ኣፍ-ኣርክቡ ንሓመድ ድበ ኢሳይያስ - ሳልሳይ ክፋል
“…ሓደ ካብቲ ቀንዲ ዘዐወተና ረቛሒታት ምዕቃብ ምስጢር ኢዩ። ስለዚ ምስጢር ክትዕቅቡ ኣለኩም። ኣነን ኢሳይያስን እንፈልጦ ናይ ሳሕል ምስጢር ንህዝቢ ኤርትራ እንተዝንገሮ፣ ብሙሉኡ እዚ ህዝቢ’ዚ ምተጸለለ ነይሩ።” ቃል ናይዝጊ ክፍሉ ሚኒስተር ዜና ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ንኣኼባ ሓለፍቲ እቲ ሚኒስትሪ ካብ ዝበሎ።
ሞት ገበነኛታት ህግደፍ ክቕጽል ኢዩ። ጽላል ቀባሮ ተዳልዩ፤ ቋሬጣ ቀባሮ’ውን ተኣዚዙ ኢዩ። ናይ ጽሕፍቶ ጉዳይ ኮይኑ ጉድጓድ ዓንዳሪ ኢሳይያስ፣ እሙን ዓርኩ ናይዝጊ ክፍሉ ኣትዩዋ ኣሎ። ሞት ገበነኛ ዝዕለለሉ’ኳ እንተኾነ፣ ናይዝጊ ክፍሉ ሒዝዎ ዝተቐብረ ቤተ-መዘክር ሚስጢራት ሓለዋ ሰውራ ሳሕል ግን የሕዝነና። ልዕሊ ምስጢራት ናይዝጊ ዘተሓሳስበና ጉዳይ ድማ ብዙሓት ተቓወምቲ ኢና በሃልቲ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ነበር፣ ነቲ ዝፈልጥዎ ገበናዊ ምስጢራት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ሒዞሞ ናብ መቓብር ንክኸዱ ምምራጾም ኢዩ። ኣብ ኤርትራ ብሞት ናይዝጊ ክፍሉ ልዕሊ ተቓወምቲን ልዕሊ ዝኾነ ሰብን ዝተሓጎሰ ኢሳይያስ ጥራይ ኢዩ ክኸውን ዝኽእል። እቲ ምንታይ ነቲ መሰክሕ ምስጢራት ሳሕል ተሰኪሙሉ ስለዝሓለፈ።
ጎዳጉዲ ንመቓብር ገበነኛታት ገና ይኮዓት ኢዩ ዘሎ። ወየ! ወየ ዝብሉ ኣላቐስቲ ድማ ይተኣኻኸቡ ኣለዉ። ሞት ገበነኛታት ንምቅልጣፍ ሰብ ንያት መንእሰያት ኤርትራ ስርዓት ህግደፍ ብዱላ ንምዝባጥ ዓጢቖም ኣለዉ። ኣብ ደገ’ውን መንእሰያትና ስመርርር ብዝብል ቴማ ዝጀመርዎ ሃገራዊ ምትእኽኻብ ኣድማዒ ስራሕ ይሰርሕ ኣሎ።
እቶም ሕድሪ ሰማእታት ክሒዶም ጻሕሊ ኢሳይያስ እናኣልመጹ ዋጦት ስርዓቱ ንምዃን ዝመረጹ ገዳይም ኤርትራውያን ደረፍቲ ድማ በብዝመጽኡዎ ክዝበጡ ኣለዎም። እቲ ምንታይ ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጓይላን ዝላን ዘይኮነስ ከም ኢዮብ ኣብ ረዚን ሓዘንን ብኽያትን ስለዘሎ። ኢሳይያስ ብመደብ ብዘተኣታተዎ ሰባብ ትልሚ፣ ህዝብናን ንብረትናን ጠፊኡ ኢዩ። መንእሰያትና ድማ ኣብ ጎዳጉዲ ሲናይ ብጎዲም ካራ ይሕረዱ ኣለዉ። ኣብ ዝሓለፈ ግዜ እስቲፋኖስ ኣብርሃም /ዘማች/ ምስ ተሃርመ፣ ብዙሓት ቆርበት በጊዕ ዝተኸድኑ ተዃሉ፦ “ስንኩል’ዶ ይህረም ኢዩ?” ክብሉ ሰሚዕናዮም።
ነቲ ኢሳይያስ ኣብ ማይ ሓባር ዝገበሮ ታሪኽ ዘይርስዖ ምርሻን ስንኩላን ደኣ እንታይ ኢዮም ክዛረቡሉ? ከም እድሪስ ኣባ ዓረ ገዳይም ተጋደልቲ ስንኩላን ኣብ ዒራ-ዒሮን ኣብ ፈቐዶ ጎዳጉዲን ዝተኣስሩን ዝተረሸኑን’ከ ደኣ ደቂ ኣየናይ ሃገር ኢዮም? ‘ዋልታ ኣይትርአ ክንዮ ዋልታ ንዘሎ ርአ’ ከም ዝበሃል፣ መንእሰይ ኤርትራ ክንዮ በዓል ዘማችን ተፈኖን ንዘለዉ ከቃብጽ ኢዩ ዝህንደድ ዘሎ። እዚ ኣብ ዘማችን ተፈኖን ዝወረደ ምጭልጋም ከኣ ካፋ ኢዩ። ሰማያት ኤርትራ መመሊሱ ይጥቅር፤ እቲ ሰርቢ ምይ ኣይሂ ድማ መመሊሱ ይሃምም ስለዘሎ፤ ውሕጅ ክልተ ሩባ ንበዓል መን ከም ዝወስድ እስከ ዝግ ኢልና ጥራይ ንጸበ።
‘ደረቐኛ ድዉይ ኣብ ቀሪም ዓተር ይሰራሰር!’ እዚ ብሂል’ዚ ብቐጥታ ነቲ ከም ንጉሰ ወዲ እልፉ ባዕሉ ዝተሾመ ዕሉል ውልቀ-ምልካዊ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝበቅዕ ብሂል ኢዩ። ውልቀ-ምልካውያን ሓለምቲ ኢዮም’ሞ ኣይከም ኢሳይያስን፣ ሕልሚን ጋህዲን ግን ነንበይኑ ስለዝኾነ ይኣክል ምሕላም ክንብሎ ምደለና።
መስፍን መሮር ዝነበረ ኢሳይያስ፣ ብድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ብኢትዮጵያ፣ ብሶማል፣ ብጂቡቲ፣ ብሱዳን፣ ብዳርፉር ወ.ዘ.ተ…በብዝወፈሮ ስለዝተጨልገመን ኣብ ብራሾ ጥልያን ከም ዝኣተወ ዓለም ጸቢባቶ ስለዘላን፤ ክርቢት ብምሽርጣጥ ኣብ ዳሜራ ኲናት ንክስዕስዕን በቲ ዝፍጠር ትኪ ተኸዊሉ ድማ ንክሃድምን ይሸባሸብ ኣሎ።
ንኢሳይያስ ከቢድ ጸቕጢ ደምን ሕማም ሽኮርን ዝገበረሉ እቲ ምስ ሻለቃ ዳዊት ወልደጊዮርጊስ ኣብ ናቕፋ ዝተዘራረበሉን ኣብ ለንደን ዝደገሞን፦ ሕልሚ ግዝኣት “ዓባይ ኢትዮጵያ”ን ጎብለል ቀርኒ ኣፍሪቃን ስለዝቐበጾ ኢዩ። ኢሳይያስ ናይ ኢትዮጵያ ሃጸይ ንክኸውን ንወዱ ድማ ወራስ ዓራት ክገብሮ ኣንጊሁ ዝሓለሞ ሕልሚ ኢዩ ዝነበረ።
እቶም ገርሀኛታት ተጋደልቲ ሳሕል ኣብ ግዜ ሰውራ ንደቆም ‘ማርክስ፣ ለኒን፣ ዴሳዊት፣ ደንደን፣ ካብራል…’ ዝብል ኣስማት ከውጽኡሎም እንከለዉ፤ “ዓሻ ድየ በራኺ” ዝበለ ኢሳይያስ ግን፤ ነቲ ብ12 ጥቅምቲ 1985 ዓ.ም. ኣብ ሆስፒታል ዓራረብ ዝተወልደ ቦኽሪ ውላዱ፣ ወራስ ዓራት ንክኾነሉ ያኢ ኣብርሃም ዝብል ናይ ኣባሓጉኡ ስም ኢዩ ዘውጽኣሉ።
‘ጸድፊ ሰይጣን መሕልፎ ንብዕራይ ተሕልፎ፣ ንወጠጦ ተጽድፎ’ ከም ዝበሃል፤ ግርንቢጥ ኢሳይያስ፣ የማነታትን ክሻን ጸብጺብካ’ውን ዝውዳእ ኣይኮነን። ኢሳይያስ ነዞም ሰባት እዚኣቶም ብዝተወሃሃደ ሙቐት ንምጭጫሕ ካብ 1987 ግዜ ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤ ህዝባዊ ግንባር ኢደ በይዛ ንምግባሮም ኣይደቀሰን።
እዞም ኣብ ልዕሊ ሬሳታት ንጹሃት ኤርትራውያን ብሓፈሻ፣ ኣብ ልዕሊ ሬሳታት ኣባላት ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ህዝባዊ ግንባር ነበርን ጉጅለ 15ን ድማ ብፍላይ ዝተኾደሙ ሰባት ግን እንታዎት ኢዮም? ኢልና ክንሓትት ሰዓት ይኣክል ኣሎ። ብከመይ ዝበለ ኣገባብ’ከ ተኣኻኸቡ? ስለምንታይ ካልኦት ደቀባት ዘይተሓወስዎም? ስለምንታይ’ከ ልዕሊ ሚኒስተራት፣ ልዕሊ ጀነራላትን ኣማሓደርቲ ዞባታትን ሰፍ ዘይብል ናይ ፖለቲካን ቁጠባን ሓላፍነት ተዋህቦም? ስለምንታይ ዕድል ኤርትራውያን ኣብ ቆረበሻ እዞም ሰለስተ ሰባት ጥራይ ዝቑጸር? ስለምንታይ’ከ ዝለዓሉ ናይ ጸጥታን ስለያን ሓለፍቲ ብሪጋድር ጀነራል ጠዓመ ጎይትኦምን /መቐለ/ ኮሎኔል ተስፋልደት ሃብተስላሴን ንክኾኑ ጥራይ ተሓርዮም? ንሳቶም’ከ እንታዎት ኢዮም? ኣፍንጫ ኤርትራዊ እንተተሃርመ እትነብዕ ዓይኒ ህግደፍ ኣላ ድያ?
ብድሕሪ ዘመነ-ቅብጸት ግዝኣት ዓባይ ኢትዮጵያ፣ ኣፍ-ኣርክቡ ንሓመድ ድበ ኢሳይያስ ይበሃል ኣሎ። ሎቶሪና ጥፍኣት ባኩም-ባኩም ትብል ኣላ። ‘ወይልኻ ጣላ ብዕራይ ምስ ተረፍካ ዳሕራይ’ ከም ዝተባህለ፤ ኢሳይያስ ብዘይካ’ዞም ደቀ-መዛሙርቱ ዝኣምኖ ኤርትራዊ ሚኒስተርን ጀነራልን ስለዘይብሉ፤ ኣብዚ ናይ ኣፍ-ኣርክቡ ዕራርቦ ሰዓቱ፤ ዘጻንሕ መለቀብታ ትንፋስ እንተረኺቡ እታ ንብዙሓት ኤርትራውያን ዝጨረመት መርዛም ሴፉ ናባኻትኩም ከም ዘብላ ኣይትዘንግዑ፣
ኣንታ ኤርትራዊ ሜጀር ጀነራል፣ ብሪጋደር ጀነራል፣ ኣንታ ኮሎኔልን ሜጀርን፤ ኣንታ ስማዊ ሚኒስተርን ኣማሓዳሪ ዞባን ሎሚ ሕሰብ! ኣይፋልካን ሕሰብ ደኣ!! ኢሳይያስ ብዘይካ እዞም ባዕሉ ዝጨጭሖም ኣትማን ኣብ ኤርትራ ዝኣምኖ ሰብ የብሉን። ሎሚ ቀስ ብቐስ ንሓለዋ ነፍሱን ቤት ጽሕፈቱን ተዋፊሮም ዝነበሩ ኤርትራውያን እናኣደስከለ ብሓደስቲ ሕውስዋስ ወለዶ ዘለዎም ሰባት ክትክኦም ጸኒሑን ኣሎን። ሕሰብ ኣንታ ክብረት ሃገር ንምምጻእ ንሰላሳ ዓመታት ዝተጋደልካ ኤርትራዊ! ካብ ተመኩሮ በዓል ማሕሙድ ሸሪፎን ሃይለ ወልደንስአን፤ ካብ ተመኩሮ ጴጥሮስን ጀርማኖን ተመሃር። ካብኡ ዝዓቢ ኣስኳላ የለን’ሞ፤ እታ ክሳድካ ንክትጨርም ትሰሓል ዘላ መርዛም ሴፍ ኢሳይያስ ናብ ክሳድ እዚ ገበነኛ ኣብላ።
ከምቲ ብቐጻሊ ንጽሕፎ ዝነበርና፣ ኢሳይያስ ንባዕዳውያን ሃገራት ንከገልግል ኮነ ተባሂሉ ናብ ሜዳ ዝተላእከ ሰላዪ ኢዩ። እዚ ምስጢር እዚ ካብቲ ንነዊሕ ዓመታት ተቐቢርሉ ዝነበረ ጋህሲ ንክወጽእ ተቐራሪቡ ኣሎ። እዞም ከም ኣረነ በብሓደ ስጉምቲ ኣብ ሓንቲ በዓቲ ዝተእእኻኸቡ ሰባት፣ ራህዋን ሰላምን ዝሓረማ ኤርትራ፣ ዲሞክራሲን ቅዋምን ዘይትፈልጥ ሃገር፣ ቁጠባዊ ጸጋን ዲፕሎማስያዊ ላህመትን ዘይብላ ኤርትራ ንምግሃድ እጅገኦም ሰብሲቦም ካብ ዝሰርሑ ኣይወሓደን። ናይ ጥፍኣት ሰለስተ ሓዋርያት ስለዝኾኑ ድማ፣ ንቀርኒ ኣፍሪቃን ማያት ቀይሕ ባሕሪን ከም ሜዳ ኩዕሶ ክጻወትሉ ብድሕሪ ምጽናሖም ሎሚ ትንፋስ ትሓጽሮም ኣላ’ሞ ትልኽ ኢሎም ደም ህዝቢ ኣብ ፋኛቱራታት ከይክዕዉስ ሕጂ ተበራበር።
ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ መሬት ኤርትራ ደጀን ዝገበሩን ብህግደፍ ዝተላእኩን ዕጡቓት ተቓወምቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ንቀርኒ ኣፍሪቃን ንዓለምን ዘሰንበደ ትራጄዲ ፈጺሞም ኣለዉ። ብዘይካ ኣሉን ሓሶትን ካልእ መልሲ ዘይብሉ ሕንግድ ስርዓት ህግደፍ፣ ከም ኣመሉ ነቲ ሞት ሓሙሽተ ወጻእተኛታት ዘኸተለ መጥቃዕቲ ኣሉ ቀጣን ክብል መሊሱሉ ኣሎ። ‘ኣሉ ንስዖይ የዳሉ’ ከም ዝበሃል ህግደፍ ብዘይካ ኣሉ ካልእ ሓቂ ኣሚኑ ኣይፈልጥን ኢዩ። ናብ ደረጃ ኣፍ-ኣርክቡ ዝወረደ ዕሉል ጨካን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ቅድሚኡ ብዘይካ ኣጥፊእካ ምጥፋእ ካልእ ዝረኣዮ መዋጽኦ የለን። እዚ ስርዓት እዚ ብድሕሪ’ቲ ከም ተመን መስከረም ዕፋፈቱ ቀይሩ ዝተራእየሉ ግዜ፣ ክሳብ ሎሚ ንክጸንሕ ዝገበርኦ ኣርባዕተ ጉዳያት፦
1. ምረት ህግደፍ ንምምዓር፣ ካብቲ ህዝቢ ኤርትራ ዝንየተሉ ፈለግ ታሪኽ “ህዝባዊ ግንባር” ዝብላ ክልተ ብርቂ ቃላት ስለዝሰረቐ። ብመጽሓፍ ሳሕል ስለዝመሓለ፣ ብጸናጽልን መቖምያን ውድብ ህዝባዊ ግንባር ስለዝዘመረን ትርግታ ልቢ ህዝቢ ኤርትራ ስለዝመዝመዘን፣
2. ከም መእሰሪ ዘይብሉ ማእዶ ፋሕ-ብትን ዝበለ ህዝቢን ደምበ ተቓውሞ ስለዝቐጸለ።
3. ኣብ ደገ ብገንዘብ፣ ብትውልዲን ረብሓን ዝሰርሑ ሹምባሻት ስለዘዋፈረ።
4. ብዱላ ዝድስቖ ውድብ ወይ ሃገር ስለዘይረኸበ።
እቲ ኩሉ ግዜ ኣብ ጥቓ እንዳ ነብሪ ኮይኑ ዝቆጻጸ ወጠጦ ግን ሓንቲ መዓልቲ በቲ ነብሪ ከም ዝብላዕ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ኢሳይያስ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጸወታ ብሓዊ ኣብ ዘብዝሓሉ ግዜ’ምበኣር እንኮ መዓልቲ ዘይትምሕር ዱላ ኣቦይ ብሃይማኖት ክትፍልጾ ኢያ። ‘ጭሕሚ ብጻይካ ክላጸ ጭሕምኻ ማይ ልኸ’ ከም ዝበሃል፤ ሎሚ ውልቀ-ምልካዊ ኢሳይያስ ብድሕሪ እሙናት ኣዕሩኽቱ ሙዓመር ቃዛፊን መራሒ ሰሜን ኮርያ ነበር ኪም ጆንግን ዝተረፎ እሙን ዓርኪ የለን። እነሆ ከኣ ሕጂ እቲ ኣብ 1973 ንምሁራት “መንካዕ” ዝብል ስም ዘጠመቐ ዕሉል ገበነኛ ናይዝጊ ክፍሉ ሞይቱ። ሞት የሰንብድ ኢዩ’ሞ ኣይከም መዘናን! ከምቲ ሓደ ዕቡይ ሰብኣይ “መዘናኻ’ምበር ዓሪፉ” ምስ በሉዎ፦ “ሆእ ሞት ገርገረት” ዝበሎ፤ እነሆ ሞት መዘና ንኢሳይያስ ድቃስ ዘይህብ ሕማም መንጸሮር ኮይኑዎ ርኢናዮ።
ካብ ዝሓለፉ ዓመታት ንላዕሊ እታ ቂም-ቂም እናበለት መዋእል እትጽብጽብ ሰዓት። ኣመና ትቀላጠፍ ኣላ። ንኤርትራ ከም ሕልፍኚኦም ንህዝባ ከኣ ከም ጊልያ ቆጺሮም ደም ክሳብ እንነብዕ ዝደሃኹና፣ እዞም ብኣካል ሰለስተ ሰባት፤ ብግብሪ ግን ሓደ ተመን ዝኾኑ ጉሒላታት ኢዮም። ህዝቢ ኤርትራ ነዞም ሰባት እዚኣቶም ክነጽግዎ ብዝጸንሑ ሓደገኛ መርዚ ከም ዝፈንፈኖምን ከም ዝንዕቆምን ስለዝፈልጡ ድማ፤ ናይ ባህ ኣይበሎ ህልኽ ካብ ዝሕዙ ኣይወሓደን።
ጉዳመኛ መንግስቲ ህግደፍ ብጭፍራ በጋሚንዶ ዝቖመ፣ ብሕጊ ኣራዊተ-ግዳም ዝምራሕ ስርዓት ኢዩ። ‘ዞም ሰባት ብዘይካ ንህዝቢ ኤርትራ ምቕጥቃጥን ምብራርን ከምኡ’ውን ምዝራግን ምህዋኽን ከባቢ ኤርትራ ሓንጎሎም ንሓንቲ ካልኢት’ውን ትኹን ሰናይ ኣይተዓደለን። ኣባ-ጓይላ እዚ ጭፍራ ገበነኛ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ብድሕሪ’ቲ ካብ ምብራዕ ኲናት ባድመ ንደሓር መመሊሱ ዝቐጸሎ ተላባዒ ገበናት፤ ነቲ ካብ ግዜ ሰብዓታት ከም ገበታ ሓስመት ጨው ኣብ ዝባኑ ዝተሰከሞ መንደዓት ገበን፤ ኣብ ምድሪ ከራግፎ ዝከኣል ኣይኮነን። ብሕጊን ስነ-ምግባርን ዘይቅየድ ሰብ ድማ ካብ ኣራዊት ዝፍለየሉ ምኽንያት የለን።
እምበኣርከስ እታ ናይ ገበነኛታት ናይ ሓመድ ድበ ሰዓት እነሃ ትቀራረብ ኣላ። ‘‘ዓኾኻይ ዓኾኻይ! ገዓት ሓምሊ ውጻእ ገዓት ጠስሚ እቶ’’ በል ኣንታ ኤርትራዊ ሰብ!
ዕልል በሊ ኣንቲ ድርሙም ርእሳ ን20 ዓመታት ዝነባዕኪ ኤርትራዊት ኣደ!
ኣብ ራብዓይ ክፋል ብተመሳሳሊ ትሕዝቶ ክሳብ እንራኸብ ሰናይ ቅነ!
This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.
ኣለና ብውሽጢ፣ ኣለና ብደገ!
ብዓወትና ንኣምን!
ሞት ክናና ንኢሳይያስ!!
ይቕጽል…