“ ንሱ ”

ንሱ ! ንሱ !

መን’ዩ ንሱ ?

ንሱ ኢልካ ዘረባ

ዘይነበረ ዘይተሰምዐ ብባህልና

አቶ ከይንብሎም ፈሪሂና

ኣትን ከይንብል ሓፊርና

ንሱ ክንብል መሪጺና

ዘይኣርግ ዘይሓምም ካብኮነና

እምኒ ዲዩ ሑጻ ጠፊኡና

ምድቃስ ዝፈቱ - ሓኺሊ ዱሙና

- ይጠፍእ ይቕልቀል

- ከም ደቂ ሕድርትና።

ንሱ ከይዱ - በጺሑ ተመሊሱ

ጉርሕን በለጽን - ኣቃማጢዑ ሓዋዊሱ

ሓሚሙ ከይበሃል - ደኺሙ ተረሚሱ

ብደቓይቕ ብሰዓታት - ምስጢር ተለዊሱ

ጋሻ ባርካ ሰንሒት - ንስራሕ ተጋይሹ

ንኣስመራ ባጽዕ - መጽአ ተሓዲሱ

ዘይኣርግ ዘይሓምም - ቀይሕ ባሕሪ ሓንቢሱ

ኣመል ምስ መግነዝ - ዲኖ ለቢሱ

ዓገብ ዝብል ጠፊኡ - ነገር ተሓዋዊሱ።

ንሱ ! ደንጎላ’ዶ ?

ይሓምም ብርእሱ ?

ሰዓብቱ ግን ተሻቒሎም -

- መሲሊዎም ተሓቢሱ

ኣመንቲ ጣኦት -

- ምስለ ሰብ ዝለበሱ

በሉ ንሱስ በጺሑ -

- መጺኡ ተሓጎሱ

ዓድኹም ህዝብኹም ግን -

- ብሓዘን ተረሚሱ።

ምስ መን ተራኺቡ?

- ኣበይከ በጺሑ

ኢልኩም ኣይትሕተቱ -

- ኣይነበርኩን ኣብኡ

ሚንስተር ሓበሬታ አሎ -

- ናይ ሓሶት መዘናኡ

ጎይትኡ ደቂሱ -

- ንሱ ግን ኣተንሲኡ

ብሕልሚ ኣዛዊሩ -

- ኣብ ኩሉ ኣብጺሑ

ሰከንድ ደቓይቕ - ተቖጻጺሩ ጫጭሑ

ሐንቲ ከየጉደለ - መርሚሩ በጺሑ

ጸብጻብ ደንጎላ - ደቂሱ ተንሲኡ

ጥዕና ሓርማዝ - ከም ዘለዎ ኣስሚዑ

መንዶ ተጋግዩ - ብዘካ ባዕሉ

እምኒ ኣይሓምምን ኢሉ -

- ከረድእ ምፍታኑ።

ኣታ ከይዱስ ነይሩ -

- ንወርሒ ተሰዊሩ

ምስ መን ከምተራኽበ -

- ጥራይ’ዩ እቲ ሽግሩ

ሳጥናኤል እንዶኾን?

- ኣሲርዎ ነይሩ እግሩ

ካብ ዓራት ከይወርድ

- ተጸሊሉ ኣዕገርጊሩ

መን’ዩ ብተንኮል?

- ዝኣሰሮ መሓውሩ

ጭቁን ሓፋሽ ከይዕወት -

ዳብሊዮስ ተሳዒሩ።

ሰዓብቲ ሳጥናኤል - ብደም ሰብ ዝሰኸሩ

ዘይሓስቡ ዘየስተውዕሉ - መጥፊቶም ዝቖጽሩ

ሃገር እንዳዓነወ - ብሓሶት ዘዕገርግሩ

ብሕልና ሙውታት - ብዓይኒ ዝዓወሩ

ብርሃጽ ውጹዓት - ብጥቕሚ ዝሰኸሩ

ብሞራል ጥፉሻት - እንታይ ደአ ክገብሩ

ብዘይካ ንኸብዶም - ካልእ ዘይተማህሩ

እንታይ’ሞ ከፍርዩ - እንተበኸዩ እንተጨደሩ

ሓሶት ጥልመት’ዩ - ተራቢሑ ተደሚሩ።

ንሱስ በጺሑ ተመሊሱ

ወየለኹም ዘይናትኩም - ብህርፋን ትሓፍሱ

መሰል ህዝቢ ነፃነት - ብግፍዒ ትግህሱ

ባህልን ክብርን ሃገር - ንወለዶ ተፍርሱ

ንደንጎላ ጊንዲ - ንጣኦት ክተንግሱ።

ህዝቢ ግን ተንሲኡ - ክጸርገኩም ሓዋዊሱ

ንፍትሒ ሕጊ - ማዕርነት ኣልቢሱ

ንኣውራጃ ሃይማኖት - ፍልልይ ኣልጊሱ

እንሆ ብሕብረት - ብስኒት ተበጊሱ

ንጭቆና ግፍዒ - በታቲኑ ከርሱ

ክሳዱ ከቅንዕ - መሰሉ ኣምሊሱ

ንስደት ባርነት - ኣጥፊኡ ተሓጊሱ

ጸልማት ተገፊፉ - ምዕባለ ቅሳነት ለቢሱ

ታሪኽ ክፈርደኩም - ንሰዓብቱን ንሱ።

ሰለሞን ብርሃነ ሠንጋል

“ ሕልና - 05/25/2012 ”


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...