ወዲ-ሰብ ኣብህይወቱ ሰለስተ ዓበይቲ መድረኻት ከምዘለውኦ ይትረኽ ኢዩ። ዕለተ-ትውልዲ፡ ዕለተ ምምሳልን (መ ርዓ) ዕለተ-ሞትን ተባሂሉ ከኣ ይኽፈል። ካብዘን መዓልትታት እዚአን ኣየነይተን ትዓቢ? ንዝብል ሕቶ ድማ ሰባት በበይኑ ምርጫታት ይህልዎም። ንብዙሕ ህዝቢ ዓለም ዘደንጹ ከይኮነ ኣይተርፍን፡ ኤርትራዊ ግና ዝዓበየት ራብዓ ይቲ መድረኽ ኣላቶ። መዓልቲ ናጻነት! ስለኣ ኩሉ ነገር ኮይኑን ይኸውን ኣሎን ኤርትራዊ። ስለ’ዛ ተባሃጊትን ተመ ዝማዚትን መዓልቲ ዘይተባህለን ዘይተኾነን የለን ብፍላይ ኣብታ ዝሓለፈት ሰሙን። ገና ድማ ክባሃልን ክኽወንን ኢዩ። ዝኾነ እንተኾነ፡ ዝተባህለ እንተተባህለ ድማ፡ እቲ ቁኑዕ ሕልና ተሳዓሪ ኣይኮነን። ምኽንያቱ እቲ ቁኑዕ መን ፈስ ኣብ ክፉእ ሕልና ከይ ተረፈ ሰርሲሩ ናይ ምእታው ባህሪውን ስለዘለዎ። ስለዚ ነገር እኪት ከምቲ ሰራቕ ሞባእ ባዕሉ ኢዩ ዘለፋልፈካ።

ነዚ ዘበለኒ እዚ ዝቐነየ ናይ ልምምድ ፈተነ ኢዩ። በቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ፈታዊኦም ከለልዩ ዝፈተንዎ ምድንጋር ከይተሰውኡ ወይ ከይመቱ እንከለዉ ብዛዕባኦም እንታይ ከምዝበሃል ብርግጽ ክፈልጡ ክኢሎም ክኾኑ እትስፎ። ከምሓቂ’ውን እፈልጡ ኢዮም። ከምኡ እንተዘይኸውን እቲ ብልክዕ ኣብ ልብን ቀልብን ሓፋሽ ዘሎ ትጽቢት ፈሊ ጦም ብሓውሲ ድራማ ልክዕ ልክዑ ኣይመምጽእዎን። ኣስተውዕሉ’ሞ፡ ዓምና ስለዝሓለፈ እቲ ንሱ ዝወከሎ ግዜያዊ በዓልስልጣን ተኽለ ዓርኪ በደዊን ከምተኣሰረ፡ ምስኡ ድማ ሓጎስ ክሻ። ስብሓት ንግዚኡ ሓላፍነት ሃገር ከምእተሰ ከመ፡ የማነታት ምስ ገዓገልጠሞም ከይንቀሳቐሱ ከምዝተኸልከሉ፡ ብሂወት ዘለዉ እሱራት ተፈቲሖም ኣብ ሕክምና ተዓቝቦም ከምዘለዉ፡……………..

ብኣልማዘ-ወርቂ ዘይትመን ትጽቢት ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ መን ይጠራጠረሉ? ኮይኑ ከኣ ዝኾነ ዋጋ ዕዳጋ ዘየድልዮ ኩሉ ክቡር ዋጋ ዝተኸፈሎን ክኽፈሎ ዘለዎን ኢዩ። ኣበይ’ሞ ብኻ እንዶ ኣይኮይኑን! ንኹልና ግልግል ምኾነ ነይሩ። ብርግጽ ግልግል። ክቡር ፕረሲደንት ምስሓለፈ ከይተረፈ ክቡርነቱ ከይቀንጠጥና “ብሕማም ምሕላፉ ዕድለኛ ኢዩ“ ኢልናን ኢሉን ህዝቢ ኤርትራ። እዚ ከኣ ነቲ ክፉእ ሕልናኦምን ጥበቦምን፡ ናብ ሰናይ ክንልውጥ ብዘለና ጻዕዳ መን ፈስ እምበር ከምዚ ድሒሮም ዝዋጥይዎ ዘለዉ ከምዘይኮነ ንመን ይጠፍኦ? ዝኾነ ኮይኑ በቲ ተቐልቂሉ ዝመሰለና ለ ውጢ ዘይተተስፈወ ክንደይ ካብ ምኢቲ ክኸውን ከምዝኽእል ትግምቱ? ብወገነይ እቲ ብዝኾነ ናይ ዕርቂ መዐቀኒ ዘይትስፉ ውገበነኛ፡ እቲ ካልእ ናይ ምዃን ተኽእሎ ዘይብሉ ኣዝዩ ውሑድ መልመጽ ጻሕሊ ህግደፍ ጥራይ እንተ ዘይኮይኑ፡ እቶም ህግደፋውያን ከይተረፉ ነፍሶም ዝምርምሩሉ ፈተነ ከምዝነበረ ተራእዩ ኢዩ። በዚ ኣጋጣሚ ከኣ ተቓወምቲ ዘበሉ ኩሎም ነዚ ገዚፍን መሰረታውን መለበሚ ተጠቒሞም ክመሃሩሉ ንምሕጸን። እንተ ብዛዕባ’ዚ ከኣ ብዙሕ ክበሃል ምተኻእለ። ኣበይ’ሞ ብኻ እንዶ ኮይኑ ክንደየናይ ድኣ ከይተርፎ’ምበር!

ምህላዉ ኣበረኛ ዝኾነሉ ኩነት ኣሎ። ግን ከኣ ህይወት ኢዩ። ምኽንያቱ ምህላው ኩሉ ግዜ ብትጽቢት ሓንቲ መዓል ቲ ስለዝስነ። ነፍሲ ወኸፍና ነናትና ትጽቢት ፍትውቲ መዓልቲ ኣላትና። ከምታ ናይ ፓይሎት ማለተይ ኢየ። ኩልና እንብህጋ ሓባራዊት ትጽቢት ሓንቲ መዓልቲ ከኣ ኣላትና። ትጽቢት መዓልቲ ሓርነት። እዚ ታሪኽ ጥራይ ኣይኮነን። ከምኡ እንተመሲሉ ገለ ብሂል ክጠቅስ ምፈተኹ። ኣማኑኤል ኣሰና ታርኽ ንተረኽቲ የገድሶም እንተኾይኑ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ግን መጻኢኡ ከምዘገድሶ ጠቒሱ ነይሩ። ብወገነይ እሰማማዕ። እንተኾነ መጻኢ ዕድልና ብሕሻል ክፉእ ኣመ ራርሓ ክሳብ ዝተቐፈደ ኪኖ ትጽቢትን ቀንፈዘውን ለውጢ ኣየምጻእናን። ከምቲ ኣብታ “ገመል ብሕሻሉ“ እትብል ኣርእስቲ ዝቐረበ ህያው ምስሊ ዝተንበርከኸ ገመል። እዚ እኪት ብሕሻል መግዛእቱ ገዊድና ኣሎ። ገመል ብወገኑ ወ ናኒኡ ብዝኸዶ ተኸምቢሉ ድዩ እንድዕሉ ምስተሸገረ ገለ ለውጢ እንተኾነሉ ሓፍ እንተበለስ ለካ’ቲ ብልሓተኛ ሓን ቲ ኢዱ’ውን ብዕጽፍታ ኣሲርዋ ኢዩ። ብሰለስተ መሓውሩን ኣፉ ከኣ ተለጒሙን እንከሎ ኢዩ በሉ ብሕልናኹም ዝ ረኣየኩም ዘሎ። ክሳብ ብሕሻሉ ወጢጥካ ተበገስ ወይ ፈቲሕካ ተዛነ ትእዛዝ ዝመጾ ከኣ ብፋንጣኡ ክዛውን ክምእር  ር ከስተርሁ ኣይኮነን። ብዘንጋሩ ክኹርመ ወይ ብጠጠዉ ክዕነድ ኢዩ ተፈሪዱ።

ዝበዝሑ ተዛረብቲ ሕሻል ገመል ትሓይሽ ዝብሉ ኣለዉ ካብ ሕሻል ህዝቢ ኤርትራ። ካልእ ቀይዲታቱ ከየቕለቡ “ሕ ሻል ገመል ሓንቲ ኢያ“ ስለዝብሉ። እቲ ብኲናት ዝምእከል መግዛእታዊ ሕሻል ህዝቢ ኤርትራ ግን ማእለያ የብሉ ን። ሕሻል ቁጠባ፡ ሕሻል ትምህርቲ፡……. “መጸትካ ኣመሪካ፡ ወለቕ-ዘለቕ እንተኢልካ ክፍንዋ ኢየ ንጭፍራ! “እናተ ባህለ ቀንፊዙ ኣሎ ኤርትራዊ።

ብዝኾነ ገመልና ይረኣየኩም ኣሎ። ኣነ ድማ እቲ ሽዑ ምስቶም ብጾተይ ኮይነ ከስፈልፍልን ክስፍልልን እንከለኹ ይ ረኣየኒ ኣሎ። ገና ብሽታኡ“ ኣደድ! ገመል ከድኣ ይብላዕ ድዩ“? ኢለ። ነገር ኣተዓባብያ ኮይኑስ ኣይትሕዙለይን ትኾኑ ’ምበር ካብ ዲበላዶ ኣኽፊኡ ገመል። ብዝኾነ ዋና ገመል እንተዘይነብር እቶም ሓራዶ ድሕሪኡ ንገብሮ ጠፊእና ምተ ዓነድና። ሳላ ሸዓብና ከባቢር /ኮረሻ ገመል/ ወረደ። ነታ ሕሻል ስሕብ ኣቢልና ንመሬት ምስደረኽናያ እቲ ግሩህ ገ  መልና ከኣ ንስራሕ ዝብገስ ጥራይ ኢዩ መሲልዎ ዝነበረ። ኣብ ኣእምሮኡ ገለ’ዃ ክፉእ ክወርዶ ኣይሓሰበሉን። ርእሱ መሬት ምስ ኣጥዓምናዮ እምበኣር ኩሉ እቲ ዝኾነ ኮይኑ። ሃታሃታ ከኣ ነይሩና። ምብጻሕና ምጥፋእ ምድሪ ኮይኑስ ልዕሊ ዓሰርተው ሽዱሽተ ሰዓታት ስለዝተጎዓዝና፡ እቶም ነቲ ነጓዲ ጸሓይን ጎላጉል ኣጻምእ ሰማእታትን ዝተርግኡ መናእሰይ፡ ብድኻምን ጥምየትን ተዋሊኦም ምስ ሰማእታት ከይጽምበሩ። ኣውራ ድማ ኣብታ እንኮ ማይ ’ድርባቦ’ ኣብቲ ሽንፋእ ዘይተነጽጎ ዝመስል ምድረ-ሰሃራ ጎልጎል ሳሕል፡ በዚ መጸ ከይበልናዮ ኣይሂ ጠያይት ተሓኤ ከይዘን በና። ዝኮነ ኮይኑ ናይ ገሊኦም ዕድል ግዲ ጠቒሙስ ኩሉ ሰሊጡ ኣብቲ ናይ ኣእማን መብልዒ ሸሓኒታትን፡ ዝተቐ ረበ ቅልዋ ስጋ ገመል’ዃ በጺሕና። እንተኾነ እታ ብጋናኡ ብሽታን መንጉድን ገመል ዝጸየረት ነብሰይ ሓንቲ ምስ በለት ካብዛ ጎረሮይ ንዋራ ነጢራ ነበረት። ኣብ ካልኣይ ሳልሳይ ክለምዶ እናሓሰብኩ ኣዒን ተይ ዓሚተ ተጸሚመ ብኽንደይ መስገደል ዘውረድኩዋ ሓንተይ ኣሳሊጠ ክደግም ክደጋግም ወስ እንተበልኩስ ክለ ምዶ ኣይተጸበየንን መኣዲ። ድ ሮ ኣጻብዕትኻ ምልማጽ ኮይኑ። ከዘክሮ ክብል ኢየ ንግሪፒ ሽዑን ሎምን ስጋ ገመል ኮነ ስጋ ዓሳ ጠላሕ ከምዘይበለና!

ጥምየትን ሰቦምን ረሲዐሞ መራሕትና ብዶላር ተኸቢቦም ብጽጋብ ምስ ተጨንድሑ። ሓደ ዝሰማዕኩዎ ዋዛ ገመል ጥራይ ከስዕበልኩም። “ገመል’ውን እኮ ንኣድገ-በቕሊ ከቕሕሩ ከይኮነ ኣይተርፍን ከምኣርማ ተመሪጻ ኣብቲ መንደቕ ክትስቀል ዝተገብረ“ ኢሉ ኢዩ ዝጀመረ እቲ ዘዕለለኒ። ኩለን መጭኣና ኣውራ’ዃ ኣድጊ ከኣ ከምዓቕማ ስለዝተሓ ጎ መት “ ሰውራ ንመን ርሒቕዎ ንመንከ ዝያዳ ቀሪብዎ“፡ ካብ ዝብል ሓሳብ ኣንቛሪዓ እናጠመተትን፡ ነቲ ተዋጋኢ መ ሲሉ ዝብኢ ኣታሊሉ ዝነበረ ኣእዛና እናኣወሳወሰትን፡ “ ኣንቲ ህግደፍ! መንደፍ ይዕለኺ መንደፍ! ንስኽስ ካብመ ን በሊጽኪ? መንከወኪልኪ? ንሕና’ዃ ግደፍ ሰውራዊ ግቡእናስ ንሳቶም ክሕዙና’ውን ጉስማጥ እናሃቡን ክሳብ ገሊ ኦ ምስ ወረ ’ኣልማዝ ባለ ጭራ’ ኢሎም እናኣባጨዉን ክንደይ ኣካላውን ስነ-ኣእምሮኣውን በደላት ዝተጻወርናስ“…….. እናበለት ሓንቲ መዓልቲ ገመል ክትወርደላ’ሞ ንሳ ድማ ኣብቲ ናይ ክብሪ መንደቕ ክትሒንከብ፡ ኣብቲ ክቡር ጣዋ ሉ ከኣ ከም ኣርማ ክትኩየጥ ካብ ዘለዋ ተስፋ ብጽርድነት ክትእድም ስኒት እንስሳ ድማ ከይህሉ ዝተሓለነ ከይከው ን ይጥርጠር በሃላይ ነበረ። ብወገነይ ነቲ ዋዛ ጥራይ፡ “ኣሃ ለካ ትጽቢት ሓንቲ መዓልትስ ኣብ እንስሳ’ውን ኣሎ“ ኢ ለ ቁምነገር ኣውጻእኩሉ። በሉ፡ እማባጓሮ እንስሳ ይጽናሓልና’ሞ ናብ ትጽቢት ሃገራውያን ንሕለፍ።

በረኻን ዕላማ ሃገርን ዝሰተሮ ክፉእ ሕልና ዓምና፡ ኣብ ቅድሚ ህዝብን ዓለምን ግን ክቐውም ኣየኽኣሎን። እቲ ዝተ ታሕዘ ምሕደራ ቁጠባን ኣመራርሓ ሃገርን ከኣ ብውጥን ጫካ ዝተቐመረ ምንባሩ ተጋለጸ። ነገራቱ ደንጽይዎ ከዕነኒ ዝጸንሐ ህዝቢ ዳግማይ ግዱድ ኲናት ሰገረ። እሞ እቲ ጥበብ ማሕበረ-ሃጸይነት ኣቛስዩ ከሽካዕልል ዝተመነየ ናይ ጫካ ምሁር ዝዓረደላ ዕርዲ ንምድልዳል ናብ ሕቡእ ፍጹም ምልኪ ተሰጋገረ። ህዝቢ ኤርትራ ግን ዋላ’ዃ ድንቑር ውዒሉ ድንቑር እንተሓደረ ከምቲ ኣብገሊአን ዝርአ ፡ ከም ካብ ሓንቲ ፋብሪካ ዝተሰርሐ ብብልሓት“ ሓንቲ ልቢ“ ክሽፈጥ ኣይተኻእለን። ሽዑ ከኣ እቲ ብዓንተቦኡ ብኣካይዳ ሰውራና ዘይዓገበ ክዕምጸጽ ክጉዕጸጽ ዝጸንሐ ዘበለ ብኣ ጋጣሚ እዋን ክፍተት መራኸቢ ብዙሃን ብግህዶ ኣንቲጕዎ ኢዩ ተጋዳላይ ህ.ግምባር። ሃንደበትነትን ሳዕቤንን ናይቲ ነገር ብዝፈጠረሉ ራዕዲ እውን ህግደፍ ከምኣመሉ መንነቶም ብዝመስጠሩ ተባላዕቲ ጸሓፍቲ ከምእኒ ጽገረዳ፡ ከም ኣማን ወዲሓጂ፡ በዓል ኣ.ኣ፡ ኣኢ፡ ወዘተ…. ገይሮም ክፍውስዎ ፈቲኖም። ዘይከውን ምስኮነ ከኣ ቅብጸት ብቅብጸቱ፡ ጉጅለ ምስመደባቱ፡ መራከቢ ብዙሃን ምስወረቐቱ ክውሸብ ተፈረደ። ብኡ ኣይሓለፈሉን ሰብና። መታን ሓይሊ ከይ ርከብ ክብተን ተወጠነ። ኣብ ብዓለማ ፋሕ ጭንግራሕ ከምደቂ ዛግራ! ዚኾነ ኮይኑ ወዮም ብነዊሕ ዝተኣሰሩ ድሃዮም ኣይሃጠመን። ዋላ’ዃ እቲ ካብ መንግስተ-ምድሪ ሓሊፉ ክሳብ መንግ ስተ- ሰማይ ከናቑተና ዝተሓሰበ ናይ ጀብሃ ሻዕብያ ሸንኮለል ምሒር እንተተሳሕለ፡ ከምቲ ዊንታ ግናያት ኣይበልሐን ንዝነበረ ተቓውሞ ተቓወምቲ ተደሪዐሞ ከኣ ተስፋ፡ ተስፋ ወሰኸት።

ኣብዚ ክንጸር ዘለዎ ነገር ኣሎ። ብዙሕ ሰብ ህ.ግምባር እትብል ስም ክሰምዕ ዘይደሊ ከምዘሎ ንፈልጥ ኢና። እዚ ዝ ኾነሉ ብዙሕ ምኽንያታት ክህሉ እንከሎ ከምርዱእ ግን ኣብ ሞንጎ ሰልፊ ህግደፍን ህ.ግምባርን ዘሎ ፍልልይ ካብዘይምልላይ ከምዝኸውን ብምእማን ኣይንሕዘሎምን። ከምኡከኣ ከምቲ ኣብውሽጢ ተሓኤ ዝነበረ ናይ ኣረኣእያ ፍ ልልይ፡ ኣብውሽጢ ሻዕብያ ድማ ከምዝነበረ ሎምስ ግዜ እናገለጾ መጺኡ ኣሎ። 90% ተጋዳላይ’ቲ ውድብ ኣባል ናይቲ ቅዱምን ድሒሩ ህግደፍ ዘቖመ ሰልፍን ከምዘይኮነ ምፍላጥ ክንደይ ጽቡቕ ኢዩ። ብተወሳኺ እቲ ሓደ ምኢቲ ሽሕ ዘይመልእ ሰራዊት ሓርነት፡ ምእንቲ’ዛ ናጽነት ክብል ኩሉ ናይ ጸላእን ናይ’ብጾቱን’ መግዛእቲ ተጻዊሩ፡ ኣብ መወዳእታ መዓልቲ ናጽነት’ዃ ክሳብ ምኢትን ሰላሳን ሽሕ ሰራዊት ዝማረኸ ምዑት ተጋዳላይ ከምዝነበረ ከይተሳሕተ፡ብሳላ ውህሉል ተመኩሮታቱ ከኣ ብውሽጥን ብደገን ድርዕቶ ኩሉ ተቓውሞ ከምዝኾነ ምእማን ኣዝዩ ጽቡቕ ኢዩ።

ድሕሪ ናጽነት እቲ ሕቡእ ተልእኾ ዝተኾልኮለ መራሒ ብላዕሊ ላዕሉ ንምዕባለን ዕቤትን እናጨርሐ ሃገር ብሃገራ ምስ ኣጋገየ ምስናይ ተኣንጎት ተሸብሰብ ኮቦሮ ሓምሓሙ እናኣላተመ  ኣብ ሓድሽ ግምባር ወፍሪ ምጽናት ሃገራው ያን ተጸምደ። ነዚ ዘጥቀሰኒ ዘሎ፡ ብዙሓት ሰባት ምልኪ ኣብ መስርሕ ብወዝቢ ከምዝመጽእ፡ እሞ ንመራሒና ባባ-ፓፓ ኢሰይያስ ድማ ክንሕዘሉ ከምዘይብልናን፡ እንተሒዝናሉ ግን ድሕሪ ሕጂ ከምቲ ዝሓለፈ ብወዝቢ ካልእ መላ ኺ ከምዝትካእ ክጠቕሱ ስለዝሰምዕ፡ ከምኡ እንተኣሚኖም ድማ ብሕጊ ተቐይዱ ንቅዋማውነት ክሳብ ዘይተገዝአ ቃልሲ’ውን ነባሪ ከምዝኾነ ከብርህ ስለዝደሊ እምበር፡ ንሓደ ብኻልእ ብምትካእ ናይሰማይ ማና ስለዝጽበ ኣይኮ ንኩን። ዝኾነ ኮይኑ ብሽፋን ወፍሪ ልምዓት፡ ክሳብ ዳግማይ ኲናት ዝጠመተ ጥበብ ብርሰትን ቀዳምነታት መጥቃ ዕትንሲ ተሰርዐ ደኣ። እቲ ቀንድን ቀዳማይን ተወቃዒ ድማ  እቲ ናጽነት ዘምጽአ ተጋጋላይ ነበረ። ይኹን እምበር እቲ ብመራሕቱ ክቕንጸል፡ ክእሰርን ክጉሰጥን ክብተንን ዝጸንሐ ተጋዳላይ’ውን በቢግዚኡ ኣንጻር’ቶም ተሰኪምዎም ዝመጸ ገሳርጥ መራሕቱን ኣመራርሓን ከምእተላዕለ ዘይምዝንጋዕ።

“ዘፍ ኢሎም ኢዮም፡ ደጊም ዝዕምጽሲ ይትረፍ፡ ዘድምጽ፡ ታሪኽ ዘውሪ’ውን የለን፡ ምድሪ ጽሕያ ካን ጸሓይ ህግ ደፍ ድማ ደሚቓ ባቃ!“ ተባሂሉ ኣብዝተቐስነሉ እዋን ድሃይ ተሰምዐ። ድሃይ ናይቶም ብጾቶምን ዕላማኦምን ዘጥ ፍኡ ተጋደልቲ ሓርነት። እቲ ካብ ናይ ዱር በረኻ ኣንበሳነት፡ ናብ ወኻርያ ጫካ ከተማታት ዝተተምየነ ተጋዳላይ፡ ነገራት ገዛእቲ ብጾቱ ጋን ኮይንዎ ዝረግጾ እምኒ እናተገልበጦ፡ ዝጽግዖ ድጋፍ ሓርቢትዎ ኣብዘዕነነየሉ እዋን ታሪኽ ከምዘይሰርሐ ምሒር ተሓምዩ ተሳሕቐ። ክሳብ ኣብ ወጻኢ ሃገራት’ውን በቲ ነዊሕ ገመድ ተኣሲሩ ብዝተፈላለየ መ ልኽዑ ከኣ ከይጥዕሞን ከየምልስን ተሓሊኑ ብዝተጠበበ እኪት ተኾርምዩ ክኹርናዕ ዝሓለነ ደመኛ ውዲት መግዛ እቲ ምንባሩ ከኣ ግሁድ ነይሩ። እሞ ንግዚኡስ ዕውንውን ኮነ። ክሳብ ድማ “ስረስ ክልተሳዕ ዶኾን ዘይምለስ ኮይኑ“ ከይተባህለ ኣይተረፈን። ተራ ናይቶም“ ኪድ ኣርክቦም ጎፋር ! ቾብላ“ እናተባህሉ ሓሙሽተ ንሓደ ከጻብብሉ ዝተላ እኩ፡ ከምኡ ድማ ኣካላቶም ብጻዕዳ ለቢቶ ዝተነፍሐ፡ ሰብ ስቑሬን ኣዕኑድ ቀላጽም ዋልታ ህግደፍ መንእሰያት ቀሊ ል ኣይነበረን’ሞ ምስኦም ንጸባጸበሉ እዋን ከኣ ይሃበና ግዜ።

ኣይደቐሱን፡ ነዛ ዓይኖም ሰለም ኣየበሉን ተቓለስቲ። ከመይ ኣቢሎምከ ክድቅሱ! ሰብን ዕላማን ኣጥፊእካ ይድቀስ ድዩ? ኣብቲ ኩስቱር መሬት ዃዂቶ ወጊእዎም፡ እቲ ንጹፍ ዓራት ኮርዂሕዎም፡ እቲ ስቡሕ ብልዒ ድማ መሊሱ ኣጥጊእዎም ተጋደልቲ ደቂ ኤርትራ። እሞ ኣብ በበይኑ እዋን ብዝተፈላለየ መልክዑ ነቲ ጽምዋ ስዒሮም ከድምጹ፡ ከዳምጹ በቒዖም። ቶጎሩባ ደቀባት ኢሎም። ዓዋተ ኣሰና ደጊሞም። መስከረም ኣስማሪኖ ወሲኾም። ናዝን ራድዮ ኤረናታትን ዘማዕከለ መቓልሕ ደቂ እዛ ለዋህ ሃገር ተጋዊሑ።……….. ኩሉ ቁምነገር ወረን ሓሶትን ኣብዝተቖጸረሉ እዋን ከኣ ብግህዶ ዝጠፍአ ሰብን ዕላማን ንምንዳይ “ኣለና ብውሽጢ ኣለና ብወጻኢ“ ኢሎም ተጋደልቲ።

“ወይኣነሸ! ሞሊቖም በዓልዚ ፈጀር ዘርኢ ክርዳድ ረድኢ መሓሪ። እንኮላይ ሓሹለ ወኪር ተቓወምቲ“ ከኣ ተባሂሎ ም ደቂ ኤርትራ። መዓስ ንሱ ጥራይ። ንዓዓቶም ኣብ ምብትታንን ምውንጃልን እናተሃለወ ካብ ማዕከን ምስጢር ክ ቡር ፕረሲደንት ከኣ ምስናይ ጭብጥታቱ ተጋዳላይ ፓይሎት ደበኽ በለ። ንሱ ነቲ ብዝተፈላለዩ ተጋደልቲ ብሜላ ከቕርብዎ ዝጸንሑ ሓቅታት ምርጫኡ ኮይኑ ነቲ ንለባም ኣምተሉስ፡ ንዓሻ ደርጓሓሉ ከይሩ ገሊጽዎ ኣሎ። ከምሳዕኑ ጫቚ ጫቚ በሉ ህግደፋውያን። ከምቲ ቀደሞም ከኣ ብወንጀል ክኸስዎ፡ ’ጽሩያት’ ስለዝኾኑ’ውን ብጎበጨረነት ከመራስሕዎ፡ ኮታ እቲ ልሙድ ሃበስ ቀደስሲ ተራእዩ ኢዩ። ገለ ግሩሃት ከኣ ብርግጽ ክደናገሩ ተሰሚዖም። ኣብር እሲ’ተን ፍርቂ ህዝብና ዝኾና ምዑታት ተጋደልቲ ዝወርድ ዝነበረ ውርደት ብምግላጹ ካብ ሓልዮት ደቂ-ኣንስትዮ ብዝመስል ከነውርዎ እናሓለኑ ኣብ ነውሪ ዝተሸመሙ ተራእዮም።

ኣይወዓልኩምን ዲኹም ምሳና? “ተጋዳላይ በታ ስውርቲ ሰልፊ ተሃንኲቱ፡ ሕጂ ድማ መሓውር መንእሰይ ዕዳጋ ወሪዱ“ ዝብል እምባ ገበናት ተነጊርኩምስ፡ ነታ “ንደቂኣንስትዮ ይኣትዉወን ነይሮም“ እትብል ኩድኪዶ ዕላል ምስ ማዕ ክሳብ ክንደይ ኢዩ መሪርኩም? እምበርከ ድሃይ ናይተን“ ዓራት ቤትጽሕፈታት ከንጽፍ፡ ሓለፍቲ ክምግብን ካ ልእ ዘይተደለየ ክገብርን ኣይመጽእኩን“ ኢለን ብትብዓት ዝተደራገማ ተጋደልቲ እንታይ ከምዝወረደን ኣይትፈልጡ ን ዲኾም? ደቂ-ኣንስትዮ ከምቲ ካልእ ኩሉ ጸጽቡቑ ሓለፋ ኣባላት ሰልፊ ተቖጺረን ምስዘይምርጫአንን ዕድመአንን ብኣስገዳድ ዝተጸምዳ ከምዝነበራ፡ ንዕዑ ስለዘይተቐበላ ከኣ ብሸጓጉጥን ገዛእ ቡምባአንን ዝጠፍኣ ብሉጻት ብጾት ከ ምዝነበራ ጓና ኣክባር ድዩ ንበዓል’ታ ገዲም ተጋዳሊት ትብለጽ? ኣብ ውሽጢ’ቲ “ሓለፋታት“ ዝብል ውድባዊ ሰሚና ር ክንደይ ጉድ ናይተን ግዳያት ከምዝነበረ ረሲዕኩሞ ዲኹም? ምሓልፎ ዋላ ነቲ ዕድመ ዝኣዘዞ ናጻ ጾታዊ ርክብ፡ ንሳቶም ግን ከም መጣልዒ ፖለቲካ ይጥቀምሉ ከምዝነበሩ ኣይረሳዕናዮን’ኮ። እቲ ትጽቢት ሎሚ ንሳተን ኣፍ ኣው ጺአን ብጋህዲ ክትርኻ እንተኾይኑ ድማ የዋህነት ኢዩ። ይኣክል ጥራይ ይኣክል!

ፓይሎት ኣብዚ ኮይኑ ዓውኢሉ ተዛሪቡ እንተዝኸውን ርግጸኛ ምኾንኩ ሓሳዊ ዝብሎ ከምዘይርከብ።“ግድን ሓቑ ኢዩ እመንዎ“ ማለተይ ኣያኮነን። ግን ከኣ “ሓሲዩ ኢዩ፡ ስሙ ክገልጽ ኣለዎ“ ኢልካ ምጉብዕባዕኸ ናይ ምንታይ ኩር ንዒት ኢዩ? ትነብርዎ ሃገር ሃገረ-ፍትሒ እንተኾይኑ፡ ድላይኩም ከኣ ድላይና ምኾነ። ሰብ ብዘይወዓሎ ከይጽልም ማለተይ ኢዩ። እሞ ሕጂ በየናይ ሕገ-መንግስቲ፡ በየናይ ቅዋማዊ መከላኸሊ ነፍሲ ኢኹም ክትሟጎቱ ዶስ ከተጠር ዝዎ’ሞ ኣንጠልጢልኩሞ ናብ ፍሉይ ቤት ፍርዲ ተበቆጹ ይመጸኩም አልዩ? ስለምንታይ ኢና ኣንጻር ነፍስና ንቐውም?  ዝኾነ ኮይኑ ቃለመሕትት ፓይሎት ነቶም ብግርህና ዝሓለፍናዮ ውሻጠና ከምእንፍትሽ ገይርና ኣሎ። ኣብ ገዛ እ ውሻጠና ዝፈረያ ሰባባትን መዕነውትን ኣናጹ ከኣ ተጋሊጸን። እቶም ምእንቲ መጎጎ ኣናጹ ከነሕልፍ ዝጸናሕና በሉ ሎሚኸ ምርጫና እንታይ ኢያ? ከምቀደምና ይሕለፋዶ እተን ኣናጹ? ይሰበርዶ ሞጎጎ? ሞጎጎና ከይተደኮዐዶ ይተኣ ርበዳዶ ኣናጹ? መልሲ ክህልዎ ይኽእል ኢዩ ሚኒስተር መስፍን ሓጎስ እሞ ራድዮ ኤረና ደጊምኩም ኣመቱ ግበሩ።

እዛ ትጽቢት ሓንቲ መዓልቲ ንህግደፋውያን ከኣ ኣየኽኣለቶምን። ውዲ-ሰብ መቸም “ሓንቲ መዓልቲ“ ንሓዲኡ ኢዩ ዝጽበያ። ማለተይ ወይ ነክብ ወይ ንግብ። እሞ ዓምና ከኣ ካብታ ባዕሉ ዝሰናዓ ጸላኢቱ መዓልቲ ሞት ብምትራፉ   ባዕሉ ንነፍሱ ዕድለኛ ብምጥማቑ ብሓቂ ፈታው ነፍሱ እምበር ውፉይ ከምዘይኮነ ኣብሪህልና ኣሎ። ኣብ ክንዲ’ቲ ህውተታስ፡ እንተድኣ ብሓቂ ፍቶት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ሃልይዎ፡ “ብዘይምሕማመይ ዕድለኛ ኢየ“ ዘይኮነስ፡ “ኣ ነ እንተመትኩ’ውን ተካእቲ ስለዘለዉ ሃገርና ክትህሉ ኢያ፡ ዕላማና ክሰምር ኢዩ፡ ስለዚ ኣነ እንተሓለፍኩ’ውን ህዝ ቢ ክሰናበድ የብሉን………“ ክብል ምተገብአ። እንተኾነስ ንሱ ብድሕሪኡ ትሰርር ሃገር ከምዘይትህሉ ከምስል ናይ ወ ትሩ ሕልሙ ኮይንዎ ሓንሳብን ንሓዋሩን ሸይንልና እንድዩ፡ ንሕና ከኣ ብድሕሪኡ ኣሸሓት ኢሰይያሳት ከምዘለዉና መጠን ዕላማኡ ቛጺርዎ እንተኸደ ድላይናን ድሕነትና ኢዩ።
እቲ ድራማ እምበኣር ወዝቢ ኣይኮነን መጺኡ።ጉዳይ ነፍሲ-ሄር ሚኒስተር ናይዝጊ ከይተፈትሐ እንከሎ፡ ውሽጣዊ መጋረጃ ተተርቢዑ ህግደፍ እናተተለኸ እንከሎ፡ ኣድህቦ ቃልሲ ህዝቢ ንምጥምዛዝ ተባሂሉ ብውሽጥን፡ በቲ ኢትዮ ጲያ ስለምንታይ ከምኡ ከምዝገበረት ዝተፈድሐትሉ ጥሕሳ ዶብን፡ ኮታ ኩሉ መስርሕ ዕበጦ ዕበጦን ሕኸኸኒ ክሓ ከካን ተጋሂዱ ኣሎ። ስለዚ በሉ ኩሉ ወዲኤርትራ ክትበርሃሉ ዘለዋ ሓንቲ ጉዳይ ኣላ። ህግደፍ ዕላማ ህ.ግምባር ዝ በረዘ ገዛኢ ክንሱ ተመሊሱ ኣብውሽጢ ህ.ግምባር ክሕባእ ዝቃለስ ዘሎ ጸላኢ ከምዝኾነ ልዕሊ ኩሉ በሪሁን፡ ጉዳ ይና ከኣ ጉዳይ ዘቤትና ከምዝኾነ መጠን ፡ ወያ ንጣር ቁልዒ ድማ ሸኻ ኣቃጺላስ ናብቲ ዝለዓለ ወሳኒ ግጥም ተበጺ ሑ ኣሎ’ሞ፡ ኣብዚ ንጽባሕ ዘይበሃሎ ህሞት ኣብ ልዕልን ትሕትን መሬት ንዘለዉ እሱራት ከነርክቦም፡ ተተመዝሒ ቑ ዝሽየጥ ንዘሎ ኣካላትና ከነናግፍ፡ ምእንቲ’ዛ ህላወና፡ ምእንቲ’ዛ ገዛእ ርእስና ኣለና ሎሚ ከምትማሊ፡ ኣለና ድማ ጽባሕን ድሕሪኡን፡ ኣለና ብውሽጥን ብወጻእን“ እናበልና እጃምና ከነበርክተሉ ዝግባእ ግዜ ሎሚ ኢዩ። ዘዛኒ፡ ዝገላ ብጥ ግዜ ብዘይምህላዉ ከኣ ነዛ ትጽቢት ሓንቲ መዓልትና ሳቦያ ንበል።

ጽቡቕ ቅነ!

ጎደፋ፡

08-05-12


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...