‘ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ’ በቲ ኣብ ካናዳ ኦንታርዮ ዚቕመጥ ረድኢ መሓሪ (ኣለና) እተባህለ ገዲም ተጋዳላይ እተጻሕፈት መጽሓፍ ኢያ። ብኣገላልጻ ጸሓፊ፡ እዛ መጽሓፍ እዚኣ ኣብ ኣሰና መርበብ ኢንተርነት በብኸፊል ክትወጽእ ዝጸንሐትን ብዙሕ ጻዕሪ እተገብረላን ኣብ ናይ ሓቂ ተመክሮን ዕቱብ ትንተናን እተመርኰሰትን ኢያ። ኣብ ዛዛሚ ገጻታ ድማ እታ “መጽሓፍ መንካዕ”’ ተባሂላ እትፍለጥ ኢሳይያስ ገና ወዲ 27 ዓመት ከሎ ዝጸሓፋ ጽሕፍቲ ቀሪባ ኣላ።

እዛ 622 ገጻት ዝሓዘት ብሓድሓደ ኣሳእልን ሰነዳትን እተሰነየት መጽሓፍ እዚኣ ኣብ ቀረባ ግዜ ተሓቲማ ንህዝቢ ተዘርጊሓ ኣላ። ን’ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ’ ኣንቢበ ርእይቶ ክህበላ ምስ ተሓተትኩ፡ ንኸንብባ ኣዚየ ተሃንጠኹ፡ ከመይሲ ኣብቲ ናይ ኣሰና መርበብ ክከታተላ ኣይከኣልኩን። እቲ ኣርእስታ ግን ሓያል ኮይኑ ተሰሚዑኒ። ከቢድን ንስምዒታትካ ዚትንክፍን ኣርእስቲ ኢዩ። ክርዳድ ንኽትዘርእ’ዶ ትልሚ ትትልም? ኣብ ዚብል ሓሳባት የጥሕለካ።

ቅድሚ ሕጂ፡ ንውልቀመለኽትን ኣምባገነናትን ዚምልከት ታሪኽ-ህይወት ኣብ እተፈላለየ እዋናት ኣንቢበ ኣለኹ። ገሊኦም ከም ወናማት ዲክታተራት ኮይኖም ኪቐርቡ ኸለዉ፡ ገሊኦም ድማ ከም ሃነጽቲ ሃገር ተቘጺሮም ዚነኣዱ ነይሮም። እዚ ኣመለኻኽታ’ዚ በቲ እትርእየሉ ዘሎኻ ቦታን ሸነኽን ይጽሎ ኢዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ሓንቲ ብዛዕባ ማኦ እተዘንቱ መጽሓፍ ኣንቢበ ነይረ። ብሓቂ ነቲ ሸይጣናዊ ባህርያቱ እያ እተቃልዕ፡ ይኹን’ምበር፡ ኣብቲ ዩዋን ዚብሃል ባጤራ ሃገር ቺና፡ ናይ ማኦ ስእሊ ብኽብሪ ተቐሚጡ ምስ ረኣኹ፡ እዚ ሰብኣይ’ዚ መዕነዊ ዲዩስ ወይስ መድሓኒ ኢለ ብልበይ።

ሽሕኳ ውልቀመላኽያን ክሳዕ ዚሞቱን ናብ ታሪኽ ዚሓልፉን ኣብ ፍርዲ ከነእትዎም እንተ ዘይብልና፡ መብዛሕትኦም ግን ንፍርዲ ታሪኽ ዘጸቢ ባህርያት’ውን የብሎምን። ንኣብነት ከም ሂትለር ዝኣመሰሉ ሰባት፡ ንታሪኽ ዚግደፉ ኣይኮኑን። እቲ ዚግበር ኩሉ እከይ ገይሮምዎ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ህዝቦምን ህዝቢ ዓለምን ከይተረፈ ኣብ ቅድሚ ኣዒንታቶም ክሳብ ዚጸንት ካብ ታሪኽ ዘይሕከኽ ሰብኣዊ ገበናት ፈጺሞም ኢዮም።

ህዝቢ ግን ረሳዓይ ኢዩ። ካብዚ ዚኸፍእ ኣይምጻእ እናበለ ንኹሉ ውልቀመላኺ ተሰኪሙዎ ይኸይድ ኣሎ። እቲ ክፍኣትን እከይን ግን ኣብ ቦታኡ ኢዩ ዘሎ።

ናብ ኣርእቶይ ንምምላስ፡ ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ ንፈላምን ቀጻልን ባህርያት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ እትድህስስ መጽሓፍ እያ። ማለት፡ ነቲ ኣተሓሳስባኡ፡ ነቲ ድራኸኡ፡ ነቲ ዕላማኡ፡ ወዘተ። ከምዚ ብምግባር ከኣ ነቲ ከም ግብረመልሲ ዚወስዶ ዝነበረ ስጕምትታት፡ ዘንጸባርቖ ዝነበረ ውልቃዊ ፍልስፍና፡ ንኸንቱ ሕልምታቱን ትልምታቱን ትትንትን። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኣገላልጻ፡ ጸሓፊ ብግሉጽን ሕብእብእ ዘይብሉ መገድን፡ ናይ ኢሳይያስ መጀመርታን መወዳእታን እንኮን ዕላማ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ንምጽናት ከም ዝኾነ ገይሩ የቐምጦ። ከምዚ ዝበለ ግጉይ ዕላማ ምውሳዱ ድማ፡ ወዲ ሃገር ብዘይ ምዃኑ ኢዩ፡ ይብል ጸሓፊ።

ነዚ ንምግባር፡ ኢሳይያስ ነቶም ኣብ ከባቢኡ ዘለዉ ኣካየድቲ፡ ብዝከኣል መጠን ናይ መንነት ቅልውላው ከም ዚህሉዎም ገይሩ ኢዩ። ብሓጺሩ፡ እቶም ነታ ሃገር ኣጽኒቶምዋ ኪኸዱ ከም መትከል ሒዞምዎ ዘለዉ ክፍሊ መሪሕነት፡ ጽሩያት ኤርትራውያን ከም ዘይኮኑ ኣብቲ መጽሓፍ ጐሊሑ ሰፊሩ ኣሎ።

ኣብዚ ነጥብ’ዚ፡ ህግደፍ ከም ቀንዲ መሳርሒ ኢሳይያስ ኮይኑ ተገሊጹ ኣሎ። ጸሓፊ ከም ዚብሎ፡ ህግደፍ ምስ ተጋደልቲ ምንም ዝምድና የብሉን። ተጋደልቲ ንህዝቦም እተወፈዩን ዚውፈዩ ዘለዉን ሃገራውያን ኢዮም። ህግደፍ ግን ንህዝቢ እንተላይ ንተጋደልቲ ከዳኽምን፡ ከዋርድን ከጥፍእን፡ እተመዘዘ መሳርሒ ኢሳያያስ ምዃኑ ጸሓፊ እተፈላለየ ሓበሬታን ትንተናን ብምቕራብ ይገልጾ።

ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ ብሓፈሻ ንኣካይዳ ሰውራን ኣፈላልማኡን ኣወዳድቓኡን እትገልጽ መጽሓፍ ኢያ። ጸሓፊ፡ ሰውራ ብኢሳይያስን መሳርሕቱን ከይተጨውየ ኸሎ፡ ንህዝቢ ኢሉ ከም እተላዕለ፡ ብምኽንያት ሕቡእ ኣጀንዳ ኢሳይያስ ግን ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ናይ ብሔራትን ሃይማኖትን ኣውራጃን ግርጭት ኣትዩ፡ ኣብ ዘየድልዮ ኲናት-ሓድሕድ ከም ዝጸነተን፡ ኣብ ከንቱ ስግረ-ዶባዊ ዕንደራ ከም ዝሃለቐን፡ ግዳይ ግፍዕን መከራን ስደትን ጥሜትን ሞትን ከም ዝኾነን፡ ኤርትራ ድማ ኣብ ቅድሚ ማሕበረሰብ ዓለም ተዋሪዳን ተናዒቓን ተሪፋ ከም ዘላን ብግሩም ኣገባብ ኣስፊሩዎ ኣሎ።

ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ ብልዙብ ትግርኛ እተጻሕፈት፡ ከተንብባ ዘይተሰልቹ፡ ላዛ ብዘለዎም ሓረጋትን ምስላታትን ተምሳላትን ዘጌጸት፡ ሓድሓደ ግዜ ድማ ዋዛ ምስ ቁምነገር ገይራ ንኩነታት እትገልጽን፡ ብሓደ ግዜ ኣንቢብካ እትውድኣን መጽሓፍ ኢያ። ረድኢ መሓሪ ናይ ምዝንታው ክእለቱ ተወዳዳሪ የብሉን። ናይ ኩነታትን ፍጻመታትን ኣገላልጻኡን ትንተናኡን ኣብ ተመክሮኡ እተሰረተ ብምዃኑ ንኽትኣምኖ ኣይእግመካን፡ ርእይቶታቱ’ውን ብስለት ዘለዎ ኢዩ።

ይኹን’ምበር፡ እቲ ጽሑፍ ብሓፈሻ መወከሲ ምንጪ ወይ ረፈረንስ ብዘይ ምህላዉ ቅር ይብለካ። ከመይሲ፡ ዝኾነ ታሪኻዊ ጽሑፍ፡ መወከሲ ምስ ዚህሉዎ ኢዩ ኣብ ኣህጉራዊ ንባብ ተቐባልነት ኪህሉዎ ዚኽእል። ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ  ግን፡ ረድኢ ባዕሉ መወከሲ ምንጪ ኢዩ። ይኹን’ምበር፡ እዚ’ውን ኣብ ዓለም ብተዛማዲ ተቐባልነት ኣለዎ። ‘‘እሙናት ማዕከናት ከም ዚብሉዎ’’ ዚብል ኣዘራርባ ኣብዚ ኪኣቱ ይኽእል። ከምኡ’ውን ሕልፍ ሕልፍ ኢሉ፡ እቲ ብዓረብን ብትግረን ዚወሃብ ምስላታት ወይ ጥቕስታት፡ ብትግርኛ መግለጺ ኣይተዋህቦን። ዝበዝሕ ኣሳእል’ውን ካፕሽን ወይ ትሕተ-መግለጺ ኣይተገብረሉን። ብተወሳኺ፡ ጸሓፊ፡ ኣብ ኩሉ ገጻት፡ ንኢሳይያስ ባዕሉ ምፍራዱ፡ ነቲ ጽሑፍ ሓይሉ የድክሞ ኢዩ፡ ማለት ጸሓፊ፡ ፍርዲ ነቲ ዘንብብ ኪገድፈሉ ዘይምፍታኑ፡ ካብቲ ናይታ መጽሓፍ ገለ ድኽመታት ሓደ ኢዩ ክብል እደፍር። ሓደ ደራሲ ብዛዕባ ሓደ ኩነት ወይ ሰብ ኪጽሕፍ ከሎ፡ ከምቲ ዘለዎ ኢዩ ከስፍሮ ዘለዎ እምበር፡ ፍርዲ ኪህብ ኣይግባኦን። ፍርዲስ ነቲ ኣንባቢ እንተ ተገድፈሉ ኢዩ ዚምረጽ።

ብሓፈሻ ኪረአ ከሎ ግን፡ ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ ነቲ ብዛዕባ ሰውራን ነዚ በጺሕናዮ ዘሎና ፖለቲካዊ ምዕባለን ኪፈልጥን ከገናዝብን ኪትንትንን ንዚደሊ ሰብ፡ ኣገዳሲት መጽሓፍ ኢያ። ኩሉ ኣብቲ ሰውራ እተኻፈለ በብናቱ ጽሑፋት እንተ ዘቕርብ፡ ነቲ ኣንባቢ’ውን ኣስፊሑ ንኺሓስብን፡ ኩነታት ንኸገናዝብን፡ ኪመራመርን፡ ከነጻጽርን ዕድል ምሃቦ ነይሩ።

ህዝብና ግን ካብ ምጽሓፍ ብዝያዳ ኣብ ዕላልን በለካ ለኽዓካ ዝጠሓለ ይመስል። ኣእምሮኻ ከፊትካ ምክታዕን ምዝታይን ካብ ባህልና እናጠፍአ ብምኻዱ የሕዝን ኢዩ። እቲ ኪጽሕፍ ዚግባኦ ኢዱ እንተ ደኣ ኣኪቡ፡ እቲ ኪዛረብ ዚግባኦ ትም እንተ ደኣ ኢሉ፡ እቲ ከንብብ ዚግባኦ ናብ ዕላል ጥራይ እንተ ደኣ ኣዘምቢሉ፡ ከመይ ኢሉ ኢዩ ደኣ ናይ ሓሳባት ወይ ናይ ሓበሬታ ምዕባለ ኪድንፍዕ ዚኽእል? ግን ከኣ ሓድሓደ ከም ረድኢ ዝኣመሰሉ ሰባት፡ በታ ዘላቶም ፍልጠትን ዓቕምን ነቲ ንሓያሎ ዓመታት እተመከሩዎ ኩነታትን ፍጻመታትን ከም መጽሓፍ ገይሮም ከቕርቡልና ኸለዉ፡ ኪምስገኑን ከምኡ’ውን ከም ዚተባብዑ ምግባር፡ እዋናውን ኣገዳስን ኢዩ። ኣብ ልዕል’ዚ፡ ኩሉ ብዛዕባ ሃገሩ ዚግደስ ሰብ ንኸምዚ ዝበለ መጻሕፍቲ ብምዕዳግ ከንብቦን ብትብዓት ኪምርምሮን ኪካተዓሉን ብስምዒት ከይተዓብለለ ድማ ኪነቕፎ ወይ ኪንእዶ መሰሉን ሓላፍነቱን ኢዩ።

ብ ኣማኑኤል ሳህለ


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...