም፡፡ በዓልቲቤቱ ተኣሲራ፡ ጥሪቱ ተታሒዘን ገዝኡ ተዓሺጉ ደቑ መእተዊ ሲኢኖም ኣብ ድሮ ክራማት መሬቱ እንተዘይሓሪሱን ኣንደፋሪሱን፡ ከቢድ ስለዝኾነ ከይፈተወ ናብ ምምሕዳር ኢዱ ይህብ፡፡ ኣሜን ኢሉ ንዝተዳለወሉ ዕጥቂ እንተተቐቢሉ ዕጥቁ፡ ሰበይቱ፡ ጥሪቱን ናይ ቤቱ መፍትሕን ሒዙ ይኸይድ፡፡ እንተሓንጊዱ ግና ንሱ ይእሰር ሰበይቱን ጥሪቱን ይፍተሓ፡፡ እንድዒ! ኣብ ዝኾነ ዓለም ተሰሚዑ ዘይፈልጥ ዘደንጹ ነገር ኢዩ ዝግበር ዘሎ፡፡

ኣብ ልዕሊ’ዚ ልክዕ ከምቲ ኣብ 2007 ዝተገብረ ናይ 19 ዙርያ ግፋ ኣብ ሕድሕድ ኣብያተ ትምህርቲ ዝርከቡ ልዕሊ ዕድመ ( ልዕሊ 18 ዝዕድሚኦም) ክሳብ ሕጂ ኣበይ ጸኒሕኹም እንዳተብሃሉ ብሓይሊ ብኣስገዳድ ይምዝገቡ ናብ ታዕሊም ክወርዱ ብጫ ወረቐት ይዕደሎም ኣሎ፡፡ ቐሲኑ ዝመሃር ተምሃራይ የለን፡፡ እቲ ዝግፈፍ ጥራይ ዘይኮነ ዝህወኽ ዘሎ፡ እቲ ዝተርፍ ትሕቲ ዕድመ እውን እንተኾነ ጽባሕ ናብኡ ምዃና ስለዝርድኦን ብግፋ ኣዕርኽቱን ኣሕዋቱን ስለዝጉሂ ብቕሳነት ዘንብር ተግባር ኣይኮነን፡፡

ኣብ ሰራዊት (ኣብ ኩለን ኣሃዱታት) እውን እንተኾነ ከምቲ ቕድሚ ሕጂ ዝገለጽኩዎ ዓመታዊ ዕረፍቲ፡ ዋላ ኣብ ናይ ቐረባ ቤተሰብ ሓዘንን ታሕጓስን ንምሕዋስ ማሕበራዊ ፍታሕ ዘየፍቕድ መምርሒ ኢዩ ወጺኡ ዘሎ፡፡ ኣብ ክንድኡ ኣብ ብጣዕሚ ህጹጽ ኢዩ ዝብልዎ ዝተፈላለዩ ወተሃደራዊ ታዕሊማት፡ ምስራሕ ድፋዕትን ከናለታትን ተቆሪኑ ይርከብ፡፡

ካብ ሓደ ግንባር ናብቲ ካልእ ግንባር ምቕይያራት ኣሃዱታት’ውን ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ሳምንታት ብጻዕቂ ተራኢዩ፡፡ ብርክት ዝበላ ኣሃዱታት ናብ ግንባር ባድመ ይግዕዛ ኣለዋ፡፡ ኣብ ዓሰብ ዝነበራ ክፍላተ ሰራዊት 28ን 32ን ብህጹጽ ናብ ግንባር ምዕራብ ኣግዒዞምወን ኣለው፡፡ ወረ ንገሊአንሲ ድሮ እኳ ኣብቲ ኣብ ከባቢ ባድመ ዝነበረ ውግእ ከይተረፈ ተሳቲፈን ኣለዋ፡፡ ክሳብ ሕጂ ቅያር ኣሃዱታት ናብ ዓሰብ ኣይለኣኹን፡፡ ኣብ ማእከላይ ግንባር ዝርከባ ከም በዓል ክ/ሰ 17ን 29ን ክኸዳ ሓሳብ ነይሩ’ዩ። እንተኾነ ሰራዊት ክፈርሰና ኢዩ ኢሎም ስለዝፈርሑ ክሳብ ሕጂ ደፊሮም ክሰድወን ኣይከኣሉን ኣለው፡፡ ሎሚ ከም ቀደም ምድፍፋር ዝበሃል የለን፡፡ “ዒም ዝበለ ይተሓጎም!” ትብል በትሪ ፈሪሖምዋ ኢዮም ዝነብሩ ዘለው፡፡ ካብ ዓሰብ ክወጽእ’ምበር ናብ ግንባር ዓሰብ ክቕየር ዝደሊ ሰራዊት የለን፡፡

ነዚ ተዓጠቕ! ተዓለም! ተዳሎ! ዝበሃል እዋናዊ መደብ ኢሳያስ ብመንፈስ ዝተቐበሎ ህዝብን ሰራዊትን የለን፡፡ ከምቲ ዝተገልጸ ተገዲዱ ይዓጥቕ፡ ተገዲዱ ይዕለም፡ ተገዲዱ ይጥርነፍን ድፋዕቲ ይኹዕትን፡ ዋላ እንተሃለወ፡ ኩሉ ተገዲድና እንገብሮ እሞ ንግበር እቲ ሲዒቡ ዝመጽእ ናይ መወዳእታ ድሌት እዚ ስርዓት ምስ መጸ እንገብሮ ባዕልና ንፈልጦ! ዝብሉ ስምዒታት ይንጸባረቑ ከምዘለው፡ ስሚዒታት ጥራይ ዘይኮኑ ግን ናብ ተግባር ዝተሰጋገሩ ሓደሓደ ምልክታት ይረኣዩ ኣሎው፡፡ ብመሰረት “ናይ ልቡ ዝገብር ነዲኡ ነይነግር” ብሂል ለባማት ግና ዝርዝራቱ ክገልጽ ኣይደልን ግዚኡ ኣይኮነን ክሓልፎ ኢየ፡፡

ድሕሪ’ዚ ኢዩ ድማ ኣብ ጽባሕ ጽንብል ናጽነትና ሓድ ሓደ ውግኣት ከምዝነበሩ ዝሰምዕ ዘለኹ፡፡ እቲ ኣዝዩ ዝገርም! እዚ ውግእ ንደቂባት ተኸዊሉ፡ ኣብ ከተማና ንዝርከቡ ጓኖት ተጋሂዱ ኢዩ ቀንዩ፡፡ ኣነ ንባዕለይ ብዛዕባ’ዚ ሓበሬታ ዝምልከት ጽንጽንታ ንመጀመሪያ ኣብ ዕለት እቲ ውግእ ካብ ጓኖት ኢየ ሰሚዐዮ፡፡ እንተኾነ ካብዞም ብቕጽበት ወረ ውግእ ዝሰምዑ ጓኖት ወጻእ፡ ብካልእ ምንጪ ቀልጢፉ ስለዘይተወረየ ንሓቅነቱ ተጠራጠርኩ፡፡ ግን ከኣ ነቲ ሓበሬታ ከይደርበኹ፡ ኣብ ቦታ እቲ ውግእ ካብ ዝነበሩ ወገናት ኸረጋግጾ ወሲነ ተበገስኩ፡፡ ንምርግጋጹ ዝወሰደለይ ግዜ ይንበር’ምበር ውዒሉ ሓዲሩ እቲ ውግእ ከምዝነበረ ኣረጋገጽኩ፡፡

እቲ ውግእ ኣብ ክልተ ቦታታት ኢዩ ኔሩ፡፡ እቲ ሓደ ኣብ ብኣንፈት ጾሮና ኣኽራን (መሳሕል) ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ተቓወምቲ ጉጅለታት ብወዲ ካሳ ዝእለዩ ስለያ ኣሃዱታት መጥቃዕቲ ተፈቲኑ ብዘይዝኾነ ውጽኢት ከምዝበርዐነ ሰሚዐ፡፡ እቲ ካልእ ብርቱዕ ውግእ ዝተኻየደሉ ቦታ ግና ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ብኣንፈት ባድመ (ደንበዱማ፡ ላዕላይ ዴዳን ከባቢ ዓዲማእለልን ዝበሃላ ዓድታት) ከምዝተኻየደ ሰሚዐ፡፡ እቲ ውግእ ንሓጺር ደቓይቕ ዝተኻየደ’ኳ እንተነበረ ኣብ ልዕሊ ወገን ዝወረደ ክሳራ ኣዝዩ ኣሰንባዲ ምንባሩ ኣብቲ ቦታ ካብ ዝወዓሉ ብጾተይን መቅርበይን ኣረጋገጽኩ፡፡

ስለዚ ካብዞም ጓኖት መጀመሪያ ዝሰማዕኹዎ ሓበሬታ’ውን ሓቂ ምንባሩ ምስ ኣረጋገጽኩ፡ ኣብ ድሕሪ ድፋዓትና ኮይኖም ብዛዕባ ጉዳይና ልዕሌና ቀዲሞም ብዛዕባ ዝሰምዑ ጓኖት፡ ከመይ? ንምንታይ? ሰሚዖም ዝብል ሚስጥሩ ኣስደሚሙኒ!ምኽንያት ናይ’ዚ’ውን ኸረጋግጽ ወሲነ ብወገነይ ተንቀሳቐስኩ፡፡ ካብ ባዕሎምን ካብ ወገን ናትናን ዝረኸብኩዎ መልሲ ድማ፡ ሓደ ንሳቶም፡ እቶም ጉጅለ ዴምህት ኣብቲ ውግእ ምስታፎም፡ ካልኣይ ዴምህት ዘይከምቲ ናትና ሰራዊት፡ ናይ ሞባይልን ካልእ መራኸቢታትን በቲ ስርዓት ሓለፋታታት ስለዝረኸቡ፡ ካብቲ ቦታ ውግእ ኣስመራ ናብ ዝርከቡ መሳርሕቶም ጸብጻበት የሕልፉ ከምዝነበሩን በዚ ምኽንያት እቲ ሓበሬታ ቀዲሞም ከምዝረኸብዎን ኣረጋገጽኩ፡፡ እንተ እቶም ብዛዕበኦም ዝሓተትኩዎም የዕርኽተይ ግን፡ “መንግስቲ ልዕሌና ንዕኦም ዝያዳ ይሕብሕብ፡ ንሳቶም ግን ሰባባት ኢዮም፡፡ ነገር እናሳበቡ ንዓና ናብ ሓዊ እንዳእተው የውድኡና ኣለው፡፡ ዘይ ኣብቲ ውግእስ ገዲፎምና ኢዮም ሃዲሞም” ክብሉ ገለጹለይ፡፡

ኣብ ጉዳይ ጠንቂ እቲ ውግእ ዝገለጹለይ ዝርዝር ሓበሬታ፡ እንተሃለወ ከምዝስዕብ ኔሩ፡፡ ወያነ ኣቐዲሙ ዝተፈላለዩ መጠንቀቕታታት ሂቡ ምንባሩ፡፡ መጠንቀቕታ ጥራይ ዘይኮነ ብተግባር’ውን ኣብ ደንከል ክሳብ 18 ኪ/ሜትር ኣትዩ ዝደለዮ ስርሒታት ፈጺሙ ወጺኡ’ዩ። እዚ ድማ ሕነ ናይቶም ካብ መሬት ኢትዮጵያ ዝተዓፈኑ ኢትዮጵያውንን ወጻእተኛታትን ምኻኑ ግልጺ ጌሩ ኢዩ፡፡ ኣብ ዓዲ ተኽላይ፡ ከባቢ ጾሮና (ክኒን ቅኒቶ) ዝተገብረ ስርሒታት’ውን ምናልባት ናቱ ኣካል ከይኮነ ኣይክተርፍን ኢና ንብል፡፡ ድሕሪ’ዚ ወያነ ኣብ ልዕሊኦም ንትውሰድ ትዕበ ትንኣስ ስጉምቲ ሕነ ከምዝፈድዩ፡ ዝበልዋ ከይገበሩ ከምዘይድቅሱ፡ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም ኢዮም፡፡ እንተኾነ ግዳ እዞም ናትና ሓለፍቲ ኣይ ዓቕሚ ሃሊይዎም ሕነ ፈድዮም፡ ኣይጠቕሊሎም ኢዶም ኣርኒቦም ክእርነቡ ወጠምጠም እንዳበሉ፡ ናብ ጸገም ሸሚሞምና፡፡ ምኽንያቱ ድሕሪ ናይ ዝሓለፈ ስጉምታትን መጠንቀቕታትን ወያነ፡ እውን እንተኾነ ካብ ዘይረብሕ ቀንጠብጠብ ስለዘይተኣርነቡ ናብ ውግእ ከእትውና ኢዮም ንብል ኔርና፡፡

እቲ ካብ መሬት ኤርትራ እንዳተበገሰ ናብ ኢትዮጵያ ብምእታው ዝግበር ሓደሓደ እከይ ተግባራት ከኣ፡-

1) ልዕሊ ክልተ ግዜ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያውያን ብድምህት ዝበሃል ጉጅለ ተዓፊኖም ናብ መሬትና ከምዝኣተው ንፈልጥ፡፡

2) ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዕለተ በዓል ናጽነትና 24 ግንቦት 2012 ብተመሳሳሊ ኣብ ከባቢ ሸላሎ ዝርክብ ጉጅለ ድምሒት ሕጂ’ውን ኢትዮጵያውያን ምስ ጥሪቶም ገፊፎም ከምዘምጽኡ ሰሚዕና ኢና ኢሎምኒ፡፡

ድሕሪ እዚ ሓሳብ ኣዕሩኽተይ ኣስዒበ ዘቕረብኩሎም ሕቶ እሞ እዚ ናይ ከባቢ ባድመ ውግእስ ጠንቁ ንሱ ኢዩ ኔሩ ማለት ድዩ? ዝብል ነበረ፡ ንሳቶም ግና፡ “ወያነ ናይ’ዚ ዝበልናካ ሕነ ንምፍዳይ ብሩሑቕ ዝሓስቦ ውጥን ከምዝነብሮ ኣይንጠራጠርን፡፡ እንተ እቲ ናይ ትማሊ ውግእ ኣብ ከባቢ ባድመ ዝተካየደ ግና ንሱ ኣይኮነን፡፡ “ጀመርቲ ውግእ ንሕና ኢና ነይርና፡ መዓስ ንሶም ኮይኖም” ክብሉ መለሱለይ፡፡ ኩነታት ኣጀማምርኡ ክገልጹ እንኸለው ከኣ

ካብ ድሮ 24 ግንቦት ጀሚሩ ብወገና ድፋዓት ንምስራሕ ዶዞራትን ካልኦት ማሽነሪታት ብለይቲ ምንቅስቓስ ክግበር ብዝወረደ ትእዛዝ ብጻዕቂ ኣብ ምስራሕ ኔርና፡፡ ኣዛዚ ግንባር መ/ጀነራል ሃይለ ሳሚኤል ቻይና መጺኡ ኣብ ቦታና ኮለላ ኣካይዱ ንሓለፍቲ ረኺቡ ከይዱ። ካልእ ጉጅለ ድምሒት’ውን ናብቲ ቦታ ኣትዮም ነይሮም፡፡ ነዚ ጻዕቂ ምንቅስቓስ ናይ ለይቲ ዝተዓዘቡ ስለያ ወያነ፡ ነቲ ኩነታት ከጽንዑ ናብ ድፋዕና ተጸጊዖም ኣጽኒዖም ናብ ቦትኦም እንዳተመልሱ እንኸለው፡ እቶም ናትና ሲዒቦም ተኪሶምሎም፡፡ እንዳተኸላኸሉ ድሕሪ ምጽናሕ ድማ ብርክት ዝበለ ሓይሊ ሰብ ተወሲኽዎም ጸረ መጥቃዕቲ ኣካይዶም፡፡ ነቲ ዝሰዓቦም ናትና ሓይሊ ደምሲሶም ብምሕላፍን ብዘይተገመተ ቦታ ቆረጻ ብምክያድን ድማ ሓጺር ግን ከኣ ጽዑጹዕ ተኹሲ ኣካየዱ፡፡

§ ዕለተ ውግእ 26, ግንቦት 2012 ኣጋ ወጋሕታ ምንባሩን ኣብቲ ውግእ ኣብ ሰራዊትና በጺሑ ዝበሉዎ ክሳራ ከኣ ብዝርዝር ንምርኣዩ፡-

1) እቲ ውግእ ኣብ ልዕሊ 1ይ፡ 2ይን 3ይን ብርጌዳት ክ/ሰራዊት 21 ናይ ክ/ሰ 28 ሓደ ብርጌድን ምንባሩ፡ ናይ ኣስታት 200 ኣባላት መስዋእቲ ከምዘጋጠመን ካብዞም ስውኣት ብርክት ዝበሉ ኣዘዝቲ ቦጦሎኒ፡ ሓይልን ጋንታን ከምዝርከብዎም።

2) ኣብቲ ሓጺር ውግእ ልዕሊ 60 ወተሃደራትና ዝተማረኹ ከምዘለው ካብኦም ልዕሊ ፍርቂ ካብ ሓለፍቲ መስርዕ ክሳብ እዚ ቦጦሎኒ ዝርከቡ ሓለፍቲ ከምዝኾኑ

3) ብርክት ዝበሉ ውግኣት ናብ ህዝቢ ዘይሪኦ ወተሃደራዊ ሆስፒታላት ክሳብ ከረን ናቕፋ ገጾም ክግዕዙ ተገይሮም ከምዘለው፡፡

§ ኣብዛ ሓጻር ውግእ ብወገን ሰራዊትና ተራእዮም ዝብልዎም ኣሰከፍቲ ኩነታት ከኣ፡-

Ø ብረትካ ደርቢኻ፡ ስውኣትን ውግኣትን ራሕሪሕኻ፡ እግርኻ ናብ ዘምረሐካ ምህዳም፡

Ø ጥርናፈን ማእከላዊነትን ምጥሓስ

Ø ቀረብ ስንቂ፡ ዕጥቂ፡ ማይን ኣፋውስን ሕጽረት ምጉናፉ

Ø ገለ ገለ ነዋሕቲ ብረታትን ቦምባታትን ምዕካስን ክትኩስ ዘይምኽኣልን

Ø ኣብ የማነ ጸጋምና ዝነበሩ ኣሃዱታት ክሕግዙና ዘይምኽኣል

Ø ሓድሓደ ላዕለዎት ኣዘዝቲ (ናይ ብርጌዳትን ክ/ሰራዊትን) እቲ ኩነታት ምስ ኣጋጠመ ነብሰ ዕቃበታት ተራኢዩ (ነቲ ኩነታት ብቐረባ ኣብ ክንዲ ምእላይ ካብኡ ርሒቕካ ምምራሕ …ዝኣመሰሉ ተራእዮም)

Ø ብሓፈሻ ኣብ’ዛ ህሞት እቲ ሰራዊት ሎሚ ኸ ምእንተ ምንታይ ንስዋእ? ወዲ መን ሞይቱ፡ ወዲ መን ክድሕን? ዝብሉ ዝንባለታት ተራእዮም ፡፡

§ ብጣዕሚ ዘሕዝን ኢዩ፡፡ ሞት! ስንክልና! ዘይበተከሉ ምስክናይ ህዝቢ! ክሳብ መዓስ ኢዩ ከምዚ ኢልካ ዝንበር!!

§ እንተ’ቲ መንግስቲ ነዚ ኣመልኪቱ ዝሃቦ ወግዓዊ መግለጺ የለን፡፡ ትም! ክብል ኢዩ መሪጹ ዘሎ፡፡ ይፍቶ ይጽላእ ግና እቲ ውግእ ኣብ ህዝቢ ውሽጢ ውሽጢ ተፈዲሑ ኢዩ፡፡ ካልእስ ይትረፍ ናይ ስውኣት፡ ምሩኻትን ውግኣትን ቤተሰብን መቕርብን ከይተረፉ ወረ እቲ ውግእ ሰሚዖምዎ ኣብ ሓዘንን ጭንቅን እዮም ዝርከቡ፡፡

1) እቲ ብወራወረ ዝሰምዐ ህዝቢ ኣዝዩ ተሰናቢዱ፡ ብደዐ እዚ ሰብኣይ ክሳብ ማዕረ ክንደይ ድዩ ዓሪጉ ዘሎ? ዝብል ቑጠዐ የስምዕ ኣሎ።

2) ኣብ ኣስመራ ዝርከቡ ላዕለዎት ካድራትን ሰበ-ስልጣናትን ከይተረፉ፡ “ሓሳብ ኣይቕበል፡ ምኽሪ ኣይሰምዕ፡ ከም ድሌቱ ክገብራ ዝጸንሐ ሃገር ሕጂ’ውን ናብ ገደል የእትዋ ኣሎ፡፡ ዓሰርተ ግዜ ዘረባ እንዳቐያየረ ይቅሽሸና ኣሎ..” ዝብሉ ምዕዝምዛማት ውሽጢ ውሽጢ ይልሕኹ ኣለው፡፡

ኣብዚ ብህዝቢ ዝለዓል ዘሎ ሕቶ፡ ትማሊ፡ ውግእ ኣብ ዘይነበረሉ፡ ተዛማዲ ሰላም ኣብ ዝነበረሉ እዋን ብውግእን ወረ ውግእን ከደንቁረና ዝጸንሐ መንግስቲ፡ ሎሚ በጺሑ ኣብዚ ኩነት እዚ ሽኩሽካ ክነዝሕ ዝረኣየሉ ምኽንያት እንታይ ኢዩ? በታ ልምድቲ ናይ ቤላቤሎ ትካሎም (03) ኣቢሎም፡ ድሕሪ መጋረጃ ኣብ ዕዳጋ፡ “እዚ ስርሒት እዚ ናይ ኣመሪካን፡ ተላኣኣኺቶም ወያነን ኢዩ፡፡ ናይ ባድመ ውግእ እውን ብዘይ ንሕስያ መኪትናዮ ኢና፡ ባድመ ኣብ ኢድ ዋናታታ ኢያ ዘላ! ሸራሮ ኣብ ኢድ ቁጽጽር ዴምህት ኣትያ ትርከብ! ክሳብ መቐለ ክንበጽሕ ዓጋቲ የብልናን! 2 ታንክታት ወያነ ማሪኽናን ደምሲስናን…” ዝብሉ ንካልእ ምድላዋት ኩናት ዘተባብዑ ናይ ሓሶት ጎስጓሳት ይዝርግሑ ኣለው፡፡ እቶም ኣብቲ ባይታ ዝወዓሉ ዜጋታት ዘረጋገጹዎ ክውንነት ግና እቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ኢዩ፡፡ ዳህሲስካ ኣብ ባይታ ፍጹም ዘይርከብ ወረ ዘርጊሕኻ ዝቕጸል ዕድመ ተሎ ከኣ ሓቢርና ንርኢ፡፡

§ ኣብ’ዚ ክብሎ ዝደሊ፡- እንተ ሰራዊት ኤርትራ በቲ ዝበስበሰ ፖሊሲ ዝተሓንገጠ ስርዓትን “ኣብ ብርኩ ዘስተንፍስ” መራሒን ሃሙ ጠፊኡ ብኣካልን ኣተሓሳስባን ይበታተን’ምበር፡ ትማሊ፡ ሎሚ፡ ጽባሕ ብዋጋ ሓቀኛ ዕላማ ሃገሩ ዘይጣላዕ ጅግና ምኻኑ ፈታዊን ጸላኢን ክፈልጦ ዘለዎ ሓቂ ምኻኑ፡ እግረ መንገደይ ክገልጽ እፈቱ፡፡

§ ሕጂ’ውን ንሰራዊትና ክላበዎ ዝደልዮ ጉዳይ ተሎ፡ ንሃገሩን ህዝቡን ኣብ ዘይጠቕም ውግእን ኩናትን ካብ ምጥባስ፡ ወይ’ውን ካብዚ ወወጺኡ ካብ ምስዳድ፡ ስደት መፍትሒ ክኾውን ኣይክእልን’ዩ እሞ፡ ምስ’ቶም ኣንጻር’ዚ ጃንዳ ጉጅለ ተላዒሎም ዘለው መንእሰያቱ ሰሚሩ፡ ኣፈሙዙ ኣዚሩ ነቲ ሕማም መንሽሮ ዝኾነ ስርዓት ክብድሆ ኣለዎ፡፡ 20 ግንበት 1993 ሰራዊት ኣብ ልዕሊ ኢሳያስ ዝፈጸሞ ታሪኽ፡ ኣሸንኳይ’ዶ ሎሚ፡ ኣብቲ እዋን’ኳ ንኢሳያስ ኣብ ቺቸሮ ኣምበርኪኹ ውሳንኡ ዘቐየረ ታሪኽ ምስርሑ ምልስ ኢሉ ክሓስቦ፡ ታሪኽ ይጽውዖ ኣሎ።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...