ኣውያት’ሞ ተኣውዩ፡ እንተ’ቲ መርድእ ግን ኣይሰምዐን ህዝቢ ኤርትራ። ንቕብጸት ድማ ፍጭም ኮይኑ።“የለኹን ኣ ይጥዑምን ምቕናይ ድኣ ምቕናይ“ ትብል ዜማ ኩሉ ግዜ ዝደጋግማ ዝነበረ ተስፋማርያም ዝተባህለ ዓርኪ ነይርኒ። ኣነ ድማ ከምኣ ገይረ ዝጸልኣ ነገር ኣይነበረንን። ሎሚ ግን ነገር እርጋን ግዲ ኮይኑ ምቕናይ ኣበሳኡ እናተረዳእኩ ክን ሰይ ብትዕግስቲ ምጽናሕ ሕማቕ’ውን ኣይኮነን ክብል ካብ ዝጅምር ኣይሓጸረን።

ትዝከረኒ ግንቦት 24-25 ናይታ ዓመተ-ናጻነት ዝነበረ ድብልቕልቕ። ይዝከረኒ ህዝቢ ኤርትራ ንክልተ ቅነመመላእታ ብዘይ መደረብታ ቁራጽ ጨርቂ ኣብ ጐደናታት ክስዕስዕ ክድብል ዝነበረ ህሞት። ሽዑስ ኩሉ ነገር ሓንሳብን ንሓዋ ሩን ተቐንጢጡ ዝኸደ ኢዩ ዝመስል ዝነበረ። እንተኾነ ነገራት ኣይከምኣጀማምራኦምን። ከይሓሰብናዮ እቶም ዝሓ ሰብናዮ ከኣ ከየምዓርናዮ ዕስራ ዓመታት ቛሬጣ ምውታን ቛሪፍና ግዱ ከኣ ኮይኑ። ሎሚ ሃገርና ብሰሪ ናይቲ ሰብ ከየቕለበሉ ከምቲ ሕማም ጻዕዳ ባርያ ዝበሃል ብህልኸኛ ዝባህርያቱ ዕጽፊ ዝሃነጾ ዘዕኑ ኣመራርሓ፡ ብዘይ ዝኾነ ስጉ ሚ ኣብታ ዕውድዕውዶ ከነኹድድ ባዶ ዝቁምነገሩ ህልኪ ዕስራ ዓመታት ኣሕሊፍና። ከምሳዕቤኑ ብዘይካ’ቶም መ ቓብር ስዉኣት፡ ገና ዘይተፋነዉ ሳናዱቕ ነፍሲ-ሄራት፡ ኣብ ኣፍ ሞት ዘለዎም ዝዛረቡ ምውታን፡ ከምኡ ድማ ንዕር በቱ ዝትለኽ ዘሎ ድኑስ ምሕደራ ህግደፍ ዝሓቖፈ ኩነተ-ጸሊም ደመና ኣንጠጥዩ እንሆ።

ናይ ሎሚ ዘመን ግንቦት መበል ዕስራን ሓደን ዓመት ናጽነት ግን ነቲ ጸሊም ድበና ክትትርብዖ ኢያ። ኮነ እንተተባሂሉ ከድኣ እንታይ ሒዝና ኣለና ደቂ ኤርትራ። ኣቐድም ኣቢሎም ነዚ ቀቀሊሉን ጋና ድማ ንዝስዕብ ዘይተራእየ እኪ ታት ዝቐልዕን ንመጻኢ ዝትንበዩን ስነ-ጥበባውያን ነይሮሙናን ኣለዉናን ኢዮም። ንኣብነት ዝኽሪ ሓምሳ ዓመታት ስነ-ጥበብ ሃገርና ኣብዝበዓለሉ ዝነበረ እዋን፡ በቲ ውህሉል ተመኩሮታት እዞም ሰባት ብስቱርን ብግህዶን ብርግጽ ነገራት ከምዝገለጹ ይግለጽ ነበረ። ነቲ ኣነ’ውን ዝፈልጦ ነገራት እናገለጹለይ ግና ከምዚ ሓድሽን ኣብ ትሕቲ ጸላኢ ዘለዉን ኮይኑ ይጥዕመኒ ነበረ። ሕሉፍን መጻእን ኣጣሚሮም ብዝግባእ ዘስተምህሩ በላሕቲ ተንተንቲ ስነ-ጥበባውያን።

ትዝታታት የማነ ገ/ኤል /ባርያ/ ንዘልኣለም ክኾነሉ ኢዩ ንወዲ ኤርትራ። ከምኡ ድማ ኩሎም ምስኡ ዝሓለፉ። እሞ ኮነ እንተተባሂሉስ ሕጂኸ እናታይ ኮን ክብሉና ይኾኑ እዞም ህሉዋት ስነ-ጥበባውያን? እንተዘይጸሊእኩሞስ በሉ ኣቐድም ኣቢለ ካብ ዘዳለኹዎ ንውሕ ዝበለ ትሕዝቶ ቆንጭለ ከውጋዓኩም።

ተስፋማርያም ዓርከይ ብሓቂ ወተሃደር ነበረ። ወተሃደር እንተበልኹምከ፡ንጥይት ብርእሱ ክፍግጻ ዘብህጎ ሓያል ተዋጋኢ ኢዩ። እቶም ጠባያት ወተሃድር ኩሎም ምስኡ ነይሮም። ዝገርመኒ ዝነበረ ከኣ ሕብረተ-ሰባዊ ልምድታትን ኣምልኾን ከይተረፉ ሰሪጸሞ ኢዮም። ካብኡ ከናግፎ ክብል ግን ንርእሰይ ከይተለከምኩ ኣይተረፍኩን።ድሕሪ ናጽ ነት ሓደ መዓልቲ መንደፈራ ኣተናልኩም። እቲ ግዜ ልብና ብሰላሳ ብር በሪራትሉ ዝነበረት ነበረ። ወዮ እቲአን ገለ ክንጉጽጉጸለን ኢልና ኣብዘላገስናሉ ከይተፈለጠና ሓለቓ። ዓርከይ ከኣ ኣንጸርጺሩ ብዛዕባ መጻኢና ከይተረፈ ክሓስ ብ ጀመረ። ድንገት ድማ ናብ ሓንቲ ፈላጢት ክንከይድ ኣዘዘኒ። እንተዘይተጋግየ ልቺያ ኢዩ ስማ። ከይኣመንኩሉ ከኣ ዝበለኒ ክገብር ከድናልኩም። ኣብኣስ ዓርከይ ነዛ መከረኛ ነብሰይ ኣሕሊፉ ተዓዛቢ ድኣ ኮነ።ኣነ ድማ ብዘለኒ ድፍረትን ድራምዊ ባህርያት ንቁጠባዊ ኩነታት ተጋደልቲ ክትፈልጠልና ከረድእ ነበረኒ። ኣብቲ ግብሪ ምስቀረብኩ ግን ነፍሰይ በታ ብትርኢታ ከምቲ ዝተጸበኹዋ ዘይኮነት ሄዋነይቲ ተፈተነት። ጭራሽ ድማ ተባዕታያዊ ነገራተይ ነቲ ፈላጢ ውቃቤኣ ክዳፈሮ ደለየ። እዝጊ ይግበረለይ ብዝነበረኒ ሓቦታት ናብ ሕቶታተይ ኣተኹ። ሎሚ እንክዝክሮ ን ሳ ትሕትን መስተውዓሊትን ነበረት። “ደሞዝ የብልናን’ሞ ንዓመታ ይግበረልናዶ ይመስለኪ“? በሉኩዋ ስምዒተይ ሓቢአ ከምዚ ናይ ትሕትና ኣርዮስ ብዝመስል።

ዝሓዘቶ ኣዕናቚ ኣይነበረ ዛዕጎል። እዃድኣ ዝደለዋ ወናኒት እንዳመስተ እናመሰለት፡ ንዝሓተትኩዋ ተከታታሊ ሰለስ ተ ዓመታት ብኣሉታ መለሰት። ነገራቱ ጨኒቕዎ ዓርከይ ንዓይ ኣቛሪጹ “ መዓስ ድኣሉ ክርህወና“ በላ።

ክትለምድዎ ኢኹም“ መለሰት ከይተጸገመት። ነቲ ብዘይደሞዝ መንባር ክንለምዶ ፈሊጣትልና።ዓርከይ ከኣ ከይሓለ ፈሉ ኣብ ኲናት ጎናይ ሳግላ ከምዝሓለፈ ሰሚዐ። ኣነ ድማ ለሚደዮ ኣለኹ ንኣነነተይ።ፈላጢት ትኹን ጠንቛሊት ከኣ ንዓዓስ ነገራትና ከይተኸሰተላ ኣይተረፈን።እሞ ከም ሸራጦ፡ ቡዳታት ዝኣመሰሉኸ ስነ-ጥበባውያን ዽዮም ብዘየገ ድስ ንሳ ግን ከምኡ ቆጸርኩዋ። ኣብዚ እዋን እዚ ድማ ከምሶማል ክናዋዳእ ምዃንና ዝትንበዩ ጠንቛሎ ኣለዉ። ንዓ ታቶም ንዓኹም ገዲፈ ናብ ሓሳባተይ ክምለስ።

ቁምነገር ናይዞም ንዘይተራእየ ዓወት ርኡይ፡ ንርሑቕ ቀረባ……እናኣምሰሉ ሓጹር ክንጥሕስ ኒዩ ዘዕጠቑና ወናማት ሕሉፋትን ህሉዋትን ሰብ ሞያ ንምጉሰሉ ሰዓት ኣይኹን እምበር፡ ካብዘከርኩዎስ ገለ ክብል ኣፍቅዱለይ። ማለተይ ግን ንሓቀኛ እምነትን መርገጽን ተጠቀስቲ ዝገልጽ ወይ ዝጻረር ዝዳፈር ከምዘይኮነ ብትሕትና ክገልጽ እፈቱ።

ኣይኣዝዝ እምበር፡- እታ ነቲ ጨጓር ርእሳ ክስከም ዓቕሚ ዘይነበሮ ዝመስል፡ ግን ከኣ ወናኒ ወናም ድምጺ ጎረሮ ዝኽሳዳ ጋዜጠኛ፡ ኣብ ክልተ መድረኽ “ ጅግና ህዝባዊ ሰራዊት ንከተማ ባረንቱ ገዲፍዋ“ ምስ በለት ብመርድእነቱ ዘይኮነስ ብጽንዓቱ ህዝቢ ዘረጋግአት ወይኒ ገ/ር፡ ኣብ ማይክረፎነ ራዲዮ ቀሪባ “ህግደፍ ሓንሳብን ንሓዋሩን ዓሪፉ። ኣብ ስነስርዓት ስንብታ ድማ ኣቃብሩና ይብሉ ቤተ-ሰብ’ቲ ሰልፊ“ እንተትብል እንታይ ኮን ምበለ ሰብ በሃላይ? ቆዛ ሚ ክንደይ መዓልቲ ከሰል ክቕየር፡ ደባሊከ ንክንደይ መኣልቲ ኣብጐደናታታ ክዕንድር ምተረኣየ?

መቸም ስርዓት ክቕየር ዝሓዝካ ሒዝካ ድማ ባው……… ኣሎ። እቲ ምስ ኮመዲ ዝተፈጥረ፡ ዘይኣርገሉን ዘይበትኽን ክንሱ፡ ኣብ ቅንያት ረኣዩ-ሰሚሩ፡ ኣፍናን እግርናን…፡ “ለታይ ተላዓሊ ንኺድ ዓድና“ ከምዘይበለ፡ ነገራት ከምጭራ ዕንቅርቢት ተተጠውዩ መንበስበስታና ምስኣንሃለና፡ ነገራቱ ኣስደሚምዎ ይኸውን ተጠርቂሙ በተን ሓንሳብ ኣብ ባንኪ ዘእተወን እናቀምጨጨ ዝነብር ዘሎ፡ ወዲሻውል ነዛ ዝሓለፈት ዕስራ ዓመትን ዝሓዝካ ሒዝካ ባውን ሃዳም ነት መንእሰይትን ነገር ደለልቲ ደቂሰባትን ብከመይ ኮን መቕረበልና?

ኣይኣዝዝ እምበር፡- ኮነ እንተተባሂሉስ እታ ብዘይካ ወረጃ ኣደ ገዛ’ምበር ክንድኡ ስነጥበባዊ ሞያ ቀቢራ ትነብር ዘላ ዘይትመስል ኢታይ ምቁር ነዚ ዝሓለፍናዩ ብልሽውና ሰበ-ስልጣን፡ ምምዝሓቕን ምሻጥን ኣካላትናን፡ ዝገደደ ድማ ሬሳታት ሐሐቝፍካ ምቑዛምሲ ብኸመይ ኮን መቕረበቶ ማና ኪዳነ?

አእ ኣይኣዝዝ ኢየ ዝብል ዘለኹ፡ ሕሉፍ ስርዓት ከይማእምኦም ጸኒሑ እንተዝኸውን፡-

“ኣብ ጎልጎል ሰሊና፡ ክንደይ ተወጊኣ ርእሳ ተጀኒና። ክንደይ ተሰውኣ ሓመድ ተደፊና“…….. ኢሉ ነይሩ ተክለ ክፍለ ማርያም። ንሱ ቅድም ኣብረሃም ነጋሲ ዘይቲ ክውልወል እንከሎ ጌጋ ድኣ ይኽለኣለይ እምበር ንጎልጎል ጋሕቴላይ ዘሰነኩዎ ይመስለኒ ኣሎ።ነታ ለንቀይለንቀይ እትብል ዝነበረት ብራርያ ነፍሱ ምስረኣኹ ድሒሩ ክራሩ ተሓንጊጡ ከሰራስረና ምኽኣሉ ከምኡ ዝኣመሰለ ዝና ዝሓቁፍ“ዃ ይመስለኒ ኣይነበረን። ናጻነት ምስ መጸት ግን ምስ ነጋውስ ከምተባተኸ ተሰሚዑ ኢዩ።ሎሚኸ ንሰብጽሩራ እንታይ ክብሎም ይኸውን። ብሓቂ ተማሂርላ እንተኾይኑ ንዓዲ ዃላን ኩለን ናይ በረኻ ቀብርታት ዘአንገዳ ማሕዩራትን እንታይ ክብል ይኸውን ብዛዕባአን?

ዓርኪ መሰታዶ ክትብሉ ካልእ ማልእ ገዲፍኹም “ክንዛረብ እምበር ክንደይሳዕ ኣሎ ትም“ ንእትብል ዜማኡ  ዘይዝ ክር ሰብ የለን ክብል እኽእል ኢየ። ቀጺሉ “ ንኩሉ እንዃዕ ኣርከብኩሉ“ ኢሉ ተኸተልንኪኤል ገብሩ።ንነገሩ ብክን ቅልቀል ዶሞ ነኽርያ ክንደይ ሰብ ንድርፎ ዘይጸደፈ። እሞ ሎሚከ ናብ ኣኽርያ ምስተመለሰ ነዛ ዘርከበላ ግዜ ዕንቅ ርቢተ-ተመን እንታይ ኢሉ ኮን ክገልጻ ይኸውን።

ኣይኣዝዝ እምበር፡- እታ “ኢራብ ኢሎማ ንኣለም ኣለመ“ ዝበለት በዓልቲ ጊታር“ሞ ኣብ ምንታየይ ከምእተለኸፍኩ ድኣ እንድዕለይ እምበር ክትውቀበኒ’ዃድኣ ጉድ! ድሒራ ትጽቢት ለውጢ ግዲ ነዊሕዋ “ይበርር ኣሎ ይነፍጽ ኣሎ እዚ ግዜ“……….ምስበት ኩሉ ከይረኣና ከይንቃበጽ ሰጊአ ነይረ። ንሳ ከኣ ነዚ ዝሓለፈን ሓድሽ ግዜ ብኸመይ ኮን ተቕርቦ ትኸውን? ሞሳ በዓል ኢራበ- ጤለቤዱ ከምቲ ዝተባህለ ዝተሓስበዶ ኮይኑ?

ከደ…… እትብል ግጥሚ ኣስመሮም ሃብተማርያም እንዳደጋገምና ኢና ኣስመራ ኣቲና። እዚ ወናኒ ባሕሪ ስነ-ጥበብ ገሊሉ’ዃ እንተመሰለ ጥጅእ ከይሃለዎ ኣይተርፍን። እንታይ ምበላ ነዛግዜ ? ዝኸደስ እንታይ ሒዙ ኮን ከይዱ ይብ ሎ? ዝተረፍናኸ ምስእንታይ ኢና ተሪፍና ዘለና? ኣውራዃ ነታ ሕድሪ ትርከባ ዘላ ብኸመይ መጸ..መጸ ክብላ ኢዩ?

“ዓሻ ድየ በራኺ“ ኢሉ ነይሩ ሙሴ ኣስገዶም ኣብ ግዜ ደርጊ። እንሆ ከኣ ሓዳስ ደርጊ ተቐላቒላ። ኣፍኩም ሓዙ ድዩ ክመጸና ዕድል ሃቡና ኣይፈለጥናዮን። እሞ ንሱ ገለስ ምበለ በቲ ተዛራቢ ካርቱናቱ።

ኣይኣዝዝ እምበር፡- እታ ቀዳመይቲ ዘጓነፈትኒ ስነ-ጥበባዊት፡ ሎሚኸ ከምቀደማዶ ክለምዶ ምዃነይ ምተነበየትለይ
ዋላስ ክሓልፈለይ ምዃኑ መፍኣመት። ዶዋላስ ኣቡኡ ዘፍለጠ ፍጹም ከይጽበ ምመዓደትኒ?

ዝኾነስ ክኸውን ኢዩ። እንተኣነ ገና ኣብትጽቢት ኢየ ዘለኹ። ኤርትራ ብንኡሳን ደቃ ኩሉ ክብርን ዝተመንዘዐቶ ሓርነትን ክትጭብጥ ኢያ። ንሕሉፋት መንግስተ-ሰማያት የዋርሶም፡ ንህሉዋት ድማ ጽንዓት ይሃበና ላዕላይ ሰማይ፡ ኣሜን!

ድሓን ቀንዩ!

ጎደፋ፡

26-04-12


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...