መብዛሕቲኤን መርበብ ሓበሬታ ደንበ ተቃውሞ ብጻዕሪ ውልቀ-ሰባት ዝተመስረታን ዘገልግላን፤ ብዝኾነ ሸነኽ ዘይምወላ ኮይነን፤ ኣካየድተን ከኣ ጉልበተሙን ግዜኦምን ገንዘበሙን ብምብጃው ንሕብረተ-ሰቦም ቀሊል ዘይኮነ ኣገልጉለት ዘበርክቱ ምዃኖም ይረኣየካ`ዩ ።

እዚ ብቁጽሮም ውሑድ ዘይኮነ ኪኢላታት ክዕየ ዝነበሮ ሞያ ፤ ብሓደ ክልተ ሰባት እሞ`ኸኣ ስድራ ቤታዊ ናብራ ናይ ምምራሕ ሓላፍነት ዘለዎም ባእታታት ክሰላሰል እንከሎ ፤ እዚ ዝጠንቁ ገላ ሃጓፍ ክረኣዮ ናይ ግድን`ዩ። ንኣብነት፡-

(1) ብሰንኪ ንዝለኣኸልካ ትሕዝቶ ገማጢልካን ኣድቂቅካን ዘይምንባብ ገሌ ክወጽእ ዘይግበኦ ጽሑፍ ክወጽእ፤ ክወጽእ ዝግበኦ ኸኣ ንኸይወጽእ ይኽእል።

(2) ገለ ናይ ቀለም ስም ዝጥቀሙ ማለት ብልክዕ ስሞም ክፍለጡ ዘይደልዩ ጸሐፍቲ ፡ ኣብ ክንዲ ስሞም ዝጥቀሙሉ መፍለጢ ቁውም ክኸውን፤ብኡ ኣቢልና ኸኣ ከነለልዮምን ክንመዝነሙን መሰልና ክነሱ ወገሔ ጸብሔ ሐድሽ መፍለጢ ስም ክጥቀሙ ወይ ጽገናታት ክገብሩሉ ክፍቀድ ዘይብሉ ቅጥፈት`ዩ።

እቲ ዝምልከቶ መርበብ ሓበሬታ መንነቶም ከምዝፈልጥ ዘይሰሓት ጉዳይ`ኳ እንተኾነ፡ እዚ ማለት ግና ኣንባቢ ክደናገር ኣለዎ ማለት ኣይኮነን።ደሓር ከኣ ስሙ ዝሓብእ ሓደ መንግስቲ ከራኽበሉ ዝኽእል ዝጥመት ትሕዝቶ ዘለዎ ባእታ እምበር፡ሓደ ጸሐይ በሪቃ ክሳብ ትዓርብ ንኣብ ሓደ ክፋል ህብረተ -ሰብና ዘለዎ ቅርሕንቲ፥ቅንኢ ነቂሉ እንተተመሰለሉ ኢሉ፡ ኣደናጊሩ ዘይቅቡል ሓሶት ክኣልም ዝውዕል፤ ክልተ ሩባታት ናይል" ኣብ ማእከል ከተማ ኣስመራ ከምዝራኸቡ" ዝምሕል ዝጥሕል፤ ይትረፍ`ዶ ተቋዋማይ ዝገብሮ ዘምስሎ ቃል ዘየምሉቅ ባእታ ወይ ጉጀለ እንታይ ሽምካ ምሕባእ ኣድለዮ ?!

ኣብቲ ሰብ ይዕዘበኒ ከይህሉ ኢሉ ፡ኣፉ ደራሪዙ፡ ማዕበል ቀይሩ ዘቅርቦ  ጽሑፋቱ ከኣ  ንናይ ጦንቆልቲ ሰብ ዛር ዝልፍልፍዎ ዝመስል ዘይርድኡን መእሰሪ ዘይብሉን ጽሑፍ`ዩ።ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት እተን መርበብ ሓበሬታ ንኽብረተንን ክብረት ኣንበብተንን ንዘይርዱእ ጽሑፋት ክገትኣ መትከላተን ዝጠልቦ`ዩ።

ካብ  ሃልወሳ/ ሃለውለው ሕሽ ክብሎ  እንከሎ ኸኣ ኣመል ምስ መግነዝ ኮይኑዎ ናብቲ ቀንዲ ሕማሙ ተመሊሱ ካብ ንግሆ ክሳብ ምሸት ንሓደ ክፋል ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኩሩምቱ ነኺሱ ምኒን ዝብል ናይ ሕሙማት ጽሑፍ ኣብ ናይ ተቋወምቲ መርበብ ሓበሬታ ክሰፍር ግናይ`ዩ።

ሓደ ካብዞም ግናያት" ጸሓፍቲ" ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ማሕበራዊ ጠቀስ ሃልወሳ/ ሃለውለው ምስ ኣብዘሔ፡ብዙሓት ካብቶም ግንባሮም ኣምሪሖም ዝቃወሙ፡ ይትረፍ ሽሞም ክሓብኡ ዝነብሩሉ ስፍራን ቁጽሪ ገዘኦምን ከይተረፈ ንምጽሓፍ ድሕር ዘይብሉ ጸሓፍቲ ዝግባእ መግናሕቲ ምስተገብረሉ ፡ እዚ ሓባኢ መንነቱ ኣብ ገለ መቀራቅሮ ከሪሙ ብሓድሽ ሽም ክቅልቀል እንከሎ  ንምልላዩ  ሓገዝ ናይ ዳህሳሲ ከልቢ ዘድልዮ ኣይነበረን።

ጸማም ሓደ ደርፉ ከምዝባሃል ካብ ንፈልጦ/ክሳብ ሕጂ እታ ዝደርፋ ሓንቲ እያ።ንሓደ ኣካል ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ዝኾነ ህዝቢ እናልዓልካ ሃለው ምባል።( ብድፍኑ ምጽሓፍ ዝመረጽኩ እቲ መልእኽቲ ንዝምልከቶ ሸነኽ በጺሑ ደረት ክግበረሉን ጸሓፍትን ኣንበብትን ከኣ ናብ ቀንዲ ቁምነገራትና ከነድህብ ካብ ዘለኒ እምነት ነቂለ ኢየ። ብዝተረፈ ነዞም ደገምቲ ሓደ ደርፎም ዝግባእ "ጥሑን ስንቂ" ክሳብ ቶባ ዝብሉ ዘየሰክፍ`ዩ። ከም ምሕፋስካ !)

በቲ ክንዕዘቦ ዝጸናሕና እዚ ሰብ`ዚ ብዝኾነ ስነ-ሞገት ዘይዓግብ፤ንዝቀርበሉ ፈታኒ ሕቶታት ዘይምልስ፤ ንሕማሙ ዓው ኢሉ ክዛረበሉ ዘይክእል፤ ዝገለጽካ እንተገለጽካሉ ልክዕ ከም ድሙ ዘብላዕካ እንተብላዕካያ ኛውው ኛውው ምባላ ዘይተርፍ መጠን ምዃኑ ርግጽ`ኳ እንተኾነ ፍጹም`ዩ ኢልካ ምድምዳሙ ግና ዘይስነ-ፍልጠታዊ ስለዝኾነ፡ ሕጂ`ውን ከይተሓለልኩ" ጽቡቅ ግበር ፡ ንመን ? ንማንም" ከምዝባሃል፡ ካብ ማንም ንታሕቲ ምዃኑ  እናተረዳእኩ እዚ ዝስዕብ ምዕዶ ከቅርበሉ፡-
እቲ ዘለካ ጸገም ቅንኢ ዘመበገሲኡ ሕማም`ዩ፡ክትቀንኣሉ እትኽእል ጉዳያት ከኣ ክልተ ዓይነት መልክዕ ዝሓዘ`ዩ።

1- ኣብ ተፈጥራኣዊ  /ውህብ ጉዳይ ዝተመርኮሰ።ንኣብነት ጸሊም ብጻዕዳ ወይ ጻዕዳ ብጸሊም ክቀንእ እንከሎ ወይ ሓጺር ብነዊሕ ክቀንእ እንከሎ እዚ ዓይነት ቅንኢ ፈውሲ ዘይብሉ ቀታሊ ሕማም`ዩ።ካብዚ ሕማም`ዚ ኸኣ ነጻ ትኸውን ኢኻ ዝብል ግምት ኣሎኒ።

2- ኣብ ክምእረር ዝኽእል ጉዳያት ዝተመርኮሰ ቅንኢ ክኸውን እንከሎ፡ንኣብነት ሓደ ወይጦ ብሓደ ንጹህ ሃገራዊ ክቀንእ ይኽእል`ዩ፡ እንተተፈዊሱ ግና ካብ ወይጦነት ናብ ሃገራውነት/ ንጽህና ክሰጋገር ይኽእል።ከምኡ`ውን ካብ ሓደ ብህርክትንኡ፥ ብፍልጠቱ፥ ብማሕበራዊ  ሂወቱ ፥በነባብረኡ ከቅናኣካ ይኽእል`ዩ።ካብ`ዚ ሕማም`ዚ ናይ ምፍዋስ ተኽእሎ ኸኣ ዓቢ`ዩ።

ብኣወልኼር ዓ/ ሓፊዝ

April 14, 2012 (126)


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...