እዚ ጽሑፍ እዚ  ንኩሎም ተጋደልቲ ብሓፈሻ፣ ኣብ ጽፍሒ ሓላፍነት ንትርከቡ ድማ ብፍላይ ዘተኮረ እዩ። ኩሉ ከምዝሳማማዓሉ መብዛሕትኡ ብሓቂ ሓልዮት ሃገርን ህዝብን ሒዝዎ፣ ኩሉ ናብራን ሂወትን መኒኑ ናብ መስዋእቲ ክብጆ ኢሉ ናብ በረኻ ዝወጽእ፣ ልዑል ሕልናን ትብዓትን ዝተዓደሎ ጥራይ እዩ። ክንዲ ዝኾነ መስገደል ሰጊሩ ዕላማ ፈጺሙ ዓዲ እንተ ኣተወ፣ ማዕረ እቲ ዝወሰዶ መዳርግቲ ኣልቦ ዉሳኔ፣ ፍናንን ኩርዓትን ክስምዖ ንቡር እዩ። ኩልና ከምንፈልጦን ንዝክሮን ድማ ኣብ መጀመርያ ናይ ናጽነት ዓመታት ተጋዳላይ ዝነበሮ ክብሪ ዓስቢ እቲ ዝፈጸሞ ከቢድ ሃገራዊ ሓላፍነት እዩ ነይሩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ከ ክብሪ ተጋዳላይ ኣብ ከመይ ይርከብ ኣሎ?

እቲ መልሲ ንኹሉ ብሩህ እኳ እንተኾነ፣ ብዝያዳ ዝፈልጦ ግን ባዕሉ ተጋዳላይ እዩ። ብሓፈሻ ንምግምጋም ግን፣ ተጋዳላይ ናብ ሓደ ዕላምኡ ስሒቱ ናብ ወገኑ ዝዓለበ ተወንጫፊ ኮይኑ ይርከብ ኣሎ። ከምሳዕቤን እዚ ነዉራም ተግባር ብመጀመርያ ሕፍረት ንነብሱ፣ ድሒሩ ድማ ናብ ዉላዱን መቅርቡን ተሳጋጊሩ፣ እቲ ዘሐብን ታሪኽ ዝሰርሐ ተጋዳላይ፣ ነታ ሓበኑ ዝነበረት ተጋዳላይ እትብል ቅጽል ኣሕፊራቶ ጎስይዋ ክሳብ ዝሓልፍ እንሓንሳብ ድማ ቀዳማይ ዙርያ ወይ ናይ 90 እኮ እየ፣ እንዳ በለ ከማኻኒ ክሳብ ዝግደድ ዝበጽሓሉ ኣጋጣሚታት ተዓዚብና ኣለና።

እቲ መኽንያት ከ እንታይ ነበረ ንዝብል ሕቶ ንምምላስ፣ ስርዓት ህግደፍ ንጸቢብ ረብሓታቱ ክብል፣ ንተጋዳላይ መሳርሒ ስለ ዝተጠቕመሉ እዩ። እዚ ክብል ከለኹ ነቶም መጋበርያ ዝኾንኩም ደኣ እምበር፣ እቲ ስርዓት መንገዲ ዓመጽ ክሕዝ ከሎ ብትብዓት ዝተቃወምኩም ጅግንነት ኣብ ርእሲ ጅግንነት ንዝፈጸምኩም ተራኹም ዝዝንጋዕ ኣይመስለንን። ይኹን እምበር ገረብ ብሓኽላ ከምዝባሃል፣ በቶም ስራሕ ተግባር ጥልመት ንምፍጻም ዝተላእኩ ተጋደልቲ ተበግሶ ቅኑዓት ተጓዕጺጹ። እቲ ዝርዝር ነዊሕ እኳ እንተኾነ እቲ ክፋእ ግን ተጋዳላይ ተልእኾታት እቲ ስርዓት ንምፍጻም፣ ንህዝቢ ብሓፈሻ፣ ንኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣሕዋቱን ኣሓቱን፣ ንሰብ ሕልና ብጾቱን ድማ ብፍላይ ኣረሚናዊ ግፍዒ ምስ ኣዉረደ እዩ ዕራቁ ዝወጸ ስራሕ ተዅላ ክሰርሕ ዝተራእየ። ሕብረተ ሰብ ክዒብዎ፣ ንመዉስቦ ከይተረፈ ዝተፈንፈነሉ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ተዓዚብና ኢና።

እቶም ብኣስማት ሰዉራ ዝልለዩ ዝነበሩ ሕቡናት ደቂ ስዉኣትን፣ ህልዋትን ተጋዳላይ ከም ሓሬና፣ ፈንቅል፣ ጽንዓት ወዘተ ዝተሰምዩ ዉሉድካ ሎሚ ኣስማቶም ክልዉጡ ክትዕዘብ እንታይ ይስማዓካ? ካብ ስደትን በረኻን ናብ ዓዶም ክኣትዉ ብሰላምን እፎይታን ክነብሩ ዝባሃግካዩም፣ ሃገር ራሕሪሖም ናብ ስደት ከምርሑ እንከለዉ እንታይ ኮን ይስማዓካ ይኸዉን!! ኣብ ቃንኘዉ ማይ ሓባር፣ መንደፈራ ፣ ዋሊኩ ከረን፣ ባጽዕ ዝነበሩ ስድራቤታት ተጋደልቲ ሎሚ ኣበይ ኣለዉ? እቶም ንዜጋታት ሃገራዊ ፍቅርን ሓድነትን ከሕድሩ ከይተሓለሉ ዝሰርሑ ዝነበሩ ስነጥበባዉያን ከይተረፈ ኣብ ስደት ዘዉን ክብሉ ዝራኣዩ ዘለዉ ስለምንታይ ኮን ይኾኑ? ስደት ናፊቆም ድዮም ተጋዲሎም? ኤርትራ ንመን ትምችኦ፣ እፎይ ኢሉ ዝነብረላ መን ኣሎ።

ህዝብታት ዓለም ብዛዕባ ኣሳራርሓ መግቢ፣ መንግስትታቶም ድማ ብዛዕባ እቲ ብኽብደት ሚዛን ዝሳቀ ህዝቦም ብኸመይ ይፍወስ ክዝትዩ ጸሓይ ክዓርቦም፣ እቲ ብጥምየት ዝግረፍ ዘሎ ህዝብኻ ብዕብራን መሰንገሊኡ ወጺኡ ብዛዕባ ባኒ ክሓልም ክትርእዮ ሎሚ እንታይ ይስማዓካ? እታ ብዋጋ ምሩጻት ብጾትካ ዝተረኽበት ሃገር፣ ረመጽ ተቀይራ ተጋዲለሉ ትብሎ ህዝቢ፣ መጋድልትኻ ነበር ብተግባርካ ዝሓነኸ በብሓደ ሰብ ዋሓደ ከምዝባሃል ወይ ናብ ስደት፣ ወይ ቤት ማእሰርቲ ክዳጎን ደቂስካ ዶ ትሓድር ትህሉ? ኣብ ጎልጎል ዝወግሖ ዝብኢ ክትመስል ንበይንኻ ተሪፍካ ኣለኻ። ኩሉ ተሰዲዱ፣ ኩሉ ተኣሲሩ፣ ኩሉ ደኽዩ፣ መን ምስ ጠፍአ ኢኻ ትጉሂ፣ ንመን ትጥዕሞ ሃገር ኣምጺአ ትብል ትኸዉን? መን ሒዝካ ሃገር ክትከዉን ትሓስብ? ስለምንታይ ከ እዚ ኹሉ?

መልሲ ናይዚ ኩሉ ሕቶታት፣ ሓንቲ ኣያ ተጋዳላይ ብሓፈሻ ኣብ ጽፍሒ ስልጣን ትርከብ ድማ ብፍላይ፣ ተራኻ ተራ ከልቢ ሃዳናይ ስለ ዝኾነ እዩ።  ስርዓት ህግደፍ ከምተጠቂምካ ዝድርበ ዋጋ ኣልቦ ንብረት ክጥቀመልካ እንከሎን፣ እንዳ ሃለወን ኣጽቂጥካ ስለዝተረፍካ እዩ። ኩነታት ስርዓት ህግደፍ ናብ ገደል ኣብዘምራሓሉ ዝነበረ እዋን ካብኻ ዝተሰወረ ኣይነበረን። እዚ ሰብኣይ (ኢሰያስ) እምበር ዓቢዱ፣ እንታይ ከርእየና ደልዩ ዘሎ፣ ይባሃል ከምዝነረ ኩልና ንዝክሮ ዛጊት ዉን ዝዳጋገም ዘሎ ሓረግ እዩ። ንሱ ሓደ ሰብ እዩ፣ እንተዓበደ ዉን ኣይመኽፋኣሉን፣ የግዳስ ተጋደላይ እቲ ትማሊ ከምመድሕን ሃገር ዝረአ ዝነበረ ብዝዓበደ ዉልቀ ሰብ ተመሪሑ እዚ ዕንወት ክፍጽም መጋበርያ ክኸዉን ግን፣ ምስ ተገበአ ዶ? ዝሓለፈ ሓሊፉሎ መለበሚ ኣይግበርካ መለበሚ ኣይኽላእካ ከምዝባሃል፣ ነዚ ስርዓት እዚ ምግልጋል ግን ዉጺኢቱ ብኸም ናይ ኣቶ ናይዝጊ ክፍሉ ዝኣመሰሉ ሬሳኻ ምክልባት ጥራዩ።

ለዉጢ ፈቲና ጸሊእና ክመጽእ እዩ፣ እቲ እትቅይሶ ለዉጢ ኣየጉህን እዩ፣ እቲ ብዘይፍታዉካ ዝመጽእ ለዉጢ ግን፣ ነቲ ከይመጸካ ትፈርሆ መከራን ዓጸፌትኡን ሒዙ ከመጽእ ምዃኑ ኣይትጠራጠር! እንተኾነ ሕጂ ዉን ጽንቃቕ ሕልና ዝተረፈቶ ዓስቢ ገድልና ነዚ ኣይኮነን፣ ደጊምሲ ኣንጻር ገድለይ ኣይጋዳልን ዝብል ሓደ ምዑት ተተረኽበ ነገራት ናብ ቅኑዕ ኣንፈት ክምለሱ ጸቢብ ዕድል ኣይሳኣንን ይኸዉን። ንስኻ ዉን ካብ ናይ ሕልናን ናይ ስዒቡ ዝመጽእ ስርዓት ተሓታትነትን ክስን ክትድሕን ሓጺር እዋን ተሪፍካ ከምዘሎ፣ ነዚ ኣንጸላልይካ ዘሎ ጸሊም ደበና ብምስትዉዓል ግቡእ ሓላፍነት ክትወስድ ግዜን ኩነታትን ይሓተካ ኣሎ!!!

ፍትሒ ይንገስ፣ ምልኪ ይፍረስ!!

ኤርትራዊ ብሕልና (23/02/2012).


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...