“ዱላ ግርም መድሃኒት ኢያ! ደርግ ብዱላ ምስ ተደሰቐ ኢዩ እሺ ሐራይ ኢሉ ኣብ ኣትላንታ ዝተባህለት ከተማ ብሰላም ንክዘራረብ ተቐሲቡ። ሕጂ’ውን ክሳብ መንግስቱ ሃይለማርያም ስዩም ዝብልን ናጽነት ኤርትራ ጋህዲ ዝኸውንን ብዱላ ክዝበጥ ጥራይ ኢዩ ዘለዎ። እቲ ምንታይ ሰላም ንደርግ መዘናግዒ ገበጣ’ምበር መሰረታዊ ፍታሕ ንምምጻእ ዝጀመሮ ጉዳይ ኣይኮነን። እምበኣር ሃባርም ደቂ ኤርትራ! ሓደራኹም እዛ ዱላ ካብ ኢድኩም ኣይተርሕቑዋ” ቃል ኣቶ ብሃይማኖት ዝተባህሉ ኣቦ ተቐማጣይ ሽላሎ ኣብ 1989 ዓ.ም ዝተዛረብዎ፤ ኣብቲ ግዜ’ቲ ኣብ መደብ ድምጺ ሓፋሽ ኤርትራ ቀቅድሚ ዜና ዝንበብ ዝነበረ ወርቃዊ ቃላት ኢዩ።

በዛ ዱላ እትብል ወርቃዊት ቃል ኣቦይ ብሃይማኖት ንካልኣይ ክፋል እዚ ጽሑፍ’ዚ ክጅምር እከለኹ ድማ መዓሙቕ ባሕሪ ልበይ ባህ ኢሉኒ። ሎሚ ኤርትራዊ ሰብ፣ ብፍላይ ድማ ኤርትራዊ መንእሰይ ከም ሃይማኖቱ ክኣምነሉ ዝግበኦ ሰረተ-እምነት፤ ንገበነኛ ኢሳይያስን ቁንጣሮ ጭፍራ ህግደፍን ብዱላ ምዝባጥ ዝብል ክኸውን ይግባእ።

እቶም ካብ ምንጋጋ ኣረሜናዊ ፍጡር ኢሳይያስ ፍትሒ ንምርካብ ሰላማዊኣገባብ ቃልሲ ጥራይ ኢዩ መፍትሒ ዝብሉ ዘለዉ ላዕለዎት መራሕቲ ናይ ገለ ሰልፊታትን ውድባትን፤ ውሑዳት ተበለጽቲ ምሁራትን፣ ብጥንታዊ ማሕላ ዝጸንዑ እሙናት ደቂ ዕቁብ ኢሳይያስ ምዃኖም እናተፈልጡ ይመጽኡ ኣለዉ። ሰላም ኣብ መቓብር ኢሳይያስ እትጥጥዕ ተኽሊ’ምበር፣ ንሱ ብሂወት ኣብ ዘለወሉ ግዜ እትዝራእ ፈልሲ ኣይኮነንትን።

ዓመተ-2012፣ ኣብ ኣፍ-ኣርክቡ  ንሓመድ ድበ ኢሳይያስ ኢና ዘሎና። ሎሚ ኢሳይያስ በብዝወፈሮ ከም ኮቦሮ ጥሪ ይጭልገም ኢዩ ዘሎ። ኣብ ውሽጢ ሃገር ብወገን ናቕፋ ይኹን ሳዋ፣ ብወግን ደቡብ ይኹን ምብራቕ ኣብ ዘዝኸፈቶ ኣኼባትት ብህዝቢን ብሰራዊትን ንርእሱ ዘናውጹ ሕቶታት ክለዓሉ ጀሚሮም ኣለዉ። እቲ ቀደም ከም ሓደ ወረጃ መራሒ፣ ከም ነቢዪ ከይተረፈ ዝረኣየሉ ዝነበረ ግዜ ሎሚ  የለን። ስለዚ ኩላትና ህዝቢ ኤርትራ ብዘይ ኣፈላላይ፣ ዕምሪ በላዒና ኢሳይያስ ኣራዊት ንምሕጻር ሎሚ ንዕደም ኣሎና።

ከምቲ ብዕራይ ሰነ ነቲ ግናይ ወርሓት ፉፍፍፍ! እናበለ ጥራይ ዝሓልፎ፤ ኣባ-ጓይላ ጭፍራ ህግደፍ ኢሳይያስ ድማ ነቲ ዘለዎ ቁጠባዊ፣ ፖለቲካዊ፣ ዲፕሎማስያዊን ስነ-ኣእምሮኣዊን መዋጥር ንምስጋር ዘየሎ ክነሱ፤ ኣለኹ እናበለ ክሰሓግ ክንሰምዖ ወሪሕና። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዘመን ኣፍ-ኣርክቡ ንሕና ደቂ ሔማ ኤርትራ’ምበኣር እንታይ ንግበር? ቅድሚ ኩሉ ጉዳያትና ኣብ ጉዕዞና ንሓርነት፣ መጓዕዝትናን ዘይመጓዓዝትናን ሰባት ነለሊ። ካብ ዘረባን ጽሑፋትን ናብ ግብሪ ክንሰግር ንሕተት ኣሎና። ካብ ፋሕ-ፋሕ ምባልን ምውንጃልን ናብ ዝጸበበ ደምበ ክንጥርነፍ ግዜ ይሓተና ኣሎ። ኣይንህመም! ንስመር፣ ኣብ ሓደ መስርዕ፤ ኣብ ሓደ መንደቕ ንልገብ!!

መልኣከ-ሞት መራሒ ህግደፍ; ድምጹ ብማይክሮፎን ኣብ ዝሰማዕናሉ ግዜ፣ “እንጣጢዕ ንዘርእ ኣሎና” ክብለና ቀንዩ። ኣብ ግራት እንጣጢዕ ዝተኻዕወ ዘርኢ ድማ፣ ኣብ ግራት ሽዕበት ከም ዝተዘርአ ስርናይ ብርንሃዮ ክኸውን ዝከኣል ኣይኮነን። ብድሕሪ ቃለ-ኑዛዜ ኢሳይያስ ኣብ ሓድሽ ዓመት 2012፣ ጽባሕ ቢጊሓት ኣብ ጽላል ቀባሮ ወዛሕዛሕ ክንርኢ ኢና’ሞ፣ እቶም ብረብሓን ብትውልዲን ኣብ መስርዕ ኢሳይያስ ዝለገብኩምን ብኣግኡ ጸሊም ካባታትኩም ዓድጉ ክንብለኩም ንደሊ።

‘ኣቦይ ዝሃቡኒ መንበር፣ ወዲቓ ዘይትስበር ሞይታ እውን ዘይትቕበር’ ዝብል፤ ንስም ዝገልጽ ሕንቅልሕንቅሊተይ ከም ዝነበረ ኣብ እትዝክረሉ ግዜ፣ ሓርበኛታት ኣቦታትና እኒ ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣን ዓሊ፣ ወልደኣብ ወልደማርያም፣ ዓብደል ቃድር ከቢረ ራእሲ ተሰማ ወ.ዘ.ተ... ዝገደፉልና ካብ ስም እትዓቢ ሓያል መሳርሒ፣ ዘይትወድቕን ዘይትስበርን ሃብቲ ከም ዘላትና የዘኻኽረና። እምነት ኢያ!! እምነት ነንበይኑ መልክዓት ዘለዋ ባህርያዊት ህያብ ኢያ።

እምነት ምስ ፍቕሪ ሃገር፣ ሃይማኖታዊ ክብሪታትን ባህርያዊ ፍቕሪን ዝተሓዋወሰት ህያብ ኢያ። እምነት ንዓና፣ ልዕሊ መዳፍዕን ልዕሊ ሚሳይላትን ኢያ። እምነት ንኤርትራውያን ንጊንጢ ኩነታት ብተኣምር እትቕይር ዘይትበርስ ባህርያዊ ህያብ ደቂ ሰባት ኢያ። ሎሚ ንሕና ኤርትራውያን ነቲ ብጭፍራ ህግደፍ ዝተመንዝዐ ሓርነትና ንምርካብ ኣብ እንቃለሰሉ ዘለና እዋን፤ ብርግጽ ነዚ ዓማጺ ስርዓት ክንስዕሮ ኢና ኢልና’ዶ ንኣምን ኢና? ገለ ምንቅስቓሳትን መራሕተንን ንጉዳይ ተቓውሞ ከም መንበሪ ወረቐት ወይ ፍቓድ ንግዲ ጥራይ ኢዮም ዝጥቀሙሉ’ምበር ንህዝቢ ኣለዓዒሎም ክርቢት ሰውራ ክሽርጥጡ ሓሊሞም’ውን ኣይፈልጡን ኢዮም። ካብ ኣብ ሓራን ዲሞክራስያዊትን ኤርትራ ኣብ ከምዚ ዘለናዮ ዘራጊቶ እዋን ንክነብሩ ዝመርጹ፤ ሓርነት፣ ልዕልና ሕጊ፣ ህንጻ ቅዋማዊ መንግስቲን ማዕርነታዊ ኣነባብራን  ኣለርጂ ዝገብረሎም ሰብት ኣይሰኣኑናን ኢዮም።

ብሕልና ምግዛእ ምልክት ሰብኣዊ ክብረት ኢዩ። ወዲ ሰብ ብመልሓሱ ዚዛረቦን ብሕልንኡ ዝፈርዶን ማዕረ ምስ ዘይከውን፣ ሕልና ኣልቦ ፍጡር ይበሃል። ሎሚ ኣብዚ ስርዓት ህግደፍ ዝሰሓገሉ ዘሎ እዋን ወዲነይ-ወዲነየ፤ ሓያሎይ ደቂ ሃገር ገለ ብረብሓ ገለ ከኣ ብክቱር ፍርሒ ንሕልንኦም ጸቒጦም ዓይኖም ንዝረኣየቶ ንክምስክሩ ኣይከኣሉን። ኣብ ወጻኢ ካብ ዘለዉ ብዙሓት ኣብ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝነበሩ ገዳይም ተጋደልቲ፣ ንኢሳይያስ ኣፈወርቂ ከም ገዲም ወዲ ዕቁቦም ስለዝቖጸርዎ፤ ውሑዳት ድማ ኣጸቢቖም ዝጠዓስሉ ገበናት ስለዝፈጸሙ፤ ብዛዕባ ዕላማን መንገዲን ኢሳይያስን ኣከያይዳ ህግደፍን ሕልንኦም ዝወሰኖ ፍርዲ ክዛረቡሉ ኣይደለዩን።

ብዙሓት ኤርትራውያን ከኣ ንኢሳይያስ ከም ወዲ ኣውራጃኦም ስለዝመስሎም ንሱ እንተወዲቑ ብካልኦት ኣውራጃታት ወይ ሃይማኖት ከይንግዛእ ካብ ዝብል ዘይበሰለ ሃምቦ-ሃምቦ ሓሳባት ኣብ ጎድኒ እዚ ዝቦኽቦኸ ስርዓት ተጣቢቖም ይርክቡ ኣለዉ።

ገለ’ውን ንኢሳይያስ ከም ወዲ ሃይማኖቶም ስለዝቖጽርዎ፣ ንሱ እንተዘየለ ብካልኦት ሃይማኖታት ክንግዛእ ኢና ካብ ዝብል ኣተሓሳስባ ንምድጋፉ መሪጾም። ሎሚ ገበነኛ ኢሳይያስ ካብ ሰዓት ኣፍ-ኣርክቡ ተመሊሱ ትንፋስ ክዘርእ ዝከኣል ኣይኮነን። ኣብ ውሽጢ ሃገር ብዘሎ መላእ ህዝቢ ኤርትራን ሓይልታት ምክልኻልን ኣጸቢቑ ስለዝተለለየ፣ ኣብ ደገ ብዝስማዕ ጣቕዒት ተበለጽቲን ዘይንቑሓትን ንትርግታ ልቡ ከህድእ ዝከኣል ኣይኮነን።

ከምቲ መሬት ኣብ ድቕድቕ ጸልማት ሓዲራ በብቑሩብ ከብዲ ኣድጊ ትኸውንን ጸሓይ ኣዱንያ ትበርቕን ከኣ፤ መንነትን እንታይነትን ኢሳይያስ እናበርሀን እናተቐልዐን ክመጽእ ምዃኑ ኣይንጠራጠርን ኢና። ከምቲ ደጋጊምና ዝጸሓፍናዮ፤ ኢሳይያስ ወገን፣ ብሄር፣ ኣውራጃ፣ ወረዳ፣ ዓዲ፣ ሃይማኖት ዘይብሉ ኣረሜን ሰብ ኢዩ።

ሰባት ምእንታና ክብሉ ተሰዊኦም ክነሶም ጥራይ ዘይኮነስ፣ ባዕልና እውን ለበውኦም መዝጊብናን ብቑንጣሮ ሓመድ ኣብ ግዜ ሃታ-ሃታ ቀቢርናዮምን ኢና። ስለዝኾነ ኢና’ምበኣር ንሕና ደምበ ኣለና ናይ ሕልና ዕረፍቲ ንምርካብ ነቲ ንነዊሕ ዓመታት ከም መንደዓት ዝተሰከምናዮ ሕድሪ ንምትግባር ካብ ቀዳማይን ካልኣይን ክፋላት ጽሑፍና “ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ፤ ዋዜማ ዘመነ-ቅብጸት ኢሳይያስ” ናብዚ ሳልሳይ ክፋል ጽሕፍና “ኣፍ-ኣርክቡ ንሓመድ ድበ ኢሳይያስ” በጺሕና ዘሎና። ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ብእንብሰሮ ሞት ኢሳይያስ ክሳብ እንሰምዕ ድማ ብዘይ ምሕላል እጅገና ሰብሲብና ክንቃለስ ኢና። እቲ ምንታይ ናይ ሕልና ምርጫና ስለዝኾነ።

“ተሓቢኤን ይጠንስኦ’ሞ ሰብ ኣኪበን ይሓርሰኦ” ከም ዝበሃል፣ ኢሳይያስ እቲ ቅድሚ ኣርበዓ ዓመታት ኤርትራውያን ንምጽናት፣ ነዛ ሃገር ድማ ቡሶላ /ኮምፓስ/ ከም ዘይብላ መርከብ ናብ መኣዝኑ ዘይፍለጥ ግብ ዝበለ ጸልማት ንምድቕዳቕ ተሓቢኡ ዝጠነሶ ሰባብ ድቂ፤ ሎሚ ኣብ ዘመን ሳልሳይ ወለዶ ኤርትራ ተጋሂዱ ኣሎ።

ናብቲ እንብህጎ ርሻን ሓርነት ንምብጻሕ፣ ናይ ትማሊ ዝነበረ መንገዲ ክንጥምት ይግበኣና። ኢሳይያስ ቅድሚ ትማሊ፣ ትማሊን ሎሚን ከመይ ዝኣመሰለ ሕብርታት ይቐያይር ከም ዝነበረ ንምፍላጥ ድማ ሕሩድን ዕጣንን ዘድልዮ ጉዳይ ኣይኮነን።

ንሕና ደቂ ቆላን ከበሳን ኤርትራውያን ዘይነጽፍ ፈለግ ኣሎና። ናይ ሎሚ መንነትና፣ ተግባራት ህግደፍ ዝሓምሮጎ ሓበጀራዋይ’ኳ እንተመሰለ፤ ኣይተረኮነን። ካብ ኤርትራዊ ክውንነት፣ ስነ-ምግባርን ባህሊን ዝሓከለ ዕሉል ገበነኛ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ እተን ንኣርበዓ ዓመታት ዝቓንየን ዝነበረ ስልኪታት ክራሩ ተበታቲኸን ኢየን። ሎሚ ኣብ ኣፍ-ኣርክቡ ዕምሩ ኣትይሉ ኣብ ዘለወሉ ተሃዋሲ ግዜ ድማ በታ ተሪፋቶ ዘላ እንኮ ዘይተበትከት ስልኪ ክራሩ ገይሩ ናይ ቀደም ደርፊ ንክደርፍ ዝመጣጠር ዘሎ ዘይክውንነታዊ ፍጡር ምዃኑ ካብ እንግንዘብ ኣይወሓደን።

‘ተካል ሓሙ ሸዊት ሓጋይ ይእዝዝ’ ከም ዝተባህለ፤ ኣብ ኣፍ-ኣርክቡ ዝበጽሐ ውጹዕ ድማ ዘይእዝዞ ነገር የለን። ኢሳይያስ ካብ ቃሬዛ ንምምላስን ነቲ ኣብ ቀብሩ ንክብላዕ ዝተኣዘዘ ቋሬጣ ንምድንጓይን፣ ካብን ናብን የዕለብጥ ኣሎ። ብዘይካ እቲ ካብ ነዊሕ ዓመታት ኣትሒዙ ክዘባዘብ ዝጸንሓ ወፍሪ ማዕድናት፣ መሸጣ ወደብ ዓሰብ ብሓሙሽተ ቢልዮን ዶላር ዝበሃል ሕሹኽሹኽታ ተወሲኽዎ ቀንዩ ኣሎ። ሎሚ ኣብ ዘመነ-ሚለንየም፣ ኣብዚ ዓለምና ናብ ንእሽቶ ቁሸት እናተቐየረት ትኸደሉ ዘላ ዘመነ-ዓውላማ፣ ኢሳይያስ ብሂወት ኣብ ልዕሊ መሬት ክሳብ ዘሎ፤ ሃገርና ኤርትራ ናይ ዓለምና ጸልማት በዓቲ ኮይና ንክትጸንሕ ተፈሪዳ ኢያ። ኣብ ጉዳይ ኤርትራን ኤርትራውያንን ፖለቲካዊን ቁጠባዊን ለውጢ፣ ፍትሒ፣ ሰብኣውነት፣ ቅዋም፣ ጽጋብ፣ ፍቕሪ ወ.ዘ.ተ... ኣብ መቓብር ኢሳይያስ ጥራይ ኢየን ክጥጠዓ ዝኽእላ።

ሕልሚ ‘ትግራይ ትግርኚ’ ጠጂኡ ንሜዳ ዝወፈረ ኢሳይያስ፣ ናብቲ ዝሓለሞ ጥርዚ ንምብጻሕ ክጻብኡኒ ይኽእሉ ኢዮም ዝበሎም ዜጋታት ኤርትር በብሓደ እናለቐሞም ኢዩ ዝጓዓዝ ዝነበረ። እቲ ኣብ ደበንገረ ኮይኑ ዝሓለሞ ፎእ ሕልሚ ከኣ ካብ ኣመና ስስዐ ዝተበገሰ ጥሙሕ፣ ጌሶን ጥጅእን ስለዘብዝሓሉ፣ ናብቲ ዝሓለሞ ጽራይን ሕትሞን ከይበጽሐ እንከሎ መጺጹን ስዋ ኣብሖ ኮይኑን ኢዩ ዝተረፈ። ሎሚ ብድሕሪ ፍርቂ ዘመን ካብ ከውታ ድቃስ ብር እንተበለስ፤ “ትግራይ ትግርኚ” የለ “ግዝኣተ-ዓባይ ኢትዮጵያ”።

ኣብ መዝገበ-ቃላት ታሪኽ ውልቀ-መልኽቲ ‘ተመስገን’ ዝብል ቃል የለን። ስለዝኾነ ድማ እነሆ ዕሉል ጉሒላ ኢሳይያስ፣ ኣብ ክንዲ ተመስገን! ናብ ኢትዮጵያ፣ ጂቡቲ፣ ሶማል፣ ወ.ዘ.ተ... ከስፋሕፍሕ ክብል ኣብ ኣፍ-ኣርክቡን ዱሮ ምኽንባልን በጺሑ ንርእዮ ኣሎና። ሕልሚ ኢሳይያስ፣ ሕልሚ ስሱዕ ባዕላዊ ሕልሚ’ምበር ዝገሃድ ሕልሚ ኣይኮንን። ከምቲ፦

‘’ኣጣል እንታይ ኢዩ ደሃየን?”
“...እምቤእእእ!”
“እንታይ የውጽኣ ኣለዋ እየ ዝበልኩኻ?”    
“ዓኾር” ዝብል ተረካብ ዘረባ፤ ሕልሚ ኢሳይያስ ዓኾር ካብ ዝኸውን ኣይወሓደን።

ኢሳይያስ ናብ በዓቲ ዓላ ካብ ዝተሓወሰላ ሰንካም ዕለት ንደሓር በብሓደን ብጉጅለን ሰባት እናኣሕቀቐ እንከሎ ስለ መሰል ወዲ ሰብ ወይ ስለ’ቲ በጃ ህዝቢ ንምሕላፍ ንበረኻ ዝወፈረ ተጋዳልይ እሕሕ ዝበለ ኣባል መሪሕነት ኣይንበረን። ካብ “ዘመነ-መንካዕ” 1973 ክሳብ “ዘመነ-ጂ 15” 2001 ኣብ ዝነበረ ናብ ምእሳርን ቅንጸላን ደቀባት ኤርትራ፣ ኩላቶም እቶም እናረኣዩ ኣዒንቶም ዝጸቐጡ፣ እታ ሰባብ ካራ ኣረኻኺባትሎም ኢያ። እዞም ሎሚ’ውን ጎሮሮኦም ክሳብ ዝልሕትት  ትንፋስ ክልቅብሉ ዝደልዩ ዘለዉ ቃንጥሻታት፣ ዝልቀብ ዕምሪ እንተረኺቡ ሓደ መዓልቲ ከረኻኽበሎም ኢዩ።

ብሰንኪ ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ፣ ኣብ ክንዲ ስርናይ ክርዳድ ኮይኑ ሕብስትና። ኣብ ክንዲ ዕምባባታት ተካእቲ ወለዶ ድማ ጨው ፈሪና ንሕና ኤርትራውያን። ኣብ ዱኻን ወላኻን ኤርትራ እሾኽ ዳንዴር ንክዘርእ ኣንጊሁ መርዛም ስንቂ ተኾልኲሉ ዝወፈረ ገበነኛ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ንጹር መልክዑን መንነቱን ብድሕሪ ዕስራ ናይ ናጽነት ዓመታት ብጋህዲ ተረጋገጸ። ኢሳይያስ፣ ስጋ ደቂ ኤርትራ በሊዑ ዝሰወደ እሙን ልኡኽ ባዕዲ ኢዩ። ክሳብ ግብኣት መሬቱ ድማ ኣብ ዝኽተሎም ሜላትት ጥማዕ ለውጢ ወይ ጽገና ክገብር ኢዩ ማለት ዘበት ኢዩ።
ንሕና ኤርትራውያን ኩሉ ግዜ ነቲ ትማሊ ዝነበረን ኢሳይያስ ዝብሎ ዝነበረን ብዓቢ መደምሰስ ኢና ክንድምስሶ ጸኒሕና። ኤርትራ ከምዚ ሎሚ ዘላቶ ጓህማም ሃገር ንምግባራ፣ ስለምንታይ ቅንጸላ ኣሽሓት ደቂ ኤርትራ ተደልየ? ስለምንታይ ህልቂት ዓሰርተታት ኣሽሓት መንእሰያት ብሰበብ ኲናት ባድመ?

‘ናይ ሞት ይጽናሕ ናይ ሕልፈት ይበኸ’ ከም ዝተባህለ፤ ናይ ሳሕልሲ ይጽናሕ፣ ስለምንታይ’ከ ነቶም ሙሉእ ሂወቶም ስለ ባህጊ ህዝቢ ኤርትራ ዝተጋደሉ መራሕቲን ተጋደልቲን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኢርትራ ኣብ ጎዳጉዲ ዒራ-ዒሮ ቀለብ ኣራዊት ፍልፍል-ሰለሙና ገበሮም? ስለምንታይ ዘዝተወልደ ንስደት? ስለምንታይ ጥሜትን ዓጸቦን? ስለምንታይ ፍልልይ ንህዝቢ ኤርትራ? ስለምንታይ ኣልማማ ስደት? ስለምንታይ መሸጣ ናውቲ ኣካላት ኤርትራውያን መንእሰያት? ስለምንታይ...ስለምንታይ!...

ኣብ ሳልሳይ ክፋል፣ ብተመሳሳሊ ትሕዝቶ ክሳብ እንራኸብ ሰናይ ቅነ!

This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

ኣለና ብውሽጢ፣ ኣለና ብደገ!
ብዓወትና ንኣምን!     
ሞት ክናና
ንኢሳይያስ!!

ይቕጽል…


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...