Sidebar

ማዓልታ ግዲ ኣኺላያ

 

ንዓመታት ዘሕለፎ ብዓቕሊ ተጸሚሙ

ምሻጥ ኩሊት አሕዋቱ ብዙሕ ተገሪሙ

መስተንክር ኮይኑዎ ብሻቑሎት ሓሚሙ

ክቃለስ ወሲኑ ዝሓለፈ ሸለልትነቱ ኣሪሙ

 

ሪኢና ሪኢና ራኣና ራኣና ሰላማዊ ሰልፊ

ብዓለማ ሰብኣያ ሰበይታ ተዓጢቓ ቁልፊ

ናይ ሎምስ ዘገርምዩ ታኣምር ዘለዋ ሕልፊ

ጎበዝ ተላዒሉ ንህግደፍ ክጉሕፎ ንጸድፊ

 

ደጊም ህዝቢ ተበራቢሩ ብስምረት ብሓባር

ተንስአ ድማ መንእሰይ እናበለ ስመርርርርር

ምስ ኣቦታቱ ኣደታቱ ተሓባቢሩ ብምክብባር

ልቡ ቀሊዑ ኣብ ኣደባባይ ዓለም ብተግባር

 

ሕጉብ ሕጉብ የለን ቆራጽ እንተንቂሉ

ጀሚሩዎ ዘሎ መሰረት ክነድቆዩ ባዕሉ

ዘመን ተቐይሩ  እኖሆ ዓወት ተቐልቂሉ

ህግደፍ ወዲቑ ኣብ መላእ ዓለም ፈሺሉ

 

እና ጎየኻ ዝተዓጥቀ ስረ እና ጎየኻ ይፍታሕ

ህግደፍ ሕማም ኣንቅጽ ኣትይዋ ኢላያ ፋሕ

ሰናይ ዘመን ንዓና ንህግደፍ ዘመነ ከርፋሕ

ኣብቂዑዩ ግዜኡ ኣብ ሕቖ ሰብ ምውጣሕ

 

ፈንጠርጠር ብሕልሚ ከምስሉ ከም ህሉዋት

እንተ ዳህሰስካዮም ጋህሲ ዝሓረሞም ሬሳታት

ብስኽፍታ ቅሳነት ዘይብሎም ወትሩ ዉጹዓት

እናፈለጡ ዝጭፍሩ ምስ ዘጽንተና ዘሎ ስርዓት

 

ኤርትራዊ ዜጋ ዘይ ህግደፍ የብልካን ጸላኢ

ኣዐሪኻ ኣለሊ ዘዕገርግሩ ዘሎዉ ኣብ ወጻኢ

እናፈለጠ መቐጥቀጢ ህዝቡ ገንዘብ መዋጻኢ

መሬትካ ዝዘመተ እሱዩ ከዳዕ ቀዳማይ ጸላኢ

 

ንስርዓት ሓሊዩሉ ከይመስለካ ንጥቕሙሊዩ

ዶላሩ ከይጠፍኦ ኢሉምበር ጾሎቱስ ካልእዩ

በቲ ኮይኑ በቲ ግን ብድልየቱ ቀደም ከሲሩዩ

ዘይ መሬቱ ዎሪሱ ክድቅስ ማለት ሕልሚዩ

 

ኣብ ደገ ኮንኩም ተዕገርግሩ ሰብ ትህውኹ

ጌና ዘይተረዳኣኩም ህግደፍ ከም ዝቦኽቦኹ

ብቀይሕ ብጫ ቀጠልያ ጨርቂ ዝተማረኹ

ህዝቢ ዘይመረጻ ብባንደራ ሰይጣን ትማረኹ

 

ንባዓለገ ስርዓት መጥፍኢ መሬት እተታባብዑ

ቀጽሉ ንጥፍኣት ህዝብኹም ተለሃዩ ሳዕስዑ

ህዝብና ጽቡቕ ኣሎ እናልኩም ጥራይ ኣውግዑ

ከይትርስዑ ጽባሕ ምስረሃወ ደም ከምትነብዑ

 

ከም ወዲ ጣባ ገንዘብ ተኸፊሉ ዝተላእከ

ህዝቢ ከደናግር ሓቂምሲሉ ሓሶት ናሰበኸ

ድሒሩ ዝተዓስበ ኩሉ ደኺሙ ምስበተኸ

ቅድሚ ስመር ዋጋይብሉን ዝላኣኸ ተላኣኸ

 

መርበብ መስከረም ከዕንወና ክንደይ ዘይፈነ

እንሆ ኣንጎሉኡ ሒዙ ዝፈተኖ ምኳን ምስኣነ

ዕሉም ገበነኛ ንጥፍኣት ህዝብና ክፉእ ዝሓለነ

ሃገሩ ዘሎ ሽግር ገዲፉ ናይ ጎሮቤት ዝተንተነ

 

ንዓመታት ዝገመትናዮ ዓወት ጭኩን ህዝብና

ክሓጽርዩ ናብ መዓልታት ኣዋርሕ ክንቅይሮና

ደጊም ደቂሶም ኣይሓድሩንዮም መንእሰያትና

ብቕልጡፍ ጥዑም ወረ ክንሰምዕ ተስፋ ኣሎና

 

ብህዝቢ ዝተመርጸት ባንደራ ከተምበልብል

ብረፈረንዱም ናህና ንዓና ኣትኪላ ተገልግል

ብማዕርነት ንኹለን ብሄራትና እትውክል

ሻርነት ዘይብላ ንኹሉ ተዕግብ ሃገራዊት ጽላል

 

ኤረና ኩሑሎ ሎም ዘመን ሓዲኡሎ

 

ተስፋማርያም ወ/ጊዮርጊስ

06/06/2012 Norway


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...