መልሲ “ኣደቦሓ እንታይ ኣራኺብዎ ምስ ኣዋሳ?”
ኣቶ ክብሮም ገርነት፡ ብዕልት 24 መጋቢት 2012 ኣብ መርበብ ሓርነት ሕቶን ሕጽር ዝበለ ታሪኽ ቃልሲ ሃገርና ብምግላጹ ከምስግን ይፈቱ ፡፡ ኣስዕብ ኣቢለ ብኸመይ ከም ዝመሳሰሉን ከብርህ እየ፡፡
ኣደቡሓ፡
ኣቶ ክብሮም ከም ዝገለጾ፡ ኣደቦሓ ኣብ ኤርትራ እዩ፡ ገዜኡ 1969፡ ፍልይ ዝበለ ነበረ፡ ኣጻምእ፡ ዕርቃን፡ ጻዕርን፡ ድኻምን፡ መራኸቢ ብዙሓን ዘይነበሮ፡ ቃልሱ ምስቲ ላዕለዋይ መሪሕነት ኣብ ወጻኢ ዝመደበሩ፡ ከቢድ መስዋእትነት ዝሓትት ምንባሩ ዘይካሓድ ሓቂ እዩ፡፡
እንተኾነ ግን፡ “ሰብሔ ኢልካ ስጋ ኣድጊ ኣይትብላዕ” ክም ዝብሃል ምስላ ሃገርና፡ “ብረታዊ ቃልስና ክጅመር ከሎ፡ ብስውእ ኢድሪስ ዓወተን፡ ብደቂ በኒ ዓምር ኣብ ባርካ ስል ዝተጀመረ፡ ብዝሒውን ስል ዝነበሮም፡ ኣብ ኣደቡሓ ዝተረኽቡ ተጋደልቲውን መብዛሕታኦም ደቂ በኒ ዓምር እዮም ዓብሊሎም እሞ ኣብኡ ብብዝሒ ክምረጹ ከኣሉ፡ ዝብል መጎተ ዘንባዕ ኮይኑ ረኺበዮ፡፡
እቲ ጠንቂ ሃገርና በዚ እዩ ዝጅምር፡ “ሪም፡ ናይ ሓደ ሕብረተ ሰብ ኣይድፈርን እዩ፡ ውሑዳት ስለ ዝኾኑ ከም ኣመጻጻኣና ብብዝሒ ዝመጸ ብዙሕ ይውሰድ ዝብል ሕጊ የልቦን፡፡ ማንም ሰብ፡ ኮነ ሕብረተ ሰብ፡ ስል ዘይተርኽቡ ኢሉ ልካ ሪም ኣይትንከፍን እዩ”
ሪም፡ ዘይምሕላው እንታይ ከምዝተረኽበ ድማ ታሪኽና እኹል መግለጺ ኣለዎ፡፡
ታሪኽ ከም ዝገልጾ ኣደቡሓ ብዓወት 38 ኣባላት መሪሕነት መሪጹ ወጸ፡፡ ሓደ ካብቶም ኣብ መሪሕነት ዝተመርጼ፡ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣደቡሓ ዝወለዶ ደይኮነን?፡፡ ንህዝቢ ከበሳ ዝወክሉ ተባሂሉዶ ኣይኮነን ጉባኤ ኣደቡሓ መሪጽዎ፡፡ሓደ ዓመት ከይፈጸመ ድማ ግርጭት ተጀመረ፡፡ ስዒቡ ኣፋላላይን ህድማን ኮነ፡፡
1.ዑበሊን (ደቂ ላዕላይ ባርካ) ተፈልዩ፡፡
2. ደቂ ቐይሕ ባሕሪ (ህዝባዊ ሓይልታት) ተፈልዩ፡፡
3. ሰልፊ ነጻነት (ደቂ ከበሳ ወይ ክርስትያን) ተፈልዩ፡፡
ጠቕላሊ መሪሕነት (ቕያዳ ኣል ዓማ) ዝተዋህቦ ስልጣን ኣብ ኣደቡሓ ብፍትሓዊን፡ብዲሞክራስያዊን፡ ኣግባብ ንኹሉ ብማዕረ ስለ ዘይረኣየን፡ ግርጭት ኣፈታትሓ ብልዝብ ስለ ዘይፈትሔ ደይኮነን ምፍንጫላት ዝተፈጥረ? “እቲ ኣብ ልዕሊ ሃገራውያን ዝተፈጸመ ግፍዕን ቅንጸላን ዘፍትሓውነት ምንባሩ” ታሪኻዊ ሓቅነት ኣቶ ክብሮም ገሊጽካዮ ኢኻ፡፡
ብ1971 ዝተገብረ ቀዳማይ ሃገራዊ ጉባኤ መቐጸልታ ናይ ጉባኤ ኣደቦሓ ደይኮነን?፡፡
ኣፈታትሓ ገርጭት ሓደገኛ ብምንባሩ፡ ኣብ 1978 ዝተርኽበ ነቲ ዲሞክራሲ ሕቶታት ዘልዓለ “ፋሉል” ተብሂሉ ብብረት ተፈትሔ፡፡
እቶም ካብ ተሓኤ፡ ዝተፈንጨሉ ንኽጠርነፉን ክሕይሉን ሓገዝ ኮኖም እም፡ተጠራኒፎም “ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ” ብዝብል ውድብ ፈጠሩሞ፡ ንተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተወዳደርዋ፡ ንጥፍኣታን፡ ዕንወታን ምሕቃቓን፡ ተዓጥቁ፡ ኩሉ ከም ዝፈልጦ ድማ 1981 ተ.ሓ.ኤ. ናብ ሱዳን ኣእተዉዋ፡፡
መግለጺ ናይ ኣደቡሓ ፍርያትን ዉጽኢቱን፡ ቀሊል ከምዘይኮነ ክፍለጥ ይግባእ፡፡ እዚ ሕጂ ንርእዮ ዘለና፡ ሽግርናን መከራን ጥምየትን፡ ብርሰትን፡ህልቀትን፡ ኣብ ህዝብና ዝወርድ ዘሎ መሰረት ኣደቡሓ እዩ፡፡
መሪሕነት ህግሓኤ ስልጣኑ ንኸደልድል ኣብ ውሽጡ ንዝገበሮ ግፍዕን፡ ቅንጸላታትን፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ተጋደልትን፡ ሓፋሽ ህዝብን፡ ዋርሳይ ይከኣሎን፡ ካብ 1973 ክስባ ሕጂ መሰረቱ እደቡሓ ዘስዓቦ ጠንቂ እዩ፡፡
ኣዋሳ፡
ብሓገዝ ጎረቤትና ኢትዮጵያ ደጋፊትናን፡ ዝኾነት ሃገር ሽሻይ ተቐሪቡ፡ ኣይጠመናን፡ ኣይጸማእናን፡ እዋን ዝተፈልየ እዋን ብምኻኑ፡ መራኸቢ ብዙሓን ከም ልብኻን፡ ገንዘብካን፡ ግሉጽነት ዝበዝሖ ዘበን፡ ጥምየት ዘይብሉ ከም ምብላዕካ፡ ኣብ ዝተመርጸ ሆተል እና ደቀስካ፡ መጎዓዓዚ መኪና፡ኣውቶቡስ፡ ነፋሪት ካብ ሙሉእ ዓለም ዝተኣከበ ጉባኤኛ እዩ ነይሩ፡፡ እዚ ኣይመጣጠንን፡፡
ስምዒት ሃገራውያን ተሳተፍቲ፡ መስዋእትነትን ምንም ፍልልይ ኣለዎ ክብል ኣይክእልን ኤርትራውነት፡ ኣብ መሰረት ሓደ”ዪ፡፡
“ተመሊስካ ትርእዮ ገዲፍካዮ ኣይትእቶ” ዝበሃል ምስላ ሃገርና መሰረት ጌርና እተ ተዛረባ ዝሓሸ ኮይኑ ይስመዓኒ፡፡ “ብወጻእተኛታት መምርሒ ዝቕበል” ንዝብል ሓቅነት ኣለዎ ኣይብልን፡ ካብ ጽልእን ቅርሕንትን ዝግንፍል፡ ኣንውሕካ ብዘይ ምጥማት ዝመጼ ከይከውን? ብጭብጢ መርትዖ ዘይርከቦ መሬት ረጊጽካ ዘይምጎቶ ንከይከውን ጥንቃቔ ኣድላይ እዩ፡፡
ጉባኤ ሃዋሳ ከምቲ ቅድሚ 43 ዓመት ዝተገብረ ጉባኤ ኣደቡሓ ሚዛን ኣይሓለወን፡
ከምቲ ኣብ 16 መጋቢት 2012 ዝገለጽክዎ፡ ጉባኤኛ፡ ብሃይማኖት አስልምና ኣስማቱ 70% ክኸዊን እንከሎ 30% ኣስማቱ ክርስትና ከም ዝነበረ ሓቂ እይ፡፡ ህዝቢ ከበሳን ህዝቢ ቆላን ኣይተመጣጠነ ነይሩ፡፡
“ሰብሔ እልካ ስጋ ኣድጊ ኣይትብላዕ” ከም ዝባሃል፡ ሕጂ ውን “ሪም” ብግቡእ ኣይትዓደለን፡ “ግዜ ከለካ ግዜ ኣይትጸበ” ከም ዝበሃል፡ ዕድል ስል ዝተረኽበ ዓብሊልካ ክትወጽእ ኢልካ ምሕላን ንገዝእ ርእሱ ገበን እዩ፡ ህዝባዊ ሓላፍነት ብዓመጽ ዕበጦ ዕበጦ ኢልካ ምምንጣል ፍትሓውነት ኣይህብን እዩ፡፡
ኣብ ህዋሳ ዝተገብረ ኣመሳርታ ባይቶ ከመይ ገይሮም “ተዳሙን” መሻርኽቶምን ስልጣን መሪሕነት፡ ፈጻሚ ሽማግለን፡ ኣብልነት ባይቶን ብብዝሒ ብመንን ከመይን ዓብሊልና ንወጽእ ስል ዝነበረ፡ ኣደቡሓን ኣዋሳን ተመሳስልነቱ ክንምልከት ንኽእል፡፡ ሪም ሪም …..ተመንዚዑ፡፡
እንተኾነ ግዳ፡ “ምእንቲ መጎጎ ትሕለፍ እዛ ኣንጭዋ”፡ ኢልና ብዝተሓተ ደርጃ ከመይ ጌርና ዓወት ሒዝና ንክንወጽእ ዝሓሸ ኮይኑ ረኺብናዮ፡፡ እቶም ናይ ኣደቡሓ ሓንጎል ዘለዎም ከነቃልዖምን ክንምክቶምን ሓላፍነት ና ኩሉ ዜጋ ስለ ዝኾነ፡ ዝሓለፈ ከም መምሃሪ ክውሰድ ይግባእ፡፡
ንኽትዛረበሉ ዘሔፍር ቁጽሪ ውድባት፡ ስም ሃገራዊ ባይቶ ተስጋጊርና ስለ ዘለና፡ኣብ ጉዕዘና እናተኣራረምናን፡ እንተድኣ፡ ተጋዒዝና ናብቲ ዘድሊ ራህዋ ሃገር ዘብጽሕ
ክኸውን ይኽእል እዩ፡፡ሕጅውን ደጊመ፡ ውጽኢት ሃዋሳ ንኽዕወት ኩሉ ዜጋ ዘድሊ ክትዓትን፡ ምርድዳእን ጌሩ ክዕወት ከምዝኸል ይኣምነ እየ፡፡
ድሕሪ ኢሳያስ ኤርትራ እንታይ ኮን ክትመስል እያ?
ኢልና ክንሓትትን እንተንካታዕን ዝሓሸ ይመስለኒ፡፡
ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ
ሃይለ ገብረትንሳኤ
26 መጋቢት 2012