ሰላም ኩቡራት ኣንበብቲ፡

ኣየ እዚ ስምባደ ሰራም፡ ሓደ ማዓልቲሲ፡ ኣነን መሳርሕተይን፡ ስራሕ ከይንዱንጒ ኣብ ናይ ታህዋኽ ሳዓት (rush hour) ብመኪና እንዳተሓምበብና ኮለና፡ ሓደ ክንዲ ኣቶ ኢሳይያስ ዝኸውን ጥሮታ ዝወጸ ሽማግለ ሰብኣይ፡ ንህዝብን ነቲ ናይ ታህዋኽ ሳዓትን ግዲ ከይሃበ፡ ኣብቲ 80 ኪ.ሜተር ንሳዓት ዝብል ብሕጊ ዝተተኸለ ሓባሪ ሰሌዳ፡ 30 ኪ.ሜተር ብምጉዓዝ ናብ ዕላል ተለፎንን ሽጋራን፡ ነቲ የማነ ጸጋሙ ዝነበረ ማራኺ ጹዑቕ ኣግራብን ሕርሻን ብምቱኳር ኣብታ ሓንቲ መስመር ዝነበረት ጽርጊያ ገፈፍ ክብል ንህዝቢ ከርደና።

ንሕና ካብቲ ከርዳናይ፡ መኪናና ሳልሰይቲ ነበረት። ንድሕሪት እንተጠመትና ድማ ክሳብ 30 ሰላሳ ዝኾና መካይን ከማና ዳርጋ ጠጦው ኢለን ተዓዘብና። ሽዑ ህዝቢ ከካብ መደባ ትጎናደብ ከምዘላ ተረዲኣ ነገሩ ገሪሙዋ ነበረ። ሽዑ እቲ ድሕሪ እቲ ከርዳናይ ዝነበረ ባዓል መኪና፡ ሃንደበት ጡሩምባ ነፍሓሉ፡ ኣብ ቅድሚ ዓይንና ወዮ መኪና ከርዳናይ፡ ንየማን ንጸጋም ብምልኻዕ ካብ ቁጽጽሩ ብምውጻእ ደንደስ ጽርጊያ ሃሪማ ጠጦው በለት።

ነገሩ ደንጺውና፡ ብፍጥነት ከካብ መኪናና ብምውጻእ ኣብቲ ከርዳናይ በጻሕና። ወዮ ከርዳናይ ሽጋሩኡ ኣብ ኣጻብዕቱ ቀርቂሩ መስኮት መኪኑኡ ከፊቱ፡ ርእሱ ኣብቲ መእለይ ሞንኮርኮር(steering wheel) ደፊኡ ፊቕ ኢሉ እንዳበኸየ፡ ነቲ ጡሩምባ ዝነፍሓሉ ጻዕዳ ካናዳዊ፡ ብሰንክኻ ኢየ ከምዚ ኮይነ ዘለኹ በሎ። እንታይ ጌረካ እንተበሎ፡ ጡሩምባ ነፊሕካ ኣሰምቢድካኒ በሎ። እንታይ ዲኻ ኮንካ እንተበልናዮ፡ ልበይ ስቱኽ ስቱኽ ትብለኒ ኣላ፡ ትንፋስ ድማ ይሓጽረኒ ኣሎ በለና። ብጡሩምባስ ኣብ ከምዚ በጺሕካ እንተበልናዮ ወዮ ጻዕዳ ሽማግለ፡ ንስኻትኩም ብዛዕባ ስምባደ ሓንቲ ኣፍልጦ የብልኩምን ብምባል ኣብ ማእከለይቲ ኣጻብዕቱ ምውጻእን ናይ ቀለልቲ ጸርፍን ኣተወ። ሽዑ ኩላህና ብሓባር ነዘን ኩለን መካይን ከርዲንካየን’ሲ ትጻረፍ ድማ ኣለኻ ምስ በልናዮ፡ እሞ ንተፈጥሮ ኣይትጠምት ኣይትታሓጎስ ዲኹም ትብሉኒ ዘለኹም፡ ኣይግድሰንን’ዩ ከምድላየይ በለና። እሞ ሕጂ ዳኣ እንታይ ኢኻ ክትገብር ብምባል ውን ሓተትናዮ፡ ኣምቡላንስ ክጽውዕ ኢየ ኢሉ እንዳደወለ፡ ነቲ ጡሩምባ ዝነፍሓሉ ሰብ፡ ቁጽሪ ሰሌዳ መኪኑኡ ጽሒፉ፡ ኣብ ቤት ፍርዲ የራኽበና ብምባል፡ እዚ ዘይባሃል ጸርፍን ምፍርራህን ኣዝነበሉ። ዳሓን ትእቶ እታ መኪናኡ ካብታ ሓንቲ ቀጣን ጽርጊያ ወጺኣ ተጎንቢያ ስለዝነበረት፡ ህዝቢ መሕለፊ ረኺቡ፡ ነናብ ዋኒኑ ተሓምበበ።
እዚ ዘርዳኣና፡ ደቂ ሰባት፡ ብምስሊ፡ ብግዳማዊ ትርኢትና ተመሳሳልነት እኳ እንተ ኣለና፡ ብተግባርናን ሕልናናን ግና ዝተፈላለና ኢና። ገሊኡ ሙቕሉልን ትሕትና ዘዘውትርን ሱኩፍን ፍትሓውን ክኸውን ኮሎ።  ገሌና ድማ፡ ሃንጎሊማታት፡ ንዓይ ይጥዓመኒ ባሃልትን ሱሱዓትን ናይ ካልኦት ፉጡራት ዋኒን፡ ሕሰምን መከራን ስኽፍ ዘይብለና፡ ድንጋጸን ፍራሃት ፈጣርን ዘይብልና፡ ደንደንትን ጨካናትን ኢና።

እዚ ሎሚ ቅነ ዝነፍስ ዘሎ ዘይተረጋገጸን ዘይተጻረየን ቤላ ቤለው፡ ሕማም ወይ ሞት ኣቶ ኢሳይያስ ውን፡ ገለ ደኾን እዛ ናይ ሰራዊት ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ኣሰንቢዳ ሶሎሎ ኣእቲያትሉ ኮይና ናብ ዝብል ጠርጠራ ስለ ዝኣተኹ ኢየ። እንዲዒ ኣንበብቲ ትብልዎ እምበር፡ ኣነስ ስምባደ ሰራም ኢዩ ባሃላይ ኢየ።

ብዘይ ቃልዓለም፡ ህላወ ኢሳይያስ ሓንሳብን ንሓዋሩን ካብ ገጽ ዓለም ክስወር መተካእታ ዘይብሉ እኳ እንተኾነ፡  ብከምዚ ዝውረ ዘሎ ህላወ ኢሳይያስ ከኸትም ግና ኣይምመረጽኩን። ምኽንያቱ፡ ሂወት ኣሽሓት ኤርትራውያን ዝሰረቐ ስለዝኾነ፡ ብሂወቱ ተታሒዙ ኣብ ፍርዲ እንተዝቐርብ፡ እንተዋሓደ፡ ንስድራቤታት ግዳያቱ ሕልናዊ ቅሳነት ብምርካብ፡ ነቲ ነዊሕ እህህታን ሓዘንን መደምደምታ ምስገበሩሉ። ግና ብከምዚ ዝውረ ዘሎ እንተ ኣልገሰ ውን፡ ይግበረልና፡ ምኽንያቱ፡ ብመጠን እቲ ንሱ ብሂወት ዝጸንሓሉ፡ ሕሰምና ድማ ክገድድ ስለ ዝኾነ፡ ብሂወቱ ክሳብ ዝታሓዝ እንተዝጸንሕ ማለተይ ኣይኮንኩን።

ከምቲ ለባማት ዝብልዎ፡ ሕሉፍ ታሪኽ መምህር እኳ እንተኾነ፡ ካብ ሕሉፍ ተማሂርካ፡ ንዝበለጸ መጻኢ ብዝበለጸ ራእይ፡ ብሓላፍነት ብቁኑዕ ሕልናን መንፈስን፡ ብዕርቂ ሓድነትካ ኣትሪርካ፡ ብቁዋምን ሕግን ተመሪሕካ፡ ቁስሊ ሃገር ኣሕዊኻ፡ ሰላምን ፍትሕን ዝሰፈና ሃገር ምህናጽ ድማ፡ መተካእታ ዘይብሉ ንህዝቢ ኤርትራ ዝጽበዮ ዘሎ ዓቢ ጉዳይ ሃገር ኢዩ።

ድሕሪ ሞት ኢሳይያስ፡ ንድሕነትን ቀጻልነትን ሃገር፡ ህዝቢ ኤርትራ ቀዳምነት ክህቦም ዝግባእ ዝብለን ርኢቶይ። ካብ ኩሉ ሕብረተሰብ ኤርትራ ብዝተዋጽኡ ወከልቲ፡ ቅልጡፍ ሃገራዊ ባይቶ ብምክያድ፡ ግዝያዊ ቁዋምን መሰጋገሪ መንግስትን ሙቛም። ጎኒ ንጎኑ ድማ፡ ንሰላምን ምርግጋእን ሃገር ዘረጋግጽ፡ ነቶም ኣብ እዋን ቃልስን ኣብ ሕቕፎ ህግደፍን ኮይኖም ብገበናት ሂወት ሰብ ዝሕተቱ ኣብ ቀይዲ ኣእቲኻ፡ ነቶም ዝጥርጠሩ ኣደስኪልካ፡ ነቲ ዝበዝሐ ጅሆ ተታሒዙ ዝጸንሐ ፖሊስን ሰራዊትን ኤርትራ ድማ፡ ብሓድሽ ስርርዕ ከምዘለዎ ኣብ ረብሓ ሃገርን ሓለዋን ከምዝቕጽሉ ምግባር።

ተረፍ መረፍ ህግደፍ፡ ዳግማይ ስልጣን ክቆጻጸሩ ሃነፍነፍ ዘይተርፍ ስለዝኾነ፡ መጀመርታ፡ ህዝቢ፡ ስልጣን ዝህብን ዝኸልእን ህዝቢ ኢዩ ብምባል፡ ብልቦናን ብህድኣትን ብናይ ምርድዳእ መንፈስን ክሕብሮም ይግባእ። ኣይፋል እንተ ኢሎም ግና፡ ህዝቢ ብሕግን ብጉልበትን ካብኣቶም ስለ ዝሕይል፡ ንህላወኦም ብሓይሊ ጥራይ ኢዩ ክድምድሞ ዝኽእል።

ሰላምን ደሞክራስን ፍትሕን ንህዝቢ ኤርትራ፡

ሳልሕ ዓብደላ
ካብ ለምለም ካናዳ ሰላም ቅነ ንኹልና

This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it. 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...