ካብ ዋሺንግቶን ዲሲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ትበርር ነፋሪት ኣላ ዝብል ወረ ካብ ዝሰምዕ ዝሓለፈ እዋን’ኳ እንተ ዘይሓጸረ፡ ኣነስ ቅድሚ ክልተ ሰሙን’የ ባዕለይ ክፍትን ዕድል ዝረኸብኩ። ዝገርመኩም’ዩ! እንዳ ዝናን ባህታን ዝብሉዎ ደኣ እንድዒ’ምበር ንኣይ’ሲ፡  ምናልባት ድሕሪ ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመታት ስለዝኾነ ግዲ ኾይኑ፡ ኣብ’ቲ ጉዕዞ ኩሉ ነገር’ዩ ሓዲሹኒ። ብዘይ ምግናን ከኣ ወያ ተቐባሊት ጋሻ ከምምዃና፡ ብጎበዘይ ዝፈልጣ ዝነበርኩ ኣዲስ ኣበባ’ሲ  ርእሰይ ኣብ ምብርሑ ጸጉረይ ኣብ ምስያቡ፡ መርዓት ሕጽኖት ክሳብ ትመስል ኣዝያ ….. ተሓዲሳን ተሃንዲሳን’ያ ….. ጸኒሓትኒ። ንሱ ከይኣኽላ ድማ ከም’ዛ ቐደም ዘይትፈልጠኒ-ጋሻን ደሃይ ምዕባለ ከምዘይብለይን’ያ ከተዐንዝዘኒ ፈቲና። እንተኾነ ግን ሽሕ’ኳ ንሳ ዝገገየትኒ መሲላ ክትቀርበኒ ዝደለት እንተመሰለት ኣነስ ኣይተሃመልኩላን። ከምብሓዲሽ ተመሊሰ ክርእያ ዕድል ስለዝረኸብኩ’ኳደኣ ግዲ’ብልክን ካብ ዝሓሰብክዮ ኣይትትረፊ’ምበር ኣላሽ ኣይብልን’የ ወድኣይተ እና’በልኩ’የ ህሩግ ዝበልኩዋ።

ዝኾነ ኾይኑ እቲ ጉዕዞ ብዋሺንግቶን ዲሲ’ዩ ተጀሚሩ። ወዮ ቐደም ካበ’ስመራ ናብ ኣዲስ ኣበባ ብ 153 ብር ወይ ድማ ብፍርቁ (ናይ ተመሃራይ) ዝፈልጦ ዝነበርኩ ናይ ኣየር ትኬት ዋጋ እንተረኸብኩ ሃሰስ ንምባልየ’መስለኒ ድማ ብመንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ክኸይድ ዝወሰንኩ። ስለ’ዚ ደሃይ ናይ ነፋሪት ትኬት ከጣይቕ ምስጀመርኩ ኣብ’ቲ ስራሕ ዝሓሸ ሓበሬታ ይህልዎ’ዩ ንዝበልኩዎ ዓርከይ ተወከስኩ። ንሱ ግን ቅድሚ ትኬት ምግዛእካ መእተዊ ቪዛ ክትረክብ ኣለካ ዝብል ኣብ ልበይ ዘይጸንሐ ሓሳብ ዱብ ኣበለለይ። ኣነ ድማ ክላ ሱቕ በል በጃኻ ዝሓለፈ’ኣኽለና! ናይ ኣመሪካ ፓስፖርትኮ’ዩ ዘለኒ ክብል፡ ብዛዕባ’ቲ ሓዲሽ ቪቶ-ፓወረይ!!! ኣግሃድኩሉ። ብልበይ ድማ ፈረንሳይ ጥራይዶ’ይኮነትንከ  ንኣመሪካውያን መእተዊ ቪዛ ትሓትት ዝብል ብሂል ዘኪረ ተጠራጠርኩ። ነዛ ብሂል’ዚኣ ኣጥሊለ ስለዘይፈልጣ ግን ካብ ኣፈይ ኣየውጻእኩዋን።

ወዮ ዓርከይ ግን ኣንታ ሓውና ኣብ ፓስፖርትኻ ዘሎ ጽሑፍ ብዛዕባ ዝተወለድካሉ ሃገር ኤርትራ እንተኾይኑ ዝብል ቅድሚ ትኬት ምግዛእካ መእተዊ ቪዛ ክትሓትት ኣለካ’የ ዝብለካ ዘለኹ በለኒ’ሞ፡ ሕራይ ኢለ ንግዜኡ ተፋነኹዎ። ካብኡ ናብ ኤምባሲ ናይ ኢትዮጵያ ስልኪ ደዊለ ተወከስኩዎም። ንሳቶም ድማ ብፍላይ ኤርትራዊ መቦቆል ንዘለዎም ገያሾ ብዝምልከት ኣብ ናይ ኢንተርነት ኣድራሽኦም ዘሎ ሓበሬታ ተኸቲለ መእተዊ ፍቓድ ክሓትት ከምዝግብኣኒ ሓበሩኒ’ሞ፡ ክልተ ገጽ ሙሉእ ብኣምሓርኛ ሓንቲ ገጽ ድማ ብእንግሊዝኛ ዝምላእ ቅጥዕታት መሊአ፡ ስእለይ ለጢፈ’የ ንኽልተ ሰሙን ኣዲስ ኣበባ በጺሐ ክምለስ ፍቓድ ዝሓተትኩ። …… ጉድ’ዩ!

በቲ ሓደ ወገን ድማ ዘይውዳእ በረኸት ይዓድሎም ኣመሪካ ወላ ሓዲሽ ኩን ደኣ’ምበር ደጊም ወድዓድና ኢኻ። ስለ’ዚ ብመሰረት ሕጊ ዓደ’ቦና ዓመት ሙሉእ ስለዝሰራሕካ’ሲ ሃየ’ስኪ ዕረፍቲ ወሲድካ ተዘናጋዕ ዝብል መሰል ስለዝሃቡኒ’የ፡ ኣብ ክንዲ ዕረፍተይ ደሃይ’ቲ ንዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመታት ደሃዩ ዘይነበረኒ ዓርሰ-መርሲ ክገብር ዝተበገስኩ። እዝጊ’ሃቦም ፈረንጂ ዜግነት ሂቦም ናይ ስራሕን ናይ ጡረታን ዕድል ከፊቶም ክላ በል ንሱ’ኣኽለካ’ሞ ወሰንካ ሓዘልና ኣይበሉንን። ኣብ’ዛ ዓለም ዕዳጋ……….ነዛ ሂወት ጸጋ…….ዝወሃባ ዋጋ!     ኣብ ኣፍሪቃን ኣብ ኣመሪካን ክሳብ ክንደይ ፍልልይ ከምዘለዎ ክሳብ ዝድንጽወኒ! ሃየ ደኣ ንኣና ምሰል ብምባል፡ እዛ ሂወት ጸጋ ሓጸርን ምቅርትን’ያ’ሞ ዳኒኤለ! ኣስተማቕራ ኢኻ ክብሉ’ዮም ኣሰናቢቶሙኒ። ኣቤ…………..ት!!!  እንዳ ዝናን ባህታን ኣይስምዑ። እዚኹሉ መሰል’ሲ ንዑቑር ሰራዊት ከይብሉ ማለተይ’የ!

ዝኾነ ኾይኑ “በቲ በቲ ወድኽን ይድረረልክን፡ በቲ ሓደ ድማ ሽሻይክን ይዕቆረልክን፡ እዋን ምስ ቀውዐት ድማ ለቓሕክን ይምለሰልክን” (ምስላ)። ክሳራ የብልክንን ኣደየ! ከምዝበለቶ መርዓት ንሓማታ፡ ኣነ ድማ እንተኾነ መምለስ እግሪ’ረክብ፡ እንተዘይኮነ ድማ ሰሓቕን ዕላልን ናይ ሰብ ቀደም እኸስብ ብምባል ንነብሰይ ጠቢረ’የ ምስ ስግኣትን ናፍቖትን ናብ ኣዲስ ኣበባ ተበጊሰ፡ ኣብ ናይ ዋሺንግቶን-ዳላስ መዓርፎ ነፈርቲ ኣንጊሀ ዝበጻሕኩ።

እቲ ኣየር ፖርት ኣዝዩ ዓቢ’ዩ። ካብ ማእከል ከተማ ዲሲ ድማ ርሑቕ’ዩ። ዝገደደ ድማ እቶም ሰራሕተኛታት ናይ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዳርጋ ኩላቶም፡ እቶም ገያሾ ከኣ መብዛሕትኦም ሓበሻ’ዮም ጸኒሖሙኒ።  ስለ’ዚ ብነፋሪት ከይበረርኩስ ገና ኣብ ዲሲ እንከለኹ በታ ሓምለ 1998 ናብ ዓዲዃላ’ቢለ ዝሰገርኩላ ናይ መረብ ቢንቶ ሕጂ ድማ ናብ ራማ ገጸይ ዝተመለስኩ መሲሉ ተሰመዓኒ። ብርግጽ ከኣ ታድያስ ዝብል ደኣ’ምበር ዋትዝ’ኣፕ! ዝብል ድምጺ ኣይነበረን ኣብ’ቲ ኣየር ፖርት። ዝኾነ ኾይኑ ስንቀይ ኣብ ጁባይ ዘምቢለይ ድማ ኣብ መንኩበይ ስለዝነበረ፡ ቅጥዕታት ኣማሊአ ንኽሓልፍ ኣየደንጎየንን። ቀልጢፉ’ዩ ሰሊጡኒ።

ካብኡ ነታ ዝርካባ ዘምቢለይ ኣፋንየ ገጸይ ገልበጥኩ’ሞ፡ እቶም መኻይደይ መብዛሕትኦም ካሮሳ ክትስሕቦ ወይ ድማ ገመል ክትስከሞ ትኽእል ዘይመስል ጽዕነት ዘለወን ዓረብያታት ክኹብኩቡ ረኣኹዎም። ሽዑ ቁሩብ ስክፍታ ምስ ፍርሃት ተሰመዓኒ። ምኽንያቱ ነዚ ኹሉ ህዝብን ነዚ ኹሉ እስቤዛን’ሲ ናይ ብሓቂ ሓንቲ ነፋሪት ድያ ካብ ዋሺንግቶን ናብ ኣዲስ ኣበባ ከተብጽሖ ደቀይ። እሞ ድማ ከየዕረፈት! እና’በልኩ ብግስ በልኩ’ሞ እልቢ ዘይብሉ ህዝቢ ንገያሾ ምእንቲ ኸፋኑ ተኣኪቡ ረአኹ። ሽዑ …. ቦሌን ቀበሌን…. ጥራይ ዘይኮነ ጎልጎል ሰምበል ….. ከይተረፈ’ዩ ትዝ ዝበለኒ። ንፋስን ደሮናን ጥራይ’ዩ ዘይተሰመዓኒ’ምበር።

ጎላጉል ዋሺንግቶን ዳላስ ኣየር ፖርት ድማ ካብ ጎላጉል ሳዋ ዝንእስ ኣይመስልን’ዩ። ኣብ’ታ ንግሆ’ቲኣ ግን ንዕብየቱ ዝምጥና ብዙሓት ነፈርቲ ኣይነበረኦን። ዝኾነ ኾዩኑ እታ ሽዑ ተድልየኒ ዝነበረት ናይ ኢትዮጵያ ነፋሪት ግን ፊትንፊተይ ናብ መንደቕ ለጊባ ንኽትነፍር ክትቀራረብ ጸንሐትኒ።  ኣይደንጎየትን ድማ ከም ምዱብ ሰዓታ ማዕጾኣ ከፊታ ተቐበለትኒ። ሓቂ ንምዝራብ ኣነ’የ ዝብል ሙኩሕ ቀላዓይ’ኳ  ኩዕሶ ጨርቂ ቲሮ ቐሊዑ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ናይ’ዛ ነፋሪት ኣይመብጻሓን። ኣቤት ክትዓቢ!! ቦይንግ 777 – 200 ትበሃል፡ ኣስታት 320 ገያሾ ትስከም ከኣ ይብሉዋ። ኣብ’ታ ነፋሪት ዝነበረ ድርጅታዊ ማህደር ከምዝሕብሮ ድማ፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ’ዛ ዓለም ዕዳጋ እዘን ዝስዕባ ንወጻኢ ዝመላለሳ ናይ ንግዲ ነፈርቲ ብምውናን ኣብ ንግድን ዕዳጋን ይዋሳእ።

1.    Long range passenger services – (a) Boeing 777 – 200   …… ሓሙሽተ ነፈርቲ   (b) Boeing 767-300  … ዓሰርተ ነፈርቲ
2.    Medium range passenger services – (a) Boeing 757 – 200 …. 8 ነፈርቲ    (b) Boeing 737 -700 …. 5  (c) Boeing 737 – 800 …. 2

እዚኣተን  ካርጎን ኣብ ናይ ውሽጢ ሃገር ኣገልግሎት ዝህባ ነፈርትን ከይሓወስካ’ዩ። ……  ንፈተውቲ ስራሕ ፍትወቶም ይባርኸሎም!

ዝኾነ ኾይኑ ንእሽቶ ማህደረይ ተኾልኲለ ዝተመደበትለይ ቁጽሪ መንበር ሃሰስ ክብል እንከለኹ “ስቓይ ዝከኣል’ዩ ስቓይ ዝከኣል’ዩ …. ኩሉ ግዜ …” ትብል ናይ ትግርኛ ደርፊ (ብናውቲ ሙዚቃ ጥራይ) ብትሑት ቃና ኣብ ውሽጢ’ታ ነፋሪት ክትድረፍ ሰማዕኩ’ሞ፡ ካን! ንገዛይ ዝምለስ ዘለኹን! በቲ ጥቓ ካተድራለ ንሲነማ ኢምፐሮ ገጸይ ኮዘን ክብል ዝኸይድ ዘለኹን መሲሉ ተሰመዓኒ። ኣይደንጎኹን ግን ቁጽሪ መንበረይ ረኺበያ ኮፍ በልኩ። ካብኡ እታ ቀዳመይቲ ደርፊ ምስተወድአት ከኣ  “ከም ኮኾብ ኣብ ሰማይ ተሰቒላ……” ትብል ናይ ኣቶ ትኳቦ ወልደማርያም ደርፊ ንሳ’ውን ብናውቲ ሙዚቃ ጥራይ ቀጸለት።  ሽዑ ኣብ ሞደርናን ኣብ ኢምፐሮን ባንኮኒ ተደጊፈ ጻዕዳ ማክያቶ! ጸላም ካፑቺኖ ሃበኒ ፒኮሎ! ስምዓኒ ሽኮር ባዕለይ ክዕቅነሉ’የ! ወይ ድማ ሕራይ ደሓን ፍርቂ ማንካ ጥራይ ግበረሉ ከይተብዝሓሉ፡ ክብል እንከለኹ ከምሕልሚ ተራእየኒ። ኣይደንጎኹን ድማ ቀልጢፈ ኣብኡ ንዝጸንሓኒ ጽሑፋት ኣገላበጥኩ። ቀጺለ ድማ ኣብ ቅድመይ ዝነበረ ናይ ኮምፕዩተር ሰሌዳ ጠወቕኩ። ሽዑ ናይ በረራ ኣድራሻታት (flight locations) ኣብ ትሕቲ ዝብል ዝርዝር ዝንጸንሓኒ ኣስማት ከተማታት ናይ’ዛ ዓለም ዕዳጋ  እንተረአኹስ-

Abidjan, Abu Dhabi, Abuja, Accra     ……………..   ክብል ዝጀመረ ጸብጻብ………..  Zagreb, Zanzibar, Zhengzhou.

ክሳብ ምባል ከምዝበጽሕ ኣንበብኩ። ሽሕ’ኳ ናይ ገሊአን ከተማታት ኣስማት ናይ ርሑቕ ናይ ወርሒ ዝመስል እነተነበረ፡ ዝሓሰብኩዎ ኣይሰለጠንን። እንተኾነ ግን ብታህዋኽ ከየቕለብኩሉ ዝሓለፍኩዎ መሲሉኒ ስለዝተጠራጠርኩ ነቲ ቀልጢፈ ዝሓለፍኩዎ ዝርዝር ኣስማት ናይ ከተማታት ተመሊሰ ብርግኣት ኣንበብኩዎ። ይኹንደኣ’ምበር ብሓሳባት ዛዊነ ዛዊነስ ካብ ዝፈራሕኩዎ ኣይወጻእኩን! ኣስመራ ኣብ’ቲ ሊስታ ኣይነበረትን። ይዋእ ኣስመራ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ምስ’ቲ ካብ ኣዲስ ኣበባ ኣትሒዙ ብናይሮቢ’ቢሉ ክሳብ ካምፓላን ኪጋሊን ዝሓንን ዘሎ ናይ ንግድን ዕዳጋን ማዕበል-ምዕባለ ምሕዋስ ኣጊሙዋ ጓል ሳሕል’ኮ’የ! ትብል’ያ ትመስል ዘላ። …. መስተርሆት ይፍጠረላ።

ዝኾነ ኾይኑ ካብ ዳላስ ኣየር ፖርት ናይ ዋሺንግቶን ዲሲ ዝተበገስት ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ሰማይ ክትዓርግ ደቒቕ ኣይወሰደላን። ከም’ዛ ጥር ኢላ ኣብ ጫፍ ሳግላ ዝዓለበት ርግቢት ድማ ገልጠም የለ ከርባሕ የለ ጸጥ ኢላ ኣብ ትጎየሉ ጥጡሕ ጎደና በጽሐት’ሞ፡ መጽሓፍ ዘንብብ ናብ መጽሓፉ ፊልም ዝርኢ ናብ ፊልሙ ብምዃኒ’ና ነናብ ዋኒንና ተፈላሊና።

ድሕሪ ሓጺር ግዜ ድማ ሰራሕተኛታት ናይ’ታ ነፋሪት ዝብላዕ ዝስተ ሒዘን  እንታይ ትሰት’ዩ እንታይ ትበልዑ እና’በላ ኣብ ውሽጢ’ታ ነፋሪት ንዝሕ ኢለን ዑደት ጀመራ። ይሃበናን ይሃብኩምን መዓት ሽሻይ’ዩ!። እቲ ጉዕዞ ሙሉእ መዓልቲ ስለዝነበረ ድማ ካብ ቁርሲ ጀሚርካ ክሳብ ድራር’ዩ ቀሪቡልና። …..  ካብ’ቲ ዝበላዕኩዎን ዝሰተኹዎን ናይ መኣዲ ዓይነታት… ካብ ኣመሪካ ካብ አውሮጳ ከምኡ’ውን ኣፍሪቃ ዝፈረየ ምህርቲ ዝተኸሸነ’ዩ ኔሩ።  ንኣብነት፡

1.    ካርልስበርግ ቢራ   …… ካብ ኮፐንሃገን ደንማርክ 
2.    ብሽኮቲ    …… ካብ ጀርመን
3.     ክራከርስ ካብ Craft foods Global Inc Canada
4.    Cheese  ……. ካብ Tillamook Oregon USA 97141
5.    ባኒ  ….. ንቕጽቲ’ያ ኔራ!!! ብፕላስቲክ ተጠቕሊላ ኮይና’ምበር ብምዝሓላ’ሲ ካብ ርትዓዊ ድኳን ናይ እንዳዝናን ባህታን ዝተለገስት’ያ ትመስል! ማለት’ሲ እንዳ ኣልፋ ወይ ድማ ሽዋ ዳቦ ዝዓይነቱ ኣድራሻ ዝሕብር ጽሑፍ ኣይነበራን።
6.    ኣብ ጨውን ሽኮርን ዝነበረ ጽሑፍ ግን ኣይድሃብኩሉን፡ ምናልባት ግን ኣፍሪቃዊ ከይኮነ ኣይተርፍን’ዩ!
7.    ኣነ ዘይጠልብኩዎ ዓይነታት ብልዕን መስተን’ውን መሊኡ’ዩ ኔሩ። ዊስክን ቪኖን’ኳ ኣይተረፉን።

ዋይ’ዛ ዓለም ዕዳጋ! ርኣዩዋ’ሞ ክትጸብብ፡ እንተተሳኒኻ ድማ ክትምቅር!

ዝኾነ ኾይኑ እቲ ልዕሊ 12 ሰዓታት ዝወሰደ ጉዕዞ ብዝናፈቕን ዝነኣድን ኣገልግሎት’ዩ ተፈጺሙ። ካብ ዋሺንግቶን - ዳላስ ንግሆ ተበጊስናስ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ናይ ቦሌ ንጽባሒቱ  ሰዓት ሸሞንተን ፈረቓን ናይ ወጋሕታ ኢና በጺሕና። ካብ ነፋሪት ውርድ ምስበልና ድማ ቆልዓናን ቁንጭናን ጻዕዳናን ጸሊምናን ኣብ ነዋሕ ኣውቶቡስ ዓቕላ ክሳብ ዝጸባ ውትፍ ኣበሉና።      ……     እታ መንገዲ’ቲኣ’ኳ እንቋዕ ኣይነውሐት።

እወ እቲ ኣንጻር ድኽነት ዝግበር ኣዝዩ ንኡድ ጻዕሪ ኣብ ኣየርን ምድርን ብንጹር ዝርአ’ኳ እንተኾነ፡ ዘይተማልአ ሃጓፍ ንዘቋምት ዓይኒ ዝኸውን ናይ ድኽነት ምልክታት ድማ ካብ ቦሌ’ዩ ክረኣየካ ዝጅምር። ብፍላይ ድማ ድሕሪ ነዊሕ እዋን ካብ ምዕቡል ዓለም ንዝምለስ ዓይኒ።

እሞ ብኣቋራጭ እንታ’እኻ ክትብል ትደሊ ዘለኻ ዝብል ሓታታይ ኣይሰኣንን ይኸውን’ዩ። ይቕረታ! እታ ኣቋራጭ ስለዘይረኸብኩዋ’የ ብዓቕመይ ኮለል ክብል ዝፍትን ዘለኹ። ለባማት ከምዝብሉዎ ግን እዛ ዓለም ዕዳጋ ከም መልክዓን ከም ምስላን ዝጥምታ’ምበር ንባህጉን ንዓቕሙን ዘንጸባርቕ ሕብሪ ቀቢኡ ክርእያ ዝፍትን ፍጡር ኣይትፈቱን’ያ። ብዘይቃልዓለም ድማ እዚ ኣኻይዳ’ዚ  ንጉስ ዕዳጋ ዘይፈትዎ ናይ እንዳ ዝናን ባህታን ሕማም’ዩ። ምኽንያቱ ብሂወቱ ኣብ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ዘሎ ሰብ ምናልባት ተጋግዩ ንንጉስ ሰማይ ዘቖጥዕ ሓጢኣት እንተፈጺሙ፡ እሞ ድማ ምንሳሕ እንተኣብዩ ናብ ገሃነም፡ ምናልባት ንንጉስ ዕዳጋ ዘቐይም ሓጢኣት እንተፈጺሙ፡ ማለት’ሲ ንስራሕን ንሕግታት ንግድ ዕዳጋን (ካስተመር ኬር) እንተዘይርዒሙ፡ እሞ ድማ ካብ ጌግኡ ምእራም እንተኣብዩ ከኣ ናብ’ዛ ድኽነቱ ከምዝጥሕል ካብ ኣቦና ኣዳም ኣትሒዙ ዝጸንሐን ዘሎን ኩሉ ሰብ ዘይስሕቶ ናይ ታሪኽን ናይ መዋዕልን ፍርዲ’ዩ።  እንተኾነ ግን “ዝሰርሕ (ንፉዕ) ይሕመ፡ ዕባራ (ሕማቕ) ይግመ” ከም ዝብል ምስላ ዓደቦና፡ እና’ወደቕካ እና’ተንሳእካ ዝህነጽ ምዕባለ’ዩ ዘዛርበኒ ዘሎ። ….. ምስ’ዛ ዳግማይ-ትንሳአ ደኣ ተኣምራት-ትንሳአ ይድገመና’ምበር።

እወ እንዳ ዝናን ባህታን’ሲ ብጽፍርና ኽብሉ ኢድናን እግርናን ኣቖንዲፎሙና፡ ኣብ በረኻታት ኣስፊሮም ካብ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ከዊሎም፡ ብቐሊሉ ኣብ ዘይውጻእ ሰልሚ ኣጥሒሎሙና’ዮም፡ ንወራሲ ይጭነቆ እና’በሉ በብሓደ ዝሓልፉ ዘለዉ። ….   ከም ምሕረቱ’ምበር ከም ግብሮም ኣይግበረሎም።
ስለ’ዚ ንሳቶም ምእንቲ ንስልጣኖም ክጥዕመሎም ንሕመቖምን-ውድቀቶምን ናይ ዶብን ናይ ሉኡላውነትን ሕቶ ዝዓይነቱ መጋረጃ ኣጎልቢቦሞ። ንሱ ከይኣክል ድማ ሕጂ’ውን ጌና ጸላኢ’ሎ ወራሪ ይመጽኣ’ሎ ዝብል ናይ ስግኣትን ናይ ጽልእን ሰራም ፖለቲከኦም፡ ሰማዒ ምእንቲ ክዝክረሎም ነቶም “ኣንድነት” እናበሉ ኣብ ታሪኽ ዝደቀሱ ፖለቲከኛታት ናይ ኢትዮጵያ (ተቓወምቲ) ኣበ’ስመራ ኣቐሚጦሞም ኣለዉ። እዞም ሓዋወስቲ ናጽነት ክብሉ ንፍርቂ ዘመን ከምዘይለፍለፉ ሕጂ ኣብ እርጋኖም  ንናይ “ኣንድነት” ተጣበቕጥቲ  መዕቆብቲ መሲሎም ፖለቲካ ክሕንጽጹ ይረኣዩ’ለዉ። ኣቤት ጉድ! እቶም  ዘመን እኒ! እኒ! ማሕበር ፍቕሪ ሃገር ዝብል ናይ ፖለቲካ መስመር ክኽተሉ ዝፈተኑ ሰብቀደም ብሂወት እንተዝህልዉ’ሲ ነዚ ናይ እንዳ ዝናን ባህታን ፖለቲካዊ ለኽበጥበጥ ምስረኣዩ እንታይኮን ምበሉ?

ዝኾነ ኾይኑ ግን እንዳ ዝናን ባህታን’ሲ እዚ ኣብ ታሪኽ ዝደቀሰ እዋኑ ዘሕለፈ ዝምባሌ’ዚ ንህሉው ጸገማት ናይ ኤርትራ ዝኸውን ታሪኻዊ ፍታሕ ከምዘይብሉ  ጠፊእዎም ኣይኮነን። ወይ ድማ ንማሕበር ፍቕሪ ሃገር ትንፋስ ክሰኹዑሉ ደልዮም ኣይመስለንን። እንታይ ደኣ ነቲ ብስግኣትን ብጽልእን ዝተላዕጠጠ ፕሮፓጋንዳኦም ከም መርትዖ ዝጥቀሙሉ ሜላ እንተረኸቡ’ሞ ህዝቢ ንምትላልን ሓበሬታ ንምብራዝን’ዮም ኣበ’ስመራ ኣዕቊቦሞም ዘለዉ።

ስለ’ዚ እዚ ናይ እንዳ ዝናን ባህታን ህልኽን ስግኣትን ብዛዕባ ኢትዮጵያ ርስቲ’ይኮነን’ሞ፡ ነቲ ዝበሃግ መስርሕ ለውጥን ዕርቅን ብኣሉታ ክጸልዎ ካብ ዝኽእል ኣገባብ  ምጥንቃቕ የድሊ’ሎ ክብል’የ ዝፍትን ዘለኹ። ከምኡ’ውን ንሓድሕድናን ምስ መናብርትናን ምእንቲ ክንቀራረብ በቲ ከባእስን ክዕረቕን ዝኽእል መስርሕ ምኹስኳስ ናይ ረብሓ ንዛረብ። ክሳብ መኣሲ’ና ብጽልእን ስግኣትን ጠጠረርና ሒዝና ክንቀራረድ። ሂወትናን መጻኢ ዕድልናን’ኮ ብጎረባብትና ጥራይ ዘይኮነ’ሲ ካብ ርሑቕ ብዝመጽኡ ደቂ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ከይተረፈ’ዩ ክውረር ንርእዮ ዘለና። ………..  እዚ ድማ ጽባሕ ነርክበሉ ዝበሃል ዛዕባ ኣይመስለንን።

በዚ መንቀሊ’ዚ መሰርት እምበኣርከስ እዚ ድሕሪ ናጽነት ተሪፉ ዘሎ ቃልሲ፡ ናብ ቃልሲ ኣንጻር ድኽነትን ናብ ልዝብን ምምይያጥን ምስ ደቂ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ምቕያሩ ውዓል ሕደር ዘየድልዮ ናይ ለውጢ መስርሕ ከምዝኾነ ዝጠራጠር ሰብ ዘሎ ኣይመስለንን። ምናልባት ሕጂ’ውን ጌና ኣብ ኣመሪካን ኣብ ካልኦት ምዕቡላት ሃገራትን ዘሎ ናይ መሰል ጸሓይ  እናማሞቕካ ኣብ ውሽጥን ኣብ ከባብን ናይ’ታ ኣብ ሳሕል ዝተሰርሐት “ብጽፍራና” ትብል ዕጽውቲ ኣጉዶ፡ ቃላት ቀያይርካ ኮለል ክበሃል እንተተደልዩ ግን ነታ ብእንዳ ዝናን ባህታን ዝቖንደፈት ጽፍሪ ኣዝማልቶ ለኺኻ፡ እዚ’ዩ ለውጢ ካብ ምባል ዝሓልፍ ፈተነ ኣይመስለንን።

ብቐንዱ ከኣ ንኤርትራዊ ሽግር ዝኸውን ቻይናዊ ህንዳዊ  ጃፓናዊ አውሮጳዊ ወይ ድማ ኣፍሪቃዊ ዝዓይነቱ ፍታሕ ከመ’ማራጺ ዝረኣየ ወይ ድማ ዝሰምዐ ኤርትራዊ ዘሎ ኣይመስለንን። ኣነ’ውን ኣብ ኢትዮጵያ ንኤርትራዊ ሽግር ዝኸውን ኢትዮጵያዊ ፍታሕ ተራእዩኒ’ሎ ኣይበልኩን። እታ ትድለ ዘላ ፍታሕ ሎምን ጽባሕን ኤርትራዊት’ያ። ንሓዋሩ ከኣ ናይ ገድልን ምግዳልን ታሪኽና ጥራይ ዘይኮነ ሓዲሽ ጻዕርናን ስምምዕናን’ዩ ምስ እዋን ዘዋስእ መልክዕ ዝፈጥረላ።

ስለ’ዚ ብዘይቃልዓለም  ኣብ’ቲ መስርሕ ለወጥን-ዕርቅን ምስ ጎረባብትኻ ብፍላይ ድማ ብባህሊ ብታሪኽ ብሃይማኖት ብትውልዲ ምስ ዝዛመደካ ሕብረተሰብ ብዓቢኡ ድማ ብረብሓ ምስ ዝብጻሓካ መንግስቲ እሂን ምሂን ምብህሃል ናይ መንፍዓት’ምበር ናይ ስንፍና ዲፕሎማሲ ኣይኮነን። እንዳ ዝናን ባህታን ድማ ምስ ኢትዮጵያ ብረብሓ’ምበር ብዶብ ኣይተባእሱን። ናይ ዶብ ሕቶ ንመሸፈጢ’ዮም ኣልዒሎሞ። ….. ውሑድ ድማ ኣየታለሉሉን።

እቲ ባእሲ እምበኣርከስ ዘይምቅዳው ናየ’ሰራርሓ ባህሊ ዝፈጠሮ ናይ ረብሓ ሕቶ’ዩ። ስለ’ዚ ሕጂ’ውን ጌና እዚ ደድሕሪ ውድቀት ንግስነት ኢሳያስን  መሳርሕቱን ጥራይ እናመኽነኻ ዝርአ ዘሎ ናይ ለውጢ ጉያ እኹል ኣይመስለንን። ከመይ’ሲ እንዳ ዝናን ባህታን ካብ ሞት ዘተንስእ ናይ ፋሲካ ተኣምራት እንተዘይረኺቦም ብሞያ ኣኺሉዎም ወዲቖም’ዩ። ስለ’ዚ ኣብ መስርሕ ለውጥን ዕርቅን እቲ ዝዕለም ምቕያር ናብ ነብሶም ጥራይ ዘይኮነ ብዓቢኡ ናብ ናይ ኣሰራርሓ ባህሎም’ውን ከተኩር ይሓይሽ። ኣብ’ቲ  ወዲቖሙሉ ዘለዉ ጭቃ ዘይኮነ’ሲ፡ ኣብ’ቲ ኣዕንዮሞ ዘለዉ ዓቢ ህድሞ ምርጋጽ የድሊ’ሎ።

ንሳቶም’ውን  ደጋጊሞም ከምዝበልዎ “ሕቶ ዶብ’ኮ ብቐሊሉ ሰብ ዝርድኦ ቋንቋ ንምዝራብ ዝተላዕለ’ምበር ንሱ’ይኮነን መበኣሲ፡ እቲ ባእሲ ኣብ’ዛ ንእሽቶ ዕዳጋ ናይ ኢትዮጵያ ዝግበር ቁርቁስ’ዩ” እናበሉ’ዮም ሸለው ዝበሉ። ስለ’ዚ ነቲ ናይ ሸፈጥ ኣርእስትን ንሱ ዘስዓቦ ናይ ህልኽ ዝምባሌን ከም ቀንዲ ሽግር ኣትሒዝካ ፍታሕ ክትቅይስ ብምፍታን፡ ኣሰር እንዳ ዝናን ባህታን ምስዓብ ዘይኮነ’ሲ ብዛዕባ’ቲ ብሸፈጥ ክኽውልዎ ዝፈተኑ ናይ ብሓቂ ጠንቂ ናይ ባእሲ ዝኾነ ጉዳይ ብድፍረት ከምብሓዲሽ ምዝርራብ ሃናጺ ኢዩ።  ንሱ’ዩ ሂወት ዘለዎ! ንሱ’ዩ ዝሕከም-ዝጽገን፡ ዝስበር-ዝዕረ፡ ዝዓብር-ዝሃጥር ዝምዕብል-ዝኹስኮስ ዝህነጽ-ዝቕየር ባህርይ ዘለዎ ጎድኒ ናይ’ቲ ሽግር። እንዳ ዝናን ባህታን ሰኣን ምስ እዋን ምትዕጽጻፍ ንሂወትናን መጻኢ ዕድልናን ንኻልኦት ደቂ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ኣሕሊፎም ሂቦሞ’ዮም በብሓደ ክሓልፉ ንርእዮም ዘለና። …….. ጽባሕ ከኣ ፈቲና ጸሊእና እቲ ዝውረስ ክውረስ’ዩ።

ስለ’ዚ እቲ ኩነታት ናብ ንቡር ምእንቲ ክምለስ፡ ካብ ጌግኦም ተማሂርና’ዶ ወይስ ሕጂ’ውን ጌና ብናይ ታሪኽ ማሕለኻ ምስ’ቲ ጌግኦም ተኣሲርና ኢና ክንጎዓዝ ንፍትን ዘለና? ምናልባት’ውን “ካብ ዘይትፈልጦ መልኣኽ’ሲ እትፈልጦ ሸይጣን”  (ምስላ) ዝዓይነቱ ፍርሃት’ዩ (fear of the unknown!) ዝቕይደና ዘሎ።

ንኣይ ከምዝመስለኒ ምእንቲ ለውጥን ዕርቅን ብትብዓት ናይ ህዝቢ ዲፕሎማሲ (People’s Diplomacy) ምትእትታው የድሊ’ሎ። እዚ ስጉምቲ’ዚ ከኣ ዘይከኣል ወይ ድማ ዘፍርሕ ኣይኮነን።

ምናልባት ነቲ ክብሎ ዝፍትን ዘለኹ ንምብራህ ምእንቲ ክሕገዘኒ እስኪ ነዘን ዝስዕባ ኣብነታት ክጠቅስ።
1.    ራሄል በራኺ ዝተባህለት መንእሰይ ቀትሪ ምድሪ ፈንጂ ነጢራ ንጥይት ኣሽኪዓ ዶብ ክትሰግር ምስፈተነት ዘጋጠማ ኩነታት ኣብ መራኸቢ ብዙሓን  ተዘርጊሑ ርኢናዮ። ….. ብፍላይ ኣብ’ቲ ስእሊ ከምዝተንጸባረቐ ድማ መንእሰያት ኢትዮጵያውያን ሓኻይም ጠያይቲ ነቒሶም ከውጽኡላ ተራእዮም።  እዚ  ግብረ-ሰናይ’ዚ ኣብ መስርሕ ናይ ህዝቢ ዲፕሎማሲ ሃናጺ ተግባር’ዩ።
2.    ኣብ’ዚ ቀረባ ግዜ ድማ ኣብ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ቀብሪ ተረኺቡስ፡ ቀባሮ ዶብ ሰጊሮም ከም ንቡር ከም ባህሊ ምስ ጎረባብቶም ክጽምበሩ ከምዝፈተኑ፡ እንተኾነ ግን ብወተሃደራት ተኸልኪሎም ኣብ ቀብሪ ክሕወሱ ከምዘይከኣሉ ተሰሚዑ። እቲ ኣዝዩ ዝገርም ግን እቶም ሰባት ሓመድ ድበ ክሳብ ዝፍጸም ኣብ ጠረር ደይቦም ብማዕዶ ከምዝተጸበዩ፡ ስነ ስርዓት ቀብሪ ምስተወደአ ድማ ነጸላ ብምዝርጋሕ ማለት ብምልክት ተረዳዲኦም ከምዝተፋነዉ ተሰሚዑ።
3.    ገለ ካብ’ቶም ብሰንኪ ኲናት 1998 – 2000 ካብ ኢትዮጵያ ዝተሰጉ ኤርትራውያን፡  ናብ ኢትዮጵያ ናይ ምምላስ ዕድል ዝረኸቡ ሓያሎ ሰባት ከምዘለዉ ፍሉጥ’ዩ። ከምኡ’ውን ኣብ ኢትዮጵያ ዝግበረሎም ዘሎ ሓገዝ ዝድነቕ፡ ዘጋጥሞም ዘሎ ፈተና ድማ ኣዝዩ ከቢድ’ዩ። ምኽንያቱ መብዛሕትኡ እቲ ንንብረት ዝምልከት ጉዳይ ካብ ልክዕ ንላዕሊ ተሓላሊኹ’ዩ። መወዳእትኡ ድማ ናይ ዓበይቲ ዓድን መራሕቲ ሃይማኖትን ምኽሪ፡ ከምኡ’ውን ናይ ሃብታማትን ገበርቲ ሰናይን ደገፍ ዘድልዮ ዕማም’ኳ እንተኾነ፡ ንግዜኡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጽቡቕ ፍቓዱ ኮይኑ “በውጭ ጉዳይ ሚኒስተር የኤርትራውያን ንብረት ኣስመላሽ ኮሚቴ ጽ/ቤት” ዝበሃል ቤት ጽሕፈት ከፊቱ ነቲ ኩነታት ናብ ንቡር ክመልሶ ይጽዕራ’ሎ። እዚ ሰናይ ተበግሶ’ዚ ንኽሰልጥ እምበኣርከስ እቶም ዝምልከቶም ሰባት  ብጥርኑፍን ብዝተጸንዐን ኣገባብን ሓሳቦም ኣዋዲዶም ምእንቲ ክቐርቡ ናይ ህዝቢ ግደ ዝጽበ ዘሎ ዓቢ ስጉምቲ’ዩ።    
4.    ገለ ካብ’ቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዝነብሩ ዘለዉ ኤርትራውያን (ናይ ምስጓግ ዕጫ ዘይበጽሖም) እንተደልዮም ካብ ኢትዮጵያ ናብ ከንያ ወይ ድማ ናብ ሱዳን ይወጽኡ’ሞ፡ ኣብኡ ምስ ኤምባሲ ናይ ኤርትራ ተመያይጦም ናብ ኤርትራ ይኣትዉ። ነዚ ዝጉምቲ’ዚ ኤምባሲታት ናይ ኤርትራ ሓንጎፋይ ኢሎም እንከስተናግድዎ፡ ብሸነኽ ኢትዮጵያ ድማ ጥብቂ ምክትታል ዝግበረሉ ኣይመስልን።
5.    ናብ ኢትዮጵያ ዝውሕዙ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ቁጽሮም ኣዝዩ ይበዝሓ’ሎ። ካብኣቶም ኣብ ዩኒቨርሲታት ናይ ኢትዮጵያ ዝመሃሩ ዘለዉ መንእሰያት ድማ ቁጽሮም ብቐሊሉ ዝግመት ኣይኮነን። ስለ’ዚ ብንጹር ሓዲሽ መድረኽ ናይ ለውጥን ዕርቅን ይምዕብባ’ሎ።
6.    ኣብ ኣመሪካ ካብ ዝቕመጡ ኤርትራውያን መንእሰያት ድማ “ሽግር ኤርትራ ፍታሕ ብኤርትራውያን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ባህጊ ኣብ ዋሺንግቶን ዲሲ ኣብ ወርሒ ግንቦት ክእከቡ’ዮም፡ ብጽቡቕ የራኽበና። ቀዳዊና ድማ ይግበሮ።  እንተ ተረኺቡ ድማ እቶም ኣብ ለውጥን ተስፋን ዝኣምኑ እንዳ ኦባማ ማ’ጨሎት ዝነጽጉሉ’ግበሮ። ምናልባት እዚ ተበግሶ’ዚ ብቓላት ናይ ኣርእስቱ እንተተመዚኑ ግን፡ ኣብ’ቲ ሓምሳ ዓመታት ዝገበረ ናየ’ሰራርሓ ባህሊ (Organizational culture) ናይ እንዳ ዝናን ባህታን ብፍላይ ድማ ኣብ’ታ ርእሰ-ምርኮሳ ትብል ዝቕንቆነት ናይ ፈኸራ ምርኩሶም ዝተመርኮሰ’ዩ ዝመስል። ጌጋ’ኽለኣለይ! …… ምኽንያቱ እቲ “ሽግር ኤርትራ” ዝበሃል ዘሎ ብቐንዱ ና’የሰራርሓ ባህልን ናየ’ወዳድባ ቅርጽን (Organizational structure) ናይ እንዳ ዝናን ባህታን ተደጋጊፎም ዘስዓብዎ ሽግር ኮይኑ፡ ኣፈታትሕኡ ድማ ብኽፉት ልብን ኽፉት ኣእምሮን ከከምመልክዕካ መምስምሳልካ ተኸኣኢልካ፡ ኣብ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ሓቢርካ ናይ ምንባር ባይታ ዘጣጥሕ ሓዲሽ ሜላ ምቕያስ’ዩ።

ብዘይምግናን ድማ እቲ ናየ’ሰራርሓ ባህሊ’ቲ ንእንዳ ዝናን ባህታን’ኳ ከምዘይጠቐመ ዝዝንግዕ ኤርትራዊ ዘሎ ኣይመስለንን። ስለ’ዚ እቲ ብተስፋ ተዓሊሙ ዝጥመት ዘሎ መንገዲ-መስተርሆት ዝሓሸን ብቐሊሉ ዝብጻሕን ዘምስሎ ዲፕሎማስያዊ መልክዕ ብዝህብዎ ቃላት እንተተንጸባረቐ ክሳራ’ለዎ’ድዩ ክብል’የ ዝፍትን ዘለኹ። ምኽንያቱ’ሲ እንዳ ዝናን ባህታን ካብ ታሪኽን ካብ ካልኦት ሃገራትን ዝርከብ ተመኩሮ ዕሽሽ ብምባል’ዮም፡ ተመኩሮና እና’በሉ ኣይንነብሶም ኣይንሰቦም ናብ ገደል ዝኣተዉ። ሕጂ ድማ ካብ’ዚ ተመኩሮኦም እንታይ ተማሂራና’ዩ እቲ መቐይሮ።

እወ! ካብ ጌግኦም እንታይ ንመሃር? ካብ ታሪኽ ካልኦት ደቂ’ዛ ዓለም ዕዳጋኸ እንታይ ንመሃር? ብምባል ዝሕንጸጽ ናይ ለውጥን-ዕርቅን ተበግሶ እንተተረኺቡ፡ እቲ ፍታሕ ካብ ተመኩሮ ናይ ምብራቕ ቲሞር ኣንጎላ ደቡብ ኣፍሪቃ ብቐረባ ድማ ኢትዮጵያ ወይ’ውን ካብ ናይ ካልኦት በብዓይነቱ ፈተናታት ዘሕለፋ ሃገራት ለቢሙ ክብገስ ዝኽእለሉ ኣማራጺ ኣብ ቦትኡ’ሎ። እንተዘይኮነ ግን “ሽግር ኤርትራ ፍታሕ ብኤርትራውያን” ዝብል ቅዩድ-መበገሲ፡ ውሽጡ ደኣ እንድዒ’ምበር ለላዕላዩ’ሲ ናይ እንዳ ዝናን ባህታን መረጸን ወዲኻ  ካብ’ቲ ምኩሕ ናይ ይከኣሎ ተሞኩሮ ንመጻኢ ዕድል ዝኸውን ታሪኻዊ ጥማዕ ዘለዎ ፍታሕ ቀዲሕካ ናብ መጽሓፍ ዋርሳይ ንምግልባጥ ኣብ ሳዋ ዝካየድ ዘሎ ፖለቲካዊ ትምህርትን ጻዕርን ምቕጻል’ዩ ዝመስል።

ኣብ መወዳእታ ምናልባት እዚ ሰብኣይ ካልእ ዘረባዶ ስኢኑ! ክንደይ ኢትዮጵያ! ኢትዮጵያ የብዝሕ’ዩ ዝብሉኒ ሰባት ከየንጸርጽሩ’ምበር እስኪ ናብ’ቲ መበገሲ ኣርእስተይ ክምለስ፡ ቅድሚኡ ግን ምናልባት ነዛ ናይ እንዳ ዝናን ባህታን ዝዓይነታ ሕሜታ  ቁሩብ እንተ’ቃለለት ከምኡ’ውን ነዛ ዓለም ዕዳጋ ከም መልክዓ ንምርኣያ እንተሓገዘት ሓንቲ ተመሳሳሊት ኣብነት ካብ ካልእ ጫፍ ናይ ኣፍሪቃ ክውስኽ።  

Emerging Gabon
No Room for complacency…….  ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ፡
“…  The product of a flourishing partnership with Singaporean agricultural gaint Olam, NKOK has already brought together investors from more than 45 countries….”  (Bloomberg Businessweek of Dec 12-18 2011) 45 ሃገራት ዝብል ቁጽሪ’ዩ ዘዛርበኒ ዘሎ። እወ እዘን 45 ሃገራት ኣብ ጋቦን ዝኣከበ ኣተሓሳስባ ወይ ድማ ናየ’ሰራርሓ ባህሊ ኣፍሪቃዊ’ዩ። ጋቦናዊ ሽግር ፍታሕ ብጋቦናውያን ዝብል ማዕጾ ከሕልፎ ዝኽእል ኣይመስለንን።

ብተመሳሳሊ ኣገባብ ኣብ ኢትዮጵያ ዝህነጽ ዘሎ ምዕባለ ድማ “ዓዲ ተቐይሩ’ዩ” ብምባል ጥራይ ዝሕለፍ ኣይኮነን። ዓለም ሙሉእ ዝሳተፈሉ ዘሎ ኣዝዩ ገዚፍ ናይ ስራሕ-ወፈራ ይካየድ ኣሎ። ንሕናን ወደባትናን ጥራይ ኢና ካብ’ዚ ወፈራ’ዚ ቦኺርና ዘለና። ዘሕዝን’ዩ። ስለ’ዚ ድማ’የ ኣዲስ ኣበባ ከምብሓዲሽ(ስ) ዝተሰርሐት ከተማ መሲላ’ያ ጸኒሓትኒ ክብል ዝደፍር ዘለኹ። …. ይመልኣላ።
ናይ ሎሚ ጽሕፍቲ ንምዝዛም፡
(ሀ) ርብዒ ዘመን ድሕሪ ናጽነት ሓሊፉ’ዩ። ኢትዮጵያ ዝበሃል ለይትን ቀትርን ንኤርትራውነት ዘስግእ ጸላኢ የለን።
(ለ) እቲ ቐደም ብሸነኽ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝንጸባረቕ ዝነበረ ናይ ረብሓ ተገዳስነት’ውን ብግዱሳት ደቂ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ተመንጢሉ’ዩ።
(ሐ) ልዕሊ ኹሉ ድማ ናይ መብዛሕትኦም ኢትዮጵያውያን ኣተሓሳስባ ብዛዕባ ኤርትራ ተቐይሩ’ዩ ወይ’ውን ተረሲዑ’ዩ።
(መ) ስለ’ዚ እቲ ዘዛርብ ዕማም እምበኣርከስ ምስ’ዚ ሓዲሽ ኩነታት - ተተሓሒዙ ዝፍጠር ዘሎ ናይ ረብሓ ጉዳይ እንተዘተኩር ይሓይሽ፡ ብዛዕባ እዋኑ ዘሕለፈ ስግኣትን ዘየለ ጸላእን ድቃስ ምስኣን ይኣክል። ዓለምና እናተቐየረ ኣተሓሳስባና ዘይቅየረሉ ምኽንያት እንታይ’ዩ? ንእንዳ ዝናን ባህታን ሸታሕ ኣቢሉ ዘውደቐ ጭቃ ሕጂ’ውን ከየዳግመና ኣጆኹም! ኣጆና! ክብል’የ ዝፍትን ዘለኹ።

መቐጸልታን መወዳእታን ናይ’ዚ ጽሑፍ’ዚ እቲ እንዳዝናን ባህታን ዝተሓሰሙዎ ንግድን  ዕዳጋን ናይ ኢትዮጵያ ካብ ዓይኒ ጎረባብትና ሓሊፉ ኣብ ኣዕይንቲ ቻይናን ህንድን ኣዕራብን አውሮጳውያንን ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ዓይኒ’ቲ ካብ ዓለም ዝዓበየ ትካል ማለት ዎል ማርት (Wal Mart) ዓሊቡ ከምዘሎ ከንጸባርቕ ክፍትን’የ።

መስተርሆት ዘምጽእ በዓለ-ትንሳኤ ይግበረልና።
ዳንኤል ተስፋዮውሃንስ ተኽለጊዮርጊስ (04-19-2012) ።
This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...