ቅድሚ ዓሰርተ ዓመታት ኣቢሉ ሓንቲ ንእሽቶ ዓንቀጽ ኣብ ትሕቲ ``ቃል መላኺ  ጉርዲ የብሉን``  ዝብል ኣርእስቲ ብምጥቃም ጽሒፈ ኔረ፡፡ድሕሪ እዚ ነዊሕ ዓመታት ተመሊሰ ነዛ  ምስላ ክጥቀመላ መሪጸ፡፡ እቲ ምስላ ኣበው ዝመሰልዎ ኮይኑ ከምዚ ሎሚ ቅነ ኣጋጢሙ ዝቐነየ ተዋስኦ ዜና ህ.ግ.ደፍ ምስ ተረኽበ ዝበልዎ ዶኾን ይኽወን ኣብ ዝብል ርእይቶ ትኣቱ፡፡

እወ ቃል መላኺ ጉርዲ የብሉን። ብፍላይ ሰማዒ እንተረኺቡ  ብሰዓብቱን መውደልደልትን ነቲ መዓት ገፈጥ-መፈጥን ጉርድታትን ዝሓዘ ቃል መላኺ ``ንሱ ከምዝበሎ እንዳበልካ ይደጋገም ኢዩ፡፡ስለዝኾነ ድማ መላኺ ኣኼባ ህዝቢ ኢሉ ድዩ ሰሚናር ኢሉ ኣብ ዝጸውዖ ዝርከብ ሰማዒ በቲ መላኺ ክጽረፍን ክዝለፍን ክግናሕን እንከሎ  ተመሊሱ ብጣቒዒት ነዳራሽ ክጨዳ ይደሊ፡፡

በዚ መቃነዪ እንተኾነ ዝብል ኣርእስቲ ጌርናስከ  ነዚ ኣብ ዝሓለፈ  ሰሙን  ተኸሲቱ ዝነበረ ክስተት ከነዕልል ንፈትን፡፡ እዚ ዲክታቶር ኢሳያስ ሓሚሙ ዲክታቶር ሞይቱ ዲክታቶር ተቐቲሉ ዝብሉ ጽወጽዋይ ካበይ ተበጊሱ? መንከ ኣበጊስዎ? ዝብሉ መባእታዊ ሕቶታት ክምለሱ ባህርያዊ ኢዩ፡፡ እቲ ወረ እንተተጀሚሩ ኣብ ርእሳ ኣብ እግራ ኣብ ሕቖኣ ሽሮ ዕጥሮን ቀመም እንዳተወሰኻ ክትራባሕ ንቡር ኢትዩ፡፡ እቲ ዝውሰኽ ዘይኮነ ጌጋ እቲ ነታ ነገር ዘበገሳ ኢዩ ገስረጥን ብተግባራቱ ክሓፍር ዘለዎን፡፡ባዕላ መምጽኢት ደርፊ ባዕላ መጥፊኢት ደርፊ ዝብሉኹም ከምዚ ኢዩ፡፡

እቲ ብሃንደበት  ኣብታ ሓሶት ተዓጢቓ ንህዝቢ ከተዳናግር ዝተደኮነት ቲቪ ኤረ በቲ ሞያኡ ዝሸጠ ሕልና ኣልቦ ኣሽመላሽ ዝብሃል ጋዜጠኛ ቲቪ ኤረ ``ካብ ሚኒስትሪ ዜና ዝተዋህበ መግለጺ`` ኢሉ ብምጅማር ንቡር ዘይኮነ ካብ ኣርቺቭ ስእልታት ዲክታቶር ኢሳያስ ኣሰንዩ ንጥዕና ጎይትኡ ዝምልከት ሓበረታ ብምሃብን ንማእከላይ ስለያ ኣሜሪካ(C.I.A)  ብምውንጃልን ዋና ተዋሳኢ መንግስቲ ኣሜሪካ ኢዩ ብምባልን ዝጀመረ ተዋስኦ ብራድዮ ኣሜሪካ ክፍሊ ትግርኛን ብብሲን ምስ ሓሳዊ ሚኒስትሪ ዜናን ምስ ኣምባሳደር  ህ.ግ.ደ.ፍ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃን ተጻዋታይ ኩዕሶ ነበር ግርማ ተደጋጋሚ ቃለ መሕትት ሰዓበ፡

ማዕከናት መርበብ ሓበረታታት ኤርትራውያን ነቲ ብፍላጥ ዝተዓፈነ ውሽጣዊ ኩነታት ኤርትራ ብጥንቃቐ ብምሓዝ ብጻዕረን ዘይተረጋገጸ ሓበረታ እንዳበላ ንህዝቢ ሓበረታት ክፍንዋ ጀሚረን፡፡ ደለይቲ ለውጢ ዝኾኑ ውልቀ ዜጋታት ናብ ቤተሰብን ናብ ኣዕሩኽን ናብ ውሽጢ ሃገር ብምድዋል ነቲ ዘሎ ሓቂ ንምፍላጥ ተጻዒሩ፡፡ኮነ ኢልካ ካብ ህዝቢ ዝተሓብኤ ኩነታት ስለ ዝነበረ ግን ክርከብ ኣይተኻእለን፡፡

ድሕሪ ሓደ ሰሙን ሰንበት 28-04-12 ዲክታቶር እንተስ ብሓቂ እንተስ ካብ ሕሉፍ ቪድዮታት ኣላቓቒቦም  ከምቲ ንሱ ዝበሎ ምዕባለ ተክኖሎጂ ተጠቒሞም ዝሰንዕዎንብዝፈጠርዎ ጥበብ ንሓጺር ዕላል ኢሎም ኣቕሪቦሞ፡፡  ነቲ ነንሕድሕዱ ዝጋራጮን ዝተሃራረምን ቃለምልልስ ዓሊ ዓብዱን ዕላል ጎይትኡን ኣጽኒሕና ስለምንታይ እዚ ኹሉ ተዋስኦ? ካብዚ ሕቶታት እዚ ብምብጋስ እምብኣር እዚ ዝስዕብ
ትንታኔታት ክግበር ይክኣል፡፡

1.    ርኤኹም እዛ ዓለም ብሓሶት ዝተጎብኤት ኢያ፡ ኣነ ብሂወተይ እንከሎኹ ሞይቱ ኢሎም የውርዩ ፡ እዚኣቶም እምብኣር ኣይጠቕምኹምን ኢዮም ንዝሕስዉ ኣይትስዓብዎም ንምባል ኽጥዕሞ ዶኾን ይኸውን???
2.    ኣብ ውሽጢ ህ.ግ.ደ.ፍ ምትእምማን ተሳኢኑ ሓደ ብዓል ስልጣን ዝተዛረቦ ሓደ ካልእ መጺኡ የፍርሶ ኣሎ፡
ከም ኣብነት ዝውሰድ ወሰኽን ምምሕያሽን ደመውዝ ሰራዊት ክግበር ኢዩ ዝብል ወረ ድሕሪ ምንዝሑ ብፍላይ ሜጀር ጀነራል ፊሊጶስ ንሰራዊ ኣኪቡ ምስ ገለጸ፡ ፖለቲካዊ ኣማኻሪ ፕረሲደንት የማነ ህበይ ንህዝቢ ዞባ ደቡብ ምውሳኽ ዝብሃል የልቦን ምባሉን ናይ ስዊደን መግለጺ እቲ ብስም ኣኼባ መንእሰያት ንኣባላቶም ዝጥቀምሉ ሰሚናር መንእሰያት ዝሰመይዎ ንዘጋጥሞም ዘሎ ኩነታት ብምጥቃስ ዝሃቦ መግለጺ ደሚርካ በዚ ተዋስኦ`ዚ ብምጥቃም ክቕንጸሉ ዘለዎም ንምእራይዶ ይኸውን???
3.    ንኣብርሃም ወዱ ምክትል ሓይሊ ኣየር ብምግባር ኣተሓሕዛ ስልጣን ከምዝለማመድ ክገብር ጸኒሑ ኣሎ፡፡ እሞ ሕጂ ነቲ ባዶ ሕዙእ ቦታ ምክትል ፕረሲደንት ንምሃብዶ ይኸውን ዕግርግር ዝፈጥር ዘሎ???
4.    ብግስሩጥ ምሕደራኡ ዝተፈጥረ ቅልውላው ናብ ዝበረኸ ጫፉ ይበጽሓሉ ኣብ ዘሎ እዋን ካብቲ ባዕሉ ዝደጋገሞ ኣጋጢምዎ ዘሎ ጭንቂ  እስትንፋስ ንምዕዳግ እንተጠቐሞ ብምሕሳብ ዶኾን ይኸውን???
5.    ብግስሩጥን ዘይእሩም ተግባራቱን ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ኣጋጢምዎ ዘሎ ተነጽሎን ማዕቀብን እገዳን ሕቡራት ሃገራትን ብዝፈጠረሉ ዓቕሊጽበትን ዘበገሶ ምዕልባጥዶ ኾን ይኸውን??
6.    ዕላል ህዝቢ ኤርትራ ኣብ`ዚእዋን`ዚ ኣብ ልዕሊ ህሉው ኩነታት ሃገሩን መሸጣ ውሽጣዊ ኣካላት ዜጋታት ኣብ ሲናይን ተወሳኺ ቀንዲ ዕላል እቲ ምኽልካል ሬሳ ነብስሄር ገዲም ተጋዳላይ ናይዝጊ ክፍሉን ፍሉይ  ዓርኪ ዲክታቶር ኢሳያስ ዝነበረ ኢዩ፡  እዚ ቁጠዐ`ዚ ኣብ ውሽጢ ደገፍቲ እቲ ጉጅለ`ውን ምዕዝምዛማት ፈጢሩ ስለ ዝነበረን ዘሎን እሞ ነዚታት ንመረሳስዒ ተባሂሉ ዝተማህዘውን ክኸውንዶ ይኸውን?? ወ.ዘ.ተ

መቸም በቲ ዝነበረ ኩነታት ኢሳያስ ብሓቂ እንተድኣ ሃልዩ ኮይኑ ድሌትን ትንቢትን ህዝቢ ኤርትራ ተዓዚብዎ ክኸውን ይትስፎ፡፡ ህዝቢ ኤርትራ ኢሳያስ ዘይብላ ኤርትራ ዝደሊ ሙኻኑ ኣረጋጊጹሉ ኢዩ፡፡

ህዝቢ ሰሜን ኮርያ ሞት ናይቲ ዝመልኮም ምስ ሰምዑ ጫጭ ኢሎም በክዮም ኢዮም ።ወሃቢት ዜና ተለቪዝን ጸሊም ተኸዲና እንዳነብዐት ኢያ ነቲ ዜና ፈኒዋቶ፡፡ ዘይከምሰሜን ኮርያ ህዝቢ  ዝበዝሐኤርትራ ግን ነቲ ዘይተረጋገጸ ወረ ጽቡቕ ፋል ብምባል ኢዩ ተሰዓዒሙ፡፡ ዝተጨነቑ ውሑዳት እኳ እንተዘይተሳእኑ፡፡እቲ ፍልልዩ ብዙሕ ኢዩ፡፡ ኢሳያስ ነዚ ንምርዳእ ሕልንኡ ከስርሖ ኣለዎ፡፡

ካብዚ ኣብ ላዕሊ ተገምጊሙ ዘሎ ወጻኢ እዚ ተዋስኦ`ዚ መቃነዪ ዶኾን ይኸውን ይኸውን፡/???
እቲ ቀንዲ ዘተሓሳስብ ግን ቃል መላኺ ብምስማዕ ንጭቡጥ ኩነታት ብምኽሓድ ነዚ ስሚ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ጉጅለ ዝድግፉ ክትርእዪ እንከሎኻ ኢዩ፡፡
ኣብ መወዳእታ  ኣድናቖተይ ነቲ ኮነ ኢልካ ተዓፊኑ ዘሎ ኩነታት ሃገር ንምፍላጥ ብዘይ ምሕላል ዝጽዕር መንእሰይ ኣማኑኤል ኢያሱን ድምጺ ወጋሕታን ፓልቶክ ስመርን ኩለን ፡ኣኤርትራውያን ዌብ ሳይታትን፡፡

ኣብ መጨረስታ ዲክታቶር ኢሳያስ ከምቲ ዶክተር ክብርኣብ ኢሳቕ ግርም ጌሩ ገሊጽዎ ዘሎ ብደው ዝሞተ ፍጡር ኢዩ፡።ዕድል ህዝቢ ኤርትራ ከፊኡ ድማ ምስ ሕሉቕ ይባኣስ ኣሎ፡።ነታ ትልኽ ትብል ዘላ ትንፋስ ዲክታቶር ንምብጣሳ እምባኣር ብዝለዓለ ናህሪ ምጽዓር ንሕተት ኣሎና፡፡

ግዝኣተ ሕጊ ይንገስ
ምልኪ ይዕኖ፡፡

ዝኽሪ ንሰማእታት

ዓ,ብርሃነ፡፡


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...