“ ህዝቢ ሓዝ ፤ መሬት ግደፍ ፤ ክልቲኡ ትረኽቦ። መሬት ሓዝ ፤ ህዝቢ ግደፍ፤ ክልቲኡ ትስእኖ ” ። በቲ ናይ ቻይና ዓብዮታዊ መራሒ ማኦ ሴዱንግ ዝምራሕ ዝነበረ ምንቅስቃስ ሰዓብቲ ብጊዚኡ ዝዝመር ዝነበረ መዝሙር ፣ ሎሚ ንዓና ትርጉሙ እንዳተረዳኣና ዝመጽአ ይመስል።

ንጉስ ሃይለሥላሴ ብዝገበርዎ ጌጋ ናይ ፈደረሽን ምፍራስን፣ ኤርትራ መሬቱ እምበር ህዝቡ ኣይድሊናን ብዝብል ኣተሓሳስባ ንኽልቲኡ ክስእኑ ዓይቢ ግደ ኣበርኪቱ። ገድሊ ህዝቢ ኤርትራ ከአ ባንጻሩ ህዝቢ ሒዙ መሬቱ ገዲፉ ስለ ዝተቓለሰ ተዓውቱ። ሕጂ ኸአ ከምቲ ሓደ ጨቛኒ ስርዓት ክኣርግ እንከሎ ዝገብሮ ግሁድ ጌጋ “ ህግደፍ “ ብሰንኪ ስስዐ ስልጣን፣ ነቲ ናብ ዓወትን ስልጣንን ዘብጽሖ ህዝቢ ብብድዐን ብኣረመናዊ ኣተሓሕዛ ክረግጾ ምስ ጀመረ፣ ብህዝቢ ተፈንፊኑ ናብ መወዳእታ ናይ ታሪኽ ሓተላ ዝጋሓፈሉ ስፍራ ከምቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ገዛእቲ ክኣቱ ተቐራሪቡ ይርከብ።

እቲ ሕቶ ግን፤ መን ይኸውን ነቲ ቦታ ብህግደፍ ዝትክኦ? ምስ ህዝቢ እንታይ ዓይነት ርኽክብን መደባትን ዘሰላሰለ ናይ ፖለቲካዊ ምድልዋት አሎ ንዝኣምሳሰሉ ሕቶታት ብንጹር ምቕማጥ የድሊ ይመስለኒ። ምናልባት እቶም ንዓመታት ከም ተቓወምቲ ነፍሶም ጠሚቖም ዝንቀሳቀሱ ዝነበሩ ውሑዳት ኣካል ሕብረተ- ሰብና ከም መተካእታ ኮይኖም ነፍሶም ክሓጽዩ ይኽእሉ ይኾኑ። እንተኸነ ምስ ውጹዕ ህዝብን ብፍላይ ምስቲ ቀንዲ ግዳይ ናይ ስርዓት ህግደፍ ዝኾነ መንእሰይ ኤረትራ ዘለዎም ርኽክብን ምትእስሳርን ምምርማር ከድሊ ይኸውን። ክሳብ ሕጂ የለን እንተበልካ ምግናን ኣይኮውንን። ምስዚ ሓሳባት ዘይትስማምዑ ክትህልዉ ከምትኽእሉ እፈልጥ። መሰልኩም ክሳብ ዝኾነ ግን ብኣይ ወገን ተቓውሞ ኣይመጻኩምን’ዩ። 

ን30 ዓመታት ኣብ ወጻኢ ሃገር ምቕማጥ ማለት፣ ቀሊል ተምኩሮ ኣይኮነን። አነ ዝፈልጦ ተመኩሮ ብዛዕባ ደግፍቲ ህግድፍ ኮነ ምንቅስቃስ ተቓወምቲ ሓይሊታት ብኸመይን ብምንታይ ከምዝሓለፈን፣ ሕጂ ኣበናይ ጠርዙ ከምዝበጽሐን ዳርጋ ኩላህና ብማዕረ ንፈልጦ ሓቂ ስለዝኾነ፤ ብዘይ ሕብብእን ቀላዓለም ዝሸፋፈኖ፣ ንዓይን ብጾተይ ጥራይ ስምዓን እመን ቆየቓ ንዛረበሉ። “ ከምቲ ሕማሙ ዝሓብእ ፣ ፈውሲ ኣይርከበሉን ” ዝበሃል ምስላ ፤ ነቒጽና ንኻልኦት ናይ ለውጢ ሽውሃት ተሃንጠይቲ ስሚዒት ቃልሲ ንራህዋ ህዝብን ሰላምን ኣይነንቅጽ። ስርዓት ህግደፍ ብዘረባን ብንፋስን ነቕ ኣይብልን። ህዝቢ መሰሉ ፈሊጡ ነቒሑን፣ ተወዲቡን ክገጥሞ እንከሎ፣ ከም ኩሉ ድኹም ስርዓት ብሓደ ሰብ ዝጥወ ፈርከሽ ከሽ ምባሉ ኣይተርፎን’ዩ።     

እወ ሕጂውን ደጊመ ደጋጊመ ይኣክል ክብል። ይኣክል ኣቱም ኣብ ስልጣን ተወጢሕኹም ንህዝቢ ብናይ ግፍዒ ጭጉራፍ ጭቆና ተሳቕዩ፣ ጸልማት ጉልባብ ገይርኩም ንጽሃን ብስውር ትጨውዩን ተሕቁን፣ ኣዘዝቲ   ኣተግበርትን፣ ጭፉናት ደገፍቲ ስርዓት ምልኪ ህግደፍ። ኣብ ዓለምና ሃገርን ህዝብን ብቐጻሊ ጥዒሙዎ ኮነ ከፊኢዎ ዝነብር ፤ ታሪኩም’ውን ከምኡ ንግብሪኹም ንመጻኢ ወለዶ ከንጸባርቕ ናይ ግድን ክነብር ኢዩ። እዚ ስኣን ምሕሳብን ዘምፍላጥ ናይ ኣዚዩ ዕምቀት ትርጉም ምባር ናይ ወዲሰብ ዘይምርዳእ ክኸውን ይኽእል። እንተኾነ ኩሉ ፍጡር በዛ ዓለም ሓንቲ ጊዜ ስለ ዝሓልፍ ኣበናይ ጎዳና ህይወቱ ከምዝመርሓ መራጻይ ባዕሉን፣ ብድሌቱ ክኸውን ሰፊሕ ዕድል ስለዘሎ፣ ምኽንያታት ምቕራብ ኣየድልን።

እተን ክልተ ኣማረጽቲ ጎደና ብመብዛሕቲኡ ህዝቢ ዝድገፋን ዝውገዛን፤ ናይ ቅኑዑን ዘይቅኑዑ መገዲ ዝመርሓ ነዋሕቲ መወዳእታ ዘይብለን ጎዳና ህይወት ስለዝኾና፤ ብውሽጥኻ ኣሚንካ ትስዕበን እምበር ብናይ ካልኦት ድልየት ትጉተተለን ኣይኮናን። ነዚ ምርጫ ብዕሊ ብድሌትካ ክትውስኖ ግን ብቕዓት ፍልጠትካ ኮነ፤ ናይ ከባቢኻ ኣተዓባብያ ስነስርዓት እተማዕብለሉ ጽቡቕ ኩነታት ክህልወካ አለዎ። እዚኤን ክልተ ዓበይቲ ረቓሓታት ኣብ ህይወት ከማዕብል ዘይከአለ ወይ ዘይተዓደለ ግለስብ ግና መብዛሕቲኡ ጊዜ ብኻልኦት ድሌትን ወኒን ከም ኣቕሓ ትርጉም ዘይብሉ ክጉተት ናይ ግድን ይኸውን። ነዚ ናይ ብዙሓት ድኽመትን ጉድለትን ኣጸቢቖም ዝፈልጡን፤ ብዕሊ ከደናግሩ ነፍሶም ብዘዳለው ናይ ክፍኣት ተኻሉ ህይወቶም ኣብ ትርጉም ዘይብሉ ይቕየር።  ነቲ ብኽፍኣት ዘደናግሮም ዓማጽን ተበላጽን ክከላኸሉ ከአ ከም እንስሳ ከልቢ፣ ንጎይትኡ ክሕልው ውሕ ዝብልን፣ ከይደቀስ ዝሓድር እሙን ዋርድያ ኣሪጉ ክሳብ ዝድርበ፣ ንኸብዱ ዘገልግል ኮይኑ ክነብር ትዕልሞን ተዳልዮን፣ ንሰዓብቶም ብጭፍንን ጸማም ሓደ ደርፉ ከም ዝበሃል ኣገልገልቲ ወጻዕቶም ኮይኖም ክነብሩ ጽዑቕ ጎስጋስ የካይዱ።

ፍርቆም ከአ ከምቲ ስነ ኣእምራዊ ፍልጠት ዝትንትኖ ኣመንጎ ጽብቑን ሕማቕን ካልእ ኣማራጺ አሎ ኢሎም ዝኣምኑ ዝተደናገሩ ኣይተሳእኑን። እቲ ብእንግሊዘኛ ቋንቋ ዝምሰል ምሰላ ወይ ቢሂላ (“there is grey between black and white in principle”, - this is only for the sake of peace to compromise based on the facts, as there is no 100% right or wrong in reality) ዝጥቀምሉ ናይ ምትግባር መስርሕ ከም መዳናገሪ ዕላማን መትከልን ክውሰድ የብሉን። ኣብኩሉ መዳይ ኣተገባብራ ሕድገት ክግበረሉ ዝግባእ ተዓጻጽፊነት (flexibility) ኣድላይነት ይተኣመነሉ እምበር፣ ነዚ ቅዱስ ዕላማ እንዳልዓልካ ዝኸውንን ዘይኮውንን ሓሳባት እንዳምጻእኻ ነቲ ጉዕዞ ቃልሲ ለውጢ ክተተዓናቕፎ ግቡእ ኣይኮነን። እዚኸአ ብንጹር ናይ ቃልስኻ መትከል ኮነ ዕላማ ዘይምፍላጥ ዘምጽኦ ድኽመት እዩ። ካብ ዝሓለፈ ናይ ውጹዓት ህዝቢ ቃልሲ ትምህርቲ ቁንጣሮ ኣብ ሓንጎልካ ዓሚካ ወይ ተመኩሮ ቀሲምካን ኣማዕቢልካ ንትቃለሰሉ ዕላማ ብዘይምድላው ዝመጽእ ድኽመት እዪ። ኣብዚ ሕብብእ ከይተጠቐምና ቀንዲ ምኽንያት ናይዚ ድኽመት ክንዛረበሉን መፍትሒ ኣብዚ እዋን ዘለናዮ ክንገብረሉ እንተዘይኺእልና፣ ግዳይ ናይዚ ድኽመት ዝኸውን እቲይ መጻኢ ወለዶ ኤርትራ ክኸውን ናይ ግድን’ዩ። ቃልስና እዚ ሃሳይን ደቓሲን ዝኾነ ኣሰራርሓ (vicious cycle) ምእራምን ንመጻኢ ወለዶ ጽቡቕ ኣተሓሕዛ ምፍታሕ ሽግር ምድላው ክኸውን አለዎ እምበር፣ ሎሚ መን ኣብ ስልጣን ኮረሻ ሓኾረ ብዝብል ምቅድዳም ክዕብለል ኣይግብኦን።

ህግደፍ ጥራይ ይኺድ ይልካ ዝግበር ቃልሲ ብቕዑ ኣይኮነን። ከምቲ ህግደፍ ዘጥረዮ ዕሙታት ሰዓብቲ ብዛዕባ መሰሎም ኮነ መሰል ህዝቦም ዘይግድሶም ንምጥራይን ምትካእን እንተኾይኑ እቲ ቃልሲ ማእዘኑ ሲሒቱ ናብ ካልእ ሽግር ምስግጋር ጥራይ ይኸውን። ስለዚ ኣንጻር ህግደፍ ጥራይ ከይኮነስ ኣንጻር እዞም ተበለጽትን ዓንቀፍቲ ለውጢ፣ ናይ ስልጣን ሽውሃቶም ከዕግቡ ጥራይ ዝጋየዩ ባእታታት፣ ብኣግኡ ክዕገቱን ክእረሙን አለዎም እምበር ብሐደ ተሓናፊጽካ ዝግበር ደቛሲ ጉዑዞ ተሓናጋጊጥካ ብሽም ህዝብን ሃገርን ተቓዋምቲ ግፍዕን ጭቆናን ኢና ጥራይ ምባል ዓወት ኣየምጽእን’ዩ። ዓወት ዘምጽእ ብዕላማን ብመትከልን ዝሓበረ ምንቅስቃስ እምበር፣ ብስም ተቓዋሚ ኢልካ ዝግበር ምትእኽኻብ ጥራይ ንበይኑ ዘፍርዮ ውጺኢት የለን።

መብዛሕቲኡ ተቓዋማይ ኣካል ብዕድመ ቃልሲ ምክያድ ካብዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ ገፋዒ ስርዓት ህግደፍ ማዕረ ህይወት ቃልሲ ዝሕለፈ ኣካል ብምኻኑ፣ ዝሓለፈ ጉድለታቱ ኮነ ብልጫታቱ ኣጸቢቑ ክግምግም ብዘይ ምኽኣሉ ኣብ ዝነበሮ ጉድለታት ጥራይ ክነታረኽ ጊዜ በሊዑ። ሕጂውን ብሓቂ ክንዛረብ እንተኾይና ካብቲ ሕማም ምፍንጫልን ምውንጅጃልን ሸንኮለል ለቢምና ዝሓለፍናዮ ኣይመስለንን። ምዕባለ ገይርና ይኸውን። ግን ለውጢ ኣየምጻእናን።

እወ ሕጂውን ደጊመ ደጋጊመ ይኣክል ክብል። ብሐደ ንቃለስ አለና እንዳበልና ነንበይና ካብ ኮነ ልብና፣ ብሐደ የለናን። ህግደፍ ይልገስ ጥራይ እምበር ካብኡ ዝገደደ ኣይመጽእን ዝበሃል ናይ ቃልሲ መርሆ ዝስዕቡ የዋሃት ክህልዩ ይኽእሉ። ነዚ መደናገሪ መርሆ ከም መትከል መቃለሲ ተጠቒሞም ከደናግሩን ሕቡእ ናይ ስልጣን ህርፋኖም ከማልኡ ዝጋየዩ ኣይሰእኑን። ንህዝቢ ኤርትራ ግን ካብ ህግደፍ ዝገድድ ኣይመጽእን ኢልካ ኣብዚ እዋን ክተዕግቦ ዝከአል ኣይመስለንን። ኣንጻር ህግደፍ ምቅላስን ምጭዳርን ጥራይ ከይኮነስ ናይ ህዝቢ ስሚዒትን ድለትን ጽን ኢልካ ምስማዕ ዝተሓወሶ እንተዝኸውን፣ ምጸበቐን፣ ቃልሲ ተቓወምቲ ብህዝቢ ምማዕረገን በሃልቲ ኣይወሓዱን። እንተኾነ ንነቔፈታትን፣ ርእሰ ነቔፈታን ተአፈፍቲ ባህርይን ልምድን ከም መራሕቲ ህግደፍ ዘማዕበለ ኣካል፣ ከም ሽም ተቓዋማይ ስለተጸውዐ ወይ ንነፍሱ ስለዝጸውዐ፤ ንበይኑ መፍትሒ ከይኮነስ፤ ምኽንያት መናውሒ ጨቛኒ ስርዓት ህግደፍ ይኸውን ከም ዘሎ ኣይንዘንግዕ።

ህዝቢ ኤርትራ ካብ ህግደፍ ዝገደደ ኣይመጽእን ኢልካ ክትዕግቦ ዘይትኽእለሉ ነዊሕ ተመኩሮ ዘሕለፈ ህዝብን ታሪኽን ዘለዎ ኢዩ። ነዊሕ ንድሕሪት ከይተመለስና ብናትና ዕድመ ዝነበሩ ኩነታት መግዛእቲ ክዝክሩ እንከለው ከምዚ ይብሉ። ካብ ደርግ ኣመሓድራ ንጉስ ሃይለስላሴ ዘመስግኑ ይበዝሑ። ሕጂ ኸአ ደርግ ካብ ህግደፍ ይሓይሽ ዝብሉን ሃገሮም ተገዲዶም ዝጥንጥኑ መንእሰያት ኣብ ፈቐዶ ኩርናዕ ዓለም ይሳቐዩ ምህላዎም ንመን ሕቡእ ኮይኑ። ካብ ህግደፍ ዝገደደ ኣይመጽእን ኢልካ ብግብሪ ውሕስና ዝህቦም ኣካል ሕብረት ጥርናፈ ኣይርኡን አለው። እንታይ ደአ ነቲ እዋናዊ ሕቶ ብዕሊ ምስቲ ህሉው ኩነታት ኣመዛዚንካን ኣመዓራሪኻን ንቃልሲ ትውድቦን ተንቅሖን፣ ናብ ውልቃዊ ቅርሕንታን መጥቃዕቲ ሕድሕድ ክተተኩር፣ ኣይትሕተቱናን ኣይትጠርጥሩናን ጥራይ ንዓና ሰዓቡ ዝብሉ ልምዳዊ ተቓለስቲ ነቲ ናይ መንእሰያት ሽግር ክምዝምዙ ክጋየዩ ክትሪኢ ዘሕዝን’ዩ። ነዚ ዓይነት ናይ ተበለጽቲ ቃልሲ ከአ “ይኣክል” ክንብሎ ማዕረ ማዕረ ስርዓት ህግደፍ ክዕገት ዘለዎ ኣዚዩ ኣዕናዊ ጎደና ውድቀት ኢዩ።

ቃልሲ ህዝቢ ኣብ ንጹሩን መትከል ዕላማ ዝተመርኮዘ ክኸውን አለዎ። እንተኾነ ምዕባለ ንዘየምጽእ ቃልሲ ንዓ ደአ ተቓለስ ወይ ኣይትቃለስን ኣለኻ ኢልካ ክትዛረብ ጌጋኻ ዘይምእማንን ዘይምእራምን ጥራይ ይኸውን። ህዝቢ ኤርትራ መሰሉን፣ ክብሩን፣ ሓድነቱን፣ ዝዕቅበሉ፤ ምዕባለን ሰላምን ዝስስነሉ መርሆታት ኣቐሚጥካ ክቃለስ ክተንቅሖን ክትውድቦን ኣብ ዘለናሉ እዋን መጺእኻ፣ ንዓይ ጥራይ ስምዓኒ ክትብሎ ኣይትኽእልን። እዋናዊ ጠለብ ብዕሊ ፈሊጡ ከፍልጥ፤ ተቓሊሱ ከቃልስ፣ መስዋእቲ በጃ ህዝቢ ክኸፍል ዝኽእል እሙን መራሒ ከም ዘድልዮ ፍሉጥ’ዩ። ህዝቢ ግን ነዚ ዝጠልቦ እሙን መራሒ ካብ ህዝቢ ብህዝቢ ዕድል ረኺቡ ክሳብ ዘቕርቦ፤ ሓላፊነት ኣብ ጊዛዊ መርሕነት ዘለዉ ናይ ተቓወምቲ ኣካል ህዝብን፣ ኣብቶም ፋኑስ ለውጥ ኮይኖም ዝቃለሱ ዜጋታት ክወድቕ ናይ ግድን ይኸውን።

እወ ሕጂውን ደጊመ ደጋጊመ ይኣክል ክብል። ጠለብ ለውጢ ንጹር ክኸውን እንከሎ፣ ህዝቢ ይድግፎን ይስዕቦን። ሽፍፍንን ምድንጋርን ግን ክሳብ ሕጂ ተሰሪሒሉ ዝፈሸለ ናይ ተበለጽቲ መሳርሒ እምበር፣ ቅኑዕ ናይ ህዝቢ ድሌትን እምነትን ከዕውት ኣይኽእልን። ከምቲ ዝበልክዎ መትከልናን ዕላማናን ዝተፈላለ እንተኾይኑ፣ ልብናውን ነንበይኑ ስለዝኸውን ብቕንዕና ንቃለስ አልና ማለት ንነፍስና ምሽፋጥ ጥራይ’ዩ። እቲ ዘሕዝን ንመሓዙት መቃለስትና ክንቃለስ ዝጠፍእ ወርቃዊ ጊዜ ኣብ ህዝብና ንዝግበር መግፋዕቲ መናውሕን መበርትዕን ጥራይ ኮይኑ፣ ህግደፍ ኣብ ሊዕሊ ህዝቢ ብዘይተሓታትነት ሸሸ ክብል ይሕግዞ ከምዘሎ ኣይተሳሕተን። ይእክል ግን ንህግደፍ ጥራይ ከይኮነስ ነዚ ማእዝኑ ዝሰሓተ ቃልሲ ዘካይዱ ዘለዉ ኣካላት’ውን ከነቕንዖ ግቡኡን፤ ሓላፊነት ኩሉ ደላይ ሰላምን፣ መጻኢ ምዕባለ ሃገርና ተገዳስን ክኸውን አለዎ።

ምናልባት በዚ ናተይ ዘቕረብኩዎ ትንተና ዘይትስማምዑ ከም ዘለኹም ይኣምን። መሰልኩም ምኻኻኑ’ውን ኣይዝንግዖን። መስርሕ ደመክራሳዊ ምትእታው ማለት ፍልልያትካ ኣነጺርካ ምክብባር’ዩ። አነ ግን ርእይቶይ ካብ ምግላጽ ዝዓግተኒ ክህሊ የብሉን በሃላይ እየ። እቶም ኣጫፈርቲ ግፍዓዊ ስርዓት ዘፍሰስዎ መርገምን ጸርፍን ይመስለኒ ብዙሕ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣትየ ዘይረኽቦ ፍልጠት ብዛዕባ “ባህራዊ ገጹ ወዲ ሰብ” ክፈልጥ ዓይቢ ሓገዝ ኣበርኪቱ እንተበልኩ ምግናን ኣይኮነን። ብፍላይ ባህሪ ሕብረተ - ሰብ ብሰፊሑ ክርድኦ ሓጊዙኒ። ህዝቢ ኤርትራ ካብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኮታ እቲ ሓበሻ ዝባሃል ኩሉ ዳርጋ ዝፈላለ ባህርይ የብሉን። ነዚ ባህርይ መግለጺ ዝጥቀምሉ ቃል ብኽልቲኡ ቋንቋ (ትግርኛን ኣምሓርኛን) “ ግብዝ ” ይብሃል።

ግብዝ ክበሃል ከሎ ውልቀሰባት ንነፍሶምም ከምዚ ዓይቢ ተገዳሲ ህዝብን ሃገር ቆጺሮም፣ ብዘረባ ዋዕዋዕታን ፍከራን ብዘይከኦም ጀግናን ተኣማንን ፈታዊ ሃገር ከምዘየለ ከስምዑ ላዕልን ታሕትን ዝላግዑ ኣደናገርትን ተበለጽቲ፣ ሰገዲትን ኣጣቓዕትን ንሓያል፤ ንሃብታም፤ ንስልጣን ህሩፋን ከምኣቶም የለን። እንተኾነ ኣብቲ ዝደልዮዎ ክሳብ ዝበጽሑ ብዘረባ እቲ ወዲ ድኻ ክሞተሎም፣ ክሰቓየሎም፣ ብሽም ናቱ ጽምኢን ሃረርታ ራህዋ ቅሳነት ሰላም ንምርካብ ዝገብሮ ጻዕርን ቃልስን ክንግዱ ድሕር ዘይብሉ መርገምን መንድዓት ህዝቢ ኢዮም።

ንኣብነት፤ ውሱናት መራሕቲ ገድሊ ንስልጣኖም ክቃለሱን ክቆራቆሱን፣ ድቂ ሓፈሽ ገባር ንናጽነት ሃገሮምን ህዝቦምን ዝተሰውኡ፣ ዝሰንከሉ፣ ፍረ ናጽነት ጻምኦም ዝረኸብሉ፣ ፍረ ጻዕሮም ዝሓፈስሉ ኤርትራ ኣይረኸቡን። እንታይ ደአ፣ ዝተፈደዩዎ እንተሎ ብውሑዳት ውልቀ ሰባት ዝተገበተትን፣ ንውሑዳት ጨቆንቲ ሕገ ኣልቦ ጎልጎል መዕንደሪ ክትኸውን ኪኢላ።

ንምንታይን ስለምንታይን እንተአበልና፣ ሕማቕ ክግበር ከሎ ዓገብ ዝብሉ ዊሒዶምን፣ ሪኦም ከምዘይርኣዩ ዘፅቀጡ ተበለጽቲ ኣይተሳእኑን። ግን ቀንዲ ምኽንያት ከይፈለጡን ከይስተባህሉን ብመራሕቶም ናብ ዝደሊዎ ውግእ ኮነ ስራሕ ዝዳጉንዎም በዚሖም ብምንባሮም’ዩ። ሎሚ ተረፍ እቲ ተዓሚቱ ብሽም ሃገር ጥራይ ብስሚዒት ዝመረሸ ውጹዕ ተጋዳላይ እቲ ዳግም ወጽዓውን ድሕሪ ናጽነት ሃገር ካብ እንግድዑ ኣይወረደሉን። ንደቁን ንስድርኡን መሰል ምክልኻል ሲኢኑ ኣፈቖዶ በረኻታት፣ ታባታትን ስንጭሮታትን ክሕሉ ከምዝውዕል ገይሮም በታቲኖሞ ኣብ ስልጣን ኮረሻ ከላግጹ ይውዕሉ ኣለው።

ስለዚ ሎሚ ንጽባሕ ሰብ ስልጣን ድለት ኮረሻ ጋለብቲ “ይኣክል ኣስተውዕሉ”  ህዝቢ ይዕዘብ አሎ፣ ይርሕቕቀኩም አሎ እንተበልና፣ ሓገዝና ብጥርሑ እንተለገስናሎም “ክሓርቁን ክኽርዩ ፤ ባህሪ ዲክታተራት”  ከርእዩ ጌጋ ኮይኑ ኣይስምዓንን። ብሓቂ ከአ እዞም ሰባት ባህራዊ ነጸብራቕ መንነቶም ክሓብኡ ስለዘሸግሮም ጥራይ ይኸውን።

ከምቲ ብባህልና ኣቦታት ዝብልዎ ምሳለ “ ሎሚ ኣብቅድሚ ዓይነይ ክሰርቀኒ ዝረእኹዎሲ፣ ጽባሕ ክምልሰለይ’ዩ ኢለ ኣይጽበን”  ስለዝኾነ፣ ከምቲ ዝበልክዎ ወዲሰብ ሓንሳብ በዛ ጎዳና ዓለም ስለዝሓልፍ፣ አነኤተአን ከምዝስዕብ ናቱ ምርጫ ክኸውን አለዎ።  እንተዘይኮይኑ ከም ተመንሲ በበግዚኡ ቆርበቱ ረጊፉ ሓዲሽ ቆርበት መተካእታ ሒዙ ናይ ዝተቐልቀለ ተመን ምኻኑ ኣይክቕይሮን ኢዩ። ፍርቆም ከአ ከምቲ ተመን እቲ ዝተገፈ ቆርበት ኩሉ ሞሊቑ ከይወጽአ እንዳጎተቶ ዝሰሓብ፤ ንሳቶም’ውን ካብ ሓደ ውድብ ናብ ካልእ ውድብ ወይ ናብ ካልእ ሲቪክ ሶሳይቲ (civic society) ክናጠሩ ትርእዮም። እቶም ዝገደዱ ከአ ኣብኩሉ ኣትዮም ክሕንብሱ ትርእዮም።

ንሕና ዝመረጽናልኩም ቅኑዕ፣ ሓቀኛ መጋዓዓዚ ጎደና ጥራይ ንሱ ኢዩ ዝበሃል ፖለቲካዊ ሰበኻ ከብቅዕ እዋኑ ካብ ዝጠልቦ ኣይወሓደን። ሕጂም ይኣክል ንኹሉ ዓይነት ግዕዙይ ስራሕ ብሽም ፖለቲካዊ ጭርሖ ምትዕጽጻፍ። ዕላማን መትከልን ይቕናዕ፣ ህዝቢ ንመነቱን መሰሉ ክነቅሕን ክጣበቕን ምድላው ናይ ግደ ተቓለስቲ ጥራይ እምበር፣ ምውሳን ድሌት ህዝቢ ብናይ ባዕሉ ጻዕርን ተመኩሮን ክኽበርን ክረጋገጽን አለዎ።       

“ይኣክል”

ዝተዳጎለ ሓዊ - ዝቐሃመ እንተመሰለ
ብሓሞኽሽቲ ተዓቢጡ - ብዕሊ ዘይልለ
ብውሽጡ ዝፍሕም - ሰኸም እንዳበለ
ብጋህሪ ሃላልታ - ተጸልዩ ዘይጽለ
እዋኑ ይጽበ - ሓዊ ዝተደጎለ።

ብእኩብ ህዝብና - ወላ እንተደስከለ
ብስልጣን ተዓቢጡ - ካብ መግዛእቲ ብዘይፍለ
ብተስፋ ብኒሕ ሓቦ - ጽኑዕ ዝደልደለ
ንበለካ በለካ ወረ - ሸለል እንዳበለ
ነርዑት ጭቆና ክድርቢ - ህዝቢ ዝተበደለ
ኣይዓርፍን ኣይድቅስን - መሰሉ ከይዓብለለ።

ዝተደጎለ ሓዊ - ብንፋስ ምስ ተባርዐ
ጥቕኡ ዘሎ ኩሉ - ኣብሪሱ ምስ በልዐ
በረኻ ዱር ዝነበረ - መልካዓዊ ብድዐ
ጽቡቕ ቆጽልታቱ - ኣሕሪሩ ምስደቆሰ
ድኹዒ ይገብሮ ምግቢ - ነቲ ሓዲስ ዝፈለሰ
ብሓዲሽ ክበቁል - ንኣረጊት ዝደምሰስ
ዝተዳጎነ ሓዊ - ክንደይ ዘየፍረሰ።

ሓፋሽ ህዝቢ - ትዕግስቱ ምስ ወድአ
ንግፍዒ ጭቆና - ይኣክል ኢሉ ምስተንስአ
ከም ንህቢ ክዓስል - ኣብ ሊዕሊ ገፋዕቱ
ከም ባርዕ ሓዊ - ዕድል ከይሃበ ክምክቱ
ኣኻኺቡ ክጸርግ - ናይ ህግደፍ ሸፋቱ
ህዝቢ ዝነግሰሉ - ኣይነውሕን መዓልቱ።

ኣለሊ ፈታዊ - ኣለሊ ጸላኢ
ኣመንጎኻ አለዉ - ብታሕቲ ብላዕሊ
ምስ ስልጣን ህርፋኖም - ሸንኮለል መበሊ
ቃልስኻ ክዳጎን - መሰሎም ዝሕሊ
ብሽምካ ዝሽቅጡ - ብኣፎም ወሓላሉ
መግፋዕትኻ ዘናውሑ - ብኽፍኣት ዝማዕበሉ
ሓቢርካ ጎሓፎም - ብፍርዲ ዘየዳሉ።

ዝተዳጎለ ሓዊ - ዝተወጽዐ ህዝቢ
ቀስቃሲ የድልዮ ኣሳዋሪ - ብቕንዕና ልቢ
ዕላማ ህዝቢ ከዕውት - ከም ሹም ንህቢ
ኩሉ ዝኽተሎ ሒዙ - መስኖ ፍትሒ ሕጊ
ባዕልኻ ክትኸውን - ባዕልኻ ሓጋጊ
ተባራዕ ክተሕርር - ንጨቆንቲ ጉንዲ።

ሰለሞን ብርሃነ ሠንጋል
“ ሕልና - 05/04/12 “

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...