መሓውር ምልኪ ክስበር ዝኹሕኩሑ

ሂወቶም ክልግሱ ዘይውላወሉ ዘይፈርሑ

ራህዋ ከንግሱ ንኤርትራ ዳግም ዘምርሑ

ዓወት ንሓፋሽ ብተግባር ዝጨረሑ

መግደፍ ስደት ኣስቆርቁርዎም ዝሰከሑ

ሃባርም ተላዒሎም ደሃዮም ነቢሑ

ፊትወራርነቶም ኣብ ዓለም ኣቃሊሑ

መረዋሕ ተደሲቑ ነጋሪቱ ተጋዊሑ

ተምልከትዎ ስእልታቶም ተኣምር ክሰርሑ

ደልሃመት ክቕንጥጥ በርሃውሃው’ሉ ወጊሑ

ወይልኦም ጠላማት ህዝቢ ዘሰክሑ

መናእሰይ ኣኪቦም ኣብ ሳዋ ዝፈጽሑ

ንእስነቱ ኣምኪኖም ልቡ ዝመልሑ

ስቅያት ህዝቢ ዘይዓጅቦም ጠቕሞም ዘራብሑ

ጅግንነት ህዝቢ ንስለ-ጃህራ ዝጀልሑ

ንጹህ ደም ብዘይስክፍታ ዝቐድሑ

እንሆ ሎሚ ሰዓቱ ኣኺሉ ታራኦም ክምቁሑ

ዕልል ትበል ለባም ወላዲት በራ ተርሑ።

ክቡራት ተኸታተልቲ መፍተል ሓበረታ ናይዞም ኣብ ታሕቲ ትርእይዎም ዘለኹም መናእሰይን ናተይ ወሲኸ ስላምታ ተቐበሉ፥ ከምዚ እናበልካ ኣብ ቅድሚ ኮምቲተር ተገፍቲንካ ክትጽሕፎ ቀሊል እዩ። ኣብቲ ዘልውዎ ኣጻምእ ኮንካ ብተግባር ክትሳተፎ ግን ብጣዕሚ ከቢድ እዩ።

ክቡራት ኣሓትን ኣሕዋትን ተኸታተልቲ መፍተል ሓበረታ፥ ኣብ ዓለም ብፍላይ ከኣ ከምዚ ናትና ዝኣምሰለ ኣልቦ ቁዋም ኣረመናዊ መግዛእቲ ዝሳዕረሮ ኮታ ሂወት ወዲ-ሰብ ዝሓሰረሉ ብዘይፊትወራሪ ዝተዓወተ ቃልሲ ዛጊት ኣይተረኣየን እንተበልኩ ቃል ኣጋንኖ ኣይኮነን።

እዚ ኣብ ታሕቲ ትርእይዎ ዘለኹም ስእሊ ተጋደልቲ ጀባ ዝብለኩም ዘለኹ ጻልጣ ስእሊ ተጋደልቲ፡ ም.ደ.ፍ.ኤ.(E.M.D.J) መንቅስቓስ ደሞክራስን ፍትሕን ኤርትራ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኮታ ብገዳይም ተጋደልቲ ዝነብሩ መብዛሕቲኦም ከኣ ኣባላት ኮማንዶን ስለያን ኮይኖም ንህዝቢ ኤርትራ ካብቲ ኣጋጥምዎ ዘሎ ሕሰም ንምንጋፍ ዝተበገሱ ውፍያት እዮም። ጭርሖኦም ዓወት ንሓፋሽ ብተግባር እዩ። እዚ ጥራሕ ዘይኮነ ኢሰያስ ምስ ጭፍራኡ ኣብቲ ዘሕምሞ በቲ ከስምዖ ዝኽእል ተግባራት ከይሓወስካ ፍታሕ ኣይርከብን በሃልት ኢዮም። ትርእይዎ ዘለኹም ሓይሊ ሕዳሰ ወተሃደራውን ፖለትካውን ዝቐስም ዘሎ ደኣ’ምበር እቲ ቅድመግምባር ዘሎ ኣይኮነን። ኣይኮነንዶ ናብ ቅድመ ግንባራት ክትምርሽስ ናብዚ ክፍሊ ታዕሊም ክትበጽሕ’ውን ዳንጋ ይሓትት ምኻኑ ኣይትስሓትዎ። ትብዓትን ንያትን ሓዋዊስካ ግን ዘይብጻሕ ቦታ የለንሞ በጺሐዮ።

ክቡራት ተኸታተልቲ መፍተል ሓበረታ፥ እዚ ሓይልታትዚ ካብ ማህጸን መደበራት ስደተኛታት ዝተዋጸኤ ኮታ ስደት ፍታሕ ኣይኮነን ዝብል ሃገራዊ መርሖ ዝኸፈተ፡ ሓድሽ የውሃንስ ቅዲ ዝቐደደ፡ ንያትን ፍናን መናእሰይ ዘሐደሰ፡ ምብትታን መናእሰይ ዝኾልፍ ዘሎ ኮታ መድሕን ክብሪታት ናይ ስዉኣት ጀጋኑ ኣደታቱን ኣቦታቱን ናብ ንቡር ቦታኡ ንምምላስ እጅገኡ ሰብሲቡ መቐነቱ ዘስጠመ፡ንኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ትቖሪኑ ደም ዝነብዕ ዘሎ ግዱድ ዕስክርና ዝረመሶ መንእሰይ ሓድሽ ሂወት ዘሪኡ ናብ ሑቕፍታቱ ይስሕቦ ምህላዉ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ካብ ኩሉ ብሀራት ኮነ ጾታት ኣወሃሂዱ ዝነቐለ፡ ኣረመናዊ ምልኪ ንምብዳህ ሻምላኡ ስሒሉ፡ ኩናቱ ኣብሊሑ፡ ዋልታኡ ገቲሩ ንኢደወነናዊ ምልካዊ ስርዓት ኣልቦ ኮታ ንእኩባት ሰብ ብረት ኮር ተገልበጥ ራዕድን ሽበራን ዘሪኡሎም ከም ዘሎ ኣይትስሓቱ። ስሕባት ናይዚ ሓይሊ’ዚ ንምሉእ ህዝቢ ኤርትራ ተስፋ ዘሪኡሉ ምህላኡ ክትብሰሩ’ውን ባህ ይብለኒ። እዚ ሓይልታትዚ ዋላ እካ ነብሰ ተኣማንነት ሰኒቑ ዝተበገሰ እንተኾነ ኣብ ሰደት ሰፊሩ ንስለ ፍትሓዊ መሰላት ህዝቡ ዘማዕዱ ኩሉ ብፍላይ ከኣ መንእሰያዊ ሓይሊ ብዝከኣለካ ንሕና’ውን ምሳኻ ተላፊና ብዝከኣለና ሓገዝና እናኣወፈና ዓንዲ ሕቖኡ ክንከውን ሓላፍነትና እዩ። መንኮርኮር ናይ ሓደ ሕብረተ-ሰብ መንእሰይ ምኻኑ ክንስሕት ኣይግባእን። ኣብ ኤውሮጳ ወይ’ውን ኣብ ከተማታት ኢትዮጵያ ሰፊርካ ዝጨራሕካ እንተጨራሕካ ኮታ ለፍሊፍካ ኮነ ጽሒፍካ ዝመጽእ ለውጢ የለን። ብዘይካ ንምንዋሕ ዕድመ ስልጣ ኢደወነናዊ ኢሰያስ ምስ ጭፍራኡ ካልእ ፋይዳ የብሉን።

እቲ ቀንዲ ዘሐጉስ ምንቅስቓስ መንእሰይ ብሀር ሳሆን ምደፍኤን ድሮ ብሓባር ክሰርሑ ኣብ ምውሳኖም ንኽልቲኦ ምርካበይ ተወሳኺ ባህታ ዘሪኡለይ። ኣብ ዝቕጽል ፖልቲካዊ ትምህርቲ ክወስዱ ንዝጸንሑኒ ተጋደልቲ ብሀር ሳሆ ዘርኢ ስእልታት’ውን ጀባ ክብለኩም እየ። ብዘይተሳትፎ መንእሰይ ዝመጽእ ለውጢ የለን። ……. ይቕጽል።

ገብረሂወት ወልደሚካኤል

2012-02-28 ስቶክሆልም


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...