ገለ ገለ ዛንታታት፣ ሙዚቃዊ ህርመት ወይ ድርሰት፣ ጸወታን ዕላልን መበገሲኡ ወይ ጽልዋኡ ወይ ገዲፍዎ ዝኸይድ ኣሰር ግርም እዩ ዝብለካ።

ካብዚ ሓንቲ፣ ቀደም ኣብ መባእታ ተምሃራይ እንከለኹ ዝሰማዕክዋ፤ መበቆላን እንታይነታን ዘይፈልጣ ሙዚቃዊ ቅኒት እያ። እዛ ቅኒት እዚኣ፣ ኣብ ገለ መሽጎርጎር ከብሕታት እምሮይ ተሰግሲጋ ከም ገለ ብልጭ ድርግም እትብል፤ ብባህርያዊ መሃሰውታ ጎጊለ ሃሰው ክብላ ክንደይ ዘይፈተንኩ።

ብርግጽ ነዛ ህርመት እዚኣ ዝሰማዕክዋን ጦብላሕታ ዝገደፈትለይን፣ ኣብቲ ምስ መሳቶይ ብቤት ትምህርትና " ፊልም ክትሪኡ " ተባሂልና፣ ተሰሪዕና ኣብ ኣስመራ ናብ ቺነማ ሮማ ምስ ከድና እዩ።። ነታ ሕብራዊት ዘይኮነት፣ ናይ ጸላምን ጻዕዳን ፊልም ዘይርስዓ፣ ካብቲ ቅድሚ ሽዑ ዝረኣኽዎ ናይ ጥልያን ወይ ፈረንጂ ፊልም ፍልይቲ ጥራይ ዘይኮነትሲ፣ እቲ ዘንታዊ ቋንቋ ውን ሓበሻዊ -- ኣምሓርኛ ብምንባሩ እዩ።

ኮይኑ ግና፣ ኣብታ ፊልም ንዓይሲ ቀንዲ ዝኽሪ ዝገደፋለይ እተን ውበትን ግርማን ዝዓሰለን፣ ዕትሮ ተሓንጊጠን ማይ ዝወርዳ፣ ፊደል ዝምህራ፣ ወፋሮ እደገት በህብረት ዘመቻ፣ ጎራዙት እትዮጵያ ጥራይ ኣይንበራን። እንታይ ደኣ፣ እታ ካብ ፈለማ ስጋብ ተፈጸመ፣ ኣብ መንጎ መንጎ እናኣተወት ነታ ዘጋቢት ፊልም ተሰንያ ዝነበረት ቅኒት ሙዚቃ እያ።

ብድሕሪ እዚ፣ ነዛ ቅኒት ኣብ ራድዮን ተሌቪጅንን ኢትዮጵያ ክንደይ ግዜ ከም በርቂ ብልጭ ድርግም ዘይበለትኒ።

ስጋብ እዚ እዋን፣ ኣብ ገለ ሸነኽ ነዛ ቅኒት ዝመሳሰል፣ ኣብ ሙዚቃዊ ስልትታት ርሑቕ ምብራቕ ኤስያ፣ ብፍላይ ኣብ ስርሓት እቲ ህቡብ ጃፓናዊ ኪታሮ፣ ከምኡ ውን ኣብ ገለ መሰረታዊ ሙዚቃ ደቡብ ቻይና ከምገለ ጎፈጎፍ ቅጅል ትብለኒ።

ኮይኑ ግን፣ ምስጢርን ሕንቂል ሕንቂለተይን እዛ ቅኒት፣ ኣብ ዘይተጽበኽዎ መዓልቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን እንተላይ መጽውዒ ስማ፣ ወዝቢ ኣብ ኢንተርነት ተጋህደለይ። ናይዛ ቅኒት መቦቆላዊ ስማ "ባለ ዋሽንቱ" ማለት "በዓል ሻምብቆ" ኮይና ፣ እታ ናይ ፈለማ ቅዳሕ፣ ማለት፣ እታ ኣብ ቺነማ ሮማ ዝሰማዕክዋ፣ በመሪሕነት ኢትዮጵያዊ ኮንዳክተር መምህር ኣሸናፊ ከበደ፣ ምስ ሃገራዊ ፊልሃርሞኒክ ኦኬስትራ ሃንጋሪ፣ ኣብ ምብራቕ ኣውሮጳ ብ ዓመተ 1968 ፣ ገና ኣነ ከይተወልድኩ ፤ ብዘይ ሓገዝ ናይ ኮምፒተር ወይ ኤለክትሮኒካዊ ናውቲ ዝቓነያ ቅኒት እያ።

በዓል ሻምብቆ፣ ሱር መሰረታ ኣብቲ ነዋሕቲ እምባታት ኢትዮጵያ ኣባጊዖም እናጓሰዩ ሻምብቆኦም ዝጻወቱ እኳ እንተኾነት፣ ነዊሕ ዝኾነ ናይ ገዛእ ርእሳ ዛንታ ውን ኣለዋ። ነዛ ቅኒት፣ ፈለማ መምህር ኣሸናፊ ከም መኽፈቲ ፣ ኣብ ዓዲ ሃንጋርያ ዘኣለየሉ መዓልቲ፣ ሃንጋርያውያን ነቲ ኣፍሪቃዊ ኣላይ ኦኬስትራ፣ ብዓሌታዊ ንዕቀት ክስሕቅዎን ክዝልፍዎን እዮም ዝመጹ። ኮይኑ ግና ብኣድናቖትን ተምስጦን ፣ ብኣላይነትን ጥበብን መምህር ኣሸናፊ ተደኒቖም መልሓሶም ከምዝሓየኹ ብዙሓት የዘንትዉ።

መምህር ኣሸናፊ ከበደ፣ ኣብ ቅኒት በዓል ሻምብቆ፣ ስጋብ ሕጅን ንመጻእን ዝዝከር ሙዚቃዊ ማህሌት እዩ ቃንዩን ደሪሱን። እዛ ቅኒት ህብብቲ ኮይናስ፣ ብገዳይም ምኩራት ናይ ዓበይቲ ከተማታት ፊልሃርሞኒክ ኦኬስትራ እትጽወት፣ ከምኡ ውን እንተላይ ተልሜደን ተማሃሮ ኮለጅ ሙዚቃ ክመልክዋ ህርድግ ዝብሉ ሙዚቃዊ ድረሰት እያ።

መምህር ኣሸናፊ ከበደ ብ 1938 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተወሊዱ፣ ስጋብ ብሞት ዝተፈለየሉ 1998፣ ኣብ ፍሎሪዳ እስተይት ዩኒቨርሲቲ ከም ዋና ዳይረክተር ትካል ማእከል ኣፍሪቃዊ ባህልን መምህርን ኮይኑ ዘገልገለ፣ ህቡብን ህርኩትን፣ ሊቅን ተመራማርን ሙዚቃ ምንባሩ መዛግብቲ ይሕብሩ።

ምስጢር በዓል ሻምብቆ፣ ካብቲ ንዓመታት ተሾኪዓቶ ዝነበረት መትኒታተይ ቦሎኽ ኢላ። ኣነ ድማ ከም ሓድሽ ኣፍቃሪ፣ መዓልታዊ ንቅኒታን ማህሌታን ብኣእዛናይ ክድህስስ ደቓይቕ ይቖጽር። ክሰምዓ ከለኹ ህዋሳተይ ሂወት ይዘርእ። ብቕኒታ ተሰንየ፣ ናይ ሕልና ኣኽናፈይ ዘርጊሐ ምስ ናይ ቀደም መማህርተይን መተዓቢተይን ብጎደናታት ከተማ ኣስመራ፣ ብኣፍደገ ቺነማ ሮማ ሸናዕ እብል።

ኣቐዲሙ ኣብ መንደቕ ፈይስቡክ ዘገንፎ ዘዳግማዊ እተሓትመ።

እዚኣ እታ መምህር ኣሸናፊ ከበደ ዝደረሳን ዝቓነያን፣ ኣብ ዓዲ ሃንጋሪ ዝኣለያን እያ፤

http://www.youtube.com/watch?v=E3dcyxw5DUQ&feature=related
ቅኒት በዓል ሻምብቆ፣ ብፒያኖ ግርማ ይፍራሸዋ፤

http://www.youtube.com/watch?v=I1TySNjPVMQ&feature=related
ካብታ ቀዳመይቲ ብዙሕ ፍልይ ትብል ኣይመስለንን፣ እዚኣ ውን ኣላ፤

http://www.youtube.com/watch?v=sqBSD2GgBEQ&feature=endscreen&NR=1

Monday, 07 May 2012


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...