ዝኸበርኩም ኤርትራውያን ፡ ብቐዳምነት ከምቲ ልሙድ ልባዊ ሰላምታይ ተቐበሉ ብምቕጻል ሎሚ ናብ ሓዲሽ መድረኽ ክንሰግር ይድለ ኣሎ፡ ንሱ ካኣ ካብ ምልኪ ንምውጻእ ተቓሊስካ ብኢሂን ምሂን ሓደ ደሞክራሲያዊ ስርዓት ምትካል ኢዩ፡ማለት ህዝቢ ኤርትራ ቃልሲ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ናብቲ ኩልሻፅ ሃንቀው ዝብሎን ዝም ነዮን ዝነበረ ሰለምን ራህዋን ክስግር ስለ ዘይካኣለ፡ኩሉ ጊዜ ቃልሱ እናኣሓደሰ ነቲ ዝሓለፈ ጌጋታቱ ምኽንያቱ ፈሊጡ እናዓረየ ብብልሓት ክቃለስ ናይ ግድን ኢዩ።

ሓደ ህዝባዊ ቃልሲ ምስተጀመረ ኣብቲ ኩሉ ዝደልዮ መወዳእታ ከይበጽሐ ጠጠው ክብል ባህርያቱ ስለ ዘይኮነ፡እቲ ቃልሲ ክቕጽል እቲ ዓወት እውን ክመጽእ ግድን እዩ፡ እቲ ዘዛርብ ዘሎ ግን እቲ ኣብ ልፅሊ ህዝብና ዝወርድ ዘሎ ስቓይን መከራን ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ዘይጽወርን ስለ ዝኾነ ጊዜ ዝህብ ኣይኮነን እሞ ንዑ ነቲ ዘይተርፍ ናይ ኩልና ሃገራዊ ጉዳይ ነቀላጥፎ፡ ንዑ ነዚ ህዝብና ካብ ዘለዎ ሽግር ንምድሓን እክብ ኢልና ነዚ ዘሎ ስቓይ ንወግዶ ክድንጕ የብሉን ኢዩ ዝብሃል ዘሎ፡፡

ኣብ'ዚ እቲ ክንርድኦ ዘለና ነቲ ምስ መን ኴና ዝብል ዓሻ ሕቶ ክንሰግሮ ኣለና፡ እቲ መልሱ ምስ ኣሕዋትካ ኤርትራውያን ኩልኻ ሓደ ህዝቢ ኢኻ እሞ ሓቢርካ ተቓለስ ኢዩ፡ እቲ ክስገር ዘለዎ ካኣ ነብሲ ወከፍ ኤርትራዊ፡ ኤርትራዊነቱ ብግቡእ ክርዳእ ኣለዎ፡ ምኽንያቱ ኩሉ ኤርትራዊ ኣብ ጉፅዞ ብረታዊ ቃልሲ ተደናጊሩ ኣሎ፡ ነብሱ ጠፊኣቶ ኣላ እንታይነቱ ጠፊኡዎ ኣሎ፡ ማለት ገሊኡ ጀብሃ ኮይኑ ጽንሕ ኢሉ ገሊኡ ሻፅብያ ኮይኑ እቲ ክልቲኤን ከይኮነ ዝተረፈ ድማ ማእከላይ ዓሌት ኮይኑ፡ እዚ ኩሉ እንታይ ኣምጽኦ፡ እዚ ኩሉ ጉፅዞ ብረታዊ ቃልሲ ዝሓላለኾ ሽግር ኢዩ ፡ ኣሕዋተይ ኤርትራውያን ኩልና ናብ ቃልሲ ክንወፍር ከለና ጀብሃ ዝብሃል ዝፈልጥ ኣይነበረን ሻፅብያ ዝብሃል ዝፈልጥ ውን ኣይነበረን፡ ኩልና ንኤርትራ ጥራይ ኢና ወጺና።

እኩባት ኤርትራውያን ካብ ባፅዳዊ መግዛእቲ ነጻ ክንወጽእ ኣለና ኢሎም ንበረኻ ምስ ወጹ ነዚ ውድብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ንበሎ ኢሎም ክቃለሱ ወሰኑ፡ ኩሉ ኤርትራዊ ካኣ ሕጉስ ኮይኑ ተቐቢሉዎ እዚ ማለት ንኤርትራ ካብ ገዛእቲ ሓራ ጌርና ህዝቢ ኤርትራ እታ ነጻነቱ ረኺቡ ብሓርነት ክነብር ዳኣምበር ጅብሃ ትብሃል ሃገር ክሰርሕ ኣይተቓለሰን፡ ጄብሃ ባፅዳውያን ኣባሪርና ነጻነት ንኸነምጽእ ዘጠጣሕናዮ ናይ መቓለሲ ባይታ ካብ ምዃን ሓሊፉ ካልእ ትርጉም ወይ ካልእ ዝፈላሊ የብሉን።

ግን ምእንቲ ኤርትራ እናተቓለሰ ከሎ ካኣ፡ ካልእ ብጎድኒ መጺኣ ኣነ ሻፅብያ ኢየ ዝብሃል ጀብሃ ትብሃል ክፈልጥ ኣይደልን ኢየ፡ ምሳይ ዝኽእል እንተልዩ ይግጠም ኤርትራ ናተይ ኢያ፡ ንኤርትራ ናተይ ጥራይን ሓዳሽን ክገብራ ኢየ በለት፡ ግጥሚያ ኮነ ጸላኢ ብኹርምቱ ሳሓቐ ግደፍዎም ነንሕድሕዶም ይጣፍኡ ድማ በለ ኣፅረፈ።

ለባማት ኤርትራውያን ካኣ ተረበሹ፡ እቲ ንኤርትራውያን ዘይከውን ዘሕስቦም ዘሎ ኣንፈቱ ጠፍኦም ሽዑ ጉዳይና ምስ ተሓላለኸ ካኣ ክሳፅ ሕጂ ኣንፈቱ ጠፊኡና ኣሎ ከምኡ ኢሉ ካኣ ቃልሲ ኤርትራ ከምቲ ዝድለ ከይኮነ ይነብር ኣሎ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንመዋእል ትሕቲ ባፅዳውያን ገዛእቲ ክጭቆን ከሎ፡ ካብ ባፅዳውያን ነጻ ምውጻእ  እምበር ካብ ዝኾነ ናቱ ዝመስል ኣካል ሽግር ክመጾ ከም ዝኽእል ስለ ዘይሓሰበ ወይ ዘይገመተ ካኣ ኢዩ ኣብዚ ኩሉ ወዲቑ ዘሎ፡፡

ቃልሲ ምስ ተጅመረ ነቶም ዝቃለሱ ዝነበሩ ደቁ እምነት ስለ ዘንበረሎም ንሳቶም ካኣ በታ ኣንጻር ባፅዳውያን ዝቃለስዋ ዝነበሩ ብህዝቢ ተቐባልነት ምስረኸቡ ህዝቢ እምነት ኣሕዲሩ ክሳፅ ዓወት ዝጭብጡ ኣሰኒዩዎም'ዩ፡ ማለት ህዝቢ እቲ ዝተኻየደ ቃልሲ ምእንቲ ህዝብን ሃገርን መስዋእቲ እናተኸፍለ እንታይ ክንብል ኢሉ ስለ ዝሓሰበ ንዝገብርዎ ጌጋታት ከይተጣማመተ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ባህሉን እቲ ጭዋ ልምዱን ወጻኢ ብዝኾነ መገዲ ተጓዒዙ ቃልሲ ዘይምኣዝኑ ሒዙ፡ ማለት እቲ ነገራት ካብ ህዝቢ ዝሓስቦን ዝትምነዮን ዝነበረ ወጻኢ ስለ ዝኸደ ሕጂ ንምፅራዩ ኣሸጋሪ ኮይኑ ኣሎ፡ ስለ'ዚ ክንቃለሶ ዝግባኣና ብዙሕ ነገር ኢዩ ተሪፉ ኣሎ።

ብቕዳምነት ክንሓስቦ ዘለና ካኣ በየናይ መገዲ ንዘይተፈጸመ ንፍጽም ንዘይተወድኤ ካኣ ንውድእ ኣብ ዝብል ቁም ነገር ኣቲና ክንቃለስ ይግባእ፡ ብምክብባር መን ኣሎ ለባም መንከሎ ባዓል ተሞክሮ መንከሎ ዓለም ለኻውን ሕጊ እንዳባን ዝፈልጥ ካብ ዝብል ተሲእና፡ ንኹሉ እቲ ኩልና ዘይንሳማማዓሉን ዘሳሓሕብን ነገራት ወጊድና ነቲ ናይ ሃገራዊ ጉዳይ ምፅራይን ንዘሎ ጽንኩር ኩነታት ኣብ ንቡር ንምምላስ፡ ስርዓት ኣብ ምውዳቕ ጥራይ ተቓሊስና መተካእትኡ ሓደ ጥዑይን ኩሉ ዝኣምነሉን ስርዓት ስኢልካ ቃልሲ ምስናይ ኢዩ እቲ ሎሚ ክንክተሎ ዝግባእ፡ ካብዚ ወጻኢ ብዝኾነን እቶም ንቃለስ ይኹን እቶም ቃልሲ ዝመርሑ ብዛፅባ ለውጥን ድሕሪ ለውጢ ዝመጽ እን ዘይንፈልጥ እንተዳኣ ኴንና ግን፡ ንስለ ዘረባ ጥራይ ምዝራቡ ካብ ምዃን እቲ ዝድለ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ወይ ንኡ ዝመስል ለውጢ ክመጽእ ዝካኣል ኣይኮነን።

ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ሞንጎ ሓንቲ ውድብ ዲዩ ኣብ ሞንጎ ዝተፈላለያ ውድባት ዝኾነ ይኹን ዘሳሓሕብ ነገር ክህሉ ኣይግባእን ምኽንያቱ ንቃልሲ ጽንኩር ዝገብሮ ሓደ ተቓላሳይ ነቲ ክቃለስ ከሎ ዝገጥሞ ሽግራት ናይ ምኽኣል ዘሎ ጸገማት ኢዩ እዚ ማለት ካኣ ነቲ ዝቃለሰሉ ዘሎ ፅላማ ኣብ ግምት ስለ ዘእቱ ወይ ቀዳምነት ስለ ዝህብ ብዙሕ ነገራት ክጻወር ይግደድ ማለት ኢዩ፡ብዛፅባ ስልጣንን ሃገር ምምራሕን እንተኾይኑ ካኣ ኣብ ባይቶኣዊ ስርዓት ትኣምንን ስልኡ ትቃለስን እንተዳኣ ኮንካ  እቲ ስልጣን ድሕሪ ለውጥን ኣብ ሃገር ምስ ኣቶኻን ዝውዳእ ስራሕን ኣካውናን'ዩ ዘለዎ፡ ነዚ እንተተረዲእካ ካኣ ኩሉ ኣየባእስን ኢዩ፡ ህዝባዊ ስልጣን ብዘለካ ጥበብ ጥራይ ዝውሰድ ኣይኮነን፡ ዲሞክራሲያዊ ስልጣን ብምርጫ ኢዩ፡ ነዚ ከይኣመናን ብሓባር ኴና ነቲ ስርዓት ናይ ምውዳቕ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ሰሪፅናን ከይተቓልስና ካኣ ነፅቁቦ ዓወት የለን፡ ዓወት ማለት እኮ ኩሉ በቲ ዝተረኸበ ውጽኢት ተሓጕሱን ቀሲኑን ክነብረሉ ዝኽእል ኩነታት ምስ ዝፅቆብ ጥራይ ኢዩ።

ምኽንያቱ ኣብ ትግባረ ምስ ኣተኻን ኣብ ምምሕዳር ምስ በጻሕካን ንመላእ ህዝብኻ ብማፅረ ዘሐጉሰ እንታይ ኢዩ ኢልካ ነቲ ህዝቢ ብኸመይ ከም ትሕዞን ነቲ ሃገር ካኣ ብኸመይ ተማሓድሮን ምስ ህዝቢ ኮንካ ክግበር ዘለዎ ኢዩ፡ ኣብዚ ቅድሚ ምብጻሕ ግን ሓደ ዓቢን ብእዋኑ ክፅረን ዝግብኦ ፅንቅፋት ይርኤ ኣሎ፡ ንሱ ካኣ ነቲ ተቃሊ ስካ ከተምጽኦ እትደሊ ጠቕሙ ይኹን ጉድኣቱ ናይ ምግምጋምን ርሑቕ ናይ ምጥ ማትን ኣታሓሳስባ ፅዙዝ ኣገዳስነት ዘለዎ ምዃኑ ምርዳእ እዩ፡ ምኽንያቱ ካኣ እቲ እትበጽሖ ወይ እትጓዓዞን ድሕሪኡ ዝኸውንን ከይርኣኻ ወይ ከይመርመርካ ትሰርሖ ሓደገኛ ኢዩ ወይ ጉድኣቱ ብዙሕ ኢዩ፡ ብኸምኡ እኮ ኢና ድሕሪ ናጽነት ንሳቐ ዘለና፡

ህዝብና ሎሚ እንታይ ኮን ይወርደና እናበለ ኢዩ፡ ነዚ ለውጢ ዝጽበዮ ዘሎ ምእንቲ  ህዝቢ ይቃለስ ኣለኹ ዝብል ኣካል ካኣ ብዝኾነ ምኽንያት ምስ ሓደ ከምኡ ጉዳይ ህዝብን ሃገርን ኣገዲሱዎ ዝቃለስ ከሳሓሕብ ዘኽእል ነገር ክህልዎ ኣይግባእን ፡ ወይ ካኣ ብቑፅ ተቓላሳይ ኣይኮነን ዓንቃፊ ጥራይ ኢዩ ክብሃል ይካኣል።

ንምሳሌ ድሕሪ ክንደይ ወረድ ደይብ ምሕዝነት ኣብ ኪዳን ሰጊሩ ፡ ኪዳን እውን ብዙሕ ሽግራት እናረኸበ ሃገራዊ ዋፅላ ክገብር ኪኢሉ፡ ካብ ሃገራዊ ዋፅላ ኣብ ጉባኤ ተሰጊሩ፡ ኣብዚ ነብሱ ምስ ህዝቢ ሓዊሱ ባይቶ ሰሪሑ፡ ሕጂ እቲ ውድብ ንውድብ ምስሕሓብ በይኑ ቦታ ሒዙ፡ በዚ ኣብ ኩሉ ሃገራት ንዘሎ ዲሞክራሲያዊ ስርዓታት መሲሉ፡ ብሓጺሩ ዓለም ለኻዊ ቅርጻ ሒዙ፡ ኣብዚ ክንሓስቦ ዘለና ብዛፅባ ቅንፅኑኡን ጉብጥንኡን ኣይኮነን ብዛፅባ ምስሉ ኢዩ፡ ምጽእ ኢሉ ድማ እቲ ናይ መወዳእታ ገጹ ወይ ቅርጹ ክሕዝ ዝካኣል ኣይኮነን እናተማኻኸርካ ኣብ ጉፅዞ ዝፅረ ጥራይ ኢዩ፡፡

ነዚ ምስሊ እዚ ልክፅ ዝኾነ መገዲ ኣብ ምትሓዙ ብሓባር ተጣቢብና ሓቀኛ ዝኾነ ዲሞክራሲያዊ መንግስቲ ክንገብር መገዲ ተታሒዙ ኣሎ፡ ካብ ሎሚ ንድሓር ኪዳን ይኹን ካብ ኪዳን ወጻኢ ዘለዋ ኩለን ውድባት ሓይለን ኣብ ምድልዳል እናተቓለሳ ግን ብሃገራዊ ባይቶ ክምእዘዛ ኣለወን፡ እቲ ባይቶ ኤርትራ ከም ኣብ ኩሉ ዓለም ዘሎ ብህዝብን ብናይ ፓርቲ ኣባላትን ዝቖመ ኢዩ፡ ኪዳን እንተደልዩ ተላፊኖም ከም ዘለውዎ ይቕጽሉ ወይውን ጎጉዳዮም ይገብሩ ግን ምስ ሕብረተ ሰብ ዓለም ኤርትራ ወኪሉ፡ ዝዛረብ ኣኻል እቲ ቆይሙ ዘሎ ባይቶ ኤርትራ ጥራይ ኢዩ ፡ ኪዳን ነዚኣ ተረዲኦም ፡ ንሃገራዊ ጉዳይ ቀዳምነት ሂቦም ክርእዩዎ እንተዘይኪኢሎም ፡ ኩሉ ቅድሚ ሕጂ ዘዐወትዎ ብህዝቢ ብዓይኒ ጠርጠራ ክርኤ ኢዩ፡ ክጥንቀቑ ኣለዎም።
። ይቕጽል ።

ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና
ዓወት ድማ ነቲ ደም ዝነብፅ ዘሎ ህዝብና


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...