ብቑዕን ተወዳዳሪን ኣገልግሎት ትምህርቲ ብምቕራብ ፍልጠት ዝደለቡን ብትምህርቲ ዝበሰሉን ዜጋታት ብምፍራይ ሓንቲ ሃገር ኣብ ቁኑዕ ጎደና ምዕባለን ልምዓትን ንክትምርሽ ካብ ዝሕግዝዎ ወሰንቲ ረቋሒታት ሓደ እዩ፡፡ ምኽንያቱ ዝኾነ ሕብረተሰብ ማይ ፍልጠት ብዝሰተዩ ዜጋታት እዩ ካብ ድሕረትን ድንቁርናን ተላቒቑ ምስ ዘመናዊት ዓለም ብማዕረ ክስጉምን ስልጥንቲ ዓለም ኣብ ምፍጣር ግዲኡ ከበርክትን ዝኽእል፡፡ ሕረተሰብ ኤርትራ’ውን ነዚ ኣድማሳዊ ሓቂ’ዚ ካብ ጥንቲ ጥቅምቲ ኣትሒዙ ስለዝግንዘቦ፡ ንዝተምሃረ ሰብ ዘኽብርን ንሊቃውንቲ ፍሉይ ማሕበራዊ ቦታ ዝህብን ክቡር ባህሊ ጸኒሕዎ እዩ፡፡ “ዘይተማህረ ነየድሕን፡ ዘይተወቕረ ነየጥሕን” ዝብል ምስላ ሕብረተሰብና ንትምህርቲ ዝህቦ ክብርን ኣብ ትምህርቲ ዘለዎ ኣውንታዊ መረዳእታን ዝገልጽ ቀሊል ኣብነት እዩ፡፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኣብ ሃገርና ግን እዚ ንትምህርቲ ዘኽብር ዝነበረ ስልጡን ማሕበረሰባዊ ፍልስፍና እናተባሕጎጎን ብካልእ ንዕኡ ዘቆናጽብ ኣዕናዊን ዘየሰጉምን ኣተሓሳስባ እናተተከአ ክኸይድ ዘየስተብሃልና እንተሊና ውሑዳት ጥራይ ኢና ክንከውን ንኽእል፡፡

ኣብ’ዚ እዋን ኣብ ሃገርና እናገነነ ዝመጽእ ዘሎ “ዝተምሃሩ ኣበይ በጺሖም” “ብትምህርቲ ኣይሓልፈልናን’ዩ” ዝብል ኣጉል ኣተሓሳስባ ከም ሳዕቤኑ ዝረአ ዘሎ ኣብ ትምህርቲ ናይዘይ ምግዳስ ተርእዮን ንጹር መርአያ ምንቁልቋል ክብሪ ትምህርቲ እዩ፡፡ እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ስነ-ኣእምራዊ ሱር ክሰድድ ካብ ዝጅምር ውሕድ ኣይነበረን፡፡ ቀንዲ ተጠቃማይ ናይ’ዚ ኣተሓሳስባ እዚ ድማ እቲ ኣብ ዕድመ ትምህርቲ ዝርከብ መንእሰይ ትወልዲ ምኻኑ ኣዝዩ ኣተሓሳሳቢ እዩ፡፡ ብፍላይ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ሃገርና ነዚ ጉዳይ’ዚ ዝምልከት ሓቀኛ መጽናዕቲ እንተዝግበር ክንደይ ካብ ሚእቲ ብትምህርቲ ብሩህ መጻኢ ዝረኣዮም ተማሃሮ ክርከቡ ይኽእሉ ኢልካ ክትሓስብ ከለኻ ኣመና እዩ ዘተሓሳስበካ፡፡ እዚ ኩነታት’ዚ ብዘይምኽንያት ከምዘይተፈጠረ ርዱእ እዩ፡፡ ብሕጽር ዝበለ መንግስቲ ህግደፍ ትምህርቲ ከም መባኸኒ ግዜ ንኽረአ ዘግድድ ክውንነት ኣብ ሃገርና ኣንጊሱ ስለዘሎ ንትምህርቲ ከም ዘተኣማምን መንገዲ ሂወት ገይሩ ዝርኢ ትውልዲ እናጠፍአ ይመጽእ ኣሎ፡፡

ብርግጽ ትምህርቲ ናብ ሸቶኻ ዘብጽሕ ጎደና’ምበር ንባዕሉ ሸቶ ኣይኮነን፡፡ እዚ ማለት ናይ መወዳእታ ሸቶ ትምህርቲ ዝሓሸን ብሩህን ሂወት ምምራሕ እዩ፡፡ ናይ ሎሚ ኤርትራ ግን ዜጋታታ ብትምህርቲ ክነብሩላ እትምችእ ሃገር ኣይኮነትን፡፡ እዚ እዩ እምበኣር መሰረታዊ ምንጪ ናይቲ ኣብ መንእሰያትና ሓዲሩ ዘሎ ጽልኣት ትምህርቲ፡፡ ብኣተሓሳስባ ብዙሓት መንእሰያትና ኣብ’ዚ እዋን ኣብ ውሽጢ ሃገር ብትምህርቲ ክንበር ከምዘይከኣል እናተረደአላ ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ምቕጻል ጩራ ብርሃን ኣብ ዘይትሪአሉ ገለርያ ጸላም ኣቲኻ ምጉዓዝ ማለት እዩ፡፡ እዚ ኣተሓሳስባ’ዚ ግን ነዚ ሕጂ ዘሎ ስርዓት ነባሪን ዘለኣለማዊን ጌርካ ካብ ምግማት ዝብገስ ሰንኮፍ ኣተሓሳስባ ስለዝኾነ ክእረም ይግባእ፡፡ እቲ ምንታይ ስርዓታት ነበርቲ ኣይኮኑን ግዜን ቦታን ዘይብሉ ትምህርቲ ድማ የለን፡፡

ህልው ኩነታት ኤርትራ ቅድሚ ምፍጣሩ ኣብዝነበረ እዋን ንድሕሪት ምልስ ኢልና ንሕሉፍ ኩነታት ትምህርቲ ሃገርና እንተዳህሲስናዮ ዘተስፉ ኣንፈት ከምዝነበሮ ኢና ንዝክር፡፡ ተምሃሮ ኣብ ነንሕድሕዶም ንኡድ ናይ ምውድዳር መንፈስ ነይርዎም፡፡ ካብ መማህርትኻ ዝበልጽካን ዝነፋዕኻን ምኻን ዝግበር ካብ ቅዱስ ቅንኢ ዝብገስ ውድድራት ኣብ ውሕዳት ዘይኮነ ኣብ ብዙሓት ተምሃሮ ዝረአ ዝነበረ እዩ፡፡ መምህሩ ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ነጥቢ ዘጉደለሉ ተምሃራይ ምስ መምህሩ ክካታዕ ምርኣይ ንቡር እዩ ነይሩ፡፡ ዝኾነ ተምሃራይ ትምህረቲ ኩቡር ምኻኑ ዝርዳእን ብትምህርቲ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ክበጽሕ ዝትስፎን እዩ ነይሩ፡፡ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ጉድለት ድስፕሊን ነጥቢ ብምጉዳል ዘቕጽዕ ስለዝነበረ ተምሃሮ ብድስፕሊን ንኽህነጹ ኣስተዋጽኦ ነይርዎ፡፡ መምህራን ጾር ዘምሃሮም ሕብረተ-ሰብ ዘፋኹሱ ዜጋታት ናይ ምህናጽ ረዚን ሕድሪ ዝስከሙ ከም ምኻኖም መጠን ልዑል ኣኽብሮት ይወሃቦም ነይሩ፡፡ ኣብ መላእ ሃገር ሓንቲ ዩኒቨርስቲ ጥራይ ብምንባራ ብሰንኪ ጽበት ቦታ ዓመታዊ ናብኣ ዝኣትው ዝነበሩ ተምሃሮ ካልኣይ ደረጃ ውሕዳትን ብሉጻትን እዮም ነይሮም፡፡ ሓደ ካብዚኦም ውሕዳትን ብሉጻትን ምኻን ዝሓቶ ዝነበረ ጻዕሪ ድማ ቀሊል ኣይነበረን፡፡ ናይ ዩኒቨርስቲ ትምህርቶም ብብቕዓት ዝዛዝሙ ዝነበሩ ዜጋታት በብዝተምሃርዎ ዓውድታት ክሳብ ብደረጃ ሓላፍነት ኣብ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላት ተቖጺሮም ብምስራሕ ደረጅኡ ዝሓለወ መነባብሮ ይንብሩ ነይሮም፡፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ምርምራዊ ስርሓት እናተዋፈሩ’ውን ኣብ ቁጠባዊ ልምዓት እጃሞም ንኸበርክቱ ዝሓሸ ዕድላት ነይርዎም፡፡ ብደረጃ ትምህርቶምን ኣበርክትኦምን ብሕብረተ-ሰብ ዝወሃቦም ዝነበረ ክብሪ ድማ ብኡ መጠን ዓቢ እዩ ነይሩ፡፡እዚ ኩሉ ግን ሎሚ ነበራያ ነበረ ኮይኑ፡፡

እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ዘተስፉ እዋን ተበሪዙ ኩነታት ትምህርቲ ሃገርና ምስ ደብዘዘ ተምሃሮ ጥራይ ዘይኮኑ ሕብረተ-ሰብ ብሓፈሻ ‘ውን ኣብ ትምህርቲ ዝነበሮ ኣውንታዊ ኣመለኻኽታ ኣብ ምልክት ሕቶ እናኣተወ መጺኡ፡፡ ኣብ’ዚ እዋን ናብታ ህይወት ግዱድ ዕስክርና ኣሃዱ ኢሉ ዝጅምረላ መዓስከር ሳዋ ንዘይምኻድ ደይ መደይ ኢልካ ኣብ ምርመራ ምትራፍን ክፍሊ ምድጋምን እናገነነ መጺኡ፡፡ ሕሉፍ ሓሊፍካ መምህርካ ነጥብኻ ኣትሒቱ ከትርፈካ ምልማን ተለሚዱ፡፡ ካብቲ ዝገርም ኣብ ክፍሊ ጉድለት ድስፕሊን ንዘርኣየ ተምሃራይ ነጥቢ ብምውሳኽ ምቕጻዕ ተጀሚሩ፡፡ ተምሃሮ ዩኒቨርስቲ እውን ትምህርቶም ምስ ዛዘሙ ብኣገልግሎት ናብ ዝሰርሐለን ትካላት መንግስቲ ጥራይ ክምደቡ ስለዝጀመሩ እቲ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ዝጀመረ ኣብ ትምህረቲ ግዜ ናይ ምብኻን ኣካይዳ ኣብ ዩኒቨርስቲ’ውን ክረአ ጀሚሩ ነይሩ፡፡ እዚ ተርእዮ’ዚ ኣብተን ድሕሪ ምዕጻው ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ዝተኸፍታ ብኮሌኔላት ዝመሓደራ ኮሌጃት’ውን ብሰፊሑ ዝንጸባረቕ ዘሎ እዩ፡፡ እዚ ማለት ግን ሳዋን “ሃገራዊ ኣገልግሎት”ን ጥራይ እዮም መንፈስ ጽልኣት ትምህርቲ ንኽሓድሩ ዝገብሩ ዘለው ማለት ኣይኮነን፡፡ እቲ ቀንዲ ንመንእሰያትና ምስ ትምህርቲ ንኽባተኹ ዝገበሮም ምኽንያት እቲ ኣብ እዋን ትምህርትን ድሕሪ ትምህርትን ዘሎ ሂወትን ኣተሓሕዛን መንግስቲ ህግደፍ እዩ፡፡

መንግስቲ ህግደፍ ነተን ከም መተካእታ ናይታ “ስግኣት’ያ” ኢሉ ዝዓጸዋ ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ክኾና ዝኸፈትን ኮለጃት ናብ ወታደራዊ መዓስከራት ቀይሩ ብጽኑዕ ወታሃደራዊ ሕጊ ተቐይዶም ዝሰርሑ ነቐፌታዊ ሕቶታት ዘየልዕሉ ዝተብሃልዎ ጥራይ ዝፍጽሙን ምሩቓት ንምፍራይ ይሰርሕ ከምዘሎ ናይ ኣደባባይ ሚስጢር እዩ፡፡ እቲ ካብዚ ዝኸፍአ ተግባሩ ግና ነዞም ኣብ ትሕቲ ከምዚ ዝኣመሰለ ጸቕጢ ከም ዝመሃሩ ዝገበሮም መንእሰያት ኣብ ናይ ስራሕ ዓለም ምስ ተዋፈሩ እውን ግቡእ ደሞወዝ ከም ዘይረኽቡ ብምግባር ማሕበራዊ ክብሪ ብምንፋግን ሞይኦም ዘማዕብሉሉ ባይታ ብምኽላእን ሓገዝትን ኣበርከትን ዘይኮነ ሰከም ስድራቤታትን ሕብረተ-ሰብን ንኽኾኑ ምፍራዱ እዩ፡፡ መቸም መድሕን ክትኮና ናይ ዘለዋ ነጊፋ ዘምሃረትካ ስድራቤት ሰከም ኮይንካ ክትምለሳ ከለኻ ዝፈጥሮ ምረትን ብስጭትን ንምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን፡፡ ካብ’ዚ ዝኸፍአ ድማ እቲ ተማሂሩ ሰከም ስድራቤቱ ዝኸውን ዜጋ ናይ ርእስኻ ምኽኣል ሞዴል ክኸውን ብዘይምኽኣሉ መመሰሊ ጽልኣት ትምህርቲ ንናእሽቱ ኣሕዋቱን ኣሓቱን ይኾውን፡፡ ከም ሳዕቤኑ ድማ ንናእሽቱ ኣሕዋቱን ኣሓቱን “ሰጥ ኢልኩም ተምሃሩ” እናበለ ክምዕድ ኣብ ዝፍትንሉ እዋን “ንስኻ ተማሂርካ እንታይ ጌርካ” ዝብል ርእሲ ዘድንን መልሲ ይወሃቦ፡፡

ኣብዚ ዘለናዮ ዘመን ተማሂሮም ግቡእ ማሕበራዊን ቁጠባዊን ደረጅኦም ዘይረኸቡ ዜጋታት ዝርከቡላ ሃገር እንተሊኣ ኤርትራ ጥራይ እያ ምባል ምግናን ኣይከውንን፡፡ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ክብሪ ትምህርቲ ናብ ዝተሓተ ደረጃ ብምውራዱ ከምቲ ገለ ተዋዘይቲ ዝብሉዎ ሰብ ባጀላን ሰብ ባዴላን ብጉልባብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ተመሳሳሊ ማለት ኣዝዩ ትሑት ደመወዝ ይኽፈሉ፡፡ እዚ ኩነታት እዚ ዝፈጠሮ ማሕበረ ቁጠባዊ ወጽዓ ሕማቕ ኣታሕዛ መንግስቲ ተደሚርዎ ጠንቂ ፍልሰት ሙሁራት (Brain Drain) ይኸውን፡፡ ካብ ቅድሚ 11 ዓመት ጀሚሩ በዚ ምኽንያት’ዚ ካብ ሃገር ዝፈልሱ ዘለው ሙሩቓት ኣሻሓት እዮም፡፡ ካብዚኣቶም ብጀካ ውሕዳት አብ ኢውሮጳን ኣመሪካን ዝሓሸ ዕድላት ዝተኸፈተሎም ዝበዝሑ ካልኦት ሕሱር ስራሕ እናሰርሑ ናብራ ስደት ዝመርሑ እዮም፡፡ ብዘይካ’ዚ መንግስቲ ህግደፍ ኣንጻር ረብሓ ዜጋታቱ ደው ዝበለ ስርዓት ስለዝኾነ ነዞም ናይ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ዛዚሞም ካብ ሃገር ዝስደዱ ዘለው ዜጋታት ኣቐዲሙ ናይ ትምህርቲ ሰነዳቶም ከም ዘይረኽቡ ብምግባር ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝንፈጎም ዕድላት ተሰዲዶም’ውን ከይረኽብዎ ንምዕንቃፍ ከይደቀሰ ይሓድር ምህላው እቲ ካልእ ንሰማዒኡ ዘስደምም ተግባሩ እዩ፡፡

ጽላት ትምህርቲ ሃገርና ከም ካልኦት ኩሎም ጽላታት ብፍልጠትን ትምህርትን ዘይኮነ ብሃውሪ ዝምራሕ ጽላት እዩ፡ እዚ ጽላት’ዚ ዋላ’ኳ ሓያል ወፍሪ ይግበረሉ ከምዘሎ ዘምስል ተደጋጋሚ ዜናዊ ዘመተ ዝካየደሉ እንተኾነ ኣብዚ እዋን እዚ ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ለሚሱ ኣሎ ክበሃል ይከኣል፡፡ ጠንቂ ልምሰቱ ድማ እቲ ህግደፍ ኮነ ኢሉ ኣብ ምሕደራ ትምህርቲ ዝኽተሎ ምስሉይን ንዓቕሚ ዜጋታት ማእኸላይ ቦታ ዘይህብን ኣካይዳ እዩ፡፡ ነዚ ንምብራህ ሓደ ክልተ ኣብነታት ጥራይ ምጥቃስ እኹል እዩ፡፡ ንኣብነት ክብሪ ሞያ ምምህርና ኣብ ኤርትራ ከመይ ነይሩ? ከመይ ከ ኣሎ? መልሲ ናይዞም ሕቶታት ንምርካብ ኣብዘን ዝስዕባ ንክብሪ ሞያ ምምህርና ዘቆናጽባ ቃላት ላዕለዎት ሓለፍቲ ነስተብህል፡-

“ምምህርና ፍሉይ ሞያ ኣይኮነን፡፡ ኩሉ ቢ.ኤ.ን ቢ.ኤስ.ሲን ዲግሪ ዘለዎ ሰብ መምህር ክኾውን ይኽእል እዩ፡፡” ቃል ሚኒስተር ትምህርቲ ነበር ናይ ሎሚ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻእ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ኣብ ሳዋ 2004
“ኣብ’ዚ እዋን ምምህርና ኣብ ሕብረተሰብና መውሰቦ ዝኽልክል ሞያ ይኾውን ከምዘሎ ርዱእ እዩ፡፡ እንተኾነ ግን እቲ ዝዓበየ ናይ ዓቕሚ ሰብ ሃጓፍ ዘጋጠመና ኣብዚ ሞያ’ዚ ስለዝኾነ ሎሚ ኣብ ብዙሓት ተምሃሮ ኣብ ኮሌጅ ክንምድብ ኢና” (ቃል ምክትል ፕረዚዳንት ኣካዳሚያዊ ጉዳያት ኮሌጅ ማይ ነፍሒ ዶክተር ገብረብርሃን ኣብ ሳዋ 2009)

ክብሪ መምህርን ምምህርናን ኣብ ኤርትራ ማዕረ ክንደይ ኣንቆልቂሉ ከምዘሎ ንምርዳእ ልዕሊ እዘን ኣብ ላዕሊ ሰፊረን ዘለዋ ቃላት ምስክር ኣየድልን፡፡ ነዞም ተስፋ ሃገር ዝኾኑ ዜጋታት ኣብ ምህናጽ ዓቢ እጃም ዘለዎም መምህራን ኣትሕቱ ዝጥምት ስርዓተ ምሕደራ ከመይ ኢሉ እዩ ዓይነታዊ ዜጋ (Quality Citizen) ዘፈር ኣገልግሎት ትምህረቲ ቀሪቡ ክብሪ ትምህርቲ ዘረጋግጽ? መልሲ ናይ’ዚ ሕቶ’ዚ ከይተመለሰ ምሉስ እዩ፡፡
ህግደፋዊ ምሕደራ ትምህርቲ ብጉልባብ ዓውሎማ (Globalization) ንዓቕሚ ዜጋታት ከም ወሳኒ ረቋሒ ዘይርኢን ንዓቕሚ ወጻእተኛታት ክኢላታት ዘምልኽን ምኻኑ ንምርዳእ ነዚ ዝስዕብ ቃል ንመልከት፡-
“ንስኹም ናብ ሃገርኩም ተመለስኩም ኣይተመለስኩም ብዙሕ ዘሕስበና ኣይኮነን፡፡ ሳላ ዓውሎማ ዝተስኣነ የለን፡፡ ካብ ህንድን ፓኪስታንን ክኢላታት ኣምጺእና ክንሰርሕ ንኽእል ኢና” ቃል ፕረዚዳንት ኢሳያስ ኣፈወርቅ ኣብ እዋን ርክብ ምስ ኤርትራውያን ተምሃሮ ዩኒቨርስቲ ፕረቶሪያ ደቡብ ኣፍሪቃ -2002
ፕረዚዳንት ኢሳያስ ነዚ ቃላት እዚ ከውጽእ ዝደፈረ እቶም ተምሃሮ ብትምህርቶም ስለ ተመክሕሉ ዘይኮነ ንጉዳይ ሃገር ዝምልከቱ በዳህቲ ሕቶታት ስለዝሓተትዎ እዩ፡፡ ኣብ’ዚ ክዝንጋዕ ዘይብሉ ግን ኣብ’ዚ ዝሓለፈ 10 ዓመት ዋላ እኳ ብመሰረት ቃል ኢሳያስ ኣማኢት ህንዳውያን ፓኪስታናውያንን ናብ ኤርትራ ኣትዮም ኣብ ሞያ ምምህርና እንተተዋፈሩ ጽላት ትምህረቲ ሃገርና ግን ብሓያል ብኽነት ካብ ምስቓይ ኣየዕረፈን፡፡ እዞም ህንዳውያንን ፓኪስታናውያንን ዝኽፈልዎ ደመዎዝ ኤርትራውያን መምህራን እንተዝኽፈሉዎ ነይሮም ኣብ ኣገልግሎት ትምህርቲ ዓይነታዊ ለውጢ መተመዝገበ ነይሩ፡፡ ምምህርና’ውን ከምቲ ዶክተር ገብረብርሃን ዝበሎ ‘’መውስቦ ዝኽልክል ሞያ’’ ኣይሞኾነን፡፡ እዚ ብዘይምኻኑ ዓመት መጸ ዝረአ ዘሎ መጠን ብኽነት (wastage) ኣተሓሳሳቢ ኮይኑ ኣሎ፡፡ ንኣብነት ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቶም ንምዝዛም ዓመታዊ ናብ ሳዋ ዝወርዱ ተምሃሮ ኣስታት 17,000 ይበጽሑ፡፡ ካብዚኣቶም እቶም 3,000 ጥራይ መሕለፊ ነጥቢ ረኺቦም ይሓልፉ፡፡ ዕጫ ናይቶም ዝተረፉ 14,000 እንታይ ከምዝኾውን ድማ ከይተሓልመ ዝተፈትሐ እዩ፡፡ እዚ ክንዲ’ዚ ዝኣክል ብኽነት ኣብ ውሽጡ ጸይሩ ዝጓዓዝ ስርዓተ-ትምህርቲ እዩ እምበኣር ብቓላት መራኸቢ ብዙሃን ህግደፍ ተጸባቢቑ ዝቐርብ፡፡

ንምጥቕላል ብሓፈሽኡ ክረአ እንከሎ ኣብ ሃገርና ዝረአ ዘሎ ተርእዮ ምንቁልቋል ክብሪ ትምህርቲ ኣሻቓሊ ኣንፈት ሒዙ ይጓዓዝ ኣሎ፡፡ ናይ’ዚ ተርእዮ እዚ እንኮ ተሓታቲ ድማ እቲ ንስለ ፕሮፖጋንዳዊ ሃልኪ ክብል ኣብ ትምህርቲ ልዑል ወፍሪ ዝገብር ዘሎ እናመሰለ ብግብሪ ግን ደይ መደይ ኢሉ ትምህርቲ ዝጽይንን ምሁር ዝንዕቕን ሕብረተ ሰብ ንምፍጣር ዝሰርሕ ዘሎ መንግስቲ “ህዝባዊ” ግንባር እዩ፡፡

“ህዝባዊ” ግንባር ፍጥር ክብል ኣትሒዙ ንሙሁራት ብዓይኒ ጥርጣረን ስግኣትን ዝጥምት ውድብ ምንባሩ ብዙሓት ድሕሪ ናጽነት ነቐፌይታዊ ኣጠማምታ ዘማዕብሉ ገዳይም ኣባላቱ በጨቕ ዘብልዎ ሓቂ እዩ፡፡ መሪሕነት ናይ’ዚ ውድብ’ዚ ነቲ ኣብ ታሪኹ ንፈለማ እዋን ዘጋጠሞ ናይ 1973 ናይ ምሁራን ብድሆ ብዘየዳግም መልክዑ ድሕሪ ምድቋሱ ነቲ ጸረ ምሁር ኣመለኻኽትኡ ዕላዊ ገይርዎ ጥራይ ዘይኮነ ንካልኦት ሰውራውያን ሓይልታት ጎረባብቲ ሃገራት እውን “ብሰውራ ሓረስቶት ኢኹም ክትዕወቱ ትኽእሉ፡፡ ሙሁራት ፋይዳ የብሎምን” እናበለ እከይ ምኽሪ ክሳብ ምልጋስ በጺሑ ነይሩ እዩ፡፡

ከምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ኣብቲ ውድብ ካብ ዝነገሰሉ እዋን ጀሚሩ ባህሪን ተፈጥሮን “ህዝባዊ” ግንባር ከይተረድኡ ብናይ ምግዳል ሃረርታ ጥራይ ተደሪኾም ናብቲ ውድብ ዝተሰለፉ ሙሁራት ኣብ ሓደገኛ ናይ ኩናት ዞባ እናተመደቡ ብጉልባብ መስዋእቲ ንኽሞቱ ተፈሪዶም እዮም፡፡ እቶም ጥይት ጸላኢ ዘይሓረየቶም ድማ ሓደው ኣብቲ ውድብ ድሩት ኣበርክቶ ጥራይ ከም ዝህልዎም ተገይሮም ሓደው ድማ ጋህስታት ሓለዋ ሰውራ ውሒጥዎም ተሪፎም እዮም፡፡ ኣብ መሰረታት “ህዝባዊ” ግንባር ብውሽጢ ውሽጢ ዝንዛሕ ዝነበረ “ሙሁራት ፈተውቲ ነብሶምን ተበለጽትን እዮም” ስለዚ “ብዓይኒ ጥርጣረ ክረኣዩ እዩ ዘለዎም” ዝብል መርዛም ዘመተ ኣብ ኣባላት ናይዚ ብሓረስቶት ዝዕብለል ዝነበረ ውድብ ዝፈጠሮ ናይ ጸረ ምሁር ስነ-ኣእምሮ ኣብ ኣሰራርሓ ናይ ሎሚ መንግስቲ “ህግደፍ” እውን ብግህዶ ካብ ምንጽብራቕ ዓዲ ኣይወዓለን፡፡

እዚ ውድብ’ዚ ካብ በረኻ ናብ ዓዲ ኣትዩ መንግስቲ ምስ ኮነ ከም በረኸኛ ውድብ ዘይኮነ ከም መንግስቲ ክንቀሳቐስ ትጽቢት እንዳተገብረሉ ከሎ ነቲ ኣብ በረኻ “ኣዐዊቱኒ እዩ” ኢሉ ዝኣምነሉ ሕጊ ጨካ ከምዘለዎ ክጥቀመሉ ብምምራጹ ድሕሪ ናጽነት ሃገርና ክትጥቀመሉ ትኽእል ዝነበረት ዕቑር ዓቕሚ ምሁራት ዜጋታትና አባኺንዎ እዩ፡፡ ክሳብ ካብ ስደት ተመሊሶም ኣብ ህንጸት ሃገር እጃሞም ንምብርካት ካብ ሩሑቕን ቀረባን ናብ ኤርትራ ዝወሓዙ ምሁራን ተስፋ ኣቑሪጹ ነናብ ዝነበርዎ ከምዝምለሱ ገይርዎም፡፡ እቶም ዝርካቦም ካብ ሜዳ ዝኣተው ኮነ ኣብ ዓዲ ዝጸንሑ ምሁራት’ውን ሓደው ከምዝለምሱ ተጌሮም፡ ሓደው ድማ ከምዝስደዱ ኮይኖም፡፡ በዚ ምኽንያት’ዚ ኣብ’ዚ እዋን ዕቑር ዓቕሚ ምሁራት ዜጋታትና ከም ዘይናትና ኣማዓዲና እንርእዮም ሃብቲ ዓዲ ጓና ኮይኑ ኣሎ፡፡

መንግስቲ “ህዝባዊ” ግንባር ምትእኽኻብ ምሁራት ዘባህርሮ መንግስቲ ክሳብ ዝኾነ ኣብ ኤርትራ ንምሁራት ዝኾውን ባይታ ክፍጠር ዘይሕሰብ እዩ፡፡ እዚ ባይታ’ዚ ብዘይ ምህላው ጥራይ ብግብራዊ ኣበርክቶ ምሁራት ክዕረ ዝኽእል ዝነበረ ጉዳያት ክዕረ ብዘይምኽኣሉ ሃገርና ኣጋጢሞምዋ ዘለው ሽግራት ብዙሓት እዮም፡፡ ንኣብነት ማሕበራዊ ቁጠባዊ ኩነታት ሃገርና ብፍልጠት ዝመርሖ ኣካል ሲኢኑ ብናይ ባጋሚዶታት ሃውራዊ ኣካይዳ እናተዛወረ ህዝብን ሃገርን ናብ ዝለከመ ውድቀት ኣምሪሑ፡፡ ፖለቲካ ሃገርና ናብ ዲሞክራስን ማዕርነትን ገጹ ዘእንፍቶ ኣራሚ ሓይሊ ንኸይረክብ ዕጽው ብምኻኑ ካብ ባህሊ ክፉት ዘተ ተሓሪሙ መርወይ ሽውሃት ሓደ ውልቀሰብ ኮይኑ፡፡ ብሰንኪ ዓንዳሪ ፖሊሲ ዝምድናታት ወጻኢ ሃገርና ተበላሽዩ፡፡ ህዝብና ምስ ህዝብታት ጎረባብቲ ሃገራት ዝነበሮ ታሪኻዊ ዝምድናታት ንኽበትኽ ተገዲዱ፡፡ ብሓፈሽኡ ሙሁራት ዜጋታት ጥራይ ዘይኮኑ ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ኣብ ውሽጢ ሃገር ኮይኑ በብዓቕሙ ሃገር ናይ ምቅናዕ ዜግነታዊ ግዴትኡ ከይፍጽም ተታሒዙ ኣሎ፡፡ ይኹን”ምበር ሕጂ’ውን ኩሉ ብሃገሩ ዝግደስ ዜጋ ንሽርሒን ተንኮላትን ህግደፍ ኢዱ ከይሃበ ሃገር ናይ ምድሓን ሓላፍነቱ ምስ ዝስከም እዩ ኤርትራ ርሑቕ ኣብ ዘይኮነ ግዜ ክብሪ ትምህርቲ ጥራይ ዘይኮነ ክብሪ ወዲ ሰብ’ውን ዝረጋገጸላ ሃገር እትኸውን’ሞ ሃየ ደኣ ኢደይ ኢድካ ንበል!

ጋዜጠኛ ኣማኒኤል ማህደረ
This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

March 2012


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...