ፍሉይ ጽሑፍ

ንፋስ ከተማ ፍራንክፈርት ደስ ዘብል ኢዩ። ንግሆ ብምኽንያት ምዝንባል ሰዓታት ድቃስ ቀጨውጨው ምስ በለኒ፣ ነታ ንምብራቕ እትርኢ ናይ መደቀስየይ መስኮት ከፊተ ገለ ክሕንጥጥ ጀመርኩ። ሰላም ክቡራት እንዳባ! ብምኽንያት ጻዕቂ ስራሕ ኣብ መዓልተይ ኣይተመለስኩኹምን። እዚ ን21 ዓመታት ከም ኮኾብ ሰሜን ቦትኡ ዘይቀየረ ናይ ጥፍኣት ኣባ-ጓይላ ገበነኛ ኢሳይያስ፣ ደጊም ናብ መቓብሩ ከምርሕ ቀሪቡ ኢዩ። ኣብዚ ናይ ኣፍ-ኣርክቡ እዋን  ጭርጭር ዓበደን እንጣጢዕ ንዘርእ ኣሎናን ህግደፍ ክዕዘብ ቀንየ። ብቅንያቱ ቅንያት በትሪ ኢዩ ቀንዩ ዘሎ። እታ ህግደፍ ዝርደኣ ቋንቋ ዱላ ድማ ክትደጋገም ቀንያ ኢያ። ንዱላ ኣቦይ በሃይማኖት በዓል ሽላሎ ደጋጊመ ክዝክራ እንከለኹ፤ ባህ እብለኒ። ናይ 50 ዓመታት ጉዕዞ ኣብ እንምርምረሉ ግዜ፤ ንኢሳይያስ ብዘይካ ብዱላ ምድካሩ ካልእ መንገዲ ንምንዳይ ዝግበር ፈተነ ናብ ዘይሰምዓካ ደብሪ ምምህላል ጥራይ ኢዩ ዝኸውን።

እዛ ናይ ሎሚ ቅነ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተፈተነት ዱላ ከኣ ንሕልሚ ኢሳይያስ ናብ ግብ ዝበለ ጸልማት ደቕዲቓቶ ኣላ። ኢሳይያስ ከምቲ ጩግራፍሲ ነፍሳ ሃሪማ ባዕላ ተእዊ ዝበሃል፣ ባዕሉ ብኢትዮጵያ፤ ብሶማል፤ ብጂቡቲ ወ.ዘ.ተ… ብዘሳወሮ መጋርያ ሓዊ ምስ ተለብልበ ተጠሊዑ ኣውያት’ምበር ቃታ ስሑቡ ንክከላኸል ኣይፈተነን። ጥሩምባ ሒዙ ኣብ ዝነፍሓሉ ዝቐነየ ግዜ ድማ፣ መለኸት ኣቦይ ልብሱ ሒዞም ዘጫፍርዎ ብቋልያታት ኣይተሳእኑን።

ኣብዚ ናይ ዋጭዋጭታ ቅንያት፣ ብዙሕ ድራማታት ክንዕዘብ ቀኒና ኢና። ሶፍያ ተስፋማርያም ዝተባህለት ምልምልቲ ተዋሳኢት ብህግደፍ ንዝተመልአ ናስትሮ ደርፊ ክትደጋግም ቀንይ ያኢ! መን ኢያ ሶፍያ? ኣበይ ኢዩ ዓዳን ዕውዳን? ኣበይ’ከ ዓበየት? ንሕብረተሰብ፤ ንባህሊ፤ ንሃይማኖታዊ ክብርታት፣ ንታሪኽን ላህጃን ህዝቢ ኤርትራ ዘለዋ ኣፍልጦ’ኸ ክሳብ ክንደይ ዓሚቚ ኢዩ? ንመነባብሮ ኣብ ርሑቕ ገጠራት ኤርትራ፤ ኣብ ከም ማህሚመትን ጢዖን፣ ኣብ ከም ገርገፍን ሃዋሻይትን ወ.ዘ.ተ… ዝነብር ህዝብና’ኸ ትፈልጦ’ዶ ትኸውን? ንታሪኽ ጀጋኑ ኣቦታትና ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣን ዓሊ…ወልደኣብ ወልደማርያም…ዓብደልቃድር ከቢረ ሓምድ እድሪስ ዓዋተን…ወ.ዘ.ተ. ንብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራን ታሪኽ ጀጋኑ ሰማእታትናን ክሳብ ክንደይ ኢያ ትፈልጦን ተኽብሮን? ኣብቲ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ሕዛል ቆልዓ ክሳብ ሽማግለ፤ ጓሉ ወዱ ሳቮያ ንናጽነት ዝብለሉ ዝነበረ እዋን’ከ ሶፍያ ተስፋማርያም ኣበይ ነበረት? ኣብ ሕልማ እንኮ ለይቲ ንጅግንነት ሳልሕ ጠጠውን በርሀ ጻዕዳን’ዶ ርእያቶ ትኸውን?

ኣብ ቅድሚ’ዚ ከም ኮኾብ ሰሜን ን21 ዓመታት ቦትኡ ዘይቀየረ ኣባ-ጓይላ ኮይኑ ብበትሪን ጠበንጃን ከላህየና ዝጸንሐ ገበነኛ ኢሳይያስ፣ በየናይ ዕያር’ከ ተዐቀነት? ኤርትራዊ በዓል መዚ…ኣምባሳደር…ወተሃደራዊ መኮነን…ገዲም ተጋዳላይ…ውፍይቲ ተጋዳሊት የላን ዲያ? ናይቶም ሓንጎሎም ናብ ሳምሶናይት ኣቐሚጦም ናብ ኣኼባ ሶፍያ እግሪን ኢድን ጥራይ ሒዞም ዝኸዱ መስደምም ጉዳይ ኢዩ። እዚ ኢሳይያስ ኮነ ኢሉ ካብ ነዊሕ ዓመታት ኤርትራውያን ኣላሽ ንምባልን…ኣብ ክንዲ ብዝተጋደሉ ትግልገሉ ብዘይ ተጋደሉን ትሕቲ ጽፍሒ ኤርትራውነት ብዝኾኑ ሰባት ክትድከሩ ኢኹም ዘስምዕ ናይ ንዕቀት ስጉምቲ ኢዩ።

ዑቕበ ኣብርሃ ኣብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ናይ ጀነራል ማዕረግ ተዋሂቡዎ ስራሕ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን፦
“…ኩሉ ናይ ሎጂስቲክ ጸብጻብካ ናብ ሓጎስ ገብረሂወት ኢኻ ትሰዶ። ንሚኒስትሪ ምክልኻል ዘድሊ ጠለብ ባጀት ኣብ ዝህልወሉ ግዜ ከኣ ሕቶኻ ናብኡ ኢኻ ተቕርብ” ዝብል ደብዳበ ካብ ኢሳይያስ ተላእከሉ። እዝግሄር የርኢኹም ክርስቶስ የናግርኩም ኣብ ዘይበሃለሉ ዘመነ-ኢሳይያስ፣ ጀነራል ዑቕበ፦

“…ኣነ እቲ ዝኣምነሉን ቅኑዕን ኣሰራርሓ ጸብጻበይ ናብ ፕረዚደንት እየ ከቕርብ። ናብ ሓጎስ ገብረሂወት ጸብጻብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኣየቕርብን እየ” ዝብል መልሲ ድማ ሰደደሉ። ኣብቲ ናይ ምስሕሓብ እዋን ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ዝተሓወሶ ሽምግልና’ኳ ተፈቲኑ እንተነበረ፤ ኣይሰለጠን። ኣብታ ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ናብ ኢሳይያስ ዝሰደዳ ናይ ሽምግልና ደብዳቤ፤ ኢሳይያስ ካልእ ወረቐት ከይቀየረ ኣብ እግሪ’ታ ደብዳቤ ከምዚ ክብል መለሰ፦ “ንዝሃብኩዎ ውሳኔ ለውጢ ኣይገብረሉን እየ።”

ጀነራል ዑቕበ ኣብርሃ ድማ ሓደ ካብቶም ንመንገዲ ኢሳይያስ ዝዕንቅፉ ስለዝነበረ ተኣስረ። ካልእ ተዋስኦ ከኣ ብድሕሪ ምውዳእ ኲናት ግንቦት 2000 ኣብ ፕሪማ-ካንቴሪ /ከባቢ ባረንቱ/ ኣዛዚ እቲ ግንባር /ዞባ ስርሒት ክልተ/ ዝነበረ ሜጀር ጀነራል ፊሊጶስ ወልደዮሃንስን ሓጎስ ክሻን ንሓለፍቲ እቲ ሰራዊት ኣኼባ ገይሮሙሉ ነበሩ።

ክሻ “…ኣብዚ ግንባር ዝነብረ ጉድለታት…” ኢሉ ድኽመታት ዝበሎም ጸብጸበ። ብድሕሪ መደርኡ ሓደ ወተሃደራዊ መኮነን ተንሲኡ፦

”…ዝኸበርካ ኣቶ ሓጎስ ገብረሂወት! ንስኻ ሓላፊ ቁጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ደኣ’ምበር ኣዛዚ ናይዚ ግንባር እዚ ኣይነበርካን። ኣብዚ ግንባር’ዚ ምስ ሰራዊት ወያነ ማይ’ዶ ጸባ ንበሃሃል ዝነበርና ንሕና ኢና። ስለዚ ኣብዚ ዝሓለፈ ኲናት ናይ ግንቦት ይኹን ናይ ቅድሚኡ ከመይ ዝኣመሰሉ ድኽመታት ነይሮም ንዓና እንተገደፍካልና ይሓይሽ” በሎ። ኣይደንጎዩን፤ ብድሕሪ ሓደ መዓልቲ እቲ ሓታቲ መኮነን ተኣስረ።

ኦ! “ኣሜሪካ…ወያነ…ኣሜሪካ” ዝብል ድግምጋም መደረ ሶፍያ ንክትሰምዑ ናብ ኣኼባታት ትጎዩ ዘለኹም ደቀባት ኤርትራውያን፦ ኣብቲ ንሳ ትገብሮ ኣኼባ “…ንሕቶታትና ብብቕዓት ዝምልሱ ኤርትራውያን ሚኒስተራት፤ ኣምባሳደራት፤ ሰብ መዚታት ወይ ኣዘዝቲ ሰራዊት ኣምጽኡልና” ኢልኩም ሕተቱ። ኩቦ ጥሒሉ እምኒ ጸምበለል ኢሉ” ዝበሃል ምስላ ደጊም ከምዚ ኢዩ። ኣበይ ደኣ ኣተዉ እቶም ኣንጊሆም ናብ ጎላጉል ባርካን ኣኽራናት ሳሕልን ስለ ናጽነት ዝወፈሩ ኤርትራውያን! ኣበይ ደኣ ተኸወላ እተን ኣብ ሩባ ሃዋሻይትን ሑጻታት ብሌቓትን ጋም-ማን ዝተዓለማ ውፉያት ዋዕሮታት ደቀንስትዮ ኤርትራውያን!

ዋእእእ! ዓገብ በሉ ኤርትራውያን። ንሃገርን ን5 ሚልዮን ህዝቢን መንግስታዊን ዝምልከት መግለጺ ካብ ሶፍያ ንክትሰምዑ ያኢ! ዘብዘብ ትብሉ ዘለኹም ደቂ ኤርትራ ክብሪ ንሶፍያ ዘይኮነስ እንቅዓ ውርደትን ሕስረትን ተሰኪምኩም ኢኹም ትምለሱ ዘለኹም’ሞ ዝግ ኢልኩም ኣስተውዕሉ። ሶፍያ ሓንቲ ጽባሕ ንግሆ ብህዝቢ ኤርትራ እትፍረድ ዝዋውዕ ዝተሰለመት ከዳዕ ወኻርያ ገደና ኢያ።

ደጊም ይኣክል ስቕታ! ኣንታ ደም ዝነባዕካ ወዲ ሃገር ሎሚ ተዛረብ…ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ከምቲ ገርሀኛ ኮማንድስ ብድሕሪ ውዕሎ ኲናት፦ “እንተ ብጸሎት ኣቦይ፤ እንተስ ብጸሎት ኣደይ ወላዲተይ ንዓይ ንምቕታል ዝተተኮሰት ጥይት ንቆቢዐይ ሃሪማ ከይዳ ኣላ” ዝበሎ፤ እዚ ዕሉል ገበነኛ ሰብ’ዚ ድማ ብዙሕ ግዜ ካብ ሞት ንስክላ ኣምሊጡ ኢዩ። ኢሳይያስ ንሓምሳ ዓመታት ብምስጢር ዝላዕጠጦ ጥጅእ፤ መጺጹ ጥራይ ዘይኮነስ መጉሓፊ’ውን ተሳኢኑዎ ኣሎ። ሎሚ ነታ ገርሀኛ ልብና ካብ ቦትኣ ወጊንና ብሓንቲ ግዝያዊት ልቢ እንተንመራመር፦ ዕሉል ሽፍታ ኢሳይያስ  ኣፈወርቂ ካብ ግዜ ምጅማር ሰብዓታት ንኣከያይድኡ ኣብ እንምርምረሉ ግዜ፤  ሓቀኛ ምስሉ ብንጹር ይረአ ኣሎ።

ዕሉል ከታሪ ኢሳይያስ ወላ’ኳ ን21 ዓመታት ከም ንጉሰ ወዲ እልፉ ባዕሉ ተሸይሙ ኣባ-ጓይላ እንተኾነ፤ ናብ መድረኽ ኣፍ-ኣርክቡ ካብ ዝኣቱ ኣይወሓደን። ደምበ ተቓውሞ ግን ከም ኣንቆራ ንህቢ ኣየት እናተገማምዐን ንከይሰማማዕ ስለዝተሰማምዐን ስርዓት ህግደፍ ሽንፋእ ከም ዝተነጽጎ ድዉይ ካብ ጉዕዞ ንመቓብር ተደናጉዩ ኢዩ። ብድሕሪ ኲናት ባድመ፣ ብፍላይ ድማ ኣብ እዋን ሚለንየም ጉሒላ ኢሳይያስ ‘ተንኮለኛ ጉድጓድ ንኮዓቲኣ’ ኮይኑዎ፤ ህድኣትን ሰላምን ኣይረኸበን።

ኦ! ሓርነትን ሰላምን ንዕስራ ዓመታት ሃረር ዝበልካ ህዝብና ብሓበራ፣ ህዝቢ ቆላን ከበሳን…ብሄራትና ሕመረት መንነትና ደቀባት ኤርትራ…ኣብ ገጠራትን ከተማታትን  ብሓለንጊ ህግደፍ ትግረፍ ዘለኻ ኤርትራዊ ዜጋ…ኣንታ ኣብቲ ጽንኩር እዋን ተጋድሎ፣ ንማይ ብመኽደን ብራሾ ተኻፊልና ዝተጓዓዝና…ኣብ ውዑይን ዝሑልን ኩነታት ከም ጽሩይ ወርቂ ተፈቲንና ዝወጻእና፤ ከም እምኒ ወንጭፍ ዳዊት ንጎልያድ ብእምኒ ሩባ ምስ ጸላኢ ዝተቓለስካ፤ ኣንታ ወግሐ-ጸብሐ ብዘይካ ሞትን ኣውያትን ካልእ ቃል ዘይሰማዕካ ህዝቢ ኤርትራ! ኣንታ ብዘይካ ጥሜትን ሓሳረ-መከራ ግፍዕታት ህግደፍን ካልእ ንቡር ህይወት ዘይትፈልጥ ኣብ ገጠራትን ከተማታትን እትነብር ጅግና ህዝቢ…ንሕና ወገናትካን ፍንጫሕ መሰንገለኻን ንመጽኣካ ኣለና’ሞ ብባህጊ ተጸበየና!

እቶም ውሑዳት ገፋዕቲ፣ እቶም ንሓርነት ህዝቦምን መጻኢ ዕድል መንነቶምን ብካፕሬቶን ቺፋዝን፣ ጽባሕ ብዘይሰፍርዎ ገዛ መንግስቲ፣ ብላንድ ክሩዘር መኪና፣ ጉንዖ ገንዘብን በናኒ ተስፋታት ኢሳይያስን ዝለወጡ ሰብ ጽሮራን ኣብ ደገ ዝነብሩ ይርሓሰና በሃልቲ መጣቓዕቲን፤ ህዝቢ ኤርትራ ሳንቲም ብሳንቲም ክጸባጸቦም ኢዩ።  እቲ ምንታይ ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ንዝጸንሖ ስቕታ ሰይሩ ናብ ደርማስ ለውጢ እጅግኡ ሰብሲቡ ተበጊሱ ስለዘሎ።

“ናይ ሞት ይጽናሕ፣ ናይ ሕልፈት ይበኸ” ከም ዝበሃል፤ ናይ ኢሳይያስ ከይኣክል፣ ከም ስርዓት ሰሜን ኮርያ እነሆ እቲ ኣብ ዓራርብ ዝተወልደ ወዲ 26 ዓመት ኣብርሃም ወዱ’ውን ወራስ ዓራት ኮይኑስ ዳግማዊ ኢሳይያስ ንምዃን ቅብኣ-ነገስት ንክቅባእ ምሽብሻብ ይግበር ኣሎ። ሰንሰለት ኣባ-ጓይላ ንከይብተኽ ኢሳይያስ ንኣብርሃም ወለደ፤ ኣብርሃም ድማ ተመርዕዩስ መርዓቱ’ውን ነፍሰ-ጾር ከም ዘላ ሰሚዕና። ዘርኢ ኤርትራዊ ተበቲኹ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ካብ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ክሳብ 1991፤ እንደገና ከኣ ኣብ ኲናት ባድመን ክሳብ ሎሚ ብዝግበር ዘሎ ስደትን ተበታቲኹ ኢዩ። እቲ ተስፋ ዝተገብረሉ ቁርሱስ እንኮ ውላድ ኤርትራ ድማ ኣብ ምድረ-በዳ ሲናይ ኮላሊቱ እናተሸጠ ሓመድ ኣዳም ዝሰኣነ ሞት ንክመውት ተፈሪዱዎ ኣሎ።

ሎሚ ተንስእ ወዲ ኤርትራ! ተጣዒስካ ናብ ዘይምለስ ዘለኣለማዊ ውርደት ከይትኣቱ፣ ሎሚ ንክሳድ እዚ ን21 ዓመታት ኣባ-ጓይላ ኮይኑ ደም ዘንብዓና ኢሳይያስ ከም መሸላ ብተኽ!!

ብተመሳሳሊ ትሕዝቶ ክሳብ እንራኸብ ሰናይ ቅነ!   
This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.
website:alenaforever.org

ኣለና ብውሽጢ፣ ኣለና ብደገ!

ሞት ክናና ንኢሳይያስ!!

ይቕጽል…


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...