ስርዓት ህግደፍ፡ ብገታር ግን ከኣ ምስሉይ ፖሊሲን ናይ ኲናት ዲፕሎማሲን ገይሩ፡ ድሌታቱ ኣብ ሜዳ ፖለቲካ ዓለም ከስገድድ ህርድግ ዝብል፡ ምዃን ምስ ኣበዮ ድማ ድንጋጸ ህዝቢ ኤርትራ ንምኽሳብ ላዕልን ታሕትን ዝብል ስርዓት ምዃኑ ልዕሊ ተግባራቱ ምስክር ዘድልዮ ኣይኮነን። ብሓደ ወገን “ናይ ታሪኽ ዘራያት በዚሖምኒ እምበር ኣብ ቅኑዕ ጎደና እየ ዝምርሽ ዘለኹ” እናበለ ዲፕሎማስያዊ ክሳራታቱ ንምኽዋል ክፍትን ከሎ፡ ብኻልእ ወገን ድማ በተን ዘመተ ሓሶት ዘካይደለን ናይ ፕሮፖጋንዳ መናፍሓቱ ገይሩ ንዓለማዊን ዞባዊን ዉድባትን መንግስታትን እናዘለፈ ትዕግስቲ ዓለም ብምፍትታን፡ “ደቂቕ ፍሩይ”ነቱ ከንጸባርቕ ሰለም ከየበለ ይሓድር። ባህሊ ዲፕሎማሲ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣነ ዝበልኩዎ ጥራይ ይኹን ምባል፣ ነገር እናጻሕተርካ ህዝብታትን መንግስታትን ጎረባብቲ ሃገራት ሰላም ምኽላእ፣ ኣብ ጉዳይ ሃገራት ፖለቲካዊን ወተሃደራዊን ምትእትታዉ እናገበርካ ነጻ ኣዉጻኢ (Liberator) ክትመስል ምፍታን፣ ኢድካን እግርኻን ኣክብ ዝብል ዓለማዊ መጠንቀቕታ ምስ ተዋሃብካ ድማ፡ “ተዘርየ!” እናበልካ ኣእዛን ህዝቢ ኤርትራን ዓለምን ምድንቋር እዩ። ዲፕሎማስያዊ ባህሊ ስርዓት ህግደፍ እዚ ስለዝኾነ፡ እቲ ስርዓት ኣብ ዝኾነ ዲፕሎማስያዊ ጉዕዞኡ ፍሽለት እምበር ዓወት ኣሰንዩዎ ኣይፈልጥን።

ስርዓት ህግደፍ፡ ህዝቡ ዝቐበጾ ስርዓት ስለዝኾነ፡ ምስ ህዝቦም ዝፈንፈኖም ስርዓታትን ኣሸበርቲ ዉድባትን ዘይቅዱስ ሽርክነት እናፈጠረ ዕላማታቱ ከተግብር ከም ዝህቅን ብተደጋጋሚ ዝረኣናዮ እዩ። ሓደ ኣብነት ናይዚ ድማ፡ ምስቲ ብህዝባዊ ተቓዉሞ ተዓልዩ  ናብ መቓብሩ ዘምርሐ ስርዓት ቓዛፊ ዝነበሮ ንህዝቢ ኤርትራ ዘየርብሕ ናይ ዉልቀ-መለኽቲ ምሕዝነት እዩ። ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ናይ ዲፕሎማሲ ግጥም መድሕን ክኾንዎ ካብ ዝተጸግዖም ስርዓታት ሓደ፡ ስርዓት ቓዛፊ ናይ ሊብያ ምንባሩ ኩሉ ዝፈልጦ እዩ። ስርዓት ቓዛፊ ግን ልክዕ ከም ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዓፈናን ምጭፍላቕን ዝኣምን ስርዓት ስለዝነበረ፡ ንስርዓት ህግደፍ ህዝቡ ጨፍሊቑ ዝገዝኣሉ ኣጽዋር እዩ ክህቦ ክኢሉ እምበር ካብቲ ባዕሉ ዝፈጠሮ ዲፕሎማስያዊ ከበባ ከዉጽኦ ኣይከኣለን።

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ብታሕሳስ 2009፡ ብኣፍሪቃዊ ተበግሶ ንዝቐረበሉ ናይ እገዳ እማመ ተቐቢሉ ብምጽዳቕ፡ ኣብ ልዕሊ ፖለቲካዊን ወተሃደራዊን መራሕቲ ስርዓት ህግደፍ (ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ኣይበልኩን) ቀዳማይ ዙር ዉሳነ እገዳ ምሕላፉ ይዝከር። እቲ መሪሕነት ግን ካብ ዝቐደመ ናይ ሽበራ ተግባራቱ ከይተቘጠበ በቲ ዝጀመሮ ምቕጻሉ ከይኣክል፡ “ንእገዳ መኪትናዮ ኢና” እናበለ ብሉይ ዜናዊ ዘመተ ኣብ ምክያድ እዩ ተጸሚዱ ዘሎ። ብተቘጻጻሪ ጉጅለ ሕቡራት ሃገራት (UN Monitoring Group) ብተደጋጋሚ ንዝቐረበሉ ብጭብጢ ዝተሰነየ ክሲ ምስግጋር ኣጽዋር፡ “ዓሚ ዝሞተ ምራኽ” ብዝብል መግለጺታት ከባጭወሉ ስለዝመረጸ፡ እታ ዘይ ከም ስርዓት ህግደፍ ንቑም-ነገር እምበር ንባጫን ላግጺን ግዜ ዘይብላ ዓለም፡ ዳግማይ ኣብ ልዕሊ እቲ ስርዓት ንዘለዋ ስሙር ተቓዉሞ ብምግላጽ፡ ካልኣይ ዙር ውሳነ እገዳ ከተሕልፍ ተገዲዳ እያ።

ስርዓት ህግደፍ፡ ንዉሳነታት 1907ን 2023ን፡ መቐጸልታ ናይ ዘመነ መግዛእቲ ዉዲታት ማሕበረሰብ ዓለም ከም ዝኾኑ ኣምሲሉ ንምቕራብ ዝከኣሎ ዜናዊ ስራሕ ይሰርሕ ኣሎ። ማሕበረሰብ ዓለም፡ ስርዓት ህግደፍ ንኽመሓየሽ ዝሃቦ ናይ ግዜ ዕድልን ዘርኣዮ ዓቕልን ትዕግስትን ግን ኣጀንዳ ሚድያታት ናይቲ ስርዓት ኣይኮነን። ምኽንያቱ፡ ዕላማ መናፍሓት ፕሮፖጋንዳ ህግደፍ፡ ኣእምሮ ህዝቢ ኤርትራ ምሩኽ ናይ ኣብ ባይታ ዘየለ “ናይ ግዳም ተጻብኦ” ከም ዝኸዉን ምግባር ስለዝኾነ።

እዚ ስርዓት’ዚ፡ ዋላ እኳ “ኣብ ዓለም ከለኹ ዓለም ስኢናትኒ” እናበለ ወግሐ-ጸብሐ ንነብሱ እንተቘዘመላ፡ ካብቲ ጻዉዒት ዓለም ተሓሲሙ ብምርጫኡ ዝተዓቑበሉ ናይ ተነጽሎ በዓቲ ወጺኡ ምስ ዓለም ክዋሰብ ኣይደለየን። ይትረፍ ምስ ዓለም ነቲ ምስ ህዝቡ ዘረሓሓቖ ክዉንነት’ዉን ክገጥሞ ትብዓት ኣየርኣየን። እኳ ደኣ “ልምዓታዊን ኣብ ሓራ ፖለቲካዊ መስመር ዝጓዓዝን” መንግስቲ ንምምሳል ከንቱ ፕሮፖጋንዳዊ ሃልኪ ይሃልኽ። “ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳረይ ርእያቶ ዘይትፈልጥ ምምሕያሽ ተመዝግብ ኣላ” እናበለ ነቲ ኣፍ ኣዉጺኡ ዝዛረብ ህሉዉ ኩነታት ኤርትራን ህዝባን ጠምዚዙ ብምቕራብ፡ “ተዓመተለይ’ሞ ክብለጸልካ” ዝዓይነቱ ጸወታ ይጻወት። ንጉስ ልምዓታዊ ፕሮፖጋንዳ እምበር ልምዓታዊ መንግስቲ ዘይኮነ ክነሱ ዓይኒ ዘንቁር ናይ ሚድያ ተዋስኦታት ይሰርሕ። እቲ ቀደም፡ “ምህናጽ ኣፍሪቃዊ ሲንጋፖር” ዝብል ዝነበረ ጭርሖ ሎሚ ናብ “ርእሰ-ምርኮሳ” ዝተባህለ ናይ ባዶ ትምክሕቲ ጭርሖ ተቐይሩ። ብሰንኪ ዝኽተሎ ግጉይ ናይ ዓቕሚ ሰብ ፖሊሲ፡ ሃገርና ብዋሕዚ ስደት ዓቕሚ ሰባ ከም ዝምህምን ዝገብር ዘሎ ስርዓት፡ በየናይ ቅማረ እዩ “ርእሰ-ምርኮሳ” ኢሉ ክጭርሕ ዝኽእል? ኣብ ኮሌጃት ዝመሃሩ መንእሰያት ከም ዕቑር ናይ ልምዓት ሓይሊ ዘይኮነ ከም ስግኣት ንፖለቲካዊ ስልጣን ስለዝጥመቱ’ዶ ኣይኮነን ዘሕፍር ትምህርታዊ ድሕረ-ባይታ ብዘለዎም ኮሎኔላት ንኽመሓደሩ ተፈሪዶም ዘለዉ?! ኩሉ እቲ ስርዓት ዝብሎ ዳእላ’ዩ። ምዃን ንቑም-ነገር ግዜ ዘይብሉ ስርዓት ንዳእላ ግዜ እንተረኸበ ዝገርም ኣይኮነን።

*         *          *

ኣብ ማሕበረ-ቁጠባዊ መዳይ፡ ዋላ እኳ እቲ ስርዓት ንሓቀኛ ቁጠባዊ ኩነታት ሃገርና ዝገልጹ ጸብጻባት ናይ ምዝርጋሕ ባህሊ ዘይብሉ እንተኾነ፡ እቲ ዓይኑ ዘፍጠጠን ዝድህሰስን ጽንኩር መነባብሮ ህዝብና ግን ዝኾነ ቁጠባዊ ስታቲስቲክስ ክህቦ ካብ ዝኽእል መረዳእታ ንላዕሊ ቮልዩማት መጽሓፍቲ ዝወጾ ዛንታታት ሕሰም ዝጸዊ ኮይኑ ኢና እንረኽቦ። ጭቡጥ ኩነታት ሃገርና ብተደጋጋሚ ዝተዘርበሉ እኳ እንተኾነ፡ ናብ ካልኦት ዝርዝራት ከየምራሕና፡ ነቲ ኩነታት ብመንጽር ክልተ መሰረታዊያን ጠለባት (መግቢን መጽለሊን) ህዝቢ ሸፈፍ ኢልናዮ ክንሓልፍ ንኽእል ኢና።

ሕቶ ቀረብ መግቢ….

ስርዓት ህግደፍ፡ ብ2004 ኣብ ዘዉጽኦ “ስትራተጂ ዉሕስነት መግቢ” ዝተባህለ ሰነድ፡ ዉሕስነት መግቢ ዝብል ኣምር እዚ ዝስዕብ ትርጉም ተዋሂብዎ ኣሎ። “ዉሕስነት መግቢ ማለት፡ ኩሉ ዜጋ ጥዑይን ኣፍራይን መታን ክኸዉን፡ ወትሩ እኹልን መኣዛዊ ትሕዝቶ ዘለዎን መግቢ ብርትዓዊ ዋጋ ከም ዝረክብ ምግባር ማለት’ዩ።” መቸም ስርዓት ህግደፍ፡ ነዚ ሰነድ’ዚ ከዳሉ ዝተበገሰሉ ምኽንያት፡ ስትራተጂ ዉሕስነት መግቢ ሓንጺጸ ኢሉ ክመጻደቕ እምበር ናይ ብሓቂ ንህዝቢ ኤርትራ እኹልን ትሕዝቶ ዘለዎን መግቢ ብርትዓዊ ዋጋ ናይ ምቕራብ ተወፋይነት ስለዘለዎ ኣይኮነን። ንፖለቲካዊ ሃልኪ ተባሂሉ ግን፡ ማዕከናት ዜና እቲ ስርዓት፡ ህግደፍ ኣብ ዓለም ተሰሚዑ ዘይፈልጥ ሓድሽ ኣምር ዘተኣታተወ ብዝመስል ኣቀራርባ ብዛዕባ ምርግጋጽ ዉሕስነት መግቢ ክልፍልፋ ይስመዓ። ብመሰረቱ ኣብቲ ህግደፍ ዘዳለዎ ሰነድ ሰፊሩ ዝርከብ ትርጉም ዉሕስነት መግቢ፡ ካብቲ ብ1996 ኣብ ሮማ ዝተኻየደ ዓለማዊ ዋዕላ መግቢ (World Food Summit): ንዉሕስነት መግቢ ዝተዋህበ ትርጉም ከም ዘለዎ ዝተቐድሐ እዩ።

እስከ ብመሰረት ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ትርጉም ዉሕስነት መግቢ፡ ኣብ ኤርትራ እኹል፡ መኣዛዊን ኩሉ ዜጋ ብርትዓዊ ዋጋ ዝረኽቦን መግቢ ክርከብ ይከኣል ድዩ!? ዋጋታት ኣእካል ልዕሊ ናይ ምግዛእ ዓቕሚ ዜጋታት ካብ ዝኸዉን ዓመታት ኮይኑ። ሓረስቶት ሃገርና ልግሲ ሰማይ ተጸብዮም ዓመት መመላእታ ኣብ ግራዉቶም ደኺሞም ንቐለቦም ዝኣክል ምህርቲ ይሓፍሱ ድዮም? ብሰንኪ ተኸታታሊ ደርቂ ዝዘርእዎ ንፍረ ምዃን ኣብዮም ሸሚቶም ዝበልዑ ሓረስቶት ኣብ ሃገርና የለዉን ድዮም?

ካልእስ ይትረፍ፡ ነታ ዝርካባ እቶቶም ካብን ናብን ቦታታት ከየንቀሳቕሱ’ዶ ኣይኮነን ክኽልከሉ ጸኒሖም? ኢሳያስ ነቲ ናይ ታሪኽ ተቐናቓኒኡ ገይሩ ዝጥምቶ ተጋዳላይ ዓብደላ እድሪስን ኣዝማዱን ዘሕረቐ መሲልዎ’ዶ ኣይኮነን ንብዙሓት ሓረስቶት ካብ ዞባ ደቡብ ኣፈናቒሉ ኣብ ዞባ ጋሽ ባርካ ዘይሕረስ ዘይመሓስ መሬት ዓዲሉ ኣብ ሌጣ ጐልጐል ጥራይ ኢዶም ዝደርበዮም? እቶም ብስም “ምፍራይ ናይ ባኒ ስርናይን ናይ ቢራ ስገምን” ግራዉቶም ተሓዲጎም ትሕቲ መስመር ድኽነት ክነብሩ ዝተገደዱ’ከ? እቲ ቀደም ኣብ ሃገርና፡ “እኽሊ ሓሪምዎ ቈፎና፡ ዒባ ናፊቑዎ ደንበና” እናተባህለ ዝተደርፈሉ ዘመን ኣብዚ እዋን ኣብ ኤርትራ ዘየሎ ከይመስለና። ርሑቕ ከይከድና ኢሳያስ ብተደጋጋሚ ዝኽሕዶ ደርቂ’ኳ ዕድመ ንዊኪሊክስ በቲ ኣብ ዕጹዉ ማዕጾ ዝሃቦ ቃለ-ተኣምኖ (Admittance)  ብሰነ 2011 ንቓልዕ ወጺኡ እዩ።

ጽላት ሕርሻ ሃገርና ካብ ያታዉነት ተገላጊሉ ናብ ዘመናዊነት ብዘይምስግጋሩ ዋላ ኣብቲ ዝሓሸ ምህርቲ ዝሕፈሰሉ ወቕቲ ዝርከብ እቶት ልዕሊ ፍርቂ ጠለብ መግቢ ህዝብና ከም ዘይምልስ፡ ባዕሉ እቲ ህግደፍ ዘዳለዎ ሰነድ ዝምስክሮ’ዶ ኣይኮነን!? ትሑት እቶታዉነት፡ ጠንቂ ዋሕዲ ቀረብ መግቢ ይኸዉን ብምህላዉ፡ ህዝብና ኣብ ዉሑድ ምህርቲ ብኣዝዩ ክቡር ዋጋታት ክቈራቐስ ይግደድ ኣሎ። ካልእስ ይትረፍ፡ ኣብ መንጎ “ኣታዊታት” ህዝቢን ዋጋታት መግቢን ንዘሎ ፍልልይ ብምንጽጻር ጥራይ ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ክብሪ መነባብሮ መረዳእታ ምርካብ ዘይከኣል ኣይኮነን። ብቐደሙ’ዉን “ሃገራዊ ኣገልግሎት” ዝበሃል ወፍሪ ባርነት እንከሎ ብኸመይ ብዛዕባ ኣታዊ ምዝራብ ይከኣል!?

እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ሰነድ፡ ሓደ ሰብ መዓልታዊ 2000 ካሎሪ ዝህቦ መግቢ ክረክብ ከም ዘለዎ’ዩ ዝዛረብ። እቲ ሰነድ ብዙሕ ዝተቐድሐ ሓቅታት ሒዙ ዝወጸ ስለዝኾነ፡ እቲ ኣብዚ ሰነድ’ዚ ሰፊሩ ዘሎ መጠን ሓደ ሰብ መዓልታዊ ክረኽቦ ዝግባእ ካሎሪ ብስነ-ፍልጠታዊ መገዲ ክረአ ከሎ ቅኑዕ እዩ። መራሒ ስርዓት ህግደፍ ግን ኣብ ናይ ጥሪ 2009 ቃለ-መጠይቑ “ንመዓልቲ ብ500 ካሎሪ ጥራይ ክንበር ይከኣል’ዩ” ኢሉ ብብደዐ ከም ዝገዘተና ኣይርሳዕን። ንምዃኑ እቲ 500 ካሎሪ ዝበሃል’ከ ብግብሪ ኣሎ ድዩ!? ብምኽንያት ሓድሽ ዓመተ 2011 ኣብ ዘካየዶ ቃለ-መሕትት፡ “እዚ ህዝቢ’ዚ ሕንቃቐ ኣለዎ” ክብል ዝተዛረቦ’ዉን ኣይንርስዖን። ኢሳያስ ነዚ ዘረባ’ዚ ምስ ተዛረበ፡ ኣብ ዓመቱ ኣብ ቅንያት ህዝባዊ ማዕበል ሰሜን ኣፍሪቃ ኣብ ዘካየዶ ቃለ-መሕትት፡ ነዛ ዘረባ’ዚኣ እንታይ ኢሉ ክእርማ ከም ዝፈተነ ርኢናን ሰሚዕናን ኢና።

ሕቶ መጽለሊ….

ኣብ ከተማታት ኤርትራ ከቢድ ሕጽረት መንበሪ ኣባይቲ ከም ዘሎ ዝከሓድ ኣይኮነን። ጠንቂ ናይ’ዚ ድማ ቄናን ፖሊሲታት መሬትን ህንጸት ኣባይቲን ናይዚ ስርዓት’ዚ እዩ። እዚ ስርዓት ንህሉዉ ሕጽረት መንበሪ ኣባይቲ ዘቃልል ስጉምቲ ክወስድ ትጽቢት እናተገብረሉ ከሎ፡ መራሒ እቲ ስርዓት ባዕሉ ንኹሉ ናይ ዉልቂ ህንጸት ኣባይቲ ደዉ ክብል ብምእዛዝ ነቲ ሽግር ከብ ዘጋድዶ ሸዉዓተ ዓመቱ ኣቑጺሩ። ዜጋታቱ ብዝመረጽዎ ኮንትራክተር ኣባይቶም ከየህንጹ ዝኽልክል ወይ ድማ ኮነ ኢሉ ዕዳጋታት ናዉቲ ህንጻ ዝብሕት መንግስቲ ብዘይካ ኣብ ኤርትራ ኣበየናይ ሃገር ኮን ተራእዩን ተሰሚዑን ይፈልጥ!?

ብሰንኪ ሕጽረት መንበሪ ኣባይቲ ማእለያ ዘይብሎም ኣብ ከተማታት ዝነብሩ ዜጋታት መፍቶ ሱሱዓት ኣካረይቲ ገዛ ክኾኑ ምርኣይ ልሙድ ተርእዮ እዩ። መንበሪ ኣባይቲ ንምክራይ ናብ ገጠራትን ሓዉሲ ገጠራትን ክግዕዙ ዝግደዱ ዘለዉ ዜጋታት እሞ ቁጽሪ የብሎምን። ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም፡ ብ1993 ከንቲባ ከተማ ኣስመራ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ “ኣስመራ ንሰብ ንዋይ እያ፡ እቲ ካልእ ነናብ ዓዱ ይኺድ” ክብል ዝተዛረቦ ዘረባ ሎሚ’ዉን ኣብ ኩለን ከተማታት ኤርትራ ብግብሪ ክሰርሕ ንዕዘብ ኣለና። ዝገርም’ዩ! ኣብ ካልኦት ሃገራት ሰባት ካብ ገጠራት ናብ ከተማታት እናገዓዙ ክኽትሙ (Urbanized ከም ዝኾኑ) ክግበር ከሎ ኣብ ሃገርና ከኣ ንስለ ቁንጣሮ መሻርኽቲ ሰበስልጣን ዝኾኑ ሰብ ጸጋ ክበሃል ድኻታት ዜጋታት ተደፊኦም ናብ ገጠራት ክሳግሙ ይግደዱ።

መዓስ እዚ ጥራይ! ንህንጸት መንበሪ ኣባይቲ ብዝምልከት፡ እቲ ዕድል ካብኡ ናብኡ ኣብ ወጻኢ ንዝቕመጡ ሰዓብቲ እቲ ስርዓት ክወሃብ ተራእዩ እዩ። በዚ ድማ፡ ንኣብነት ንህግደፍ ዘጣቕዑ ማሕበረሰብ ዲያስፖራ ኣብ ኣስመራ ዝዉንንዎ ገዛዉቲ ካብቲ ብነበርቲ ኣስመራ ዝዉነን ገዛዉቲ እናበዝሐ መጺኡ ኣሎ። እቶም መሬት ዓድታት ከባቢ ኣስመራ ተተመንዚዑ ዝተዋህቦም ናይ ዲያስፖራ ሰዓብቲ ዉሑዳት ኣይኮኑን። ኩባንያታት ህንጻ ህግደፍ ንኹሉ ህንጻዊ ስርሓት ብሒተን ዝሃንጻኦ ኣባይቲ ናይዞም ዝተጠቕሱ ዜጋታት እዩ።

ንእግረ-መገደይ ሓንቲ ኣብ ባንክ ኣባይትን ንግዲን ብኣካል ዝተዓዘብኩዋ ከዕልለኩም። እዚ ዋንነቱ ናይ ህግደፍ ዝኾነ ባንክ፡ “ፕሮጀክት ኣባይቲ ሓሊበት” ዝተባህለ ሓድሽ ፕሮጀክት ኣብ ዓመተ 2005 ኣበጊሱ ነበረ። ኣብ 2006 ድማ ኣነ ኣብ ኣሃዱ ህዝባዊ ርክባት ናይቲ ባንክ PR Internist ኮይነ ነቲ ፕሮጀክት ዝኸዉን ናይ Promotion ስራሕ እሰርሕ ነበርኩ። ብመሰረት መደብ ናይቲ ፕሮጀክት፡ እቲ ኣባይቲ ገና ከይተሃንጸ ከሎ እዩ ተሸይጡ። ገሪሙኩም’ዶ? ዋጋኡ ኣቐዲሙ እዩ ተኸፊሉ ማለተይ እየ። ናይ ነፍስ-ወከፍ ኣፓርታማ ዋጋ ተኸፊሉ ተወዲኡ ክነሱ ክሳብ ሎሚ ኣይተሃንጸን። ኣነ ግን ክህነጽ’ዉን ከም ዘይኮነ እቶም ኣባላት ይነግሩኒ ነይሮም እዮም። “ኢሂ!” እንተበልኩዎም፡ “እዚ ኣብ ደገ ዝነብር ህዝብና ብገዛ ልቡ ጥፉእ እንድዩ! መንግስቲ ከኣ ነዚኣ ጽቡቅ ገይሩ ፈሊጥዎ ስለዝኾነ ነታ ድሌቶም እናመዝመዘ’ዩ ናይ ዶላር ማሕፉዳኡ ክመልእ ዝደሊ። ቀደም ‘መስርሒ ገዛ መሬት ክንህበኩም’ ቦንድ ዓድጉ እዩ ነይሩ እቲ ጸወታ። ሕጂ ድማ ‘ገዛ ሰሪሕና ክንህበኩም ኣቐዲምኩም ዶላር ክፈሉ’ እዩ ኮይኑ ዘሎ” በሉኒ ኣስማቶም ክጠቕሶም ዘይደሊ ኣባላት ቤ/ጽ ህዝባዊ ርክባት ባንክ ኣባይትን ንግድን። እንተርኣኹዎስ ወዮ ዝበሉዎስ ሓቂ ኮይኑ ካብ ዘይህነጽ እነሆ ሸዉዓተ ዓመቱ ኣቑጺሩ። ኣየ ሻዕብያ! ካብቶም ደገፍቱስ ንሱ ይበልሕ!

መቸም ነዚ ክብል ከለኹ ቀኒኡልና ኢሎም ዝቕየሙኒ ሰባት ኣይሰኣኑን። ኪኖ ሓቂ ምዝራብ ግን ካልእ ኣማራጺ የልቦን። ምኽንያቱ ከምቲ ከይጠልቀኻ ተሓጺብካ ክትጸሪ ዘይከኣል ሰባት ከየቐየምካ ሓቂ ምዝራብ’ዉን ኣይከኣልን።

ነዚ ጉዳይ’ዚ ከልዕል ከለኹ፡ ቅድሚ ክልተ ዓመት ሓደ መንእሰይ ወሃቢ ርእይቶ ኣብ ሬድዮ ድምጺ ኣሜሪካ መደብ ቋንቋ ትግርኛ ዝተዛረቦ ዘኪረ። እዚ ኤርትራዊ መንእሰይ ካብ ኣሜሪካ ደዊሉ ርእይቶኡ ዝገለጸ ኮይኑ መሬት ኣሜሪካ ካብ ዝረግጽ ዓመቱ ዝመልአ ነበረ። ቅድሚ’ቲ ርእይቶ እዚ መንእሰይ’ዚ ኣብ VOA ዝተቓልሓሉ ዕለት ገለ ደገፍቲ ህግደፍ ኢና ዝብሉ ዲያስፖራ ኤርትራዉያን፡ “እዚ መንእሰይ ሃገርናስ እንታይ ወሪድዎ’ዩ ሃገሩ ከየልምዕ ናብ ስደት ዝነፍጽ ዘሎ….?” ዝብል ሓዉሲ ጭደራ ዝመልኦ ርእይቶ ኣብ VOA ሂቦም ነይሮም። መልሲ ናይ’ዚ ዝብለኩም ዘለኹ መንእሰይ ድማ፡ “….ነቲ ሃገር ዘየልምዑ ዝብል ዳእላኦም ገዲፍና ናብቲ ሓቂ ንምጻእ። ስደት መሪር ምዃኑ ልዕሊ ንሕና መንእሰያት ዝፈልጦ የለን። ስለዚ ስደት ባህ ኢሉና ኣይኮናን ንስደድ ዘለና። ንኣብነት ኣነ ኣሜሪካ ቅድሚ ምእታወይ ዘሕለፍኩዎ መከራ ባዕለይ እየ ዝፈልጦ። ስለዚ እዞም ሃገር ከየልምዑ’ዮም ዝስደዱ ዘለዉ እናበሉ ዝኸሱና ዘለዉ ደገፍቲ ኢና በሃልቲ ዲያስፖራዉያን እዚ ኹሉ ዘዛርቦም ዘሎ ናይ ብሓቂ ሃገር ትለምዕ ኣላ ኢሎም ስለዝሓሰቡ ዘይኮነ፡ ንሳቶም ኣብ ወጻኢ ኮይኖም መጨፍለቒና ዶላራት ንመንግስቲ ክህቡ ንሕና ድማ ኣብ ዉሽጢ ኴንና ነቲ ኣብ ኤርትራ ዝሃነጹዎ ዑናታቶም (ቪላታቶም ማለቱ’ዩ) ክንሕልወሎም ስለዝደለዩ እዩ….።” ብምባል ነድሪ ዝመልኦ ርእይቶ ሃበ።

እቶም “ደገፍቲ” ዝሃብዎ ርእይቶ ምስ ሰማዕኩ፡ “ምዃን ሓቈም እዮም” እየ ኢለ። ምኽንያቱ ኣብታ ንሳቶም ብመስኮት Eri-Tv ጥራይ ዝፈልጡዋ “ሃገር ፍትሒን ልምዓትን” ዝኾነት ኤርትራ ምንባር ኣብ ገነት ዘይሰፈርኩ ኣየብልን እዩ። ኣብታ ኣብ ባይታ ንፈልጣ ናይ ብሓቂ ኤርትራ ግን……

*         *         *

እምበኣርከስ ነተን ኣቐዲመን ዝተጠቕሳ ክልተ መሰረታዊያን ጠለባት ህዝቢ ብምልዓል ጥራይ ብዛዕባ ጽንኩርነት መነባብሮ ህዝብና ብዙሕ ክበሃል ይከኣል’ዩ። ናይ መግቢን መጽለሊን ጠለባቱ ብግቡእ ዘይተመለሰሉ ህዝቢ ይትረፍ’ዶ ከምቲ መራኸቢ ብዙሃን ህግደፍ ዝብላኦ፡ “መሃዝነቱ ኣራቢሑ ኣብ ልምዓታዊ ስራሕ ዕጽፍታት ከበርክት” ብመሰረቱ ናይ ልምዓት ድርኺት’ዉን ክህልዎ ኣይክእልን’ዩ - ብዘይካ ብወፍሪ ባርነት ተገዲዱ።

ኩነታት መነባብሮ ህዝብና ኣብ ዝለዓለሉ እዋን ሓንቲ ክትዝከር ዝግባኣ መሰረታዊት ሕቶ ግን ኣላ። ንሳ ድማ፡ “እዚ ክንገልጾ ዝጸናሕና ሃዋሁ ዘይምልከቶም ወይ ዘይንታዮም ዜጋታት ኣብ ኤርትራ ይህልዉ’ዶ” እትብል እያ። እቲ መልሲ፡ “እወ ብርግጽ!” እዩ። መን’ዮም ንሳቶም….?

ሃብቲ ሃገርን ጉልበት ዜጋታትን እናመዝመዙ መሀብተሚ ነብሶምን ስድራ ቤቶምን ዝገብሩዎ ዘለዉ ጭፍራታት መኮንናትን ሰበስልጣንን

ምስ ሰበስልጣን ተሻሪኾም ነዚ ኣብ ኤርትራ ነጊሱ ዘሎ ሕማቕ ዘመን ዝብለጹሉ ዘለዉ ነጋዶን ሃብታማትን

ስድራ ቤት ናይቶም ኣብ ደገ ዝቕመጡ ኣጣቓዕቲ

ብሓልዮት ጀነራላትን ሓለፍቲ ጸጥታን ካብን ናብን ኤርትራን ወጻኢን (ብፍላይ ድማ ኣንጎላን ደቡብ ሱዳንን) እናተንቀሳቐሱ ክነግዱ ዝተፈቕደሎም ዜጋታት…..ወ.ዘ.ተ.

*            *           *

ንምጥቕላል፡ “ጨጓር ከልቢስ ኣሎ እናበልዎ ሞተ” እዩ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ነገር። ኤርትራ ቁጠባዊ መሰላት ህዝባ ዝተጋህሰላ ምድራዊት ሲኦል ኮይና ኣላ።  ህዝቢ ኤርትራ ግን ጥዑይን ንሰብ ዝበቅዕን መነባብሮ ጥራይ ኣይኮነን ሓሪምዎ። ን21 ዓመት ዘይረወየ ጽምኢ ደሞክራሲን ሰብኣዊ ክብሪን’ዉን ኣለዎ። ኣብዚ ዝሓለፈ 21 ዓመት፡ ጋግ መነባብሮን መሰላትን ይግፋሕ ይጽበብ ዓጢጥዎ ዘይፈልጥ ስርዓት፡ “ምጽባብ ጋግ መነባብሮን መሰላትን” ብዝብል ምስሉይ ፕሮፖጋንዳ ኣእዛን ህዝቢ ምድንቋር ስርሐይ ኢሉ ተተሓሒዝዎ ኣሎ። ብዝኾነ፡ ኣብ ኤርትራ ተኸሲቱ ዘሎ ስእነት ሰብኣዊ ሓርነትን ማሕበረ-ቁጠባዊ ምምዝባልን ሓደ መዓልቲ ናብ ዓቢ ህዝባዊ ተቓዉሞ ተለዊጡ ነቲ ስርዓት ክፋረዶ ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ኣብ ኤርትራ ዝረአ ዘሎ ስቕታ፡ ብስእነት ብቑዕ ዉዳበን ጥርናፈን ዝተፈጥረ እምበር ኣብ ልዕሊ እቲ ስርዓት እምነት ብምግባር ዝተፈጥረ ስቕታ ኣይኮነን። እቲ ስርዓት’ዉን ነዚ ሓቂ’ዚ ኣጸቢቑ ስለዝፈልጦ፡ ንኹሉ ኣበሳታቱ ብፍላጥ ናብ ምዕራባዉያን ሃገራት ከጸግዕ ኢዱ ናብ ደገ ዘመልክት እኳ እንተኾነ፡ ህዝባዊ ሰረቱ እናጥፈአ ኣብ ረመጽ ድጉል ተቓዉሞ ተኾይጡ ከም ዘሎ ኣዳዕዲዑ ይፈልጥ እዩ። ስለዚ እቲ ካብ ኩላትና ኤርትራዊያን ደለይቲ ለዉጢ ዝድለ፡ ነቲ መሰረታዊ ዘይኮነ ፍልልያትና ኣወጊድና፡ ንቕሓትና ኣበሪኽና፡ ስሉጥ ዉዳበ ፈጢርና፡ ክቡር ህይወት ይግባኣና ምዃኑ ፈሊጥና፡ ግብኣተ-መሬት ናይ’ዚ ዝጠስጠሰ ስርዓት ምቅልጣፍ እዩ።

ኣማኑኤል ማህደረ

(This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.)

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...