ኣብ ዝዀነ ይኹን መስርሕ ናይ ቃልሲ መሰናኽላት ከጋጥሙ ባህርያዊ’ኳ እንተዀነ፡ ነፍሲ-ወከፍ ሕብረተሰብ ፍሉይነት ናይ መሰናኽላቱ ምስ ፍሉይ ታሪኹ ኣተኣሳሲሩ ክግምግሞን ካብኡ ነቒሉ ክኣ መደባት ናይ ቃልሱ ክቕይስን ከነጽርን ኣዚዩ ኣገዳሲ ኢዩ። ብፍላይ ኣብ ዋዜማ ማለት ድሮ ወይ ብርኪ ናይ ምስግጋር ካብ ዝኣረገ ስርዓት ናብ ሓድሽ ስርዓት ሓያሎይ ወጠርቲ ተርእዮታት የንጸባርቑ ኢዮም።

ነዚ መድረኽ እዚ ፍሉይ ዝገብሮ እቲ መሰናኽላት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብዝያዳ እቲ ኣብ ድሮ ዓወት በጺሕና ከምዘለና ዘመልክት ረቓሒታቱ ኢዩ። ህዘቢ ኤርትራ ንሃገራዊ ነጻነቱ ከም መቐጸልታ ናይ ሰላማዊ ኣገባብ ቃልሲ ንሰላሳ ዓመት ዕጥቃዊ ቃልሲ ከምዘካየደ ኩላትና ንሰማምዓሉ ጭብጢ ክኸውን ከሎ፡ ኣብ ጒዳይ ዲሞክራሲያዊ ኣተሃላልዋና ግን ብኣብዝሃ ክርአ ከሎ፡ ክሳብ እዚ ቀረባ ግዜ ምርድዳእ ተሳኢኑ ማዕዶ-ማዕዶ ክንጐዓዝ እንሆ ማዕረ ዳርጋ ክንዲ ዕድመ ብረታዊ ቃልስና ኰይኑ።

ብርግጽ ብኣመራርሓ ህግደፍ እትመሓደር ኤርትራ ዋላ’ውን ቅድሚ ነጻነት ምልካዊ ሳዕቤናት ከምእተኸትል ንብዙሓት ስዉር ኣይነበረን። እዚ ግን ባህርያት መራሕቲ ውድባት ቀሪብካ ትከታተሎ እንተዀንካ ኢዩ’ምበር ብውድቀት መግዛእታዊ ሓይሊ ሰኺርካ ክትደናገር ቀሊል ከምዝዀነ ብግብሪ ተራእዩ ኢዩ። ዓወታት’ውን ናቶም ኣሉታዊ ሳዕቤናት ኣለዎም ዝብሃል ትምህርቲ ሰውሰራውያን ብሓቂ ዓቢ ትምህርቲ ከም ምዃኑ ካብ ናይ ባዕልና ታሪኻዊ ደብተር ከነንብብ ክኢልና ኢና። ዓወት ሃገራዊ ነጻነትና ካብ በረኻ ተማሊኡዎም ዝመጸ ባህላዊ ብከላታት’ኳ ቍጽሪ ዘይበሎም እንተዀኑ፡ እቲ ዝዓበየ ንእንታይነትናን መባእታዊ ኣተሃላልዋናን ዝድምስስ ተርእዮ ግን ኣብ ትሕቲ ምልካዊ ስርዓት ክንቅየድ ዝገበረ ኣሕዛኒ ተቓላሳይ ህዝብና ዘይተጸበዮ ውጽኢት ኢዩ።

ንብዙሓት ተጋደልቲ ግን ካብ ሜዳ ጀሚርና ኣብ ህዝባዊ ግንባር ብዝምድናዊ ኣዘራርባ ተሪር ዝዀነ ምልካዊ ኣመራርሓ ከምዝነበረ ግሁድ ነይሩ። እዚ ዘብለኒ ዘሎ ምኽንያት ክኣ፡ ካብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ናብ ህዝባዊ ግንባር ዝርከብዎ ቦታ ከም ካድር ወይ ናይ ክፍልታት ኰንካ ክትመያየጦም ክትከይድ ከለኻ፡ ዝምልሱልካ ሓደ ወይ ክልተ ሰባት እንተዘይኰይኑ ነጻ ተሳትፎ ተጋድልቲ ህ.ግንባር ኣይነበረን። ተመያይጥካ ኣረኣእያኻ ኣብ ብዙሓት ቍሊሕታ ኣብ ዝረኽበሉ ስዓት ክኣ እቶም ምስጢራውያን ሃዋርያት ህግደፍ  ነታ ኣኼባ ናብ ዕግርግር ከም እትልወጥ ይገብሩዋ። እዚ ሓደ መርኣያ ናይ መለኽቲ ኣከያይዳ ምኻኑ ብዓንተብኡ ፍሉጥ ነይሩ። እዚ ባህሪ’ዚ ኣብቶም ተሪፎም ዘለዉ ኣካላቶም ክሳብ ሕጂ ህልውንኡ ኣየጥፍአን። ንሰንኰፍ ክለሳ-ሓሳባዊ ትሕዝትኦም ክኣ “ኣብ ግብሪ” ብዝብል መርሖ ኣልቦ ብዝዀነ ጭርሖ መለኽቲ ሸፋፊኖም ንህዝቢ የደናግሩ። ኣባላት ህዝባዊ ግንባር ኣብ ሓይልታት ተ.ሓ.ኤ. መጺኦም ውልቀ-ነጻነት ረኺቦም ክመያየጡ ዕድል ክረኽቡ ኣዚዩ ጸቢብ ኢዩ ነይሩ። ነቲ ኲነታት ዝቃለስዎ ግን ብዙሓት ተኣሲሮኦምን ተቐንጺሎምን ኢዮም። እዚ ናይ ምልካዊ ባህሪ ዘለዎ ሓጹር’ዚ ሕጂ እንዳተፈንጥሐ ክኸይድ ንርእዮ ስለዘለና ቀሊል ዕድል ስለዘይኰነ ኣንፈት ናይ እወንታዊ ለውጢ ምዃኑ ክንግንዘብ ይግባእ።

ንመዋእል ዝኣክል ለፍሊፍና ህዝቢ ክበራበር ዘይክኣለ፡ ሕጂ እዚ ናይ መንእሰይ ባርዕ ክርአ ከሎ፡ ዘመልክቶ ነገር ምስ ዝህሉ፡ ኣበሃህላ ኣቦታትና ገረብ ብሓኽላ ክትሰርሕ ከላ ኢዩ ዘርእየና። ህ. ግንባር ሎሚ ባዕሎም ናይ ገዛእ ርእሶም መጽሓፍ ከንብቡ ስለዝጀመሩ፡ እቲ ንነዊሕ ዓመታት ከም ጽሉላት ዝተገመትናሉ መድረኽ ጥዑያት ከምዝነበርናን ከምዝዀንናን ይሕብር ብምህላዉ ራኢ ሰውራ ኤርትራ ኣብ ዋዜማ ዓወት በጺሑ ምህላው ዘረጋግጽ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ንተቓላሳይ ህዝቢ ኤርትራ ክኣ መቐጸልታ ናይ ተባዕ ታሪኹ ክኸውን ክኢሉ ኣሎ። እምበኣር ነዚ ህሉው ወድዓዊ ኲነታት ናብ ረብሓ ውጹዕ ህዘብና ከነውዕሎ እንተዀንና፡ ዓወት ዘጓናጽፈና ውዱብ ማዕበል መንእሰይ ምስልሳል ከም ዘድሊ ንሕበር ኣለና ማለት ኢዩ። ኣብ ውሽጢ እዚ ፍሉይ መደረኽ’ዚ ግን ዋላኳ ዝስገር ይኹን እምበር፡ ብቐሊል ዘይግመት መሰናኽላት የጋጥመና ምህላዉን ክንዕጠቐሉ ከምዝግብኣናን ክንዝንግዕ የብልናን። ንምጥቃስ ዝኣክል፦

1) ኣብዚ እዋን እዚ ብዝተፈላለዩ ቆራጻት ህዝባዊ ግንባር ነበር እንሓፍሶም ዘለና ንኣሰራርሓ ህግደፍ ዘጋልጹ ሓበረታታት ኣብ ረብሓ ቃልስና ከነውዕሎም ክንዲ ንቃለስ፡ ብብዙሓት ኣካላት ደምበ ተቓውሞ ከይተረፈ ብሰንጣቒት ከቆናጽብዎን ክጻረርዎን ንዕዘብ ምህላውና

2) ሃንደበታዊ ተርእዮታት ከም ሞት ናይዝጊ ክፍሉ ዝኣመሰሉ ከም ዓቢ ኣጀንዳ ያኢ ተቖጺሩ ካድራት ካብ ደረጅኦም ወሪዶም ምኣዝን ናይ ቃልሲ ህሉው ኲነታት ከማዛብሉ ክፈታትኑ ከለዉ

3) ኣብ መራሕ መንግሰቲ ህግደፍ ዝተራእየ ኣደናጋሪ ሽጣራታት ሸበድበድ ከብለናን ግዜ ክበልዓልናን ከሎ

4) ብፍላጥ ይኹን ብዘይ ፍላጥ ብዘየገድስ ዘንባዕን ዕንክሊላውን (recycled) እዋኑ ዝሓለፎ “ፈሊጣዊ” ገለጻታት ሓው የሴፍ ገብረሂወት ወዘተ… ንመኣዝን እዋናዊ ኣጀንዳታት ደምበ ተቓውሞ ከምዝቐንን ብምግባር ንናህሪ ክማላእ ዘለዎ ነገራት ከዛሕትል ክፈታትን ከሎ፡ ዕንቅፋት ኣብ ጥቓ ገዛ ሃስያታት ከምዘለዎ ከገናዝበናን ከተሓሳስበናን ይግባእ።

እቶም ካብ ቍጽሪ ሓደ ክሳዕ ሰለስተ ዘለዉ ነጥብታት ፈኰስቲ፡ ረቂቕ ምስጢር ስለዘይብሎም ማለት ኣብ ጻዕረሞት ህግደፍ ዝተመርኰሱ ተራ ኣውያት ስለዝዀኑ ብዙሕ ክለሳ-ሓሳባዊ መግለጺ ዘድልዮም ብዘይምዃኖም ክሓልፎም ኢየ። እቲ ራብዓይ ነጥቢ ናይ የሴፍ ገብረሂወት ግን ሃሰስ ምባሉ ከድሊ ኢዩ።

የሴፍ ገብረሂወት እንተተማህረ እንተጸሓፈ ከም ኤርትራዊ መጠን ክንኰርዕ ይግብኣና። ስለምንታይ እንተተባህለ ፍታሕ ናይ ኩሉ ጸገማትና ብሓፈሻውን ብወሳንን ኣዘራርባ ብትምህርቲ ኢዩ ዝገባደድ። ምዕባሌ ዝዀነ ይኹን ሕ/ሰብ ብትምህርትን ብካብኡ ዝውለድ ዝተመጣጠነ ዝርግሐ ሃብትን ትካላትን ብደሞክራሲያዊ ኣሰራርሕኡን ኢዩ ዝግለጽ። በዚ ኣገባብ እዚ ህዝቢ ናብ ምርድዳእ ምስተሰጋገረ ሃገራዊ ዕርቂ ስለዝህነጽ ዝተማልአ ሃገራዊ ተሓላቕነት ከምዘንጸባርቕ ይኸውን። ምሁራት ነዚ ስነፍልጠት’ዚ ምርኲስ ጌሮም ክቃለሱን ንደቂ ሃገር ከምልምሉን ከለዉ ሃገራዊ ሓበን ይዀኑ።

የሴፍ ከም ምሁር ኤርትራዊ መጠን ኣብዚ ዝተባህለ መዳይ ከገልግል ምፈተኹ። እንተዀን ግን የሴፍ ብኣንጻሩ ንሰውራ ኤርትራ ኣብ ራኢ ዘይተሰረተ አዩ ኢሉ ክገልጽ ከሎ፡ ንዕምቈት ወድዓዊ ኲነታት ሰውራ ኤርትራ ብፍሽለት ኣመራርሓ ውድባት ብሓፈሻ፡ ብህግደፋዊ ውጽኢት ክኣ ብፍላይ ስለዝጥምቶ ኣበሃህልኡ ትምህርታዊ ክኸውን ኣይክኣለን። ኣብ ባዕላውነት ዝተሓጽረ ብምዃኑ ክኣ ኣመታቱ ደስ ዘብል ኰይኑ ኣይተራእየንን። ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ይኹን ፍሽለት መራሕቲ ጀብሃ ብቐጻሊ ቃልሲ ከም ላህመት ተገፊፉ ዝኸይድ’ምበር፡ ነባርን ወራስን ወድዓዊ ምዕባሌናን ዘልኣለማዊ መጋይሽቲ ህዝብናን ኣይኰነን። ብስነ-መጐታዊ ኣረኣእያ ከም ኣበሃህላ የሴፍ ገድሊ ኤርትራ ጥራይ ዘይኰነስ ዳርጋ ኩለን ሃገራትን ሰውራታትን ናይ ኣብ ምምዕበል ዝርከባ ሃገራት ብዘይ ራኢ ኣብ ገልጠምጠም ከምዝነብራን ሃገራውነተን’ውን ኣብ ሕቶ ዝኣቱ ምዃኑ እዩ ዝሕብር። ምኽንያቱ መብዛሕትኤን ብምልካዊ ጽቕጠታትን ብሕድሕድ ኲናትን ብናይ ኣነባባር ብልሽውናን ብሕልኽልኻት ሓያላን መንግስታትን ዝተበከላን ኣብ ወጥሪ ዝነብራን ምዃነን ንኹላትና ብሩህ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ብዙሕ ካብ ናትና ዝፍለ ጣዕሚ ናይ ሂወት ዘለወን ኣይኰናን። ብዛዕባ ራኢ ኣብ ዝሓለፈ ሕታመይ ኣስፊሐ ስለዝዘርዘርኩ ናብቲ ካልእ ኣበሃህላ ናይ ሓውና የሴፍ ክሰግር ኢየ።

የሴፍ ኣብ ጽሑፉን ኣብ ኣዘራርብኡን ኣብ ደሞክራሲ ዘለዎ ኣረኣእያ ዝተበታተኸ ኢዩ። ኣብዚ እነካይዶ ዘለና እዋናዊ ቃልሲ፡ ሕጂ ደሞክራሲ ይጽናሕ መጀመርያ ናብ “ንቡር” ክንምለስ ክንቃለስ ኣለና ይብል። ኣነ ንንቡር ዝብል ኣዘራርባ ከም ርእሱ ዝኸኣለ ስነ-ቃል (term) ኣይወስዶን ኢየ። ንቡር ንዓይ ሕቶ መሰል ኰይኑ ሓደ ካብቲ ጠለባት ደሞክራሲ ድኣ’ምበር ካብ ደሞክራሲ ፈሊኻ እትርእዮ ኣምር ኣይኰነን። ምኽንያቱ የሴፍ ንንቡር ክገልጾ ከሎ፡ ብሰላም ወፊርካ ምእታው፡ ብሰላም ምስራሕ፡ ምምሃር፡ ምንጽስቓስ፡ ኰታ እቲ መባእታዊ ነጻ ዝዀነ ሂወትና ዝነበረ ምምላስ፡ ማለት ውሉድ ናይ ወላዲኡ’ምበር ናይ መንግስቲ ክኸውን ከምዘይብሉ ወዘተ… ኢዩ ዝብሎ። እዚ ኩሉ ንዓይ ኣካል ናይ ደሞክራሲያዊ ጠለባት ስለዝዀነ ንየሴፍ ምሒር ሕርቃን ናይ ህግደፍ ካብ ጥምሮ-ሓሳብ ወይ ኣምር (concept) ናይ ደሞክራሲ ከምዝፍንተት ገይርዎ እንተዘይኰይኑ መሰልን ደሞክራስን ንምዝማድ ይሽግሮ ኢዩ ንማለት ብንምግማቱ ዘጸግም ለጠቕ ኣቢልካ ምምዛኑ ክኸውን ኢዩ።

ቀጺሉ የሴፍ ንህግደፍ ክገልጾ ከሎ ከም መቐጸልታ ናይ ህዝባዊ ግንባር ጌሩ ይወስዶ። ኣብዚ’ውን ንህግደፍን ነቲ ግንባርን ማለት ነቲ ከዳዕ መስመር ናይ ምልካዊ ፓርትን ፈልዩ ክጥምቶ ኣይክኣለን። ፓርትታት ዝተፈላለየ ኣተሓሳስባ ወይ ርእዮተ-ዓለም ክህልወን ይኽእል ኢዩ። እቲ ህዝቢ ወይ እቲ ግንባር ግን በቲ ናታተን ርእዮተ-ዓለም ክጒዕጸጽ ዝክኣል’ኳ እንተዀነ ብስነሓሳበን (ኣይደዮሎጂ) ክዕቀን ኣለዎ ማለት ኣይኰነን። ርእዮተ-ዓለም፡ ራኢ፡ ፍልስፍና፡ ናይ ውሱናት ውልቀ-ሰባት፡ ፓርትታት እምበር ኣብ ሓደ እዋን ብሃገራዊ ይኹን ብኣህጉራዊ ምልኣት ዘንጸባርቕ ተርእዮ ኣይኰነን። ስለዚ የሴፍ ነዚ ኣበሃህላኻ ብዝዓሞቐ ኣረኣእያ ሃሰስ ክትብሎ ከድሊ’ዩ። ምሁራት፡ ፈላስፋታት፡ ፓርትታት ማለት ሰብ ራኢ ካብቲ ኣብዝሓ ተራ ዝመርሕዎን ዝምህርዎን ህዝቢ ብርእዮተ-አለም ፍንትት ዝበሉ ኢዮም። የሴፍ ብደረጃኻ ብዘይ ቀልዓለም ነዚ ክትበጽሖ ከምእትኽእል እተኣማመን ኢየ። ብኣካል እንተዘይፈለጥኩኻ ጽሑፋትካ ልሰዝከታተሎ አቲ ዘለካ ዕቑር ዓቕሚ (potential) ይረኣየኒ ኢዩ። ንምንታይ ኣብኡ ወዲቕካ ግን ኣዚዩ ዘተሓሳስብ ኢዩ።

የሴፍ ንሃገራዊ ነጻነት ኤርትራ ብዘጋጠመና ዘስካሕክሕ ውጽኢት ናይ ምልካዊ ስርዓትን ሕጽረታት ኣጀማምራ ሰውራናን ኣብ ግምት  ብምእታው ከምዘይተረኽበ ጌሩ የቕርብ። ነቲ ነጻነት ካብ ኢትዮጵያ ዝብል’ውን ዘይመስል ወይ ዘይከውን “ “ ገይሩ ይግምግሞ። ዓለም ዝፈለጠላ ሃገር እንድያ ተባሂሉ ክሕተት ከሎ ክኣ፡ እሱ ግደማዊ ሃገርነት ኢዩ፡ ወይ ግዳማዊ ሚዛን ኢዩ፡ ውሽጣዊ ኣይኰነን ብዝብል ከመኻኒ ወይ ገለጽኡ ክከላኸል ይመጣጠር። የሴፍ ብሓቂ ኣብ መንጎ ውሽጣዊ ምዕባለን ግደማዊ ነጸብራቕን ዝተዘባረቖ ኢዩ ዝመስል። ንነገራት ካብ ኣመጻጽእኦም በታቲኽካ ከተቕርቦም ናብ ቅኑዕ መደምደምታ ኣየብጽሓካን ኢዩ። ውሽጣዊ ምዕባሌ ወሳኒ ከም ምዃኑ መጠን ንዕኡ ሰረት ዘይገበረ ወይ ካብኡ ዘየንጸባረቐ ግዳማዊ መግለጺ ክህሉ ኣይክእልን ኢዩ። ምዕባሌ ናይ ውሽጣዊ ግርጭት ወሳኒ ተራ ከምዝጻወት የሴፍ ሰጊሩዎ ሓሊፉ። ንኤርትራ ከሳዕ ብቕልጽማ እተረጋግጽ ምብራቓዊ ይኹን ምዕራባዊ ዓለም ዝኣመነላ ዋላ ሓደ የለን። ብኣንጻሩ ክሳዕ መወዳእታ እንተዀነ’ውን ካብ ሃገራዊ ነጻነት ንታሕቲ ኣብ ዝዀነ “ፍታሓት” ክሓላልኽዋ ከምዝጸዓሩን “መራሕትና” ዝበሃሉ’ውን ኣብ ከምኡ ዝኣመሰለ ደመበርበራት ከምዝተጐናብሑን ዘይከሓድ’ኳ እንተዀነ ንግዚኡ ንሰፊሕ ህዝብና ደብዛዝ ኰይኑ ዘሎ ታሪኽና ኢዩ። ምናልባት የሴፍ እቲ ፍታሕ’ቲ ዝሰማምዓካ እንተዀይኑ ምርጫኻን መሰልካን ኢዩ። ሰብኣይን ሰበይትን ተፈላልዮም ኢትዮጵያውን ኤርትራውን ዝዀኑ ብዙሓት ኣለዉ። ሓደ ካብኣቶም ምዃን ሓጥያት የብሉን። ኣብ መንጎ ጠልጠል ምባልን ዝተሳዕረ ኣጀንዳ ምልዓልን ግን ጽድቂ ወይ ተባዕን ሃናጽን ኣተሓሳስባ ኣይኰነን።

የሴፍ ንነጻነት ኤርትራ ካብ ዶብ ንላዕሊ ከምዘይኰነ እቲ ህዝቢ ሃገራዊ መለለይ ከምዘይብሉ ጌሩ ክገልጾ ይፈታትን። ብሓቂ ግጉይ ገምጋም ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ ብዘደንቕ መዐቀኒ ንቀጥታውያን ጸላእቱ (ንስርዓት ሃ/ስላሴን ደርግን) ብተኸታተል ኣረብሪቡ ዘዕነዎምን ኣብ ኢትዮጲያውን ኣወንታዊ ናይ ለውጢ ምጽልላው ኣብ ምፍጣር ፈላሚ ተራ ዝተጻወተን ክኸውን ከሎ ካብ ጥራዩ ዝመጸ ሃገራዊ ተረድኦ ተበጊሱ ከምዘይኰነ የሴፍ ዘንጊዑዎ ወይ ኰነ ኢሉ ገዲፉዎ ዘሎ ጒዳይ ዩ።

ንኤርትራውያን ኤርትራውያን ዘብሎም ምኽንያት ታሪኾምን ቀጻሊ ሰውራዊ ተሳትፍኦምን ኢዩ፡፡ እቲ ካብ ጥልያን ጀሚሩ ብሰንሰለታዊ መግዛእቲ ክሳብ ሕጂ ዘዋህለልዎ ኤርትራዊ ስነ-ኣእምሮኣዊ መትንታት ሓድነት (psychological make up)፡ ካብኡ ነቒሎም ናይ ሓባር ጸላእቶም ንምግጣም ዝኸፈልዎ ናይ ሓባር መስዋእቲ ዝወለዶ ሃገራዊ ማእለማ፡ ከምኡ ድማ ስፍሓት ናይ’ዚ ሃገራዊ ማእለማ (social fabric) ብጀኦግራፊካዊ መለክዒ ካበይ ናበይ ምዃኑን ዘመልክቶ ክልል ማለት ወሰናስን (ዶባት) ወዘተ… ኢዩ። የሴፍ ዝሰሓቶ ነገር እንተሎ ዶብ ( ኣካል ናይ ልዑላውነት) ኣብ ኲነታትናን ከማና ዝኣመሰላ ሃገራትን በመግዛእትን ብዝምድናዊ ኣበሃህላ ክኣ ብህዝባዊ ሓድነታዊ ናይ ቃልሲ ተለላይነትን ዝረጋገጽ ምዃኑ ኢዩ። ኤርትራ ቅድሚ ሃገራዊ ነጻነት ምጒንጻፍና ናብ ስሩዕ መድረኽ ናይ ምዕባሌ ዘይኣተወትሉ ክኸውን ከሎ፡ ድሕሪ ነጻነት ግን ብሕጋዊ ተፈላጥነት ሃገራዊ ምልኣት ከነረጋግጽ ናብ ሓድሽ መድረኽ (Phase) ንጒዓዝ ምህላውና የሴፍ ዝጎሰዮ ይመስል። የሴፍ ንህዝቢ ኤርትራ ከምእተፍቅሮ ጥርጥር የብለይን። ንመሬት ኤርትራ ካብኡ ፈሊኻ ክትርእዮ ብምድላይካ ግን ዝጽመድ መሳርዕ ስለዘይሓዝካ ትርፉ በዀራ ኢዩ።

ንመሬት ኤርትራ ብዙሓት ኢዮም ኣፍቂሮማ። ጥልያን ብሮ ኢታልያ ክትከውን ኣብ ዕንወቱ ተመንዩ፡ እንግሊዝ መቓቒሉ ሱዳነ-ኢትዮጵያ ክገብራ ፋሕተር-ተር ኢሉ ህዝቢ ኣናቝቱ፡ ሃይለስላሴ መሬታ ኢዩ ዘድልየኒ ኢሉ ሰብ ወዲኡ፡ ደርጊ ብኣሉላ አባ ነጋ እነዳፈከረ ምዓት ግፍዕታት ፈጽሙ። “እውር ቢሸፍት ከጓዳ ኣያልፍም” ኢሉ ግዒሩ ንባዕሉ ምርኣይ ከምዝስእን ጌርናዮ። ምዕራባውያን ምስ ኩሎም ጸላእትና ተሓባቢረን። እሞ እዞም ኩሎም ድኣ ብናይ መን ራኢን ሃገራዊ ሓድነትን ኢዮም ኣብ በብዓቶም ተሰኲዖም?

የሴፍ ሃገራዊ ምልኣት ብደሞክራስያዊ መስርሕ ብቓልሲ ዝብጻሕ መዓርፎ’ምበር፡ ካብ ዕዳጋ ዝግዛእ ሃላኺ ኣቕሓ (commodity) ኣይኰነን። ደሞክራሲያዊ ስርዓት ክንተክል ኣለና፡ ምልኪ ክሰዓር ኣለዎ ዘብለና ዘሎ ምኽንያት’ውን ናብ ሃገራዊ ምልኣት ዘምርሕ ምዕባለና ተዓጊቱ ስለዘሎ ኢዩ። እዚ ሽግር ናይ ኤርትራ ጥራይ ዘይኰነስ ንኹለን ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ንኢትዮጲያውን ከይተረፈ ዘጠቓልል ኲነት ኢዩ። ብዓይነታውን ዓቐናውን ረቛሒታት (qualitative and quantitative factors) ሃገራዊ ምልኣት ኣብተን ምዕቡላት ሃገራት ጥራይ ኢዩ ዘሎ። ኣብ ኢትዮጲያ ይኹን ኣብ ኤርትራ ከምኡ’ውን ኣብ ከምአን ዝኣመሰላ ሃገራት ብሄራዊ፡ ሃይማኖታዊ፡ ወገናዊ፡ ወዘተ…ምፍንጫላት ኰታ ኩሉ ትሕቲ ሃገራዊ ዝዀነ ጋዕ-ገልጠማት ዝርኣየሉ ምኽንያት እቲ ሃገራዊ ዕብየት ኣብ ዘተኣማምን ደረጃ ስለዘይበጽሐን ኣሰራርሕአን ክኣ ብመግዛእቲ ምኽንያት ኣታው ወጻእ ሕልኽልኽ ዝበለን ክላሲካዊ ምዕባለ ሃገር ብዘይምዃኑን ኢዩ።

ምዕባሌ ሃገራዊ ብምልኣት ክረጋገጽ ዝኽእል ብኣገባብ ማእቶት (mod of production) ካብኡ ዝውለድ ትሕተ-ቅርጻን (infrastructure) ንሱ ዘንጸባርቖ ልዕለ-ቅርጻን (superstructure) ኢዩ። ምዕራባውያን ሃገራት ዝተማልአ ሃገርነት ኣለወን። እቲ ኣባና ዘሎ ድሑርን ፈናጫልን ተራጻምን ግርጭታትን ዝምባሌታትን ኣብኣተን የለን። እንተሃለወ’ውን ሃሳስን ብሕጊ ዝምለኽን ተርእዮታት ኢዩ። እዚ ስለዝዀነ ድማ ኣብ ሃገራዊ ልዑላውነተን ዝምልከት ጒዳይ ከም ናይ ዝምዕብላ ዘለዋ ሃገራት ብድሕረት ኣይጒተታን ኢየን። ደሞክራስያዊ ቅዋማተን ክሰርሕ ከሎ ናትናን ናይ ከማናን ዝኣመሰላን ክኣ ትሕዝትኡ በዘየገድስ ኣብ ከብሒ ይኣርግ።

የሴፍ ንውልዶ ኤርትራዊ ጸገማት ብኤርትራ ዘጠቓለለት “ዓባይ ኢትዮጵያ” ዝፍወስ ኢዩ ኰይኑ ዝስምዖ ኢልካ ክትግምግም ይደፋፍኣካ ኢዩ። ምኽንያቱ የሴፍ ንኤርትራ ናይ ቀደም ኣብ ትሕቲ ኢትዮጲያ ከላ ትሓይሽ ናብ ዝብል መረዳእታ ክህብ ከሎ፡ህዝቢ ቆጸራ ማለት ብዝሒ ህዘቢ (statistics) ናይ ከተማታት ከይተረፈ ከም ርትዒ ናይ ሞጐትኡ ከቕርቦ ይፍትን ኢዩ። እዚ ሚዛን እዚ ዘምባዕ መካኒካዊ ኣረዳድኣ (mechanical understanding) ኢዩ። ብግዜ ሃይለስላሴ ኣብ ኣስመራ ብዙሕ ህዝቢ ከምዝነበረን፡ ሕጂ ግን ከምዘንቆልቆለን ይጠቅስ። ብሓቂ ነቲ ትምህርታዊ ደረጅኡ ዘጓድል ኣተሓሳስባ ኢዩ። ብሓፈሽኡ ኣብ ዓለም ዋላ ምስ’ዚ ኩሉ ውግእን ወረ ውግእን ብዝሒ ህዘቢ እንዳወሰኸ’ምበር እንዳጐደለ ዝኸደሉ ወሱን ቦታታት (localized) ስለዝዀነ ከም ወድዓዊ መግለጺ ከተቕርቦ መዝማዚ ኣቀራርባ ኢዩ። ንሱ ክኣ ንሃገራዊ ምልኣት ወይ ዘይምልኣት መዐቀኒ ዝኸውን ረቛሒ ነጥቢ ኣይኰነን። ብኣንጻሩ ኣስመራ ብግዜ ሃይለስላሴ መኻን እንዳዀነት ዝኸደትሉ መዋእል የሴፍ እንተረስዖ ንሕና ንዝክሮ ኢና። ምኽንያቱ ደርቢ ሸቃላይ ናይ ኤርትራ፡ ዓበይቲ ቤት ጺሕፈታትን ኢንዱስትሪታትን ናብ ኢትዮጲያ ምስ ግዓዘ ንሃገሩ ገዲፉ ናብ ኢዮጵያ ፋሕ ክብል ዝተገደደሉ እዋን ኣርኪብናሉን ኔርናሉን ኢና።

ትዝክር እንድሕሪ ኰንካ የሴፍ፡ ወይ ኣርኪበካሉ እንተድኣ ኰንካ፡ እዚ ኩሉ ህንጻታትን ፋብሪካአታትን መንገድታትን ኣርያ ፖርቶን (ቦሌ) ምዕቡል ትሕተ-ቅርጻ ናይ ኣዲስ ኣበባ ድሕሪ ምሕዋስ ኤርትራ ብሸቃላይ ኤርትራን ብጥልያንን ካልኦት ናይ ምዕራብ ኢንዱስትራውያንን ዝተሰርሐ ምዃኑ ባዕልና ብዓይንና ዘርከብናሉ ኢዩ። ንሸቃላይ ዓዱ ዝተወልደሉ መሬት ዘይኰነስ ዝሰርሓሉ ቦታ ኢዩ። ኣብኡ ንሰርሕ ኔርና ካብኡ ክኣ ሃዲምና ናብ ሰውራና ተሰሊፍና። ሃይለ ስላሴ ኩሉ ትካላትና ናብ ኢየጵያ ከምዝግዕዝ ገይሩ። ንሕና ክኣ ምስኡ ግዒዝና። ብግዜ ሃይለስላሴ ነስመራን ንኣዲስ አበባን እንተድኣ ርኢኻየን ወይ ኣመዛዚንካየን ቍጽሪ ህዝቢ ኣዲስ ኣበባ ብኽንደይ ዕጽፊ ከምዝተራብሐ ረሲዕካዮ ከም ዝሓለፍካ ክርድኣካ ምኸኣለ ነይሩ።

ብተወሳኺ ከዘኻኽረካ ዝደሊ ክቡር ሓው የሴፍ፡ ኣብ መንደፈራ ከምዝነበርካ ገለ ሓበሬታ ስለዝረኸብኩን ባዕልኻ’ውን ስለዘረጋገጽካዮ፡ ነቲ ፓሎታት ናይ ኤለክትሪክ ሃይለስላሴ ካብ መንደፈራ ናብ ባህር-ዳር ኣግዒዙ ብዕነጨይቲ ክትክኦ ከሎ፡ ተመሃሮ መንደፈራ ዕግርግር ክገብሩ ከለዉ ወይ ኔርካ ወይ ሰሚዕካዶ ትፈልጥ? ኣነ ናይ ፖሊተክኒክ ተመሃራይ ስለዝነበርኩ ይዝከረኒ ኢዩ። ደስታ ዝብሃል ኤርትራዊ መማህርትና ነቲ አብቲ ትሕቲ ፓሎ ዝነበረ ፍዮሪ ብሕረቃን እንዳመሓዎ ክኸይድ ከሎ ይዝከረኒ። ናይ ባህር-ዳር ትኣምራታዊ ታሪኻዊ ኤርትራዊ ናይ ተመሃራይ ቃልሲ ጸኒሕና ብመዓልቱ ከነቕርቦ ስለእንኽእል ዘምጽኣኒ ክገብር። እንዳልካቸው ብህጻናትና ከለና ነቲ ካብ ኣስመራ ናብ ባጽዕ ዝተዘርግሐ ተለፈሪካ ኣቦታትና ከምዝሕብሩና ናብ ቃሕ ዝበሎ ከምዝሸጦ ገለ ኣይሰማዕካን? ንዓኻ ምናልባት ዝተደርበየ ኣቕሓ መሲሉ ይርኣየካ ይኸውን። ብተወሳኺ ኣዲስ ኣበባ እንተነርካ ኣብ ቸርችል ጐደና ሙኒቺፕዮ ዲ ኣስመራ ዝብል መኽደን ናይ ፋኛቱራ ካብ ኣስመራ ኣምጺኦም ብዓይንና ርኢና ክንጽለል ከለና ዝኣረገ ታሪኽ ከይኰነካ’ምበር ክንሕብረካ ንኽእል ኢና።

ከምቲ እንግሊዝ ንዓና ኣባኢሱ መስማር ከይተረፈ ይሰርቀና ነይሩ ከምኡ’ውን ነቲ ናይ መራኽብ መዕረፊ: (dock) ንፓኪስታን ሸይጥዎዶ ኣግዒዙዎዶ ዝብልዎ ሰሚዕካ እንተዀንካ ሃይለስላሴ ክኣ ካብኡ ብዝበኣሰ ንብረትናን ሰብናን ከምዘብረሰ ክራኣየካ ኣይክኣለን። እዞም ኩሎም ኣስላም ኣሕዋትና ብፍላይ ዓሳውርታ ካብ ከበሳ ዓዶም ገዲፎም ኣብ ሱዳን ሰፈር ዓሶ መሬት ሱዳን ዘልምዑ ከምኡ ድማ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ደቂ መታሕት በፍላይ ከም ብዓል ዑና ተቓጺሎምን ሓሪሮምን ንብረቶምን ሰቦምን ተበታቲኑ ፈቖዶ ሱዳንን ማእከላይ ምብራቕን ፋሕ ብትን ኣትዩዎም ክሳብ ሕጂ ከምዘይተመልሱ ክትፈልጥ ከድልየካ አዩ። እዞም ኩሎም ዝተገፍዑ ናብ ኢትዮጲያ ኣይከዱን፡ ምኽንያቱ ኣብ ኤርትራዊ ራኢኦም ደው ዝበሉን ሃይማኖቶም ዘይቅበልን ኰይኑዎም ተጽግበኒ ቅጫስ ኣብ መቕሉኣ ከላ እፈልጣ ኢሎም ካልእ መንገዶም ዝመረጹ ኢዮም። የሴፍ ከተማታትና ይዂና ገጠራትና ብግዜ ሃይለስላሴ መኺነን’ምበር ኣይሰሰናን፡ ስለዚ እቲ ናይ ህዝቢ ቆጸራ መርትዖኻ ብኹሉ መዐቀኒታት ስነፍልጠታዊ ስለዘይኰነ ቦታ የብሉን። እዚ ዝጽብጽበልካ ዘለኹ ካብ ባሕሪ ብጭልፋ ኰይኑ ገለ ካብቲ ንሃገራዊ ዓለባና ዝኣለመ ፈትልታት መግዛእታዊ መዋእልና ኢዩ።

የሴፍ ብዛዕባ ኤርትራ ትግደስ እንድሕሪ ኰንካ፡ ብዛዕባ ኤርትራ ክትፈልጦ ዝግብኣካ ብዙሕ ኣሎ። ህዝቢ ኤርትራ ምስ ዝኾነ ይኹን ድኽነቱ ርሑቕ ስደት ዝፈልጥ ኣይነበረን። ንዕናይ ከረን ኩለን ስዓት ኣሲረን፡ ኣሽንኳይ ኣነ ኣዋልድኳ ከይደን ተሰነይ  ኢሉ ዝደርፍ ካብታ ድርኲኺቱ ዘይወጽእ ህዝቢ ምኩሕ ብመሬቱ ኢዩ ነይሩ። ኣነ ርድኢ ክፍለ (ባሻይ) ይብሃል። ዓደይ ዓዲ ስረ ፈቶ (ዓዲ ሸረፈሮ በዘልማድ) ኢዩ። ካብ ኣስመራ ንዓድና በዚ ሕጂ ኣቋራጭ መንገዲ ተሰሪሑዎ ዘሎ 17 ኪሎ ሜትር ከይኑ ይብሉኒ። እምበር ኣነስ ራኢ ናይታ መጻኢት ኤርትራ ስሰዝነበረንን ዘለንን፡ ስለዝተቓለስኩሉን፡ ኣብ ሰውራ ክኣ ኤርትራውነተይ ካብ ተሳትፎ ህዝቢ ኤርትራ ኣጸቢቑ ስለዝዓሞቐን ነዚ መላኺ ስርዓት ክኣ ብዓንተብኡ ሰለዝፈልጦን ዝረኣኹዎ ስለዘይብለይ ምስ ብዙሓት ከማይ ዝኣመሰሉ አብዛ ንስኻ እትነብረላ ዘለኻ ግዳማዊት ዓለም ኢየ ዘለኹ።

ኣቦይ ብህጻኑ ኣብ ኣስመራ ስራሕ ስለዝጀመረ እንዳ ክፍለ ድኣ ቀደም ምስተሰዱ እንዲዮም ይብሉና ነይሮም። ብዛዕባ ኤርትራ ካብ ሻዱሻይ ክፍሊ ኣብ ኢተገ-መነን እንዳ ሴታ ዝነበረ ብሸፖሮ ምእሳር ምስ ጀመረና ክሳብ ሕጂ ምእንቲ አርትራ ንስዋእን ንእሰርን ንምቋሕን ንስደድን ኣለና። ናትካ ጒዕዞኸ ከመይ ነበረ? ኤርትራዊ ኢየ ኢልካ ትፈልጥዶ? እንተበልካኸ ስለምንታይ? እዚ ናትና ሃገርነት ዕረ እንድሕሪ ጥዒሙካ ናይ መን ሃገርነት ድኣ ትደሊ? ናብ ነገረይ ንምቕጻል የሴፍ፡ ስደትና ኤርትራውያን ናብ ኢትዮጲያ ይኹን ናብ ርሑቕ ዓለም ብድሌትና ዘይኰነስ ገዛእቲ ሓይልታት ዝሃንደስዎ ምዃኑ ዘካትዕ ኣይኰነን። ሕጂ ክኣ ህግደፍ ካብኡ ዘይሓይሽ ውሽጣዊ ገዛኢ ስለዝዀነ፡ እቲ ዝደለናዮ ብምልኣት ስለዘይተዓወተ እዚ ሕጂ የሴፍ እትርእዮን ብዓቕምዃ እተበርክተሉን ዘለኻ ወድዕነት ተፈጢሩ። እዚ ኣሉታዊ ተርእዮታት ግን ብቓልሲ ክመዓራረ ዘለዎ’ምበር ኢትዮጵያ ትሓይሽ ናብ ዝብል ናብ ባዕላዊ ዝምባሌ ዝሓዘለ ርትዒ ዘደናድን ኣይኰነን። ኢትዮጵያ’ኮ ብዝያዳን ብተዛማድን ድሑር ዝምባሌታት ዝተደኰነት ናይ ልዕሊ ሰብዓ ብሄራትን ብሄረሰባትን ሃገር ምዃና ክዝንጋዕ ይብሉን። ብዕላል ግን ልዕሊ ሰለስተ ሽሕ ዓመት “ልኡላውነት” ዘለዋ ሃገር ኢያ። ስለዚ ኤርትራ እንድሕሪ ሃገር ዘይኰነት፡ ኢትዮጵያ ትኹን ካልኦት ከምኣ ዝኣመሰላ ዘተኣማምን ናይ ሃገር ዲፕሎማ ካበይ ይዕድግኦ? ፍሉይ ታሪኽና ሒዝና ናብ ሃገርነት ከንምዕብል ኲላትና ተኣወድቲ ናይ ክንከፍሎ ዝግብኣና ዕዳ ምዃንና የሴፍ ክትመራመር ከድልየካ ኢዩ።

ሓው የሴፍ ኣብ ዘሎ ወድዕነት እንተመረሽካ እታ እትድለ  ዕትርቲ ናይ ምቅብባል መልእኽቲ ኣብ ጽሑፍካ ዘላ ናብ ቀጻሊ ትውልዲ ከነመሓላልፋ ንኽእል ኢና። ብዝተረፈ ናብ ታሪኽ ዝሰንደዎ መጎተ ምምላስ ከምቲ ኣምሓራ ዝምስልዎ “ከወደቁ ወድያ መንፈራገጥ ጀርባ መምለጥ” ማለት ብተዛማዲ ምስ ወደቕካ ምግልባጥ እንግድዓ ምምላጥ ከይኰነና ንድሕሪት እንተዘይጠመትና ይሓይሽ። ኩሉ ሰብ ባዕላዊ ድሌት ኣለዎ። ማዕረ-ማዕሪኡ ግን ባዕላዊ ድሌት ንወድዓዊ ክውንነት ክዓናቕፎ እንተዘይኰይኑ ክገዝኦ ከምዘይክእል ክንፈልጥ ይግባእ። ብፍላይ ኣብዚ ናትካ ደረጃ ትምህርቲ ዝበጽሐ ተዓጻጻፊ ዝዀነ ኣመለኻኽታ ክህልዎ የድሊ። ድርቅና ባህሪ ናይ መለኽቲ ድኣ’ምበር ባህሪ ናይ መማህራን ክኸውን የብሉን። ሕጂ ኤሪትራውነት ኣንጻር ምልኪ ኢዩ ዓጢቑ ዘሎ፡ ኣብኡ ከተድህብን፡ ንመንእሰያትና ኣብ ኣወዳድባ ክትተሓባበሮምን ክትላፈኖምን ምተመርጸ ነይሩ ኢለ እኣምን። ናብኡ እንተአተኰርካ ምስቶም ታሪኽ ዝሰርሑ ታሪኽ ክትሰርሕ ትኽእል ኢኻ።

ንምቕጻል ዝኣክል ግን፡- ክቡር የሴፍ ሕቶ ኢትዮጵያን ኤርትራን ክልዓል እንተድኣ ኰይኑ፡ ሕቶ ኩሉ ጒርብትናታት ኣብ ግምት ዘእተወ ክኸውን ኣለዎ። ሱዳን፡ የመን፡ ጅቡቲ፡ ሶማልያ፡ ካብኡ ንላዕሊ’ውን እንተዀነ ኣገናዚብና ክንርእዮ ኣለና። ዓለም ብምዕባሌ ክንዲ ዕንቍ ኰይናትሉ ኣብ ዘላ እዋን፡ ርሑቕ ዓዲ ዝብሃል ስለዘየለ ኣብ ኢትዮጵያን ከበሳዊ ውሱን ዝምባለ ዘለዎ ዝመስል ትሕዝቶታትን ጥራይ ተሓጺርና ናይ ታሪኽ እሱራት ኰንና ክንተርፍ ኣይግብኣናን። ሕቶና ዞባውን ኣህጉራውን እምበር ኣብ ናይ ወለዶታት ሕልኽልኽ ክሕጸር የብሉን። ኤርትራ ብታሪኻን ብቓልሲ ህዝባን፡ ኤርትራ ክትከውን ክኢላ ኣላ። ካብኡ ንላዕሊ ምስዘድሊውን ብዕግበትን ብቓልስን ምስ ኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኰነስ ምስ ኩለን ሃገራት ኣፍሪቃ ስማዊ ዘይኰነስ ተግባራዊ ናይ ኣፍሪቃ ሕብረት ክብጻሕን ሃብቲ ኣፍሪቃ ንኣፍሪቃውያን ከገልግልን ዘይክኣለሉ ምኽንያት የለን። እዚ ንኽኸውን ግን ነፍሲ ወከፍ ሃገር ክትበጽሖ ዘለዋ ደረጃ ምዕባለ ከምዘሎ ክንፈልጥ ይግብኣና።

ካብ ትምህርትን ንቕሓትን ኢንዱስተሪያውነትን ወጻኢ ዝዀነ ኣቋራጭ ናይ ሓድነት መስርሕ የለን። ናይ ብዓል ሃይለስላሴ ዓምጻጺ “ኣገር የጋራ ነው፡ ሃይማኖት የግል ነው” ዝብል ኣምሰሉ ምስላታት፡ ኣገር የዘወድ ነው ሃይማኖትም ያው ነው ኰይኑ ክንደይ ኣስላም ኣሕዋትና ከምዘጽነተን ጸኒሑ ድማ ንምልእቲ ሃገርና ከምዝደምሰሰን ዝረስዐ እንተረስዐ ሰውራ ኤርትራ ኣይርስዖን ኢዩ። ሓድነት ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ጥራይ ከይተወሰነ ብኣገባብ ህዝቢ ኣፍርቃ ክመሃርን ክነቅሕን ኢንዱሰትራሊያዊ ሸቃላይ ከፍርን ኣለዎ። ኣተሓሳስባ ናይ ዝተማህረን ንቑሕን ሸቃላይ ንድሑር ዝምባሌታትን ጸቢብ ሃገርነትን ስለዝውግድ ናብ ዝሰፍሐ ኣነባባር ንምስግጋር የኽእለካ። ኩሉ ብትምኒትን ግደዳን ዝውሰድ ስጒምትታት ደረጃታት ስሰዘይሕሉ ኣብ ዘብጽሕ የብሉን። ክፍተንን ክብርዕንን ስለዝነብር ሃልክን ዕንቅፋት ናይ ግስጋሰን ኰይኑ ይተርፍ። የሴፍ ዋላ ንሓይሊ ኢትጵያ’ውን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ወሳኒ ተራ ተጻዊቱ ደሞክራሲ ከረክበና ምትእትታው ብኣረኣእያኻ ቅቡል ኢዩ። በዚ ሒዝካዮ ዘለኻ ጭብጢ ወይ ዘለካ ጽምኣት ምስ ኣተዉ እንታይ ዘውጽእ ኣለዎም ክትብል ርሑቕ ኣይኰነን። ፍልስፍና “እናት ኣገር” ይትረፍዶ ብሸነኽና፡ ብሸነኽ ኒዮው ኰንካ እንተትፍትኖ’ውን ድሕሪ ደጊም ሓንሳእን ንሓዋሩን ብቓልሲ ሰውራ ኤርትራን ጽልዋታቱ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያን ትሕቲ መሬት ከምዝሰፈረ ምግንዛብ ከድልየካ ኢዩ። የሴፍ መምህር ናይ ኩልና ኤርትራውያንን ሰውራናን ክትከውን’ምበር ካብ ኤርትራውያንን ሰውርኦምን ክትምሃር ከም እትኽእል ፈጺሙ ኣብ እዝንኻ የለን።

የሴፍ ብርእይቶይ ንነገራት ፍታሕ ከነናድየሎም ከለና ንግርጭታት ከነለልዮም ይግባእ። ናይ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ መሰረታዊ ሽግር ኣብ መንጎ ደሞክራስን ምልክን ዘሎ ተጻራሪ ግርጭት ሰለዝዀነ፡ ነቲ ከሉ ኣብ መንጎ ደምበ ተቓውሞ ዘሎ ተዓራቒ  ግርጭት ብግቡእ ወጊንካ ዓወት ምቅልጣፍ ኢዩ ዘድልየና’ምበር ናብ ዘይዛመድ ኣጀንዳታት ክንከላበትን ግዜና ከነባኽንን ኣይግብኣናን። እቶም ከልኦት ኣብ ጽሑፋትካን ኣበሃህላኻን ዘለዉ ከም ሕድሪ ስውኣት ኢልካ ዘረባ ምንእኣስ፡ እቶም ህሉዋትከ እንታይ ንበሎም እንዳበልካ ኣብ ቃላት (semantics) ኰለል ምባል ፡ኣቦታትና ንስኹም ትፈልጡ ይብሉ ነይሮም፡ ነጻነትዶ ሓርነትዶ ወዘተ…እትብሎም ዝነበርካ ብዙሕ ዘባእሱ ስለ ዘይኰኑን ኣብ ኣበሃህላ  ዝተፈላለዩ ሰባትን ቦታን እንረኽቦም ቍንጭልጫላት እምበር ብመጽናዕቲ ስነፍልጠት ዝተሰነዩ ስለዘይኰኑ ክምዝመዙ የብሎምን። ብወገነይ የርብሓና ዝብሎ ናብ ስነፍልጠታዊ ጥምሮ-ሓሳብ ወይ ኣምር ተጸጊዕና ናይ ምሁር ገምጋም ክህልወና ብዝግባእ መንገዲ እንተተሃናነጽና ይሓይሽ ዝብል ምርጫ ኢዩ ዘለኒ። ሒዝካዮ ዘለኻ ሕልሚ ደርሆ ዝዀነ መጐተ ንህግደፍ ኣፍሪስና ናብቲ ትብሎ ዘለኻ ናብ ንቡር ክንምለስ ከለናኸ ሕጂ አርትራ ሃገር ኰይና ክትብል ዲኻ?

መደምደምታ፦ ክቡር ሓው የሴፍ ምናልባት ኣብ ኣገላልጻ ብፍላጥ ዘይኰነስ ብባህሪ ኣረኣእያኻ ተደፋፊአ ጎኒጸካ ከይከውን ይቕሬታ እንዳሓተትኩ ኲነታትካ ተመሊስካ ክትርእዮን ክትምርምሮን ረብሓታት ኣለዎ ኢለ ስለዝግምት፡ ተገዲስካ ምስ እትጥምቶን ንኣባሃህላኻ ዳግመ ርእይቶ ምስ እትገብረሉን ናብ ዝሰፍሐ ሓሳባት ክሰጋግረካ ይኽእል’ዩ ዝብል እምነት ኣለኒ። ብተወሳኺ እቲ ትሕዝቶኻ ዝያዳ ነጸብራቕ ምእንቲ ክትረኽበሉ፡ ናይ ቋንቋ ትግርኛ ብቕዓትካ’ውን ስለዘሎ እንተትትርጒሞ ከምኡ’ውን ብዓረብ ዝትርጒሙ ስለዘይስኣኑ ርእይቶ ናይቲ ማእከላይን ዝበዝሐን ክፍሊ ህዝብና (middle class) ከም ውሕጅ ክፈስስ ስለዝኽእል ንዓኻ ንመጻኢ ዕጥቂ ክኸውን ምኽኣለ። እንግሊዝኛ ዝከታተሉ ኣብ ድሓን ዝዀነ ደረጃ ዝረከቡ ውሑዳት ስለዝዀኑ ዝኣክል ነጸብራቕ ከተዋህልል ኣይትኽእልን ኢኻ። እንተተርጒሙ ግን ህዝብና ዝዝምብየሉ ፖሊቲካዊ ሃዋህው ኣበይ ከምዝዀነ ክበርሃልካ ስለዝኽእል፡ ብዙሕ ነገር ክትፍትሽ ምጠቐመ ነይሩ ኢለ እግምት። ብዝተረፈ ናይዚ እዋን’ዚ ጠለብ መንእሰይን ደሞክራሲያዊ ጒዕዝኡን ስለዝዀነ ናብኡ ከነተኲር ስለዝግባእ ካብ ንዕኡ ዘዘሓሕሉ መሰናኽላትን ግዜ ዝሓለፎም ወይ ክጸንሑ ዝኽእሉ አጀንዳታትን እንተተቖጠብና ዝምረጽ ኢዩ እንዳበልኩ ነቲ ኣብ ዝተፈላለየ ማዕከናት እተበርክቶ ከየነኣኣስኩን ብኣንጻሩ እኳድኣ እንዳኣመጎስኩን ዓወት ንሓባራዊ ጸረ-ምልካዊ ተበግሶታትን ውድቀት ንህግደፋዊ ስርዓትን ክኸውን እንዳተመነኹ፡ ሕጂውን መንእሰይ ተወዲብካ ንቕድሚት ምጥማት ኣይትዘንግዕ ብማለት ናይ ሎሚ መልእኽተይ እዛዝም።

ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...