ብ ኣጋጥሚ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ን ተቓላሲት ኤርትራዊት ዜጋ ብ ዓቕመይ ሕጽር ዝበለት ግጥሚ ንከበርክተላ ካብ ውሽጢ ልበይ ዝፈልፈለ ሓጎስ ይስመዓኒ ብፍናና ከኣ ይኾርዕ::

ኤርትራዊት ዜጋ ኣብ ጊዜ መግዛእቲ ከም ኩሉ ኣባል ሕብረተሰብና ክትጭቆንን ክትምዝመዝን ናይ ግድን ነይሩ:: እንተኾነግን ናታ ጭቆና ፍሉይ ዝገብሮ ኩነት ኣሎ ንሱ ከኣ ድርብ ጭቆና ስለዝነበራን ጌናውን ስለ ዘልዋን እዩ::

ድርብ ጭቆና ነይርዋ ክብል ከለኹ ብዘይካ እቲ ሕሱም መግዛእታዊ በትሪ ድሑርን ሃሳይን ትባዕታዊ ጸቕጢ እውን ነይርዋ እዩ:: ኣብ ውሽህጢ እቲ ሕብረተሰብ ከም ኣገልጋሊት ወዲ ተባዕታይ እንበር ዓንዲ ማእከል ናይ ሓደ ስድራቤት ወይ ናይቲ ሕብረተሰብ ኣይትፍለጥን ነይራ:: መንቀሊ ናይቲ ዝነበረቶ ኩነታት ከኣ ኣብ ውሽጢ እቲ ሕብረተሰብ ድሑር ባህሊ ነጊሱ ብምንባሩ እዩ::

ሰውራ ኤርትራ ፖለቲካኡ እናማዕበለ፣ ደረጃ ንቕሓት ተጋዳላይ እናለዕለ ኣብ ዝኸደሉ ዝነበረ ግዜ ብዛዕባ ኣግእዞ ጋል ኣንስተይቲ              (መሰል ማዕርነት ምስ ወዲ ተባዕታይ) ክዝረብን ክጭራሕን ጀመረ:: ኣብዚ ጥራይ ከይተወሰነ ከኣ ኣንፈታቱ እናማዕበለ ኣብ ሰውራ ኤርትራ ከም መትከል ንክምዝገብ በቐዐ:: ኣብዚ ደረጃዚ ንክበጽሕ ግን ብ ልሙጽ መንገዲ ሰተት ኢሉ ዘይኮነስ ብክንደይ ሓርጎጽጎጽን ተሪር ተቓውሞታትን እዩ::

እቲ ዝሕዝን ግን ድሕሪ ነጻነት እቲ ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ መሰረትን እምነ ኩርናዕን ረኽቡ ዝነበረ ጉዳይ ኣግዞ ደቂ ኣንስትዮ ሎሚ ብሰንኪ ብኩራት ቅዋማዊ ምሕደራ ኣብ ሃገርና፤ ጉዳይ ማዕርነት ኣብቲ ግዜ መግዛእቲ ዝነበረሉ ኩነታት ተመሊሱ ይርከብ እንተበልኩ ምግናን ኣይመስለንን:: 

ኤርትራዊት ዜጋ ብርሃን ገዛና
ፍናን ቃልስና ሓበን ታሪኽና

ሰውራና ጀሚሩ ንመሰል ህዝብና
ህዝቢ ምስተገፍዓ ብባዕዲ ጭቆና
ግፍዒ መሪርዋ ፈጺማ ጨኪና
ሰውራኣ ጀሚራ ብምሉእ ሕልና::

ካብ ዝጅመር ሒዛ ብረታዊ ሰውራ
ኣብ ደገ ኣብ ውሽጢ ኣብ ሜዳ ኤርትራ
ብጉልበት ብዕጥቂ ብምዕንጋል ሰውራ
ተሳታፍነታ ዓለም ኣመስኪራ::

ቅድመ ግንባር ኮይና ብብረት መኪታ
ድሕረ ግንባር ኮይና ዓንጊላ ነሕዋታ
ሓጺባ ወልዊላ ቸመንቶ እንዳማታ
ሰውራ እግሪ ኣትኪላ ሰውራ ኣዕዊታ::

ብስራሕ ዝልለ ጉዳይ ማዕርነትኪ
ብጻዕሪ ዝመጸ ኩሉ ዓወታትኪ
መታን ከይገሃስ ህያው መሰላትኪ
ተኻላኸልዮ ቅናትኪ ዓጢቕኪ:

ኣርኣያ ካሕሳይ ማሉ

ሮማ 07/03/2012


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...