ዝኸበርኩም ኤርትራውያን ብቐዳምነት ልባዊ ሰላምታይ ተቐበሉ እሞ ናብቲ ኩሉ ጊዜ ብኣድህቦ እንርእዮ ጉዳይ ሃገርናን ቃንዛ ህዝብናን ክንኣቱ፡ ንሃገራውን ህዝባውን ጉዳይ ክሳፅ ዝፍትሑ ክትርስዖም ዘይብልካ ስለ ዝኾኑ ትዛረበሎምኢኻ ከምኡ'ውን ኣብ ግብሪ ንምትርጓሞም ጻፅሪ ተካይድ ብጉፅዞ ካኣ ክፍትሑ ናይ ግድነት ኢዩ።

ከም ኤርትራውያን እቲ ዘካየድናዮ ቃልስን ዝኸፈልናዮ ዋጋን መዘና የብሉን፡ ግን እቲ ብቓልስና ክንረኽቦ ዝግባኣና ውጽኢት ስለ ዘይተረኽበ ከምኡ ኢሉ ህዝቢ ኤርትራ ጌና  ካብ ቃልስን ሻቕሎትን ተጋላጊሉ ኡፈየ ኢሉ ብሰላም ክነብርስ ይትረፍ ምስ መከርኡን ጥምየቱን እውን ነታ ዝተወልደላ ሃገሩ ክነብራ ስለ ዘይካኣለ ኣብ ዓለም ይብተን ኣሎ።

ኣብዚ ክንፈልጦ ዝግባእ ሓደ ነገር ኣሎ፡ ንናጽነት ክንቃለስ ከለና ንመሪሕነትና ክንቆጻጸሮ ኣይካኣልናን፡ እቲ መሪሕ ዝኾነ ኣካላት እናተቛጻጸረና ከም ኣባጊፅ ስቕ ኢልና ንኹብኮብ ስለ ዝጸናሕና ኣብ መወዳእታ ምስ በጻሕና ካኣ እንታይ ዓይነት ምምሕዳር ከም ዝህልወና ዘይንፈልጥ ብምንባርና ተጎዲእና ኢና፡ ኣበይ ከም ዘብጻሓና ከይፈልጥና ካኣ ኣጽዲፉና። 

እቲ ኩሉ መስዋእቲ ዝተኸፍሎ ጉፅዞ ንብላሽ ኮይኑ፡ እቲ ምእንቲ ናጽነትን ክብሪ ህዝብን ዝተኸፍለ ማእለያ ዘይብሉ ክቡር ሂወታት ናይ ጀጋኑ፡ ኣብ ክንዲ ንኽብረት ንሕስረት ኣብ ክንዲ ንቕሳነት ንሸገርገርን ውርደትን ኣብ ክንዲ ሰላም ንፅግርግን ስደትን ኣሳጢሑና፡ እቲ ክሳፅ ሕጂ ዝኾነ እንተ ኣኺሉ እውን ድሓን ኔሩ፡ ግን ዝሓለፍናዮ ኢና ንደግም ኣለና።

ክሳፅ ሎሚ ኣብ ቃልስና ዝተገብረ ለውጢ የለን፡ እዚ ኣብ ርእሲ እቲ ዘለና ዓቕሚ ውሱን ዳርጋ ዘየለ ውን ስለ ዝኾነ፡ እቲ ብምኽንያት ተደጋጋሚን ዘይረምን ግጉይ ኣካይዳኡ ኣብ ምውዳቕ ዘምርሕ ዘሎ ስርዓት ጎጽ ምስ በለ'ውን ከምቲ ኩልና እንትምነዮ ጽፉፍን ጥዑይ ዝኾነ መንግስትን ንኽህልወና ዘኽእል ኣገባብ ኣቃላልሳ ኣይሓዝናን ዘለና።

እታ ሓንቲ ተስፋና እቲ ካብ ውሽጢ ማለት ካብቲ ግዳይ ናይዚ ስርዓት ኮይኑ ከም ሕሱም ዝርግጽ ህዝብና ዝትኮስ ማፅበል ብለባማትን መስተውዓልትን ዝምራሕ ኮይኑ ነቲ ዝሓለፈ ጌጋ ናይዚ ስርዓት እፎ ዝብልን ነዚ ዝብተን ዘሎ ህዝብና ኣኪቡ ዝሓቁፍን ንመላእ ህዝቢ ዘተሓቛቝፍን ክኾነልና እሞ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ዘሎ ህዝብና ብሓባር ክፈትሖ'ዩ።

ምኽንያቱ እቲ ኣካይዳና ንዝኾነ ናብ ቃልሲ እተጸንበረ ባዓል ሕልናን ንጹህ ኤርትራዊን
እናረመሰን ነንሕድሕዱ እናተባልዐን ዝመጸ ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ሓድሕዱ ኣይታኣማመን ነቲ ህዝቢ ከም ዝታኣማመን ኣይገብር ኮይኑ ስለ ዝጸንሐን ዘሎን፡ ኣብ በብጊዜኡ ዝላዓል ዛፅባ ምኽኑይ ዘይኮነን ማቓቓሊን ኣርእስቲ ናብ ህዝቢ እናዘርግሐ ኣብ ነገር የንብረና ኣሎ።

ሓደ ኣብ ቃልሲ ዘሎ ህዝቢ ካኣ ኣብ ክፈትሖ ዘይክእል ቆየቛ እናኣተወ ክሃልኽ የብሉን እዚ ኮነ ኢልካ እቲ ህዝቢ ስርሑ ከየስልጥ ዝዋፈር ካብ ምዃን ሓሊፉ ካልእ ምኽንያት ክህልዎ ስለ ዘይኽእል ብምስትውዓል ክርኤን ክምከትን ዘለዎ ተግባር ኢዩ፡ ምኽንያቱ ኣብ ቃልሲ እቶም ትቃለስ በበይኑ ቋንቋ ወይ ኣባሃህላ እንተዳኣ ተዘውትር ኮንካ ዓንቃፊ ኢዩ።

እስከ ነዛ ዶብ ከይተደወበ ብዝብል ምኽንያት እትቐርብ ኣባሃህላ ብምስትውዓል ንኹሉ ኣብ ግምት ኣእቲና ንርኣያ፡ እዚ ከም ምኽንያት ኮይኑ ንኢሳያስ ኣብ ስልጣን ንኽነብር ዝተፋሕሰ ዲዩ ወይስ፡ ብኻልእ ኣካል ማለት ከምቲ ንሱ ንኸደናግር ብወያኔ'ዩ ተሓሲቡን ተጀሚሩን ዝብሎ ኢዩ፡ ወይ ካኣ ኢሳያስ ኣነ ኢየ በዳሊ ስለ ዝበለ ዘዛርብ የብልናን'ዩ።

ኣብቲ ፍርዲ ካኣ ከምቲ ኣቶ በራኺ ገብረስላሴ ኣብ ጄርመን ናይ ኤርትራ ኤምባሲ
ዝነበረ ዝበሎ ምስ ክብረትና ዳኣ ኣይኮነን እምበር ባድመስ ንኣና ተፈሪዱ ኢዩ፡ ግን ከምቲ ማእለያ ዘይብሉ ሂወታት ከይጠፍኤ ኣይኮነን፡ እዚ ድሕሪ ምንጻሩ ኢሳያስን መንግስቲ ኢትዮጵያን ብኡሳት ስለ ዝኾኑ ኣይዘራረቡን ምዃኖም ፈሊጥና ኣሌና።

ይኹን እምበር እቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ጽልኢ የብሉን፡ ስለ'ዚ ኢሳያስ ካብ ስልጣኑ ኣለናዮ ማለት እቲ ምስ ጎረበትና ኢትዮጵያ ዝነበረ ሰላም ተመሊሱ ማለት ኢዩ፡ ከምኡ እውን እቲ ስደት ማንእሰያትና ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ይኹን ናብ ካልእ ኣብቂዑ ማለት ኢዩ፡ ንኡ ካብ ስልጣን ምእላይ መወዳእታ ከሉ ሽግራትና ኢዩ።

ስለ'ዚ ንሕና ምስ ጎረባብትና ሃገራት ይኹን ምስ ካልእ ሃገራት ጽልኢ ዘይብልና ካብ ኮንና እቲ ጉዳይ ናባና ዝግደፍ እምበር እቶም ዝጸየቕዎ ከዐርዩዎ ኢዮም ኢልካ ምሕሳብ ካብ ሃመማ ምዓር ምብርባር ኢዩ፡ እምብኣር ንሕና ተሳማሚፅና መንግስቲ ክንገብር እንተኺኢልና እቲ ጸገም ተወዲኡ ማለት ኢዩ።

ግን እቲ መንግስቲ ከይንገብር ዝኽልክል ጸገም ኣዝዩ ንእሽቶን ቀሊልን ከሎ ሰሪ እቲ ኣብ ሞንጎና ስምምፅ ዘይምህላው፡ ነቶም ብዝተፈላለየ ምኽንያት ዝኾነ ይኹን ሓይሊ ከጥርዩ ዘይካኣሉ ውድባት እዚ እንተጌሮምዶ፡ እዚ እንተዘይገበሩዶ ኢልካ ክትሓምዮም
ከምኡ'ውን ከተናእሶም ምውዓል ዘይግባእን ብሓቂ ክእረም ዘለዎን ኢዩ፡ ምኽንያቱ ሰብ ይሓስብን ይዛረብን እምበር ማዓንጥኡ ኣይወጽእን ኢዩ።

ብኻልእ መገዲ ካኣ ሓደ ተቓላሳይ ህዝቢ የባራብር እምበር፡ ባፅሉ ቃልሲ ጀሚሩ ባፅሉ ቃልሲ ክውድእ ባህሪያዊ ኣይኮነን፡ ቃልሲ ይጅመር እሞ ንኹልኻ ዘርብሕ እንተኾይኑ ኩልኻ ተሰንዮ ዘየርብሕ እንተኾኑ ካኣ ትዓግቶ ወይ ኣይትኽተሎን እምበር ከም ሓደ ዘይጉዳይካ ዝኾነ ነገር ብጎቦ ዓይንኻ እናራኣኻ ናብ ዘበለ የብል ክትብል ኣይግባእን።

ስለ'ዚ ዝኸበርኹም ኣሕዋት ኤርትራውያን ካብቲ ኩሉ ዝሓለፈ ተማሂርናን ኣብ ልፅሊ ህዝብና ዝፍጸም ዘሎ ሪኢናን ኣብ ልፅሊ ኣብ ሃገርና ዝወርድ ዘሎ ኩነታት ኣሕዚኑናን ኩልና ዘዝካኣለና እንተገበርና ጥራይ ኢዩ ሽግርና መወዳእታ ዝርከቦ እንበር ኣብ ባይታ ዘየለ ኩነታት ኣቲና እንተሃውተትናን እንተታሓማመናን መፍትሒ ኣይኸውንን ኢዩ።
ክሳፅ ኣብ ዝመጽእ ርኽብና ካኣ ሰናይ ቅነ ይግበረልኩም። ኣጄኹም ክሓልፍ ኢዩ። 

ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና
ዓወት ድማ ነቲ ደም ዝነብፅ ዘሎ ህዝብና


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...