ቀዳማይ ክፋል
18 ሚያዝያ 2012

ከምቲ ኣያ ካሕሳይ በዓል ሃዳሙ-ሽላሎ ብወርሒ መጋቢት 1988 ኣብ ግዜ ዓወት ምድምሳስ ግንባር ናቕፋ /ናደው እዝ/ “...ተሓምበለ’የ...ተሓምበለ! ... ኣንቲ ጸሓይ መረብ ናይ ልበይ ደሞ ክዛረብ፤ ናይ ልበይ” ዝበሎ፤ ኣነ’ውን ብውሽጢን ብደገን ብዘለዉ ኣባላት ደምበ ኣለና ንዝተዋህበኒ እዋናዊ ተልእኾ ንምፍጻም፤ ኣብዚ ንመጀመርያ ግዜ ዝገበርኩዎ ናይ ኤውሮጳ ዑደተይን ርክብ ምስ ተቓላሳይ ህዝቢ ኤርትራን ናይ ልበይ ንክዛረብ ውሽጣዊ ማዕበል ደፍኣኒ።

ካብ ካናዳ ቅድሚ ምብጋሰይ ኣብቲ ብዕለት 24 መጋቢት ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት ዝተገብረ፣ ኣብ ኩሉ ከባቢታት ኤውሮጳ ዝነብር ህዝቢ ኤርትራ ዝተሳተፎ ዓመታዊ በዓል ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቀንስትዮ ንክሳተፍ ብዝተገብረለይ ዕድመ መሰረት፣ ምስ ምሉእ ተስፋን ሞራልን ኣብቲ ሆጭ! ዝበለ ኣዳራሽ ኣተኹ። ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ዝተፈለኹዎም ገዳይም ተጋደልቲን ካልኦት ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያንን ድማ ረኺበ።

ኣካየድቲ ማሕበር ደቀንስትዮ ዞባ ኤውሮጳ ወግዓዊ መኽፈቲ ብድሕሪ ምግባረን፣  ላዕለዎት ሓለፍቲ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣቶ ጸጋይ ዮሃንስ፣ ዶክተር ዮሱፍ ብርሃኑን ካልኦት ሓለፍቲ ሃገራዊ ባይቶ ዞባ ኤውሮጳን  ነናይ ቦትኦም ገምጋም  ኣቕረቡ። ሽዑ ምሸት ብዝተዋበኒ ዕድል፣ ምስ ኩላቶም ኣጋይሽ ብድሕሪ ምልላይ ናብቲ ተሰሪዑ ዝነበረ መደብ ኣቶና። ኩሉ ተሳታፊ ነታ ብሃንቀውታ ዝጽበያ ዝነበረ፣ ብወፈራ ኢደይ-ኢድካ ደላይ ሓርነት ህዝቢ ኤርትራ ናብ ምሕታም ዝበቕዐት ታሪኻዊት መጽሓፍ “ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ” ብኣዝዩ ርትዓዊ ዝኾነ ዋጋ ሻማ-ሻማ ኢሉ ዓደጋ።

ህዝቢ ኤርትራ ናብቲ ዝደለዮ ናይ ሓርነት ኣዳራሽ ንምብጻሕ ብኣዝዩ ኩርኳሕ ዝኾነ ጽርግያ በብዓቕሙ ይቃለስ ኣሎ። እቲ ጅግና ህዝቢ ኤርትራ ዝጎዓዘሉ ዘሎ ሓርጎጽጎጽ መንገዲ ብዓቢኡ ህግደፍ ዝፈጠሮ ጸገም’ኳ እንተኾነ፤ እቶም ብቀትሪ ናይ ተቓወምቲ ግርምብያለ፣ ብለይቲ ግን ናይ ህግደፍ ማልያ ዝተኸደኑ ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት ዝዓረዱ መሻርኽቱን እውን ብታሪኽ ዝፍረዱሉ ግዜ ርሑቕ ኣይኮነን።
ንሕና ነዚ ሕልና-ኣልቦ ኣዕናዊ ስርዓተ-ዓዋሉ ንምስዓር ንቃለስ ዘለና ደቂ ኤርትራ ድማ ብዘይካ ስመርርርርር ብዝብል እዋናዊ ጭርሖ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዝና ምኻድ ካልእ ምርጫ የብልናን። ጭፍራ ህግደፍ ኤርትራዊ መንነት ካብ ገጽ መሬት ንምሕካኽ ብኣዝዩ ስዉር ጥበብ ካብ ዝሰርሕ ኣይወሓደን። እንተኾነ ዘርኢ ሰብ ከም ህጓጉያ ኣልሕያ /ዘንገዳ/ ብዘይ ኣሰር ስለዘይጠፍእ እቲ ንምጥፋእና ዝተጠጅአ ቡቕሊ ደጊም ኣይክጽሞቕን ኢዩ።

ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ተሃዋሲ እዋን’ምበኣር ንሕና ነቲ ናብ ምጥፋእ ገጹ ዝኣንፈተ መንነትና ንምምላስ ልዕሊ ዝኾነ ይኹን ግዜ ሓደ ንክንከውን ብታሪኽ ንሕተት ኣሎና። ሜላ ፈላሊኻ ግዛእ ናብ ዝለዓለ ጥርዙ ኣብ ዝበጽሓሉ ግዜ፣ ባዕሉ ውልቀ-መላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት፦

“...እዛ ሃገር’ዚኣ ሶማል እንተኾነት፤ ኣስመራ’ውን ዳግማዊት ሞቓድሾ እንተኾነት ኣይእግመንን ኢዩ...ሎሚ ኣብዛ ሃገር ደው ኢሉ ዝሸይን ሰብኣይ የለን! እቶም ንኸውን ኢና ዝብሉ ዝነበሩ ድማ ናብ ጎዳጉዲ ኣእቲናዮም ኢና” ወ.ዘ.ተ...ዝብሎ ዝነበረን ዘሎን ብጽሞና ክንሓስበሉን ክንትንትኖን ይግበኣና። ብዘይካ እከይ ግብሪን እንክሒራን ካልእ ክሓስብ ዘይተዓደለ ስርዓት ህግደፍ፣ እቲ ናይ ኣጥፊእካ ምጥፋእ ካሪክለም ናብ ኤርትራን ህዝባን ጥራይ ዘይኮነስ፣ እንኮላይ ናብ ኢትዮጵያን ጎረባብቲ ሃገራትን እውን ዝዓለመ ከም ዝነበረ ነቲ “...ኣዲስ ኣበባ ዳግማዊት ባቕዳድ ክንገብራ ኢና” ኢሉ ፈንጂ ዘባርዑ ዕጡቓት ናብ ኢትዮጵያ ምልኣኹ ጥራይ ክዝከር ይግበኦ።

ተሓምበለ! ኣለና ብውሽጥን ብደገን!! ኣለና ኣብ ቅርዓት ህግደፍን ኣለና ኣብ ኣፍንጫ ኢሳይያስን!! “ወይልኻ ጣላ ብዕራይ ምስ ተረፍካ ዳሕራይ” ከም ዝበሃል፤ ኣንቱም ህዝባዊ ሱናሚ ንምዕጋት ኣብ ውሽጢን ኣብ ደገን ተዕገርግሩ ዘለኹም ጠላማት ወይልልኹም!

ንሕና ሕድሪ ሰማእታትን፤ ንዝኽሪ መቕዘፍቲ ስንኩላን ማይ-ሓባርን ኣብ ከብድና ሰኽቲትና፤ ነቲ ከም ጉንዲ በለስ ብውሽጡ ዝቦኽቦኸ ኣርቲፊሻል ስርዓት ህግደፍ ንምድምሳስ ምስ ኩላቶም ኣብ ውሽጢን ደገን ዘለዉ ተቓለስቲ ዜጋታት ኤርትራን ደገፍቲ ሃገራትን ተተሓሒዝና ናብቲ ብቐረባ ዝረአ ዘሎ ብሩህ ተስፋ ገጽና ንምርሽ ኣሎና። ደምበ ኣለና ካብ ቅድሚ ሓደ ዓመትን ፈረቓን ዝጀመርናዮ ጎስጓስ ብጽሑፍ፣ ናብ ምዝርጋሕ ታሪኻዊት መጽሓፍን ዝርርብ ኣብ ሰሚናራትን በጺሕና ኣሎና። በቲ ዝተመደበ ትልሚ፣ ብድሕሪ እቲ ኣብ ዕለት 24 መጋቢት ዝጀመረ መላለዪ ምሸት ጉዕዞ ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ቀጸለ። ብዕለት 1 ሚያዝያ ኣብ ከተማ ሽቱትጋርት ኩላቶም ተቓወምቲ ህግደፍ ከተማ ሽቱትጋርትን ከባቢኣን ዝተረኽቡሉ ውዕዉዕን ዕዉትን ርክብ ተገብረ።

‘ዘሎስ ይራኸብ ደኣ’ ከም ዝበሃል፣ ኣብ ሰሚናር ከተማ ሽቱትጋርት ምስቲ ብወርሒ ጥሪ 1977 ዓ.ም. ዝተፈለኹዎ፣ ሓደ ካብቶም ብኢሳይያስ “ተረፍ መንካዕ” ተባሂሉ ዝድለ ዝነበረ ገዲም ተጋዳላይ ወልደማርያም ኣብርሃም ተራኸብኩ። ምስታ ኣብ ከተማ ሽቱትጋርት እትርከብ ናይ ኤርትራውያን ማሕበረ-ኮም ረድዮ ድማ ብጉዳይ ሃገርን እዋናውያን ዛዕባታትን ዝድህስስ ንክልተ ሰዓታት ምስ ገዳይም ተቓለስቲ ኣቶ ሃይለ ማርቆስን ኣቶ ተኸስተ ተስፋማርያምን (ሓረስታይ) ቃለ-መሕትት ኣከየድኩ።

“ፍልማዊት ኣደ ናይ ሞራል ናይ ተስፋ፣ ቦኽሪ ሳሕል ዓባይ ናቕፋ’ያ ኢያ ናቕፋ” ከም ዝበሎ ስዉእ ተጋዳላይ ዑቕባጋብር፤ መበገሲት ቦታይ ድማ እታ ቅድሚ ኩላተን ከተማታት ዝረገጽኩዋ፣ ቦኽሪ ኤውሮጳ ዓባይ ከተማ ፍራንክፈርት ኢያ።

ብመሰረት ንዕለት 7ን 8ን ተሰሪዑ ዝነበረ መደበ ሰሚናር ምስ ደለይቲ ሓርነት ህዝቢ ኤርትራ፣ ባሕሪ ተሳጊረ፣ ናብ ዋና ከተማ ደንማርክ-ኮፐንሃገን ምስ ረገጽኩ፣ ምስቲ ኣብ ፓልቶክ ዝፈልጦ ዝነበርክ ገዲም ተቓላሳይ ሃይለ ወልደሚካኤል /ሳላኹም/ ተራኸብና። ንመሬት ስዊድን ረጊጸ ናብ ኖርወይ፣ ከተማ ኦስሎ ኣተኹ።

ኣብቲ ብዕለት 7 ሚያዝያ ኣብ ከተማ ኦስሎ ዝተገብረ ሰሚናር ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ግብሪ፤ /Eritreans for Action/ ብዝብል ማሕበር ካብ ሓያለይ ሃገራት ኤውሮጳ ዝተጠርነፉ መንእሰያት ኣዋዓዊዖሞ ኣምስዮም። ካብ ከተማ ፍራንክፈርት ተበጊሰ ክሳብ ዝምለስ ምሳይ ዝተጓዕዙን ኣብ ደጀነይ ዝኾነት ከተማን ብኩሉ ሸነኻት ንዝተሓባበሩኒ፤ ደለይቲ ፍትሒ (ብፍላይ ንኣቶ ሃይለ ተኪአን ኣቶ እስክንድር ገብረሂወትን)  ድማ ከየመስገንክዎም ክሓልፍ ኣይደልን።

ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ብሩህ ተስፋ ወቕቲ፣ ልዕሊ 80% ካብቲ  ኣብ ውሽጢ ሃገርና ኤርትራ ዘሎ ህዝቢ ካብ ስርዓት በጋሚንዶ ህግደፍ ብልቡ ካብ ዝባተኽ ነዊሕ ዓመታት ኮይኑ ኣሎ። እቲ ብኣልማማ ግፋ ዝተኣከበ ኣስታት 275 ሽሕ ሰራዊት ሳዋ ከኣ ብርግጽ ፈዳይ ሕነ ህዝቢ ኤርትራ’ምበር ዳግማይ ዕርዲ ኢሳይያስ ኣይኪኸውንን ኢዩ። ስለዚ ገበነኛ ኢሳይያስ በቲ ንጥፍኣትና ኢሉ ዘዋፈሮ ዓረር ክዝበጥ’ምበር ብኣናፊለስ ጣንጡ ተነኺሱ ብናይ ርእሲ ዓሶ ዳግማይ ናብ እስራኤል ኣይክኸይድን ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ብጭፍራ ህግደፍ ንነዊሕ ዓመታትዝተዋጠየሉ፦

   ደምበ ተቓውሞ ብናይ ጀብሃ ተረፍ-መረፍ ዝተፈጥረ ጉጅለ ኢዩ፣
     ደምበ ተቓውሞ ብደቂ ኣከለጉዛይ ጥራይ ዝግበር ዘሎ ዕግርግር ኢዩ፣
    ደምበ ተቓውሞ ብእስላም ዝተበገሰ ምትእኽኻብ ኢዩ፣

ዝብል ዝነበረ መርዛም ፕሮፓጋንዳ ክንስዕሮ ቀሪብና ኢና። እቲ ምንታይ ሎሚ ደምበ ተቓውሞ ጀብሃ ነበር ጥራይ ዘይኮኑስ እነና ሻዕብያ ዝነበርና፤ ደቂ ሓደ ኣውራጃ ጥራይ ዘይኮኑስ፣ እነና ደቂ ሓማሴንን ደቂ ኩላተን ኣውራጃታትን፤ ናይ እስላምን ደቂ መሻይኽን ምትእኽካብ ጥራይ ዘይኮኑስ እነና ደቂ ክርስትያን ደቂ ኣቕሽሽትን!! ስለዚ ኣንታ ሰባብ ስርዓት...እቲ ክሳብ ሎሚ ክትነዝሖ ዝጸናሕካ ናይ ኣውራጃ ኣከለጉዛይን ሓማሴንን፣ ናይ ኣስላምን ክርስትያንን ሃይማኖትን ፍልልይ፤ እነና ንሕና እቶም ከም እቶት ሓደ ግራትን ጻባ ሓንቲ ላምን ዝኾንና ደቂ ህዝቢ ኤርትራ ዕጭ ንተንኮላትካ ኢልና ብድሆ ንብል ኣሎና’ሞ ሕጂ’ውን ወልልኻ!!

ንሕና ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዘሎና ደቂ ኤርትራ እውን ከም ብዕሪር ሓይኽና ጡፍ ክንብሎ ዝግባኣና፦

    ስልጣን ሒዙ ዘሎ ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ኢዩ፣
    እዚ መንግስቲ’ዚ ናይ ደቂ ሓማሴን መንግስቲ ኢዩ፣
    እዚ ስርዓት እዚ ናይ ክርስትያን ስርዓት ኢዩ፣

ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓሸውየ ብልቦናን ጽሞናን ክንዝትየሉ እዋን ይሓትት ኣሎ። ኢሳይያስ ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ንምቕንጻል በብዓመቱ ዝጥቀመል ዝነበረ ሰባብ ሜላ ፈላሊኻ ግዛእ፣ ኮነ ኢሉ ብመደብ ንሓደ ኣውራጃ ከም ባላንቺና ከም ዝንፋሕ፣ ንካልእ ኣውራጃን ሃይማኖትን ድማ ለጠቕ ከም ዝብል ዘምስል ሰይጣናዊ ጥበብ እናተጠቕመ ኢዩ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ኣብ ስልጣን ጸኒሑ ዘሎ።

ኣብዘን ዝሓለፋ 21 ናይ ናጽነት ዓመታት /1991-2012/ ክንደይ ህዝቢ ኤርትራ’ኾን ተኣሲሩ...ተረሺኑ...ተሰዲዱ...ተዋሪዱ...ተጸፊዑን ተደሲቑን ይኸውን? ኣብ ስርዓት ህግደፍ ብዘይካ ውሑዳት ደቀ-መዛሙር ኢሳይያስ ዝጠዓሞን ዘጉላዕልዐን ኣውራጃ፣ ብሄር ወይ ሃይማኖት የለን። ኢሳይያስ ከኣ ብዘይካ ናብቲ ዝሓለሞ ጥርዚ ንምብጻሕ ዘካይድዎ ሰባት ምእላሽ፣ ሃይማኖትን ኣውራጃን ዘይብሉ፤ ዲኖ ኤርትራውያንን ዓረም ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኢርትራን ዝተኸድነ ሰብ መሰል ተኹላ ኢዩ። ነዚን ከምዚን ዝኣመሰለ ጉዳያት ንምዝርራብ እየ’ምበኣር ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ምስ ዝነብር ተቓዋሚ ህግደፍ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፣ መንእሰያት ድማ ብፍላይ ጽዑቕ ሰሚናራት ዘካይድ ዘለኹ።

ካብ ከተማ ኦስሎ ቀጻሊ ጉዕዞይ ናብ ጫፍ ሰሜናዊ ዋልታ ዓለምና ዝኾነት ከተማ ትሮንድሀይም ኢዩ ዝነበረ። ኣብቲ ካብ ኦስሎ ን530 ኪ.ሜ. ዝነበረ ጉዕዞ፣ ንክልተ ሰባት መደቀሲ፣ መግብናን ኦስሎ-ትሮንድሀይም መጉዓዝያናን ዝሸፈነ ኤርትራዊ ተቓላሳይ ንኣቶ ተኽላይ ገብረማርያምን በዓልቲ ቤቱን ከመስግኖም እደሊ። ካብቲ  ቶኒ ስሙ፣ ጨጓር ከልቦም ከኣ ሓደ ኣገራሚ ነገር ተዓዘብኩ፦

“ኢሳይያስ ኳሕ!” ዝብል ድምጺ እንተኣስሚዕካዮ፤ ከም ዝሞተ ኣብ መሬት ረፈጥ ይብል። ለካ ሞት ክናና፣ ሞት ኢሳይያስ ቶኒ’ውን ፈሊጥዎ ኣሎ በልኩ ብውሽጠይ። ከድና ናብቲ ብጎቦታትን በረድን ዝወቀበ ሰሜናዊ ዋልታ። ቅርጺ መሬትን መንገድናን ምስቲ ብዙሕ ግዜ ዝመላለሶ ዝነበርኩ መሬት ባርካን ሰንሒትን ኣዝዩ ተመሳሳልነት ነበሮ።

መንገዲ ኦስሎ-ትሮንድሀይም፤ ካብ ሩባ ዛራ ብጃኒ... ኣስማጥን ሩባ ሃውሽን ሓሊፍካ ናብ ማርያ ቀያሕን ማርያ ጸላምን፤ ዝባን መለብሶን ሓልሓልን ምድያብ ኮይኑ ተሰማዓኒ። ካብ ኣድካሚ ናይ ሸውዓተ ሰዓታት ጉዕዞ ከም ወራድ መርዓ ሽቦ ላጋ-ሽቦ! ናብቲ ተዳልዩ ዝነበረ ኣዳራሽ ኣተና። እቶም ሰሚናርና ንምምዕራግ ብየማነይን ጸጋመይን ኮፍ ኢሎም ዝነበሩ ወደብቲ መንእሰያት ትሮንድሀይም ኣቶ መድሕንን ኣቶ ዳንኤልን ድንቂ ምድላዋት ኢዮም ገይሮም። ኩላቶም ብሓበራ፣ ደቂ-ተባዕትዮን ደቀንስትዮን መንእሰያት፣ ከም ዕስለ ንህቢ ኣየት በብጉዳዮም ግሩም ብዝኾነ ኣገባብ ኣወዳድባ፣ ናብቲ ተሰሪዑ ዝነበረ ኣጀንዳ ንክንኣቱ በሪ ከፈቱልና። ቀዳማይ ክፋል ጸብጻብ ዑደተይ ኣብ ኤውሮጳ ኣብዚ ቋጺረ ክሳብ ዳግማይ ርክብና ክንጸባበ ኢና።

ሰሚናራት እዚ ብህግደፍ ዝተኻሕደ ክቡር ህዝቢ ኤርትራን ኣለናን ኣብ ኤውሮጳ ቀጻሊ ኢዩ። ብድሕሪ ኣብ ኖርወይ ዝተገብረ ህዝባዊ ሰሚናር፣ ብሰኑይ ዕለት 9 ሚያዝያ ኣጋ ምሸት ኣብ ከተማ ኖርወይ ምስ ዝርከቡ ኣባላት በርጌሳዊ ማሕበር ምንቅስቓስ ሕብረት ኤርትራውያን ኣብ ኖርወይ (Eritrean Unity Movement – Norway) ኣቶ ወልደኣብ ፍስሓጽዮንን ኣባላቱን ንክልተ ሰዓታት ብዛዕባ ጉዳይ ሃገርናን ህዝቢናን ሕውነታዊ መንፈስ ዝዓሰሎ ርክብ ኣካየድና። ንጽባሒቱ ናይ ምምላስ መደብ ኢዩ ዝነበረ።

ንእግረ መንገድና ከኣ ብክልተ ኤፍሬማት (ኤፍሬም መሓሪን ኤፍሬም ኢሳቕን) ተሰንየ ምስታ ኣብ ከተማ ዮቶቦሪ ዘላ ናይ ኤርትራውያን ሰሙናዊት መደበር ረድዮ ቃለ-መሕትት ገይረ። ኣብቲ ቃለ-መሕትት ኣፍልጦይ ብዛዕባ’ቲ ብህግደፍ ዝተኻሕደ እሱር ሓርበኛ ዳዊት ኢሳቕ እውን ተሓቲተ ነይረ እየ። ኣፍልጦና ምስ ዳዊት ኢሳቕ ቅድሚ ምጅማር ጋዜጣ ‘ሰቲት’ ከም ዝነበረ፣ ኣብቲ ብ1993 ብክፍሊ ባህሊ  ዝተገብረ ናይ ስነ-ጽሑፍ ውድድር፣ “ደብሽ” እትብል ናይ ዳዊት ኢሳቕ ጽሕፍቲ ከም ዝነበረት’ውን ዘኪረ።

ዕለት 15 ሰንበት መዓልቲ ፋሲካ ድማ ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት ዝተግብር ርክብ ቀጸለ። ኣብ ኩሉ ሰሚናራት ካብ ዝነበረ ናይ ህዝቢ ሕቶታት፣ እቲ ብተደጋጋሚ ዝቐርብ ዝነበረ ሕቶ፤ ጉዳይ መስፍን ሓጎስ ኢዩ። ብሓፈሻ ተሳትፎ ህዝቢን ዝቐርቡ ዝነበሩ ተደጋገምቲ ሕቶታትን ጥሙር ርእይቶታትን፣ ርእይቶ መንእሰያት ድማ ብፍላይ ኣብ ዝቕጽል ሪፖርታዥ ክስዕብ ኢዩ።

ክሳብ ዕለት 06 ግንቦት 2012 ተታሒዙ ዘሎ መደባት ከምዚ ይመስል፦

ቀዳም  ዕለት 21 ሚያዝያ  ስዊዘርላንድ
ሰንበት ዕለት 22 ሚያዝያ  ኑሩምበር  ጀርመን
ቀዳም  ዕለት 28 ሚያዝያ  ዮቶቦሪ  ስዊድን
ሰንበት ዕለት 29 ሚያዝያ  ስቶክሆልም ስዊድን
ቀዳም  ዕለት 05 ግንቦት   ካስል ጀርመን
ሰንበት ዕለት 06 ግንቦት   ከለን  ጀርመን
ናይ ቦታ ወይ ዕለት ምቅይያር ክህሉ ይኽእል ኢዩ።
ብድሕሪ እዘን ተጠቒሰን ዘለዋ ዕለታት ንዝግበር ህዝባዊ ሰሚናራት ድማ ኣብ ግዜኡ ክሕበር ኢዩ።

ክኸውን ኢዩ ... ተሓምበለ ናብ ኤርትራና!!

This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.
ፍራንክፈርት-ጀርመን
ኣለና ብውሽጢ፣ ኣለና ብደገ!                                  
ሞት ክናና
ንኢሳይያስ!!

ይቕጽል…         


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...