ጠንቂ ናይቲ ሲናእ ዝበሃል ሕማም ብዙሕ`ዩ ፡ ንጠንቅታቱ ዝምልከት ሓያለ መግለጺታት ከኣ ብናይ ትንተናን መጽናዕትን ሰብ ክእለት ዝተጻሕፈን ዝተዘርበን ብዙሕ ኣንቢብናን ሰሚዕናን ኢና፡ ካብኡ ብዝበለጸ ኸኣ ብቀንዶም ካብ ዝወዓሉን በቲ ሕማም ካብ ዝተጠቅዑን ኣሕዋትና ብቀጥታ ብሬድዮ ኤረና ኣቢሉ ተቃሊሑ ዝሰማዕናዮ ብዙሕ`ዩ፡፡ኣዚዩ ብዙሕ!!

ብፍላይ ከኣ እቲ ብ 16/02/2012 ዝተቃለሐ መደብ ንስለ`ቲ ኣገዳስነቱ ሬድዮ ኤረና ደጋጊማ ከተቅርቦ፤ ናይ ብኔት ምክትታል ዕድል ዘለዎም ከኣ ንናይቲ ዝተጠቅሰ ዕለት መደብ ተመሊሶም ክከታተሉ ከምኡ`ውን ነቲ ቃለ-ማሕተት(ዝርርብ) ሬድዮ ኤረና ናብ ጽሑፍ ገልቢጣ ናብ ኩለን መርበብ ሓበሬታ ክትልእኮ ዘለዎ ኣገዳስነት ዓቢ ኾይኑ እስመዓኒ።

እቲ ብዕለት 16/02/2012 ዝተቃለሔ መደብ ንጠንቅን ኣመዓባብላን ኣገጣጥማን ሕማም ሲናእ ዘነጸረ ትሕዝቶ ስለ ዝነበሮ ኩልና ደጋግምና ብምስማዕ ብልክዕ መንገዱ ክንርደኦ ክንፍትን ዘለዎ ተደላይነት ዓቢ`ዩ።

ኣንቱም ሰብ ! ኣብዚ ክፍለ ዘመን`ዚስ ባርነት ! መንእሰያት ከም ጠለ-በጊዕ ብውረድ- ደይብ ክሽየጡ ክልወጡ ምርኣይን ምስማዕን ብጣዕሚ ዘኽፍኣልናን ዘንዕቀናን`ዩ፡፡ ልክዕ`ዩ ወዲሰብ  ንባህሪ ዝመንቀሌኡ ሓደጋታት ከም ድርቂ ከም ምንቅጥቃጥ ወይ ሰብ ዝጠንቁ ከም መግዛእቲ፡ ውግእ፡ ምልኪ፡"ሲናእ .... ወዘተ  ዝኣመሰሉ ተርእዮታት ምፍጣር ዘይተሓታቲ ክኸውን ይኽእል`ዩ፡ግና ንምቅያሮም ዘይቃለስን ንኻለኦት ዝሓድጎን እንተኾይኑ ፈጺሙ ክብረት ዘይግበኦ ፉጡር`ዩ ።

ኣንቱም ሰብ !! ህዝቢ ዓለም ብናይ ወርቂ ናህሪ ዋጋ ተዳሂሉ ኣይዓዳጊ ኣይሸያጢ ኮይኑሉ ኣብ ዘሎ እዋን፤ እንተሸጥኩ መሊሳ ትውስኽ ትኸውን እንተዓደግኩ ኸኣ ምናልባት`ዶ ትወርድ ትኸውን ኣብ ዝብለሉ ዘሎ ሰንፈላል ሰዓት፤ ዋጋ ሓርነት ናይቲ ኣብ ሲናእ ብሞቅሕ ተኣሲሩ  ኣስካሕካሒ ባርነት  ዘሕልፍ ዘሎ ኤርትራዊ መንእሰይ  ዋጋ ሓርነቱ ከኣ ከም ወርቂ ለብዘበን መዓልቲ መዓልቲ እናወሰኸ እቲ ብኽልተ ሰለስተ ሽሕ $ ዝጀመረ ሎሚ ክሳብ $40000 በጺሑ ምርኣይሲ ነዚ ሕማም`ዚ ዝግባእ ፈውሲ ኣብ ዝኣተኻ ኣቲኻ ምፍሓር`ዶ ኣይምተገበኤን?!

መንእሰያትና ገለን እናፈለጡ ብይኾነልና`ዶ ገለን ከኣ ከይፈለጡ ኣብ መጻወዲያ ጓሓላሉ ደቂ ዓደሙን ጓኖትን ዝኣተዉ ኢዮም። እቲ ኾይኑ`ቲ እቲ ሕማም ሓደ ኢዩ። ስለዚ ግዜ ከይቀተልካ ዘድሊ ዘበለ ኩሉ መሪርን ዘይመሪርን መድሃኒታት ክውሰድ ኣለዎ።

ብወገነይ ዝርእዮ መድሃኒታት፡- 1- ኩሉ ዝምልከቶ ኣካል ( ባእታ፡ውድብ፡መሰል ወዲሰብ ዘገድሰን ማሕበራት፡ መርበብ ሓበረታ፡ረድዮ ቲቪ ….. ወዘተ) እዚ ጉዳይ`ዚ ጎሊሁ ከምዝረኤን ኩሉ ክፈልጦ ከም ዘለዎን ብምግባር እቲ መንእሰይ ነዚ ሓደገኛ ጉዕዞ ብልክዕ ክርደኦ ከምዘለዎን ነቲ ሸቃጦን ደለልትን ዘዋፍርዎ ንስደት ዘተባብዕ ወፍሪ ኸኣ ምፍሻል።

2- እዚ ገበናት`ዚ ኣብ ዝፍጸመሉ ዘሎ ከባቢታት ዝርከባ ሃገራት ጸጥታዊ ስጉምታት ንኽወስዳ ዘኽእል ኩሉ ዓይነት ስራሓትን ወፍርን ምክያድ።

3- ብዓለም ደረጃ ተሰማዕነት ዘለዎም መራሕቲ ሃይማኖት ክርስትናን እስልምናን ነዚ ኣብ ልዕሊ መንእሰያትና ዝፍጸም ዘሎ በደል ኣረዲእካ ካብኦም ዝድለ ደገፍ ምርካብ። ነቲ ኣብ ቁጽሪ (2) ዝተጠቅሰ መደብ ኣብ ምዕዋት ግደ ከም ዝህልዎም ምግባር።

4- ኣብዚ ጉዳይ`ዚ ብቀጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ መንገዲ ኢድ ዘለዎም ኤርትራውያን ስሞሙን ዕድመኦምን ዓደሙን ኣነጺርካ ምቅላዖም።

5- ኩሉ ኤርትራዊ ብዘይ ወዓል ሕደር ናይ ኣሸሓት ምኽፋል ጉዳይ ደው ከብል ከምዘለዎ፡፡ ምኽንያቱ ፡-

(A) እቶም ዓቅሚ ኣለና ኢሎም ዘዝተባህሎም ዝኸፍሉ ዘለዉ ኤርትራውያን ዋላ`ኳ ብኽፋእ ዝገበርዎ ጉዳይ እንተዘይኮነ እዚ ተግባር`ዚ ንንእሽቶ ቁስሊ ኣሕውዩ ዓበይቲ ቁስሊ ዝፈጥር ዘሎ ዘይተደላዪ ጎናዊ ሃሰያ ዘለዎ መድሃኒት ስለ ዝኾነ።

(B)ዘዝተባህለካ ምኽፋል ንናይቶም ኣብዚ እሰብኣዊ ተግባራት ተዋፊሮም ዘለዉ "ሰባት" ኣፍ ማይ ኣምሊኡ ንመሬት ስለ ዘጠልቀየ፤ ኣብላዕልዕዎም ያኢ! ፖርሳ ተረኺቡለይ ክሳብ ናይ ዝተባህሎ ዝኸፈለ ሰብ ገንዘቡ ክሳብ ኣብ ኢዶም ዝበጽሕ ዋጋ ወሲኹ ስለ ዝጸንሔ ሓርነቱ ክሳብ ቤተ-ሰቡ ንዝተፍጥረ ዋጋ ፍልልይ ዘማልኡ ባርነቱ ክቅጽል ምዃኑ ዝተነግሮ ሰብ ከምዘሎ ሰሚዕና !!!!!!!!

ስለዚ ዘይምኽፋል ሓደ ካብቶም ልክዕ መድሃኒታት ክቁጸር ይከኣል`ዩ። እቲ  ኣዚዩ  ልክዕ ከኣ ነዚ ዝስዕብ ታእዛዝ ፈጣሪ ምኽባር ኢዩ።
"ሕማቅ እንተሪኢኹም ናብ ጽቡቅ ቀዪርዎ ብኢድኩም (ብሓይሊ)። ብሓይሊ ምስዘይካኣለኩም ኸኣ ብልሳንኩም (ዓገብ በሉ፡ጸሓፉ፡ ተዛረቡ)። እዚ`ውን ምስዘይካኣለኩም ብልብኹም (ርገሙ፡ጸሊዩ፡ጽልኡ)። እዚ ኸኣ /ብልብኻ ምጽራር/ እቲ ዝተሓተ ደረጃ እምነት ኢዩ"

A.A.Hafiz 19/02/1012 (121)


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...