ዝኸበርኩም ኤርትራውያን ሰላም ከመይ ቀኒኹም እስከ ሎሚስ ብዛፅባ እቲ ክህልወና ዝግብኦ ተስፋ ንዛረብ ሎሚ ክህልወና ዝግብኦ ኣታሓሳስባ ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ፍልይ ዝበለን ተስፋ ዝተፈራረቖን  ኢዩ፡ ምኽንያቱ ምንም እኳ ምስቲ ኣብ ሞንጎና ስምምፅ ዘይምህላውን ንዘሎ ሃገራዊ ሽገር ኣብ ምፍታሕ ሓጋዚ ዝኾነ ብቑፅ ዓቕሚ ዘይምህላውን ስሚዒታትና ክብ ለጠቕ እናበለ ኣብ ጭቡጥ ተስፋ ከይተሳገርና ኣብ ምጭናቕ ዝጸናሕናን ንነብር ዘለናን እንተኾንና፡ ሎሚ እቲ ስርዓት ብናይ ገዛእ ርእሱ ስንፍናን ምስ ሕብረተ ሰብ ዓለም ዝጻረር ገርጫው ጠባዩን ዓለም ፎእ እናበሎ ስለ ዝመጸ ዓለም ኩሉ ወጽዓና ከም ዝርኢ ኮይኑ ኣሎ፡ ኢዚ ካኣ ናትና መንፍዓት የድሊ እምበር ንውድቀቱ ዘቃራርብ ኢዩ።

ይኹን እምበር ኣታሓሳስባና ካብ ሕድሕዳዊ ምጽልላምን ምፍልላይን ዝሰገረን ኣብ ዘለና ሽግር ናይ ምፍታሕ ጥራይ ዝጠመተን ክኸውን ኣለዎ ዳኣእምበር ብዘበለ ኣቢሉስ ክሓልፍ እምበኣር'ዩ ክንብልን ተስፋ ክንገብርን ዝገብር ውድቀት ናይቲ ስርዓት ካኣ ዝሕብርን ምልክታት ይርኤ ስለ ዘሎ ሓደ ፍታሕ ብቐረባ ከም ዝርከብ ዝገብር ኩነታት ተፈጢሩ ኣሎ ማለት ኢዩ፡ ይኹን እምበር ነቲ ቃልሲ ምስ እቲ ዘሎ ኩነታት ከም ዝኸይድ እንተ ዘይጌርካዮ እቲ ዓወት ክድንጕ ይኽእል ኢዩ።

ድሓር ካኣ እቲ ዝዓበየ ቃልሲ ዝሓትት'ውን ዓወት ድሕሪ ምጭባጥካ ኣብ ርጉእ ኩነት ብዘታኣማምን መንገዲ ክትነብር ከም ትኽእል ንምግባር ክትፍጽሞ ዘለካ ስራሕ ኢዩ፡ እቲ ከቢድን ዝተፈላለየ ቅድመ ምድላዋት ዝሓትትን እሞ እዚ ፈሊጥና ነቲ ድሕሪ ለውጢ ዘሎ ዝሰፈሐን ዝኸበደን ስራሕ ክንዳሎ ኢዩ ዝግባእ፡ ክቡራት ኤርትራውያን ልክፅ እንተዳኣ ሓሲብና ከምዚ ሃገርና ዘላቶ ዝዓነወት ሃገር ክትሃንጽ ብዙሓት ሓሰብትን ብዙሓት ካኣ ተግበርትን ዝሓትት ስራሕ እዩ ዘለና፡ ስለ'ዚ ኩሉ እቲ ህዝብና ዝጽበዮ ክማላእን እታ ሃገር ኩልና ከም እንደልዮ ዓዲ ፍትሕን ስላም ዝሰፈና ሃገርን ክትኮነልና ዘድሊ ስራሕ ኣዝዩ ብዙሕን ብዙሓት ብፍልጠትን ብልቦናን ዝልለዩ ኪኢላታት ዝሓትት ኢዩ።

እዚ ድሕሪ ዓወት ዝብል ኣዘራርባ ካኣ ክንሓስበሉ ዝግባእን ኣብ ቦታኡ ዘሎን ኢዩ፡ ምኽንያቱ ሓደ ህዝባዊ ቃልሲ ክጅመር ከሎ ንኽትውድኦ እንታይ ክማላእ ከም ዘለዎ ምስ ተወድኤ ካኣ ከመይ ዝበለ መልክፅ ክሕዝ ከም ዘለዎ ዘይብሩህ እንተዳኣ ኮይኑ ዓይንኻ ትዓሚትካ ትኽይድ ከም ዘለኻ ኢዩ፡ እዚ ከይፈለጥና ወይ ድሕሪ ዓወት ካልእ ዘይሓሰብናዮ ከይገጥመና ዝብል ጠርጠራ ከይገበርና ብቕንፅና ስለ እታ ናጽነት ጥራይ ስለ ዝተቓለስና ኢና ኣብ ትሕቲ እዚ ሓደ መርኣያ ዘይብሉ ሕሱም ስርዓት ወዲቕና ከም ሕሱም ንሳቐ ዘለና፡ ብምኽንያት እቲ ኣብ ልፅሊ ህዝቢና ዝወርድ ዘሎ ሕሰም ካኣ ኢዮም፡ ሎሚ መንእሰያትና ካብቲ ኣብ ልፅሊኦም ዝወርድ ዘሎ ከቢድ ስቓይ ክድሕኑ ክብሉ እዚ ኢዩ ክትብሎ ናብ ዘይትኺል መዋጥር ዘለዎ ሓደጋ እናተሳጥሑ ናብ ፈቐዶኡ ፋሕ ከም ዝብሉን፡ሃገርን ናጽነትን ክህልዎም ከም ዘይተቓለስና ፋሕ ጨንገራሕ ኢሎም ብዝኸድዎ ከም ዝጠፍኡ ዝኾኑ ዘለው።

ስለ'ዚ ነቲ ድሕሪ ለውጢ ዘሎ ኩነታት ክንዛረበሉ ኣብ ቦትኡ ዘሎ ኮይኑ፡ ኣብ ሃገርና ሕጂ'ውን ድሕሪ ለውጢ እቲ ዝዓበየ ስራሕ ነቲ ብኹሉ መዳያቱ ፈሪሱን ዝተባታተነ ሕብረተ ሰብ ጸይሩን ዘሎ ሃገር ኣብ ንቡር ምምላስ ኢዩ፡ ክቡራት ኣሕዋት ነዛ ትኣፋፊት እዋን እዚኣ ክብለጹላ ዝደልዩ ዓያሹ ጥራይ ኢዮም፡ ምኽንያቱ ድሕሪ ሕጂ ህዝቢ ኤርትራ ዳግማይ ከዘንግዖ ዝኽእል ኣካል ከም ዘየለ ንኹሉ ብሩህ ክኸውን ኣለዎ፡ ዳሓር ካኣ ንብልሒ እዚ ጊዜ ጸቒጡዎ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ኣይንዘንግዓዮ ስለ እዚ ሓደ ንኹሉ ብማፅረ ከሐጉስ ዝኽእል ፍታሕ እንተዘይተረኺቡ ሰላም ኣይነግስን ኢዩ።

ነዚ መረድኢ ዝኸነና መለበሚን ኣይግበርካ መለበሚንከ ኣይኽላእካ እንድዩ፡ ሓደ ነግር ክጠቕሰልኩም ጽን በሉኒ እሞ ክትሓስቡሉ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ደርጊ ንሃጸይ ሃይለ ስላሴ ኣብ ምውዳቕ ምስ ተዓወቱ፡ ኣነ
ይዝከረኒ ክቡር ጀነራል ኣማን ዓንዶም፡ ነዞም ሽማግለ ሰብኣይ ካብ ስልጣን ምውጋድ እኮ ዓቢ ስራሕ ኣይኮነን እቲ ዝዓበየ ንዝተረከብናዮ ስልጣን ብግቡእ ሒዝና ሃገር ክንመርሕ ምኽኣል ኢዩ ኢሎም።

እቲ ብግቡእ ሃገር ምምራሕ ስለ ዘይተኻእለ ካኣ ኣብ ክንዲ ነቲ ዝነበረ ሽግር ከም ዝግባእ ጌርካ ፈቲሕካ ጎደና ምፅባለ ምሓዝ፡ እቲ ዝነበረ ሽግር ናብቲ ዝልዓለ መልክዑ ተሳጊሩ ሃገር ናብ ዲቕ ዝበለ ውግእ ከም ትኣቱ ኮይኑ፡ ደርጊ ፍታሕ ከምጹ ተስፋ ተጌሩሎም ዝነበረ ቀጸልቲ መስርሕ ጥፍኣት ናይ ክልተ ኣሕዋት ዝኾኑ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ፅንወት ናይ ክልቲኤን ሃገራትን ኮይኖም ነዞም ክልተ ህዝብታት ከም ሕሱም ኣባዳዲሎምን ኣቃቲሎምን ሕማቕ ታሪኽ ገዲፎም ጠፊኦም፡ ስለ'ዚ ብዘይ ቅድመ ምድላው ዝተረኽበ ውጽኢት ወይ ፍረ ቃልሲ እንታይ ከም ዝመስል ርኢናዮ ስለ ዘለና ንድሕሪ ሕጂ ከምኡ ዝበለ ነገር ንኸየጋጥመና ምጥንቃቕ ስለ ዘድሊ'ዩ፡ እቲ ከተምጽኦ ዝድለ ፍታሕ ወይ መወዳእታ ናይቲ ትቃለሰሉ ዘለኻ ፅላማ ብግቡእ ምፍላጡ ዘድሊ።

ስለ'ዚ ካብቲ ሕሉፍ ተሞክሮታትና ተማሂርና ንዝኾነ ክስፅብ ይኽእል ኢዩ እንብሎ ሳፅቤናት ናይ ግጉይ ኣሰራርሓ ኣብ ግምት ዘእተወ ጥንቁቕ መንገዲ እንተዘይ ሒዝና፡ እቲ ዝወዳእናዮ ቃልሲ'ውን እንተኾነ መልክዑ ለዊጡን ዝገደደ ሽግር ሒዙን ክምለሰና ዝኽእል ምዃኑ ምፍላጥ የድሊ፡ በዚ ምኽንያት'ዚ እቲ ድሕሪ ዓወት ክትገብሮ ዝግባእ፡ ብቃልሲ ህዝቢ ንዝተረኽበ ዓወት ብብቕዓትን ብቕንፅናን ሒዝካ ከተካይዶ ምኽኣል እዩ።
ነዚ ብፅምቆት ንምርዳእ ነታ ጀነራል ኣማን ዝበልዋ ቃል ሒዝና እስከ ንኺድ፡ ጀነራል ኣማን ነዞም ሽማግለ ሰብኣይ ካብ ስልጣን ምእላይ ዝዓበየ ስራሕ ኣይኮነን ከም ዝብሉ ዝገበረ፡ ነቲ ዝነበረ ሓይሊ ምቅላል ዘይኮነስ እቲ ሒዝናዮ ዘለና ስራሕ ይዓቢ ብምባል እቲ ህዝቢ ኣብቲ ዝሓለፈ ዘይኮነስ ኣብቲ ድሕሪ ሕጂ ንሰርሖ ኢዩ ትጽቢቱ ንዑ ሕጂ ንህዝቢ ዘፅግብ ስራሕ ንስራሕ ማለቶም ኢዩ ኔሩ፡ ግን ንዓሻ መኺርካ ምልባም ኣዝዩ ከቢድን ዘይካኣልን ስለ ዝኾነ፡ ከምቲ ኣበው ዓሻስ ማዓዲኡ ይጸልእ ዝብልዎ ኮይኑ ተሪፉ።

ድሕሪ እዚ ቀጺሉ ዝስዓበ ከምቲ እቶም ኣብቲ እዋን እቲ ህያው ዝነበርና ዝርኣናዮን እቶም ናይ'ዚ ወለዶ'ዚ ካኣ ብታሪኽ ትፈልጥዎን ኮይኑ፡ እቶም ኣብቲ እዋን እቲ ከካብ ቦትኡ ብሰራዊት ተመሪጾም ዝመጹ ደርጊ ብዝብል ዝጸውፅዎ ባይቶ ዘቆሙ ኣስር ሃለቃታት፡ ከምቲ ህዝቢ ካብቲ ለውጢ ዝተጼበዮ ዘይኮነስ፡ ካልእ ትኣምር ዝሰርሑ ዘለው መሲሉዎም ብቓላት ናይቶም ጠቕመ ፈሊጣውያን ሰኺሮም ከይተፈለጦም ናይ ሓደ ሰኽራም ዝኾነን ናይ ጭካነ ጠባይ ዘለዎን ዲክታቶር መንግስቱ መሳርሒ ኮይኖም፡ ነዚ ክልቲኡ ክቡር ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣጥፊኦምን ንኽልቲኤን ሃገራት ኣፅኒዮምን ለኪሞምወን ከም ዝጠፍኡ ኮይኖም፡ ካብ ከምኡ ዝበለ ጥልመት የድሕነና ካኣ ሕማቕ ታሪኽ ገዲፎም ነበር ኮይኖም፡ ኣይንታሪኽ ኣይንሃገር ኣይንህዝቢ ማንም ከይጠቐሙ ጠፊኦም።

ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ'ቲ እዋን እቲ ብሕልፊ እኳ እቲ ዝሰምፅን ደላይ ለውጥን በቲ ስርዓት ናይ ሃይለ ስላሴ ብኽግምጥሎ ዘይኽእል ደንጎላ ተጸቒጡ ከም ዘሎ ኮይኑ ይስምዖ ከም ዝነብረን፡ እዚ ስርዓት'ዚ በዚ ጊዜ እዚ ክወርድ ይኽእል ኢዩ ኢሉ ዝሓስብ ከም ዘይነበረን፡ ኩሉ ኣብቲ እዋን'ቲ ህያው ዝነበረ ሰብ ዝምስክሮ ሓቂ ኢዩ፡ ዝኾነ ሰብ እዚ ስርዓት እዚ ይወድቕ እዩ ዝብል ግምት ኣይነበሮን፡ ግን ሓደ ሰሚሩ ዝተቓለሰ ህዝቢ ዝስፅሮ ሓይሊ ስለ ዘየለ፡ ብሓይሊ ህዝቢ ነበር ኮይኑ፡ ስኣን ብቑዓት መራሕቲ ግን እቲ ለውጢ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ናብ ዝገደደን ተራእዩ ዘይፈልጥን ሽግር ከም ዝወድቕ ጌሩዎ፡ እቲ ነዚ ኩሉ ዝተቓለሰ ጅግና ህዝቢ ናብ ዝባኣሰ ናይ ሽግር ዓዘቕቲ ኣትዩ፡ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ተላኻኺሙ ግደ ጥፍኣት ከም ዝኸውን ድማ ኮይኑ።

ካብ ከምዚ ዝበለ ዳግማይ ሓደጋ ንምድሓን እምብኣር እቲ መጻኢና እንታይ ከም ዝመስልን ቁልጭ ኢሉ ከም ዝርኣየና ከይገበርና ብዝኾነ ይኹን ኣንፈት ዓወት ክንሰክር የብልናን፡ ክቡራት ኣሕዋት እዚ ጉዳይ ህዝቢ ኤርትራ ቀሊል ኣይኮነን ንነዊ እናታህላለኸ ዝመጸ ስለ ዝኾነ ብዙሕ ሕልኽላኻት ዘለዎ ኢዩ፡ እዚ ተስፋ ዝተፈራረቖ መድረኽ እዚ ካኣ ብኸመይ ክታሓዝ ኣለዎ ድሕሪኡኸ እንታይ ክሕሰብ ኣለዎ ከይበልካን ንቕድሚት ጥራይ ምርኣይ ከም ዳሕራይ ቀዳማይ ተዓሚትካን እንታይ ከም ዝስፅብ ከይፈለጥካ ከም ንህቢ ናብ ሓዊ ምእታው ማለት ኢዩ፡ ስለ'ዚ እቲ ቀንዲ ክንሓስቦ ዘለና እቲ ተቓሊስና ነምጾ እንታይ ፍረ ክህልዎ ኢዩ ንዝብል ማለት ብዛፅባ ውጽኢቱ ሓሲብካ ምንጻርን ናበይ ገጽካ ትኸይድ ኣለኻ ናይ ምልላይ ዓቕምን ብጣፅሚ ኣገዳሲ ኢዩ፡ እዚ ስርዓት እዚ ማሓውሩ ኣብ ኩሉ ኣሎ ነዚ ብዝላዓለ ዘሳውሮ ዘሎ ሕንፍሽፍሽ ተጠቒሙ ዳግማይ ከይገዝእ ምጥንቃቕ የድሊ።

እታ ቀንዲ ሎሚ ኣብዚ ከማሓላልፈልኩም ዝደሊ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኩሉ ጊዜ ምስ ተቓለሰ ኢዩ፡ እዚ እኩይ ስርዓት እዚ ካኣ ንህዝቢ ኤርትራ ኣነ ኢየ ዝብለሉ ዘይብሉ ጌሩ ኣዘኽቲሙን ኣድክዩን እናቀጥቀጦ ንኽነብር ዘይፍንቅሎ እምኒ ወይ ዘይፍትኖ ብልሓት የብሉን፡ ህዝቢ ኤርትራ ግን ንኹሉ መሰናኽል እናሰገረ ከይትሓለለ ንሓርነታዊ ቃልሱ ይቕጽሎ ኣሎ፡ ዘይምሕላል ካኣ መርኣያ ናይ ዘይተርፍ ዓወት ኢዩ፡ ስለ'ዚ ብዓወት ርግጸኛታት ኩኑ እቲ ሓቀኛ ለውጢ ንምምጻእ ካኣ ጥሙታት ንኹን፡ ዝኾነ ናይ እዚ እዋን እዚ ፍልልይ ክልተ መልክፅ ትራይ እዩ ዘለዎ፡ ንሱ ካኣ እቲ ሓደ ህዝቢ ኤርትራ ከም ዓለሙ እታ ንጽርቲ ዲሞክራሲ ክትህልዎ ዝደሊ ኢዩ፡ እቲ ሓደ ካኣ ብዘበለ ኣቢሉ ናይ ውሑዳት ስልጣን ጨቢጡ ክመልኽ ዝደሊ ኢዩ፡ እዚ ካኣ ኢቲ ዝበዝሕ ዝደልዮ እቲ ካልኣይ ስለ ዝኾነ እቲ ዓወት ዘይተርፍ ኢዩ ህዝብና ካኣ ክርህዎ ኢዩ።

ሕጂ ነዚ ጽዩፍ ወይ ፉንፉን ስርዓት እዚ እቲ ኩሉ እከይ ተግባራቱ ዝፈልጡ ቅኑዓትን ምእንቲ እቲ ኩሉ ዝደልዮ ሓቀኛ ለውጢ ጠጠው ኢሎም ብትብዓት ከጋልጽዎ ጀሚሮም ስለ ዘለው ኣብ መወዳእታ ፅድሚኡ በጺሑ ኣሎ ክብሃል ይካኣል፡ ምኽንያቱ ኣብ ፖለቲካ ሓንሳእ ንፋስ ምስ ኣተወካ ብቐሊሉ ዝምለስ ኣይኮነን፡ እቶም ክንቃለስ ዝጸናሕናን እዞም ሓደስትን ነቲ ጉዳይ ኣታሓሕዝኡ ኪኢልናን ተኻባቢርናን ኢድ ንኢድ ተታሓሒዝና ነዚ ተሪፉ ዘሎ ጉፅዞ ስንና ነኺስና እንተዳኣ ሒዝናዮ ዓወትና ክቕልጥፍ ምዃኑ ንኹሉ እናተራእዮ ይመጽእ ኣሎ፡ እሞ ኣይንሕመቕን ንጠንቀቕን እብለኩም።

ሰናይ ቅነ ጌሩ ካኣ ሩሑስ ባዓል ፋስጋ የምጽኣልና።

ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና 
ዓወት ድማ ነቲ ደም ዝነብፅ ዘሎ ህዝብና

ብበላይ መስፍን


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...