Taxi تاحي
ሎሚ ዘለናዮ እዋን ወናኒ መኪና ዘይሕጎሰሉ ጊዜ'ዩ። እዚ ብብዙሕ ምኽንያታት ክግለጽ ይከኣል። ገለ ካብቲ ምኽንያታት ኣብዚ ታሕቲ ክገልጽ ክፍትን።

1. ናይ ጊዜን ፋይናንሳዊ ጽልዋ

መኪና ዝውንን ሰብ መኪናኡ ውሑድ ዘይኮነ ባጀት'ያ ትሓቶ። ኣብዚ ሕጂ ናይ ኣቑሑ ዋጋታት ንሂሩሉ ዘሎ ጊዜ ደሞዝካ ካብ ነስቤዛ ሓሊፈን ንካልእ ብዙሕ ኣይሕግዛን'የን። ከም ሓበሻ መጠን ከኣ ሓንቲ ስድራ እንተወሓደ 3 ቆልኡ ስለዘለዉዋ፡ እቲ ፋይናንሳዊ ሕጽረት እናገደደ'ዩ ዝኸይድ። ክራይ ገዛ'ውን ብጣእሚ ጽቡቕ ባጀት'ዩ ዝሓትት ዘሎ።

ታክሲ'ምበኣር ኣገልጋሊ ምዃኑ ትፈልጥ፡ ይዝከረካ። ታክሲ ካብቲ ንመኪናኻ ተጥፍኦ ባጀት ናይ ጽገና፡ ነዳዲ፡ ዘይቲ፡ መሕጸቢ፡ ቦሎ፡ ናይ ትራፊክ መቕጻእትታት ሞልታታት፡ መሐደሲ ሊቸንሳ፡ ፓርኪንግ ወ.ዘ.ተ... የድሕነካ። ቁጠባ ትገብር። ኣይረድ መኪናኻ እንተተበላሽያ ንመአረዪ እተውጽኦ ገንዘብ፡ ንመአረዪ እትስልኦ ባጀት ኣዝዩ ግዙፍ'ዩ። ሞትር እንተተበላሽዩ ሕሰቦ፡ ካልእ ስፔር ፓርትስ ከም ጎማ፡ ባሌስትራ፡ ዲናሞ፡ ጋቢና፡ ወ.ዘ.ተ. ብታእሚ ጽቡቕ ባጀት ክህልወካ ኣለዎ። በዚ ጊዜ'ዚ ከኣ ዘለካ ኣይመስለንን ምኽንያቱ ናይ ወዲ ሻውል ምኽሪ (ኮ ሜዲ) ብዛእባ ባኒን ሪጋን እኽልቲ መርትኦ'ያ። ስለዚ ወሃቢ ኣገልግሎት ታክሲ ነዚ ኩሉ ወጻኢታት ይቑጥበልካ፡ ንሰላም በሃሊ፡ ንእድል ወሃቢ፡ ንኣገልጋሊ፡ ታክሲ ምስ ትጥቀም ስራሕካ ብጊዜ ትኣቱ፡ ብጊዜ ትወጽእ።

2. ናይ ዙረት (ምብጻሕ) ጽልዋ

ወናኒ መኪና ምስ ትኸውን ናይ ዙረት (ምብጻሕ) ግዳይ ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ዙረት (ምብጻሕ) ብውጥን ክኸውን ጽቡቕ'ዩ። ኣብ ሕብረተሰብና ግን መብዛሕትኡ ሰብ ብውጥን ስለዘይከይድ መኪና ምስ ዝህልወካ ናይ ዙረት ግዳይ ክትከወን ክፉት እድል'ዩ። ሰበይትኻ እንዳቦኣ ኣብ ሰሙን ክልተ ጊዜ ክትከይድ ትደሊ ትኸውን፡ እንዳ መሓዙኣ ኣብ ሰሙን ሓደ ጊዜ፡ ሃ.ማ.ደ.አ. ኣብ ሰሙን ሓደ ጊዜ፡ ሃ.ኮ.ሰ.አ. ሓደ ጊዜ፡ ንእቁብን ንኻልእን'ውን ጊዜ ትደሊ ትኸውን። ዝባኽን ጊዜን ባጀትን ቀሊል ኣይኮነን።
ንስኻ'ውን ብዙሕ ዙረት ክህልወካ ይኽእል'ዩ። ኣብጽሓና ዝብሉ ብዙሓት'ዮም። መኪናኻ ኣለቃሓና ዝብሉ ኣለዉ። መኣልታዊ ንሃ.ማ.ማ.ተ.ኤ፡ ማ.ተ.ኣ፡ ሃ.ኮ.ሰ.ኤ፡ ሲነማ ኣዝማራ፡ ክለባት፡ ወ.ዘ.ተ ትኸይድ ትኸውን ብድልየትካ ድዩ ብዘይ ድልየትካ። እስኻን መኪናኻን NGO ኢኹም ትኾኑ።

ካልእ ንወናኒ መኪና ዘየሐጉሱ ኣጋጣሚታት ደሪሓ (ዝያራ)ን ንግደትን'ዮም። ዝያራ ሸኽ እከለ ወይ ንግደት ኣቡነ እከለ ክትበጽሕ ንበይንኻ ጥራይ ዘይኮንካስ ምስ ስድራቤት ከማን ኣዚኻ ምስ ተኽብሮምን ትፈትዎምን ኣበይቲ ኢኻ ትኸይድ። ነዚ ንስኻ ዘይትሰማማኣሉ ዘየድሊ ኣጋጣሚ ንበይኑ ባጀት'ዩ ዝሓትት። ንኣዚኻ ተኽብሮም ኣበይቲ ሰባት ስለዝኾንካ ከተብጽሕ፡ መኪናኻ ከተጽርያ ኣለካ። ጨና ሱዳን ጨና ሓበሻ ክትለኽያ ኣለካ። ናይ በኣል ሄለን መለስ ዘይኮነስ ሃይማኖታዊ ሸሪጥ ወይ ጀባጅብ ኢኻ ክትድርድራ። ቀሚሽ ኣረቢ፡ መስበሓት፡ ሓዲሽ እማ፡ ሓዲሽ እንተዘይኮይኑ ከኣ ኣብ ላውንድሪ ከተስታርሮ ከድልየካ'ዩ። ንግደት'ውን ከምኡ'ዩ። እንዳ ኣምነ ተኽለ፡ ኪዳነ ምህረት፡ ወ.ዘ.ተ.። ኩሉ ኣይነት መግቢ ክትገዝእ ኢኻ፡ ናይ ጾምን ናይ ስእረትን ብማኪናኻ ጌርኻ። ማኪናኻ ኣብ ናይ ኣብ ኩሉ እዳጋታት ኮለል ክትብል'ያ። ሰላም ኣዲ ኹዋላ ኣና ሚሽ ኢርሃቢ ዋላ ምንያ ኮለል። ብጣእሚ ጽቡቅ ባጀት ኢኻ ተውጽእ።

ነዚ ኩሉ ሽግራት ኣልጊሱ ከቕስነካ'ምበኣር መኪናኻ ሼጥካ ገዲፍካ ነቲ ሰላም በሃሊ፡ ነቲ ወሃቢ ኣገልግሎት፡ ታክሲ ተጠቀም። ከገልግለካ'ዩ፡ መጸበቒኻ ሰላም በሃሊ ታክሲ።

3. ናይ ምምሳይ ጽልዋ

መኪና ዝውንን ሰብ መብዛሕትኡ ጊዜ ኣብ ገዝኡ ኣየምስን'ዩ። በዚ ከኣ ምስ ሰበይቱ፡ ደቁ፡ ገዛውቱ፡ ኣዝዩ ዝጠበቐ ዝምድና ኣይህልዎን። መኪና ምውናን ካብ ምስ ሰበይትኻ ምምሳይ፡ ካብ ክቡር ቡንን ምጡን ዝዋጋኡ ሻሂን እናሰተኻ እሂን ምሂን ምባል፡ ኩነታት ትምህርትን ካልእን ደቅኻ ካብ ምክትታል ከዘንግኣካ ይኽእል'ዩ። ሰበይትኻን ደቅኻን ኣበየናይ ኩነታት ከም ዘለዉ ናይ ሓቂ መረዳእታ ከይህልወካ ይኽእል። በዚ ሕጂ ናይ ቴሌቪዥን ቻነላት በዚሑሉ ዘሎ ጊዜ ሰበይትኻ ዘይትደልዮም ፊልምታት፡ ፕሮግራማት ክትከታተል ትኽእል። ዘይድለ ንጥፈታት ክትገብር ትኽእል። ደቅኻ'ውን ከምኡ። ኣብ ገዛ ስለዘይተምሲ ንደቅኻ ከምቲ እስኻ ተስመኦም ሰበይትኻ ከተስመኦም ስለዘይትኽእል ደቅኻ ድልየቶም ክገብሩን ክሪኡን ይኽእሉ። እስኻ ኣብ ካልእ ከተምሲ እንከለኻ ደቅኻ ኣብ ካልእ ከምስዩ ይኽእሉ፡ ሰበይትኻ'ውን ከምኡ።

እዚ ኩነታት ሰበይትካን ደቅኻን ክኸውን እንከሎ እስኻ'ውን ኣብ እንዳ ባር፡ እንዳ ስዋ፡ ወ.ዘ.ተ. ከተምሲ ተኽእሎ ኣሎ። ዋላ ሰታይ እንተዘይኮንካ ሓንቲ ወይ ክልተ ትጨርም ትኸውን። ሓንቲ ክልተ ምባል ጽባሕ ኣበይ ከም ዘብጸሓካ ናበይ ከምዘምርሓካ ፍሉጥን ርዱእን እናኾነ እንከሎ፡ ሎሚ ኣብ ትእናኻ፡ ማሕበራዊን ፋይናንሲያውን ኩነታትካ ዘውርዶ ማህሰይቲ ኣቢ'ዩ። ብታእሚ ጽቡቕ ባጀት'ዩ ዝጠፍእ። ካብዚ ኩሉ ናይ ምምሳይ ሓደጋታትን ሽግራትን ክትድሕን'ምበኣር መኪናኻ ሼጥካ ገዲፍካ ነቲ ሰላም በሃሊ፡ ነቲ ወሃቢ ኣገልግሎት፡ ነቲ ኣገልጋሊ ታክሲ ምጥቃም'ዩ። ብጀካ ታክሲ ካልእ የብልካን።

4. ናይ ትእናን ዘይእግበትን ጽልዋ

ወዲ ሰብ ጠለባቱ ስለዘይውዳእ፡ ቅርሺ ከኣ ተኣኪባ እንተተኣከበት ስለትቖርር መመሊሱ ዝድርባ'ያ ትደሊ። ከምዚ ስለዝኾነ ወዲ ሰብ ጠለባቱ ንምምላእ ካብ ወግኣዊ ናይ ስራሕ ሰኣታቱ ወጻኢ ተወሳኺ ስራሕ ክሰርሕ ይደሊ። መኪና ስለዝውንን ወግኣዊ ስርሑ ምስ ወደአ

ካልእ ስራሕ ንምድላይ ቀሊል'ዩ። በዚ ከኣ ነቲ ንገዝኡን ንእረፍቱን ንትእናኡን ዝሓሰቦ ጊዜ፡
ኣብ ምድላይ ተወሳኺ ስራሕ የጥፈኦ። ተወሳኺ ስራሕ ምስ ረኸበ እቲ ስራሕ ንጠለባቱን ጠለባት ወርቃዊን ኣዝዩ ክብሩን ናይ ስድራኡ ጊዜን ከይሽፍን ይኽእል። ወግኣዊ ስራሕካ ኣህላኺ፡ ኣተኩሮ ዘድልዮ፡ ብዙሕ ኣኼባታት ዘለዎ፡ ኣብ ሕክምናዊ ጽላት እንተኾይኑ፡ ሓላፍነት ዘለዎ ብፍላይ ከቢድ ሓላፍነት፡ ሚስጢራዊ ሰነዳት ዘለዎ ስራሕ ምስ ዝኸውን፡ ናይ ደገ ወይ ሜዳ ሰራሕ ምስ ዝኸውን፡ ብዙሕ ምውጻእ ዘለዎ ምስ ዝኸውን፡ ኩነታትካ ዝገደደ'ዩ።

ዝጀመርካዮ ካልኣይ ወይ ዘይወግኣዊ ስራሕ፡ ኣብ ትእናኻን ኣብ ወግኣዊ ስራሕካን ኣብ ስድራኻን ብፍላይ ኣብ ማሕበራዊን ባህላዊን ህይወትካ ከኣ ብሓፈሻ ሰፍ ዘይብል ማህሰይቲ የውርደልካ። ትእናኻ ኣብ ቁማር ክትኣቱ ትኽእል። ትእናኻ ኣብ ቁማር ምስ ትኣቱ፡ እቲ ናይ ኦቨር ታይም ስራሕ ኣይኮነን ነቲ ወግኣዊ ስራሕካ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ዘእቱ'ዩ። ካብዚ ኩሉ ዝተጠቕሰ ሽግራት ክትድሕንን ክትሰልምን'ምበኣር መኪናኻ ሼጥካ ገዲፍካ ነቲ ሰላም በሃሊ፡ ነቲ ኣገልግሎት ወሃቢ፡ ነቲ ኣገልጋሊ ታክሲ ተጠቀም። ታክሲ ይሕሸካ።

መኪናኻ ሼጥካ ምስ ትገድፍ፡ ገዛ ከተምሲ ኢኻ፡ ካብ ገዛኻ ካብ ቤትካ ኣይክትወጽእን ኢኻ፡ ምኽንያቱ ካሽ የብልካን፡ እዳጋ ሞይቱ ክኸውን ይኽእል፤ ኣይፋለን ደሞዝ ኣይመጸን። ክሳብ ደሞዝ ትረክብ፡ ትእግስቲ ግበር፡ ትእግስቲ ጥኡም'ዩ። ካብ ተኣማንነት ዘይብሉ ናይ ኦቨርታይም ስራሕ ኣድሒኑካ። ደሞዝ ወይ ካሽ ስለዘይመጸ ምስ ስድራኻ፡ ምስ ደቅኻ፡ ምስ ገዛውትኻ ከተምሲ ጌሩካ። ካሽ ስለዘይመጸ ካብ ኣብ በካሊን ከታሚን ከተማ ኣብ ገዛውትኻ ተምሲ። ካሽ ስለዘይመጸ ንመጸገኒ፡ መሕጸቢ፡ መአረዪ፡ መለወጠ ስፔር ፓርትስ መኪናኻ ዝሓሰብካዮ ብታእሚ ጉድ ባጀት ንመማእበሊ ስድራ፡ መአረዪ ገዛ ወይ መኽፈቲ ገዛ፡ መጸገኒ ገዛውትኻ፡ መስጊድ ድዩ ቤተ ክርስትያን ትገብሮ። ትውንና ዝነበርካ መኪናኻ ነቲ ኣብ ኣብ ከተማ ዘሎ ዘይረድኣካን ዘይርደኣካን ገለ ቤት ጸሕፈታት ተወፍዮ ዝነበርካ ገንዘብ፡ ንናይ ገዛውትኻ መስጊድ ድዩ ቤተ ክርስትያን ገለ ኣበርክቶ ትገብረሉ።

ነዛ ንትእናኻ ኣብ ኣቢ ሽግር ዘእተወቶ መኪናኻ ሼጥካ ገዲፍካ ነቲ ሰላም በሃሊ፡ ነቲ ኣገልጋሊ ዝኾነ ታክሲ ክትጥቀም ምምራጽካ ዮሃና እብለካ። እወ እቲ ብታእሚ ጽቡቕ ባጀት፡ እቲ ደሞዝ፡ እቲ ብርግጽ ዝመጽእ ካሽ ንስድራኻ ይኸውን። እወ ንስድራኻ። ሊሞ ሲን ካሽ ናትኩም ኮይኑ፡ ታክሲ ኣነ ኣገልጋሊኹም ደሞዝ ይምጻኩም፡ ኣነ ሰላም በሃሊኹም፡ ባጀት ናትኩም ኣነ ኣገልጋሊኹም ይብለካ።

ታክሲ ተጠቀሙ ኩሉ ወጻኢታት መኪና፡ ንመኪና ዘይኮነስ ናይ ስድራኹም ናትኩም ክኸውን።

Awwal Care As-hama
06-Feb-’12


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...