Death and Its Shadow

ኣይናትካን ኢያ

“ሞት ስለኪ እሞ እንታይ ክብል? እንታይ ኣሎ ዘይተባህለ? መን ኣሎ ንዓኪ ዘይፈልጥ፡  ጨሪሽኪ’ዃ ርግምቲ ኣይኮንክን።  ግን ጸገም ኣሎኪ። ልብን ቀልብን ይውሕደኪ ኢዩ። ሓንሳብ ትቅልጥፊ  ሓንሳብ ትድንጉዩ። ሞት ማዕረ ኢያ ከኣ ይብልዂ፡  ብምንታይኪ? መዳለዊት ኢኪ። ካብዚ ንላዕሊ፡ ንዓኪ ዝኮውን ቃላት የብለይ። ኣብ ዙርያኪ ግን ክንቀሳቀስ ኢየ። ናይ ሎሚ ጽሑፈይ ሞት ኣቲኪ ምስ ወጻእኪ ኣብ እትገድፍዮ ኣሰር ዘተኮረ ኢዩ። ሰለስተ ክፋላት ታሪክ ብጉንደን ሓደ፡  ብፍረኤን በብይነን ዝኮና ኢየን;

ኣብ መፋርቅ ሰበዓታት፡ ሓደ ሰብኣይ  ኣብ ከተማ ኣስመራ መተ። ስድራቤቱን ቀባሮን ከኣ ንሓመድ ድበ ናብቲ ንሱ ዝተወልደሉ ዓዲ ተጓዕዙ። ድሕሪ ገለ ሰዓታት ቀባሮን ሬሳን ዓዲ በጽሑ። ኩሉ ቀባራይ  ኣብ ቅርዓት-ዓዲ ምስ ተኣከበ ሬሳ ናይ መጨረሻ ጊዜ  ኣብ ማእከል ቀባሮ ኣዕረፈ። ኣውያትን ብክያትን በዓልቲ ቤቱ ሰማይ ዝዓረገ ነበረ። ንሳ ዘይበከየት መን ክበኪ። እንተኮነ ግዳ፡ ሓሊፋ ሓሊፋ ብእተውጽኦም ዝነበረት ቃላት ናይ ሓዘና ተካፈልቲ እናኣውሓደት ከደት። መልቀሳ ንቀባሮ ቲሒም ቲሒም ዘብል ነበረ።  መብዛሕትኦም ዓሪፉ፡ ይሕሾ፡ ኣብ ዝብላ ክልተ ነጥቢ ዝተሰማምዑ ይመስሉ ። ንሳ ንበዓል ቤታ ለከ ዕኾት ኔራ። ሎሚ፡ ኾነ ምስ በሉዋ፡ ኣሚሪርካ ምብካይን ሕሉፋት ቃላት ምጥቃምን ምስጢር እንታይነታ ዝሓብኡላ’ዶ መሲልዋ? ስነ-ስርዓት ግዳይ ዘይትገብር ዝብሉ ዋሕዲ ኣይነበሮምን። ዝኮነ ኮይኑ ንቡር ክማላእ ኣሎዎ።

ሬሳ ናብ መጨረሻ ጉድጓድ ክኣቱ ምስ ተዳለወ ሕጂ’ውን ገዓረት። እዚ’ውን ፍሉው ተርእዮ ኣይኮነን። ግዳስ ብዘይ ዕረፍቲ ኮነ፡ ኣንቲ ሓንሳብ እንዶ ዝግ በሊ፡ እዚ ዝንበብ ዘሎ ኣስምዕና፡ ንሱ ከኣ ሰፈሩ ይሓዝ እንተበሉ ተቀብጾም። እዃ ደኣ ገደዳ። ኣብ መጨረሻ እዛ ጉድጓድ ኣይናትካን’ያ  ኣይናትካንያ፡  ኣይናትካንያ ኢላ ጨደረት። እቶም ቀሺ ዛጓለይ ከምኡ ኣይብሃልን ኢዩ። ንሱ በዓል መዓልቲ ኢዩ። ሕጂ ከኣ ግደፊ እዚ ሰብኣይ ሰፈሩ ከነትሕዞ እንተበልዋ ጨሪሻ ምስማዕ  ኣበየት።  ድሕሪ ክንደይ፡ እቶም ቀሺ ፍታሕ ኣናደዩ። በሉ ከኣ፡ ኣቱም ሰባት እዛ ጉድጓድ እዚኣ፡ ንመዋቲ ኢልና ኢና ፍሒርናያ ኔርና፡ ኣይናትካን፤ ኣይናቱን፤ ኢሎም ዝምስክሩ ሰባት ካብ ተረክቡ ግና ንዕኡ ኣብዚኣ ፈሓሩሉ። እንተ እዛ ሃህ ኢላ፡ ኣፋ ከፊታ ዘላ ጉድጓድ ንዓኪ ኢላ እንተ ተፋሒራ፡ ንዒ!  ንዒ! ” ሕጂ እተውያ በሉዋ። ድሕሪ’ዚ ቃል’ዚ ንሳ ቀዘዘት። ደጊሞም ኣቱም ሰባት ፡ እንታይ ዝበለ ዘመን ኣተዎና? “ሎምስ ከኣ  ሞት ኣዳም ዘይኣምኑ”  ተፈጢሮም ኢሎም ቆዘሙ።  ኣብ ከምዚ ዝበለ ጊዜ ቀባራይ ኣይስሕቅን ኢዩ ግን ዝክልክሎ ተሳእነ። ንሳ ድሕሪኡ ቃል ኣይምሎቆትን። እቲ ፍታሕ እንተስ ፍርሒ እንተስ ፍትሒ ኔሩ።

ኣብዚ ናይ ሎሚ ቅነ “ኣውያት” እዝኒ ዘይሰምዓቶ ኣይነበረን። በቲ ዓቢ ክፋላ ኣካሒዳ ኔራ፡ በቲ ንኡስ ጎድና ግን “ንሱ ኣይመውትን ኢዩ” ስጋ እገለ ኢሎም ማሕላ ዝተርፎም ደቂ ሰባት ኔሮም። ዋይ!  ዋይ ዘብል’ዩ። ዋይ ዘየብል ከመይ? ለከ ዘመንስ ጨሪሹ ኣይሓልፍን’ዩ። እዛ ኣቦይ ቀሺ  ቀደም ዝገንሕዋ ሰበይቲ  ሎሚ ነዚ እንተትሰምዕስ ሰዓብተይ ይበዝሑ ኢላ ምምሓለት ዝብል እምንቶ ኣባርቢሩለይ።

ናትካ  ኢያ

ሚዛን ምሕላው ጽቡቅ ኢዩ። ጽላለት እዛ እተጠቅሰት ታሪኽ’ከ እንታይ ትመስል? ካብ ጸናሕኩም ምሳይ ፡- ኣስታት ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ኣብ ሓንቲ ጋዘጣ ነዛ እትስዕብ ታሪክ  ከንብብ ዕድል ረኪበ። ኣርእስታ ካልኣይ ግዜ እንተሞይቱ ( If he dies again.... ) ሓላፍነት የብልናን ኢያ ትብል። ቅድሚ ኣብ ባሕሪ-ከርሲ ናይታ ታሪክ  ምእታወይ ብኣርእስታ ጥራሕ ተማሪከ ንምንባባ  ተጓየኩ። ዝተፈጸመትሉ ዕለት ነጊረ ኢየ፡ ቦታ ግን  ካምቦቺያ ወይ ብዘመናዊ ስም ኣጸዋውዓ ካምቦዲያ ኢዩ። ሓደ መንእሰይ ንገለ ዓመታት ኣብ ከተማ ፍኖም- ጰይ ( Phnom-Penh) ይነብር ነበረ። ንሱ ኣዚዩ ርሑቅ ካብ ዝኮነ ዓዲ እዩ መጺኡ። ኣብዛ ዋና ከተማ ናይ ሃገሩ እናነበረ ከሎ ከኣ ሓደ መዓልቲ ምስ ብጻዩ ሞቶርሳይክል ተጓራቢቱ እንዳከደ ከሎ ሓደጋ ኣጓኖፎ። እቲ ሓደጋ ብርቱዕ ስለዝነበረ ናይ ሓደ ሰብ ሞት ሽዑ ኣከተለ። እቲ ካብ ሞት ዝተረፈ ማህረምቱ ከቢድ ስለ ዝነበረ ናብ ሕክምና ተወስደ። ፖሊስ መንነት ናይዞም ክልተ ሰባት ምጽራይ ኣብ ዝጀመርሉ ግዜ ሓንቲ ናይ መንነት ምስክር ጥራሕ ኣብቲ ናይ ሓደጋ ቦታ ረከቡ። ድሕሪ’ዚ መንግስቲ ሓላፍነቱ ንምውራድ ብመሰረት እታ ሽዑ ዝረከብዋ መንነት  ናብ ስድራ መዋቲ ከይዶም ወድኩም  በዚ ዕለት’ዚ ብሓደጋ ሞይቱ ክብሉ ኣርድእዎም።

ስድራ መዋቲ ግዳዮም ተቀቢሎም ዝግባእ ተስካር ኣሕለፍሉ። እንተኮነ ግዳ ድሕሪ ዓመት ኣቢሉ ይከውን ወዶም ስድራቤቱ ንምርኣይ ገፈፍ እንዳበለ ኣተዎም። ንሱ ደሓንዶ ዊዕልኩም? ከመይ ኣሎኩም? ኣነ እገለ ወድኩም እኾ እየ እንተበሎም፡ ንስካ ወድና ደኣ ትመስል እምበር ወድና ኣይኮንካን። ወድና ሞይቱ እዩ። ካልኣይ ጊዜ ክፍጠር እንተኮይኑ’ውን ብመልክዕ ፈረስ፡ ላም፡ ሓርማዝ፡ ዕድል እንተገይሩ ከኣ ካብ ካልእ ስድራ ከም ብሓድሽ ሕጻን ኮይኑ ደኣ ዳግማይ ይፍጠር እምበር ልክዕ ክንድኡ ዝከውን ሰብ ኮይኑ ክመጽእ ኣይክእልን እዩ በሉዎ። ነዚ ተእምር’ዚ ንምርግጋጽ ዓዲ ምሉእ ተኣከበ። ስድራቤቱ ሕቶታት ኣየቛረጹን። ድሕሪ ገለ ኣዕጋቢ መልሲ ግን “ኣንታ እዚ ብሓቂ ወድና ከይኮነ ኣይተርፍን በሉ” እቶም ዓዲ ግን ሞይቱ ኢልኩምና ንሕና  ሓደ ጊዜ ዝዋጽእ ኣዋጺእና ሓዝንና ዓጺና ኢና። ብዝተረፈ ግን ነዚ ወዲ ወድና’ዩ ኢልኩም እንተተቀቢልኩሞን እሞ ካልኣይ ጊዜ እንተሞይቱን ሓላፍነት የብልናን። እዚ ዎ ደሓንኩም በልዎም። ኣብ ባህሎም ንዝመተ ሰብ ሓደ ጊዜ ጥራሕ’ዩ  ዝእዎዮ።  እቲ ጌጋ ናይ እገለ ኢዩ  ኢልካ ፍርዲ ምሃብ ንኣንባቢ  ገዲፈዮ ኣሎኩ።  ካልኣይ ፋልን ሓቅን  ዘይፈላሊ፡ማዕረ ጌሩ ዝርኢ ባህሊ ምጽናሕ’ዩ። ኣብ ገለ-ገለ እዋን ከምዚ ዓይነት ባህላዊ እምንቶ ክህሉ ኣምተጸልኤን። ግን ሰብ ነናቱ ኣሎዎ።

ኢሰያስ ሎሚ ሞይቱ፡ ኣሎባ ይብሃል ኣሎ፡ ብፋል ንሱ ባዕሉ ብዝፈጠሮ ሽግር ኣብ ቀብሩ ዊዒሉ ኢዩ። እሞ እንተ ሒሽዃስ ሓሳርን መከራን ዘጽገብካዮ ህዝቢ ሞይቱ ምስተባህልካ ደንጉዩ’ዃ ኢዩ ዝበለ። ካብ ዝተሓብእካዮ ቦታ ወጺእካ ኣሎኩ ምስ በለኻ ከኣ ብሞት ጸዎታ የሎን ኢልዃ ። ብዝኮነ መዐቀኒ ባህላዊ እምንቶ፡  ፋልካ ይጠበቀልካ !

ኽሞትለይ ኢዮም

ወለዲ ክምስሉ፡ “ካብ ኣጣል ዝወዓልኦስ፡ ኣጣል ዝገደፍኦ” ። ማለት ኣጣል  ምስኤን ዘሎ ጠጠም ኦም ከይወድኣ ካብኡ ዝሓሸ ክረክባ ክብላ ስለ ዝዕንዝራ’ዩ ይመስለኒ።  በዚ ምክንያት ብኣካል ይኩን ብግዜ ዓይንኩም ሰም ከየበልኩም  ናብ ኣትፈልጥዎ ታሪክ ክዛወር። ቅድሚ ክልተ ዓመትን ፈርቃን ኣቢሉ ይኸውን ሮበርት ሙጋበ ናይ ዙምባብወ ገባርን ሓድግን ኣብ ቅድሚ ብኣሻሓት ዝቁጸር ህዝቢ ከምዚ ክብል ፈከረ፡- “ኣፍ-ልቡ ከም በጽሒ ጋውና እንዳወቅዔ “ዝምባብወ ናተይ ኢያ” ( Zimbabwe is mine) በለ። እዚ ኣባሃህላ’ዚ ብእምንትኡ ንምዕራብ ዘተኾረ ኢዩ ዝብሉ ተንታኖ ኣይሰኣኑንን። ሓቅኩም እወ ዘብል መርቶዖ ግን ይውሕዶ፡ ንምንታይ ሙጋቤ ደቂሱ ከሎ ዝመርሕ፡ መን ከማይ ዝብል ዑሉል መላኪ ኢዩ። ስለዚ ፈከርኡ ኣብ ክንዲ ኣብ ማዕዶ ኣብ ዙርያ ቤቱ ዝያዳ የገልግል። ነዚ ናቱ ጨርሖ “ኣየማን” ዝብሉ መርሓቲ ሕጂ’ዃ ደኣ ይጓደሉ ኣሎው’ምበር መልኦም ኢዮም። እዞም ከም ሙጋቤ ዝኣመሰሉ መልክቲ ብሓንቲ ጨርሖ እዮም ብዝያዳ ዝራከቡ። “ሺሕ ይሙቱ ኣካቢ ሺሕ ግን ኣይምት” እዚ ግን ቁጽሪ ኣህዛብ ውሑድ ከሎ ኢዩ። ሎሚ “ሚሊዮናት ይምቱ ኣካቢ ሚሊዮናት ኣይምት” ቀይሮማ ኣሎዉ። ንኣብነት፡  ሙዓመር ቀዛፊ ኣብ ትሕቲ ጽላል ሞት ኮይኑ ዝፍክሮ ዝነበረ ፈከራ እኩል ምስክር ኢዩ። ነቶም ዝረሳዕኩሞ “ ህዝበይ ይፈትወኒ ኢዩ፡ ኣብ ክንዳይ ከኣ ክመውት ኢዩ ( My people love me. They will die for me) እዛ ጨርሖ እዚኣ ኣብ ገዛ ከፈተ መላኪ እትርከብ እንኮን ቀንድን እምንቶኦም ኢያ። ንዔኦም ሞት ብኣምላክ’ዃ ዘይትከውን ኮይናቶም። “ዶጎል ደጒለያ፡ ሓጹር ሓጺረያ፡ ተቐዘፊ ሞትየ በየን ሓለፈትየ” ትብል ደርፊ ንሶም ንዝረግጽዎ ህዝቢ ጥራሕ ዝተዓደለት ጌሮም ኢዮም ዝወስድዎ። እቲ ሓቅ ግን ብእንጻሩ። “ኣነ ገጽ ሞት ይስሕቅ” ኢሎም ዝፍክርዎ ፈኸራ ክሳብ ባርዕ ህዚቢ ዘቃጽሎም ኢዩ።

ኣብ ዝቀረባ ጊዜ ኢሰያስ ብዛዕባ ጥዕና ኣብ ዝትሓተተሉ ጊዜ ዳርጋ ኣነ ኣብ ገጽ ሞት ይስሕቅ ዝዓይነቱ፡ ሕሱር መደረ ክገብር ተሰሚዑ። ዕድለኛ ኢየ። ሓደ ጊዜስ ከምዚ ዝብል ጥቅሲ ኣንቢበ ኔረ፡ ኣንታ ሓዊ ይኣትወካ ኣሎ እንተበልዎስ ደሓን ሓሰር ተከዲነ ኣሎኩ በለ፡ እሞ ንሱ እንተኮይኑ ክዳንካ ጸገም የሎን፡ ነቲ ሓሰር ሓሰር ወስከሉ። ግዲ የብልካን ንስካ ኣብ ክንዳይ ዝሞትለይ ኣሎዉ ኢልካ ጥራሕ ኣንባሁቅ። ህዝብስ ድሕረካ”  በዚኣ ኣይበለትየ በቲኣ በለትየ ወጊሓ መሬትየ ዝብል ደርፊ ሒዙ ኢዩ ዝጽበ ዘሎ። ንስካ ግን ሓሰር ተከዲንካ ጥራሕ መዓልትካ ተጸበ። ነቶም ኣይናትካን ኢያ ፤ ኣይናቱን  ኢያ ዝብሉ ግን  ክሳብ ሽዑ ልቢ ይሃቦም።

ከምቲ ዝቀነካዮ ቀኒ!

መረጸ ኣስመላሽ                                                                                         May 3, 2012


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...