ሓሙስ መዓልቲ ድ.ቀ ምስቲ ናይ ቀረባ ዓርከይን ስለ ሓቂ ዝቃለስ ፉጹም አረፋይነ ብጻየይን ዋሽንግቶን ዲሲ አተና። ናይ ክራይ መኪና ሒዝና ድማ ናብ’ቲ ምስ ካልኦት ደለይቲ ፍትሕን ሰላምን ክንራኸብ ዝተቛጸርናሉ ቦታ ቤት መግቢ ንግስቲ ሳባ አምራሕና። ልበይ አንቅዓ አንቅዓ ክትወቅዕ ጀሚራ። ተሃንጥየ ንኹሎም ዘፍቅሮምን ዘድንቕምን ሰባት ንኽርእይ። አነን መማጽእተይን አብቲ ቤት መግቢ እትው ምስ በልና ንሓደ ጉሩም ዱልዱል ሰብአይ ሰላም ኢልናዮ ሕልፍ በልና። ኮፍ ኢልና ድማ ነቲ ዝነበረ ዋዒ ከነዝሕል ቡንን ማይን አዘዝና። ከይዶንጎየ አሌክስ አወሃሃዲ ሰላማዊ ሰልፊ ዋሽንግቶን ዲሲ ደበኽ በለ። እቲ ንመጀመርያ ጊዜ ዝርእዮ ዘለኹ ብርሑቕ አብ ቡዙሕ ጉዳያት ምሳይ ዝሰርሐ ውፉይ መንእሰይ አሌክስ ናባይ ገጹ መጸ ከላልዮ ጊዜ አይወሰደለይን።

ድሕሪ ምውቕ ሰላምታ አሌክስ ሒዙኒ ናብቲ አብ ውሽጢ እቲ ቤት መግቢ ተዳልዩ ዝነበረ መራኸቢ አዳራሽ ሒዙኒ አተወ። ምስ’ቲ ክአትው ከለኹ ሰላም ኢለዮ ዝሓለፍኩ ሰብ ድማ አላለየኒ። ለካስ እዚ ሰብ ብቴለፎን ኩሉ ጊዜ ዝራኸቦ ነዚ ናይ እንገብሮ ሰላማዊ ሰልፊ ናይ ፍቓድ ወረቐት ዘሳለጠ ተባዕ ደፊሩ ዘድፍረካ ደላይ ለውጢ ረዘነ ሃብተ እዩ። ነቲ ስጋብ ማእሰርቲ ዝኸይድ ቁጥዔኻ ዝገልጽ ሰላማዊ ሰልፊ ንኽግበር አሜሪካዊ ቅዋማዊ መሰል ምዃኑ ዘብርሃልና ዓቢ ሓውና እዩ። መዓስ ምብራህ ጥራይ ካብቶም ንኽእሰሩ አብነት ዝኾነ ሓደ እዩ። ብሓቂ ተቓላሳይ ማለት ንዓይ ተቓሊሱ ዘቃልስ እምበር ከምዚ ክግበር አለዎ ኢሉ ጭርኡ ዝዱጉል አይኮነን። ብዝተረፈ በዓል ጀሚል(ባልቲሞር) አፈወርቂ ራድዮ ዲሲ፡ ህያብ፡ ሰሎሞን፡ ዳኒኤል፡ ሳምሶንን ካልኦትን ተአኪብና አኼባና ጀመርና።

አኼባ ይቕጽል ዶ/ር ጽጋብ ንሰላም ኪዳነ ሒዝዋ ደበኽ ይብል። ነታ ብጹሑፋ ዝፈልጣን ዘድንቓን ሰላም ኪዳነ ንሳ አብ ቴለፎን አነ ምስ ብጾተይ አብ ጎደና ንማንኪ ዘዛባዘብናዮ ስለ ዝኾንና አባላት ጎየይቲ ማንኪ ኢና። ብዝኾነ አኼባና ንቕጽል ቀጺሉ ማዕጾ ይኽፈት ዳንኤል ተኽላይ ነታ ክርእያ ተሃንጥየ ዘለኹ ዶ/ር ሓርነት ቦኽረጽዮን ወይ ሚርያም ሴፕተምበር ሒዝዋ ይመጽእ። ነታ ኩላትና ክንርእያ ተሃንጢና ዝነበረና ዶ/ር ሓርነት ድማ በብሓደ ሓቑፍና ሰላም በልናያ። ኣኼባ ተወዲኡ ድማ ናብቲ ሬስቱራንት ተመለስና።

ገዛ በቶም ንስለ ሓቅን ፍትሕን አብ ጎኒ ውጹዕ ህዝቦም ክኾኑ ዝመረጹ ደለይቲ ለውጢ ሆጭ ኢላ መሊአ ጸንሓትና። ዘይሓሰብናዮ ድማ ናብ ወኻዕካዕን ጸወታን አተና። ተተሓሒዝና ድማ ጉዕዞና ናብ ሆቴልና አቕናዕና። ነቶም መኪና ዘይዝዉሩ በዓል ዳኒኤል (መተዓብይቲ)ምሉእ ቅነኡ ከመላልስዎም ተዓዚበ። ለካስ ሕጅ’ውን ቅኑዓት ሰባት አለው እዮም ኢኻ ትብል። መሬት ወጊሓ ዓርቢ አኺሉ ጉዕዞ ናብ መራኸቢ ቦታ ኮነ። በብሓደ ሰብ ድሕሪ ምውሓዙ ቁጽርና አስታት ሓሙሽተ ሚእቲ ምስ አኸለ ናብ ኤምባሲ ህግደፍ አምራሕና።

አብቲ ጥቓ እቲ ኤምባሲ ምስ በጻሕና ዘይንቡር ነገር ተዓዘብና። ኤምባሲ ህግደፍ ብሓጹር ተኸቢቡ ብፖሊስ መርአዩ አይነበሮን። እቶም ቀደም አብ አፍደገ እቲ ኤምባሲ ብንዕቀት ካሜራ አዋዲዶም ዝጽበዩ ዝነበሩ ማሕዮታት ሎሚ ገዝኦም ሸጊጦም አብ ካልአይ ደርቢ ብዕጹው መስኮት ኮይኖም እንቋምቱ እቶም ኮራኩር ህግደፍ፡ ኩርምቲ ሓይሊ ሃገር መንእሰያት ድማ ከም ደረጅኦም አብ ሳልሳይ ደርቢ ነበሩ። ረቢ አማኺርዎም እምበር ከም ቀደሞም አብ ታሕቲ እንተዝነብሩ እቲ ስእሊ ካልእ ምኾነ ኔሩ። እቲ ኸባቢ ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ካብ ስልጣን ይውረድ ኢሎም ብዝጭድሩ ሰልፈኛታት ተናወጸ። ብዙሕ ሰላማዊ ሰልፊ ተሳቲፈ ከምዚ ናይ ሕጂ ግና ርእየ አይፈልጥን። ዝነበረ ሞራልን ውህደትን እንታይ ክወጾ። ንህግደፍ ልቢ ድኻም ከምዘትሓዞም አይጠራጠርን። አብ መወዳእታ ሓፍትና ሙሉ፡ረዘነ ሃብተ፡ ጴጥሮስ አብርሃ፡ ዮናስ ገብረእየሱስን መድሃኔ አፈወርቂ ዝተባሃሉ ዜጋታት ስለ ፍትሕን ሰላምን ኤርትራ ነቲ ናይ ፖሊስ ሓጹር ስለዝሓለፉ ብፖሊስ ተታሒዞም ናብ እስሪ ቤት ተወስዱ። እዚ ዝተአስርሉ አገባብ ፍሉጣት አሜሪካውያን ፖለቲከኛታትን ተጣበቕቲ ሰብአዊ መሰላትን ድምጾም ንኽስመዓሎም ዝጥቀሙሉ ሜላ እዩ። እቲ ሰልፈኛ ድማ ብናይ ፖሊስ መኪና ክውሰዱ ከለው ብውጭጭታ ተቓውምኡ ገሊጹ። ሓያል ውህደት ዕውት ስራሕ።

ድሕሪ እቲ ሰልፊ ሰብ ዲሲ ናብ ዘዳለውዎ ናይ ምሳሕ እንግዶት ኬድና ድሕሪ ምዝንጋዕ ሰባት በብሓደ ለበዋኦም ምስ አቕረቡ ነናብ ቦታና ተፈላለና። አዳለውቲ ኮንፈረንስ ድማ ናብቲ አዳራሽ ተመሊስና ስጋብ ሰዓት ክልተ ወጋሕታ ስራሕና አስለጥና። ድቃስ መጺኡኒ ኢልካ አብ ቅድሚ እዞም ብጾት ክትዛረብ ነውሪ እዩ። ክከባበሩን ስራሕ ክከፋፈሉን ክትርእዮም አዚኻ ትድንጾው። ኤርትራ አይትዓደለትን ነዚኦም ሲኢና ንበዓል ዕደ ሒዛ ተሪፋ። ቅድሚ ሰብ ተሲእና አብ አድራሽ አጋይሽና ክንቅበል ተዳለና። እታ ካብ ሳውዲ ዓረብያ ዝመጸት ሚሚ ገብረየሱስ ብሓገዝ ዮናስ ሓጎስ ዳኒኤል ምራጭ ተሓጊዛ አጋይሽ ትምዝግብ፡ ተመዝጊቦም ንዝነበሩ ድማ መለለዩ ታሴራ ትዕድል።

ኪሮስ ዮውሃንስን ተስፉን ድማ ነጋይሽ ተቐቢሎም ኮፍ የብሉ። አሮን ሃይለን ጌቱ ጸጋይን ድማ ነገራት ብአግባቡ ክኸይድ ላዕልን ታሕትን ይብሉ። መድሃኔ ድማ ነቲ ገንዘብ ተቐቢሉ ብግቡእ የቐምጥ። አብቲ ቀዳማይ መስመር ዝነበሩ ሚርያምን ዳኒኤልን ንመደባት አተአላልይኡ ይካትዑ። ኢሰያስ ስዩም ንዝመጹ ናይ ደገፍ መልእኽቲ ጾሚቑ የዳልው። ዶ/ር ጽጋብ አስመላሽ ድማ ነቶም ብሃንቀውታ ዝጽበይዎ ናይ ፓልቶክ መሓዙቱ ብድምጽን ብቪድዮ ዩስትሪምን ክከታተሉ መታን ፈተነታቱ የወሃህድ። ጋዜጠኛታት አሮን ብርሃነን አማኑኤል አሰናን ድማ ኮምፒተራቶም አዋዲዶም ንህዝቢ ሓበሬታ ከዳልዉ ይሸባሸቡ።

አኼባ ዳኒኤል ተኽላይ እንቋዕ ብደሓን መጻኹም ድሕሪ ምባሉ ብጸሎት ዲያቆን አብርሃለይን በቲ አስላማይ ክንሱ ስእሊ ፓትርያርክ አንጦንዮስ ተሰኪሙ አቦና ይፈትሑ ኢሉ አብ ሰልፊ ድምጹ ከስምዕ ዝወዓለ ጀሚል ተኸፍተ። ቀጺሉ ንልቢ ተጋባእቲ ዝተንከፈ ዝኽረ ሰማእታት ብአሮን ብርሃነ ቀረበ። አጀማምራ ቃልስናን አብዚ ደረጃ ከመይ ከምዝበጻሕናን ከቕርብ ብጾተይ ንዝሓቡኒ ዕድል ተጠቂመ ሓጺር መደረ አቕረብኩ። ከምስግኖም ድማ ይደሊ። ድሒሩ ሚካኤል ግርማይ አቦ መንበር ማሕበረሰብ ሕጊ ኤርትራውያን ቅዋምን ቅዋምነትን አብ ዝብል አርእስቲ መሃሪ አስተምህሮ ሂቡ ሕቶታት ህዝብ’ውን መሊሱ።

ቀጺሉ መድረኽ ናብ ኤልሳ ኪዳነ ሓሊፉ ንአድላይነት ሰላም አብ ቀርኒ አፍሪቃ አመልኪታ ሓሳባታ አካፊላትና። እታ ፍትውትን ክብርትን ኤርትራዊት ማዘር ተሬዛ ኤልሳ ጭሩም ድማ ንምግሃስ ሰባዊ መሰላት አብ ኤርትራ አመልኪታ አስተምህሮ ሂባ። ቀጺሉ ዓይነ ስውር ሃይለ ክፍላይ(ጎተና) ተራ መንእሰይ አብ’ዚ እዋን ቃልሲ ንሓርነት ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ። አብ መንእሰያት፡ አዴታትናን አቦታትናን ዝወርድ ዘሎ ግፍዒ ምስ ተንተነ ኩሉ ተጋባኢ ብንብዓት ተሓጺቡ። ገሊኦም ነቲ ኩነታት ኩቆጻጸሩ ዘይከአሉ ነቲ አዳራሽ ገዲፎሞ ንደገ ክወጹ ተገዲዶም እዮም።

ነቲ ንስርዓት ህግደፍ አንቀጥቂጥዎ ዘሎ መደብ ዓርቢ ሓርነት እተወሃህድ ዶ/ር ሓርነት ድማ ነቲ አዳሊናዮ ዘለና ናይ ሓርነት ስትራተጂ ንህዝቢ አቕሪባትሎም። ንሳ’ውን ብጊደአ አብ እተቕርቦ ዝነበረት ዛንታ ሽግር መንእሰያት ነቲ ንብዓቱ ሓንሲሱ ዘይወድአ ህዝቢ ናብ ንብዓት መለሶ። ግና ዝግበር ነገር የልቦን ንብዓትና ሓንሲስና ናብ ቀጻሊ መደባትና ከድና። ክትዕ ናይቲ ዘይርታዕ ዮሴፍ ገብርሂወትን ገዛኢ ዘርእሰናይን። ገዛኢ ሽግርናስ ባዕልና ንፍታሓዮ ደአ ክብል እንከሎ ዮሴፍ ግና አቕሚ የብልናን ክብል ከም አመሉ አብአ ደረቐ። መሳጢ ክትዕ ድማ ብዘይ ሰዓርን ተሳዓርን ተዛዘመ።

ሓባራዊ ዘተ መንእሰያት ብአላይነት አማኑእል እያሱ ሰዓበ። እቲ ካብ ሃገረ ጀርመን ዝመጸ መንእሰይ ኤርሚያስ፡ አሮን ሃይለ፡ ጌቱ ጸጋይን ኢሰያስ ስዩምን ድማ ንተዓዘብቲ ዝመሰጠ ዘተ አካይዶም። አብ መወዳእታ ድራርን ምዝንጋዕን በቶም ህቡባት ድምጻውያን ተወልደ ረዳ፡ ሑሴን ማሓመድ ዓሊ ዮናታን ሃብተ፡ ዳዊት ኤፍረም፡ ዶ/ር አማኑኤል ካሕሳይ ዝርከብዎም ባህላዊ ምሸትን ሰዓበ። አዳራሽ ብዝስዕስዑን ዝቆጻጸዩን ሰባት መርአዩ አይነበሮን። እታ አብ ከምዚ ዓይነት ምሸት ብአማኢት ሰባት ርእያ ዘይትፈልጥ ዲሲ ሓድሽ ታሪኽ ወቂራ። ናይ ምዕራብ ዓወት አብ ምብራቕ ተደጊሙ። ደጊም ዲሲ ካብ ህግደፍ ሓራ እየ ዝበለትሉ ሁሞት እዩ ኔሩ። ነበርቲ ዲሲ ንዝገበርናዮ ጻዕሪ አሞጊሶምና። ንሕና ግና የቐንየልና ዘይኮነስ ንዓኹም ሒዝና ኢና ዘይ ኩሉ አሳሊጥናዮ ኢልና መለስናሎም። ግደ ሓቂ’ውን እቲ ዓወት ናይ ኩሉ ደላይ ለውጢ ጻዕሪ እዩ ኔሩ።

ንጽባሒቱ ኮንፈረንስ ብተራ ስነ ጥበብ አብ ቃልሲ ዝብል አርእስቲ ኪሮስ ዮውሃንስ ብዝሃቦ ሓጺር አስተምህሮ ቀጺሉ። ተሳተፍቲ በዳህቲ ሕቶታት ከቕርቡ ኪሮስ ክምልስ መሳጢ ነበረ። ድሒሩ ንራእይ ማሕበርና ዝምልከት ሕቶታት ካብ ህዝቢ ቀረቡ። ነቲ ዕማም ክንገብር ዝተመደብና ዶ/ር ሳባ ኢሳቕ፡ ዳኒኤል ተኽላይን አነን ድማ ሕቶታት ህዝቢ ብዝከአለና ክንምልስ ፈቲንና። ሰብ ስመር ሩም በዓል ጎሚዳ ወዲ ንጉስ አንቲ ጭርናዕ አግአዚት ጉሎሓማን ካልኦትን’ውን አብኡ ኔሮም። አጋዚት ዘወፈየታ ንስመር ሩም ሓገዝ እትውዕል ጎራሕ ዙርያ ድማ ዓሻ ድየ አረጋይ ኢላ ናብ ወዲ ገዛ ጉሎሓማ በጺሓ።

ሰአልቲ ኢሳቕ ካብ ዲሲ፡ ዳኒኤል ተወልደ ካብ ኒው ዮርክ፡ ሴም ዮውሃንስ ካብ ካሮላይና ነቲ ንጥፈት ብጉቡእ ሰኒዶሞ እግዝሄር ይሃቦም። ከምዚስ የልቦን ቀትሪ ቁም ነገር ትገብር ምሸት ትዘናጋዕ ቀጺልካ ምስ በዓል ኤልሳ ጭሩም መምህር ተወልደ ተአኪብካ ተዕልል። ቦታ ስለዘይአክል አብ ምድሪ ኮፍ ኢልካ ኢኻ ትሰምዕ። ብናይ ሑሴን መሓመድ ዓሊን ዮናታን ሸኾርተቲኖ ጭርቃን መሬት ተውግሓ። ድቃስ የልቦን። መሬት አብኡ ከለኻ ትወግሕ።

ካብዞም ፍቱዋት ሓቀኛታት ሰብ ሕልና ሰባት ክትፋኖ እቲ ዝኸበደ ነገር እዩ ኔሩ። ሓደ ሻንጥኡ ጠርኒፉ ክኸይድ ከሎ ኩልና ንብዓት ሕንቕንቕ ይብለና። ደሓን አብ ዝሓጸረ እዋን አብ አስመራ ክንራኸብ ኢና እያ መብጽዓና። አምላኽ ይተሓወሶ! ምስዞም ሰባት ዝቐነኽዎ ቅንያት ንዘንተ እለት አይክርስዖን እየ። ምኽሪ ናይ መምህር ተወልደ ሓቅነትን ግርህናን ኤልሳ ጭሩም ሓፍተይ ኩሉኻትኩም ብጾተይ አዝየ እየ ዝፈትወኩምን ዘፍቀረኩምን። ንስኹም እንተዘይትህልው አነ ስጋብ ሎሚ ኤርትራዊ ኮይነ ምቐጸልኩ አይብልን። ሳላኹም ሳላ ሓልዮትኩም ሳላ ብልሕኹም ሳላ ሕውነትኩም ሳላ ልግስኹም ሳላ ትብዓትኩም ንዘልአለም ኤርትራዊ ኮይነ። እታ ናይ መብጽዓ ደሴት ድማ ብጋህዲ ርእየያ። የቐንየለይ።

እምቢ ንባርነት፡ ንስመር ንሓርነት!!

ሰሎሞን ገብረእየሱስ ካብ ኦክላንድ


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...