ካብ ነፋሪት ወሪድና ናብ ከተማ ንምእታው ከም’ቲ  ልሙድ ኣሰራርሓ፡ ኣብ ኣየር እንከለና ዝተዓደለና ፎርም መሊአ፡ ከምኡ’ውን ኣድለይቲ ዝተባህሉ ወረቓቕተይ ኣተሓሒዘ’የ ናብ ናይ ኢሚግረሽን ተረኛ መኮነን ክቐርብ ከም ህዝበይ ኣብ ሪጋ ዝተሰራዕኩ። ንእግረመንገደይ ከኣ የመነ-ጸጋማይ ዝነበረ ኩነታት ምዕዛብ ኣይገደፍኩን። ብግልጺ ድማ ውሽጣዊ ትሕዝቶን ዕብየትን ናይ’ቲ መዓርፎ ነፈርቲ ነቲ ቅድሚ ሓምለ 1998 ዝፈልጦ ዝነበርኩ ኣየርፖርት ከምዘይመስል ተረዳእኩ። ብዘይምግናን ናይ ኣመሪካ’ዩ ዝመስል!

ዝኾነ ኾይኑ ተራይ በጺሑኒ ኣብ ቅድሚ ሓንቲ ረቃቕ ጎርዞ ቀሪበ ወረቓቕተይ ኣቐበልኩ። ሽዑ ወያ ጎርዞ ወረቓቕተይ ሓንቲ ብሓንቲ እናገላበጠት መንነተይ ክትፍትሽ ክትጅምር እንከላ፡ ብጥንቃቐ ትምልከቶ ከምዝነበረት ተዓዚበ፡ እንታይኮን ክትብለኒ’ያ እናበልኩ ብታህዋኽ ክጽበያ ጀመርኩ።
ድሕሪ ሒዶት ደቓይቕ ድማ ካብ’ቲ ዝሃብኩዋ ወረቓቕቲ ዝተዓዘበት ምስተዓዘበት “ለኣንድ ወር ብቻ ነው እንዴ የመጡት?” በለትኒ። ኣነ ድማ “ኣይ ለሁለት ሳምንት ነኝ የመጣሁት” በልኩዋ። ካብኡ ቀጺላ “ከዚህ በፊትስ መቼ ነበር የመጡት” በለትኒ። ኣነ ድማ “ከኢትዮጵያ ከወጣሁኝ ወደ  ኣስራ ኣምስት ኣመት ገደማ ሊሆነኝ ነው” በልኩዋ’ሞ፡ …… ካበ’ዘራርባይ ነታ ክብላ ዝደለኹ ቆብ ከተብላ ደቒቕ ኣይወሰደትላን።

ስለ’ዚ ብኣንክሮ ዘረባኣ ንምቕጻል፡ ነታ ፒሮ ዝሓዘት የማነይቲ ኢዳ ናብ የማነይቲ ምዑጉርታ ኣጸጊዓ፡ ርሕራሐን ምድንጋጽን ዘንጸባርቑ ብዝመስሉ ውሪሕሪሕ! ዝብሉ ብሩሃት ኣዕይንታ እናጠመተትኒ፡ ብትግርኛ እሞ እንተደሊኹምኮ ክትቅንዩ ትኽእሉ ኢኹም በለትኒ። ምስኡ ቀጺላ ድማ ምናልባት ካብ’ቲ ዝተፈቕደለይ እዋን ንላዕሊ ክቕኒ እንተደልየ እንታይ ክገብር ከምዝግብኣኒ ብንጹር ሓበረትኒ።
ኣይደንጎየትን ድማ ወረቓቕተይ ክትመልሰለይ እናጠርነፈቶ እንከላ “እስቲ ኣንዴ ወደ ካመራው ይመልከቱ” በለትኒ። ኣነ ድማ ዝበለትኒ ኣማሊአ ሰጥ ኢለ ናብ’ታ ብሸነኽ ጸጋም ኣብ ቅድመይ ተተኺላ ዝነበረት ክንዲ ዓይኒ ብዕራይ ትኸውን  ካመራ ብምጥማት ዝተኣዘዝኩዎ ፈጸምኩ።
ካብኡ ናብ’ታ ብሓምለ 1998 ናይ መወዳእታ ….. ስእሊ ተሳኢለ…. ዝተባረርኩላ ኣዲስ ኣበባ፡ ሕጂ’ውን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ….ተሳኢለ፡ ከምብሓዲሽ ንኽኣቱ ወግዓዊ ፍቓድ ተዋህበኒ። ዝገርም’ዩ! ኩሉ ንምርኣይ ምቕናይ ጥራይ ከምዝብሉ መሰልቲ፡ ስእልን ካመራን ደኣ በዚሑዎ’ምበር፡ እዚ ስጉምቲ’ዚ ንኣይ ዓቢ ለውጢ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ልበይ ዝነብር ናይ ታሪኽ ትምህርቲ ዘለዎ ……..  ዓቢ ዕድል’ዩ።

ዝኾነ ኾይኑ ጸግዖም ዝሓዙ፡ እሞ ድማ ዕጥቂ ዘይነበሮም ሓደ-ኽልተ ወተሃደራት እንተዘይኮይኑ ነቲ ቐደም ዝገደፍኩዎ ኩነታት ዘንጸባርቕ ዝመስል መልክዕ፡ ማለት’ሲ ኣብ ሓለዋ ዝተዋፈሩ ከበድትን ፈኮስትን ኣጽዋራት ዝዓጠቑ ወተሃደራት ከይረአኹ’የ ናብ ኣዲስ ሰንበት ንግሆ ሰተት ኢለ ዝኣተኹ። ሽዑ ኣብ’ቲ ደገ ዝነበረ ህዝቢ ዝኣቱን ዝገይሽን ዘፋኑን ዝጽበን’ዩ ዝመስል ዝነበረ’ሞ …. ዓለም ብዓለሙ’ዩ!

ካብኡ በ’ቲ ቐደም ትግርኛ ተዛረብቲ ብፍላይ ድማ ኤርትራውያን ብብዝሒ ዝውዕልሉ ዝነበረ ናይ ታክሲ ቦታ’ቢለ ሓለፍኩ። ንእግረመንገደይ ድማ፡ ምናልባት ገለ ነቲ ናይ ቀደም መልክዑ ዘዘኻኽር ድምጺ እንተሰማዕኩ ተስፋ ብምግባር ጽን ምባል ኣይገደፍኩን። እንተኾነ ግን ሽሕ’ኳ እተን ታክሲታት ኣዝየን እንተበዝሓ፡ እቲ ቦታ’ውን እንተገፍሐ፡ ዝሓሰብኩዎ ኣይሰለጠንን። ………..  መድረኽን ሰብን ኣዝዩ ተቐይሩ’ዩ ጸኒሑኒ።

እወ ኣይ ብእግረይ ኣይ ብኢደይ፡ ብሓምለ 1998 ተሳኢለ ናብ ዝተባረርኩላ ሃገር ኢትዮጵያ’ሲ፡ ብ2012 ተሳኢለ ንኽኣቱ ዝተዋህበኒ መሰል ዝኸፈተለይ ዓይኒ’ዩ እዚ ጸብጻብ’ዚ ክጽሕፍ ዘድፍረኒ ዘሎ። ዕላማይ ድማ እንተኾይኑለይ’ሲ፡

ሀ) እዚ ዕንይንይ ዘብለና ዘሎ፡ ማለት ንኢትዮጵያ ከም ናይ ኤርትራውነት ታሪኻዊት ጸላኢት ኣምሲሉ ዘቕርብ ናይ እንዳ ዝናን ባህታን ሕዱር ስግኣትን ሕማምን ኣብ መስርሕ ምኹስኳስ ኤርትራን ኤርትራውነትን ዘርብሕ መሰረት ከምዘይብሉ ንምዝኽኻር’ሞ ናይ ህዝቢ ዲፕሎማሲ ንምትብባዕ፡
ለ) ኣብ ኢትዮጵያ ደቂ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ኢድ-ንኢድ ተተሓሒዞም ዘካይድዎ ዘለዉ ታሪኻዊ ናይ ስራሕ ወፈራ ንኤርትራውያን ተኸዊሉና ድዩ ዘሎ? ዝብል መበገሲ ኣልዒለ ምሳለይ ንምሕዋስ’ሞ፡ መስርሕ ምኹኳስ ኤርትራውነት ምስ’ዚ ናይ ስራሕ ወፈራ’ዚ  ዝላፈነሉ ኣድህቦ ብምትብባዕ ገለ መንገዲ መስተርሆት እንተተረኽበ ብዓቕመይ ሃሰስ ንምባል’የ።

ብዘይምግናን ግን ብሰንኪ ናይ እንዳ ዝናን ባህታን ናይ ስልጣን ህርፋን  ኣንፈትና ስሒትና’ምበር፡ እዚ ናይ ስራሕ ወፈራ’ዚ ቅድሚ ኩሎምን ልዕሊ ኩሎምን ንኣና ንኤርትራውያን’ዩ ክጸሉ ዝግብኦ ዝነበረ። ሕጂ ድማ ከም እንዳ ዝናን ባህታን ብዛዕባ ስግኣትን ጽልእን፡ ድፋዕን ዕርድን፡ ጎቦን ኩቦን፡ ባንዴራን መንግስትን፡ ቃልስን ትምክሕትን፡  ጥራይ ዘይኮነ’ሲ፡ ብዛዕባ ህላወን ሰብኣዊ ክብረትን፡ ምዕባለን ትምህርትን፡ ዓውድን ምህርትን፡ ስራሕን ልፍንትን ምስ ኢትዮጵያ ዝግበር ዘተ ኣብ መስርሕ ምህናጽ ኤርትራን ኤርትራውነትን መተካእታ ዘይብሉ ኣማራጺ’ዩ ዝብል ርኢቶይ ከንጸባርቕ’የ ዝፍትን ዘለኹ። እዚ ድማ እንተተጋገኹ ዝእረመሉ ናተይ ናይ በይነይ ርኢቶ ኢዩ።

ብሓጺሩ’ሲ ጻዓዱን ጸለምትን ሓጸርትን ነዋሕትን ደቂ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ብሓባር ብዛዕባ ኢትዮጵያ ዘለዎም ኣረኣእያን ምስኣ ዝኽተልዎ ዘለዉ ናይ ምንብባር ሜላን እንታይ ይመስል? ካብ ዝብል መበገሲ ንኤርትራን ኤርትራውነትን ዝተርፍ …. “ኣርኣያ”…..  እንተተረኽበ ሃሰስ ንምባል’ዩ ጻዕረይ።

ሕጂ’ውን ብተደጋጋሚ ክፍለጥ ኣለዎ ዝብሎ ኣነ፡ እንዳ ዝናን ባህታን ብስም ባድመ ምስ ኢትዮጵያ ዝኣጎድዎ ሓዊ ናይ ዶብ ዘይኮነ ኣብ ናይ ሓባር ረብሓ ብሓባር ናይ ምስጓም ብቕዓት ስለዝሰኣኑ’ዩ። ስለ’ዚ እዚ ዛዕባ’ዚ ነቶም ጨኒቑዎም ዘሎ ምእንቲ ክርህወሎም ግቡእ ኣድህቦ ክግበረሉ ንምዝኽኻር’ዩ ዘዛርበኒ ዘሎ።

ምኽንያቱ ነዚ ዛዕባ’ዚ ሱዳናውያን ከንያውያን ሶማላውያን ወይ’ውን ደቂ ጂቡቲ ጥራይ ዘይኮነ ኩላቶም ደቂ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ዝረባረበሉ ዘለዉ ናይ ሃገርን ናይ ህዝብን መጻኢ ዕድል ዘውሕስ ሜላ’ዩ። ስለ’ዚ እስኪ ሃየ ብዛዕ’ዚ ዓቢ ወፈራ ክብሎ ዝፍትን ዘለኹ ህሉው ኩነታት (shared opportunities) ዘንጸባርቕ ሓጺር ጸብጻብ ከቕርበልኩም።
ወፈራ።

ኣብ ዓድና ብወፈራ ዝሕረስ ግራት ወይ ድማ ዝህነጽ ገዛ ናይ ብዙሓት ኣእዳው’ዩ ዘሳትፍ። ቀልጢፉ ድማ’ዩ ዝሰልጥ። ሕጂ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ናይ ስራሕ ወፈራ፡ ኣንጻር ድኽነትን ምህናጽ ሃገርን ድማ ዓለም ምሉእ’ዩ ዝሳተፈሉ ዘሎ። ስለ’ዚ ነቶም ወፋሮ ሓደ ኽልተ ኢልካ ምጽብጻቦም ቀሊል ኣይኮነን። ምናልባት ኤርትራን ወደባታን ጥራይ’ዮም ብናይ ቂምታን ኩራን ፖላቲካ ተጎልቢቦም ኣብ’ዚ ወፈራ’ዚ ዘይሳተፉ ዘለዉ ምባል ግን ድሙቕ ምልክት ናይ ብዝሖም’ዩ።

ስለ’ዚ እዚ ናይ ስራሕ ወፈራ እንታይ ይመስል? በዓል መንከ ለይትን ቀትርን ይረባረቡሉ’ለዉ? ብምባል’ሞ ክጅምሮ፡ ካብኡ ነቶም ድምቕ ድምቕ ዝበሉ ክጠቕሶም ክፍትን።

1.    ኢትዮጵያውያን መንእሰያት ዝኹስኮሱሉ ክሳብ 60 ናይ ብሕቲ ኮለጃትን (Private Colleges) 31 ናይ ህዝቢ ዩኒቨርሲታትን (Public Universities) ከምኡ’ውን ክሳብ 21,000 ካብ ቀዳማይ ክሳብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርታት ኣብ ስራሕ ይርከቡ’ለዉ። ….. ይባርኸሎም!
2.    ኣብ ንግድን ዕዳጋን ዝዋስኣ 17 ዝተፈላለያ ባንክታት እንክህልዋ፡ ሓንቲ ካብአን ንብ (ንህቢ) ባንክ ከም ኣብነት እንተወሲድና ክሳብ 52 ቅርንጫፋት ዘርጊሓ ትርከብ።
3.    ኣብ ትግራይ ኣሸጎዳ (Wind Farm) ዝበሃል ብንፋስ ዝሰርሕ ክሳብ 120 መጋ ዋት ዝዕቀን ሓይሊ ዝርከቦ ትካል ይህነጻ’ሎ። …….ንሰንዓፈን ዓዲዃላን ገጹ ዝነፍስ ይግበሮ!
4.    ካብቶም ኣብ ንግድን ዕዳጋን ናይ ኢትይጵያ ዝዋስኡ ዘለዉ ደቂ ወጻኢ ኣውፈርቲ ርእሰ ማል ህንዳውያን ብቐዳምነት ቱርካውያን ድማ ቀጺሎም ይስርዑ። እዚኣቶም ምስ’ቲ ኩሉ ሰብ ዝፈልጦ ናይ ሸኽ ኣል ዓሙዲ ዝመጣጠን ገዚፍ ናይ ርእሰማል ወፍሪ ኣለዎም ተባሂሉ ይጽብጸብ። ንኣብነት ናይ ቱርካውያን ፋብሪካ ዓለባ ክሳብ 7000 ዝበጽሑ ኢትዮጵያውያንን ናብ 200 ገጾም ዝጽግዑ ቱርካውያን ሰራሕተኛታት የዋፍር።
5.    ቻይናውያን ድማ ብቐሊሉ ዘይግመት ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ናይ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ፋብሪካታትን ህንጻን ጽርግያን መንገዲ ባቡርን ይረባረቡ’ለዉ።
6.    ሆላንድ (Ethio-Dutch Joint Venture) - ኣብ ሞጆ መኻይን ዘጋጣጥም ፋብሪካ ሃኒጾም ኣብ ስራሕ እንኪርከቡ፡ ሕጂ ድማ ናይ ኣፍሪቃ ፋልማይቲ ባዮ-ጋዝ ትጥቀም መኪና ምስራሕ ክጅምሩ’ዮም።
7.    ደቡብ ኣፍሪቃውያን ድማ East African Holdings ምስዝበሃል ዓቢ ናይ ኢትዮጵያውያን ትካል ተሻሪኾም ኣብ ዝተፈላለዩ ጽፍሕታት ናይ ንግድን ዕዳጋን ተዋፊሮም ኣለዉ።
8.    Saudi Star Agricultural Development ዝበሃል ትካል ድማ ስርናይ ስገም ዑፉን ማሸላ ሩዝን ሽኮርን ይዘርእን ይኹስኩስን ይሓፍስን ኣሎ። ….  ኣቤት ሽሻይ! ሩባ መረብ ኣሳግር እንተተብሎ!
9.    ጥልያን እቲ ኣብ ውሕዥ ኣባይ ዝህነጽ ዘሎ ህዳሴ ግድብ (Renaissance Dam) ይሰርሑ’ለዉ። ወይ’ዛ’ስመራ ኣሎራ ጥራይ ኮይኑ ፈኸራ! ዝኾነ ኾይኑ እዚ ታሪኻዊ ስራሕ’ዚ ምስተወድአ ክሳብ 5250 መጋ ዋት ዝምጥን ካብ ማይ ዝርከብ (hydroelectric power) ናይ አለክትሪክ ምህርቲ ክሕፈስ’ዩ። …. ንኹልና ዘማሙቕ’ዩ! መጋርይኡ ንስሕን ይግበረና ጥራይ’ምበር።
10.    ደቂ ጂቡቲ ከንያውያን ሱዳናውያን ከምኡ’ውን ሶማላውያን ነዚ ገዚፍ ናይ ስራሕ ወፈራ’ዚ ዘገልግል ናይ ወደባት ኣገልግሎት ንምሻጥ ብጽርግያን ብመንገዲ ባቡርን ምስ ኢትዮጵያ ይቋረኑ’ለዉ። …… ኤህ እንዳ ዝናን ባህታን!  ሓያል ይቛርንኩም። እንታይ’ሞ ገዲፍኩም።
11.    ካብ ኣመሪካ ድማ ዎል ማርት ዝበሃል ካብ ዓለም ዝዓበየ ናይ ንግዲ ትካል (The world’s largest company) ከይተረፈ ንኢትዮጵያ ኣብ ዓይኑ ኣእትዩዋ’ሎ።

ናይ 2011 ጸብጻብ ናይ’ዚ ትካል’ዚ ከም ዝሕብሮ፡-
ሀ) ክሳብ 2.1 ሚልዮን ሰራሕተኛታት የስርሕ። ኣነ ድማ ሓደ ካብኦም ስለዝኾንኩ ዕድለኛ’የ።

ኢሳያስ ጥራይ ከይመስለኩም ዕድለኛ’የ ኢሉ ዝፍክር። ……   ወይ’ዙ ደቃሲ!

ሁ) ዓመታዊ ሽያጡ 422 ቢልዮን ዓመታዊ መኽሰቡ ድማ 16.4 ቢልዮን ኔሩ።
ሂ) ዎል ማርት ካብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ትካል እንከሎ’ሲ ዕብየቱ ንኽውስኸሉ ሓደስቲ ናይ ንግድን ዕዳጋን ቦታት ሃሰስ ክብል ድቃስ የብሉን ይበሃል።

ስለ’ዚ ይመልኣዮ ጥራይ’ምበር ናብ ኣዲስ ኣበባ ንኽኣቱ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘተ ጀሚሩ’ሎ። ድሮ’ኳ ሓንቲ እግሪ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ረጊጹ ስለዘሎ፡  መን ይፈልጥ እታ ካልኣይቲ እግሪ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ትዓልብ ትኸውን። ቀሊል ግን ኣይኮነን። እንተኾነ ግን ነዚ ኢትዮጵያ ሒዛቶ ዘላ ጎደና ምዕባለ በዓል ድልድይ ኣፍራሽ እንተዘየዐንቂፎሞ ነዊሕ ኣይክወስድን’ዩ፡ ዎል ማርትን ኢትዮጵያን ክሰማምዑ ይኽእሉ’ዮም።

ብሓፈሽኡ ግን ዎል ማርት ማለት ንዕዳጋታት ናይ ኣመሪካ ብናይ ዋጋ ምቁጽጻር ሰጥ ኣቢሉ ዝመርሕ ዘሎ ህቡብ ትካል ኮይኑ፡ ንዕዳጋታት ናይ ህንድን ቻይናን ኣብ መስመሩ ከእቱ ምስመንግስታት ዝማኸር ትካል’ዩ። ኢትዮጵያ ድማ ብዓይኒ ምቁጻጻር ዋጋ’ያ ምስ ዎል ማርት ክትዝቲ ትፍትን ዘላ።
ስለ’ዚ እምበኣርከስ ኤርትራውያን ስለምንታይ ካብ’ዚ ወፈራ’ዚ (Shared Opportunities) ንቦክር ኣለና? ሕጂኸ ኢትዮጵያ ነዚ ናይ ስራሕ ወፈራ ኣወንዚፋ ንኤርትራ ከይትወራ ዘስግእ ኩነታት ኣሎ ድዩ? ድሕሪ ምባል መጸኢ ዕድልናኸ እንታይ ይመስል ኣሎ? ንኽመሓየሽ ድማ እንታይ ምግባር ይሓይሽ? ….ምባልን ምብህሃልን የድሊ’ሎ’ሞ እነሆ ምሳለይ ክብል’የ ዝፍትን ዘለኹ።

ኩሉ ሰብ ከምዘይስሕቶ ካብ’ዚ ወፈራ’ዚ ዘብኩረና ዘሎ ምኽንያት ምስጢር የብሉን።ከመይ’ሲ እንዳ ዝናን ባህታን እናተጃህሩ ፈቲኖሞ እዮም። እንተኾነ ግን  እቲ መስርሕ ካብ ዓቕሞምን ጃህረኦምን ንላዕሊ ምስኮኖም፡ ካብ ጌግኦም ኣብ ክንዲ ምእራም፡ ካብኡ ንምህዳምን ውድቀቶም ንምሽፋንን ናብ’ቲ ብቐሊሉ ሰብ ከደናግርን ስምዒት ከለዓዕልን ዝኽእል፡ እሞ ድማ ንሳቶም ዝንየቱሉን ዝጀሃሩሉን ናይ 30 ዓመት ተሞኩሮ ዘለዎ ብላይ ናይ ኲናት ጥበቦም ወዲቖም።

ሽዑ ብስም ባድመ ዝጥቀስ ሸፈጥ ብምፍጣር ድማ ዓድን ዓውድን ሓማሚሶም፡ እነሀ ተደናጊሮም። ካብ ሰቦምን ካብ ዓለምን ዝሕብኡ መሲሉዎም ድማ ኣብ’ታ ዝለመዱዋ በዓቲ ተወቲፎም። በዚ ምኽንያት’ዚ ድማ ካብ’ቲ ዓቢ ወፈራ ቦኺርና ንርከብ ኣለና። ስለ’ዚ ናይ ህዝቢ ዲፕሎማሲ ብምትብባዕ ኣብ’ታ በዓቲ’ቲኣ ተሓቢኡ ዘሎ ምስጢር ንፋስ ከምዝወስዶ ምጽዓር ካብ መድፍዕን ታንክን ንላዕሊ ኣብ መስርሕ ለውጥን ዕርቅን ዘስልጥ ሜላ’ዩ። ከም ርኢቶይ መንገዲ ለውጥን ዕርቅን፡ መንገዲ መስተርሆት መንገዲ ምምሕያሽ መጻኢ ዕድል ንሱ ኢዩ። እንተ ዘይኮነ ግን መጻኢ ዕድልና መሰታ ባይታ ኮይኑ ክተርፍ’ዩ።

መሰታ ባይታ!

ዛጊት ይረአ ከምዘሎ እምበኣርከስ፡-
(ሀ) መንእሰይትና ኣብ ድፋዕ ይኣርጉ’ለዉ። ስለዘይተማህሩ ስለዘይመሰሉ ከምኡ’ውን ናይ ስራሕ ዕድል ስለዘይፈተኑ ጥራይ ኣብ 30ን 40ን ዕድመኦም’ሲ፡ ገና መንእሰያት ዘለዉ መሲሉ ይረኣዮም ይህሉ’ኾውን’ዩ እንተበልኩ ዘጋነንኩ ኣይመስለንን። ዝገደደ ድማ ክሳብ ሕጂ መንገዲ መስተርሆት ዝሕብር ናይ ተስፋ ባና ኣይረኸቡን፡ ኣብ’ታ ባይታ’ዮም ክድቅሱ ተፈሪዱዎም ዘሎ።
(ለ) ዝተወልዱ ሕጻናት ድማ ብናይ ምግቢ ሕጽረትን (ዓጸባ) ብሕማምን (malnutrition) ይድቆሱ ከምዘለ’ለዉ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ናይ ሕጻናት ሆስፒታል ምውካስ ዘየማትእ ምስክር’ዩ። እዞም ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ተወሊዶም ዘለው ሕጻናት፡ ይኽደነና ደኣ’ምበር ብቑመት ብናይ ኣካል ብቕዓት ከምኡ’ውን ብብልሒ ናይ ሓንጎል ኣዝዮም ብኣሉታ ከምዝጽለዩ ዘጠራጥር ኣይመስለንን። መሰታ ባይታ ኮይኖም ከይተርፉ ….. የቕልሎ ጥራይ!

እዚ ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ክወርድ ይኽእል’ዩ ክብሎ ዝፍትን ዘለኹ ኣደራዕ ኣብ ክልቲአን ኮረያ ዝተንጸባረቐ ናይ ዓጸባ ሳዕቤን’ዩ። ማለት’ሲ ደቂ ተባዕትዮ ካብ ሰሜን ኮረያ ኣብ ጥቓኦም ኣብ’ቲ ስግር ሩባ ዓዶም ካብ ዝርከቡ ደቂ ሓውቦኦም (ደቡብ ኮረያ) ብቑመት እናሓጸሩ ንድሕሪት ይተርፉ ኣለዉ ይበሃል። እተን ደቀ’ንስትዮ ካብ ደቡብ ኮረያ ድማ ብቑመት’ሲ ነቶም ሰብኡት ደቂ ሰሜን ኮረያ ዳርጋ ኣርኪበን ተመዓራርየንኦም ይበሃል። …… ናይ’ተን ኣንስቲ ደቂ ሰሜን ኮረያ ግን ዘረባ’ብሉን! ሱቕ ጥዑም! ቅጫን ጣይታን ጠፊኡ’ሲ! መሰታ ባይታ’የን ኮይነን ተሪፈን ዝበሃል ዘሎ። ስለ’ዚ መጻኢ ዕድልና  እዋኑ ብዘሕለፈ ታሪኽ ወይ ድማ ብናይ እንዳ ዝናን ባህታን ዓይኒ ጥራይ ዘይኮነ ብዓይኒ እዋን (restructuring history) ብምጥማት መስርሕ ምምሕያሹ (investing in futurity) ክንተሓሓዞ እዋኑ’ዩ። ….. ዝሓለፈ’ኣክል።

ስለ’ዚ ኣብ’ዛ ሰዓት’ዚኣ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ዘለና ግምት እንታይ ከምዝመስል’ሞ ንፈትሾ፡ ሕድርኹም ሕድሪ ጎሮሮኹም ብዓይኒ እንዳ ዝናን ባህታን ከኣ ኣይንጠምቶ። እዝጊ ሂቡና’ሎ! በብዓይንና ንርኣዮ። ካብኡ ንቕድሚት ገጽና ኣንፈትና ነመኣዛዚ። ናብ’ቲ እዋኑ ዘሕለፈ በዓቲ እንዳ ዝናን ባህታን እትው ውጽእ ኣይነብዝሕ። ንእንዳ ዝናን ባህታን ዘየርብሐ በዓቲ’ሲ ንኣና’ውን ከርብሓና ኣይክእልን’ዩ።
ንርእስና ረቢሕና ንእንዳ ዝናን ባህታን’ውን ካብ’ታ ተወቲፎሙላ ዘለዉ በዓቶም መዋጽኦ ወይ ድማ መተናፍሶ ክርኽቡ እንተተደልዩ ቀሊል’ዩ። ቅድም ቀዳድም ንኢትዮጵያ ኣብ’ዚ ጀሚራቶ ዘላ ናይ ስራሕ ወፈራ እንታይ ክንሕግዛ ንኽእል ንኸውን ዝብል ጽኑዕ ሽኻል ንትከል። ናይ እንዳ ዝናን ባህታን ንፋስ ፈለው-ፈለው! ከየብለና ማለተ’የ። ካብኡ ነዛ ዓለም ዕዳጋ ኢትዮጵያ እንታይ ክትመስል’ያ ትምነያ ዘላ? ዝብል መበግሲ ሒዝና፡ ኣሰር ካልኦት ንከተል። ማለት’ሲ ከም ዓለምናን ከም ጎረባብትናን ጽርግያ ንጽረገላ። ካብኡ እዛ ስጉምቲ’ዚኣ ቅድስቲ ተግባር ስለዝኾነት፡ ……. ነቲ መኣዲ ንጉስ ሰማይን ንጉስ ምድርን ጠጠው ኢሎም ክባርኹዋ’ዮም። ክልቲኦም ነጋውስ ተደጋጊፎም ድማ ቆፎና መሊኦሞ ክሓድሩ’ዮም። ብሓጺሩ’ሲ ስግር’ቲ ድፋዕ ናይ እንዳ ዝናን ባህታን ዝግበር ናይ ህዝቢ ዲፕሎማሲ ዘይልውጦ ነገር የለን። ካልእስ ይትረፍ እቲ ጽኑዕ ዝመስል ድፋዕ’ውን ብዘይጥይት ክፈርስ ይኽእል’ዩ። … ሃዶሽዶሽ የብሎ።

ኩሉ ሰብ ከም ዝፈልጦ ኣብ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ሳላ ትምህርትን ጽቡቕ ፍቓድን ብዙሕ ነገር ኣብ ዝወዓሎ ምሕዳር ጨኒቑዎ’ሎ። ምኽንያቱ ቀዳማይ ኢንዳስትርያል ረቮሉሽን ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ መበል 18 ክፍለ ዘመን ብፋብሪካ ዓለባ ተጀሚሩ፡ ብዙሕ ነገር ድማ ቀይሩ። እቲ ካልኣይ ድማ ኣብ ኣመሪካ ኣብ መበል 20 ክፍለ ዘመን ብሀንሪ ፎርድ ተጀሚሩ፡ ክንደይ ሃብቲ ኣደሊቡ። እዞም ክልተ ቀዳሞት፡ ቀንዲ ትሕዝቶኦም (ብዛዕባ ንግድን ዕዳጋን) ኣብ ውሱን ዶባት’ዩ ኔሩ። ሕጂ ግን ሳልሳይ ኢንዳስትርያል ሪቮሉሽን ይመጽኣ’ሎ። እዚ ሳልሳይ’ዚ ብዙሕ ነገር ክትንክፍ’ዩ። ካልእስ ይትረፍ ዶባትን ድፋዓትን ብቐሊሉ ክዝለሉ’ዮም ይበሃላ’ሎ’ሞ ሃየ ንቀራረብ፡ ጽባሕ ካልእ ከይንዛረብ።

ዳንኤል ተስፋዮውሃንስ ተኽለጊዮርጊስ።
This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.
ኢትዮጵያን ኣምቸን! ብዝምልከት ሓጺር ትዕዝብቲ ኣብ ዝቕጽል!

Referrences:-
1.    The Reporter 03/24/2012 Addis Ababa Ethiopia
2.    Fortune 03/25/2012 Addis Ababa Ethiopia
3.    Capital 03/25/2012 Addis Ababa Ethiopia
4.    Fortune 12/26/2011 (ናይ ኣመሪካ!)
5.     Freign Affairs May/June 2012


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...