ሣልሣይ ክፋል፤
እወ ብዚ ሕጂ እዋን „ብሥመርርርርርርርርር ፍክሊ!“ አብ ፓልቶክ ጀሚርክምዎ ዘለኹም ዋላኳ ብዙሕ ዕንቅፋታት የጋጥመኩሙን፣ ንብሕጂ‘ውን ከጋጥመኩም ዝኽእልን እንዳበዳህኩም ነዚ „ሀገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ!“ ባይቶኹም ምኻኑ ተገንዚብኩም ምስቶም ዝመከትሉን ዝምክቱሉን ዘለው አያታትኩም አቦታትኩምን፣ አብሻታትኩምን አዴትትኩምን ኢድን ጓንትን እንተደኣ ኮንኩም ቃልስኹም አስሚርኩም ዐወትና አብ አፍ ደገ ኢዩ ዘሎ።

ምኽንያቱ ቀደም  አቦታት መሲሎሙዎ ኢዮም፣ ማለት „ልቢ ጎበዝ አብ ደረቱ!“ ከምዝተባህለ፣ ንእስነት ውዑይን ተተኳሳይን ሐይሊ ስለይኾነ ንዕኡ ዝገጥም ተፃራሪ ሐይሊ ዘሎ ኣይምስሎን፣ ንሱ ምሁር ፈላጥ፣ ለባም፣ ገደል ዝሜዳኡ ኮይኑ፣ ጠሓሒሱ አብ ድላዩ ዝበጽሕ ኮይኑ ስለ ዝስምዖ ርግዕ ኢልካ ነገር አኾምሲዕካ ዝሐይሽ ናይ ምምራጽ መንገዲ አይመካይዱን ኢዩ፣ ሞት ንዕኡ አሽንኳይ ናብኡ ገጹ ክመጽእ ከምዘሎ‘ውን ወረ የብሉ፣ ብሕልፊ እሞ ናይ ወለድቲ „ህድእ ደኣ በል ዝወደይ“! ዝብል ሐሌታዊ ምኽሪ፣ ከም ናይ ፈራሓትን ናይ አረጊትን ተቖጺረን፣ እቲ ዐሻ መንእሰይ ንወለዱ „እስኪ ስቕ በሉ! እስኻትኩም ዋላ ሐንቲ አይትፈልጡን ኢኹም፣“ ዝብል መልሲ ይህብ፤ እቲ ደሓን ዝኾነ መንእሰይ ከኣ ንወለዱ ከየጒሂ ብማለት „ሐራይ!“ እትብል ጥዕምቲ ቓል የስምዖም‘ሞ ግን ከምቲ እቲ ዐሻ መንእሰይ ዝሀቦ መልሲ ዝዐይነቱ ብልቡ ይሐስብ፤ ስለዚ ንእስነት ስሚዒታውነት ማለት ስለዝኾነ ብስሚዒት እናተደፍኤ፣ የእጋሩ አበይ ይረግጻ ከምዘለዋ ንታሕቲ ገጹ ከይረኣዬ ንቕድም ጥራሕ እናገስገሰ አብ ሁጉም አትዩ ተሰባቢሩ ናይ ምትራፍ ተኽእሎ ከምዘሎ‘ውን  አይርድኦን‘ዩ፣ እዚ ናይ „ንእስነት ዕዳ! በደል‘ዩ!“  እንተኾነ ግን „ካብ ብሱል ጥረ ከምዘይስኣን ኩሉ!“ ውሑዳት ደኣ ይኹኑ‘ምበር ካብ ንእስነቶም ጀሚሮም ምኽሪ መለዶም አብ መሬት ዘይድርብዩ‘ውን አለዉ ኢዮም፣ እዚኣቶም ብቐላስነት ወለዶምን ብኣላይ ወሰንነቶምን እናተመርሑ ይኸዱሞ ሀገር ካብ ምጥፋእን ምብትታንን የድሕኑ፤ ብዛዕብዚ አብ ራብዓይ ክፋል ናይዚ ጽሑፈይ ከብርህ ክፍትን‘የ።

ማለት ከምዚ ሕጂ ብመንኮርኮር ስሚዒት እናተደፋእኩም አብቲ ክፍልኹም ዝስማዕ ዘሎ ነዘን ውድባት መን! መን! ከይመመኹም አብ ሐደ ቑራዕ ሰኽቲትኩም ብሐንሳእ ብስሚዒታዊ ናህሪ ምጥጣቕኩም አይ ማሕረን፤ እወ ኩላትና እንሰማማዓሉ ሐደ ነገር አሎ ንሱ‘ኣ ተቓውምቲ ውድባት ነቲ ተቓውሞ ሐይሊ ከም ማይ ሩካን ሮኪነንኦ ኢየን፣ እዚ ግን ኩለን አይኮናን፣ ከምኡ እንተዝኾና ነይረን‘ሞ እዚ ሕጂ ተቓውሞ አብዚ ሕጂ ምሐውሩ አጽኒዑ ብዐድን ብግዳምን ረጊጹ ዝኸይድ ዘሎ መን ዘጽንሐልኩም ኢዩ?  የግዳስ እዞም ገለ መሪሒነት ውድባት ኢና በሃልቲ ልኡኻት ናይ እዚ „ፂእ መንድዓት ህዝብና ውርደት ዝኽብረቱ! ንጥቕሞም ክብሉ ርሖም ብምሻጥ ንዕኡ ብምሕዳር ናብራ ባርነታዊ ስቓይ ህዝብና ዕምሩ ንኽውስኽ መጋበርያ! ክኾኑ ከለው!“ ገለ ውድባት ከኣ ብስም ሀይማኖትን መቦቆልን ማለት ማሕበረ-ሰብን ነተን እሶም ውድባትና ዝብልወን ብምስያም፣ ከምኡ‘ውን መሰል ማሕበረ-ሳባት (በሔራት) ክሳዕ ሀገር ምብታን ንቃለስ ኢና እናበሉ፣ ህዝቢ ብምትላል ናይ እዚ „ፂእ መንድዓት መስገደል ህዝብና!“ ተካእቲ ብሙኻን ኮረሻ ሥልጣኖም አብ ዝባኑ ንምጽዓን ናቱ ዳግማዊ ንኽኾኑ ከይ ደቀሱ ዝሐልሙ ዘለው ኢዮም።

ነዞም እዚ ዝሐልገቶም ውድባት ካብቶም ክቦቕሉ ጀሚሮም ብሐያላት መሠረታት ዝተሠራርቱ ውድባት ብናታቶም ተስፋ ዘይቆርጽ ካብ ሸዊት ዕድሚኦም ጀሚሮም ነቶም አብ ስደት ዝሐለፉ ከይረሳዕና፣ ዝተረፉ ሽማግለታት አቦታትኩምን አኣያታትኩም  ንዐመታት  ብሕልናዊን ንዋታዊን ሞራላዊን ቃልሲ ክሳብ ለይተሎሚ አላሽ ከየሉ ነዚ ቅድም „ሀገራዊ ዋዕላ!“ አብ ዐመቱ ኸኣ „ሀገራዊ ጉባኤ!“ ንኽቃናዕ ክኽእል ዝተቓለሱን፣ „ዋጋ ዝዐበየ ውድቦም ዝኸፈሉሉን!“ ከም ዘለው ተገንዚብኩም፣ ኩሉ ነገር ቃልሲ ንዐኻትትኩምን ብዘይብኣኹምን ከም ዘይከውን አለሊኹም ገዛእ ርእስኹም ብምውድዳብ አብ ጽላት እዚ „ሀገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ!“ ዕሰሉን መክትሉን፣ እቲ ምንታይ እቶም ዘርኢ ፀይቂ ፀረ ዐወት ህዝብና ሕጂ‘ውን በቲ „ብሀገራዊ ጒባኤ!“ አይንምእዘዝን ኢና፣ ብምባል ነቲ ናብዚ ንኸብጽሕ ተባሂሉ ስሙ እናቐያየረ ዝመጸ ኪዳን ከም ቀዳሞቱ ምዓልቱ በሊዑ አብ ማህደር ታሪኽ ክንዲ ዝአቱ፣ አይፋል አሎና አይንብትኖን ኢና፣ እንታይ ደኣ „ማዕረ ማዕረ ሀገራዊ ባይቶ ንደምክራስያዊ ለውጢ ጽላል ውድባት ኮንና ኢና ንሠርሕ፣“ ብምባል ዕንቅፋት ንሙኻን ይጓዬዩ እነሄው፣ ንመን ወኪሎም ብመንከ ተላኢኾም? እንድዒ።

ስለዚ አቱም መንእሰያት ሀይማኖታውን አውራጃውን በብቆላውን ማሕበረ-ሰባውን ተጠቒሞም አብ ውሽጥኹም ተሰግሲጎም ንዐኹም ብምምሳል ብልሳናትኩም እናጨደሩ ክፈላሊኹም ንዝፍትኑ እናመከትኩም፣ ንምግጣሞም ከኣ ሐያል ዓለምለኸን ካብ ናይ ማንም ተጽዕኖ ሻርነትን ነጻ ዝኾነን፣ ናብ ህዝቡ ጥራሕ ዝወገነ ውደባ ከድልየኩም‘ዩ፤ ነቶም ውድባት ከኣ መን ካብ መን እናፈለኹም ወጊድ እናበልኹም አብቲ „ዐቢ ዳዕሮ ጽላል!“ ብምጽላል ምስ‘ቶም ነዚ ቃልሲ‘ዚ ዘጽንሕልኩም አየታትኩምን አቦታትኩምን ብምስማር ንቕድም ተወርወሩ፤  እንተደኣ እዛ ምጭውቲ  ሀገርና መን ብዘየገድፍ ብዘይእፋላላይ ንኹሉ ወዲ ሀገር ብማዕረ ብሠለምን ራህዋን፣ ፍቕርን ቅሳነትን ስጋይ ስጋኻ እናተባሃሃለ፣ ብምዕባልዬ ንቕድም ክትግሥግስ ኮይና ተካእቲ ወለዶ መንእሰያት ብስጋውን መንፈሳውን ትምህርቲ ተሀኒጾም ምስ ዝዐብዩ፣ ኩልሳዕ በረኸት እግዚኣቢሔር አብ ርእሲ እታ ሀገር ስለዘሎ፣ ሕጂ‘ውን ሠላምን ብልጽግናን ፍቕርን ምትእምማንን ዝሠፈና ሀገር ትኽውን፣ ነዚ ሸቶ‘ዚ ንምብጽሑ‘ምበኣር በቢ እምነትና አብ  ልዑል አምላኽ አሚና ስሙ እናጸዋዕና ነዞም ነቲ አብ ውሽጢ ዘሎ ዐቢ ፀላእ ህዝብናን፣ ነዞም አብ ደገ ኾይኖም በብምኽንያቱይ ቃልስና እናሐመሱ፣ ነቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ንኽትክኡ ዝጓዝሙ ዘለው ብስም ተቓወምቲ ውድባት ሽዱሽተ ክፋል ኪዳን፣ ብስም „ኪዳን ናይ ተቓውሞ ውድባት ጽላል ኢዩ!“  ብምባል፣ ዘገብርዎ አኼባታት ብሐደ መልክዕ ብዘይምክፋልን፣ ከምኡ‘ውን ብኻልእ ከምኡ ዘመሰለን ተቓውሞና አተሐባቢርና ክንቃለሶም አሎና።

አብ ሐደ ሐደ አኼባታት ብመሪሕነት አባላት ኪዳን ዝኾኑ ውድባት፣ አብ ዝሕብዎ መግለጺታት፣ ክርደኣካ ከምዝኽእል  ብሐቂ በጃ ህዝቦም ምሉእ ዕድሚኦም ዝወፈዩ ኾይኖም፣ ካብ ዘለዎ ድቕድቕ ፀልማት ባርነታዊ ናብራ ሐራ ንኸውጽእዎ ይቃለሱ ከም ዘለው‘ሞ፣ ነዚ „ሀገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ!“ በዚ  አብ ስደት አብ ሙሉእ ዐለም ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ወከልቱ ብደሞክራስያዊ አገባብ መሪጹ ብዝለኣኾም ዝቒመ ስለ ዝኾነ፣ ካብ ኪዳን ዝልዓለ ሥልጣን ሐደራን ህዝቢ ዝተሸከመ ኢዩ፣ ስለ ዝኾነ‘ኣ እቲ እንኮ ጽላል ተቓወምቲ ሐይልታት እሱ ጥራ ምኻኑ ስለ ዝፈለጡ አብ መጨረሻ ዝሐለፈ ዐመት ስርሑ ከም ዘኽተመ ይእምቱ፤ እቶም ሐደ ጉጅለ ኸኣ ሥልጣን ፈጻሚት ሽማግለ ካብ ኢዶም ስለ ዘምለጠት፣ „ንሕና ዘይብላ ዳስ ክትፈርስ አለዋ! ወይ ክትመክን!“ ብምባል እንሆ ከምዚ ዝጓየይዎ ዘለው ልቦም ክሳዕ ዝጠፍኦም ንዕዘብ አሎና።

እስኪ  ብየካቲት 20 አብ ተጎርባ ዝወጸ „አቦ ወንበር ፈጻሚ ግ.ሀ.ድ.ኤ.፤“ ብዝብል አርእስቲ ብአቦ ወንበር ብጻይ አሕመድ ናስር ብየካቲት 19 አ.አ. ንህዝቢ አብ ዝገበርዎ መደረ፣ „አብዚ ውቕቲ‘ዚ ሀገራዊ ባይቶን ኤርትራዊ ኪዳንን ማዕረ ማዕረ ብምህላዎም አብ ህዝብና ምድንጋር ይፈጥር አሎ።

እዚ ኸኣ ንኽልቲኡ ጽላላት ዝጎድኦ‘ምበር  አብ ረብሓ ሐዲኦም ዝውዕል አይኮነን ኪዳን ይሃሎዶ? አይሃሉ? ዝብል ሞጎት፣ እዚ እናበረኸ ዝኸይድ ዘሎ ተቓውሞ ህዝብና ንድሕሪት ከይመለስ ስግኣት የሎን ክበሃል አይከልን ኢዩ።

ግ.ህ.ድ. ምስ መሐዙት ሐይልታት ኪዳን ብምርድዳእ ነዚ አብ መንጎ ክልቲኡ ሀገራዊ ጽላላት ህልዊ ፖለቲካዊ ምድንጋራት ንረብሓ ተቓውሞ ብዝውዕል መገዲ ንምፍዋሱ እጃሙ ከበርክት ኢዩ።“

ስለዚ አብ ውሽጢ ኪዳን ክልተ ጉጅለ ሐይልታት ከምዘለው‘ሞ ሕቶም ሐደ ወገን ህዝቢ ኮይኖም፣ ነዚ ብህዝቢ ዝተመርጸ „ሀገራዊ ባይቶ ንደሞክራዊ ለውጢ! እንኮ ጽላል ተቓወምቲ ሐይልታት ኤርትራ ከምዝኾነ ጥራሕ ዝፈልጣ ምስ ህዝበን ሐደ እምነተን ዘለወን ህርመት ልቢ ህዝበንዘዳምጻ ክኾና ከለዋ፤“ „በቲ ሐደ ወገን ከኣ ከብደን ዝአምረን ህርመት ልበን ጥራሕ እናአዳመጻ ንሥልጣነን ዝዋግአ፣ እዚ ቆይሙ ዘሎ ባይቶ ንረብሕኤ ከምዘይኮነ ዝተረድኣ‘ሞ ነዚ ንምፍራስ ኮነ ኢለን ብምቅላስ፣  ንሕና ጽላል ተቓወምቲ ሐይልታት ኤርትራ ኢና ዝብላ፣ ፀረ ህዝቢ ዝተሰብሰባሉ ጉጅለ ኢየን፤“  ምኽንያቱ እተን ውድባት ክዳን ኩለን መቑንን ብማዕረ ትዋሂቡወን ብቲ ዝተዋህበን መቑነን መሠረት አብቲ ባይቶን አብቲ ፈጻሚትን አለዋ፣  ስለዚ ውዲተን እንታይ ኮይኑ ደኣ እዩ ንኪዳን አይነፍርስን ዝብላ ዘለዋ? እቶም መሪሒነት ዝሐልምዎ ዘለው ኮረሻ ሥልጣን ካብ ኢዶም ስለ ዝመሎቖም ድዩ? እወ እቲ ሐቂ ንሱ ኢዩ፤ ዕላምኦም እሱ እንተደኣ ዘይኮይኑ  እስኪ ክውከሶም ምፈቶኹ፤ ተቓወምቲ ሐይልታት ኢና፣ ኽብሉ ከለውስ ንመን ወኪሎም ኮን ይኾኑ? ሕጂ‘ውን ከም አበሃህሎኦምን አስማቶም ከም ዝምስክሮን፣ መልሶም ንደቂ ሀይምኖትናን፣ መበቆልናን፣ ኢና ንውክል፣ እንተ ደኣ ኾይኑ፣ አብዚ ሐቂ የብሎምን ምኽንያቱ ህዝቢ ኤርትራ ብሀይማኖትን ማሕበረ-ሰብን (መቦቆል) ከይተፈላለየ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዙ ብዘይ አፈላላይ ቅድሚ ሕጂ ቃልሱ ዘረጋገጸን  ሕጂ እንተኾነ‘ውን „ንደሞክራስያዊ ሥርዓተ-ለውጢ!“ ንምትካል ከይተዳኸመ ዝቃለስ ዘሎን ጥረሕ ዘይኮነ ንቕድሚት እናተሓምበበ እናሃለወ፣ ንሳቶም  ግን እቲ ንመፋራርሒ ዝጥቀሙሉ ኣስማቶ ንውክል ኢና ኢሎም ዝምክሕሉ ሐቂ ከምዘይኮነ ብብዝሒ አባላቶም ጥራሕ ዐለም ዝፈልጦ ሐቂ ኢዩ።                         

ካብ ሽም/ኃይለ-ሥላሴ ገብሩ፤
ብሔረ ጀርመን፤
„አታ ወዲ ብንእስነትካ ባህ ይበልካ፡
በዘን መዕልትታት ንእስነትካ ልብኻ ይተሐጒ፡
ብመገዲ ልብኻን ብምጥማት አዒንትኻን ተመላለስ።
ግናኸ አምላኽ ብዛዕባዚ ኹሉ አብ ፍርዲ ከምዘቚመካ ፍለጥ።
ንእስነትን ብጽሕነትን ከንቱነት ኢዩ‘ሞ፡
ስለዚ ጓሂ ካብ ልብኻ፡ ሕሰም ካብ ነብስኻ አርሕቕ።
መጽ፡መክ፤ 11፤9-10፤


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...