ክቡራት ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጥን ደለይቲ ፍትሕን፡ ፈተውቲ ህዝቦምን ሃገሮምን ከመይ ቀኒኹም፡ ንሕና ኤርትራውያን ካብ መግዛእቲ ሓራ ኴና፡ ብናጽነትን ሓርነትን ክንነብር ኣለና ኢልና ኢና ናብ ቃልሲ ነቒልና፡ እቲ ንህዝቢ ኤርትራ ብረታዊ ቃልሲ ከካይድ ዝገበረ መሰረተ ሓሳብ፡ ነቲ ዘይካኣል መሲሉ ዝርኤ ዝነበረ ናይ መግዛእቲ ሓይሊ፡ እቶም ዘለና መስዋእቲ ከፊልና መጻኢ ወለዶ ብሓርነት ንኽነብር ምግባር ኢዩ ኔሩ።

እዚ ሓሳብ እዚ ሒዝና ቃልሲ ካብ ንጅምር ኣብ ምንጎ ወይ ኣብቲ ምሉእ ጉፅዞ ናይቲ ብረታዊ ቃልሲ ዘጋጠ መ፡ ኣሸጋሪ ኩነታት ከም ሓሳር ስቓይ ምቕታልን ምቅትታልን ሞትን ኣብ እዚ ጸብጺብካ ዝውዳእን ጽሒፍካ እውን መጽሓፍ ዝኣኽሎን ኣይኮነን፡ መፍትሒኡ ድማ እቲ ጉፅዞ ነዊሕ እቲ ዝሓለፈ ስቓይን መከራን ብዙሕን ዝተሓላለኸን ሓቅነቱ ንምፍላጥ'ውን ኣሸጋርን ስለ ዝኾነ ክሳፅ ዝፍታሕ በፋታትሕኡ ክንሽገር ግድን ኢዩ።

ስለ'ዚ ብቐዳምነት እቲ ቃልሲ ብኸመይ ተጀሚሩ እቲ ሕቶኸ እንታይ ኔሩ፡ ንኸይፍታሕ ዝገብር ዘሎ ቀንዲ ምኽንያትከ እንታይ ኢዩ፡ ስለ እተቓለስናኸ ተጎዲእናዶ ተጠቒምና ዝብላ መሰረታውያን ሕቶታት ሒዝና ምስ እንቃለስ ነቲ ዝሓለፈ ብኸመይ ከም ንርእዮ፡ ነቲ ተሪፉና ዘሎ ጉፅዞ ካኣ ብኸመይ ከም ንቕጽሎ ንፈልጥ ከምዚ ናትና ዝበለ ነባሪ ሽግር ተሞክሮ እናደለብካን ተባላሓትነት እናወሰኽካን ምስ ከድካ ኢዩ ዝፍታሕ።

እቲ ጉዳይ ኩሉ ጊዜ ንዛረበሉን ነባሪ ጸገምናን ስለ ዝኾነ ብይንኣስ ይፅበ ኩልና ንፈልጦ ኢዩ፡ ኢቲ ጠፊኡና ዘሎ ኣፈታትሕኡ ኢዩ፡ መገዲ ከይረኸብናሉ ድማ ጉዳይና ኣብ ማዓልቦ ከነብጽሖ ኣይንኽእልን ኢና፡ ብሓጺሩ ጉዳይና ክሳፅ ዝፈታሕ ዘረባና ንሱ ኢዩ፡ ቃልስና ካኣ ሓቀኛ ፍታሕ ረኺብና ቅሳነት ክሳፅ ንረክብ ቀጻሊ ኢዩ ይኹን እምበር ነቲ ዘጸግምን ዝፅንፍን ነገራት ብተሞክሮ እናወገድካዮ ምስ ትቃለስ ጥራይ ኢኻ ትፅወት።

እሞ ንሕናኸ ከምኡዶ ንገብር ኣለና ወይስ ኣይኮነን ክንግምግም ናብ ኣጀማምራ ቃልስና ከስግረኩም፡ ኣብ ኣርባዓታት ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም ሃገራት ኣፍሪቃ ነጻ ክኾና ከም ዘለወን ብሕቡራት መንግስታት ስለ እተወሰነ፡ እንግሊዛውያን ንኤርትራ ክገድፍዋ ግድነት እንዳኾነ መጸ፡ ኣብ'ቲ እዋን'ቲ መንግስቲ ጥልያን ኤርትራ ግዝኣተይ ስለ ዝነበረት ኣነ ርእሳ ክሳፅ ትኽእል ከማሓድራ ክትብል ስለ ዝደለየት ወይ ይፈቐደለይ ዝብል ሕቶ ናይ ምልዓል ሓሳብ ስለ ዝመጻ ኣብ ኤርትራ ርእስና ክሳፅ ንኽእል ጥልያን ተማሓድረና ዝብል ፖለቲካዊ ሓይሊ ከም ዝልዓል ብምግባር ሰባት ጎሳጕሳ ሓደ ነቲ ሓሳባ ዝድግፍ ፑሮ ኢታሊያ ተባሂሉ ዝጽዋፅ ጉጅለ ወይ ፓርቲ ብኤርትራውያን ከም ዝቐውም ገበረት፡፡

እንግሊዝ'ውን ዝሳማምፅዋ ሰባት ጎሳጕጻ ብሮ እንግሊዝ ዝብል ፓርቲ ኣቖመት፡ ኤርትራውያን ኣስላም ካኣ እዚኣቶም ነዛ ሃገር ከጥፍእዋ ኢዮም ኢሎም ኩልና ኣመንቲ ምስልምና ብሓባር ኤርትራ ንኤርትራውይን

ንበል ኢሎም ራቢጣ ኣል ኢስላሚያ ዝብል ንኤርትራ ካብ ዝኾነ ይኹን ባፅዳዊ ገዛኢ ንምድሓን ዝሃቀነ ፓርቲ ኣቖሙ፡ እቶም ነቒሕና ዝብሉ ንኤርትራ መን'ዩ ዘማሓድራ ካብ ዝብል ድልየት ስልጣን ዝተበገሱ'ውን ኢንተሊጀንሲያ ዝብል ማሕበር ምሁራት ፈጢሮም ኔሮም ይብሃል ኢዩ።

ካልእ ጉዳም ዝኾነ ንኤርትራ ኣብ ክልተ ዝመቅል ምፅራባዊ ቆላ ኤርትራ ምስ ሱዳን እቲ ከበሳ ካኣ ምስ ኢትዮጵያ ክኸውን ኣለዎ ዝብል ሓሳብ ዝሓዘን ኤርትራ ኣብ ክልተ ክትምቀል ኣለዋ ዝብልን ፓርቲ'ውን

ቆይሙ ኔሩ ኢዩ፡ ግን ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ኣባሃህላ እዚ ብእዋኑ ስለ እተጻረሮ ብቑልጡፍ ነበር ኮይኑ።

ካብዘን ፓርቲታት እዚኤን ነንፓርቶም ወኪሎም ኣብ ሕቡራት መንግስታት ክሕተቱ ናብ ለክሳስ ምስከዱ ካኣ ኣብኡ ኩሎም ኤርትራውያን ሓደ ነገር ተረድኦም፡ ንሱ ካኣ እቲ ኣስላም ሒዞምዎ ዝነበሩ ሃገራዊ ፅላማ ኢዩ በዚ ብሓንሳእ ተሳማሚዖም ኣብ ሓደ ሕብረት ኤርትራውያን ብዝብል ስም ሓደ ኮኑ፡ ኣብዚ ኢትዮጵያ ጠፋእና በለት ግን ሓያል መንግስቲ ስለ ዝኾነት ኣይጽገማን ተለግራም ጌሮም እታ ሕብረት ኤርትራውያን ትብል ሽም ብቋንቋ ጥልያን ብሎኾ ኤርትረያ ኢሎም ስለ ዝጸውዑዋ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ኣስመራ ንዘሎ ህዝቢ እቶም ካብዚ ኤርትራ ወኪሎም ናብ ሕቡራት መንግስታት ዝልኣኽኩምዎም ኩሎም ሓደ ኮይኖም ሃገር ንጥልያን ክሸጡዋ ተሳማሚዖም ዝብል ወረ ነዝሔት ገርሂ ኤርትራዊ ካኣ ንኦም ክሓትት ከይተጸበየ ገጹ ገምጢሉሎም ጸንሐ፡፡

ብዝኾነ እቲ ፍታሕ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ብፈደረሽን ክትምሓደር ተወሰነ፡ እቲ ፖለቲካ ካልእ መልኽፅ ንኸይሕዝ ካኣ ንዓሰርተ ዓመት ምስ ኢትዮጵያ ንኽንጸንሕ ኢዩ ተበይኑ ዘሎ ተባህለ፡ ህዝቢ ኤርትራ ካኣ

ብተስፋ ተጸበየ፡ ኣብቲ ውሽጢ ባይቶ እውን ንናጽነት ኤርትራ ዝጣበቑ ኣለውና እናተባህለ ይዝረብ ኔሩ ኢዩ ብዝኾነ ከምኡ ዘይኮነ ብኣንጻሩ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ተሓዊሳ ኢያ ተባህለ፡ እቲ ኤርትራ ነጻ ክትኮነሉ ዝጽበ ዝነበረ ኩምትር ኢሉ ደም ክነብፅ ከሎ እቶም ኤርትራ ንኽትሕወስ ድልየት ዝነበሮም ካኣ ተሓጎሱ።

ከም'ዚ ኢሉ ድሕሪ ክንደይ ውረድ ደይብ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ብፈደረሽን ክትማሃደር ምስ ተወሰነ፡ እቲ ውሳኔ ብፅግበትን ድልየት መላእ ህዝቢ አርትራን ዘይተወሰነ ስለ ዝነበረ ብውሽጢ ውሽጢ ማሕበር ሸውዓተ ዝብሃል ንናጽነት ኤርትራ ዝጣበቕ ተመስረተ፡ ነዚ ህዝቢ ኤርትራ ስኑ ነኺሱን መስዋእቲ እናኸፈለን ኣብቲ ኩልና እንፈልጦ ብስም ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝብል ስም ሒዙ ብረታዊ ቃልሲ ጀመረ መላእ ህዝቢ ነቲ ቃልሲ እናኣመነሉ ስለ ዝመጸ ድማ እቲ ውድብ ብቑልጡፍ ሓየለ እቲ ህዝቢ ኤርትራ ብገርሁ ከሎ ግን ነቲ ብጀብሃ ዝፍጸም ዝነበረ ጌጋታት ጥራይ ብምምዛን ነቲ ሃገራዊ ቃልሲ ከምክኑ ናይ ዝሓሰቡ ግዳይ ኮይኑ ጠቓሚኡ ዘይኮነ በላዒኡ ውድብ ኣፅብዩ፡ እኒሀ ድማ ብኡ ኣቢሉ በዚ ንሕስያ ዘይብሉ ስርዓት ተበልዑ።

ኣብዚኣ ብኣትኩሮ ክንርእያ ዘለና እቶም ኩሎም ኣብ ጀብሃ ይኹን ሻፅብያ ምእንቲ ህዝቦም ሂወቶም ክህቡ ዝውሕዙ ዝነበሩ መንእሰያት ድላዮም ሓንቲ ኢያ ኔራ፡ ንሳ ካኣ እታ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ንግሆ ዝነቐለላ እታ

ካብ መግዛእቲ ሓራ ኮንካ ብናጽነት ምንባር ኢያ፡ እታ ዝፈልጣ ካኣ እታ ዝነበረት ባይቶን እታ ዝነበረት ናይ ኤርትራ ባንዴራን ጥራይ ኢየን፡ ነዚኤን ኣብ ዝነበርኦ መሊሱ ብቕሳነት ክነብር ጥራይ ኢዩ ኔሩ ሓሳቡ።

እቲ ብማሕበር ሸውዓተ ዝንቃሳቐስ ዝነበረ ኣካል ብኣኸባታት ህዝቢ ንኸተንቅሕ ዘፍቅድ ኩነታት ስለ ዘይነበረ እቲ ህዝቢ ዝፈልጦ ብዱብዱቡ ንሱ ኢዩ ኔሩ ካልእ እቲ ኩሉ ኣብ ሜዳ ዝጸንሖ ገመል ዘይተልፅሎ ዘረባታት ይኹን ህዝቢ በብዝኸዶ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ዘጥፍእዎን ዘጣፍኡዎን ዝነበሩ መን ሓሲቡዎ፡ እቲ ገርህን ኩሉ ጽቡቕ ዘበለን ተመንዩ ንህዝቡ ሓራ ከውጽእ ዝወፈረ መንእሰይ ኣብ ዘይሓሰቦ ረግረግ ስነ ሓሳብ ናይ እንዳማቱ ተሸሚሙ፡ ለኒንዶ ማርክስዶ ናይ ምፅራባውያንዶ ምብራቓውያን ዝብል ኣትዩ ሓይሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘዳኽም ተርእዮ ተኸሲቱ ቅተል ተቓታተል ኮነ።

ብኽምዚ እቲ ብረታዊ ቃልሲ ብወታሃደራዊ ኣካይዳ እናተመርሐ ዘይምኣዝኑ ስለ ዝሓዘ ኣፍልጦ እቶም ኩነታት ሃገሮም ኣገዲሱዎም ብብኹርንዑ ዝወፈሩ ግዱሳት ኤርትራውያን ብኸምቲ ዝሓሰብዎን ዝነቐሉሉን

እታ ባይቶን ባንዴራን ኣብ ምምላስ ጥራይ ተጽሚዱ ከምታ ዝወፈራ ሃገርን ህዝብን ከድሕን ጠጠው ዝበለ

መሪሕ ኣካል ረኺቡ እንተዝኸውን ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ ምስ ዓለሙ ተማዓራርዩ ዝመክርን ዝሕግዝን ዳኣ እምበር ዝልምንን ዝዋረድን ኮይኑ ኣይምሃለወን።

ሕጂ'ውን እተን ዘሀውትታና መጻሕፍቲ ድርቢና ጥዑይን ምስ ጊዜ ዝሳማማፅን ምስ ዓለም ዘሳማማዓናን

ፖለቲካዊ ትሕዝቶ ሒዝና፡ ናብቲ ዝነቐልናሉ መሰረተ ሓሳብ ተመሊስና ብቐዳምነት ህዝቢ ካብ ዘለዎ መዋጥር ዝወጸሉ መሬቱ ዝምለሰሉ እሱራት ዝፍትሑሉ ኣብ ሃገር ሰላም ዝፍጠረሉ ኩነታት ክንሓስብን ንምትግባሩ ዝሕግዝ ተባላሓትነት ከም ዝምፅብል ክንገብርን እንተዘይኪልና እቲ ነገር ካብ ዝጅመር ከም ዝነበሮ ኣሎ፡ ከምዘለዎ ድማ ክነብር'ዩ።

ሓደ ብፖለቲካ ዘይበሰለ ህዝቢ ድማ ክታለል ቀረባ ስለ ዝኾነ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ እቶም ንህዝቢ ምትላል ግርም ጌሮም ዝኽእሉ ጠቕመ ፈሊጣውያን ወዲቑን መዋጽኦ ስኢኑን ከም ሕሱም እናተቐጥቀጠ ኣብ ትሕቲ ሓደ ከምዚ ኢዩ ኢልካ ክትገልጾ ዘይትኽእል ሕሰም ዝመልኦ ስርዓት ወዲቑ ይነብር ኣሎ፡ ስለ እዚ ከሕስበና ዘለዎ ብኸመይ ካብዚ ሽግር እዚ ንድሕን ዳኣምበር ካልእ ኣብ ሃገር ከይበጻሕካ ዝካየድ ሓደ ንሓደ ናይ ምፅንቃፍ ተግባራት ዓዲ ዘእቱ ኣይኮነን።

ስምዑ ኤርትራውያን ኣሕዋተይ ክንርድኦ ዘለና ኣብ'ዚ ማእለያ ዘይብሉ ሂወት ኤርትራውያን ዝበልዐ ነዊሕ ጉፅዞ ቃልሲ ህዝቢ ብጀካ ጥፍኣት ናይ ኤርትራውያን ዋላ ሓንቲ ቅንጣብ ንኤርትራውያን ዘርብሕ ነገራት ኣይተረኽበን፡ ኣይተረኽበን ጥራይ ዘይኮነ ጌና ንነዊሕ ክሳቕያና ክነብር ዘለዎ ኩነታት ኣብ ሃገር ተሰሪቱ ስለ ዘሎ፡ መወሰኽታ ነቲ ቃልሲ ካብ ዝጅመር ገለ ዘየልዓልናሉ ጉፅዞ ዝኮነ ከም ባህልን ልምድን ምብልሻውን ካልእን ሽግር ተወሲኹዎ ኣሎ፡ እዚ ኩሉ ግድን ክውገድን ኣብ ንቡር ክምለስን ዘለዎ ኢዩ፡፡

ስለ'ዚ ቃልስና ነዊሕን ኣንፈቱ እውን ዘይፍለጥን ምዃኑ ብሩህ ኮይኑ፡ ንቓልሲ ብኸመይ ከም ነሐድሶን መላእ ህዝቢ ኣሚኑሉ ክሳተፎ ከም ዘለዎ ክንገብሮን ይግባእ፡ እዚ ንኽኸውን ካኣ ነዚ ተሰሪቱ ዘሎ ባይቶ ከም መናሃርያ ናይ መጻኢ ጉፅዞ ቃልስና ወሲድናን ሓድነትና ኣድልዲልናን ነቲ ዘሎ ሽግር ኣብ ምፍታሕ ጥራይ ዘትኾረ ቃልሲ ከነካይድ ኣለና፡ ኪዳን ኣብዚ ንኽንበጽሕ ዓቢ ስራሕ ሰሪሖም ኢዮም ሕጂ ምስ ህዝቦም ኣብ ባይቶ ወኪሎም ስለ ዘለው ድማ ንመላእ ሃገር ዝውክል ባይቶ ጌርና ኣለና እታ ካብ መጀመርታ ዝወፈርናላ ድማ ባይቶ ኢያ፡ ካልእ ዝሓዝካ ዘይብልካ ምስሕሓብ ሃውተታ ኢዩ፡ ነዚ ኣብ ስደት ቆይሙ ዘሎ ተሞክሮ ዘይብሉ ባይቶ፡ ብኸመይ ኢድና ሓዊስና ነደልድሎ ዳኣ እምበር ሕቶታት ኣቕሪብካ ምጭናቑ ኣፍራሲ ጥራይ ኢዩ፡ ቃልስና ጌና ኢዩ መሰረት ኣይሓዘን ዘሎ፡ እቲ ዘድሊ ፍታሕ መላእ ህዝቢ ዘፅግብ ክኸውን ከም ዘለዎ ምግባር ዝክኣለሉ ኩነታት ክንፈጥር ኣበርቲፅና ክንቃለስ ጥራይ ኢዩ ዘለና።

እቲ ዋና ጎዲኡና ዘሎ እዚ ብህዝቢ ይኹን ሃገር ዘይሓስብ ብሕሰም ሒዙና ዘሎ መርኣያ ዘይብሉ ግናይ ስርዓት ተጋግዩ እናጋገየና ኣብ ርእሲ ምምጽኡ ሃገር ምስተረኽበት ነቲ ሕሉፍ ጌግኡ ዘይምምዛኑን ነቲ ፍርቂ ሓይሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ጅብሃ ብይቕረታ ከም ወዲ ሃገር ኣብ ሃገር ከም ዝሳተፍ ዘይምግባሩን ዝወሰዶ ግጉይ ስጉምቲ'ዩ እዚ ተግባር እዚ ክይትኣረመ ህዝቢ ኤርትራ ብዝኾነ ካልእ ፍታሕ ምሉእ ብምሉእ ክቐስን ኣይኽእልን ኢዩ፡ ነገራት ብግቡእ ከይተፈትሑ ድማ ኣብ ሓንቲ ሃገር ቅሳነት ዝብሃል ኣይርከብን ኢዩ።

ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና

ዓወት ድማ ነቲ ደም ዝነብፅ ዘሎ ህዝብና


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...