ኩሉ ናይ ወዲሰብ ባህራዊ ፀባዩ ይፈላለ እምበር ኣብ መብዛሕትኡ ይመሳሰል ኢዩ። እንተኾነ እቲ ዝተፈላለ ፀባያት ወዲሰብ ናይ ከባቢኡን ኣተዓባብይኡን ጽልዋ ገይሩ ተወሳኺ መግለጺ ናይቲ ሰብ መንነት ባህርያቱ የንጸባርቕ። ናይ ሐደ ሐደ ሰባት ግና ካብቲ ሕብረተ - ሰብኣዊ ዝኾነ ቅቡል ኣርአእያን፣ ብባህሪኡ ካብ  መብዛሕትኡ ዝኣምነሉ ባህላዊ ልምድን ስርዓትን ወጻኢ ዝኾነ ኣሰራርሓ ፈጺሙ ዘይቃደው ኮይኑ ይርከብ። እዚ ከአ ናይ ሕብረተ - ሰብካ እምነትን ልምዲን፣ ብሰንኪ ናይ ድሑር ዘየመዛዝን ዕሽነት ኮነ ጨካንነት ነቲ ሃገራዊን ሃይማኖታውን ባህሊ ክርገጽ ይድርኾ። “ኣተዓባብያ ኣይበድለካ” ዝበሃል ከአ ከምዚ ዓይነት ባህሪ ስስዐን ጭካነን ከም በልሓት ንነብሶም ዝቖጽሩ ግለሰባት ክቕልቀሉ ከለዉ ዘጋጥም ሽግር’ዩ።

ሎሚ ከምቲ ኩላህና ንፈልጦ፣ ኣብ ዘዘለናዮ ኩርናዕ ዓለም ንዓና ንኤርትራውያን ጥራይ ከይኮነስ ንዓለም ኣደንጺዩን ተኸሲቱ ዘሎ እቲ ሓቂ ባህርያት መራሕ “ህግደፍ” ኢሳያስ አፈወርቂ ኣግሂዱ። ነቲ የማናይ ኢዱ (ናይዝጊ ክፍሉ) ናይ ግፍዒ መሳርሕቱ ዝነበረ ብጻዩ ከይተረፈ ኪሕድዎ። ከም ብጻዩ ጥራይ ከይኮነስ ከም ሓው፣ ካብኡ ንላዕሊ ከአ ከም ማንም ኢርትራዊ ኣብ ሃገሩ ብወግዒ ዕላዊ ናይ ሐመድ ድበ ስነስርዓት ኣብ ሃገሩ ከግበረሉ ምሕንጋዱ፣ ኢሳያስ አፈወርቂ ዓይቢ ናይ ጥዕና ሽግር ከም ዘለዎ ዘረጋግጸሉ ተግባር ኢዩ ፈጺሙ።

እዚ ሕጂ ንዓለም ዘቃልሖ ኣረመናዊ ግብሩ ብብጻዩን ንብዙሕ ዓመታት ዘገልገሎ ናይ ክፍኣት መሻርኽቱ ብምኻኑ የስደምምን የዛርብን አሎ እምበር፣ ህዝቢ ኤርትራ ንነዊሕ እዋን ዝተሰቕየሉ፣ ብሉጻት ኣባል ስድርኦም ብሰንኪ እዚ ስራሕ ጨካን ሰብን ኣተግበርቱ ከም ንዓል ነፍሰ ብሄር ሓውናን መሳርሕቱን ናይዝጊ ክፍሉ ሓፍ ዘይብል ዋጋ ቅድሚ ናጽነትን ድሕሪኡ’ውን ንጹሃን ዜጋታት ዝኸፈለሉ ታሪኽ ብምኻኑ ዝርሳዕ ኣይኮነን። እንተኾነ ኢሳያስ ብጋህዲ ክፍለጠሉ ምግባሩ ካብ ዕብዳን ይኹን ካብ ሕማም ንምፍላዩ ዘደናግር ኣይኮነን። ምሕማሙን ምዕባዱን ንህዝቢ ሕቡእ ኣይኮነን። ነቶም ከም ኣምላኽ ዝኣምንዎን ዝጽልዩሉን ከምኡ’ን ነቶም ንጥቕሚ ብደም ንጹሃን ዝተገዝኡ ዕሱባት ብሕልና ምዉታት ብኣካል ግና ምኽንያታት ንምፍጣር ዝጋየዩ ምናልባት የደናግሮም ይኸውን።

ኢሳያስ አፍወርቂ ጠላማይ ምኻኑን ምንባሩን እቶም ኣብ ዝባኖም ሓንጊጦም ሃገር ነፃ ገይሮም ዘእተውዎ ከይተረፈ መንነቱ ኩሉዕ ኢሉ ከም ቀትሪ ፀሓይ ኣበርቲዑ ጸሊዎም ከምዘሎ ኣይሳሓትን። እንተኾነ ኢሳያስ ንብጻዩ ናይዝጊ ክፍሉ ሓዲስ ብዝኾነ መልክዕ ጥልመቱ ምፍጻሙ ፍሉይ ዝገብሮ ዘሎ እንተሎ፣ ካብ ቁጽጽሩን ክሓብኦ ኣብ ዘይኽእለሉ ወጻኢ ቦታ ምዕራፉ’ዩ። ከምቶም ኣብ ሜዳ ቅድሚ ናጽነት ዘጽነቶም ናይ ቃልሲ ብጾቱን፣ ድሕሪ ናጽነት ዝጨወዮምን ዘሕቀቆምን ንጹሃን ዜጋታት ከምድላዩ ነቲ ግፍዒ ክዓብጦ ዘይምኽኣሉ ጥራይ ኢዩ።

“ኢሳያስን ሰዓብቱን ግና ከም ናይ ፖለቲካ ተዓጻጽፊነትን ኤርትራ ካብ ወጻእተኛታት ጸላእቲ ንምድሓን ዝወሰዶ ናይ መከላኸሊ ሕንጻጽ፣ ብመርገጽ ኣብ ዕላማ ሃገር ናይ ምድሓን ኣማራጺ ዘይነብሮ ውሳነ ከምዝነበረ ሕሹሹኽ ምባል ክጅምሩ ዘይተርፎም ምኻኑ ባዕሎም ዘኣተውዎ መጻወድያ ኣረጋጊጽሎም አሎ”።
እምበኣርከስ፣ ኢሳያስ ብዓብዩ ንህዝቢ ኤርትራ ብምጥላሙ፤ ንናጽነት ዜጋታት ገፊፉ ብባርነት ምቕያሩ ሎሚ ኣይኮነን ኣግሂድዎ። ነዚ ኸአ እንዳራኣዩን እንዳሰምዑን ዝስዕብዎን ዘጫፍሩን ናይ ምውታት ምውታት ስለዘጥረየ ኣየገርምን። ግና የሕዝን። ካብ ምሕዛን’ውን ሓሊፉ፤ ንምኻኑ ኣብ ሐደ ዓለም ምፍጣርናን ምህላውናን ከጠራጥረና ጀሚሩ።

“ኢሳያስ፣ ከም ኣሕዋት ሐደ በተሰብ ተሓቓቒፎም ዝተጋደሉ ናይ ቃልሲ ብጾትን ኣህዋቱን ብኸምዚ ዓይነት ጭካነን ጥልመትን ክሕቅቖም ዘይተሰከፈን ዘይቀጨጮን፤ ነቶም አለኹ አለኹ ዝብሉ ሰብ ጊዜ ኣጣቓዕቲ፣ ተራኦም ምስ በጽሐ እንታይ ከምዝጽበዮም ምህላው ዘብርሃሎም ወሳኒ “ኣዋጅ ፈርኦን” ክንብሎሎም። እንተሰምዑን ናብ ልቦም እንተተመልሱን ምመረጽና።

ኣብ ዓለም ብዙሕ ምንቅስቓስን ቃልስን በብግዚኡ ኣብ ቲሕቲ ናይ ባዕሉ መለለዪ ክሳብ ሎሚ በብናቱ ጊዜን ኩነታትትን ተኻይዱ ኢዩ። ኩሉ ኸአ ንዝሓሸ ለውጥን፣ መስረታዊ ምዕባለ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ድሌት ህዝቢ ክውዕል ዝተሓለነ ቃልሲ ከም ዝነበረ ታሪኽ ይምስክሮ። ንኣብነት ናይ ሕቡራት ኣመሪካ ቃልሲ (American Revolution ) ነዚ ሎሚ በጺሕዎ ዘሎ ምዕባለ መንገዲ ጸሪጉሉ ስለ ዝሓለፈ ፍረኡ ኩሉ ዜጋ ከስተማቕሮ ኣኽኢሉ። ናይ ፈረንሳይ ናዕቢ (French Revolution) ፤ ናይ ሩስያ ናዕቢ (Russian Revolution) ፤ ከምኡ’ውን ናይ ቻይና ነዊሕ ጉዕዞ (China’s Long March) ዘመዝገብዎ ዓወት ወላ ብናይ መራሕቱን ሰዓብቶምን ዘይልወን ዘይስበርን ኒሕ፣ ሓቦ፣ ቆራጽነትን ይመዝገብ እምበር፣ እቲ ውጺት ናይ ኩሉ ደላይ ሰላምን ምዕባለን፣ ነፃነቱን መሰሉን ከኽብር ብዝተኸፍለ ክቡር ዋጋ ዜጋታቱ ዝመጽአ እዩ።

ማዕረ ማዕረ ከአ እቲ ንነዊሕ ሱር ሰዲዱ ዘሳቕይ ዝነበረ ኣጸያፊ ስርዓት መግፋዕቲ ወጻእተኛታት ገዛእቲ ኣፍሪቃን ካልኦት ውጹዓት ህዝቢ ብዙሕ ናይ ንጹሃን ህይወት ገፊዑን በሊዑን ዝሓለፈ ረሳሕ ታሪኽ ናይ ወዲሰባት’ውን ኣይርሰዓን። እዚ’ውን ብመስዋቲ ሓቦኛታት ዜጋታትን ተደናገጽቲ ኣመንቲ ማዕርነት ደቂ ሰባት ክእለ ወላ እንተኸኣለ ፤ ኣብ ሐደ ሐደ ክፍሊ ዓለምና እቲ ዝተኸፍለ መስዋእትነት ናብ ዝገደደ ባርነትን ግፍዒ ብናይ ወዲ ዓድን፣ ካብ ውሽጢ እቲ ሕብረተ - ሰብ ብዝቦቐለ ክርዳድ ኣተሓሳስባን፣ ብድኹም ኣረመናዊ ፍልጠት ድንቁርና ዝተበገሰን ፤ ዝተዋህደን ናይ ስልጣን ስስዐ፣ ነቲ ብዙሕ ዝተጻዕረሉን ብሉጽ ዋጋ ዝተኸፍለሉ ዕላማ ጨውዩ ክንዲ ንቕድሚት ንድሕሪት ናብ ዝገደደ ዳህለሞት ጸልማት ሃገሮምን ህዝቦምን ዝዳጉኑ ከም ኢሳያስ ኣፈወርቅን ሰዓብቱን ሎሚ’ውን ዓለምና ዕጽረት ፍንጫል ንዓል አዶልፍ ሂትለር (Adolph Hitler) ኣይሰኣነትን።

ባንጻሩ ጽቡቕ ታሪኽ ናይ ከም በዓል ነልሰን ማንደላ (Nelson Mandela) ምእንቲ ራህዋን ቅሳነትን ምዕባለ ሃገሮምን ህዝቦምን ንኣፓርታይድ (Apart hayed) ስርዓት ሲዕሮም ናብ ቂምን በቐልን ምውጻእ ወይ ኩሉ ንምቁጽጻር ኣይተጋየዩን። ምኽንያቱ ኸአ ንረብሓ ህዝቦም ዘምጽኦ መኽሰብ ከይኮነስ ብኣንጻሩ ነቲ ነዊሕን ብዋጋ ዘይትመን መስዋትን ዝተኸፍሎ ዓወት ናብ ካልእ ናይ ድኽነትን ስቓይን ክሽምሞም ከምዝኾነ ተገንዚቦም ናብ ሰላማዊ መገዲ ከምርሑ ዝመረጹ። እዚ ከአ ናይ ለባማትን ሓላፊነትን ዝፈልጡ ናይ ቃልሲ ትርጉሞም ዘይሰሓቱ ናይ ስልጣን ዕቡዳት ዘይምኻኖም፣ ግና ሓቀኛ ሃገራውያንን ተገደስቲ ህዝቦምን ዘመስክር ሰናይ ግብሪ ንዓለም ዘርኣይሉ ናይ ቅኑዕ ተቓላሳይ ባህሪይ (selfless and honest) መግለጺ እዩ።

ሎሚ ኸአ ኤርትራና ድሕሪ ነዊሕ ቃልሲ ዝረኸበቶ ነጻነት እንታይ መልክዕን ትርጉምን ሒዙ ይርከብ እንተበልና፤ መልሱ ንቃልዑት ከይተረፈ ዘስካሕክሕ ኣእምራዊ ጭንቀት ዝፈጠረ ኣረመናዊ ሰብ ምስ ሰዓብቱ ወኒንዋ ኣብ መዓልታዊ ጸልማትን ንዜጋታታ ተስፋ ዘቑረጸ ስርዓት ዳጉንዋ ካብ ዓለም ሕብርተሰብ ተነጺላ ትርከብ። እዚ ኸአ ብዉሑዳት ናይ ስልጣንን ንዕቀት ህዝቦም ዝተጸለሉ ሰብ እከይ ግብሪ እኽብካብ ዝካየድ ዘሎ ስርዓት ክፈጥር ኪኢሉ።

“ንሓውኻ ኣይትንዓቆ”

ኣብ ነዊሕ ቁመት - ሓጺር ሓሳብ
ኣብ ነዊሕ ጉዕዞ - ሕልኽልኽ ምስሕሓብ
ኣብ ቁምነገር ዘይብሉ - ብዙሕ ምርብራብ
ተበሊዑ ተሰትዩ ቆየቓ - ዘየጽግብ ዘይዕግብ
ጠስሚ ርግኦ ብራሕ - ክትጽበ ዘሕሰብ
ከብቲ ከየጥረኻ - ፀባ ከምዘይሕለብ
ንድሕሪት እንዳሰሓብካ - ንቕድሚት ዘይጋለብ
ፈረስ የብጽሕ እምበር - መኣስ አለዎ ጠለብ
ጎልጎል ህዝቢ’ዩ - ይጠርነፍ ክዘራረብብ
ክሰመር ብዕላማ - ብመትከል ክተኣኻኸብ።

ኣብ ኦም ተሰቒልካ - ሰማይ ኣይተርክቦ
ዘረባ ኣኻኺብካ - ኣይትቓጽሮ ኣይተላግቦ
ሓቂ ናተይ ጥራይ - ኢልካ ብዙሕ ኣይትላቦ
ዋናታቱ ከለዉ - ብዙሓት ሰብ ሓቦ
ንቕድሚት ንዝጋዓዝ - ብልምዲ ኣይትስሓቦ
ንሃገር ንህዝቢ - ዕንቅፋት ኣይትኹን ጎቦ።

ኣብ ሰብ ውራይ ኣቲኻ - ባዕልኻ ክትዕጠቕ
ብበለ በለካ - ውራይ ስዋ ኣይጽሞቕ
እንታይ ኣውዲቅካ እንተበሉስ - ምልሓስ ዘይቅጥቀጥ
ብደንጎላ ከይኮነስ - ብበለጽ ህዝብኻ ክጽቀጥ
ብሽም ጀጋኑ ስውኣት - ፈቐዶ ክሽቀጥ
ነንሕድሕድካ ምክትታር - ኣፈቐዶ ወሽመጥ
ኣማዕዲኻ ምጥምማት - ወገንካ ክዝበጥ
ብሰንኪ ድኽመትካ - ውራይ “ህግደፍ” ክሳለጥ።

ብጸቢብ ኣተሓሳስባ - ንህዝቢ ኣይተጨንቆ
ብፍቕሪ ንደቆ - ብዕላማ ጽሞቆ
ብዓወት ብግብሪ - ንድሌት ህዝቢ ከድምቖ
ህግደፍ ክድርመስ - ክስበር ናቱ ሕቖ
ምዕባለ ክኹላዕ - ንድኽነት ባርነት ክብርቅቖ
ጊደኻ ኣበርክት - ድሌትካ ከተዕውቶ
ንሓዘን ንጭንቂ - ሰላም ቅሳነት ክሰርቆ
ኣማዕዲኻ ሕሰብ - ንሓውኻ ኣይትንዓቆ
ናይ ጨቆንቲ ስርዓት - ብሕብረት ከተውድቖ።

ቅሳነትን ራህዋን ምዕባለ ንህዝብና
ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንጀጋኑ ንስውኣትና

ሰለሞን ብርሃነ ሠንጋል
“ሕልና - 02/25/2012”

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...