ሓደ ግዜስ “ንጉሰ-ነገስት ሃይለስላሴ ሺ ዓመት ይኑሩ“ ዝበለ ሓደ ንጹህ ኢትዮጵያዊ ዜጋ ብፖሊስ ተሃዲኑ ተኣሰረልኩም። ምኽንያት መኽሰሲኡ ከይተገልጸሉ ኢዩ ድማ ቤት-ፍርዲ ዝቐረበ። ተኸሳሲ ምንም ዝፍለጦ ጉድለት ከም ዘይገበረ ተኸራኸረ። እቲ ከሳሲ ምኽንያቱ ከቕርብ ምስ ተዓደመ ግና ሓደ ዘይንቡር ነገር ተኸሰተ። ንሱ ንኩሎም ተዓዘብቲ ብኩርዓት ተተርጊኡ ጠመቶም’ሞ፡ ተቖጢዑ “ታድያ ለምን ለዘልዓለም ይኑሩ ኣይልም“ በለ ይበሃል::

ከምኣ ዝዓይነታ ኢያ ኣጋጢማትኒ። ሃንደበት ብዝመስል መልኽዑ፡ ብሓውሲ ሕሽኹታ “ኣንታ ኢሰይያስ እምበር ተሰዊኡ ኢለሞ“ ምስበለትኒ፡“እዋእ“! ኢለ ድሕሪ ምድቓቕ “እሞ መንግስተሰማይ የዋርሶ’ምበር እንታይ ይበሃል ኮይኑ“ ጥራይ ኢየ ኢለያ ባቃ።

ኣየድለወትንን።በደለይ ከይገለጸት ብምቑጣዕ“ዋእ፡ ኣንታ! ካን ኮይንካ ዲኻ ከምኡ ትብል? ጥዑይ እናመሰልካስ!“….
ዝሰዓበኒ ነገራት ንዓይ ግደፍዎ። ንሳ መሸም ገዲም ኢያ። ገዲም ኣብዛዓለማ፡ ገዲም ኣብቲ ገድሊ። እቲ ናይ ደቒ ዓሰርተውሽዱሽተ ዓመት ኣብራኽን ትንፋስን ግዲ ሃዊጽዋ ተነፋኒፋ እምበር፡ ምስናይ ናይዚዘመን ኣምጽኦ ኣተሓ ሕዛ ጸጉራስ ’ክትንእስ’ ጉዳም! ኣብ የማናይ ኢዳ ዝተኣሰረ ሰዓት ምልክት ’ናይእቲኣ’ ክኸውን ከምዝኽእል እናገመ ትኩ፡ ብወገነይ ምንም ሕማቕ ከምዘይተመነኹ ገለጽኩላ። እቲ ድራማ ናይ ኣሰታታኹ ልቢ’ውን ሞያይ ከምዘይኮነ ከረድኣ እንተፈተንኩ ፍጹም ከዳዕነተይ ተገልጸላ። ደጋጊማ ከምቶም ንጽቡቑ ዘይምነዩ ጸብጺባ ክትሰሃሊ ብምጽና ሕ ንእለቱ ብሕቶ ወረጠትኒ።“እንታይ ኮንካኢኻኸ ’ይንበር’ ዘይትብል“ ?

ኦይ፡ ዘይምዝራብ ዝበለጸት መከላኸሊት ነብሲ ምኾነትለይ። እንኾነስ ትም ድማ ኣይመፋጥርተይን ኢያ። ካልእ ኣይኮነን። ሰሪ ዘይፍልጠተይ ኢዩ። ሓደሓደ ግዜ ከምዚከማይ ገለ ዘይፈልጡ ሰባት ስለምንታይ ትም ከምዝብሉ ይገርመኒ ኢዩ። እቶም ’ፈላጣት’ ከኣ ትም ኢያ ሕላገቶም።ኣብ ትም ዘሎ መተማትም መድሃኒት የብሉን ይበሃል።

እንተ ብወገነይ ጸገማ ተረዲአ ገሊኣ ሂበ ከፋንዋ ነይርኒ ባዕላ መምጽኢትን መጥፍኢት ደርፊ ካብኮነት። ዝሕል ኢለ ከኣ “እሞ ከተትርፍዮ ትኽእሊ እንተኾንኪስ ነጸላኺ ተደግዲግኪ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጠበቓ ውጽእሉ እምበር“፡ ብማለት እጃማ ኣስኒቐ ኣፋነኹዋ። ንሳ ሓንቲ ግዳይ ናይቶም ብሸፈጥ ጭኑቓት ምንዳይ፡ ገዛእ ርእሶም ኣብ ጭንቀ ት ተዋሒጦም እንታይ ይበሃል ከምዘሎ ክጸናጸኑ ዝተፈነዉ ካድረታት ኢያ። ብልበይ ድማ ክቱር ሓዘንኩላ።

ኩላህና ከምእንፈልጦ እዚ ልቢ ዜጋታት ክሰልብ ዝተጠበበ ምህርቲ ህግደፋዊት ባዶ ሰለስተ ተነዚሑ ከምዝቐነየ ተ ሰሚዑ። ኣለሻ ሓበሬታ ተባሂሉ ብኩሉ መኣዝን ዓለም ዝተፈነወ ሕቡእን፡ ናይቲ ሕቡእ ሕቡእን ጨናፍር ኣብ ሓደ ምድማር ኢዩ ክራኸብ ቀንዩ።ንምንታይ ተነዚሑ? ዕላማኡኸ ወቒዑዶ? እንተበልኹም ብልኽዕ ወቒዑ ኢዩ። ዋላ’ዃ ከምቲ ከምኦም ሞትን ቅትለትን ምንዮቱን ትጽቢቱን እንተዘይኮነ፡ ህዝቢ ኤርትራ ከምቲ ክበሃል ዝቐነየ ታሪኽ ንተ ረኽቲ ተገዲፉ ህላወኡ ስለዝዓዘዞ ብዛዕባኡ ኢዩ ተገዲሱ ዝቐነየ። እቲ መምዘኒ ድማ ልዕሊ ንህግደፍ ንዑዑ ንህዝ ቢ ዝያዳ ከምዘገደሰ ተረጋጊጹ ኣሎ። ካብደለይዎስ በሉ በቲ ድሮ ዝተገምገመ መዐቀኒ፡ ምእንቲ ድሕነት ህዝብን ሃገ ርን ኤርትራ ልዕሊ ቴስዓ ምኢታዊት፡/እዚ’ውን ክሳብ ብጭቡጥ ዝረጋገጽ ጥራይ ዝነበረ ኢዩ/ “እወ ንሕልፈት ፕረ ሲደንትና“ ኣድሚጹ ኣሎ። ኣይተረድኦምን ኣይክርድኦምን’ውን ድኣሉ እምበር፡ እቲ ብጭንቀት ዝተዋሕጠ መገምገ ሚ ብኻተሪፍዎም። ኪኖ ምጥልቓይ ዝዕድመሎም ረብሓ ስለዘይህሉ። እናሓደረ ከምዝድንጹ መጠን ቀዳም 28/ 04/12 ምሸት “ኣነስ ኣለኹ ድየ ወይስ መይተ ስለዘይበርሃለይ እስከ ምስለይ ርኢኹም ንገሩኒ“ ዝዓይነቱ ፕረፖጋንዳ ተፈንዩ ርኢናን ሰሚዕናን። ሕማምን ሞትን ተራ ውህብቶ ህይወት ጥራይ ኢዩ። ብድሕሪኡ ንዝህሉ ፖለቲካዊ መኽ  ሰብ ተባሂሉ ዝጥበብ ህልኪ ክኣ ሎምስ ኣብቂዑ ኢዩ። ኣቐዲሙ ምስሊ ድነ ሓዘን ኣሰኒኻ ዝተፈነወ ስዉር መርድእ፡ንርእሱ በቲ ዝስወርን ዝቕልቀልን ጥዕና መራሒ ዝጃጀወ ከይኮነ ኣይተርፍን። ናብ ንቡር ምስተመለሰ ከኣ ክሳብ’ ታ ንሓዋሩ ናብታ ህጥመቱ ዘምርሕ፡ ንግዜያዊ መኽሰብ ክበሃል ከምቲ ብፍቓድ የሱስ ክርስቶስ ድሕሪ ኣርባዕተ መዓልቲ ካብ ሞት ዝተንስኤ ኣልኣዛር ንምድራግ ዝዓለመ ድራማ ተሰሪሑ።

ኣርኣዛር ናብ ምድረ-ቢታ ናብ ኣሕዋቱ ማርያምን ማርታን ምስተመለሰ ብዛዕባ ኣብሰማይ ዝተዓዘቦ እንተነይሩ ዝኾ ነ ነገር ኣይተዛረበን። መ.5.10። ምራሒና ምስተመለሰና ድማ ብዛዕባ’ታ ድሕሪ ሞቱ ትጽበዮ ዘላ ሰማያዊት ህይወት ዘይኮነስ ናይታ ንሕጂ ተሻቕሎ ዘላ ምድራዊት ኣሰሩ ጥራይ ኢዩ ደጋጊሙ። ካብ ዘረባኡ፡-
1.    ብዛዕባ ናይ ዓሰርተው ኣርባዕተ ሰዓታት ዑደት።
2.    ብዛዕባ ጭኑቓት ሰባት /ኣውራ’ዃ ጸሓፍቲ/ ዝዛረብዎሞ ንሓዋሩ ህዝቢ ክነቕሓሉ ዘለዎ።
3.    ብዛዕባ ዓለማዊ መራኸቢ ብዙሃንን ሳዕቤናቶምን።

ነገራቱ ፍሉጥ ስለዝኾነ ንስለምንታይነቱ ምውካስ ኣይመድለየን። ንዘይምትእምማን ካብተዓደምና ግዳ ነዚ ቀሪቡ ዘሎ ምስልሊ’ውን መን ይእመኖ? “ኣልፋን ኦሜጋን ኢና፡ ምስመትና ከይተረፈ ኣሎ እንዳተባህለ ከነርእየኩም ኢና“ እንድዩ፡ ህላወን ዘይህላወን፡ ሞትን ሕየትን፡ ስልጣን ደቂ-ሰብ ዘይኮነ ክንሱ ብሕልናኻ ዘይትቕበሎ ክፉእ ፋል ከም ዓቢ ፖለቲካዊ ስራሕ መሲልዎም እምበር ገለኸ እንተዝኸስቡላ። ዕላማታቶም ዝነበረ፡-

1.    ከምቲ ናይ 93፡ ብጉልባብ “ኣድማ ተጋደልቲ“ ዝተገብረ ተዋሳእቲ ዝተዓሰብሉ ድራማ፡ ሰባት ኣጋግዮም ኣውራ ድማ ንክቑለቡ ዝተደለዩ ሰባት ከገንሽሉ።
2.    ሓዘንን ስግኣትን ኣብ ኣንጉዕ ኤርትራውያን ኣትዩ ከምቲ ናይ ገለ ሃገራት ጣኦት መለኽቲ ክንብልበል ከምቲ ኣብ ዓለም ዝተረኣየ ከኣ ንሱ እንተዘየሎ መንፈሱ ተጸጊዓ ጉጅለ ህግደፍ ክትሰርር።
3.    ተቛወምቲ ዝበሃላ ድሕሪ ሕጂ ብዛዕባ’ዚ መይቱ ዝተንስአ ተኣምራታዊ ሰብ ብጩቕ ኢለን ቃል ከም ዘየውጽኣ።
4.    ብዓለም ደረጃ ጫቑ ጫቑ ኮይኑስ ያኢ ወዲሰብ ክንሱ ስልጣን ክርስቶስ ዝወረሰ ዓቢ መራሒ ሓሊፉ ተባሂሉ ከዋኽብቲ ከይተረፈ ክረግፍሉ።ወረ ክንደይ ክትብልዎ ። ብኣጠቓላሊ ድሕሪ ሞቱ ንዝምነዮ ምስሊ ክፍትሽን ከስርጽ ዝተወጠነ ምዃኑ ኣዝዩ በሪሁ።
5.    ኣውራ መልእኽቲ፡ እዚ መጋረጃኡ ተርቢዑ ውሻጠኡ ዘጋለጸ ሰውራ ኮምፒዩተር ከዳኽምን ወዘተን።

ውጽኢቱኸ።

ሚ/ሪ ዜና ብዛዕባ ዝበሃል ዘሎ ብክብሪ ተሓቲቱ ከብቅዕ ማዕረ’ቲ ዝተማህሮ ብድዐስ ኣይወርጸጸን። ገልዒ ኣካል ናይቲ ዕትሮነቱ ዘፍረሰ ስባር ዕትሮ ኢዩ። ብመጽሓር ሓዊነቱ ድማ የገልግል። ብመስገደል ዘይሓለፈ ዝራብዕ ድማ ብዕራይ እምበር ኣይተስታይ ኣይሓረስታይ። ኣርዑት ዘይወደቖን ዘይዓርደደን ሕንቁቕ ክሳድ ብዕራይ ከኣ ንኻራ’ው ን ኣየብህግን። እዚ በዓል ገፊሕ ገጽ ዘይበዓል ሰፊሕ ሓሳባትከ እንታይ ክትብልዎ ኢኹም። ሰቢሑ ዘይሕረድ፡ እንተዝሕረድ’ውን ዘይምቁር ፋሉል ብዕራይ ሕዛእቲ አማስያኡ ንዝብኢ ወይ ንዘረፍቲ እንድዩ፡ እዚ በዓል ባዶ ቀረንቀ ራ ከኣ ገልዒ’ውን ኣይናቱን ኢያ። ኮይኑ ድማ ነቲ ብክብሪ ዝተሓተቶ ብግቡእ ክምለስ ኣይተሰምዐን። ልዕሊጥርሑ ገረወይና ብዝንቁ መልሲ ብዛዕባ ዘየለ ኣብ ብርኩ ዘተንፍስ መራሒ ኢዩ ለፍሊፉ። ካብ በሃሊኡስ ደጋሚኡ ከምዝ በሃል ክቡር ፕረሲደንት ንርእሱ ኣብ ዓሰርተታት ሰዓታት ካብ ኣስመራ ናብ ኣስመራ ከምዝተዛወረ ኢዩ ገሊጹ። እ ዚ ድማ ግደፍዶ ብመደብሲ ኣብዝጭነቐሉ’ውን ክረርውዎ ከናፍስዎ እናተባህለ ዝግበር ኢዩ። እተን ቃፍላይ ከረን ኣብዝበጽሓሉ እዋን ነፍዓበት ከምዘበለ ኣይፈለጥና ዝነበርና። ግርዲድ ክትሕለበሉ ዝተጸበየ ሰበይ ከኣ ኮን ዶኾን ናብቶም ኣብ ኢድ ሸየጥቲ ሰብ ወዲቖም ዘለዉ ሓደስቲ ጅሆታት ዜጋታት ኣየብልን ኢሉ ተጸብዩ ኣጸብይኒ ነይሩ። ልበይ ከይኣመነት እንከላ እቲ ዕላማ ዑደት ነቲ ድራማ ዘሰነየ ምንባሩ እንዃዕ ኣብራህኩሙሉ ንህዝቢ።

ዓምና ብዙሕ እዋን ብዛዕባ ጭኑቓት ክጭነቕን ክምድርን ከናፍሩ ቆርፊጡ ንርእዮ ኢና። መን ኢዩም እቶም ጭኑ ቓት? ዝብል ሕቶ ከኣ ባዕሉ ብዛዕባ ነብሱ ክዛረብ ዒብ ስለዝኾነ እንተዘይኮይኑ እቲ ዘለዎ ቦታ ንርእሱ ቦታ ጭንቀ ት ከምዝኾነ ስለዝፍለጥ ክሳብ ሕጂ ብዛዕባኡ ዝተገደሰ ሰብ የለን። እንተንሱ’ሞ ይሓልም! ይሓልም ወዲ-ሓራም! ሓሊሙ ከኣ ንዝሓልሙ ምሒር የካፍል የሕልም!!

ህዝቢ ብጥምየት ስደት ብዘይውሑስ ናብራ ይሕመስ፡ ኣይግዳዱ ከኣ ከምቲ ዝብሎ ይሕርንኽ ይድቅስ!! ማዕረ ፍቕ ሪ ድቃሱ ከኣ ብዝናኡ ይሓልም።ይሓልም ብድቁሱ፡ ይሓልም ብብዕጉጉ። እዛ ብዝንግዕታ ዓጻጺፉ ኣብ ታስኪኑ ዘ እተዋ ሃገር ጠላሕ ምባል ኣብያቶ፡ ኣብ ድቃሱ ኣብ ዓራቱ፡ ምስ ሳባኡ ኣብታ ቤቱ ኮይኑ፡ ዕዮ ገዛ የለ ጉዳይ ዓለም፡ ጥራይ በዛ ዝናኡ ኮያና ምሕላም። እናሓንሳእ ከኣ ከምቲ ቻፕሊን ዓለም ዝተሳእላ ፍሕኛ ላስቲክ ነፊሑ ብገጸ-ባህሪ ሂትለር ዝተጻወቶ ድራማ የንሳፍፍ ዓለሙ ሓቝፉ መራሒና!! ሓንሳብ መራሕ ምሕብርቲ ኤርትሮ-ኢትዮጵያ ሓንሳ ብ ብኣፍሮ ብዓለማ። የንሳፍፍ ንዓለም ጨቢጡ ክሳብ ዓለሙ ኣብ ኣፍልቡ ትትኮሶ!!

ቸድ፡ ኣንታ ብኻ ተሪፋቶ እዛ ኣለኹ ማለት! እዛ ’ብጻዕዳ ጥበብ’ ዝቐነየት ሩሕ፡ ተርእዮ ትርኢትን ተምጸኣሉ መዘዝ ን ኣይበርሃትሉን። ከመይ ኣቢላኸ ክትበርሃሉ። ትምኒት ዝናን ባህታን ይደፍነካ እንድዩ፡ መዓስከ ይውዳእ። በበይኑ ምዃኑ ግን ኣይትስሓቱ። ካብቲ ናይ መንጌ ማለተይ ኢዩ። ኮለኔልስ’ዃ ጀጋኑ ጀነራላቱ ዝሸርሑሉ ዕልዋ በናጢሱ ምስ መሬቶም ጸንቢርዎም። ቀታልን ተቐተልትን ከኣ ጀጋኑ ኢዮም ኣብ ቅድሚ ዓለም። እዚ ነፍሱ ዕድለኛ ዝጠመ ቐ ዓምና ግን ዝኣበሰ እንተኣበሰ ኣብዛ ሕርሚ ደም-መላሽ ሃገር ብምንጋሱ ባዕሉ ንዝሰርሖ ጸላኢ ደማሲሱ ዓወታት ዝዓትር ጉዳመኛ ዓታር ዓወት ምዃኑ ምስጢር ሕሉፍ ዓወታቱ ከይተረፈ ዘጋለጸ ተረኽቦ ኮይንሉ ኣሎ። ንጽበዮ ድ ማ ብከምታ ጉጅለ መጸበቒት ገጽ፡ እታ መጸበቒት ታሪኽ ከኣ ከምቲ ናይ ካስትሮ ልዕሊ ሽዱሽተ ኣማኢት ሳዕ ሞት ከምዝሰዓረ ከተዘንትወልና!! ወይ ጉድ! ክንደይ ይስሕቅዎ ይህልዉ ሸራፋት!!

እቲ ብጭኑቕ ስነ-ኣእምሮ ብጭኑቕ ዝተመሰለ በዓልኒሕ እምበኣር ብዛዕባ ኤርትራን ህዝባን ንዝምልከት ክጭነቕ ው ሁብ ስለዝኾነ ክሳብ ዓወት ዝቕጽልን ዝዕወትን መስርሕ ምዃኑ ነብሰፍሉጥ ኢዩ። እቲ ንምድኻሙ፡ እንተተ ኻኢሉ ድማ ንምድፋኑ ተባሂሉ ዝሕሰብ ክፉእ ሕልና ክሳብ ዘሎ’ውን ክድቅስ ኣይኮነን። ስነመጎት ቃልሲ ህዝቢ ምዕፋን ተ ኻኢሉ እንተዝኸውን ከኣ ነዚ ድራማ’ዚ ንምስራሕ ክንድዚ ኣይምተጨነቑን። ነዚ ክትግዕታዶ ክንድዚ…..

“መን ኢዩም እቶም ጸሓፍቲ“? እንተኢልና ኣሸሓት ክጥቀሱ ይከኣሉ። ብዙሓት በዳህቲ ጸሓፍትን ጽሑፋትን ክጥቀሱ ከምዝኽእሉ እናኣረጋገጽኩ ብፍላይ ግን ንዘርኢ ክርዳድ ከምኣብነት ከቐምጥ ምፈተኹ። ደረስቲ ንድርሰቶም ተነ ባቢ ክኾነሎም ብዙሕ ከምዝጽዕሩ መጠን ረድኢ መሓሪ ድማ ንመጽሓፉ ዝመረጻ ኣርእስቲ ሂብዋ ምስሰማዕኩ ከ ምቲ ናይ ኣማኑኤል ሳህለ “ክርዳድ ንምዝራእከ ትልሚ የድልዮ ዲዩ“ ኢለ ንነብሰይ ተወኪሰያ። በዚ ኣጋጣሚ ከኣ፡ ኣማንኤል ድሕሪ ማይን ዘይትን ብሂወት ዘሎ ይመስለኒ ኣይነበረን’ሞ ሰላምታይ ይብጻሓዮ። እንተስነ-ጥበብ’ሞ ጋና ብኩሉ መልክዑ ክጭልግሞም ምዃኑ ኣስተውዕሉ። እቲ ድምጺ ጥርሑ ዝበልናዮ ገረወይና መዓስ ከምዝዕርንስ’ኮ ድማ ነፈልጥ ኢና። ማለተይ እቶም ከምእኒ ጽገረዳ፡ እኒ ኣ. ኣ፡ ከም ኣማን ወዲሓጂ፡ ከምኡ ከኣ እኒ ኣ. ኢን፡ ካልኦ ትን ዝኣመሰሉ ወሓላሉ ወቀጥትን፡ ከምዓስቢ ናይቲ ጸረ-ሓፋሽ ዓቃብነቶም ሓሓከልኡ ተጎኒዖም እንተዘይኮይኑ ሓ ቂስ ተሰዊራቶም ኣይንብልን ኢና። ካልኦት ነዚ ተረካብ ሕድሪ ዕሸል መንእሰይ ሓሞቱ ከፍስሰሉ፡ ሞራሉ ዘውድቐሉ ብኣዝዩ ዝተራቐቐ ሜላ ሓለይቲ ዜጋታት መሰል ምኹሉያት፡ ብኣስማት ሰባት ዝውቅጡ ሕቡኣንን ከም ኣብ ፓ ልቶክ ኮነ ኢንተርኔት፡ ነቲ ብዘይ ህላወ ህግደፍ ዝስዕብ ባዶነት ዝገልጽ ራዕድን ላህመት ትግራይ ትግርኚ ከስርጹ ዝተኸተቡ መምሰልቲ ከምዘለዉ ኣይትረስዑ። በዚ ኣጋጣሚ ኣድህቦኹም ናብ ከምዚኦም ክትድርትዎ ይሕሸኩም። መዓልቲ ድማ ኣሎ ኩለን ጫፍ ብርዕን ብልሕን ነዚ እኩይ ሕልና ብሓባር ዘጋልጻሉ።

እታ ወሳኒት መልእኽቲ ናይታ ፍርቂ ሰዓት ብዛዕባ’ታ ቀንዲ ጸገም ክቡር ፕረሲደንት ምዃና ተነጺራ ኣላ። ሓደ ክፉ እ ሕልና ተቓልዐ ኣይተቓልዐ ክፍኣቱ ባዕሉ ስለዝፈልጣ መሰረት ጭንቀቱ ኮይና ንዕምሩ’ውን ትሸራርፎ ኢያ። መራሕቲ ቀትረ-ቀትሪ ልምዓት ክመባጽዑ እናወዓሉ፡ ለይተ-ለይቲ ብሕልና ኣጋንንቲ ምስ ጥልመት ኢዮም ዝሓድሩ። ሕ ልና መሸም መዝገብ ደቂ-ሰባት ኢዩ። ነቲ እከይካ ክሒድካ ክትመስል ክትብል ከኣ ካብ ፈተውትን ጸላእትን ክትሕ ባእ ኢዩ’ቲ ናብራ። ኩሉ ፌራ’ው ጸልማት ተተጎልቢብካ ኢዩ ዝንስነስ። ብጾትካ ክሒድካ ከተጥፍኦም እንተሓሊንካ ንኣብነት፡ ቀትርን ኣብ ቅድሚ ሕግን ኣይጥዕምን። ክምስጠር ስለዘለዎ ፈጸምትን ፈለጥትን ምስጢር ከኣ ክጸንቱ ኣ ለዎም። ኣብ ዘመነ-ሰውራ ኮምፒዩተር ግን ምስጢር ዝበሃል የለን።
መላይን ካሜራታት ጠቒሱ ፕረሲደንት ስም እቲ ረቂቕ ዋርድያ ምጥቃስ ግዲ ኣጽሊእዎ። ሎሚ ተደላይ ሰብ ብደቂ ሰባት ኣይንደን። ኣብ ዝሃለወ ይሃሉ ከምታ በዓልቲ ነዊሕ ገመድ ደርሆ ናይ ኢንፍራሬድ እሱር ኢዩ። መዓስ ስረኡ የውጽእ፡ ምስኣየነይተን ይድቅስ ክሹፍ ።በዚ ንውልቀ-ነጻነት ሰባት ዝጻረር ተረኽቦ ቀንዲ ተሸቑራሪ ከኣ ውልቀ-መላኺ ኢዩ። ሳዳም ዝመረጻ ጉድጓድ፡ ቃዛፊ ህንጻ ልዕሊ መሬት ተሓሲሙ ተሽከርካሪት ዝደርገመሉ ጐደና ትሕቲ መሬት ኩሉ ካብ ኢንፍራሬድ ኣይተኸወለን። ከምኡ ከኣ መለኽቲ ኩሉ ቀዳዳቶም ክልኩቱ ንተክኖሎጂ ኢንተርኔት ከይተረፈ ኣይተኻእለን እምበር ዘይተፈንቀለ ኣእማንሲ የለን። ግምባር ኢንተርኔት ነቲ ኩሉ ሓጺናዊ ዕርድታትን ታ ንከ-መዳፍዕን ክሰባብሮ ብምኽኣሉ፡ ፈተነ መራሒና ኣይተዓወተን። ኣችለንተ!

ውልቀ-መላኺ ብባህርኡ ጸረ-ምዕባለ ኢዩ። ብፍላይ ንሓበሬታ ዝምልከት ኣይመባልዕቱን ኢዩ። እሞ እንተተኻኢሉ ስ ኩሉ ዜጋ ተጸባይ ጥራይ ክኸውን ኣለዎ። ተጸባይ መግቢ፡ ተጸባይ ሓበሬታ! ኣብ መስኾት ቲቪ-ኤረይ ተጋህጭ ምካ ድፍነት ነይሩ ሕልና ገዛኢ። መሸም ኣቐድም ኣቢሉ ቀረብ ናይ ኢድ ተሎፎናት ከምዝድረት ተገይሩ ኢዩ። ዝተ ቐጻጸርዎ ኮይኑ ምስ ተሰምዖም ከኣ ብምሒር ፕሮቶኮል እቲ ዝርካቡ ተዘርገሐ። መስመር ኢንተርኔት’ሞ ከኣ ክሕሰ ብ’ውን ኣይተደለየን ዝነበረ። ስማውን ብክቱር ቁጽጽርን ከኣ ንሱ ተፈቲኑ። እንተኾነ ወዮም ዋርድያ ኮምፒተር ዝተ መደቡ ኣገልግሎት ኣይከኣሉን። እንተኸኣሉ ከኣ ንምልኪ ዘዕግብ ኣይኮነን። ከምሳእቤን ብዝኾነ ዋጋ ሳይንቲስትታት ምቑጻር ተፈተነ። ቀዳማይ ደረጃ ዕማም’ዞም ክኢላታት ስርዓ-ጸርጊ ምቁጽጻር ኢዩ። መን ኣበይ ኮይኑ እንታይ ጽሒ ፉ ምቁጽጻር፡ ኩለን ተመዘዝቲ ናይታ ኮምፒተር ብሰላሕታ ከከፊትካ ኣብኡ ዘዝጸንሐ ሰነዳት ምስራቑ። እንተዘይጥዒሙ ምቅጻሉ።ንውጽኢቱ ዝምልከት ግቡእ ጸብጻብ ድማ በቲ ኮሙሽነር ክቐርብ ተነጊሩ። እቲ ካልኣይ ደረጃ፡ ነቲ ጸርጊ ገምጢልካ ካብን ናብን ሃገር ከይወጽእን ከይኣቱን ምኽልካል ነበረ። እዚ ማለት ብዘይ’ቲ ባዕሎም ዝፍንውዎ ኢንተርኔት የለ ቲቪ ማለተይ ኢዩ። እቲ ኣውራን ቀንድን ዕላማኸ? ገሊኦም ከምዝብልዎ’ሞ በቲ ጸርጊ ጌርካ ነዞም  ፈነውቲ፡ ጸሓፍቲ ኢንተርኔት ምቑራዮም ኢዩ ትእዛዝ ተመሓላሊፉ እብልዎ። ስለዚ ጸሓፋይ ኣኣብዘለዋ ጣውላ እን ከሎ ቁልቁሉ ኣፉ ነቒጹ ክተርፍ ዝሓለነ ትጽቢት መሪር ጫካነ ከምዝነበረ ይውረ። እዚ ዓይነት ናይ ጨረር መሳር ሒ ኣይ.ኤ.ኤ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ትርጉሙ ግና ክትንተን እምበር ክዝርዘር ኣይከኣልን። እዚ ዓይነት ኣጽዋር እንተዝ ዕወት መሸም ዓለም ብዓለማ ነዲኣ ማይ ምወረደትላ። ኣመሪካ የለ ራሻ ቺና። የቕልሎ !!!!!!!!!!

ስለ’ኩሉሙሉ ኣብ ሞንጎ ጉግልን ቴክኖሎጂ ኤርትራን ጉዳም ኣምባጓሮ ኢዩ ቀንዩ ኢለሞ። ኣብመንጎ ክፈት-ኣይከፍትን፡ ምስጢር ሃብ-ኣይህብን። ስለዚ ጭንቀት ከኣ ሰማይ ዓሪጋ። ናይ ሎሚ ግዳ ቀቀሊሉ። እንተኸፍአ ዘይ “ሰብ ቀ ቲሉ“ ኢዩ’ቲ ወረ። ቀንዲ ሻቕሎት ክቡር ፕረሲደንት ጸኒሑ ንርእሱ “ኣንታ ኣነ ክሳብ ክንድዚ ድየ“ ብማለት ዘስደ ምሞን ዝድንጽዎን እከያቱን ገበናቱን ኣብ ጣውላኡ ከምዝቕረበሉ ተፈሊጥዎ ኣሎ። ኣውራ’ዃ እዞም እንተ ብኣእጋ ሮም እንተ ብቃሬዛ ናብ ሕጊ ዝቐርቡ ዘለዉ መለኽቲ ምርኣይ የሻቕሎ ኣሎ ይበሃል። ናይቶም ካብ እንዳ “ፋራ“ተተጎቲቶም ዝወጹን ዝሓሰሩን ከበድቲ ነበር እንክርኢ’ሞ ከኣ፡ መንእሰያት ኤርትራ ድማ ጽባሕ በቲ ንሱ ሎሚ ዝቐ በሮ ግራጭ ኣዕጽምቲ ዜጋታቶም ገይሮም ከምቲ ናይ ዓም ቃዛፊ ኣብ ኣካላቱ ክሸኽልሉ ገለ ካብቲ ካብሕጁ ዘሰራጥ ዮ ፍጻመ ጎብለልነቱ ምዃኑ ይግመት። ብኸምኡ ከይኮነ ድማ ኣይተርፍን ነቲ ሰጣሕ ገጽ ኮምፒተር ምጥማቱ ዘይ ደፍር ዝብሉ ከኣ ኣለዉ። እሞ ብዘመናዊ ቴክኖሎጂ ዘይተኻእለ ዕብጣን ሓበሬታ፡ ብኤርትራዊ ኣባታዊ ብልሓት ከ ኣ ክፍወስ ፈቲኑ እዚ ጐራሕ። ስለዚ ነዚ ገርሂ ህዝቢ ነቲ ናይ ዓለም ምዕባለ ንዓለማውያን፡ ነቲ ናይ ኤርትራ ድማ ንህግደፋውያን ክኸውን ሓሊኑ፡ ተሌፎን ከምዘየድሊ፡ ተሌቪዥን ብዘይካ ናይ ኤርትራ ካልእ ዘይምዝውታር፡ ኢን ተርኔት’ሞ ኸኣ ሓጥያተ-ነውሪ ኣምሲሉ ከምዘይርአ ከምዘይስማዕ ምሕራሙ፡ እንተኾይንሉ ከኣ ከምዚ ሎሚ ከይ መተ እንከሎ “መይተ“ ኢሉ ዝዘርገሖ ሓሶት፡ እቲ ካልእ ከኣ ጽባሕ ዝፈሽል ሓሶት ስለዝኾነ፡ ሰብ ብእዋኑ ክጥንቀ ቐሉ ያኢ።…..ቀደሙ ካብ ኣረጊትን ናይ መለክትን ስነ-መጎትከ እንታይ ትጽበዩ?

ጥፍሽና ብሕልፈተ-ህይወት ኢዩ ዝዛዘም። ብኽብረቱ ብዘይምሕላፉ ነፍሱ ዕድለኛ ዝቖጸረ መራሒና ካብዘይምዕዳ ል ክጋለጽ ኣምሒርሉ ኣሎ። ኣመል ሰባት እምበር ኣመሉ ዘይፈለጠ መራሒ፡ ከምዛ ዋዛ ንህዝቢ ክፍትን ዝሓሰቦ ዕጫ ቀዳሞት ዓዲሙ ኣሎ’ሞ ጽንሕ ጥራይ። ኢንተርኔት ከምዘየንብብ፡ ተሌፎን ከምዘይጥቀም…. እንተኣውረየ፡ ሓ ያል ዘመተ ይመስሎ ይኸውን። ዘይርኢ እንተኾይኑ ካብምንታይ ድኣሉ ዘሚትዎ’ቲ ዝዓፈረሉ ትንታነ ምዕራባዊ መ ራኸቢ ብዙሃን? በሉ ክንድኡ ዝኣክል ዓርመሾሽ መንግስቲ ከምቲ ከምስሎ ዝደሊ ምስ ናጽላ ናይ ኢንተርኔት ጀጋኑ ክጋተር ኣይተጋገየን። ካብ መሳቱኡ መራሕቲ ዓለም ዝተገለለ ምኩሕ መራሕ ሃገር፡ ዝገብሮ ምስሰኣነ ካብኣስመራ ና ብ ኣስመራ ከምዝተዛወረ መጠን፡ ምስ ምዉታን፡ ምስ ቆልዓ ሰበይትን ናይ ዜና ማዕከናትን ካብ ምልኻፍ ሓሊፉኸ እንታይ ኢዩ ጣቛኡ? ገና ገና ብዘይዕድመኡ ናብ ህጻንነቱ ከምዝምለስ ይዕድም ኣሎ’ሞ እቲ ብድዐ ድማ ግባሩ ኣለዎ

መወዳእታይ ክብሎ ዝደሊ እንተኣልዩ፡ ወዮ ድኣ ብሳላ ብሱላት ተዋሳእቲ ብጾተይ ዘዝቀረብኩዎ ክስርዞ ቀንየ እምበር፡ ሎሚ ዝዕሹ ሃገራዊ ከምዘየለ ክጠቅስ ጥራይ ኢየ። ንሳቶም ነዞም ዝቃወሙ ከምቀደሞም ከምደለይቲ ስልጣን፡ ሓሳቦም ዘይሰመረሎም ዝንቡላት፡ ብናይስልጣን ሕማም ዝዓበዱ ወዘተ….. ክብሉና ኢዮም። መሳኪን! እንተኾነ፡-

ኣብዛ ብዙሓት ሰብዝናን ሃብትን ሽመትን ዝሓፍሩላን ዝተጠላቐዩላን ዓለማዊት መድረኽ ንዝናን ባህታን ዘወናውን ዊንታ የብልናን። ኣይክኣምኑን ኢዮም ማለት እንተዘይኮይኑ ሎሚ ነዛ ስልጣን ዝቕበሎም ሰብ ከካልፍዎስ ይትረፍ ወርቂ ኣንጺፎም ክቕበልዎ ምተገብአ። ኩሉ ኣብዩም እንተኣኹሪጦም፡ ብእዋኑ’ውን “ኦዴሳ“ እንተዘይሰሪሓ ግን ከ ምዝቕደሙ ክፈልጡ ኣለዎም። ብዝተረፈ ኩሉ’ቲ ዝተላወበ፡ ዝተንተነ፡ ብዛዕባ እቲ ሬሳ ምሕደራ እምበር ብዛዕባ ሬሳ ሰብ ፋዕራ ከምዘይነበሮ ንጹር ኢዩ። ሓቂ ኢዩ’ውን ህግደፍ ድሕሪ ደጊም በድኒ ጥራይ ኢዩ። ኮይኑ ግን ብናይ ዓምና መተ-መተ ተሰራሲሩ ካብ ዘየድሊ ሳእቤንን ነውጽን ዝተቖጠበ ኩሉ ህዝብን ተቓዋምን ሃገራዊ ልቦናኡ መሊ ሱ ክዓዝዝን፡ እቲ ናይ ባዶነት ግዜ ጽባሕ ብግህዶ ከምዝመጽእ ተረዲኡ ዝጭበጥ ናይ ጥርናፈ መስርሕ ከርኢ እላቦ ።“ደርጊ ክትመጸኩም ኢያ፡ እሞ እርትራዊኸ እንታይ ሂዝካ ኣለኻ“? ኢልና መመሊስና። ስለዚ ኩልና ኤርትራውያን ብፍላይከኣ መንእሰያት  ኣእምሮና ዘዝበሃጎ ዘይኮነስ፡ እታ ፈቃር ልብና እትምነዮ ሓድነት፡ ሰላም፡ ፍትሕን ስልጣነ ን ክህልወና ክንቃለስ ይግባእ። ብዝተረፈ በዚ ኣተሓሕዛ ቃልስና እቲ ኣርእስትና ተመሊሱ ዝያዳ ንዓና ከምዝወቕዓ ነስተውዕል።…..ነዚ ክትግዕታዶ ክንድዚ ትርህጻ…..

ድሓን ቀንዩ።

ጎደፋ፡

30-04-12


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...