ኣብ ዘይ ሰምዓካ ደብሪ ከድካ ኣይትማህለል ዝብል፡ ተረት ምስ ናይ እዋኑ ሽግር ህዝብታትና ዝቃዶ፡ ሓቀኛ ብሂል ምዃኑ እስከ ብሓባር ንምዘኖ።

07/05/09. 

ክቡራንን ክቡራትን መላእ ህዝብታት ኤርትራ!!

ሃገርና ኤርትራ ካብ ጥንቲ ካብ ጥቅምቲ ብብዙሕ መከራን ሕሰምን ዝተሞኰረት ብሽግር ዝላደየት ስትንፋስ ናይ መሰል ወዲሰብ ኣስተማቒሩ ዘይፈልጥ ትሸዓተ ብሄራትን ብሄረሰባትን ዝሓቖፈት ብኹሉ ህዝብታታ ዝተፈትወትን እትናፈቕን ሃገር ምዃና ምስክር ዘየድልዮ፡ ንመዋእል ክቡር ሂወቱ ዝኸፈለን ጌና ዝኸፍለላ ዘሎን ካብ ጭቆና ተላቒቑ ዘይፈልጥ ዉጹዕ ህዝብታት ዝቖመት ሃገር እያ። 

ካብዚ ክውንነት እዚ ብምብጋስ እየ እምብኣር እዚ ናይ እዋኑ ሽግርና ምስዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ተረት ከማሳስሎ ሕልናይ ዘገደደኒ።

ፍንፉን ስርዓት ህግደፍ ካብ ታሪኻዊ ኣማጻጽእኡ ናይ ምስማዕን ምርዳእን ካብ ካላኦት ሓሳብ ምቕባልን ግደፍዶ ንድሕነት ህዝብታትን ሃገርንሲ ዋላ  ንኣምስሉ ንውልቀ ረብሕኡ ንኸይቅላዕን ከይጋለጽን ክብል እኳ ንልዝብ ኣፍደጊኡ ከፊቱ ኣይፈልጥን። 

እዚ ባህሪኡ ዝዓደሎ ኣራዊታዊ ጭፍራ ብልውህናን ግርህነትን ዘይንቕሓትን ድሑር ሕብረተሰብኣዊ ዝንባሌታትን እንዳ ተጠቕመ ንህዝብታትና ከም ቅኑዕ ናይ ሃይማኖት ሰባኺ ቅዱስ ክመስል ንዕኡ ዝመስሉ ካብ ኩሉ ሃይማኖታትን ሕብረተሰብናን ብውልቃዊ ረብሓን ጉንዖን ሃሱሳትን  ወይጦታትን ዓሲቡ ሕብሮም እንዳቐያየሩ ኣብ ልዕሊ ህዝብታትናን እንፈትዋ ሃገርናን ይቕረ ዘይባሃሎ ግፍዕን ንኽትገልጾ ቃላት ዘይርከቦ መዘና ዘይብሉ ዓቢ ፋሽሽታዊ በደል ፈጺሞምን ይፍጽሙ ከምዘለዉን ንማንም ስዉር ኣይኮነ።

እዚ ካብ ዲክታቶርነት ናብ ፋሽሽትነት ተሳጋጊሩ ዘሎ ጸረ ሰላምን ጸረ ደሞክራስን ኣራዊታዊ ገበነኛ ጉጅለ ሕጂ ዘምጸኦ ባህሪ ዘይኮነስ ጽባሕ ኣብ ደሞክራስያዊት ሃገርና ኣብ ሳሕልን ባርካን ከበሳን ሰምሃርን ደንከልን ብጨካን ጃምላዊ ኣቀታትላ  ዝጠፍኡ ንጹሃትን ፍትሓውያን ጀጋኑ ብጾት ሓደብሓደ ሬሳኦም ብኽብሪ ብምእካብ ኣብ ናይ ጀጋኑ ሃውልቲ ክዕቀብ እዩ።

እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተዘክሩ ሰማእታትን ብቐጻሊ ዝርሸኑ ዘለዉ ንጹሃት ዜጋታትን ታሪኾም ብምትንታን ሓቀኛ ባህሪ ጉጅለ ውልቀ መላኺ ኢሰያስን ሃሱሳቱን ብምቅላዕ ኣብ መጻኢት ኤርትራ ከይድገም ንህዝብታትና ከም ታሪኽ ክመሃረሉ ክግበር ይግባእን ይህልዎን።

ወዮድኣ ሕማም ሕርሲ ተረስዓይ ኮይኑ እምበር ውልቀ መላኺ ኢሰያስ፡ ሃገርና ኣብ ኢዱ ካብ እትወድቕ ጀሚሩ ዋላ ንኸምስል ብጀካ ምስትንዓቕን ምንሻውን ክሲ ህዝቢ በሽካዕላልን ባጫን ከም ኣብ ቦትኡ ኮፍ ዝበለ ፕረሲደንት ብሃላይሲ ይትረፍ ካብተራ ነብሱ ዘይቋጻጸር ውልቀ ሰብ ክትሰምዖ ውን ዘሕፍር እዩ።

ዘይውርዙይ ብዕሉግ ቃላትን ናይ ብሒም ዝበለ ይተሓጎም ዝዓይንቱ ግደፍዶ ክመርሓካስ ክትመርሖ ውን ዘየመንየካ ካብ ኣታዓባብይኡ ዝተጸገመ ጨካን ካብ ዓይኑ ዝስትብሃል ነብሰ ምትእምማን ዘይውንን ብትሕተነብስነት (ብኮምፕለክስ) ዝተሳቐየ ሃላልን ኣብ ክትዕ ዘይኣምንን ናይ ቀዳሞት ጎይተቱ ፈራሓት ፋሽሽቲ ባህሪ ጨቢጡ ዝወነነ እዩ። ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ኣሓትን ኣሕዋትን፡ ስርዓት ህግደፍ ከም ጨካንን ንሕስያ ዘይብሉ ኣራዊታዊ ስርዓት መጠን ብህዝብታትና ዝጣላዕ ዘሎ ብዱዕ ናይ እዋኑ ቀዳማይ ጸላኢ ህዝብታት ኤርትራን ጎራባብትናን ከም ዝኾነ ብሓደ ተረድኦ ክንስምረሉ ይግባኣናን ይህልወናን።

እምበኣርከስ ዝኸበርኩም ህዝብታት ኤርትራ እንተ ብገርሂ እንተ ብጉርሒ እንተ ብውልቀታት  እንተ ብእኩባት ነዚ ኣብ ልዕሊ ህዝብታት ሸይሸይ ዝብል ዘሎ ዓንዳሪ ጉጀለ ዕድሚኡ ንምንዋሕ ዝግበር ዝኾነ ይኹን ዕጥይጥይ ማለት ብላዕ ዘይበልዎስ ጽብሑለይ ይብል ከምዝብሃል ብዝርድኦ ቛንቋ ክትጸፍዖ እምበር ካልእ ቋንቋ ስለ ዘይርዳእ ነብስና ከነታዓሻሹ ኣይግበኣናን።

ኣብ ታሪኽ ዲክታቶርነት እንኮን ኣማራጺ ዘይብሉን ብጐነጽ ማለት ብናይ ከተማ ዓመጽን ብናይ ገጠር ዕጥቅን  ዓቕምታትካ ኣዋሃሂድካ ንህዝቢ ጸላእቱን ፈተውቱን  ከለሊ ድሕሪ ምግባር ማለት ከምዚ ሕጂ  ህዝብታትና ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ናብ ፋሽሽቲ ዝተቐየረ ውልቀ መላኺ ኢሰያስን ዑሱባቱን ከም ቀዳማይ ጸላእቱ ምስ ፈለጠን ብርግጽ ምስ ኣለለየን ኣብ ዉሱናት ሰብ ጹሩራን መጋባበርያቱን ምስ ተነጸለን ብዘይምሕር ኣሎ ብዝብሃል እስትራተጅን ስልትን ብምጥቃም መላሲ ብዘይብሉ ሓንሳእን ንሓዋሩን ክድምሰስ ይግብኦን ይህልዎን።

ብስነ ሞጐታዊ ሓቂ ባህሪ ዲክታቶር ፈራሕ፡ሓሳዊ፡ ጨካን,ዘመድ ወይ መሓዛ ዘይብሉ፡ ስሱዕ፡ ንኹሉ ብዓይኒ ጥርጠራን ጽልእን ዝቋመት ኣብ ነብሱ ዘይታኣማመን ንሓንሳእስ ንጽላለቱ ውን ብጥርጠራ ስለ ዝርኢ ከም ዕቡድ ከልቢ በይኑ ዝጻረፍ ከም ምዃኑ መጠን ብደምን ቅትለትን ኣብ ስልጣን ምስ ተወጠሐ ንዝጀመሮ ሓሶትን ተንኮልን ጭፍጨፋን ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብ መርዛም ክርዳድ እንዳዘረአ ክሳብ መወዳእታ ግብኣተ መርየቱ ብደም ህዝቢ እንዳ ጨቀወ ብናይ ህዝብታት ሰውራዊ ማዕበል ብምርጻም ጥራይ ጥራይንዩ  ክሰዓር ዝግብኦን ዝህልዎን። 

ክቡራንን ክቡራትን ካብዚ ሓቂ እዚ ብምብጋስ እዩ እምበኣር ወለድና ኣብዘይ ሰምዓካ ደብሪ ከድካ ኣይትማህለል ክብሉ ዝተረቱ።እሞ እዚ ማለት ከኣ ባህሪ ጨቆንቲ እዚ ካብ ኮነ እታ መተካእታ ዘይብላ ምርጫ ህዝብታትና ታሪኽና የሐድሽና ንጸላእትና ከም ትማሊና ብዘይ ነግ ፈረግ  ምስ መርዛም ናይ ስለላ መሓውራቶም ሎሚ ቅድሚ ጽባሕ ኢድን ጓንትን ብምዃን ከምቲ ሰዳድ ወረ ዘይብሉ በብሓደን ብጃምላን ከጽንቱናን ካብ ዝተወለድናሉ ከባቢታት ብዘይፍትወትን ብሓይልን ብሽም ሰፈራ ሕድሕድና ከፋሉሱና ዝውጥንዎ ዘለዉ ውጥን ከይቀደሙና ክንቅድሞም ይግባኣናን ይህልወናን።

ዝኸበርኩም መላእ ህዝብታት ኤርትራ ዓመጻዊ ናይ ቃልሲ ምርጫ ፈቲኻ ትመርጾ ዘይኮነስ ወይ ብረት ስለ ዘለካ ክትቀትል ወይ ክትቅተል ጽምኢ ደም ሃልዩካ እትወስዶ ብቕርሕንቲ ዝተላዕለ ዘይኮነስ ኣብ ሃገርካ ፍትሕን መሰልን ማዕርነተን ምስ ተነፈገካ ኣብ ገዛእ ሃገርካን መርየትካን ጓና ምስ ተባሃልካን ብሕግን ስርዓትን ሓቲትካ ደም ልብኻ ተሓጎም ምስ ተባሃልካ ከም ኣማራጺ ናይ ዕላማኻ መሳርሒ እምበር ብረት ንባዕሉ ዓላማ ኣይኮነን ኮይኑ ውን ኣይፈልጥን።

ብሓደ መስከረም 1961 ሰውራና ክጅመር ከሎ ውን ብዓለምለኻዊ ሕግን ኣቤቱታን ድምጽና ምስማዕ ምስተነፈገ ማዕጾ ናይ ሰላም ምስ ተዓጽወና ብተቝጣዕ ከም መተካእታ ዘይብሉ ምርጫ ክውሰድ ዝተመርጸ።

ስለዚዩ እምበኣር ሕጂ ውን ጭቆና ብባዕዲ ይኹን ብወዲ ሃገር በንጻሩኳ ብናይ ወዲ ሃገር ኣዝዩ ዝመርርን ንምቕባሉ ዘሸግርን ስለ ዝኾነ በቲ ተገዲድካ እምበር ከም ምርጫ ዘይምረጽ ናይ ጎነጽ ኣገባብ ቃልሲ ክንወስድ ይግበኣናን ይህልወናን እንብል ዘሎና።

ክቡራንን ክቡራትን ኣብ ዝመጽእ ናይ ህዝቢ መጸዋዕታ ጽሑፈይ ክሳብ ንራኸብ ሰላም።

ዝተቆጠዐ ህዝቢንዘላኣለም ኣይክድቅስን እዩ!!
ብናይ ህዝቢ ተቝጣዕ ቃልስና ክዕወትዩ!!!
ጸላእቲ ህዝቢ ክፍረዱ እዮም!!!
ክብርን ዝኽርን ንሰማእታትና።  

ካሕሳይ ይሕደጎ ሃገር ጀርመን።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...