ዝኸበርኩም ኤርትራውያን ሰላም ከመይ ቀኒኹም እምብኣር ክሳፅ ንፅወት ቃልስና ቀጻሊ ስለ ዝኾነ ናብቲ ልሙድ ሃገራዊ ፅላልና ከስግረኩም፡ ንሕና ከም ኤርትራውያን ኣብ እዚ እዋን እዚ፡ እቲ ከነምጽኦ ዝድለ ለውጢ ካብ ዘለናዮ ኩነታትን ዘለና ዓቕምን ዝነቅል ስለ ዝኾነ፡ ዘለናዮ ኩነታትን ዘለና ዓቕምን ምምዛን ኣገዳሲ ኢዩ፡ እቲ ኩሉ ኣብ'ዚ እዋን እዚ ዝጻሓፍ ዲዩ ዝዝረብ ካኣ ኣብ ተስፋን ትምኒትን ጥራይ ዝተሞርኮሰ ብምዃኑ ብዛፅባ ህልው ኩነታት ናይ ምምዛን ጸገም ኣብ ብዙሓት ኢዩ ዘሎ፡ ክንፈልጦ ዘለና ግን ናይ ሓቂ ቃልስና ሓይሉ ህዝብና ብቑልጡፍ ክርህዎ ንደሊ እንተዳኣ ኴና እቲ ተሪፉ ዘሎ ብዙሕ ስራሕን ተወፋይነትን ዝሓትት ከም ዝኾነ ምፍላጥ የድሊ።

ስለ'ዚ ባይቶ ክህልወናን ካብኡ ብዙሕ ክንጽበን ናይ ግድን ኢዩ፡ ምኽንያቱ ቃልስና ኣብ ውረድ ደይብ ንብዙሕ እዋናት ስለ ዝኸደ ሽግርና'ውን ዓለም ተረዲኡዎ ስለ ዘሎ ናብ ሕብረተ ሰብ ዓለም እንቐርበሉ ሓደ ጥርኑፍ ሓይሊ የድሊ ኢዩ፡ ከምኡ'ውን ከም ባህሊ ካብ ኣቦታትና ብባይቶ ኣቢሎም ንዝኾነ ሽግራቶም እንዳፈትሑ ብሰላም ይነብሩ ከም ዝነበሩ ኢና ንፈልጥ፡ ዝኾነ ኣብ እዋኖም ዘጋጥም ዝነበረ ሽግራት ካኣ ብፍትሓዊ መነገዲ ከማሓድርዎ ኔሮም ኢዮም፡ ስለ እዚ ህዝቢ ትኣኪቡ ሽግራቱ ኣብ ምፍታሕን ሰላም ኣብ ምውሓስን ዝሕግዝ ዓውደ ዘተ ስለ ዝኮነ ባይቶ ብሕልፊ ንኣና ናይ ነዊሕን ነባርን ሽግር ዘለና ኣድላይነቱ ፅዙዝ ኢዩ፡ ኩልና ንፅዘቦ ከም ዘለና ካኣ ዓለም ሽግራቱ ንምፍታሕ ዝግልገለሉ ዘሎ ኣገባብ ኣፈታትሓ ናይ ዝኾነ ውልቃዊ ጸገም ወይ ሃገራዊ ሽግር ኢዩ፡ ስለ'ዚ እንታይ ክውሰኾ እንታይንከ ክጎድሎ ኣለዎ ካብ ዝብል ሓሊፍካ ካልእ ኣታሓሳስባ ንድሕሪት ዝመልስ ጥራይ ክኸውን ኢዩ ዝኽእል።

ከም ኤርትራውያን ካኣ ምሉእ ናጽነት ሃሊዩና ብግዝኣተ ሕግን ብባይቶን ክንነብረሉ እንኽእል ኩነታት ፈጢርና ብሰላም ንኽንነብር ኢና ብረታዊ ቃልሲ ጀሚርና፡ ብዝኾነ እቲ ኩሉ ኣብ ሃገርና ክኸውን እንደልዮ ካኣ ገበርቱ ንሕና ዳኣ እምበር ባፅሉ ዝኸውን ኣይኮነን ግን ሓቢርና ንኹልና ከም ዝኸውን እንተገበርናዮ ናይ ኩልና ይኸውን ከም ፅድል ገለ ካባና ዓብሊሎም እቲ ኩሉ ብቓልሲ ህዝቢ ዝመጸ ንጥቕሞም ጥራይ ከም ዝኸውን ክገብርዎ እንተኺኢሎም ግን ከምዚ ሕጂ ወሪዱና ዘሎ ኩነታት ዳኣ እምበር ካብኡ ዝፍለ ፅድል ከጋጥመና ኣይክእልን ኢዩ፡ ብሓጺሩ እዚ ዘሎ ክድገም ማለት'ዩ፡፡

ስለ'ዚ እቲ ክፅረ ዘለዎ ኩነታትን እቲ ኣብ ምፅራዩ ክህሉ ዝድለ ዘሎ ዓቕምን እቶም ቀንዲ ረቛሕቲ መሳርሒ ናይቲ ንደልዮ ወይ ንጽበዮ ዘለና ለውጢ ስለ ዝኾኑ፡ ብዛፅባ እዚ መጽናፅቲ ምግባር ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢዩ፡ ድሕሪ እቲ መጽናፅቲ ኣብ ለውጢ ጥራይ ዘትኾረ ሓደ ኩልና እንቕበሎ ሓጋዚ ዝኾነ ሓሳብ ክንረክብ ንኽእል፡ ነቲ ዝተረኽበ ሓሳብ ኣብ ግብሪ ኣብ ምትርጓሙ ክንኣቱ ከለና ብመገዲ ባይቶ ብሓባር ንኹልና ከም ዝጠቅምን ብሓባር ዘቲና ሰላምን ቅሳነትን ውሑስ ከም ዝገብርን ንገብሮ ማለት ኢዩ።

ሓደ ከነስተብህለሉን ብምስትውዓል ክንጥምቶን ዘለና ግን ብረታዊ ካብ ዝጅመር እቲ ሽሙን መጸዊዒኡን ንጠቕሚ ህዝቢ ኤርትራ ዝብል ኮይኑ፡ ነቲ ዝብሃልን ህዝቢ ካብ
መጀመርታ ዝነቐለሉን ሓቂ ስሒቶም ብናይ ስልጣን ህርፋን ዘለዎም ውልቀ ሰባት ስለ እተመርሐ ካብ ዝፍጠር ክሳፅ ሕጂ ናይ ዓብላልን ተዓብላልን ኣካይዳ ዝሓዘ ኢዩ ኔሩ።

ስለ'ዚ ሎሚ መን ኢዮም እቶም ንባይቶ ክመርሑ ዝኽእሉ ዝብል ዓቢ ሕቶ በዚ ከም ሕሱም ዝረግጸና ዘሎ ስርዓት ዳርጋ ኣብ ምርሳፅ ዝኸደ ክምለሽ ዝግብኦ ኢዩ፡ ንሱ ካኣ ኣብቲ ባይቶ ኮፍ ኢሎም እዚ ኩሉ ናይ ምግባር መሰል ዘለዎም ካብ ምሉእ ሃገር ናይ ዝተዋጽኡ ኤርትራውያን ክኸውን ኣለዎ ፡ ብኸመይ ዝበለ ኣገባብ ተመሪጾም ክመጹ  ኣለዎም ንዝብል ካኣ እቲ ዝዓበየ ሕቶን ጌና ዘይተገብረ ዘሎን ኢዩ፡ ንሱ ብግቡእ ምስ ተማልኤ ካኣ ፍርሂ ዝብሃል ካብ ወዲ ኤርትራ ተቐንጢጡ ማለት ኢዩ፡ ኣብዚ ኣየናይ ፍርሂ ንዝብል ሕቶ ከብርሃልኩም ኣገዳስነት ኣለዎ፡፡

እምብኣር ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ እዋን እዚ ካብ ምንታይ ከም ዝፈርሕ ንርኤ እሞ እቲ ነገር ብሩህ ክኸውን፡ ህዝቢ ኤርትራ ተቓሊሱ ኣብ ዘምጾ ናጽነት ይግፋፅ ስለ ዘሎ እቲ ሕጂ ተቓሊሱ ከምጽኦ ዝደሊ ዘሎ ሓርነት፡ ከምቲ ተመን ዝርኤስ ብልሕጺ ተዳህለ ስለ ዝኾነ፡ ነቲ ኣብ መጻኢ ዝጽበዮ ዓወት ሕጂ እነምጽኦ ለውጢኸ እንታይ ኮን ክመስል'ዩ እናበለ ብዓይኒ ጠርጠራ ስለ ዝርእዮ ይፈርህ ኢዩ፡ እዚ ካኣ እቲ ስርዓት ነዚ ህዝቢ'ዚ ብረቂቕ ተንኮል ልቢ ንልቢ ከምዘይራኸብ ጌሩ ኣዝዩ ኣራሕሒቑዎ ስለ ዝጸንሐ እዞም ዓሌት እዚኦም ወይ እዞም ኣውራጃ እዚኦም ኣብ ስልጣን እንተ መጺኦም ጠፋእና ናይ ዝብል ኣታሓሳስባ'ዩ፡ ግን ህዝብና እዚ ስርሒ ናይቲ ስርዓት ምዃኑ እምበር ኣብ ህዝቢ  ዝኾነ ዓይነት ፍልልያት ከምዘይነበረ ክንፈልጥ ይግባእ፡ እዚ ዝዓይነቱ ዘይምትእምማን ዓለም ካብ ትፍጠር ኣብ ሞንጎ ደቂ ሰባት ዝነበረ ኢዩ፡ ከም ብዙሕነት ሕጊን ባይቶን ዝብሉ ኣምራት ካብ ከምዚ ዝበለ ዓይነት ሓድሕዳዊ ምጥርጣርን ዘይምትእምማንን ኣብ ምፍዋስ ከገልግሉ ከም መፍትሒ ዝማፅበሉ ኢዮም፡፡

እዚ ዓይነት ኣባሃህላ እዚ ከሰክፈካ እንተዳኣ ኮይኑ ካኣ ነቲ ትቃለሰሉ ዘለኻ ኩነታት ዘይምፍላጥ እዩ እቲ ዝካየድ ዘሎ ሓርነታዊ ቃልሲ ሓደ ህዝቢ ወይ ሓደ ዓሌትን ነጻ ክወጽእ እቲ ሓደን ካኣ ክጥቃፅ ዝዓለመ ኣይኮነን፡ ምኽንያቱ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ሓደ ሕሱም ስርዓት እናተግፍዐ ስቓይ ዝመልኦ ናብራ ዘሕልፍን ፋሕ ጨንገራሕ ኢሉ ዝጠፍእ ዘሎን ህዝቢ ኢዩ፡ ነዚ ፈውሱ ድማ ኩሉ ዝታኣማመነሉን እወ ኢሉ ዝቕበሎን መፍትሒ ምርካብ ኢዩ፡ እዚ ድማ ኣብ ኣፍልጦ ህዝቢ ኤርትራ ዘሎ ቀረባ ነገር ኢዩ፡ ንኹልኻ ዝውክል ባይቶ ምግባር ማለት እኮ፡ ከይተዋጻጻፅካ ሓደ ብማፅረ ከካይደካ ዝኽእል ሕጊ ተሳማሚፅካ ንኽትገብር ዝዓለመ ኢዩ፡ ግን ሓደ ልፅሊ እዚ ክንሓስብ ዝገብረና ኣሎ፡ ንሱ ካኣ ኣማዓባብላና ኣብ ፖለቲካ ኢዩ፡ ንሕና ከም ሕሱም እናተፋላለናን እናተቓተልናን ዝመጻና ስለ ዝኾንና ሕማቕ ሰረት ናይ ፖለቲካ ኢዩ ዘለና፡ ነዚ ኩሉ ሕሉፍ ጉፅዞና ብኸመይ ከም ንርእዮን መፍቲሒኡን ከይረኸብና ኣብ ሓደ ታኣማሚንና ክንሰርሓሉ እንኽእል ክንበጽሕ ስለ ዘይንኽእል ብመጀመርታ ነዚ ብዝሰፍሐ ምርድዳእ ሓደ ነቕ ዘይብል መፅለቢ ክንገብረሉ ኣለና።

እሞ ካብዚ ብምብጋስ ኩልና ኤርትራውያን ኣብ ዘዘለናዮ በዚ መሰረተ ሓሳብ እዚ ኣብ ሓደ ጭቡጥ ነጥቢ ክሳፅ ንበጽሕ ክንዝቲ ይግባእ፡ምኽንያቱ ህዝቢ ኤርትራ ብሩህ ራኢ ኣብ ምድህሳስ ኢዩ ዘሎ፡ እቶም ኣጨኒቖምዎ ዘለው ነገራት ምስ በርሁሉ ካኣ ብግቡእ ምርኣዮምን ምውህሃዶምን ኣይክጽግሞን ኢዩ፡ ስለ'ዚ ኣብ ዘዘለናዮ መምስ ዝቐርቡናን ራኢ ምድህሳስ የድሊ ኣሎ፡ ሓደ ኣብ ባይቶ ናይ ምምጻእ መገዲ ወይ ኣገባብ ድሕሪ ብዙሕን ነዊሕን ምስትውዓል ዝመልኦ ዘተ ክብጻሕ ዘለዎ ድኣ እምበር ምጽእ ኢልካ ብቐረባ ዝኸውን ኣይኮነን፡ ነቲ መሰጋገሪ ዝግበር ካኣ ከም ሓደ ነባሪ ክንሓስቦ ዘይኮነ እቲ ነባሪ ዝኸውን ኣብ ውሽጢ ሃገር ካብ ኩሉ ጽፍሒታት ሕብረተ ሰብ ኤርትራ ካብ  ዝተዋጽኡ ብማፅረ ዝመጹሉ መንገዲ ምስ ተገብረ ጥራይ ኢዩ፡ ካልእ ዝገበርና እንተ ገበርና ኩሉ መጻንሒን መሰጋገርን ምዃኑ ክርዳኣና ኣለዎ።

ነዚ ስቕ ኢልካን ብዘይ ፅቱብ ዘተን ሓባራዊ ስምምፅን እንተዳኣ ዘይጌርካዮ ንሓዋሩ ዝኸይድ ደሞክራሲያዊ መንግስቲ ምትካል ዝሕግዝ ኣይኮነን፡ ምኽንያቱ ዲሞክራሲ መሰል ሰባት ኣብ ምውሓስን ሕጊ ኣብ ምኽባርን ዝተሞርኮሰ ስለ ዝኾነ፡ መን ነየናይ ዓሌት ወይ ነየናይ ኣውራጃ ወኪሉ ዘይፍለጥ እንተዳኣ ኮይኑ ባይቶ ናይ ግበረለይ ክገብረልካ ወይ ኣጽንሓለይ ከጽንሓልካ ማለት ኢዩ፡ ስለ'ዚ ብውሑዱ ከተመሳስሎ ኣለካ፡ እዚ ንምግባር ካኣ ኣብ ስደት ካብ ዘለው ብዝተረጋገጸ መንገዲ ድቂ ኤርትራ ዝኾኑ ካብ ኩለን ኣውራጃታት ዝተመዛዘነ ቁጽሪ ዘለዎም ብኣፍልጦን ብሜላን ዝልለዩ ሃገራውያን ዝቖመ ጌርካ ነቲ ቅርጺ ክትሰርሖ ኣለካ፡ እዚ ካኣ መሰጋገሪ ስለ ዝኾነ ኣብ ሃገር ምስ ኣተና ብምሉኡ ካብ ውሽጢ ሃገር ንዝምረጹ ክገደፈሎም ዝግባእ ኢዩ፡ ኣብ ስደት ዘሎ ስልጣን ከረክብ ኢዩ መብጽዑኡ፡ ካብ መሰረቱ እውን መንግስትነት ከምጽእ ዳኣ እምበር ክነግስ ዝወፈረ የለን፡ ስልጣን ናይ ህዝቢ ኮይኑ ብሕጊን ብስርዓተ ምርጫን ዝምራሕ መንግስቲ ምትካል ካብ ኮነ፡ እዚ ክኾነሉ ዝኽእል ምኽንያት ፈጢርካ ስርዓተ ምርጫ ብግቡእ ክካየድ ከም ዘለዎ ጌርካ ሃገር ከም ዓለማ ሰላማዊ መንገዲ ተኸቲላ ከም ትምርሽ ምግባር ጥራይ ኢዩ ክኽውን ዘለዎ እቲ ስራሕ፡፡

ግን ኩሉ እቲ ዝቃለስ ኣብ ሃገር በብዓቕሙ ስራሕ ክዋሃቦ ኢዩ፡ ኩሉ እቲ ኣብ ቃልሲ ዘሎ እኮ ይሰርሕ ኢዩ ዘሎ እናሰርሐ ካኣ ኢዩ ክነብር ስርሑ ሃገራዊ ስራሕ ኢዩ፡ ሓደ ባይቶ እኮ ከም ሓደ ዓቢ ፋብሪኣካ ብዙሕን ዝተፈላለየን ክፍለ ስርሓት ዘለዎ'ዩ ፡ እቲ ቅድድም ኣብቲ መንግስቲ ህላዌኻ ንምርግጋጽ እንተዳኣ ኮይኑ እቲ ኣብ መጻኢ ዝህሉ ስርዓት ከምዚ ሕጂ ዘሎ ነጻግን ደርባይን ስርዓት ጌርካ ትርእዮ ኣለኻ መለት ኢዩ፡ እዚ ስርዓት እዚ ከምዚ ወላዳ ትድርቢ ሰበይቲ ኢዩ፡ ስለ'ዚ ንሕና እዞም ሎሚ ንቃለስ ዘለና ስራሕና ብዙሕ ኢዩ፡ ነቲ ኩሉ ዝተደርበየ ህዝቢ ምልዓል ኢዩ፡ ነቲ ኩሉ ዘይተ ኻሕሰ ተጋዳላይ ምኽሕስ ኢዩ፡ ነቲ ኩሉ ኣብ ፈቐዶ እስሪ ቤታት ተዳጕኑ ዘሎ ካባ ክብሪ ከዲንና ኣብ ግቡእ ክብሩ ክንመልሶ ዘለና ኢና፡ ነቲ ኩሉ ኣብ ፈቐዶ ድፋዓት ኣይውላድ ኣይተውላድ ኮይኑ ተሪፉ ዘሎ ብዝልዓለ ደረጃ ዝካሓሰሉ መንገዲ ክንፈጥር  ኢዩ፡ ንኤርትራውያን ብምልኦም ብማፅረ ዝውክል ባይቶ ኣብ ወጻኢ ኮንካ ክትገብሮ የጸግም ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ወጻኢ ኮንካ ዝግበር ክሳፅ እቲ ኣብ ሃገር ኣቲና በብኣውራጅኡ ካብ ዝተመርጹ ባይቶ ነቕውም መሳጋገሪ ዶኾን ይኸውን ተባሂሉ ዝተጨቆለ ኢዩ፡፡

።ይቕጽል።

ዝኽርን ክብርን ንስውኣትና
ዓወት ድማ ነቲ ደም ዝነብፅ ዘሎ ህዝብና


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...