ብዜና መልክዕ ካብ ጸጸራት ተወሃሂዱ ዝመጸና ደብዳበ ከምዝሓበሮ- ካብ ዓዱ ተኾብኪቡ ናብ ኣሃዱኡ ዝውሰድ ዝነበረ ሓደ ኣባል ሰራዊት ስርዓት ህግደፍ ኣብ ከባቢ ፎርቶ ጸጸራት ብዝፈንጀሮ ቦምባ ማህሰይቲ ወሪድዎ’ሎ።

እዚ ኣብ ከባቢ 50ታት ዕድመ ከምዝርከብ ዝተገልጸ ኣባል ሰራዊት ስርዓት ህግደፍ ካብ ሰራዊት ኮብሊሉ ኣብ መበቆል ዓዱ ዝኾነት በለዛ ክቕመጥ ድሕሪ ምጽናሕ ካብ ኣሃድኡ ዝተላእኹ ሓሙሽተ ዕጡቓት ሰብ ብረት ካብ ዓዱ ናብ ኣስመራ ኣምጺኦም ናብታ ኣብ መዓስከር ደንደን እትርከብ ኣሃዱኡ እንዳኾብኮብዎ ከለው ናብ ማእከላይ ቤትጽሕፈት ሚኒስትሪ ዜና ኣብ ዝወስድ ዓቐበት ፎርቶ ጸጸራት ምስ በጽሐ ሃንደበት ኣብ ኢዱ ኣንጠልጢልዋ ካብ ዝነበረት ቦርሳ F-1 ዝዓይነታ ቦምባ ኢድ ኣውጺኡ ብምፍንጃሩ’ዩ እቲ ሓደጋ ኣጋጢምዎ።

እዚ ኣቦ ስድራ ምዃኑ ዝተፈለጠ ኣባል ሰራዊት ዝኾነ ኣቦ ንቀለበት እታ ቦምባ ምስፈትሓ እቶም ክኽብኩብዎ ዝጸንሑ ዕጡቓት እታ ቦምባ ብዝፈጠረቶ ናይ ቅድሚ ምፍንጃር ድምጺ (ናይ ሽሽታ ድምጺ) ተሰናቢዶም ናብ ሆስፒታል ኦሮታ ዝወስድ ጸድፊ ገጾም ስለዝሃደሙ እቲ ለኪምዎም ናይ ምጥፋእ መደብ ዝነበሮ ኣቦ ነታ ቦምባ ካብ ነብሱ ኣርሒቁ ናብ ሰማይ እኳ እንተወርወራ ብስኮጆታት ናይታ ቦምባ ምህሳዩ ግን ኣይተረፈን።

እቲ ፍጻመ ብ3 ሰነ ዓመተ 2012 ረፋድ ስዓት 10፡00 ኣብ ከባቢ ሚኒስትሪ ዜና ዘጋጠመ ኮይኑ ድምጺ ናይቲ ተፈንጃሪ ምስተሰምዐ ሰብ ብረት ኣባለት ሓለዋ ሚኒስትሪ ዜና ከካብ ዝነበርዎ ተጓይዮም ናብቲ ኣቦ ብምምጻእ ነቲ ኣቦ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከምዘውዓልዎ’ውን እቲ ውሁድ ዜና ገሊጹ’ዩ።

ነቲ ተሃስዩ ዝነበረ ኣቦ ተረኪቦም ናብ ኣሃዱኡ ከረክብዎ ሓሲቦም እኳ እንተነበሩ ሓላፊ ምውፋር ሚኒስትሪ ዜና ኣቶ ዮናስ መኪና ቀሪቡ ናብ ሕክምና ክኸይድ ኣለዎ ብምባሉ ኣብ ሞንጉኡን ኣብ መንጎ እቶም ዕጡቓትን ዘይምርድዳእ ከምዝተፈጠረን መወዳእትኡ ግን ኣቶ ዮናስ ንተቓውሞ ዕጡቓት በዲሁ ናብ ሆስፒታል ሓሊበት ከምዝወሰዶን እቲ ዝበጽሓና ዜና ብተወሳኺ ኣፍሊጡ።

በቲ ፍጻመ ብዘይካ ኣብቲ ኣቦ ዝበጽሓ ፈኪስ ማህሰይቲ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሰባት ዝበጽሓ ሐደጋ ከምዘይነበረ ምንጭታትና ኣረጋጊጾም።

ብኣስገዳድ ዕስክርና ስርዓት ኢሳይያስ ዓቅሎም ዝጸንቀቁ ብርክት ዝበሉ ዜጋታት ኣብ ገዛእ ነብሶምን ካልኦት ሓለፍቶምን ወይ ከኣ ኣገድደቶምን ክወስድዎ ዝጸንሑ ናይ ምቕታልን ነብሰ ቅትለት ናይ ምውሳድን ስጉምትታ ተርእዮ ኣብ ሃገርና ልሙድ ኮይኑ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ብተወሳኺ ኣብ ቀረባ ግዜ ድሕሪ’ቲ ካብ 40-60 ዝዕድሚኦም ወለዲ ብኣስገዳድ ዝዕደል ዘሎ ማእለያ ዘይብሉ ዕጥቂ ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ኣብ ዝተፈላለያ ዓድታት ዘጋጥም ዘሎ ሓደጋ ተርእዮታት ይበዝሕ ከምዘሎ ዝተፈላለዩ ምንጭታትና ክገልጹ ምጽንሖም ይፍለጥ።

--------------------------------////////---------------------------------------------

06 ሰነ 2012

ዜጋታት ብሕሱም ግፍዒ ምልክነት ኢሳይያስ ተማሪሮም

ዝወስድዎ ሕነ ናይ ምፍዳይ ስጉምቲ ይቕጽል።

ኣብ ውሽጢ ዝርከቡ ምንጭታት ወጋሕታ ኣብ ዝሰደዱልና ሓበሬታ- ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ገበነኛታት ዕሱባት ምልክነት ኢሳይያስ ሕነ ናይ ምፍዳይ ስጉምቲ ዝወሰደሉ ተርእዮ ኣዝዩ ይበራኸት ከምዘሎ ኣነጺሮምልና’ለው።

ብመሰረት’ዚ ሓደ ኣብ ዓዲኣቤቶ ተመዲቡ ዝሰርሕ ዝነበረ ዜጋ ቅድም ኢሉ ንሓደ ወርሒ ተኣሲሩ ከቢድ ስቓይ ኣብ ዘሕለፈሉ እዋን ማህረምቲ ንዘውረዱሉ ክልተ ኣባላት ፖሊስ ቀቲሉ ንገዛእ ርእሱ’ውን ከምዝሰውአ እቲ ሓበሬታ የረጋገጽ።

እቶም እዚ ዜጋ ብዝወሰዶ ሕነ ናይ ምፍዳይ ስጉምቲ ዝተቐተሉ ክልተ ኣባላት ፖሊስ ወደባይን መሓመድን ዝብሃሉ’ዮም።

እቲ ክሻ ብዝብል ሳጓ ዝፍለጥ ኣባል ቤት ማእሰርቲ ዓዲኣቤቶ ዝኮነ ዜጋ እቶም ፖሊስ ኣብ መደበር ፖሊስ መንደፈራ ንሓደ ወርሒ ኣሲሮም ከምዝቀጥቀጥዎ ሕነ ንምድፋይ ድማ ምስተፈትሐ ናብ ቦትኡ ከይዱ ብረት ሒዙ መጺኡ ንክልተ ኣባላት ቀቲሉ ንነብሱ ከምዝቀተለ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣመልኪቱ’ዩ።

እቲ ሕንኡ ፈድዩ ዝተሰወኣ ዜጋ ንመቅርቡ ብዛዕባ እቲ ኣስካሕካሒ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ዝገለጸሎም እዋን ብገመድ ይሰቅልዎም፡ ማይ ደፊኦም የንከላብትዎም፡ እዚ ብዓይነይ ሪኣ’የ ኣብ ገዛእ ርእስይ’ውን በጺሑኒ’ዩ ኢሉ ነይሩ።

እዚ ፖሊስ መንደፈራ ዝፍጽሞ ዘሎ ግፍዒ ህዝቢ ክሕንሕነሎም ዝጸንሓ ኮይኑ እነሆ ከኣ ክሻ ፈጺምዎ ናበለ ህዝቢ መንደፈራ ነቲ ጅግና ይምጉስ ከምዘሎ ከኣ እቶም ምንጭታት ወሲኾም ይሕብሩ።

ቅድም ክብል ኣብ ኮርባርያ ህዝብና ደቁ ክገፉ ኣብ ልዕሊ ዝፈተኑ ዕሱባት ህግደፍ ሕነ ናይ ምፍዳይ ስጉምቲ ከምዝወሰደ ገሊጽና ምንባርና ዝዝከር’ዩ።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...