ባህጉ ካብዝጠልመኒ ሓያለይ ዓመታት ኣቑጺረ ኢየ። እታ ምሸት እቲኣ ግን ብዘይወጠንኩዎ ኩነት ንብሕተይ በተግ በልኩ። ሓደሓደ ግዜስ ነብስኻ ንፈተነ ከተጋልጻ ጽቡቕ ግዲ ኮይኑ ከኣ ብእግረይ ንጎደና ሓርነት ተኸቲለ እግረይ ናብ ዝመረሓኒ ተሳለኹ።ብምኽንያት ናይ’ታ ክብርቲ መዓልቲ ናጽነት ንዝተበገስኩሉ ጉዕዞ፡ ረኽቢ እንተዘየጋጢም ኒ በጺሐ ዝምለሰሉ ቦታ ፍሉጥ ኢዩ። ከምቲ ቅድመይ እንተኾይኑ፡ ኣብ ባሕቲ መስከረም ኮይነ ንስነ ስርዓት ፍርቂ ለይቲ ከኽብር ሓሳብ ነበረኒ።

ጐደና ሓርነት ጸንቂቐ ንጐደና ሰማእታት ተጠወኹ። ኣብ ቅድመይ ካብ ሓደ ናብቲ ስግር ጐደና ኣብ ዝተዘርግሐ ገመድ መብራህቲ፡ ቁጽሪ ዕስራን ሓደን ተጻሒፋ ረኣኹ። ሓንቲ ገመል’ውን ኮለል ኢላ ተራእየትኒ። ከተማና ብሓፈሻ ድማ ብቡዙሕ ብልጭ ድርግም ዝብል መብራህትታትን ስልማትን ክቱር ማዕሪጋን ደሚቓን ነበረት። “ነዛ ሎሚ ምሸት ዝወዓለ ወጻኢስ፡ ናይ ክንደይ መዓልቲ ካብ ናይ መጻኢ ባጀት ኮን ክቑረጽ ይኸውን? እዛ ከተማ ንክንደይ መዓልቲ ክትጽልምት ትኸውን?“ ኢለ ድማ ንነፍሰይ ተወከስኩዋ። ኣይመለሰትለይን ነፍሰይ።

ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ኣብታ ዝርካባ ከተማናን ሓንቲ ጽርግያናን ዝዓሰለ መሰለኒ። ምስቲ ናይ ቅድሚ ሓያለይ ዓመታት ከነጻጽሮ እንከለኹ ግን መብዛሕትኡ ውዑይ ዕድመ ዝደረኾ መንእሰይ ክሰራሰር ኢየ ኣስተብሂለ። እንተኾነስ ክንድኡ ዝኣክል ህዝቢ ድማ ኣይተጸበኹን። ንኣንፈይ ከኣ ሓደ ሓሳብ ተቐልቀለኒ።“እቲ ዝሰራሰር ዝነበረ መንእሰይን ካብ ወጻኢ ዝመጸ ጽምብልተኛን፡ ብሓቂዶ ንትርጉም ናይተን ክልተ ጐደናታትናን ሃለዋትናን የነጻጽር ይህሉ“ በልኩ። ሓያለይ እዋን ዝቕልቀለኒ ሓሳባት መሸም መጥፍኢየይ ይብራሃኒ ከምዝበሃል ኮይኑ እናተሰማዓኒስ፡ ንከይስበለኒ ድማ ኣበርቲዐ ኢየ ዝጋደል። ግንከ እንድዒ!

ኣብ ፍርቂ ጐደና ሰማእታት ምስበጻሕኩ ሓያለይ ሕዛብ ባንዴራና ዝተደግደጋ ሰብ ረጒድ ቁናኖ፡ ስእሊ ዓምና እናሰዓማ ክሰራሰራ ጸንሓኒ። ብፍላይ’ታ ማእከለይቲ’ሞ ካን ከፊኣታ ግዲ፡ ክትቆጻጸ ክትብል በቲ ዱሩዕ ዶሶኣ ኣላተመትኒ። ክስከሞ ነይርኒ። ሃለዋታ ጭራሽ በቲ ስእሊተዘኒባ ብምንባራ እንተዝዛረባ’ውን መልሲ ኣይምረኸብኩን። ልኽዕ ከኣ እታ ኢድ ክቡር ፕረሲደንት እናሰዓመት ተሳኢላ ዝረኣኹዋ ትመስል። ገግናዩ ግዲ የሽካዕልለለይ ኮይኑስ “ዓይነት ዘርኢ ኢሱ ተባሃጊ ኢዩ ኢለንኦ“ ስለዝሰማዕኩ ፍጹም ድማ ዋላ ኣይከሰብ፡ ዋላ ዛህላይ ይኹን ማህላይ ከምቲ ዝበሃል ሓቂ እንተኾይኑስ ንሳ ሓሙሸይቲ ካብተን ካብ ክቡር ፕረሲደንት ናይ ክብሪ ሰርቲፊኬት (ውላድ) ዝረኸባ ክትከውን ከምዘብሃጋ ገይረ ቀረጽኩዋ። “ኦይ! ኣንታ ዝሓሰበለይ’ካ ኣለኒ ኢዩ“ ኢለ ንነብሰይ እናተመዓትኩዋ ከኣ ዝገደደ ገጥሚ ተወከፈኒ።

ብማእከል ጐደና ንዝተሰምዐ ዘይንቡር ሸብዳዕዳዕ ክርኢ ክሳደይ ንድሕረይ ኣቕነንኩ። በሽር ዘሰነየ ቃፍላይ ክቡር ፕረሲደንት ብእግሩ ጐደና ክሰናጥቕ ተዓዘብኩ። በሽር ንሰላምታ ዘወጣውጣ ዝነበረስ፡ ሴፍ ድያ ካራ ዝዓጠቐት በትሪ ኣየጣለልኩዋን። ወዮ ክቡር መራሒና ግዳ ማሕዮ ቃዛፊ ከምዝመሰለ መጠን ናይ በሽር ከኣ መሰለኒ። እቲ ዘንገርገርን ኣለባብሳኡን’ውን ክንደይ ኣልፋን ኦሜጋን ዴሳውያን መለኽቲ ተኸደንቲ ቀጠልያ ጥብቆ ኣቦጀዲድ’ሞ ዘይረኣየት ነብሰይ። ጉዳይ ሱዳን ኣባሪዑ ክሳብ ምንጽጻል’ታ ዓባይ ኣፍሪቃዊት ሃገር ከምዘይኣጎደ ክመጻደቕ እንክርአ መሸም የደንጹ ይኸውን። ብዝኾነ  ኣብቲ ጉዳይ ዝሃረፎ ልዕልና ከኣ መንጢለሞ ኢዮም መስኪን ወዲኣፎም። ክሳብ’ታ ናይ መወዳእታ ተልእኾኡ ዝፍጽም ቀጻሊ ጎድኒ ጎድኑ ክዘባዘብ ምዃኑ ገሚተ ሓዘንኩሉ ንግዳይ፡፡ “ክንደይ’ዃ ኣሚንካዮ ከይትኸውን፡ ካብገበርካዮ ግን ይኽደንካ ፕረሲደንት በሽር“ ኢለ እናሓሰብኩ ድማ ኣሻቦም ብኣሳጉማ መንእሰያት ኣብፊተይ በጽሑ።

ኣጋጣሚ ይኸውን ኢሰይያስ ሰዓቱ ረኣየ። ኣነ’ውን እታ ግልግል ደለኹዋ። ነቶም ርቡጻት ሰብ ካራባታ ብምርኣይ ወጥሪ ናይታ ሰላማዊት ከተማ ሰማይ ምዕራጉ ተገላጺ ኮነ።ሓደ ካብኦም ከኣ ከምዛ ዘይበዓልድሓን ደሪቑጠመተኒ።

ኣየርኢኹም! ውሽጠይ ጠቢሑ ከምዝኣተወ መንጋጋይ ከንቀብቅብ ተሰማዓኒ። መሸም ናይ መጀመርታ ጌጋ ናይ መጨረሽታ ዕምሪ ግዲ ኮይናስ ኣይተጋብረንን ኢያ። ቀጺለ ከኣ ክንደይ ካብዞም ብድምቀት ዝቕበልዎ ዘለዉ መንእሰያትኮን ንስደት ከምርሑ ክጉስጐሱ ይኾኑ? ንክንደዮምከ ክኣስሮምን ካልእ ክገብሮምን ይኸውን? እንታይ ዝኣመሰሉ ካፒታል ኢዮም ኣንታ እዞም ህጻናት? ኢለ ድሕሪ ምሕሳበይ፡ ሎሚ’ውን ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ወጻኢ ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ተወጢኑ ዘሎ ሓድሽ መደብ ተራእዩኒስ “በላዕቲ ሰብ“ ከኣ በልኩዎም ኣትሪረ ብልበይ ነቶም ናትና።ካባይ ብምርሓቖም ከኣ ፈጺሙ ኣይፈኾሰንን’ሞ ንምንታይነት ናይቲ ጉዕዞን ድምጺ እልልታ ናይተን መሳኪን ወለድን እናኣሰላሰልኩ ከኣ ከም ነቶም ፕረሲደንት መይቱ ኢሎም ዘይኮነ ፕረፖጋንዳ ዝፈነዉ ባህ ከይብሎም ተባሂሉ ናይ እግሪ ጉዕዞ ከምተገብረ ገመትኩ። ገለ ካብቲ ህዝቢ ከኣ ንከምኡ ከዳምቕ ተመዲቡ ክኸውን ከም ዝኽእል እናተንተንኩ ነቲ ናይ ጽንብል ስነ-ስርዓት መደባተይ ጠንጢነ ንድሕሪት ተመለስኩ።

ዝኾነ ኮይኑ እታ መዓልቲ ዕለተ - ናጻነት ኢያ። እንዃዕ ከኣ ነዛ ክብርቲ መዓልቲ ኣብጻሓና። እናተሸረፍና እናጎረፍና እስራን ሓደን ዓመታት ኣቑጺርና ኣለና። ናይ ሎሚ ዓመት መዓልቲ ናጽነት እምበኣር ክልተ መድረኻት ከተዘኻኽረኒ  ክኢላ ኣላ። በቲ ሓደ ነዛ ክብርቲ መዓልቲ ናጽነት ንምብጻሕ ዝሓለፍናየን ሰላሳ ዓመታት ቃልሲ። በቲ ካልእ ከኣ ዕስራን ሓደን ዓመታት ድሕሪ ናጽነትና። ብድምር እዛ ፍርቂ ዘመን ናይ ደም ወሓይዝን ባሕርታትን ሓምቢሳ ዝሰገረት ሃገርና ኣብ ዲቕ ዝበለ ምልካዊ ስርዓት ምእታዋስ እንታይ ዝኣመሰለ ጸበባ ምዃኑ መን ከይተገረመሉ ተሪፉ። ናይ ምንታይ መርገም ከምዘለና ከኣ ከይፈተሽና ኣይንሓልፍን።

ኣበይ ዝጸንሓ መካይን ከምዝጸዓንኦም ከይተረዳኣኒ ክሕምበባ ረኣኹወን። ንዓመታ ከኣ ብዝሓሸ ውጽኢት ተተስፈኹዋ። ንኩሉ ግዜ ሓዴና ዘይብላ ዓመተ-ናጻነት መጺኣ ዘይንርአአ ክንከውን ክርኢ ማለተይ ኢየ።

ገዛእቲ ብዓይነቶም ይፈላለዩ ኢዮም። ስርዓተ ዕድሎትና ግን ንጥፍኣት ሃገርና ምስ ካልኦት ንከምስል ዝጻረሮም ብሽርክነት ዝሰርሕ ንሓድሽ ዓለማዊ ግዝኣታዊ ፍልስፍና ዝዓጠቐ ሓደ ካብቶም ቅድሚ ሕጂ ዘይተራእዩ መለኽቲ ክንሱ፡ ንግዚኡ ካልእ መጸውዒ ስለዘይብልና “ ውልቀ-መላኺ፡( ዲክታቶር )“ ጥራይ ኢልናዮ ንሓልፍ ኣለና። ዝተፈለየነቱ ዝምስክር ተርእዮታት ከኣ፡-

1. ዝኾነ ምልካዊ ስርዓት መሬት እምበር ሰብ ኣይደልን። ናህና ግን ሰብን መሬትን ኢዩ ዝደሊ።

2.  ኩሉ ስርዓተ-ምልኪ ንዜጋታቱ መሳርሒ ግዝኣት ክጥቀመሎም ይርአ። ተገዛእቲ ከኣ እቲ ስልጣን ግዝኣት

ከምናቶም ይመስሎም። ናህና ግን እቶም ባይታን ጥረ-ነገራትን ምልካዊ ግዝኣቱ ንሕና’ቶም ዜጋታትኢና።

3. ዝኾነ ገዛኢ ባዕሉ ንዝገዝኦ ወሰን ሰብን ንብረትን ኣማሕቢሩ ሃገረ ግዝኣቱ የቕውም። መሬቱ ሓዲጉ

ንዝሃደመ ዘጻብእ ምኽንያት ድማ የብሉን። ገዛኢና ግን ሃገሩ ገገዲፉ ንዝኸደ እናኣርከበ ብምቑሽማድ፡ ኣብ

መንግስተ-ምድሪ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ መንግስተ-ሰማይ ከይተረፈ ከራኽበልና ዝህቅን ኢዩ።

4. ኩሉ ገዛኢ ንዝገጥምዎ ይኣስርን፡ ክሳብ’ውን ብዘይሕጋዊ መስርሕ ክቐትል ይርአ። ዓምና ግና ስለ ፖለቲካዊ

ጉዳያት ዘይኮነ ምእንቲ ኮንትሮባንዳ ቁጠባ ክብል ኢዩ ዝኣስርን ዜጋታት ዘባርርን።

5. ኩሉ ገዛኢ ንግዙኣት ኣህዛብ ከም ጊላታት ይሕዞምን ይጥቀመሎምን። ናህና ንበይኑ ዝገብሮ ግና ኣብ ሃገርና

እንትርፎ ኵናት ካልእ ልምዓታዊ ስራሕ ዝበሃል ስለዘየለ፡ ገላዩ ዜጋታትና ኪኖ ክብሪ ጥቕሞም ክብሪ

ለውጦም ስለዝዓዝዝ፡ ተጎዛዝዮም ክሽየጡ የርብሑ። እቲ ካብ ውሽጢ ሃገር ክሳብ ሲና ተዘርጊሑ ዘሎ

ሰኪዐት ጠለፋን ምዱባት ኣባላት ሃገራዊ ድሕነትን እምበኣር ናይ ኣጋጣሚ ኣይኮነን።

ብዙሕ ምተባህለ። ኣብ ከምዚ ኣጋጣሚ ክበሃል ስለዘይከኣል ግን ብሓጺሩ ገዛኢና ኤርትራን ህዝባን ከጽንት ዝተበገሰ ዕሱብ ምዃኑ ተነጺሩ ኣሎ።

ኣስተውዕል ኤርትራዊ! ሳላ ዕድልና ኩሎም ዓይነታት ገዛእትን ጥበባቶምን ርኢና ኢና። ጥዑም ዝበሃል መግዛእ ቲ’ዃ እንተዘየለ፡ ኩሎም ከኣ ከዳቕቑና ፈቲኖምሲ ኣይኮነሎም። እንግሊዝ ከምሃገርሲ ይትረፍ ከምህዝቢ ከይንህሉ ጽዒሩ ኢዩ። ንሱ መሸም ካብቲ ብቐጥታ ዝሓዞ ግዝኣት ክወጽእ እንከሎ ሕማም ምቕሊ ከይዘርአ ኣይወጸን። ኣባና ኣብቶም ዝነዓቐና ግን ኣይሰለጦን። ክሳብ ድማ ህዝብና ኣጽኒቶም መንግስተ-ጽዮን ኣብ ሃገርና ክትድኮን ተወጢኑ ምንባሩ፡ እንተኾነ ንሓዋሩ ቅሳነት ከምዘይህሉ መርሚሮም ከምዝገደፍዎ ንሰምዕ። እምበኣርከስ ገለ ተንተንቲ ከምዝብልዎ፡ እቲ ካብ ከርስና ዝተረክበ ናይ ሎሚ መራሕ ሃገርና፡ ትማል ንዝዓጠቖ ዝናር ሓፋሽ ረጥሪሩ ግሁድ መጋበርያ ባዕዳውያንነቱ ኣግሂዱስ ቅንጣብ ፖለቲካዊ ዕላማ፡ ፍቕሪ ሃገርን ህዝብን ዘይብሉ ክንሱ፡ ኣምላኽ ግዲ ሰሊዑ ኣውዲቕሉ ነዚ ሕያዋይ ህዝቢ ኣታሊሉ፡ ’ኤርትራዊ ትምክሕቲ’ ከምበርክኽ ብሽርክነት ዝዓጠቐ ሲኦል ከምዝኾነ ኣብ ዝተጋለጸሉ መድረኽ፡ በጺሕና እኖና። ዓለማዊ ፖለቲካ ዝሓፍስ ዘሎ እናመሰሎ ዝተጸለለ መራሒ ከኣ ከይተሳሕቀ ዝሓለፈላ መዓልቲ የላን። ንዓና’ውን ከይለከመና ኣይተረፈን። መሸም ከምባህሊ ጅግንነትና ምስ ጸላኢና’ምበር ኣብ ነንሕድሕድና ክለዓል ዝደለይዎ ረጽሚ ኣይሰርሓሎምን። እንተኾነስ ኤርትራዊያን ኣብ ነንሕድሕ ድና ባዕልና ክንበኣስን ክንዕረቕን ምኽኣልናሰ እንተዘይኮይኑ ምስካልኦት ብዘይምጉርፋጥና ብልጫ ክንሱ ከምዝለመስናን ተመሲሉ ይዕለለልና ኣሎ። ገረብ ብሓኽላ ኮይኑ ከኣ እቲ እንኮ ኤርትራውነት ከጽንት ዝኽእል፡ እቲ ካሕዳይ ሰብ ብምርካቦም ተተስፍዮም ኣለዉ። ጸላእትና ንምሁራትና ኮኑ ንፖለቲካውያን መራሕትና ፈቲነሞም ኢዮም። የግዳስ ንሳቶም ኣይተዘንግዑን’ሞ ንባዕዳውያን ከምኢሰይያስ ገይሩ ዘሐጎሶም ምሁር ኮነ መራሒ ኣይተረኽበን። ንኸይርከብ ክብል ከኣ ኢዩ ንሱ በታ ዝሃቡዎ ናይ ውሽጢ ንእሽቶ ኣውቶናሚ ተጠቒሙ ሰብና ዘብርስን ዘዕገርግርን ዘሎ። ኮይኑ ድማ እናሓደረ ነገራትና ክዓጅብ ይኽእል። ግን ከኣ ክዓጅብ ኣይምተገብኦን።

ጸላእትና ኤርትራ ብቑጠባ ርእሳ ከምዘይትኽእል ገይሮም ብምቕራብ ብሓደራ ናብ ጎረቤትና ኣጸጊዖሙና ኢዮም።

ሎሚ ከኣ ዋላ’ዃ ብተንኮል ድዩ ብጌጋ ዝፍጸም ዘሎ ንዝብል ርኢቶና ይፈላለ፡ እቲ ብቑጠባ ርእስና ንከይንኽእል ዝዓለመ ተግባር መልክዑ ቀይሩ መጺኡ እንሆ። ቁጠባዊ ትልሚ ህግደፍ እንታይ ይመስል? ውልቀ-ማልን ወናኒኡን ከይዕምብብ ዝመከተ መራሒ፡ ብሃገራ ቤት ማእሰርቲ ቀይሩ መንእሰያታ ዝቕፍደሉ ምኽንያት፡ ማንም ኤርትራዊ በዓል ገንዘብ ምእንቲ ቤተሰቡ ዝኽፈል ከፊሉ ካብቶም ሸፋቱ ከናግፍ፡ እንተዘይከፊሉ ከኣ በቲ ካልእ ጥበብ ዝተዓ ጻጸፈ ዋጋ ከእቱ ክኢሉ ኣሎ። ኣብዚ ደም’ዚ ከኣ ብዙሕ ዝመጠኑ ህዝቢ ከምዝቆማጣዕ ተገይሩ። ነንሕድሕድና ጥራይ ዘይኮነስ፡ ዓለም ብዓለማ፡ኣፍሪቃዊ፡ ዓረባዊ ኮነ ካልኦት ሰብ ቢዝነስ ደላሎን፡ ምብላዕና ለሚዶም ኤርትራዊ እንክርእዩ ከንቧህቑ ይረኣዩ ኣለዉ። ሕቶ ንሕተት ሕጂ። በቲ ሓደ ብርሰት መንእሰያትና፡ በቲ ካልእ ውድቀት ሰብማል ደቂ ሃገርና፡ ሰባውን ቁጠባውን ዕንወት ሃገርናዶ ኣይኮነን? ከምኡ እንተኾይኑ ስለምንታይ ከምኡ መሪጹ? ስለምንታይ ህግደፍ ሃብትና በሊዑ በላዕተኛ ይጽዋዓልና ኣሎ? ህንጸት ሃገር ምስ ተግባራት ህግደፍ ይቃዶዶ ትብሉ? እቲ ዝያዳ ዘተሓሳስብ፡ ህዝብናኸ ኣብ ውሽጢ ዕስራን ሓደን ዓመታት ናጽነት፡ እንትርፎ ኲናትን ሞትን እንታይ ኣስተማቒሩ እፈልጥ? ድሕሪ ዕጥቂ ደቂ ስሳ ዓመታት ተሓሲቡ ንዘሎ ውጥንከ እንታይ ኢዩ ክመጸና? እሞ ህዝብና ክሳዕ መዓስ ኢዩ ነዛ መይታ እንከላ ዘይተቀብረት ዓረም መዓልቲ ናጽነት ሒሕ ክብላ ክስዕስዓላ ክድብለላ? .........

ወይ ነገር! ኣንቱም ሰባት በቲ ዝፈተነኒ ሕማቕ ሓሳባት ምሒር ኢየ ተማሪረ። ከይተፈለጠኒ ሓያለይ ብምኻደይ ከኣ ዝበጻሕክዎ ክርኢ ክብል ምስ ሓደ ናይቀደም ተጋዳላይ ተጓነፍና’ሞ፡ ንሱ ድማ ምርኻብና ግዲ ደንጽይዎ ብትብዓት “ሓው ማሪቱ ወደባተጫን“! ኢሉ ፈኪሩ ደው በለ።

ኦይ ይ ይ ይ! ጥምጥም ኮነ ሽዑ። ድሕሪ’ቲ ካሕዳይ ግዜ 2001 ኣበይ ከምዘበለ እፈልጥ ኣይነበርኩን። ንሱ ሓደ ካብቶም ማይ ሽፍትነት ጨሊጦም ዝተሰለፉ ተጋደልቲ ኢዩ። ኣብትሕቲ ቀውጢ ግዜ ከይተረፈ ቀትሪ ፋጻ፡ ለይቲ ፋጻ፡ ደኺሙ ኣዕሪፉ ፋጻ፡ ጠምዩ ጸሚኡ ፋጻ፡ ኩሉ ግዜ ፋጻ ፋጻ……..። ቛንቛኡ ወተሃደር፡ ሽታኡ ወተሃደር።

ክፍትኖ ደልየ ከኣ ብኣፈይ ጣ……..ጥ ኣበልኩሉ። ንሱ ድማ ማእከለይቲ ኣጻብዕቱ ኣውጺኡ “ ሃሪስኪ ጽንሕኒ!“ በላ ንጥራጠይ። ክልቲአን መለለይኡ ልምዲ ወልቃይት ጸገዴ ምኻነን እፈልጥ እየ ኣነ።

ዓርከይ ብሞያኡ ተመዲቡ ይሰርሕ ከምዘሎ ኣፍኣመለይ። ዝኾነ ኮይኑ ህጣራ ለይቲ ከምዝኸውን ስለዝተረዳእኩ ኣበይ ከምነብል ወጠንኩ። ንእዋኑ ማለተይ ኢየ’ምበር ንሱ ኩሉ ነገር ስለዝኾነ ሕድሮ ጥራይ’ውን ኣይኣክልን። ንሱ ታሪኽ፡ ንሱ ፍጻመ። ንሱ ስራሕ ንሱ ምስጢር። ቀልጢፉ’ዃ እንተዘይተግሀ ድሒሩስ ምስ ዘዋሪት እግረይ ዘምጽኣትለይ ሽሻይ ተተሓሒዝና ሸናዕ ጀመርና። ካብቲ ብርሃን ድማ ጸጸላሙ ይብርሆ ነይሩ።

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና!

ዕድመ ን24 ግንቦት

ጎደፋ፡

25-05-12


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...