ማዓልታ ግዲ ኣኺላያ

 

ንዓመታት ዘሕለፎ ብዓቕሊ ተጸሚሙ

ምሻጥ ኩሊት አሕዋቱ ብዙሕ ተገሪሙ

መስተንክር ኮይኑዎ ብሻቑሎት ሓሚሙ

ክቃለስ ወሲኑ ዝሓለፈ ሸለልትነቱ ኣሪሙ

 

ሪኢና ሪኢና ራኣና ራኣና ሰላማዊ ሰልፊ

ብዓለማ ሰብኣያ ሰበይታ ተዓጢቓ ቁልፊ

ናይ ሎምስ ዘገርምዩ ታኣምር ዘለዋ ሕልፊ

ጎበዝ ተላዒሉ ንህግደፍ ክጉሕፎ ንጸድፊ

 

ደጊም ህዝቢ ተበራቢሩ ብስምረት ብሓባር

ተንስአ ድማ መንእሰይ እናበለ ስመርርርርር

ምስ ኣቦታቱ ኣደታቱ ተሓባቢሩ ብምክብባር

ልቡ ቀሊዑ ኣብ ኣደባባይ ዓለም ብተግባር

 

ሕጉብ ሕጉብ የለን ቆራጽ እንተንቂሉ

ጀሚሩዎ ዘሎ መሰረት ክነድቆዩ ባዕሉ

ዘመን ተቐይሩ  እኖሆ ዓወት ተቐልቂሉ

ህግደፍ ወዲቑ ኣብ መላእ ዓለም ፈሺሉ

 

እና ጎየኻ ዝተዓጥቀ ስረ እና ጎየኻ ይፍታሕ

ህግደፍ ሕማም ኣንቅጽ ኣትይዋ ኢላያ ፋሕ

ሰናይ ዘመን ንዓና ንህግደፍ ዘመነ ከርፋሕ

ኣብቂዑዩ ግዜኡ ኣብ ሕቖ ሰብ ምውጣሕ

 

ፈንጠርጠር ብሕልሚ ከምስሉ ከም ህሉዋት

እንተ ዳህሰስካዮም ጋህሲ ዝሓረሞም ሬሳታት

ብስኽፍታ ቅሳነት ዘይብሎም ወትሩ ዉጹዓት

እናፈለጡ ዝጭፍሩ ምስ ዘጽንተና ዘሎ ስርዓት

 

ኤርትራዊ ዜጋ ዘይ ህግደፍ የብልካን ጸላኢ

ኣዐሪኻ ኣለሊ ዘዕገርግሩ ዘሎዉ ኣብ ወጻኢ

እናፈለጠ መቐጥቀጢ ህዝቡ ገንዘብ መዋጻኢ

መሬትካ ዝዘመተ እሱዩ ከዳዕ ቀዳማይ ጸላኢ

 

ንስርዓት ሓሊዩሉ ከይመስለካ ንጥቕሙሊዩ

ዶላሩ ከይጠፍኦ ኢሉምበር ጾሎቱስ ካልእዩ

በቲ ኮይኑ በቲ ግን ብድልየቱ ቀደም ከሲሩዩ

ዘይ መሬቱ ዎሪሱ ክድቅስ ማለት ሕልሚዩ

 

ኣብ ደገ ኮንኩም ተዕገርግሩ ሰብ ትህውኹ

ጌና ዘይተረዳኣኩም ህግደፍ ከም ዝቦኽቦኹ

ብቀይሕ ብጫ ቀጠልያ ጨርቂ ዝተማረኹ

ህዝቢ ዘይመረጻ ብባንደራ ሰይጣን ትማረኹ

 

ንባዓለገ ስርዓት መጥፍኢ መሬት እተታባብዑ

ቀጽሉ ንጥፍኣት ህዝብኹም ተለሃዩ ሳዕስዑ

ህዝብና ጽቡቕ ኣሎ እናልኩም ጥራይ ኣውግዑ

ከይትርስዑ ጽባሕ ምስረሃወ ደም ከምትነብዑ

 

ከም ወዲ ጣባ ገንዘብ ተኸፊሉ ዝተላእከ

ህዝቢ ከደናግር ሓቂምሲሉ ሓሶት ናሰበኸ

ድሒሩ ዝተዓስበ ኩሉ ደኺሙ ምስበተኸ

ቅድሚ ስመር ዋጋይብሉን ዝላኣኸ ተላኣኸ

 

መርበብ መስከረም ከዕንወና ክንደይ ዘይፈነ

እንሆ ኣንጎሉኡ ሒዙ ዝፈተኖ ምኳን ምስኣነ

ዕሉም ገበነኛ ንጥፍኣት ህዝብና ክፉእ ዝሓለነ

ሃገሩ ዘሎ ሽግር ገዲፉ ናይ ጎሮቤት ዝተንተነ

 

ንዓመታት ዝገመትናዮ ዓወት ጭኩን ህዝብና

ክሓጽርዩ ናብ መዓልታት ኣዋርሕ ክንቅይሮና

ደጊም ደቂሶም ኣይሓድሩንዮም መንእሰያትና

ብቕልጡፍ ጥዑም ወረ ክንሰምዕ ተስፋ ኣሎና

 

ብህዝቢ ዝተመርጸት ባንደራ ከተምበልብል

ብረፈረንዱም ናህና ንዓና ኣትኪላ ተገልግል

ብማዕርነት ንኹለን ብሄራትና እትውክል

ሻርነት ዘይብላ ንኹሉ ተዕግብ ሃገራዊት ጽላል

 

ኤረና ኩሑሎ ሎም ዘመን ሓዲኡሎ

 

ተስፋማርያም ወ/ጊዮርጊስ

06/06/2012 Norway


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...