ነዚ ጽሑፍ’ዚ “ድኹም ጎኒ ኢሳያስ” ብዝብል ኣርእስቲ እየ ክጅምሮ ሓሲበ ነይረ። ደሓር ግን ቁሩብ ሓሲበ ናብዚ ኣብ ላዕሊ ዘንበብኩሞ ኣርእስቲ ቀይረዮ። ምኽንያቱ ብዛዕባ ድኹም ጎንታት ኢሳያስ ብዙሕ ተባሂሉ እዩ። ብዙሓት ኤርትራዉያን ተንተንቲ ፖለቲካን ጸሓፍቲን ብመጽሓፍትን ናይ ኢንተርነት ዓንቀጻትን ኣቢሎም ንድኹም ጎንታት ኢሳያስን ስርዓቱን ብኹለንትናኡ ፈቲሾም ኣርእዮምና እዮም። የርእዩና’ዉን ኣለዉ። ዶክተር በረኸት ሃብተስላሰ፡ ረድኢ መሓሪ፡ ወልዴሱስ ዓማር፡ ጋይም ክብረኣብ፡ መንግስተኣብ ኪዳነ፡ ኣንቶንዮ ተስፋይ፡ ኣማኑኤል እያሱ፡ ተስፋልደት ኣለም መሓረና፡ ኣማኑኤል ሳህለ፡ ሳልሕ ጆሃር፡ ሳልሕ ዩኑስ፡ ዓሊ ሳልም፡………..ገለ ካብኣቶም እዮም።

ዝተፈላለዩ ሰባት ብዛዕባ ናይ ዉልቀሰባትን ጉጅለታትን “ሓያል ጎኒ” ወይ “ድኹም ጎኒ” ክገልጹ ከለዉ ከከም ኣመለኻኽታኦም ክፈላለዩ ስለዝኽእሉ ከይረዳድኡ ይኽእሉ እዮም። ንኣብነት መራሕቲ ስርዓት ህግደፍ ዕሙታት ሰዓብቲ ክምልምሉ ከለዉ ዝጥቀምሉ መዐቀኒ ሓያልን ድኹምን ጎንታት ከመይ ከም ዝመስል ምርኣይ ይከኣል’ዩ።

ቅኑዕ ሃገራዊነት………………………….………..ድኹም ጎኒ
ምስሉይ ሃገራዊነት………………………..………ሓያል ጎኒ
ንህዝቢ እሙን ምዃን……………………………..ድኹም ጎኒ
ንህግደፍ እሙን ምዃን……………………...……ሓያል ጎኒ
ንነገራት ብነቐፌታዊ ዓይኒ ምርኣይ………………ድኹም ጎኒ
ሓታቲን ፈታሺን ኣእምሮ ዘይምዉናን…………..ሓያል ጎኒ
በዓል መትከልን ዕላማን ምዃን…………………..ድኹም ጎኒ
መትከል-ኣልቦን ዕላማ-ኣልቦን ምዃን…………….ሓያል ጎኒ

ነዘን ኣብ ላዕሊ ዝተገልጻ “ሓያል” ጎንታት ዝዉንን ዜጋ ኣብዚ እዋን ኣብ ኤርትራ ክነብር ጸገም የብሉን። እዘን ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሳ “ድኹም” ጎንታት ዘለዉኦ ዜጋ ግን ናይ ሎሚ ኤርትራ ትኹርኩሖ እምበር ኣይትጥዕሞን። ቅድሚ ናብቲ ከብርሆ ዝደሊ “ሓያል” ጎኒ ኢሳያስ ምእታወይ ብዛዕባ ኢሳያስን ኣካይዳኡን ሓደ ሓደ ሓሳባት ወስ ከብል።

****
ንመበገሲ ክኾነና ንኢሳያስ ካብ ባሕሪ ብጭልፋ ንገምግሞ እንተ ደኣ ተባሂሉ ብዛዕባኡ ብዙሕ ክበሃል ይከኣል እዩ። ንኣብነት ኢሳያስ ኣብ ተርታ “ንሓቂ ዝሞቱ” ዝበሃሉ ዓይነት ሰባት ዝስራዕ ኣይኮነን። ብኣንጻሩ ኣምሰሉ እዩ። ናይ ሳሕል ምስሉይነቱ ሎሚ’ዉን ምስኡ ኣሎ።

ኢሳያስን ጉጅለኡን ካብታ ኣደ ዉድብ (Mother Organization) ዝነበረት ተሓኤ ተፈንጪሉ ኣብ ሰፊሕ ክፋል ከበሳታት ኤርትራ ኣርማ ዉጹዓት ዓቲሩ ምስ ተንቀሳቐሰ (ንስለ ዉጹዓት ዘይቈመ ክነሱ) ምስሉይነት ኢሳያስ ተኸዊልዎም፡ “ክብሩ ይስፋሕ መድሃኒኣለም! ህዝባዊ ግንባር ተወሊዱልና!” እናበሉ ዘመስግኑን ነመስግን ዝብሉን የዋሃት ካህናት ከይተረፉ ኣብቲ ዉድብ ብኣባልነት ተመልሚሎም ከም ዝነበሩ ሎሚ ዓይኒ ዘንቁሑ ገዳይም ኣባላት እቲ ዉድብ ዝትርኹልና ዛንታ እዩ። “ዕድል ኣሎኒ ግንባር ኣሎኒ ህዝባዊ ግንባር ዘሰለፈኒ” ዝብል ደርፊ “ህዝባዊ” ግንባር ሰሚዖም ተጋዳላይ “ህዝባዊ”  ግንባር ምዃን ምስ ዕድል ዝጽብጸብ ዝመስሎም የዋሃት ተቓለስቲ ከም ዝነበሩና ዘይንፈልጥ ወይ ዘይሰማዕና ንህሉ ኢና ዝብል ግምት የብለይን።

በዚ ምስሉይነት’ዚ ተደናጊሮም፡ ኢሳያስ ህዝቡን ሃገሩን ዝፈቱ፡ ብጻይነት ዝፈልጥ፡ ቅድሚ ነብሱ ንሃገር ዘቐድም፡ ለባም፡ ሓቀኛ፡ እሙን፡…እናመሰሎም ብዓባያ እታ ዉድብ’ዉን ናታቶም እናመሰለቶም ዕድሚኦም ኣብ ቃልሲ ዘብለዩ ብዙሓት ዜጋታት ሎሚ ክጠዓሱ ርኢናን ሰሚዕናን ኢና። “ህዝባዊ” ግንባር ናይ ዉሑዳት ኣብ ትሕቲ “ሰልፊ ናጽነት” ዝተወደቡ ተበለጽቲ እምበር ናይቲ ዝበዝሕ ብተወፋይነት ዝጋደልን ህይወቱ ዝብጁን ዝነበረ ተጋዳላይ ከም ዘይነበረት ንኽገሃድ 23 ዓመታት (1970-1993) ወሲዱ።

ኢሳያስ ንሱ ዘይመርሓ ኤርትራ ዋላ ህልም እንተበለት ዝዓጦ ኣይኮነን። እቶም ኢሳያስ ናይ ናጽነት ተቓላሳይ ዝመስሎም ዜጋታት፡ ኢሳያስ፡ “ኢትዮጵያ ካብ ትከፋፈል ንስኻ ንኹላትና ዘይትመርሓና” ዝብል ምሕጽንታ ቀሪቡሉ ሕራይ ኢሉ ተሰማሚዑ ከም ዝነበረ ብጭብጢ እንተዝንገሮም እንታይ ኮን ምበሉ!? ንምሉእ ትሕዝቶ ናይዚ ዛንታ “ክህደት በደም መሬት” ዘርእስታ መጽሓፍ ዳዊት ወልደጊዮርጊስ ተወከሱ ኢለ ጥራይ ክሓልፎ።

ብዛዕባ ኢሳያስ ንምዝራብ ንኢሳያስ ብዉልቂ ምፍላጥ ኣየድልን እዩ። ነቲ ናይ ቅድሚ ናጽነት ኣካይዳኡ ነቶም ዓይኒ ዘንቁሑ ዝበልኩዎም ኣያታትና ተወኪስካ፡ ነዚ ናይ ሕጂ ድማ ብዓይንኻ ተዓዚብካን ኣስተብሂልካን ብዘይ ትንታነ ጥረ ሓቅታት ምቕራብ ይከኣል እዩ። ንኣብነት ኢሳያስ ሕማቕ ይኹን ጽቡቕ ዕላማ ዘለዎ ሰብ ኣይፈቱን እዩ። ዝበዝሑ ካብቶም ኣብ ዓበይትን ማእከሎትን መናብር ስልጣን ኣቐሚጥዎም ዘሎ ሰበ-ስልጣንን ካድረታትን ናትና ዝብልዎ ዕላማ ዘይብሎም ሽዩጣትን ንኸብዶም ዝነብሩን እዮም። እዞም ሕጂ ዘለዉ ካድረታት እሞ ከኣ ካብቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ገዲድዎም፡ ኢሳያስ ናይ ሕማቕ መራሒ መደረ ከስምዕ ከሎ ብዘየስሕቕ ነገር እናሰሓቁ ኣዳራሻት ምንቕናቕ ለሚዶም ኣለዉ።

ክልተ ኣብነታት ክጠቕሰልኩም። “ንጉዕዞ 20 ዓመት ጽላት ትምህርቲ ንምግምጋም” ሲምፖዝዩም ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኣብ ኣዳራሽ ኤክስፖ ምስ ተኸፍተ፡ ኢሳያስ ኣብ ዘስምዖ መኽፈቲ ቃል “20 ዓመት መመላእታ ብታኒካ ዝተሰርሓ ኣብያተ ትምህርቲ ሃኒጽኩም ትኾኑ፡ ዝፈረየ ነገር ግን የለቦን” ኢሉ ኣቃጫጭ ሰሓቕ እናሰሓቐ ንሚኒስትሪ ትምህርቲን ሓለፍቱን ክዝልፍ ከሎ ካብ ጻት ንጻት እቲ ኣዳራሽ ዝተሰምዐ ነጎድጓዳዊ ሰሓቕ ካድረታትን ሰበ-ስልጣንን ሎሚ ኮይኑ ይረኣየኒ። ነቶም ኣብኡ ዝነበርና ጋዜጠኛታት ሚኒስትሪ ዜና ዝገረመና ቀንዲ ነገር ግን እቲ ዘለፋ ብቐጥታ ዘነጻጸረሎም ሚኒስተር ሰመረ ርእሶምን ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕን እዉን ከም ሰቦም ምስሓቘም እዩ።

እታ ካልአይቲ ኣጋጣሚት ኣብ ቀዳመይቲ ዕለት ሃገራዊ ዋዕላ ሙዚቃ ኣብ ኣዳራሽ ሆቴል ኣስመራ ፓላስ ዝተዓዘብክዋ እያ። ኢሳያስ ከም ልማዱ ኣብ መኽፈቲ እቲ ዋዕላ መደረ እናስመዐ ከሎ፡ “ከምቲ ብመግቢ ርእስና ንኽኣል ንብል ዘለና ብሙዚቃ’ዉን ርእስና ክንክእል ኣለና” ምስ በለ እቲ ልሙድ ናይ ሽዩጣት ሰሓቕ ተደርጉሐ። መቸም ብመደናገሪ ቃላት ኢሳያስ መዓንጣ ከብዱ ዝሓረረ ዜጋ ነዚ ዘረባ’ዚ ብኣካል ኮፍ ኢሉ ክሰምዕ ከሎ ደም ብዝሒ እንተጸኒሕዎ ትንፋሱ ብኡ ገይራ ስቱኽ ክትብል ትኽእል’ያ። ሕቡንን ጻዕራምን ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ከም መግቢ ዝኣመሰለ መሰረታዊ ነገር ከይተረፈ ተሸጊሩ እናነበረ ከሎ ብመዝሙር “ምርግጋጽ ዉሕስነት መግቢ” ኣእዛንና ምጽማሙ ከይኣክል እንደገና ነዚ መዝሙር’ዚ “ምርግጋጽ ዉሕስነት ሙዚቃ” ዝተባህለ ካልእ ንጽል ዜማ (Single Track) ተደሪብዎ።

ኣብዚ ግን ሓንቲ ትገርመኒ ነገር ኣላ። ኤርትራ ብሙዚቃ ርእሳ ክትክእል ኣለዋ ንዝብል ኣበሃህላ ንጎኒ ገዲፍና፡ ኤርትራ ብሙዚቃ ርእሳ ንምኽኣል ክትጽዕር እንተኾይና ነቲ ጻዕሪ ሙዚቃታት ኢትዮጵያ ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ከይስማዕ ብምኽልካል ድያ ክትጅምሮ ዘለዋ!? ደርፍታት ኢትዮጵያ ብዘይ ወግዓዊ ኣገባብ ተኸልኪሉ ከብቅዕ ኢሳያስ ግን ምስ ዋና ኣሰናዳኢ መርበብ ሓበሬታ  ethiopianreview.com ኣቶ ኤልያስ ክፍሌ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መጠይቕ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ተሓቲቱ “ኣይከልከልናን” ኢሉ ክኽሕድ ሰሚዐዮ ኣለኹ።

****
ናብቲ ትርጉም ዘይብሉ ናይ ሰሓቕ ግብረ መልሲ ካድረታት ህግደፍ ክመልሰኩም። ኣብ ዘመነ ስርዓት ናዚ፡ ኣዶልፍ ሂትለር ኣብ ቅድሚ ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ቀሪቡ መደረ ከስምዕ ከሎ ዝዝዉተር ዝነበረ ሓደ ልማድ ነበረ። እቲ ልማድ እዚ ዝስዕብ’ዩ። ጽሑፍ ናይቲ መደረ ኣቐዲሙ ብቕዳሓት ተዳልዩ ነቶም ሚኒስተራት ይወሃቦም። ኣብቲ ጽሑፍ ናይ ጣቕዒት ግብረ-መልሲ የድልዮ’ዩ ኣብ ዝበሃል ሕጡበ-ጽሑፍ (Paragraph) Loud Clap Here! ማለት “ኣብዚኣ ነጎድጓዳዊ ጣቕዒት” ዝብል ሓበሬታ ብሓጹር ይቕመጦ። በዚ መሰረት ሂትለር ኣብቲ ቤት ምኽሪ መደረኡ ከንጎድጉዶ ከሎ ሚኒስተራቱ ድማ ኣብቲ ጽሑፍ ብዝሰፈረ ሓበሬታ መሰረት ብጣቕዒት የሰንዩዎ። ኢሳያስ ብኸምዚ ዘለዎ ኣብ ስልጣን ክቕጽል እንተ ደኣ ተፈቂዱሉ ድማ እዚ ልማድ’ዚ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ካቢነ ሚኒስተራት ከም ዝተኣታቶ ጥርጥር የለን።

****
ቀደም ዘመን ሓደ ስሙ ዘይዝክሮ ጨካን ንጉስ ነበረ። እዚ ንጉስ’ዚ ታሪኹ ከም ዘዘንትዎ ሓደ መዓልቲ ኣብ እርጋኑ ኣኼባ ላዕለዎት ሹማምንቲ ናይቲ ንግስነት ጸዊዑ ኣኼባ እናካየደ ከሎ ኣብ መንጎ ብኸቢድ ድቃስ ተሰኒፉ ልቡ ኣጥፊኡ ደቀሰ። እቶም ሹማምንቲ ኣዝዮም ይፈርሑዎ ስለዝነበሩ ሓደ እኳ ካብ ድቃሱ ዘበራበሮ ኣይነበረን። ኣብ መወዳእታ እቲ ንጉስ ኣብታ ንኣኼባ ዝተቐረበትሉ ጣዉላ ድቃሱ ጸጊቡ ምስ ተበራበረ እቶም ሹማምንቲ ኣብ ኮፍ ዝበሉዎ ኮይኖም ቁሊሕሊሕ ክብሉ ረኣዮም። ወዮ ንጉስ ነገራቱ ኣርሚምዎ፡ “ክቡራን! ክሳብ ሕጂ ኣብ ስልጣን ዲና ዘለና” ኢልዎም ይበሃል። ዝኾነ ኾይኑ ስርዓት ህግደፍ ብሓይሊ ህዝቢ ካብ ሱሩ እንተዘይተነቒሉ፡ ኢሳያስ ብዉኑ ጥራይ ዘይኮነ ብድቁሱ፡ ዋላ’ዉን ብሕማም ኣብ ዓራት ተደኒሱ ክገዝኣና እዩ።

****
ብዛዕባ ኣብ መንጎ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራን ኢሳያስን ዘሎ “ፍቕሪ” ብዙሕ ተባሂሉ እዩ። ካብ ሰብ መዚ መንበረ ፓትርያርክ ክሳብ ገለ ታሕተዎት ኣባላት ኣብያተ ክህነት እንተስ ብልቦም እንተስ ብኩሊቶም ምስ ኢሳያስን ስርዓቱን “ፍቕሪ” ኣለዎም። ኣብተን ኣብ ኣስመራ ዝርከባ ኣብያተ ጸሎት ካቶሊክ፡ ወንጌላዊት/ሉተራን፡ ከኒሻ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት እናኣተኹ ናይ ጸሎት ስነ-ስርዓት ተኸታቲለ ኣለኹ። “ንመራሒና ኢሳያስ ዕድመን ጥዕናን ክህቦ ጸሎትና ነዕርግ!” ትብል ጸሎት ግን ብዘይካ ኣብ ኣድባራት ኦርቶዶክስ ኣብተን ካልኦት ሰሚዐያ ኣይፈልጥን። ደሓር ግን እዚ ብኸመይ ክኸዉን ክኢሉ ኢለ ምስ ሓተትኩ መምርሒ ሲኖዶስ ምዃኑ ፈሊጠ።

ኣብ ብዙሓት ኦርቶዶክሳዊ ኣብያተ ክርስትያን ኣስመራ ብተደጋጋሚ ክትወሃብ ዝሰማዕኩዋ ስብከት’ዉን ኣላ። እታ ስብከት፡ “እዚ ኩሉ ወሪዱና ዘሎ ሓጥያትና በዚሑ ስለዘሎ’ዩ እሞ ምህለላ ኣይነቋርጽ!” ትብል እያ። ንዓይ ከም ዝርደኣኒ መልእኽቲ ናይ ከምዚ ዓይነት ስብከት፡ “ንመንግስቲ ቁሊሕ ኣይትበልዎ። ረስዕዎ። ሽግርና ኣብ ሓጢኣትና’ዩ ዘሎ” ማለት እዩ። ብኻልእ መገዲ እንተ ደኣ ኣሽሪፍናዮ ድማ ኣምላኽ ብሓጥያትና ተቘጢዑ’ዩ ንኢሳያስ  ፈጢሩልና ማለት እዩ። ነዚ ዳሕረዋይ ገዲፍና ነቲ ቀዳማይ እንተ ደኣ ወሲድና፡ ፖሊሲታት መንግስቲ ንዝፈጠሮ ርኡይ ሃገራዊ ጸገም ቁጠዐ ኣምላኽ ዘምጽኦ ገይሮም ዝሰብኩ ካህናት ዝነገሱሉ ትካል እምነት መሳርሒ መንግስቲ ክኸውን ደኣ ሓቁ እንድዩ ዘብል እዩ። ኣነ ተኸታሊ ሃይማኖት ኦርቶዶክስ እየ። ናይ Anti-Orthodox Bias ስለዘለኒ ዘይኮነ ነቲ ዝተዓዘብክዎ ብነቐፌታዊ ዓይኒ ስለዝረኣኽዎ እየ ዝዛረብ ዘለኹ።

****
ኢሳያስ ስልጣኑ ብኣምላኽ ከም ዘይተዋህቦ ኣጸቢቑ ይፈልጥ እዩ። “ሓያል” ጎኑ ተጠቒሙ ንስልጣን ከም ዝበቕዐ ስለ ዝኣምን ነዛ ስልጣን እዚኣ ንምሕላዉ ኩሉ ክገብሮ ዝግባእ ካብ ምግባር ዓዲ ዉዒሉ ኣይፈልጥን። ብመሰረቱ ኢሳያስ ብህላወ ኣምላኽ ዝኣምን ሰብ ኣይኮነን። ስለዚ “ሰብ ምቕታል ሓጢኣት’ዩ” ኢሉ ክሓስብ ኣይክእልን። “ሰብ ምቕታል ሓጢኣት ኣይኮነን” ኢሉ ዝሓስብ ሰብ ከኣ ካብ ናይ ሕልና ሕቶ ናጻ ምዃኑ ክዝንጋዕ የብሉን።

ንሕና ደቂ ሰብ ኣምላኽ ኣእምሮን ኢደ-እግሪን ምስ ሃበና ናይ ምድሪ ሓላፍነት ንዓና ከም ዝገደፈልና ተመራሚርና በጺሕናዮ ኢና። ስለዚ ዝደለናዮ ምግባር ናትና ግደ እዩ። ዘይንደልዮ ኣሜን ኢልና እንተ ደኣ ተቐቢልና ድማ ናትና ድኽመት እዩ። ብዝተረፈ ንኢሳያስ ኣምላኽ ኣይኮነን ፈጢሩልና። ስለዚ ኣምላኽ ካብ ስልጣኑ ኣይኣልዮን እዩ። ብሰላም ይኹን ብሓይሊ ካብ ስልጣን ከም ዝእለ ናይ ምግባር ተግባር ናትና ሓላፍነት እዩ። ኢሳያስ ዋላ’ዉን ብባህርያዊ ሞት ተቐዚፉ እንተሓለፈ፡ ንዕኡ ዝመስሉ ጎሓላሉ መልሚሉልና ስለዝኾነ ብሕልፈቱ ተዛኒና ናህሪ ቃልስና ክንንኪ ኣይግባእን።

****
ናብ መበገሲ ጽሑፈይ ክኣቱ። ኢሳያስ ብዘይ ሓታቲ 20 ዓመታት ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ዘኽኣሎ ሓደ ዘይከሓድ “ሓያል” ጎኒ ኣለዎ። ንሱ ድማ ንድኹም ጎኒ ደንበ ተቓዉሞ ብልክዕ ምፍላጡን ንዕኡ ብዝግባእ ክጥቀመሉ ምኽኣሉን እዩ። ብዛዕባ ድኹም ጎኒ ደንበ ተቓዉሞ ብዙሕ ተባሂሉ ስለዝኾነ ኣብዚ ኣይደግሞን እየ። ብዝኾነ ግን ኣብዚ ዝሓለፈ ወርሒ “ገለ መራሕቲ ደንበ ተቓዉሞ ምስ ኢሳያስ ምስጢራዊ ርክብ ከም ዘለዎም” ተጋዳላይ ፓይሎት ከም ዝገለጸ ዝሕብር ዜና ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ምስ ኣንበብኩ ኣብ ኣእምሮይ ቅጅል ዝበለኒ ነገር እንተሃልዩ እዚ ጉዳይ’ዚ እዩ። ድኹም ጎኒ ደንበ ተቓዉሞ ንኢድ ኣእታዉነት ኢሳያስ ዕድል ዝህብ ኮይኑ ከም ዝጸንሐን ዘሎን ዝፍለጥ እዩ። “……..ዝበዝሑ ኣብ ስደት ዝነብሩ ኤርትራዉያን ኣብ ትሕቲ ደንበ ተቓዉሞ ክጥርነፉ ብዘይ ምኽኣሎም፡ ከምኡ’ዉን ደንበ ተቓዉሞ ነቲ ስርዓት ናይ ምቕያር ወይ ፖሊሲታቱ ንኽቕይር ናይ ምስግዳድ ዓቕሚ ከም ዘለዎ ከርኢ ብዘይ ምኽኣሉ……..” ዝብል ቅኑዕ ኣበሃህላ ዝሓለፈ ዓመት ተሓቲማ ኣብ ዝወጸት Wounded Nation ዘርእስታ ናይ ዶኽተር በረኸት መጽሓፍ ኣንቢበ ኣለኹ።

ዝኾነ ኾይኑ ኢሳያስ ንድኹም ጎኒ ደንበ ተቓዉሞ ኣለልዩ ዕዮ ገዝኡ ብጽፈት ክሰርሕ ስለዝጸንሐ ሓጹር ቤተ መንግስቱ ከየድፈረ ክጸንሕ ክኢሉ ኣሎ። ናቱን ናይ ተቓወምቱን ዓቕሚ ብወድዓዉነት ዘይመዝን መራሒ ብሻንብቆ ብረት ጥራይ ደዉ ክብል ከም ዘይክእል ኢሳያስ ካብ ታሪኽ ኮሎኔል መንግስቱ ሃይለማርያም ተማሂርዎ ክኸዉን ኣለዎ ዝብል ግምት ኣለኒ። ምኽንያቱ መንግስቱ ንኽወድቕ ኣበርክቶ ካብ ዝነበሮም ብዙሓት ረቓሒታት ሓደ ኣብ ልዕሊ ጸላእቱ ዝነበሮ ክቱር ንዕቀት እዩ።

ኢሳያስ ንህዝቢ ብኣርዑት ጭቈና ቈሪኑ እናገዝአ ብኸመይ ክንድ’ዚ ዓመታት ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ክኢሉ!? “ብሓይሊ ብረት” ዝብሉ ኣለዉ። ከም ኢሳያስ ዝኣመሰሉ ዉልቀመለኽቲ ዝዓጥቅዎ ብረት ግን ብኻልኣይ ደረጃ ዝረአ እምበር ወሳኒ ከም ዘይኮነ ናይዚ ቀረባ እዋን ህዝባዊ ሰዉራታት ሃገራት ሰሜን ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ብግብሪ ኣርእዮምና እዮም። ኢሳያስ 20 ዓመታት ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ዝኸኣለ እቲ ኩሉ ግዜ ዝዉከሶ ኣብ ከባቢ እንገርነ (ቡኮ እትበሃል ዓዲ) ዝነብር “ሸኽ” ብዝህቦ ጥንቆላዊ ምዕዶታት ኣይኮነን። እቲ መልሲ ሓደ እዩ፡- ንድኹም ጎኒ ደንበ ተቓዉሞ ብልክዕ ስለ ዝተጠቕመሉ ጥራይ እዩ።

ብዙሓት ዜጋታት ኢሳያስ ብኸመይ ክእለ ከም ዝኽእል ዝሕብር ወርቃዊ ሓሳባት ክህልዎም ከም ዝኽእል ዘጠራጥር ኣይኮነን። እዞም ሓሳባት እዚኣቶም ናብ ግብሪ እንተ ዘይተሰጋጊሮም ግን ትርጉም-ኣልቦ እዮም። ትርጉም-ኣልቦ ኮይኖም ዝተረፉ ሓሳባት መሊኦምና እዮም።

“ጥበብ ኣመራርሓ” ኢሳያስ ንድኹም ጎኒ ደንበ ተቓዉሞ ብልክዕ ምፍላጡ እዩ ንዝብል ሓሳብ ዝደጋግሞ ዘለኹ ብዘይ ምኽንያት ኣይኮነን። እዚ ነጥቢ’ዚ ኣጸቢቑ ክበርህ ስለዝደለኽዎ እየ።

ብደንበ ተቓዉሞ ኣብ ዝካየድ ፕሮፖጋንዳዊ ዘመተ፡ “ጨፍላቂ ስርዓት ህግደፍ ኣብቂዑ’ዩ ወዲኡ’ዩ” ኢልካ ምጽሓፍን ምጉስጓስን ብዓይኒ ዜናዊ ረብሓ ግቡእ ምዃኑ ዝከሓድ ኣይኮነን። እቲ ፖለቲከኛ ዝበሃል ነቲ ባዕሉ ዝጸሓፎ ፕሮፖጋንዳ ኣሚኑ ካብ ስራሕ እንተበዂሩ ግን ተሓጺብካ ጭቃ እዩ ዝኸዉን። መንግስቱ ሃይለማርያም፡ “ሻዕብያን ወያነን ዘለዎም የብሎምን ኣብቂዖም’ዮም” እናበለ ኣብ ኣደባባይ ህዝቢ ይሰብኽ ነይሩ። ነቲ ባዕሉ ዝመሃዞ ስብከት ተመሊሱ ስለ ዝኣመኖ ድማ ሓደ ካብ መጥፍኢኡ ኾይኑ።

“ሓያል” ጎኒ ኢሳያስ ድኹም ጎኒ ደንበ ተቓዉሞ ብትኽኽል ምፍላጡ እዩ ኢለ ኣለኹ። ስለዚ ብኣንጻሩ ደንበ ተቓዉሞ ንድኹም ጎኒ ኢሳያስን ስርዓቱን ኣለልዩ እንተ ደኣ ተጠቒሙሉ ብቐሊሉ ኣጥቂዑን ኣዳኺሙን ናብቲ ዘይተርፎ ናይ ታሪኽ ጐሓፍ ክድርብዮ ይኽእል’ዩ። ንድኹም ጎኒ ኢሳያስን መንግስቱን ዘይምፍላጥ ማለት ግን ንሕማም ኣንቅጺ ከኒና ዓሶ ከም ምእዛዝ እዩ ዝቑጸር። ኢሳያስ ኣብ ሚድያታትን ዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት ስም ወያነ ካብ ኣፉ ዘይፈሊ ወይ ካብ ርእሲ ወያነ ዘይወርድ ስለምንታይ እዩ እንተ ደኣ ኢልና ብቐንዱ ወያነ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ከጥቅዓኒ ይኽእል’ዩ ዝብል ስግኣት ስለዘለዎ ጥራይ ዘይኮነ “ወያነ ንድኹም ጎነይ ብልክዕ ይፈልጦ’ዩ” ኢሉ ስለ ዝኣምን እዩ። “ምስ መተዓብይትኻ ኣይትሰደድ” ዝብል ምስላ ነዚ ስግኣት ኢሳያስ ዝገልጾ እመስለኒ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ከተማ ኣዋሳ ተኣኻኺቦም ጠቕላሊ ባይቶ ዝመስረቱ ዉድባትን ደገፍቶምን እንተላይ ንስርዓት ኢሳያስ ዝቃወሙ ዜጋታት፡ ከም ሓደ ሰብን ከም ሓደ ጉጅለን ኮይኖም ነዚ ዓፋኒ ስርዓት ንምቅዋም ዘርኣዩዎ ዘደንቕ ሕብረት ኣንጻር እቲ ኢሳያስ ዝተኣማመነሉ “ሓያል” ጎኒ ዝተተኮሰ መድፍዕ እዩ ነይሩ ክበሃል ይከኣል። ተቓወምቲ ዉድባት ነቲ ነባሪ ኮይኑ ዝጸንሐ ድኽመታቶም ከወግዱ እንተኽኢሎም ኢሳያስ ነታ እንኮ ናይ መጥቅዒት ካርዱ ተመንጢሉ ጥራይ ኢዱ ተሪፉ ማለት እዩ።

ኢሳያስ፡ “ተቓወምቲ ዉድባት ስምረት የብሎምን፡ ኣብ ትሕቲ ጽላል ሓደ ምትእኽኻብ ኮፍ ኢሎም ክመያየጡ ኣይክእሉን’ዮም” ኢሉ’ዩ ዝኣምን። ስለዚ ተቓወምቲ ዉድባት ናይ ምትእኽኻብ ፈተነ ከካይዱ ከለዉ ምሉእ ሓይሉ ነቲ ሕብረት ኣብ ምብታን የዉዕሎ። ሃይማኖታዊ፡ ኣዉራጃዊን ብሄራዊን ኣጀንዳታት እቶም ዝቐለሉ ናይ መከፋፈሊ ሜላታት ከም ምዃኖም መጠን ብዙሕ ግዜ ነዞም ሜላታት ተጠቒሙ ክኸፋፍል ይፍትን። ኢሳያስ ነዚ ጥበብ’ዚ ኣንጻር ጉጅለ-15’ዉን ከም ዝተጠቕመሉ ዝዝከር’ዩ። ምንቅስቓስ ጉጅለ 15 እናበርትዐ ምስ ከደ ነቶም ኣባላት ንምክፍፋል ናብ ሓደ ካብኣቶም ዝነበረ ብ/ጀ ሙሳ ራብዓ ዝተላእኩ ሰባት፡ “እዚ ጉጅለ’ዚ ናይ ኣከለጉዛይ ጉጅለ’ዩ። ከየጋግዩኻ፡ ኣብ ዘይሓውኻ ኣይትስሓን!” ኢሎም ምስ መኸርዎ ሓቂ መሲልዎ ተቐላጢፉ ካብቲ ጉጅለ ከም ዘንሰሓበ ሓደ ኣብዚ እዋን ዝደስከለ ኣባል ወተሃደራዊ ስለያ ዝነበረ ኮሎኔል ኣብ ኣስመራ ኣዕሊሉኒ ነይሩ።

መራሕቲ ደንበ ተቓዉሞ ከምዚ ሕጂ ጀሚሮሞ ዘለዉ ፍልልያቶም ብደሞክራሲያዊ መንገዲ ኣመሓዲሮም ናብቲ ናይ መወዳእታ ሸቶ ብትግሃት ክግስግሱ ይኽእሉ’ዶ ይኾኑ?

ሚእቲ ካብ ሚእቲ “እወ ይኽእሉ’ዮም” ምባል ዘሸግር እኳ እንተኾነ ኣርሒቘም ክጥምቱን ክብርትዑን እንተ ኽኢሎም ኣይክጽግሞምን እዩ። እቲ ዉሽጣዊ ቃልሲ ፈታኒ ከም ዝኾነ፡ “ሓያል” ጎኒ ኢሳያስ’ዉን ኣብ ቦትኡ ከም ዘሎ ዝሰሓት ኣይኮነን። ነዘን ኣብ ቅድሚኦም ዘለዋ መፈንጠራታት ብብቕዓት እንተሰጊሮመን ግን ነቲ ሸቶ ኩላትና ዝኾነ ሸቶኦም ክወቕዑ ዘይክእሉሉ ምኽንያት የለን። ምረት ህዝቢ ኤርትራ ነዚ መንግስቲ’ዚ ንምእላይ እኹል ዕቑር ዓቕሚ እዩ። ስለዚ ምክእኣል የድሊ። ዉሽጣዊ ምትፍናን ደዉ ክብል ይግባእ። እቲ ጉዕዞ ናብ ዲሞክራሲ እንተኾይኑ፡ “ናተይ ፖሊሲ ካብ ናትካ ፖሊሲ ይሓይሽ” ዝብል መጐት ግዜኡን ወቕቱን ኣይኮነን። ብናይ ፖሊሲን ኣተሓሳስባን ፍልልያት ንሓድሕድካ ምንኻስ ን”ሓያል” ጎኒ ኢሳያስ መሊስካ ምሕያል ጥራይ እዩ ዝኸዉን።

ኣማኑኤል ማህደረ
(This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.)


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...