C K
ኣላ ክብሪ ሓላይ ክብሪالكرامة على الكرامة حلى

ኣብ መርበብ ኣዋተ.ካም ህግደፍ ኣብ 2013 ኣብ ስልጣን ይህሉ ዶ ትብል ሕቶ ነይራ። እወን ኣይፋልን ዝብል መልሲ ዳርጋ ተቐራራቢ'ዩ ነይሩ።

ገለ ተቓወምቲ ተቓውሞ ካብ ኣብ ደገ ኮንካ ኣብ ውሽጢ ይሓይሽ ይብሉ። ኣብ ደገ ትደልዮ መሳርሒታት ኣይትረክብን ኢኻ ይብሉ። ንኣብነት ንደሃይ ኤርትራ ክሳብ 11፡00 ናይ ለይቲ ክትጽበያ ኣለካ። ክሳብ ሽእኡ ከኣ ኣይትጸንሕን ይኸውን ምኽንያቱ ስራሕ ኢኻ ውኢልካ፡ ሰኣት 11፡00 ናይ ለይቲ ናይ ድቃስ ጊዜ እዩ፡ ወላ ክከታተል እንተበልካ ምስቲ ዝወኣልካዮ ስራሕ ቀትርን ሃልኪ ላእልን ታሕትን፡ ምስቲ ዘለካ ድኻምን ፍርቂ ለይቲ ፖለቲካ ኣይረኣየካን ይኸውን። ፖለቲካ፡ ወረ ስደት፡ ክትሰምእ ክትእዘብ ኣሸጋርን ካልኣይ ድኽመትን ክኸውን ይኽእል'ዩ። ሰኣት 11፡00 ናይ ለይቲ ኣዝካር ወይ ጸሎት ጌርካ ምድቃስ'ዩ ዝረኣየካ። ህዱእ ሙዝቃ'ውን ጠቓሚ'ዩ። ቆልኡ እንተለዉኻ ብፍላይ ፈጅሪ ወይ ወጋሕታ ክትትስእ ስለዝኾንካ፡ ንመን ከምትሓጽቦ፡ ናይ መን ቤት ትምህርቲ ርሑቕ፡ መን ጥራዝ ጎዲሉዎ፡ መን ዲቪዛ ተቐዲዱዎ፡ መን ተሰጉጉ (ፖለቲከኛ ስለዝኾንካ ብትምህርቲ ደቅኻ ኣይተገደስካን)፡ ወ.ዘ.ተ. ክትሓስብ ካልእ ድኻም'ዩ።

ተቓውሞ ፖለቲካ ጥራሕ ኣይኮነን። ብዛእባ ትእና ክትቃወም ትኽእል ኢኻ። ናይ ግድን ኣይኮነን ንመንግስቲ ክትጸርፍ። ንኣብነት ብዛእባ ሽጋራ ክትጽሕፍ ትኽእል። ብዛእባ ቁጠባ ክትጽሕፍ ትኽእል፡ ቆጥቡ ኢልካ ገለ ትብል። ብዛእባ ትምህርቲ ክትቃወም ትኽእል። ንዜጋታትካ ምሃር፡ መጽሓፍ ስደድ፡ ጽቡቓት መጻሕፍቲ፡ ጽቡቓት ወብሳይታት፡ ወ.ዘ.ተ. ሓብሮም። እዚ ኩሉ ኣብ ውሽጢ ኮንካ ይከኣል'ዩ። ካብ እንዳስዋ ላይብረሪ ኪዱ በሎም። ቲቪ ኤረ፡ ድምጺ ሓፋሽ፡ ሬድዮ ዛራ፡ ጋዜጣ ኢሪትሪያ ኣልሓዲሳ፡ ኢሪትሪያ ፕሮፋይል፡ ሓዳስ ኤርትራ፡ ሓዳስ ኢሪትሪየን ካልኦትን፡ ዘይፖለቲካዊ ክሳብ ነዊሕ ሰኣታት ዘጽንሑ ጠቐምትን መሃርትን መዘናግእትን መደባት ኣለዎም። ኣብኣቶም ገለ ክትብል ትኽእል ኢኻ። ነቲ ዘይትሰማማኣሉ ፖለቲካዊ ጉዳያት ገዲፍካ ነቲ ካልእ ጉዳያት (ኣጀንዳታት) ተጠቐመሉ።

ንመንእሰያት ብስም ተቓውሞ ናብ ካልእ ቻነላት፡ ጋዜጣታት፡ ሬድዮታት፡ መጽሄታት፡  ምቕያር፡ ምስዳድ፡ ኣብኡ ከምዝውእሉ ምግባር፡ ኣብኡ ከምዘምስዩ ምግባር፡ ስንፍና ክኸውን ይእኽል'ዩ። ነቲ ዘድልዮም ነገራት ሓደ ክልተ እናበልካ ክትሰርኣሎም ኣለካ'ምበር ክመዝኑኻ ይኽእሉ'ዮም።

ጉዳይ ኣብ(ግበር) ዘተ፡ ልዝብ መንእሰያት፡ ዶክተራት ኣብ(ግበር) ስቱድዮ፡ መደብ ሕጻናት፡ መላሚሕ(ስድራ ሃሉ) ኤርትርያ፡ ድሃይ ኣዲን ወ.ዘ.ተ ኣዝዮም መሃርትን ኣዘናጋእትን መደባት'ዮም። ነዞም ከም ፖለቲካውያን መደባት ክንቆጽሮም ኣይግባእን። ካልኦት ዘይዘከርኩዎም ኣዝዮም ጠቐምቲ መደባት'ውን ኣለዉ። ስለዚ ሚዛን ምግባር ጽቡቕ'ዩ። ብስም ተቓውሞ ንሚዛን ኣይንረስእ። ደንበ ተቓውሞ ሚዛኑ ዘይሰሓተ እምበር ደም ብዝሒ ዘለዎ ክኸውን የብሉን። ጽቡቕ ሚዛን ወርቂ ሚዛን፡ ሕማቕ ሚዛን ጸማም እእዛን።

ሓደ ክቃወም ይደሊ፡ ግን እንታይ ሒዙ'ዩ። ኣበይቲ ብዝገበሩልካ እገዳታት ክትነብር ኣይከኣልን'ዩ። እገዳታት ነቶም ምሁራት'ምበር ንኣብ ሳልሳይ ኣለም ዘለዉ ዜጋታት (ከም ኤርትራውያን) ብዙሕ ከይርደኦም ይኽእል። እገዳታት ዝገብሩ ሃገራት ስቕ እሎም ንጽድቂ እገዳታት ኣይገብሩን'ዮም። ፍልስጤም፡ ሶማልያ ህጹጽ ሓገዛት ዘድልየን ሃገራት ክነሰን ኣተኩሮ ዘይግበረለን፡ መሰረታዊ ሰብኣዊ ሓገዛት ዝንፈገን፡ ሃገራት'የን። ንህጹጽ ሓገዛት ዘድልየን ሃገራት ጎሲኻ ንገለ ሃገራት እገዳታት ምግባር  "ነቶም ምሁራት" ክርደኦም ይኽእል ይኸውን። ንከም ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ዜጋታት ግን ከቢድ'ዩ። ህዝብታት ሳልሳይ ኣለም ካብ ወረ እገዳታትን ፖለቲካን ወረ መግቢ'ዩ ክስምኡዎ ዝደልዩ።

መንእሰያት ካብ ሃገሮም ተሰዲዶም ናይ ካልእ ሃገራት ቋንቋታት፡ ባህልታት፡ ሬድዮታት፡ ቻነላት፡ ጋዜጣታት፡ ክሪኡ ወይ ክከታተሉ ምግባር ናይ መንፈስ ስደት ከይከውን። ሰውነቶም ካብ ኤርትራ ተሰዲዱ፡ መንፈሰኦም ከ ናበይ በሉዎ? ኣል ጀዚራ? ካብ መደብ "ማኣ ሃይካል"ን ካልእን ክሳብ 11፡00 ናይ ለይቲ ክሪኡ መደብ "ምኽሪ ሞያውያን" ንኦኦም ኣዝዩ ይጠቕሞም፡፡ መደብ "ጉዳይ ኣብ ዘተ" ይሕሾም።  መደብ "ማኣ ሃይካል" ንኣረብ ንገዛእ ርእሶም ኮለል ዘበለን ኣዝዩ ኣድካሚን፡ ናይ ሰሙናዊ እረፎቶም ብዘይ ህድኣት ከሕልፍዎ ዝገብር መደብ'ዩ። ሰላም ኣዲ ኹዋላ ኣና ሚሽ ኢርሃቢ ዋላ ምንያ ኮለል።

ስለዚ ኣብ መወዳእታ ከምዚ ዶ ክሕተት ይከኣል? ኣብ 2013 ኣዋተ.ካም ነዞም ዝስእቡ ጠለባት መንእሰያት የማልእ ዶ ይኸውን። እዝቲ ዝደልዮ እንተዝኾነለይ ሓሳብ ናይ ልበይ እንተዝሰምረለይ
ሀ. 24 ሰኣት ዝፍኖ መደብ ተለቪዥን
ለ. ከም ኢሪትሪያ ኣልሓዲሳ፡ ኢሪትሪያ ፕሮፋይል፡ ሓዳስ ኤርትራ፡ ወ.ዘ.ተ መራኸቢ ብዙሓን
ሐ. መጽሄታት ብዝተፈላለዩ ቁኣንቃታት።

መንእሰያትና ብእምነትን ብበረካን ይነብሩ ከይህልዉ።

Awwal Care As-hama
21-Jan-‘12

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...