ወየ፡ ወየ፡ ወየ! ወየ ንመዋቲ ወየ ነታ ስድራ!

ወየ፡ ንመዋቲ ዘይንፈግ መግነዚኡ ህያብ ኢዩ። ወናኒ ሓቒቕ ባህሊ ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ገለ ካብቲ ወረጃ ስነ-ምግባ ራቱ ንሞት’ውን ንጹር ወግዒ ገይርሉ ኢዩ። ሞት ብውዕዩ ሬሳ ኣብቃሬዛኡ ኣብ ቅድሚ ቀባሮ ኣብዝተጋደመሉ ግ ዜ፡ ብኩሉ መለክዒ “’ወየ “ይበሃል። መዋቲ ከኣ ብከይብሉንን ካልእ ብዝወርዶ ሳዕቤናትን ከይተሰከፈ፡ ከምቲ ኩሉ ተመዓራርዩ ምስተገንዘ፡ ነናትካ ትንታነ ኣሎ ሽዑ። መራሕቲ ሃይማኖት፡“ፍትሓት“ ተባሂሉ ነታ ኣብ ኢድ ሰብን ፈ ጣርን ዝተንበርከኸት ቀጣፊት ነፍሲ በቲ ዘይርደኣና ዘረባ ግእዝ ክመዓቱዋ እንከለዉ፡ ሰብ ወየ’ውን ነናቶም መብከ ይ ዛዕባ ኣለዎም። ስድራቤት ምፍላይ ኣካሎም መሪርዎም ይውጭጩ። መላቐስቲ ድማ ብልቦም ታሪኽ መዋቲ ክት ንትኑ ይጅምሩ። ከምገለ ተግባራት መዋቲ ቅጭ እንተኣምጺእሎም፡ ብኣጋጣሚ ሓድሽ ሞት ኣቐዲሞም ብዝሓለፉ ፍቑራቶም ከምዝቑዝሙን ንብዓቶም ከምዝዛርን ይውሳእ። ዝኾነ ኮይኑ ዓበይትን ቀባሮን ከምቲ ግቡእ፡ “ሓዘንተኛ ክነፍሰሉ“ ብምባል፡ ገለ ግዜ ምስተነብዐን፡ መዋቲ በቲ ግቡእ መስርሕ ሓሊፉ ናብታ ዕጫ ኩላህና ዝኾነት ኣፋ ከፊ ታ እትጽበ ጋህሲ ክድርገም ይግደድ።

ስነ-ስርዓት ቀብሪ፡ ቛሬጣን ተዝካርን ኣሰንዩ ዝሳለጥ ዓለማዊ ስንብታ ካብኮነ፡ ስለ’ቲ ብሉጽ ባህልናን ሓያልነትናን፡ ነቲ ንቡር ዘይረኸበ ገዲም ተጋዳላይ ነፈሲ-ሄር ናይዝጊ ክፍሉ “መንግስተ-ሰማያት የዋርሶ“ ንበል፡ ምዉት ክንሕርም ስልጣንና ስለዘይኮነ። ብዓቢኡ ድማ ስድራኡ ኣላ። ከምኡ’ውን ዓለም ተራመን ተረፈ እንድያ፡ እቶም ዘይኣ በረኛታት ድማ ይልብሙ’ሞ ምስኦም ይጸንብረና ኣምላኽ፡ ኣሜን!!

“መለበምን ኣይኽላእካ፡ መለበምን ኣይግበርካ“ ኢሎሙና ወለዲ። በየናይ ኣእዛንና’ሞ ሰሚዕናዮ! እምበር ምርኣይሲ ንርእዮ ኣለና። ናይዝጊ ከምዚኣ ክገብርዎ ምዃኖም ተሰቝራቶ እንተትነብር ገለስ ምገበረላ ንታሪኹ። እንተኾነስ እቲ ስራሕ ዕማም ፈጣሪ ብምዃኑ ኣይተኻእሎን ናይዝጊ። ታሪኽከ ብኸመይ ድኣ ክገሃድ! ካብዘይተኻእሎስ በሉ ከምታ ተግባሩን “ይርከባ ድኣ“ ዝብልዎ ካሕዳያት ደቂ-መዛሙርቱ ኣይንዝምርን። እታ ስድራ ስለ ዘይኣበሰት ካብቲ ወሪድዋ ዘሎ ምክልባት ዝኸፍእ ውርደት ከኣ የለን እሞ ጽንዓትን ኣኻእሎን ድማ ይፍጠረላ ኣምላኽ ንስድራቤት መዋቲ!

መሸም እቲ ጫውጫውታ ብኩሉ  መዳያቱ ማለት ስድራ ምፍላይ ኣካሎም ኣጉህይዎም፡ ተቓወምቲ ድማ ንመዋቲ  ከየላፋለፍዎን ከየናዘዝዎን ብምኻዱ፡ ካሕዳያት ብቐንዶም’ውን ምስጢሮም ቛጺሩ’ዃ እንተኸደ፡ ገለ እንተተ መሰለሎም ከምስሉ ስንብራቱ ከይሃሰሰ ክኸድዑዎ ኢዩ እቲ ተፈጢሩ ዘሎ ሕማም ድሓር። ኣኸለ በሉ፡ እቲ ዝኾነ ታሪኽ ኮይኑ እንድዩ፡ እቲ ቛሬጣ ጫውጫውታስ፡ ካብኡ ገለ’ዃ መኽሰብ ስለዘይብልና ንውሓጦ ጥራይ።ንሕና ንሐይሽ፡ ከም ንታሪኽ ምንባር ዝጥዕም ስለዘየለ። ብዓቢኡ ሬሳ እንተኸደ ምስ ታሪኽ ተሪፍና ኣለና’ሞ ከምቲ ታሪኽ ናይቶም ብግፍዒ ህግደፍ ዝተፈለዩና ካብ ጉድጓዱ ኣውጺእና ነዘንትወሉ ዘለና፡ እኪት ተልእኾ ምዉታትንን ህሉዋ ትን ኣባላት ህግደፍ ድማ ከምከብዲ ኢድና ስለእንፈልጦ ኣብዝኸደና የብሉን። 

ስለምንታይ ኢዩ ናይዝጊ ሓመድ ዓደብኡ ተሓሪሙ?


ድሕሪ ሓመድ ድበ ቅብጸት እንድዩ፡ ውራይ ተዝካርን ምዝንጋዕን፡ ዳግማይ ፍትሓት ኮይኑ ሓዘን ከይዛዘም ዝሓለነ ብቐንዱ ናብ ህዝቢ ናብ ወግዒ ዝቐነንዐ ውጹእ ዓገብ ህግደፍ ዝተጋህደሉ ኣጋጣሚ ናይ ሬሳ ፖለቲካ ከኣ ተገቲርል ና እንሆ። ከምቲ ትፈልጥዎ ህግደፍ ቁማርተኛ እንድዩ፡ ብሞትን መሸጣ ዜጋታትን ከምዝጣላዕ ክግለጽ ኢልዎ ድማ ምስ ሬሳ ክታረኽ ይርአ ኣሎ። ካብዚ ሰለስተ ነገራት ይጋሃዱ። በቲ ሓደ መራሕ ህግደፍ ፍጹም ኪዳን ዝበሃል ከም ዘይብሉ፡ ብካልኣይ፡ ሬሳ ጅሆ ሒዙ ቁጠባውን ዲፕሎምስያውን ረብሓ እንተረኸበ፡፡ ብሳልሳይ ብፖለቲካ ያኢ ናይ ዝጊ ጠሊሙ ተባሂሉ ተሓላቕነት ህግደፍ ንህዝቢ ክደምቀሉ።

ነቶም ካብ ማዕዶ ግደፍ ብህይወቶምስ ሬሳኦም’ዃ ዓዲ ከምዘይኣቱ ዝተነግሮም ተቓወምቲ ድማ ጉድ ክኾነኩም ምስክር ኢዩ ሬሳ ናይስጊ። ብዙሕ ባዶን ነውርን!   ወዮ ድኣ ክበላሸውካ እንከሎ ከምኡ ኮይኑ’ምበር መዋቲ በዓል ዕቁብ ኢሰይያስን ተረፍ መረፍን ኢለሞ እንድዮም ለባማት። እቲ ቁልፊ ገሃንብ ሒዙ ዝሰሓግ ዘሎ መራሒ፡ ተሰሪዖም ንዘለዉ ኣባላቱ ሰስሒቡ ናብ ጋህሶም ክድርግሞም እንከሎ ንርእሱ ክተርፍስ መዓስ ምጸልአ። ክንድቲ ዝናን ሃብትን ገዲፍካ ንዝኽየድከ እንታይ ኣህጸጾ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብኦኦም ዝሓልፈሉ እንተኾይኑ ክጠላልም ነይርዎ። ግን ኣይከኣል ኮይኑስ ጥልመት ዝፈጠረሉ ትንግርቲ ብዘይምንባሩ ከኣ “ገባር ክፉእ ክንደየናይ ከይጥዕሞ“ ከምዝበሃል፡ ብተግባሩ ስጋኡን መንፈሱን ተፈላልዩ፡ እቲ መሐጐስ ሓያማት ዝብልዎ ውቃበኡ ብሽብርያታት ተሸቢጡ’ውን ዘይልከፍ ወጅሂ ኮይኑ ግዳማዊ ምስሉ ባዕሉ ደዊንዋ ጉዳም!

ኣችለንተ ወዲኣፎም ብሪ! ኪደላ’ምበር ዓለምዶ ትጽገብ ድኣ ኮይና! ግና መዘክርካ /ድያሪ/ ጽሑፋት ኣይትረስዕ ኣብ መንግስተ-ሰማያት ድማ ኣንጻር ፈጣሪኻን መንግስቲ ኣመሪካ ክትማጎት ስለዝኾንካ።

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ ናይዝጊ ቅድሚ ምኻዱ፡ ብመንፈስ በዓል ወደ-ባቴ፡ በዓል ጴጥሮስ ሰለሙን፡ ደቂ- ዕቁቡ ከርክብዎ ምዃኖም ኣተንቢህና ኔርና። እቲ ናብ ሰማያዊ ዓለም ዝጠመተ ስደት ካብተጀመረ እምበኣር ተሰሪዖም ዘለዉ ኣባላት ህግደፍ ኩሎም ክዘራጠቡ ግድን ኢዩ። ከምቲ ሞት ሓንሳብ ኣብውሽጢ ስድራ እንተኣትያ ትለኻኽም፡  ከምቲ ሞት ዓርኪ መሰታ/ሞትክናና/ ዘየደቅስን ዘየናሕስን፡ ተር ድኣ በሉላ ንሞት ዕሉላት ገበነኛት። ብሂወትኩም እንከለኹም ፍዳኹም ኣርኪቡ ኢዩ’ሞ ንነብስኹም ብኸዩላ ውበታት። እምበር ናይዝግስ ሎሚ ኣይኮነን መይቱ፡፡ኢሰይያስ ከኣ ከምቲ ባህርያቱስ ብግዳይነት በዓልኪዳኑ ትተርፍ ሩሕ ዘላቶ መሲልዎ፡ ከምቲ ንድሙ መጻወቲታ………….ዝተባህለ ከላግጸሉን ክኸድዖን ካብዝጅምር መዓስ ውሒዱ!!

ከምኡ ኢዩ ሕማቕ ሕልና። መለኽቲ ኣዝዮም’ዃ እንተኣጉባዕብዑ፡ ከምቲ ከይቀደምናዮም ዝበልዎ፡ ፈራሃትን ጥርሑ ገረወይናን ብምዃኖም ባህርያቶም ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኢዩ። ጠባያት ግዝኣተ- ማክያቨሊ ምዃኑ እንድዩ፡ ኣብቅድሚኦም ፍቅርን ስኒትን የለን፡ ኣማዕድዮም ዝርእይዎ ዕግርግር እንተዘይሃልዩ ሰላሞም ዝሕሎ ኣይመስሎምን……… ክሳብ ድማ ምስሬሳታት ኢዩም ዝናቘቱ። ከይረሓቕና መቓብር ሓርበኛታት ዝተሓረሙ ጀጋኑና መዓስ ውሒዶም።

መንግስቱ ሃይለማርያም ንንጉስ ቀቲሉ ከይትንስኡ ሰጊኡ ግዲ ንምቁጽጻሮም ክጥዕሞ ኣብ ትሕቲ ቤትጽሕፈቱ ቀበሮም። ዓርኪ ኢሰይያስ ሙዓመር ኣልቓዛፊ ድሕሪ ምዕናዉ ንዝፈርሆም ፖለቲከኛታት ቀቲሉ ንዕስራን ሓሙሽተን ዓመታ ት ኣብ ፍርጅ ዘጽንሖም ረሳታት ተቓሊዖም። እዚ ምስ ምንታይ ትቖጽርዎ? ካልእ ብዙሕ ብዙሕ። ጎብየ’ውን እኮ  ዘፍርህዎ መይቶም ተቐቢሮም ጥራይ ዘይኮነ፡ መዋትቲ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ብስሚንቶ እንተዘይተረጪኖም ዝኣምን ኣይኮነን። በሉ፡ ካል ብዙሕ ዝተረፈ እኪት ንሰምዓሉ ግዜ ተቓሪቡ እንድዩ፡ ሕጂ ህግደፍ ክሰርሖ ንዝደሊ ድራማ ምዉታን ንተኣለየሉ።

እቲ ፖለቲካ ሬሳ ከኣ ሬሳ ፖለቲካ ጥራይ ኢዩ’ሞ ሓድሽ ድማ ኣይኮነን። ከመይሲ ናይዝጊስ ዃ ብሙሉእ ኣካላቱ ክቕበር ኢዩ። ብተወሳኺ ተነቢዕሉን፡ ጸበቐ ከፍአ ድማ ታሪኽ ተዘንትይሉን ኢዩ። እቲ ካልእ መስዋእትን ምእንቲ ዶላራት ዝተፈናጥሐ ኣካላት’ኮ ድማ ኣሎ ። ደጊመ ንነፍሲ-ሄር መንግስተ-ሰማያት፡ ንስድራቤት መዋቲ ድማ ጽንዓት፡ እምነ።

ዓወት ንሓፋሽ!!

ጎደፋ

25-02-12


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...